ቅልውላው

04/07/2018 22:45 PM

ቅልውላው

ብ'ማሕሙድ ሳልሕ (by Mahmud Saleh)

Ethio-Eritrea welcome 26 June 2018

ቅልውላው

ማሕሙድ ሳልሕ (Mahmud Saleh)

ኣደታትና ናብ ሕርሲ ክቐርባ እንከለዋ እታ ባህሪ ባዕላ እያ ትነግረን። እቲ ኣብ ማህጸን ዝርከብ ዕሸል እውን መን ከም ዝነግሮ እንድዒ፡ ካብቲ ምዉቕ ሰፈሩ (ማህጸን) ክወጽእ ይዳሎ። ርእሱ ንቕድሚት ናብቲ መውጽእ ባብ የጋድሞ’ሞ ንምውጻእ ኢሉ ነቲ ባብ የንዃሕኲሕ። ቅልጥፍ ኢላ መታን ክተርሕወሉ ነታ ኣደ ጸቕጢ ይገብረላ። እታ ኣደ እውን በቲ ኣብ ሰውነታ ዝፍጠር ኣካላውን ሆርሞናውን ለውጥታት መዓልቲ ወይ ሳዓት ከም ዝቐረበት ብኣጋኡ ትፈልጥ እያ። ቀሰይ ኢላ ድማ ናብቲ ቅድመ-ሕርሲ ዝበሃል ቅልውላው ተኣቱ። ወላ ‘ኳ ከም ወዲ-ተባዕታይ መጠን ኣባይ ዝወረደ ኣይኹን ምበር፡ ኣርባዕተ ኣወዳት ስለዝወለድኩስ ቅሩብ ምኩር እየ። ኣብ ግዜ ቅልውላው ሕርሲ ነታ ኣደ ብባህሪ ይኹን ብተመክሮ እተጥርዮ ነገር ስለዘሎ፡ ብዛዕባ ኩነታትን ናይቲ ቅልውላው ዝሓሸ ተረድኦ ኣለዋ። እቲ ኣቦ ግን ኣብታ በዓልቲ ቤቱ እትብሎን እተርእዮን ነገራት ጥራይ ስለዝምርኮስ፡ ብጣዕሚ እዩ ዝጽገምን ዝሻቐልን። እቲ ቅልውላው ካብታ ኣደ ዝያዳ ነቲ ኣቦ ይገዶ።

ብኻልእ ወገን ፖለትካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበበራውን ኣእምሮኣውን---ወዘተ ዝበሃሉ ቅልውላዋት እውን ኣለዉ። እቲ ናይ ሕርሲ ቅልውላው ንቃንዛን ጥዕናን ናይ ኣደን ዕሸልን ዝምልከት ይኸውን። ኣብ ዝበዝሑ ሕ/ሰባት ልምዳውያን ይኹኑ ዘመናውያን ክኢላታትን ናይ መሕረሲ ጥበባትን ስለዘሎ፡ እቲ መስርሕ ዳርጋ ደሓን ብዝኾነ ርድኢት እዩ ዝካየድ። ብመሰረቱ እውን ብሕታዊ (private affair) ናይ ስድራቤት ጉዳይ ስለዝኸውን ንሕ/ሰብ ምሉእ ድቃስ ዝኸልእ ኣይከውንን።

ህላወ ቅልውላው ንቡር እዩ። ኣብ መንጎ ስድራቤት ይኹን ሃገራት፡ ወላ እውን ኣብ ውሽጣዊ ኣተሓሳስባ ነብሰወከፍና ዝቕልቀል ስምዒት እዩ። ብርታዐ እቲ ቅልውላው እውን ዝፈላለ ይኸውን። ሱር ናይ’ቲ ቅልውላው ምስ እንፈልጥ ኣብ ኣፈታትሕኡ ቁጽጽርን ተራን ምስ ዝህልወና፡ እቲ ንሱ ዝፈጥሮ ስግኣት ይንኪ። ኣፈታትሓ ቅልውላው ናብ ዓወት ወይ ፍሽለት፡ ናብ ዕድል (opportunity) ወይ ክሳራ (ፍሽለት) ከምርሕ ይኽእል። ክሉ ቅልውላው ናብ ጥፍኣት የምርሕ ማለት ኣይኮነን። ኣፈታትሓ ናይ’ቲ ቅልውላው እዩ እቲ ወሳኒ።

ንሕ/ሰብ ብምልኡ ድቃስ ዝኸልኡ ቅልውላዋት፡ እቶም ነቲ ሕ/ሰብ ብምልኡ ብጽሒት ወይ ሳዕቤናት ዘለዎም ከም ፖለቲካውን ወተሃደራውን ቁጠባውን ካልእ ከምኦም ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ውሳነታት ዘድልዮም ጉዳያት እዮም። ኣብ ክፉት ሕ/ሰብ ዜጋታት ነቲ መስርሕ ስለዝቆጻጸርዎ፡ እቲ ህንጡይነት ወይ ፍርሓት ብመጠኑ ደሓን ይኸውን። በቲ ሓደ ወገን ድማ ዓባሳት ኣብ ዝኾኑ ስርዓታት፡ ዜጋታት ብዘይካ ሓበረታ ካብዝን ካብትን ምምእራር ካልእ ኣማራጺ የብሎምን። እዚ ድማ ነቶም ናይ ምልኻዕን ምድንጋርን ሞያ ዝለመዱ ደላሎ ጽቡቕ ዕዳጋ እዩ። ስለ’ዚ፥ ወላ’ኳ እቲ መልሰ-ግብሪ እንፈልጦ እንተኾነ፡ ዜጋታት ኤርትራ ንመንግስትና ጸቕጢ ክንገብረሉን፡ ንጉዳያትና ዝምልከት ሓበሬታ ክንረክብ መሰልና ከምዝኾነን ክንገልጽ ኣለና። ንዓና ዝምልከት ሰበር ዜናን ሓበረታን ካብ ኣፈኛታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ክንሰምዖ ጽቡቕ ኣይኮነን። ሰበስልጣናት ኢትዮጵያ በቲ ንደገፍቶም ዘሕጉስ ቋንቋን ኣገባብን ስለዘቕርብዎ፡ ጽሬት ሓበረታ ክብለል ይኽእል። ሓቂ እውን ክትዕመጽን ክትጉብጥን ትኽእል እያ። ከምዝመስለና፡ ንመንግስትና እውን ዘርበሖ ኣይኮነን።

ኣብ መወዳእታ 1990ታት፡ መራሕቲ ወያነ ዶባት “ዓባይ ትግራይ” ክጥርሩ ንዓድታትን ሓረስቶትን ኤርትራ ከፈናቕሉ እንከለዉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ጉዳይ ብምስጢር ይሕዞ ነይሩ። መራሕቲ ትግራይ ግን ህዝቦም ንኲናት እዮም ዘዳልዉ ነይሮም። ኲናት ክውላዕ እንከሎ ዝፈለጥናዮ ነገር ኣይነበረናን። ዶባት ሰላም እዩ ዘሎ ይበሃል ነይሩ። ነቲ ኩነታትት ንምትህድዳእ ዝግበር ዝነበረ ክኸውን ይኽእል። ስምምዕ ኣልጀርስ ክኸውን እንከሎ እውን ቅርጹ ይኹን ትሕዝቶኡ ብውሳነ መራሕትና እምበር ኣፍልጦ ይኹን ተራ ነይሩና ክበሃል ኣይከኣልን። ሰላም ስለዘይጽላእ ግን እፎይታ ተሰሚዑና።

እዚ እንርእዮ መስርሕ ናይ ሰላም ግን ፍልይ ስለዝብል፡ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ብሓቂ ንፉዓት ናይ ህዝባዊ ርክባት ክኢላታት ክምዝዝን ብቑዕ ትካል ከዳልወሎምን ኣለዎ። ምኽንያቱ ነዚ ተረኺቡ ዘሎን ክንደይ ዝተኸስረሉን መስርሕ ሰላም ንዜጋታት ብዘዕግብ መገዲ መታን ክግስግስ ንቑሕ ሱታፈ ዜጋታት ስለዘድሊ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝግለጽ ስክፍታታት መብዛሕትኡ ሓበረታ ካብ ዘይምርካብ እዩ። እዚ ናብ እኩብ ኣእምሮኣዊ ቅልውላው ክምዕብል የብሉን። ኣእምሮኣዊ ቅልውላው ንሓደ ኣገዳስነት ዘለዎ ፍጻመ ሱሩን መሰረቱን ይኹን ኣንፈት ምዕባለኡን ካብ ዘይምፍላጥ ዝመጽእ ስግኣት ወይ ፍርሂ እዩ። ከምዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጀሚሩ ዘሎ ርክባት ድሕሪ ክንደይ ናይ ደምን ንብረትን ግዜን መስዋእቲ ዝመጽእ ዘሎ ስለዝኾነን ኣፍልጦና ኣብቲ መስርሕ ድሩት ስለዘሎን ብዙሕ ሕቶታት ክመጹና ባህርያዊ እዩ። ከምኡ እውን ርእሰ ሓያላት ገንሸል ዞባዊ ይኹን ግሎባዊ ረብሓታቶም ክገብሩና ብዙሕ ስለዝረኣና፡ ስግኣታት ክህልዉና ባህርያዊ እዩ።

ኣብ አምንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሰላም ተስፋ ምስተራእየ ዝበዝሕ ሰብ ተሓጒሱ። ውሑዳት ግን ስግኣቶም ክገልጹ ጸኒሖም። ብፍላይ ነቲ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ንልኡኻት መንግስቲ ኤርትራ ዝተገብረ ኣቀባብላ ዝምልከት ብዙሕ ሕቶታት ክመጹ እትጽበዮ እዩ። ከመይ ኢሎም እዮም ንዕስራ ዓመታት ኣብ ኩነተ-ኲናት ዝነበሩ ወገናት ብዘይ ናይ መሰጋገርን መዳለውን ግዜ ናብ ብናፍቆት ዝተወድኡ ዝመስሉ ኣዕሩኽ ተቐዪሮም ክንድ’ቲ ጨለ ዘረባታት ክለዋወጡ ተባሂሉ ክሕተት ግቡእ እዩ። እቲ ቅልውላው ገዲዱና ዝብሉ ወገናት ክህልዉ እውን ርዱእ እዩ።

ምኽንያቱ፡ እቲ ዝርዝር ናይ’ቲ ርድኢት ክልቲኣኦም መንግስታት ጥራይ ስለዝፈልጥዎ፡ ተዓዛባይ ነቲ ዝርካቡ ሓደ-ሓደ ተረፍ-መረፍ ሓበሬታ ጥራይ እዩ ለቓቒቡ ዝመስሎ ስእሊ ከቕምጥ ዝኽእል። ተዓዘብቲ ድማ ነናቶም ናይ ምዕዛብ ዓቕምን ክእለትን ጥበብን ስለዘለዎም ናብ ዝተፈላለየ መደምደምታታት ክበጽሑ ንቡር እዩ። ግን ካብ ሓበሬታ ክንሕረም ኣይግበኣናን እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ዓለም፡ ናብ ምምእራር ሓበረታን ምልቕቓብን ጨርቀምቀም ምባልን ዘብጽሕ የብልናን። ንሕጂ ግን ብዘለኒ ጥራይ እየ ክዛረብ ዝኽእል፡ ካብ ልቕብቃብ ትዕዝብትታትን ዝተዋጽአ ነዚ ኩነታት ኣስፊሕና ክነንብብ ዝሕግዝ ዝበልክዎ ውልቃዊ ርኢቶይ ክህብ እየ። ግቡእ ሓበረታ ስለዘይብለይ፡ ትንታነይ ምሉእ ክኸውን ከምዘይክእል ኣቀዲመ ነንበብቲ ክሕብር እፈቱ።

ትዕዝብተይ ኣብ ልዕሊ እቲ ኢትዮጵያ ንልኡኻት መንግስቲ ኤርትራ ዝገበርዎ ልዑል ኣቀባብላ

ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ንልኡኽ ኤርትራ ፕሮቶኮላዊ ካሚን ከምዝተገብረሎም፡ ማለት ንወኖም ዝማርኽን ዝሰድዕን ኣቀባብላ ከምዝነበረ ይዛረቡ ኣለዉ። ካልኦት እውን፡ እዚ ክሉ ደም ዝፈሰሶ ጉዳይ ተረሲዑስ ከመይ ኢሎም እዮም ኣብ ሓጺር እዋን ናይ ፍቁራት ቃና ዘጋውሑ ነይሮም ዝብሉ ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ኣለዉ። ክሉ ቅቡል እዩ። እቲ ጸገም ድማ ሚኒስትሪ ዜና ወይ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሓበሬታ ኣብ ምእካብ እምበር፡ ሓበሬታ ኣብ ምክፋል ኢዱ ሓጺር ስለዝኾነ እዩ’ምበር ከም’ዚ ኢልና ሓበሬታ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክንጽበ ኣይግድን ነይሩ። ጸገም ናይ’ዚ ኩሉ እቲ ርክባትን ብዛዕባ’ቲ ርክባት ዝበሃል ዘሎን ዘይኮነስ፡ ነቲ ፈላሚ ጽምዶን ዘመዝገቦ ዓወትን ንዓን ንኤርትራውያን እንታይ ምዃኑ ኣብ መቓኑ ኣእትዩ ዝገልጽ ኣካል ስለዘይብልና እዩ። መራሕቲ ኢትዮጵያ በቲ ንደገፍቶም ዝጥዕም የቕርብዎ ኣለዉ። መራሕቲ ኤርትይራ ከ ስለምንታይ ኣብ ሳዓቱ በቲ ንዓና ዘገድስ መዳዩ ዘይገልጽዎ? እቲ ናይ መስከረም.ኮም ካርቱን ስእሊ ትዝክርዎ’ዶ? እቲ ማዕጾ ገና ይኩሕኳሕ ኣሎ። ክሳብ ምስ ግዜ ክጓየ ዝኽእል ውዑይ-ደሙ ናይ ሓበረታ ትካል ወይ ቃል ኣቀባሊ ዝዳሎ፡ ዓዲ-ሃሎ ሃለው ካብ ምባልናን ማዕጾኡ ካብ ምኹሕኳሕናን ክነቛርጽ የብልናን። ሸግራይ ክሓስበሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።

ርኢቶይ ኣብቲ ሓፈሻዊ መስርሕ

እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝረኣናዮ ድግስ ብድንገት ዝተፈጥረ ኣይኮነን ዝብል ርኢቶ ኣለኒ። ኣብ መቓን ናይ’ቲ ሓፈሻዊ ዞባዊ ምዕባለታት ማለት ኣብ ውሽጢ ኢህወደግ ክግበር ዝጸንሐ ውሽጣዊ ጥምጥምን፡ ከምኡ እውን ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ እቲ ህወሓት ዝቆጻጸሮ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ዝነበሩ ጽዕንቶ ብሓደ ወገን፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሓይልታት ለውጢ ኢትዮጵያ ክገብሮ ዝጸንሐ ናይ ነዊሕ ዓመታት ስትራተጂካዊ ምትሕግጋዝን ምድንጋጽን በቲ ካልእ ኮይኑ ክረአ ኣለዎ። ብዞባናን ዓለምን ምስ ዝጥመት ድማ፡ ዳግም ስርርዕ ሓይልታት ኸሊጅ (ወሽመጥ ዓረብ) ብመንጽር ኢራን፡ ከምኡ እውን እቲ እንዳጎልሐ ዝረአ ዘሎ ዳግመ-ምቕልቃል ዝሑል ኲናት (ኣብ መንጎ ኣመሪካ ትመርሖን ሩስያን ትመርሖን ዓለም)፡ እቲ ንምጥፋእ ሓይልታት ጥሩፍነት ዝግበር ዓለማዊ ጻዕርን፡ ካልእ ምስ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ ናይ ዞባና ዝተኣሳሰር ናይ ቁጠባን ንግድን ረብሓታት፡ ኮታስ ድምር ቅመራ ናይዞም ኩሎም ኣዝዮም ዝተወሳሰቡ ሓይልታት እዩ።

ብፍላይ ንኹነታት ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ኣቓልቦ ክረክብ ዝደፍአ ምኽንያታት፡ ምንቁልቃል ኩነታት ኢትዮጵያን ኣብ ዋሽንግተን ዝመጸ ሓዲሽ ምምሕዳር ትራምፕን እዮም ዝብል ርኢቶ ኣለኒ። ምኽንያቱ፥ እቶም ካልኦት ረቛሒታት ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣይተቐየሩን። ኤርትራ ኣብ ሕጋዊ ባይታ ረጊጻ ንሰላም ካብ ትጽውዕ 16 ዓመታት ኮይኑ እዩ። እቲ ካልእ ዞባውን ዓለማውን ኩነታት እውን ሕጂ ዝተፈጥረ ዘይኮነስ ንዓስርተታት ዓመታት ፈኸም ክብልን ክገድድን ዝጸንሐ እዩ። ስለምንታይ ደኣ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኢህወደግ ብሃንደበት ንስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ዶባት ኢትዮ-ኤርትራን ብዘይቅድመ ኩነት እቕበሎ ዝበለ?

ንዓና እዩ ሃንደበት ዝኾነና ’ምበር ነቶም ተዋሳእቲ (መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት) ሃንደበት ኣይነበረን ዝብል ርኢቶ እዩ ዘለኒ። ከምዝመስለኒ፡ እቲ “ኣይሰላም ኣይኲናት” ዝብል ኩነት ክቕየር ከምዘለዎ ኣብ ውሽጢ ኢህወደግ ይኹን ብህዝቢ ትግራይ ካብ ነዊሕ ክድፋእ ዝጸንሐ ሓሳብ እዩ።፡ ዝሓለፈ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ እውን ሃገሩ ንኤርትራ ዝምልከት ሓድሽ ፖሊሲ ክተውጽእ ከምዝኾነት ክገልጽ ጸኒሑ ነይሩ። ምኽንያቱ ብዘይፍለጥ ግን እቲ ሓድሽ ፖሊሲ ከይተገልጸ ጸኒሑ። ኢህወደግ በቶም ኤርትራ ስዩም ክትብልን ጻዕዳ ባንደራ ክተንበልብልን ዝጽዕቱ ዝነበሩ ውሑዳት መራሕቲ ወያነ ተባሒቱ ስለዝነበረ፡ እቲ እማመ በቲ ኤርትራ ክትቅበሎ እትኽእል መልክዑን ኣገባብን ክወጽእ ኣይደለዩን።

ይኹን እምበር፡ ኢህወደግ ካብ ቁጽጽር ናይ’ቶም ንሳላሳ ዓመታት ከም ናይ ብሕቶም ትካል ዘመሓደርዎ ዝነበሩ መራሕቲ ወያነ ናጻ ምስ ወጸ፡ ናይ ኢትዮ-ኤርትራ ሰላም ዝሓሸ ዕድል ረኺቡ። እቶም ንህዝቢ ትግራይ ትርጉም ዘለዎ ብልጽግና ከየመዝገቡ ግን ንርእሶም ሓደሽቲ ሰብ-ሃብቲ (nouveau riche) ዝኾኑ ውልቀሰባት ምስ ተገለሉ፡ እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድ ዝምራሕ ናይ ለውጢ ወገን ነቲ እማመ ኤርትራ ክትውሕጦ ብእትኽእል መልክዕ ከቐርቦ ዕድል ረኺቡ። በትሪ መውንግስቲ ኣመሪካ እውን ብድሕሪት ከምዘላ ክርሳዕ የብሉን። ክርሳዕ ዘይብሉ፡ ብዓይኒ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ለውጢ ዝመርሕ ዘሎ ሓይሊ ክረኣ እንከሎ፡ ምስ ኤርትራ ናብ ሰላማዊ መገዲ ምምላስ ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከምዘሕጉስን ነቲ ንኢትዮጵያ ናብ መገዲ ጥፍኣት ክወስዳ ዝጸንሐ ወገን ተወጊኑ ከምዝሕለፍ ኣብ ምግባር ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎ ኮይኑ ተሰሚዕዎም ይኸውን። ብዙሓት ተጋሩ ደለይቲ ሰላምን ደለይቲ ጽቡቕን ብምዃኖም ኣካል ናይ’ዚ ናይ ለውጢ ማዕበል አክምዝኾኑ ዘይምዝንጋዕ። ብዛዕባ’ዚ ሓፈሻዊ ስእሊ ምስ እትደልዩ፡ ዝሓለፉ ጽሑፋተይ ኣብዝን  ኣብዝን ጠውቑ።

ናይ ኣረኣእያ ስጥመት

ኤርትራ ምስ’ቲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ክጎሃሀር ዝጸንሐ ናይ ለውጢ ሓይሊ ናይ ኣረኣእያ ስጥመት ክህልዋ በሃርያዊ እዩ። ክልቲኡ ወገናት ማለት እቶም ናይ ኢትዮጵያ ናይ ለውጢ ሓይልልታትን መንግስቲ ኤርትራን ዝመሳሰል ዕላማ ክነብሮም እትጽበዮ ነገር እዩ ምኽንያቲ ክልቲኡ ወገን ኣንጻር እቲ ንጸጋታት ኢትዮጵያ ብሒቱ ሰላም ህዝብታት ኢትዮጵያን ሰላም ጎረባብቲ ሃገራትን ክዘርግ ዝጸንሐን ኣብ ዕግርግር ጥራይ ክሃጥር ዝኽእል ሓይሊ እዮም ዝቃለሱ ነይሮም። ክልቲኡ ወገናት ንጉዳይ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ፈቲሖም ናብቶም ዝዓበዩ ጉዳያት ልምዓትን ሓባራዊ ምትሕግጋዝን ምምልላእን ክሰግሩ ዝደልዩ እዮም ነይሮም። ኣብዞም ዝስዕቡ ክልተ ጉዳያት ድማ ሓባራዊ ርድኢትን ቀጥታዊ ይኹን ተዘዋዋሪ ምትሕግጋዝን ክነብሮም ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ።

1. ምርግጋእ ኢትዮጵያ፡ ሓንቲ በዓልቲ ሚእቲ ሚልዮን ጨናፍር ገረብ ክትወድቀካ ጽቡቕ ኣይኮነን። ስለ’ዚ፡ ንኤርትራ ይኹን ነቶም ሓድነትን ሰላምን ኢትዮጵያ ዘቀድሙ ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ከምኡ እውን ብሓፈሽኡ ነቶም ብዛዕባ ሰላም ዞባና ዝግደሱ ሓያላት መንግስታት፡ ብዛዕባ ምርግጋእ ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ ምሕሳብ ኣዝዩ ኣገዳስን ንነዊሕ ዝጥምት ስትራተጂካዊ ውሳነን እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ኤርትራ ትኹን እቶም ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዞም ዘለዉ ሓይልታት ለውጢ ተመሳሳሊ ርኢቶ ክህልዎም ክግመት ይከኣል።

2. ሰብ ብዙሕ ናእዳ ወይ credit ዘይህቦ፡ እቲ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ምስ ብዙሓት ማሕበረሰባት ኢትዮጵያ ክትገብሮ ዝጸንሓት ዝምድናታት እዩ። ምስ ትግራዎት፡ ኦሮሞ፡ ኣምሓራን ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ክትገብሮ ዝጸንሓት ምትሕግጋዝን ምድንጋጽን፡ ከምኡ እውን እቶም ምስ ኤርትራ ጥቡቕ ናይ ስራሕ ዝምድና ዝነበሮም ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣብ ምምጻእ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ናይ ለውጢ ማዕበል ግደ ስለዝነበሮምን፡ ብተዘዋዋሪ ይኹን ብቐጥታ ኤርትትራ ኣብ ምዕዋት ኣቶም ናይ ኢትዮጵያ ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ግደ ነይርዋ ማለት እዩ።

[ኤርትራ ነዚ ሰፊሕ ምስ ዝተፈላለይ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዝመስረተቶ ዝምድናታት ክተስፈሖ ኣለዋ። ከምቲ ኣብ መወዳእታ ዓመታት ቃልሲ ንኹሉ እንቛቕሖኣ ኣብ ሓደ ዘንቢል ናይ ወያነ ዘቐመጠቶ እሞ ብኡ ኣቢላ ተበሊዓ ዝተረፈት፡ ሕጂ ተመሳስሊ ገጋ ክትገብር የብላን። ]

ስለ’ዚ፡ እቲ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝተራእየ ንዜናን ማሕበራዊ ርክባት እምበር እቲ ንኽልቲአን ሃገራት ዝምልከት ጉዳያት ኣቀዲሙ ሰጒሙ ዝነበረ ኮይኑ ይስመዓኒ። እንተወሓደ ኣብ ስትራተጂካዊ ጉዳያት ምርድዳኣት ነይሩ እዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። በዚ መንጽር’ዚ ክረአ እንከሎ፡ እቲ ብልኡኽ ኤርትራን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝግበር ዝነብረ ምውድዳስ፡ ከም ጽንብል ናይ ሓባራዊ ዓወት እዩ ክረአ ዘለዎ። እታ ንሰላም ክትጽውዕ ዓመታት ዘቑጸረትን ኣዝዩ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለትን ኤርትራ፡ ኣብ መወዳእታ ንጸረ-ሰላም ሓይልታት ስዒራ ምስ ደለይቲ ሰላም እትራኸበሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ ኮይኑ እዩ ዝርእዮ። ስለ’ዚ ናይ “”እንቛዕ ኣሓጎሰና” ርክብ እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ዲፕሎማሲያዊ ቋንቋ

ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ናይ ሰላምን ናይ ሕውነትን ናይ ሰናይ ጉርብትናን ቋንቋ እዩ ተጠቒሙ። ንኽብሪ ኤርትራ ይኹን ልኡላውነታ ዘራኽስ ዘረባ ኣየውጸአን። ኣብታ ንፕረሲደንት ኢሰያስ ዝለኣኻ ቪደዮ እውን ንሰማእታትና ክብሪ ሂቡ እዩ። ከምቲ ሕማም ሕርሲ ተረሳዒ ዝበሃል ኮይኑ እምበር፥ እዚ ምስ’ቲ ሰራዊት ወያነ ንመቓብር ሰማእታትና ብምፍራስን ብምድምሳስን ብምርኻስን (desecrate) ዘርኣይዎ ኢሰብኣዊ ተግባር ክወዳደር እንከሎ ናይ ምድርን ሰማይን ፍልልይ ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ሓበረታ ኣብ ምክፋል መናን ዘይኮነ መንግስቲ ክሳብ ዝሃለወና፡ ምድንጋር ክህሉ ንቡር እዩ።

ካብዚ ቅወጺለ፡ እተን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከዘራርባ ዝቐነያ ቃላትን ሓረጋትን ብናተይ ርድኢትን ገምጋምን ክትንትን ክፍትን እየ።

1. እቲ ሃዋሁ፡ ናይ ደስደስን ናይ ታሕጓስን እዩ ነይሩ። ምስ’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ምዕባለ ናይ’ቲ መስርሕ ምስዝረአ ግን ብዙሕ ዝጋነን ኣይኮነን። ዲፕሎማስን ምጽዋግን ወይ ምትፍናንን መክይድቲ ኣይኮኑን። ንዕርቅን ሰላምን ኣብ ትቐርበሉ ግዜ፡ ፍሽኽታን ምርኣይን ምትሕቑቛፍን ልሙድ እዩ። ጥበባት ናይ’ቲ ዓውደ-ስራሕ እዮም። ገሊኡ ሰብ “እዚ ናይ ኣምሓራ ናይ ምጥባርን ምስዳዕን ኣገባብ ንፈልጦ ኢና” ክብሉ ኣንቢበ ኣለኹ። ክቡታር ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ቅሩብ ፍትሕ ክብል ኣለና። ሓራቕ ወይ ገራጭ ባህሪ ዘለና፡ ኣመላኽታና ደኣ ክነማዕብል ኣለና እምበር ንጽቡቕ እንግዶት ዝገብር ህዝብን ባህልን ሲ ክነመስግኖ ኣለና።

2. ኣሕዋት ኢና፡ ሓደ ህዝቢ ኢና= እዚ ዝውቱር ዲፕሎማስያዊ ኣገላልጻ እዩ። ሱዳናውያን ንኤርትራውያን፡ ኤርትራውያን ንሱዳናውያን፡ ኤርትራውያን ንየመናውያን ካልኦት እውን ከምኡ፡ ነቶም ብታሪኽ፡ ብባህልን ብደምን ብፖለቲካዊ ኣራእያን ኣሰላልፋን፡ ብቑጠባዊ ረብሓታት ---ወዘተ ዝተኣሳሰሩን ነቶም ንሓባራዊ ብልጽግና ዝጠምርዎም ኣፋትል ንምትራር መራሕቲ ይኹኑ ጸሓፍትን ስነጥበባውያንን ዝጥቀሙሉ ቋንቋ እዩ። ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዝምድና ዝኽሕዶ ዘሎ ኣይመስለንን። ፖለቲካውያን መራሕቲ ኣብ ግዜ ኲናት ነዚ ባሃርያዊ ኣፋትል ይቖርጽዎ ኣብ ግዜ ሰላም ድማ ይደራርብዎ። እዚ ንልዑላዊ ቦታ ወይ ክውንነት (status) ናይ ሓንቲ ሃገር ዝትንክፍ ኣይኮነን።

3. መደመር (ምድማር)= እዚ እውን ኣብ ኣህጉራዊ ምትሕግጋዛት ዝዝውተር ልሙድ ቋንቋ እዩ። ልዑላውነት ማለት ዶባትካ ጠሪርካ ናይ ኳረንቲ ሓጹራት ምግባር ማለት ኣይኮነን። ሃገራት ደረተን ዘፍልጣ ልክዕነተን ወሰነን ንምርግጋጽ (ambiguity ከይህሉ) በዚ ድማ መጻኢ ወለዶታት ብዶብ ምኽንያት ኣብ ኣህላቒ ኲናት ከይሽመሙ እየን ዶባተን ዝጥርራ ‘ምበር “ደሓን ኩኒ ዓለም” ኢለን ማዕጾአን ክዓጽዋ ኣይኮነን። ብተወሳኺ፡ ዶባት ምምልካት፡ መንግስታት ነቲ ሕጋዊ ስልጣነን (jurisdiction) ዘተግብራሉ ወሰናስን መሬት ንምፍላጥ ኣገዳሲ ይኸውን። ስለ’ዚ፡ ዶባት ንጎረባብቲ ማሕበረሰባት ይኹን ሃገራት ብቑጠባውን ባህላውን ንግዳውን ንምንጻለን ኣይኮነን ዝጥረር።

በዚ ፣አልክዕ እዚ ምስ ዝረአ፡ እቲ ዶ/ር ኣቢ ዝደጋግሞ ዝነበረ “መደመር” ዝብል ቃል፡ ዶባት ንምድማር ጻዕርታት ወይ ምትሕግጋዝ ሃገራትን ዝኽልክል ሓጹር ኣይኹን ንምባል እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ምድማር ወይ ምድግጋፍ፡ ሃገራት ንፖለቲካዊ ናጽነተን ሓልየን ብወለንታዊ ሕርያአን ዝገብረኦ ምትሕግጋዝ እዩ እምበር፡ ንሃገራትን ኣህዛብን ብጸቕጥን ምድፍፋእን ንምድማር ወይ ንምድውዋስ ማለት ኣይኮነን። ብዝኾነ፡ እቲ ዶ/ር ኣሕመድ ዝመርሖ ናይ ለውጢ ሓይሊ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ቋንቋ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ይኹን ኣብቲ ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሃገራት እትገብሮ ርክባት ዝያዳ ድፍኢት ዝህቦ እዩ። ኣብ ከንያ ኢልዎ፡ ኣብ ሱዳንን ግብጽን ካልእት ዝበጽሓን ሃገራት ኢልዎ እዩ። ብዝያዳ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ዝለዓለሉ ከምኡ ቋንቋ ምጥቃሙ ንዓና የኽስብ እምበር ኣይጎድእን። እቲ ካልእ ኣማራጺ እቲ ብሓይሊ ንናጽነት ኤርትራ ክቕልብስ ዝደናደን ናይ ትፍራፍ ሓይሊ እዩ። ኤርትራ ብደም ደቃ ናጽነታ ዘረጋገጸት ልዑላዊት ኣባል ሕቡራት ሃገራት እያ። ብደምን ረሃጽን ደቃ ጥራይ እያ ተኸቢራ ክትነብር እትኽእል። ምስ ናይ ሰላም ሓይሊ ዝምድና ምግባር ነቲ ንምክልኻላ ዝኽፈል ዋጋ ኣዝዩ ከምዝውሕድ ይገብሮ።

እስኪ ዶ/ር ኣቢ ኣሕመድ “ መደመር” ምባሉ እንታይ ምዃኑ ክንግምት ንጽዓር። ከምዝመስለኒ ካብቲ ልሙድ ናይ ኣህጉራውን ዞባውን ምትሕግጋዝ ዝወጽእ ኣይኮነን። እዚ ድማ፡ መደመር ወይ ምድማር ማለት ምምልላእ (complimenting)፡ ምድግጋፍ (cooperartion); ወይ ድማ ምውህሃድ ወይ ምትሕብባር (integration) እዩ ዝገልጽ ዘሎ። እዚ ተግባር እዚ ናብ ሲነርጂ ዝመርሕ እዩ። ሲነርጂ (synergy) ቃል ብቃሉ፥ ፍርያት (ውጽኢት) ናይ ዝድመሩ ወይ ዝተሓዋወሱ ነገራት ካብ ድምር ናይቶም ነቲ ውጽኢት ንምፍራይ ዝወጹ ነገራት ወይ ተግባራት ምስ ዝበዝሕ ወይ ዝዓቢ እዩ። እዚ እንታይ ማለት እዩ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ እቲ ተሓጋጊዘን ዝረኽበኦ መኽሰብ ካብ ድምር ናይቲ በብውልቂ ኣብቲ ሓባራዊ ዕማም ዘውዕልኦ ወጻኢታት ይበዝሕ ማለት እዩ። እቲ ሓባራዊ ጽምዶ ዘፍርዮ ጸጋ ካብቲ በብውልቂ ኣብቲ ጽምዶ ዘዋፍርኦ ይዛይድ ማለት እዩ። እዚ ኣብ ኣህጉራዊ ንግዲ ይኹን ኣብ ኩባንያታትን ዞባዊ ዕዳጋታትን መሳለጥያታትን ---ወዘተ ዝውቱር እዩ። ነዚ ዘካይዳ ዓለማውያንን ዞባውያንን ውድባት እውን ኣለዋ። ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ውድብ ሕቡራ ሃገራት፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፡ ማሕበር ምትሕግጋዝ ወሽመጥ ዓረብ፡ ናይ ምብራቕን ምዕራብን ኣፍሪቃ ናይ ንግዲ ዞና፡ ናይ ሰሜን ኣመሪካ ናይ ንግዲ ውዳበታት ከም ኣልያ ወይ መሳለጢ ናይ ምድማር ጻዕርታት ክረአ ይኽእል። እቲ ምትሕግጋዝ እንዳ ዓበየን እንዳ ጠዓመን ምስ ዝኸይድ ድማ ናብ ዝማዕበለ ምድማር ማለት ናብ ከም ናይ ናጻ-ታሪፍ ዞባን ከምኡ እውን ፍሉይ ናይ ቁጠባን ንግድን ዝምድናን ከምኡ እውን ናብ ንምክልኻልን ጸጥታን ዝምልከት ሓባራዊ ስምምዓት ክኸይድ ይኽእል። ኣዝዩ እንተጥዒሙ ድማ ናብ ፖለቲካዊ ምውህሃድ ከመርሕ ይኽእል እዩ።

ሃገራት ኣፍሪቃ ንምሕባር ካብ ሱሳታታ ክስረሓሉ ጸኒሑ። ኣብ ናይ ቀረባ ግዜ ትዝታ ምስ እንምለስ፡ ሙዓመር ቐዛፊ ልክዕ ከም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመስል፡ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሪቃ ክምስርት ላዕልን ታሕትን ይብል ነይሩ እዩ። ዝበዝሓ ሃገራት ኤውሮጳ ውልቀ-ልዑላውነተን ሓልየን፡ ሓባራዊ ቑጠባውን ፖለቲካዊ ጽጥታውን ናይ ምኽልኻልን ሕብረት ኣለወን። እዚ ኣዘራርባ እዚ ምናልባት ነቲ ዝሓለፈ ናይ ኣንድነት ታሪኽና ዘዘኻኽር ክኸውን ይኽእል፡ ግን ብፍጹም ዘተኣሳስር የብሉን። ነዚ ኣልዒሎም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ወረ ከዋቕዑ ዝውዕሉ ኣለዉ። ወረ ገሊኦምስ ትማሊ ኣብ ታንክታት ወያነ ተሓንጊሮም ኣስመራ ደበኽ ክብሉ ዝደፋፍኡ ዝነበሩ፡ ሎሚ ሕልፊ ሰቦም ናይ ሓርበኝነት ወኒ ወሪስዎም ዓንገረር ይብሉ ኣለዉ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ሕማም ርእሲ ክሕዘና የብሉን ጥራይ እየ ዝብል። እዚ ንርእዮ ዘለና ምቅርራብን መንፈስ ሰላምን ክተባባዕ ዘለዎን ኣብ መንጎ ልዑላውያን ሃገራት ዝግበር ዘሎ ወለንታውን ሰላማውን ናይ ምትሕግጋዝ ተበግሶ እዩ። ዕድል ደኣ ተኸሊእና እምበር፡ ካብ መጀመርያ ትስዓታት ብዛዕባ ሓባራዊ ዕዳጋን ኢጋድን ካብ ዝጽዕሩ ዝነበሩ ወገናት ‘ኮ ኢና። ካራ ኣብ ክሳድና ተወጥዊጡ ስለዝነበረ ነቲ ናይ ወያነ ናይ ኣሽካዕላል ናይ ሰላም ጽውዒት ኣይተቀበልናን። ቅኑዕ ድማ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ኣብ ድኹም ቦታ ወይ ኩነት ዝግበር ርክባት መኽሰብ የብሉን። ሎሚ ግን ኤርትራ ኣብ ሃያልን ድልዱል ባይታ ረጊጻ እያ ነዚ መድረኽ ተኣትዎ ዘላ። ንጥቕምና ድማ ኢና እቲ ናይ ምድማር ወይ ምምልላእ እንገብሮ። ተራና ድማ ንዝመጽእ ወለዶ መሰረት ሰላምን ምትሕብባርን ምንጻፍ እዩ።

4. ዶባት ሃገራት ኣርቲፊሻል እዩ ዝብል ኣዘራርባ፥ እዚ እውን ልሙድ ኣዘራርባ እዩ። ዶ/ር ኣቢ ኣሕመድ ዝመሃዞ ኣይኮነን። ኩሉ ፖለቲካዊ ዶባት ኣርቲፊሻል ወይ ድማ ሰብ-ሰርሖ እዩ። ዶ/ር ኣቢ እውን ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከቱ ዶባት ጥራይ ኣይኮነን ኣርቲፊሻል ኢልዎም። ንዶባት ኢትዮጵያን ከንያን፡ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ኢትዮጵያን ጂቡትን ሓደ ብሓደ እንዳ ጠቐሰ እዩ ብዛዕባ ዝምድናታትን ርክባትን ኣህዛብ ዝዛረብ ነይሩ።

አውሮጳውያን ገዛእቲ ብኸመይ ዶባት ሃገራት ኣፍሪቓ ከም ዝመታተሩ ንፈልጦ ኢና። ብመሰረቱ እውን፡ ዶባት ባህርያውያን ኣይኮኑን። ሰባት እዮም ዝቕይስዎምን ዝውስንዎምን። ስለ’ዚ ድማ ሰብ-ሰርሖ ወይ ድማ ኣርቲፊሻል ደረታት ክበሃሉ ይከኣሉ።እዚ ግን ዶባት ፖለቲካዊ ኣገዳስነት የብሎምን ንምባል ዘይኮነስ፡ ዶባት ከም መጋረዲ ቁጠባውን ባህላውን ንጥፈታት ክኾኑ የብሎምን ንምባል እዩ። ዶባት ምጥራር ኣብ ምትእምማንን ሰላምን ዝተመርኮሰ ዕብየት ንምድንፋዕ እምበር ጠንቂ ምርሕሓቕን ኲናትን ክኾኑ የብሎምን ንምባል እዩ። ዶባት ምኽላል ንምርግጋእን ጥራይ ክኸውን ኣለዎ። ብመሰረቱ እውን ኣህዛብ ኣፍሪቓ፡ ዶባቶም ንሶም ብዘይመዘዝዎም ገዘእቲ ዝተሓንጸጸ ክንሱ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ግን ነቲ መግዛእታዊ ዶባት ተንከስ ኢለን ከይትንክፈኦ ኣብ ቻርተረን ማለት ኣብ ቅዋም ውድብ ሓድነት ኣፍርቃ ኣስፊረንኦ እየን።

ጎረባብቲ ሃገራት፡ ኣብ ዶባተን ዝካየድ ምንቅስቃስ ምስ ኩነታት ጸጥታአን ከፍክሰኦን ከጠንክርኦን ይረኣያ እየን። እንሓንሳብ ናጻ ምንቅስቃስ ይገብራ እንሓንሳብ ይርግጠኦ። ብተመሳሳሊ፡ ሃገራት ክብን ለጠቕን ዝብል ዝምድና ኣለወን።እንሓንሳብ ሕድገታት ገረን ይኸዳ እንሓንሳብ ናብ ኲናት የምረሓ። ሃገራዊ ዶባት ሕጋውን ፖለቲካውን ትርጉም ኣለዎም። ርዝነት ሕጋውነቶም ይኹን ፖለቲካዊ ሚዛኖም ምስቲ ኣብ መንጎ እተን ጎረባብቲ ዘሎ ናይ ሰላም ወይ ናይ ኲናት ኩነት ተዛሚዱ ዝረአ እዩ።

ፍጥረታዊ ወይ ባህርያዊ ዝብል ቃል ተጻጻራሪ ናይ’ቲ ኣርቲፊሻል ወይ ሰብ-ሰርሖ ዝብል ቃል እዩ። ኣነ ወዲ ተባዕታይ እየ። እዚ ብዝኾነ መገዲ ክቕየር ኣይክእልን። ባህርያዊ እዩ። ሆርሞናት ወሲደ ንግዳማዊ ጠባያት ክልውጥ እኽእል እየ። እቲ ናይ ወዲ ተባዕታይ ፍጥረተይ ግን ክቕይር ኣይክእልን እየ። ሓደ ዋህዮ ስብነትና ፍጥረት ዝወሰኖ ዶብ ወይ ሽፋን (membrane) ኣለዎ። ኣብ መንጎ ውሽጣዊ ትሕዝቶኡን ኣብ መንጎ እዚ ሽፋንን ፍሉጥ ብሕጊ ባህሪ ዝምእዘዝ ተገባብሮ ወይ ዝምድና ኣለዎ። ነዚ መንደቕ እንተኣፍሪስካ እቲ ዋህዮ ይመውት። ምኽንያቱ እቲ ባህሪ ዘቐመጦ ደረት ስለዘፍረስናዮ እቲ ዋህዮ ህላዌኡ የኸትም። እዚ ናይ’ዚ ዋህዮ ሽፋን ይኹን ናተይ ወዲ ተባዕታይ ናይ ምዃን ተረኽቦ ባህርያዊያን እዮም። ሰብ-ሰርሖ ወይ ኣርቲፊሻል ኣይኮኑን።ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ዶባት እንተፈሪሱ ግን እቶም ኣህዛብ ይኹን ቑጠባውን ፖለቲካውን ሂወቶም ክቅጽል ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡስ’ባ ዝያዳ ‘ኳ ይስስኑ። ስለ’ዚ፡ ልሙድ ናይ ምትሕግጋዝን ምትሕቑቋፍን ቋንቋ ብዙሕ ቆንቊ እንተዘየምጻእናሉ ጽቡቕ ይመስለኒ።

ልክዕ እዩ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ክሳብ ሕጂ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓና ዝምድና ደማዊ እዩ። ግን ቅልውላው ክፉእ ነገር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዕድል እውን ከምዝፈጥር ክንርዳእ ኣለና። ኣብ ሰላምን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ዝምርኮስ ምድማራት ጻጋታትን ጻዕርታትን ንዓና ኣዝዩ ኣርባሒ እዩ። ኣተሓሕዛና ጥራይ እዩ ዝውስኖ። በዓልቲ ሚእቲ ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ጎረቤትና ኢትዮጵያ ብሰላምን ምርግጋእን እንተቐጺላ፡ ንዓናን ዓቢ ጻጋ እዩ። ስለ’ዚ፡ እቲ ኣተሓሳስባ ቅሩብ ክሰፍሕ ኣለዎ። ኢትዮጵያ ጎዳኢትና ዝኾነት ጎዳእቲ ዝኾኑ መራሕቲ ስለዝነበርዋ ጥራይ እዩ።

5. ምስቶም ዘድመዩና ሓይልታት’ዶ ኣይኮናን ነጣቕዕ ዘለና?

ንተጋሩ ኣርሒቕና፡ ከመይ ኢልና ምስቶም ኣብ ኤርትራ ዝዋግኡና ዝነበሩ “ኣምሓሩ” ንዕረቕ ዝብል ሕቶታት እውን ነቢበ። ብዝኾነ ኣምሓሩ ወይ ኦሮሞቶት ወይ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣይኮኑን ተዋጊኦምና። ስርዓታት ኣዲስ ኣበባ እዮም ተዋጊኦምና። ህዝቢ ኣምሓራ ኣምሓሩ ኣይኮነን ንህዝቢ ኤርትራ ዘድመዩ። ስርዓታት ኣዲስ ኣበባ እዮም። ወያነ እውን ‘ኮ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣራት ኪሎ ምስ በጽሐ ተዋጊኡና እዩ። ስለ’ዚ ምጥንቃቕ ‘ኳ ጽቡቕ እንተኾነ፡ እቲ ነገር ናብ ዓለታዊ ወይ ዘርኣዊ ኣገላልጻ ክህልዎ የብሉን።

ብተመሳሳሊ፥ ህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን እዚ ኩሉ ዓመታት ኤርትራ ንምንብርካኽን ንብትታንን ዝጽዕር ዝነበረ። ህዝቢ ትግራይ ደኣ እወ በዓል ጽቡቕና። ምስኡ እሞ እንታይ ዘባእስ ኣለና። ስለ’ዚ፡ ክሉ ግዜ ነቲ ሓፋሽ ህዝቢ ዘይኮነስ፡ ነቶም በቲ ስርዓት ዝረብሑ elite ኢና ዕላማ ክንገብር ዘለና። እዞም ሰብ ጸቢብ ረብሓታት ድማ ኣብ ክሎም ኣህዛብ ኣለዉ።

ብዝኾነ፡ ጉዳይ ዶባት ክልቲአብ ሃገራት፡ ንኤርትራን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝምልከት እዩ። ዝቕጽል ዝምድናታት ክልቲአን ሃገራት እውን በዚ መገዲ እዩ ዝኸይድ። እዚ ማላት ግን ንህዝቢ ትግራይ ከም ምጉሳይ ክረአ የብሉን። ህዝቢ ትግራይ እቲ ቀንዲ ደራኽን ኣካል ናይ’ዚ ናይ ሰላም ጉዕዞ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ከምዘስመርክሉ (ኣብ ላዕሊ ለቂበያ ኣለኹ) ነባሪ ሰላም ዝመጽእ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ብዘይጸገም ምስዝራኸብን ይቕረ ምስ ዝበሃሃል እዩ። ነዚ ከም ዲናሞ ከገልግሉ ዝግበኦም ክልቲኦም ውድባት ማለት ህግድፍን ህወሓትን ከምኡ እውን ዓቕምን ሞያን ዘለዎም ጸሓፍትን ናይ ባህልን ስነጥበብ ክኢላታትን እዮም። ብተውቀሳኺ፡ ነባሪ ሰላም ክፍጠር እንተኮይኑ፡ ናይ ክልቲኦም ውድባት ሰላም ወሳኒ እዩ።

ምጥርጣር ጽቡቕ፡ ግን ብዓቐን

ዋሕስ ኤርትራ ልዕሊ ኹሉ ህዝባ እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታትት ናይ ታሪኻ ዝተነድፉን ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎምን ዶባት ኣለዋ። እቲ ቀዳማይ እቲ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተወዓዓሎ ናይ ዶብ ስምምዓት (1900፡ 1902፡ 1908) ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ እቲ ኣብ 2002 ዝተዋህበ ብይን ዶባትን ብ2007 ዝተወደአ ምምልካቱን እዩ። ክልቲኡ ኣፍልጦ ሕቡራት ሃገራት ኣለዎ። ስለ’ዚ፡ ንዕኡ ምውዳእ ጥራይ እዩ ዝተርፋ። ብዙሕ ኣይንሰከፍ። ናጽነት ኤርትራ ዝትንክፍ የለን።

ካብቲ ናብቲ እቶን ዝቐረበ ህዝቢ ዝያዳ ጸላዕላዕ ክብለና የብሉን

ንዕስራን ሹውዓተን ዓመታት ንኸበባን እገዳን ታህዲዳትን ዘይተጻዕደ ህዝብን መንግስቱን ሎሚ ናብ ስድዓትን ክድዓትን ገጹ ከንከራሩ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ቅሩብ ዒብ ዘድልዮ ነገር እዩ። ኣነ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ብዙሕ ነገራት ኣይሰማማዕን እየ፣ ኣብ ጉዳይ ዶባት ግን ካብኡ ንላዕሊ ዝኣምኖ ወገን (credible ዝኾነ) ወገን የለን። ከብድና ንኹሉ ደኣ ዝጸውር ኮይኑ እምበር እቶም ሎሚ ልዕሊ ሰቦም ብዛዕባ ዶባት ዝነብሑ ዘለዉ ወገናት ኣብ ጉዳይ ልዑላውነት ሃገርና ብርኡይ ንዓመታት ዘልሓትሓጥን ሽታሕታሕን ክብሉ ርኢናዮም’ኳ ኢና።

ብሓጺሩ ቅሩብ ርግእ ምባል ከድሊ እዩ። ንዓመታት ንዶባት ሃገርና ክሕልዉ ዝኣረጉ ሓርበኛታት ኣለዉና። ብኻልእ ደኣ ንኽሰሶ እምበር፡ ንዓመታት ብጸቕጥን ታህዲድን ዘይጃጀወ መንግስቲ ኣለና። ዶባት ኤርትራ ንምውሓስ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዝኸፈሉ ወገናት እንከለዉስ ብልሙድ ኣውራቕራቒ ቃላት ዲፕሎማሲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ክሰድዑ ወይ ክዝንግዑ እዮም ምባል ንሚዛን በሃልቱ ጥራይ ይገልጽ። ንሓንቲ ለይቲ’ኳ ክነብርየኩም ኢልናዮም ዘይንፈልጥ ኣባላት ምክልኻልና፡ ነዚ ክሉ መዓት ተጻዊሮም ኣብ ሎሚ በጺሖም ንልኡላውነት ሃገሮም ኣሕሊፎም ክህቡ እዮም ዝብል ስግኣት የብለይን። ዶብ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ክምልከት ይኽእል፡ ዘይተመልከተሉ ምኽንያት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራ ንምንብርካኽን ንምሕፋርን ንምውራድን ስዩም ንምባላን (capitulate ከም ትገብር) ዝሰርሕ ዝነበረ ስርዓት ኣብ ኢትዮጵያ ስለዝነበረ እዩ። ናይ ሰላም ሓይሊ እንተመጺኡ፡ ክልቲኡ ወገናት ብዝዓግቡሉ መገዲ ዘይውደኣሉ ምኽንያት የለን። ሎሚ፡ ንውሳነ ኣልጀርስን ብይን ዶባትን ብዘይቅድመ-ኩነት ከተግብር እየ ዝብል መራሒ ክቕልቐል ከሎ ተመጣጣኒ ምስጋናን ቅሩብነትን ምርኣዩ እንታይ ነውሪ ኣለዎ?

ነዚ ዘለዓዕል ዘሎ ምኽንያት ግን እንታይ እዩ?

ዝበዝሑ ወገናት ካብ ፍቕሪ ሃገርን ካብቲ ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋ ነቒሎም ነዚ ስግኣታት እዚ የጋውሑ ከምዘለዉ ይርደኣኒ እዩ። እታ ሓንቲ ክብላ ዝደሊ፡ ህዝብኹም እመኑ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ነታ ሃገር ከምታ ንሕና ነፍቅራ የፍቅራን ይሓልየላን እዩ። ዝያዳ ‘ኳ ስለዝኸፈለላ ዝያዳ ይሕለቐላ።

እዚ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እንታይ ነቢብናን ሰሚዕናን ኢና ክሳብ ክንዲ’ዚ ንሻቐል ዘለና። ክሳብ እዛ ጽሕፍቲ ዝጽሕፈላ ዘለኹ ህሞት ብመንግስቲ ኤርትራ ዝርዝራዊ መብርሂ ኣይተዋህበን ዘሎ። ስለ’ዚ ነቲ መስከረም.ኮም ኣበጊስዎ ዘሎ ጸቕጢ ክነራጉድ ኣለና። ነቲ መስርሕ ሰላም ንምቅዋም ዘይኮነስ፡ መንግስቲ ንህዝቢ እዋናዊ ሓበረታ ከቕርብ ክንጽውዕ ኣለና።

ገለ-ገለ ወገናት ግን ኣዝዩ ኣጸያፊ ኣቀራርባ ክኽተሉ ጸኒሖም። ንሶም ከምዝብልዎ፡ ፕረሲደንት ኢሰያስን ገለገለ ካልኦት ሓለፍቲ መንግስትን ናይ ትግራይ ዘርኢ ስለዘለዎም ብቐደሞም እውን ንናጽነት ኤርትራ ኣይኮኑን ተቓሊሶም፡ ሕጂ ከኣ እነሆ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምጽንባር ይበጋገሱ ኣለዉ---ወዘተ ክብሉ ንርእን ንሰምዕን ኣለና- Give me a break! ከምዞም ዓይነት ኣገላልጻ ዘርኣውያንን ዓለታውያንን ጥራይ ዘይኮኑ ግንጢ ( oxymoronic) እዮም። ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምሕዋስ እንተኮይኑ ነይሩ እቲ ዕላማኦም፡ ስለምንታይ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ንምግንጻል ወይ ንምሕራራ ተቓሊሶም? በጃኹም፡ ክተደናግሩ እንተደሊኹም ናትኩም ጉዳይ እዩ። ግን ብዝእመን እንተትገበርዎ ቅሩብ’ዶ ሓደ ክልተ ሰዓብቲ ምረኽብኩም?

ብዝኾነ፥ ኤርትራውነት ብዓጽመ ስጋ ዘይኮነስ ብናይ ዜግነት መለክዒ ጥራይ ክረአ ኣለዎ። ከምዚ ዓይነት ናይ ዓጽመ-ስጋ ምጽብጻብ ኣዝዩ ኣነዋርን ድሑር ኣተሓሳስባን እዩ። ኣብዚ እነብረሉ ዘለኹ ሃገር ዜግነት ክትወስድ ሓሙሽተ ዓመታት ጥራይ ሕጋዊ ኮይንካ ክትነብር ኣለካ። ኣመሪካዊ ዲኻ ወይስ ኣይኮንክና ዝብለካ የለን። እንተሓተቱ፡ ንሕጋዊ ጉዳያት ጥራይ እዩ። ክልተ፡ ሰለስተ ወለዶ ወይ ካብኡ ንላዕሊ እንዳጸብጸብካ እዚ ኤርትራዊ እዩ እዚ ኣይኮነን ምባል ዝኹርዕ ዘይኮነስ፡ ዘሕፍር ተግባር ክኸውን ኣለዎ። ኢትዮጵያውያን ምሩኻት፡ ኤርትራውያን ክንከውን ኢና ኢሎም እኮ ነዛ ሃገር ተሰዊኦምላ እዮም። መን እዩ ሕጂ ንስሞምምን ኣስከሬኖምን ክትንክፍ?
ዓርከይ ፖል ሃይፊልድ (Paul Highfield) ጻዕዳ እንግሊዛዊ እዩ። ኣብ ሰማንያታት ገድሊ ኤርትራ ክርኢ ኢሉ ንሜዳ ተመላሊሱ። ካብቶም መጀመርያ ዝተዓራረኽዎ ነይረ። ጽንሕ ኢሉ ክጋደል ወሲኑ ክሳብ ግዜ ናጽነትን ድሕርኡን ድማ ከምዝኾነ ተጋዳላይ ግቡኡ ፈጺሙ። ኤርትራዊ ዜግነት ኣለዎ። ኣየናይ ዓዲ ውዒል እዩ ሕጂ ልዕልኡ ዝድብል? ብዙሕ ኣብነታት ክጥቀስ ይከኣል ግን እዚ ይኣክል። እቲ መልእኽቲ እዚ ዝስዕብ ክኸውን ኣለዎ፡ ትውልድትን ዓጽመ ስጋን ካብ ዝተወሰነ ኣከባቢ ናይ ዓለም ከም ትውለድ ጥራይ እዩ ዘመልክት እምበር ዜግነታዊ ሓይሊ የብሎምን። ዜግነት ሕጋዊ ትርጉም ኣለዎ። ኤርትራዊ እየ ዝብል ድማ ዓጽመ-ስግኡ ብዘየገድስ ኤርትራዊ ዜጋ ዝኾነ ሰብ ጥራይ እዩ። ዘርኣዊ ምክፍፋል ወጊድ ክበሃል ዝግበኦ ኣዝዩ ድሑር ኣተሓሳስባ እዩ። ብትውልዲ “ጽሩያት” ኤርትራውያን ዝኾኑ ግንብግብሮምን ብትውፊቶምን (commitment) ኢትዮጵያውያን ዝኾኑ ‘ኳ ኣለዉ እዮም።

ብዝኾነ ብዝዩሕ ኢለ እየ፥ ነዚ ነዊሕ ጽሑፍ ክተንብቡ ግዜኹም ብምስዋእኩም የመስግነኩም። ይኹን እምበር፡ እቲ ቅልውላው ንምጉዳሉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ግቡእ ሓበረታ ኣብ ግዚኡ ከመሓላልፍ ፡ ንሕና ድማ ብሓላፍነታዊ መገዲ ክንመያየጠሉ ጽቡቕ ኮይኑ ይስመዓኒ። ዎ ደሓንኩም።

ነቶም ሃናጺ ርኢቶታትን ምትብባዕን እትልእኹለይ የመስግን። ቀጽልዎ። ነቶም ትጸርፉኒ እውን ንጽሑፋተይ ብምንባብኩም ኣዝየ እየ ዘመስግነኩም። እኽብድ ኣቢልኩም ለጥጡኒ። የቐንየለይ።

ማሕሙድ ሳልሕ (Mahmud Saleh)
ሓምለ 1፡ 2018

email me at; sheideli95@gmail.com


Share with friends:


See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

•   ናይ ኢትዮጵያ በዓል 5 ነጥብታት እማሜ ኣብ 2004። Ethiopia Five-point plan (2004)  

•   ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ Eritrea - Ethiopia Boundary Commission DECISION (13 April 2002)  

•   The Pitfalls of the Eritrean Opposition Camp - by Gebre Gebremariam (Dr.)  

•   #EBCየኤርትራ ልዑካን ቡድን አባላት አዲስ አበባ ሲገቡ የተደረገላቸው አቀባበል (26 June 2018)


See also recent Articles by Mahmud Saleh Hamed:


Share with friends: