ስለምንታይ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ጋም-ማን ይነብር ኣሎ? (1ይ ክፋል)

13/05/2018 13:58 PM

ስለምንታይ

ደምበ ተቓውሞ ኣብ ጋም-ማን ይነብር ኣሎ?
(1ይ ክፋል)

ማሕሙድ ሳልሕ (MAHMUD SALEH)


Eritrea PFDG vs Opposition


ስለምንታይ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ጋም-ማን ይነብር ኣሎ?
ቀዳማይ ክፋል
ማሕሙድ ሳልሕ (Mahmud Saleh)

መእተዊ

ዕላማ ናይ'ዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ንመራሕቲ ደምበ ተቓውሞ ካብቲ ዘለዉ ምቹእ ስፍራ ክወጹን፡ ኣራኣእያኦምን ኣተሓሳስበኦምን ሜላታቶምን ከነጽሩ ንምትብባዕ እዩ። ደምበ ተቓውሞ ጠገለ ዝሰኣነ ጫካ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ኮይኑዎ እዩ። እቲ ንህላዌ ኤርትራ ዝጻረርን ዳግም ናብ ባርነት ክመልሰና ዝደሊ ወገን ይኹን እቲ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ከናቑት ዝጽዕር ጻሕታሪ ነገር ኣብቲ ጫካ ሰፊሩ ኣሎ። እቲ ሓድሽ መንነት ክህንድስ ዝመጣላዕ ሃላሊ ይኹን እቲ ህሉው ብድሆታት ሃገርና ብቅኑዕ ነቢቡ ግቡእ ፍታሕ ከቕርብ ዘጸግሞ’ሞ ከምቲ “ ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ” ዝበሃል፣ ሕርቃኑን ተስፋ ምቑራጹን (frustration) ናብ ምንሻው ጀጋኑ ሰማእታትና ዘውርድ ፈኲስ፣ ኮታስ ኩሉ ዝዓይነቱን ዝሕብሩን ፖለቲካዊ ፍጥረት ንደምበ ተቓውሞ ከም ድርዒገይሩ ንፖለቲካዊ ባይታ ኤርትራ ኣራግጽ ወዲእዎ ኣሎ። እቲ ኣዝዩ ዘሰክፍ ድማ፡ እቶም ኣብዚ ናይ ዕግርግርን ናይ ምድንጋርን ምስዳዕን (misinformation and misleading) ዘመተ ተዋፊሮም ዘለዉ ወገናት ካብቶም ኣብ ሓቂ ረጊጾም ንፍታሕ ዝእምትን ዝሕግዝን ክውንነታዊ ርኢቶታትን እማመታትን ክቕርቡ ዝፍትኑ ኣሓትን ኣሕዋትን ዝበዝሑ ምዃኖም እዮም። እዞም ዳሕረዎት፡ ማለት እቶም ብዘይካ ምምሕያሽ ኤርትራ ካልእ ጥሙሓት ዘይብሎም ሃገራውያን በቶም ዋጭዋጭ ዝብሉ ኣዕነውቲ ባእታታት ስለዝተዋሕጡ፡ ኩሉ ግዜ ተቓውሞ ክንቀፍ እንከሎ ንሶም እውን ተለኪሞም ኣናተዘብጡ እዮም።

ከምዝመስለኒ፡ እቲ ምክንያት ኮይኑ ዘሎ፡ እቶም ሃገርዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ጉጅለታትን ንሃገራዊ ረብሓ ዝሰርሑ ውልቀሰባትን ድምጾምን መርገጺኦም ክፈልዩ ስለዘይካኣሉ፣ ብጫውጫውታ ናይዞም ኣዕነውቲ ምንቅስቃሳት ተዓብሊሎምስ ሎሚ ደምበ ተቓውሞ ከምዚ እዩ ክትብሎን ቅርጹ ይኹን ትሕዝቶኡ ክትልከዖን ኣብ ዘይትኽእለሉ መድረኽ በጺሑ ኣሎ።

እዚ ጽሑፍ ስለምንታይ ናብዚ በጺሕና ዝብል ሕቶ ክምልስ ክፍትን እዩ። ኣብ ውልቃዊ ትዕዝብተይ ዝተመርኮሰ ርኢቶ ኣዩ። ስለምንታይ ፖለቲካዊ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ጋም-ማን ተወሲኑ ብዝብል ሕቶ ክጅምር ድማ ባህርያዊ እዩ።
ቅድሚ ሕጂ ከምዝበልክዎ፣ ኤርትራ መን ይመርሓ ንዓይ ኣየግድሰንን እዩ። ኤርትራ እንታይ ዓይነት ኣመራርሓ ክህልዋ ይግባእ ዝብል ሕቶ ግን የገድሰኒ እዩ። መን ብዘየገድስ፣ ኤርትራ ከመሓይሽ ሓሳብ ዘለዎ ወገን እድግፍ። ኤርትራ ሎሚ ኣብ ኣዝዩ ተሃዋሲ ኩነታት ትርከብ። ኣብ ዞባና ዝረአ ዘሎ ምቕይያር ሓይልታት ይኹን ኣብቲ ዞባ ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን ኲናትን ዕንወትን ጥንቑቓት ክንከውን የተሓሳስበና እዩ።

ኣብቶም ዝቕጽሉ ክፋላት ክግለጽ ከምዝኾነ፡ እቲ “ስለምታይ” ዝብል ሕቶ ኣብ ዝሓተትኩሉን ቅልጡፍ ገምጋም ጉዕዞ ናይ’ዚ ደምበ ተቓውሞ ዝበሃል ቅርጺ-ኣልቦ ግዛዕ ኣብ ዝዳህሰስኩሉ ግዜ፡ ካብ ዝውለድ ኣትሒዙ ኣብ ጋም-ማን (ማካነክ ረውሕ) ክነብር ዝተበገሰ ምንቅስቃስ ኮይኑ ረኺበዮ። እቶም ሕመረት ናይ'ቲ መስራቲ ሓይልታት ይኹኑ ባእታታት ካብ ቐደሙ ከሰማምዖም ዘይክእል ፖለቲካዊ ፕሮግራማት ዝሓዙ፥ ጃብሃ ካብ ትፈርስ ክናቖቱ ዝጸንሑ፥ ንሱ ከይኣክል ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 40ታትን 50ታትን ዝሰገሮን ብመስዋኣቱ ዘሕወዮን ኣቑሳል ናይ ሃይማኖትን ወገንንነትን (ብሄርተንነት) ተሓዊስዎ፡ ንጹር ራእን ግብራዊ ስትራተጅን ዘይነበሮ፡ ብዓቢኡ ድማ ኤርትራ ኣብ ኲናት ኣንከላ ምስ ወራሪ ስርዓት ወያነ ዝወገነ እዩ ነይሩ።

ብኣፈርክቡን ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝተደፋፍአን ጅማረ ኣዩ ነይሩ። ትሕዝቶ ናይ ደሞክራስን ፍትሕን ዘይነበሮ፡ ናብ ምግልባጥ መንግስቲ ዘድሃበ ኣጀማኣማራ ሒዙ እዩ ተበጊሱ። ሕዱር ቅርሕንቲ ናይ'ቲ ኣብ መንጎ ጀብሃን ሻዕብያን ዝነበረ ተመክሮ ኣዝዪ ጸላዊ ተራ ከምዝተጻወተ ሎሚ ድሕሪ 20 ዓመታት እውን ክጭኖ ዝኽእል እዩ። እዘን ረቛሒታት እዚአን ነቲ ዝቐጸለ ምዕባለታት ብኣሉታ ጸልየንኦ። እቶም ክዕረ ይኽእል ይኸውን ወይ ካልእ ኣማራጺታት የለን ኢሎም ድሒሮም ዝተጸንበርዎ ኣካላት ኣብ ሓንቢሶም ክወጽእዎ ዘይክእሉ ቀላይ ኣዮም ኣትዮም። ክሳብ ዕለት ሎሚ ድማ ብናይ መድሓኒ-ሂወት ጃከት (life jacket) ጸምበለል ይብሉ ኣለዉ።

ዝሓለፉ መድረኻት ዝህቡና ጽማቑ ተመክሮ፡ ዕቱብ ገምጋም

ሎሚ ህግድፍ ምቕያር ዘይኮነ ሃገራዊ ዝላ ዘምጽእ ሓፈሻውን ኣካታትን (comprehensive and inclusive) ለውጢ ይጥለብ ኣሎ። ኣብ መንግስቲ ዝድለ ለውጢ (ኣኣካላዊ ይኹን ናይ ባህሪ ወይ ጠባያት ለውጢ- replacing or reforming it-) ኣካል ናይ'ዚ ሓፈሻዊ ኣተሓሳስባ ኮይኑ ክረአ ኣለዎ። ምኽንያቱ መንግስቲ ብምልዋጥ ጥራይ ለውጢ ይመጽእ ማለት ኣይኮነን። መንግስቲ ብዘይተጸበካዮ ኣገባብን ኣብ ዘይተጸበኻዮ ግዜን ክቅየር ይኽእል እዩ። ፍታሕ እዩ ማለት ግን ኣይኮነን። ዝኾነ መንግስቲ ክሕዝ ዝመጣጠር ወገን ንድሕነት ኤርትራ ዝቖመን ንመነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ከማሓይሽ ዝኽእልን ክኸውን ኣለዎ።

ከም ትዕዝብተይ እንተኾይኑ፡ መንግስቲ ዝትክእ ሓላፍነታዊ responsible); ዓቕሚ ዘለዎ (capable) ከምኡ እውን ንጹር ራኢ ናይ ዝቕጽል ጎደና ጉዕዞ (roadmap) ዝውንን ማእከልዊ ስሕበት ፖለቲካ ኤርትራ ዝኾነ ኣካል ኣይተፈጥረን ዘሎ። ተቓውሞ ኤርትራ እቶም ኣብ ቀዳማይ ሕጥበ-ጽሑፍ ዝገለጽክዎም ሓይልታት ዝሰሓሓቡሉ ሜዳ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ሃገራዊ ወገን ሓይሊ ክረክብ እንተኾይኑ፡ ካብቶም ካልኦት ዘፍልዮ ዳግም ዝተኸለሰ ንፖለቲካዊ ምዕባለታት ይኹን ሕ/ሰባዊ ምቅይያራት ኤርትራ (emerging societal and political attitudes and aspirations) ኣብ ግምት ዘእተወ ኣወዳድባን ፖለቲካዊ ዘተን (discourse) ከካይድ ኣለዎ። ብሓጺሩ ህዝቢ ከለልዮ ዝኽእል መንነት ከጥሪ ኣለዎ።

"ሃገር ምድሓን" ከም ጭርሖ ቀሊል እዩ። ብግብሪ ግን ሃገር ዘድሕን ኣተሓሳስባን ኣወዳድባን ኣለና ድዩ? ጭርሖታት ንበይኖም መርሓ-ግብሪ ክኾኑ ኣይክእሉን። ደሞክራስን ፍትሕን ምባል ንበይኑ እኹል ኣይኮነን። ለውጢ ክተምጽእ ህዝቢ ክትከስብ ኣለካ። ህዝቢ ድማ ቀሊል ኣይኮነን። እተጽግቦ ቅጫ ኣብ መቕሎኣ ኣንኮላ እዩ ዝፈልጣ። ስለ'ዚ፡ ርእሰ-ግምገማ ምግባርን ኣገባብ ኣሰራርሓ ምስ'ቲ ውዱዕ ኩነታት ከምዝሳነ ገይርካ ምውዳዱን ኣገዳሲ እዩ።

ነባሪ ለውጢ ብሰላማውን ኣእማንን ((persuasive) ማለት ህዝቢ ዓጊቡ ዝስዕቦ ምስ ዝኸውን እዩ። ሚዛን ህዝቢ ዘምጸኦ ለውጢ እዩ እቲ ውሑስ ዝኸውን። ህዝቢ ክንብል እንከለና ድማ ብቐንዱ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን። ኣብ ደገ ዘሎ ተቓሞ ተስፋ ዝህብን ዘለዓዕልን ዘቐላጥፍን ግደ (catalyst role) ክጻወት ይኽእል። እዚ ግን ሓላፍነታውን ቕርጡውን ርጡብን ተራ ምስ ዝህልዎን ኣብ ኩሎም ኤርትራውያን ዝግደሱሎም ጉዳያት ሃገራዊ መርገጺ ምስ ዝወስድን እዩ።

ምስ መን ኢኻ

እዚ ሕቶ እዚ ዕሙታት ሰባት ዝቀዳደሙሉ እዩ። ዝበዝሕ ግዜ ካብቶም ቅኑዕ ወይ ጌጋ ኢልና ብቀሊል ክነለልዮም እንኽእል እቶም ዘይሰትውዓልናፕም ሃሳሳት ዝመስሉ ጉዳያት ይበዝሑ- (In most cases, the gray area is bigger than the white and black combined)። እንተኣስተዒልና ነገራት ከም ዝጠናነጉን ነሕድሕዶም ከም ዝጸላለዉን ክበርሃልና ይኽእል። ብዙሓት ሰባት “ምስ መን ኢኻ” ክብሉ ይሓቱኒ እዮም። ግቡእ ድማ እዩ። ከም ሰብ፡ ምቕዳሕን ዕዉር ሰዓብነትን እጸልእ እየ። ንነገራትን ምዕባለታቶምን ብነቐፈታዊ ዓይኒ ወይ ኣተሓሳስባ (critical thinking) ዝርኢ ሰብ እየ። እቲ ሓደ ዳርጋ ሓውሲ ዕሙት ኮይነ ዝሰዓብክዎ ውድብ ህግሓኤ ነበረ። ዝሕበነሉ ድማ እየ። ሎሚ ነቲ ዳርጋ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዘኽተተን ናጽነታዊ ቃልሲ ዝመርሐን መሪሕነት ህግሓኤ ክነቅፍ ደው ካብ በልኩ፣ ነዞም ሰዓብነት ክረኽቡን ነቲ ዝረኸብዎ ክዕቅቡን ዘይከኣሉ መሪሕነት ተቓውሞ ተዓሚተ ዝስዕበሉ ምኽንያት ኣይረኣየንን እዩ። ነቲ ትማሊ ኣብ ማእከል ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዝዋደቕ ዝነበረ ውድብ ህግሓኤ ክነቅፍ ትብዓት ካብ ተሰመዓኒ፥ ነቶም በብዓይነቱ ሕብርታትን ተጋራጫዊ መልእኽትታትን ሒዞም ኣብ መርበባት ኢንተርነት ጥራይ ዝቕልቐሉ ውድባትን መራሕቶምን ዘይነቕፈሉ ምኽንያት ዘሎ ኣይመስለንን እዩ።

ንሻሙ ክነቕፎም ስለዝደለኹ ጥራይ ግን ኣይኮንኩን ዝነቕፎም ዘለኹ። እንታይ ደኣ፣ ብስመይን ብስም ሃገረይን ይዛረቡን ይዛተዩን ይዋገዩን ስለዘለዉ እየ ዝግደሰሎም። ውድቀቶም ስለዝምነ ዘይኮነስ ዝነቕፎም፣ ከዕውት ዘኽእል ኣካይዳን ባህርን ስለዘይረኣኹሎምን በዚ ሒዞሞ ዘለው ኣካይዳ ናጻ መሕለፊ እንተሂብናዮም፣ ክርዳድ-ድቂ ናይ'ቲ ጽባሕ ድሕሪ ህግድፍ ክፍጠር ዝኽእል በታንን ኣዕናውን ፖለቲካዊ ሃዋሁ ክኸኾኑ ይኽእሉ እዮም ካብ ዝብል እምነት ተበጊሰ እየ ስክፍታይን ነቐፈታይን ብዘይ ሕብእብእ ከነጽር ዝደሊ።

ህዝብን ተጋዳላይን ንመሪሕነት ህግሓኤ፣ "ምእንቲ ሞጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ" ብምባል እንተ ኣሳለዮም ምኽንያት ነይርዎ። ኣንቐሳቓስን ደራኽን (dynamic) ተራ ይጻወቱ ስለዝነበሩ፣ ህዝብን ተጋዳላይን ነቲ ዝረአ ዝነበረ ድኽመታት ናይ'ቲ ውድብን መሪሕነቱን ይጻወሮ ነይሩ። ምእንቲ እቲ ከም ሞጎጎ ዝምሰል ዝነበረ ዕላማ ናይ ናጽነት ተባሂሉ ነቲ ከም ኣንጭዋ ክውሰድ ዝኽእል ዝነበረ ጌጋታትን ኣበራትን ሸለል ምባሉ ወይ ምጽዋሩ ግዜ ዝሓቶ መስዋእቲ እዩ ነይሩ። እቲ ቃልሲ ንጹር ዕላማ ስለዝነበሮን ኣንፈት ግስጋሰኡ ድማ ብሩህን ክድህሰስ ዝኽእልን ስለዝነበረ፡ ኤርትራውያን ክዓስልዎን ነቲ ንኡስ ዓቕሚ ኤርትራ ናብ ደርማስ ማዕበል ክቕይርዎን ከኣሉ ። ብሓደ ኣተሓሳስባ ናብ ሓደ ዕላማ ክምርሹን ክዋደቑን ስለዝኸኣሉ፡ ብዙሓት ዝረሳዕዎ ጉዳይ ኤርትራ ናብ መዓልቦኡ በጺሑ።

እቲ ሃገራዊ ቃልሲ፣ ክረአን ክጭበጥን ብዝኽእሉ መድረኻት ይሓልፍን ብፍጻመታት ዝተጸቕጸቐን ስለዝነበረ መሃይም ይኹን ምሁር፣ ወዲ ገጠር ይኹን ወዲ ከተማ፣ ጓል ኣንስተይቲ ትኹን ወዲ-ተባዕታይ፣ ደቂ-መታሕት ይኹኑ ደቂ ከበሳ ክርድእዎን ክድህስስዎን ዝኽእሉ ህያው እዩ ነይሩ። ከምዚ ናይ ሎሚ ተቓውሞ፣ ህዝቢ ተዓዛባይ ውሑዳት ድማ ተዋሳእቲ ዝኾኑሉ ኩነት ዘይኮነስ፣ ኤርትራ ብምልእታ መድረኽ ተዋስኦ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብምልኡ ተዋሳኣይ፣ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ህዝባዊ ድራማ እዩ ነይሩ። ጸሓፋይ ናይቲ ድራማ ይኹን ኣላይ መድረኽ ዘይፍለጡሉ ግን ከኣ ስጡምን መሳጥን ድራማ እዩ ነይሩ።

ንኸምቲ ዝኣመሰለ ሓይልን ጥምረትን ዝነበሮ ዕማም ከይትዘርግ "ምእንቲ ሞጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ" እንተበልካ የምሕረልካ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት ግን ግሉጽነት ዝጠልብ መድረኽ ስለዝተበጽሐ፣ ብዘይግሉጽነት ድማ ሃገር ምህናጽ ይኹን ተሳታፍነት ዘድልዮ ፖለቲካዊ ስራሕ ክዕመም ስለዘይክእል እታ ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝሰርሓት እትመስለና " ምእንቲ ሞጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ" እትብል መርሓ በብቕሩብ ብግሉጽነት ክትትካእ ነይርዋ። ይኹን እምበር፣ መንግስትና ይኹኑ ተቓወምትና ካብ ጽልዋ ናይ'ቲ ናይ ቀደም ኣሰራርሓ ክንወጽእ ኣይከኣልናን። እታ ሰራም ኣንጭዋ ዋና ምድሪ ቤት ኣተሓሳስባና ኮይና ብዘይስክፍታ ቶኽደምድም ኣላ። "መን ወስ ክብለኒ" ትብለና ዘላ ትመስል።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ንህግድፍ ዓቅመይ ከልዕሎ ዝኽእል መርገም ደርብየሎም እየ። ብሕጂ እውን ክመጸኒ እንከሎ ሰው ምባል ዝተርፍ ኣይመስለንን። መራሕቲ ደምበ ተቓውሞ እውን ንሒፈዮም ኣይፈልጥን እየ። ኣብ ፖለቲካዊ ሂወትና ክልተ ተመዓደውትን ኣኽረርትን ጫውፋት ይህልዉ እዮም። ሃገርና ገነት ኮይና ዝብሉ ኣለዉ። በቲ ካልእ ድማ “ኤርትራ ብተምሳለይ ኣንተዘይተሃኒጻ ባዕባዕ ትበል-to the hell-” ዝብሉና ኣለዉ። እቲ ሓቂ ግን ክልቲኦም ግጉያት ምዃኖም እዩ። ኤርትራ ብፈታኒ መድረኻት ትሓልፍ ከምዘላ ዘካትዕ ኣይኮነን። እቲ ዘካትዕ ኣቲ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝቐርብ ፈውሲ ወይ ፍታሕ እዩ። እንተደኣዘይተዛቲና እቲ ፍታሕ ኢልና ንግምቶ ባዕላዊ እማመ ፍታሕ ናይ ኩልና ዘይክኸውን ይኽእል እዩ።

ዝበዝሕ ርኢቶታተይ ኣብቲ ኣብ ዓዋተ.ኮም ዝካየድ ዓምዲ-ክትዓት ኣሎ። እዚ ኣብዚ ሓጺር ጽሑፍ ዘስፍሮ እውን ጽማቑ ናይቲ ንዓመታት ኣብዚ መዳይ'ዚ ክብሎ ዝጸናሕኩ ሓተታታት ኮይኑ ክውሰድ ይከኣል።
ንነብሰይ ከም ሓደ ኣብ ሃገራዊ ጉዳዩ ዝግደስን (concerned)፣ ዝጽመድን( engaged) ዜጋ እየ ዝወስዳ። ንመንግስቲ ምንቃፍ ወይ ምቅዋም ውሑዳት ዝውንንዎ መሰል ዘይኮነስ፣ መሰልን ግቡእን ናይ ኩሉ ዜጋ እዩ። ነፍሰ-ወከፍና ድማ ብዝመሰሎ ክገልጾ ይኽእል። መንግስቲ ንምቅዋም መሰል ካብ ሃለወ፡ ነቶም "መንግስቲ ክንከውን" ኢሎም ዝንቐሳቐሱ ውልቀሰባት ይኹኑ ጉጅለታት ብእዋኑ ምግናሕን ምቑጽጻርን ኣካል ናይ'ዚ ስነሞጎት (logic) እዩ። ነቐፈታዊ ርእይቶታት ክተባባዕ ኣለዎ። ምኽንያቱ ድማ ንርእሱ ክሕድስ ዓቕምን ተበግሶን ዘይብሉ ፖለቲካዊ ሓይሊ ንሃገር ከሕድስ እዩ ኢልካ ትጽቢት ኣይግበረሉን እዩ።

እዚ ክፋል’ዚ መእተዊ ኮይኑ ንዝቕጽል ተኸታታሊ ጽሑፋት፡ መካትዒ ይኾና ዝበልክወን ምኽንያታት ናይ’ዚ ንደምበ ተቓውሞ ረሚሱ ዘሎ ድስካለ ከቕርብ እየ። ኣብዘን ዝስዕቡ ነጥብታት ዘተኮረ ክኸውን እዩ- ምስ ግዜ ክጸብብን ክገፍሕን ይኽእል።
ደምበ ተቓውሞ ካብዚ ዘሕልፎ ዘሎ ዕግርግር ናብ ዝጸፈፈን ዝጸረየን ስሙር ሃገራዊ ሓይሊ ክልወጥ እንተኾይኑ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ክካተዓለን ኣለዎ ዝብል ርኢቶ ኣለኒ።

1. ኣጀማምራ ኣይጠዓየን
2. ኣብ ጉዳይ ዶብ (ልኡላውነት) ዘልሓጥሓጥን ሸታሕታሕን ኣርእዩ
3. ናይ መንነት ቅልውላው፡ ሃገራዊ ማእከል ስሕበት ዘይምህላዉ፡ ሃገራዊ መቐወማት ዘይምንጻሩ
4. ምቅንጃው ወያነ፡ ወያነ ክሕንግድ ካብ ዝደረኹ ረቛሒታት፣ “ ጽባሕ ንዓይ ዝሰምዑ ሓይልታት ክመጹ እዮም” ዝብል ትጽቢት ስለዘለዎ
5. ንጹርን ማእከላውን ፖለቲካዊ መርሓን መልእኽትን ዘይምህላዉ
6. መራሕቲ ተቓውሞ ካብ ሓላፍነቶም (mandate) ወጻኢ ዝኾኡ ሃገራዊ ጉዳያት ክፈትሑ ኮለል ምባሎም
7. ጎነጽን ውግእ-ሓድሕድን ዘሳውር ዘረባታትን ኣጀንዳታትን ምጽዋሩን ሞትብባዑን
8. ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝፈታትን ወስታታት ምጽዋሩ፡ ህግድፍ ወካሊ ናይ ሓደ ወገን ህዝብና እዩ ንዝብል ናይ ጽልኢ ዘመተ ምሕቛፍን ንጹር መርገጺ ዘይምውሳድን፡ ኣብ መንጎ ፖሊሲ መንግስትን ህዝብን ዘሎ ፍልልይ ዘይምንጻር
9. ንዋሕዚ መንእሰያት ናብ ስደት መፍትሕ ዝኸውን ኣብ ሓቂ ዝተመርኮሰ ትንተና ኣክንዲ ምግባር ከም ፖለቲካዊ መሳርያ ምጥቃሙ
10. ኣብ መንጎ ሃገረ-ኤርትራን (The State of Eritrea) ህግድፍን ዘሎ ፍልልይ ዘይምንጻርን ደምበ ተቓወሞ ዝወስዶ መርገጺታት ብኡ መጠን ዘይምምዛኑ፡ ሃገር ዘሰይጥን ዝሃሲ ዘመተታት ኣብ ዝግበረሉ ወይ ኣካል ናይ’ቲ ናይ ምስይጣን ዘመተ ኮይኑ ወይ ድማ ብትሪ፡ “ዓገብ እዚ ንዓና ኣይውክልን እዩ” ኣይበለን
11. ኣክንዲ ኣብ ኣካታቲ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ዘምጽእ ጉዳያት ምትዃርን መሰረታት (grass roots) ኣብ ምዕባይን ምዝርጋሕን ዘተኩር (ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ሃገር) ናብ መንግስቲ ምግልባጥ ዘድሃበ ኣቛራጫት ሃሰው ምባል ( change versus regime change)።
12. ጽፈትን ብቕዓትን ዝጎደሎ ብሉይ (outmoded) ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጭትን ኣወዳድባን፣ ግጉይ ስርዒት ቀዳምነታት (prioritization)
13. ኤርትራ

ምስ ሰላምታ

ንሃናጺ ርክብ ጥራይ፥ sheideli95@gmail.com ንኹሉክም ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ሃናጺ ሓሳብ ዘካፈልኩምኒ የመስግን።


Share with friends:


See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

•   The Pitfalls of the Eritrean Opposition Camp - by Gebre Gebremariam (Dr.)  

•   ናይ ኤርትራ ደምበ-ተቓውሞ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣገባብ ኣሰራርሓኡን Eritrean opposition camp in Ethiopia, and how they function.
ተጋዳላይ ክብሮም ወልደሚካኤል Seminar at Hdri Jeganuna (30 March 2018) Part-1


See also recent Articles by Mahmud Saleh Hamed:


Share with friends: