ህግድፍ የሳጉም፥ መምህረይ የጓድም

11/04/2018 18:58 PM

ህግድፍ የሳጉም፥

መምህረይ የጓድም

ማሕሙድ ሳልሕ (MAHMUD SALEH)


Eritrea PFDG vs Opposition


ህግድፍ የሳጉም፥ መምህረይ የጓድም
ማሕሙድ ሳልሕ (MAHMUD SALEH)

እዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ነቶም ንሓድነት ኤርትራን ልኡላዊ ግዝኣታን ከይተንከፍኩም ምእንቲ ፍትሕን ማዕርነትን ብኽብርን ርእሰ-ተኣማንነትን ብሰላማዊ መገዲ ትቃለሱ ዘለኹም ዜጋታት ዝትንክፍ ኣይኮነን። ግጉይ ኣተሓሳስባን ግብርን ዕለትን ቦታን ስለዘይፈልዩ፡ እብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ብትብዓት ምግጣሞምን ንስለ ሓቀኛ ሓበሬታ ደው ምባልን ግን ግቡእ ናይ ኩሉ ዜጋ ክኸውን እለዎ። እቲ ኣብ ደምበ-ተቓውሞ ክስዕርር ዝጸንሐ ናይ "ኣይትተንክፉኒ" ስምዒት ክስበር ኣለዎ ። እዚ ንምግባር ድማ ናይ ኣተሓሳስባ ናጽነት ዘለዎም ዜጋታት ክስስኑ ይግባእ።

ኣንጻር ህግድፍ ደው ከም ዝበልካ ምእዋጅን ብሓቂ ኣንጻሩ ምዃንካ ዘረጋግጽ ስራሕ ምስራሕን ክልተ ዝተፈላለዩ ነገራት እዮም። ንለውጢ ንምቅላስ ብቐዳምነት ዝጥለብ ርእሰምትእምማን እዩ። ኣብ መንነትካን ታሪኽካን ረጊጽካ ኢኻ ንዝሓሸ ደረጃ ምዕባለ ወይ ንለውጢ ትቃለስ። ማለትሲ፥ ንለውጢ ክትብገስ ዘገድድ ብምጀመርያ ክትልውጦ ዝግበኣካ ነገር ምስ እትውንን እዩ። ንህዝቡን መንነቱን ታሪኹን ዘይኣምን ተቓዋማይ ወገን ከቶ ክዕወት ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ደልዲሉ ዝረግጸሉ ባይታን ዝምግቦ ሰራውር የብሉን። እቲ ከም ሰራውር ኮይኑ ኣጽኒዑ ዝሕዞ መንነቱን ታሪኹን ስለዝኾነ፡ እቲ ንታሪኹን መንንነቱን ዘናሹ ወገን ይንዋሕ ይሕጸር ቆምሲሉ ይተርፍ 'ሞ ምስ ዝነፈሰ ንፋስ ከንሳፍፍን፡ ብካልኦት ዘበገስዎ ህቦብላ ክጋፋዕን እዩ ዝተርፍ።

እዛ ዝሓለፍት ሰሙን ክልተ ነገራት እግሂዳትለይ። መንእሰያት ህግድፍ ተስፋ ዝህብ መልእኽቲ ከመሓላልፉ ከለዉ ገለ-ገለ ጽሓፍቲ ተቓውሞ ድማ ነቲ ንተቓውሞ ኤርትራ ገጥ ኣቢሉ ረጊጥዎ ዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ ድኽነት ኣግሂዶምዎ። ብሕጽር ዝበለ፡ መንእሰያት ህግድፍ ከም ሞቶረ ለውጢ ኮይኖም ዝተራእዩላ ክኾኑ እንከለዉ፥ ብኣንጻሩ ግን ገለ-ገለ ነጠፍትን ጸሓፍትን ናይ ተቓውሞ ኤርትራ ዓንቀፍቲ ለውጢ ዝኾኑ ረማሲ ኣተሓሳባታት ዘጋውሑላ ሰሙን እያ ነይራ። መንእሰያት ህግድፍ ንባንደራ ኤርትራ እና ኣንበልበሉ ግርም ዝኾነ ጉባኤኦም ክዛዝሙ ከለዉ ጸሓፍትን ነጠፍትን ተቓውሞ ግን ገና ኣብ ባንደራን በዓላት ኤርትራን ክኸራኸሩ ይረኣዩ ኣለዉ። መንእሰያት ህግድፍ ራኢኦምን ኣተሓሳስበኦም ከሊሶምን ኣከማሲዖም ጥራይ ከይኮነስ ናብ ግብራውነት ዝሰጋገረሉ መዳያት እዮም ክመያየጡ ርኢናዮም። ተቓውሞ ኤርትራ ግን ገና ሃናጺ ኣተሓሳስባ 'ኳ ከዕኩኽን ክጭብጥን ንጋዶ። ተቓውሞ ኤርትራ፥ ስምረት ኣተሓሳስባኡስ ይትረፍ ርእሱን እግሩን 'ኳ ክነለሊ እንተኸኣልና። መንእሰያት ህግድፍ ርኡይ ኣንፈት ዘለዎ ምረሻ ክገብሩ እንከለዉ፥ እቶም ከም ናይ ናዝን ፋሽስትን ማሕበር ገይሮም ዝገልጽዎም ዝነበሩ ዓዲ-ውዒል ግን ካብ ባንደራ ኤርትራ ምርጋጽን ንስዉኣትና ምንሻውን ሓድሽ መንንነት ንምሽማት ዘወን ካብ ምባልን ዝሓልፍ ቁም-ነገር ኣይረኣናሎምን። ነዞም ሒዝና ኢና ከኣ ዓዲ ክንኣቱ እንሓልም!!

እቲ ቁም-ነገር መንእሰያት ህግድፍ እንታይ ተባሂሎም ዘይኮነስ፥ ከም መንእሰያት ምጥርናፎምን ብዛዕባ ሃገሮም ምዝታዮምን ከም እወታ እዩ ክጥመት ዝግበኦ። እዞም ቖልዑ ደቅና እዮም። ካብ ገዛኻን ገዛኺን ካብ ቤተሰበይን በተሰብክን፥ ካብ ጎረቤተይን ጎረቤትኩምን ዝተዋጽኡ እዮም። ኣነን ንስኻን ብዛዕባ ጃብሃን ሻዕብያን ወያነን እንዳተኻታዕና፥ ህግድፍ ካብ ሕቁፍና መንጢልዎም። ስለ'ዚ፡ ድኽመትና ኮይኑ እምበር እታ ህግድፍ ትብል ስም ብካልእ ኤርትራዊ ውድብ ወይ ግንባር ቐዪርካ እቲ ዝመያየጡሉ ዝነበሩ ዛዕባታት ዛዕባ ተቓውሞ ክኸውን ይግበኦ ነይሩ። ኤርትራ ብቑጠባውን ክእለታውን ዓቕምታት ምሕጋዝ ዝብል ቴማ ዝቃወም ኤርትራዊ ክኸውን ኣይክእልን። ኛይ ገዛእ ራስኻ ኣጀንዳ እንተዘይብልካ ካልኦት ኣብ ዘዳለውዎ ኣጀንዳታት ግዜኻ ትቐትል። ህግድፍ ኣጀንዳ ይነድፍ ተቓወምቲ ድማ ንዕኡ ንምቕያድ ሸንኮለል ክብሉ ዓመታት ኮይኑ። ብዝኾነ፥ ነዞም መንእሰያት ኣይትረብሽዎም።

ካብ ተጻዩ ዝመሃር ተባዕ ጥራይ እዩ'ሞ ንትባዕ። ድሕሪ ኣስታት ሳላሳ ዓመታት፥ ደምበ ተቓውሞ ሓድሽ ደም ክውስኽ ዘይኮነስ ዝነበሮ ደምን ዓቕምን 'ኳ ክዕቅብ ኣይከኣለን። ስለምንታይ ሰዓብቲ ከብዝሕ ከምዘይከኣለ ተገዲሱ ርእሰ ነቐፌታን ምርመራን ክገብርርን መኣዝኑ ከስተኻኽልን ቅሩብ ኣይጸንሐን። ንህዝብን መንእሰያትን ዝስሕብ መደባት ከዳሉ ዘይተገደሰሉ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል ዝብሎ፥ ሙሉእ እምነቱ ኣብቲ ብምትእትታው ናይ ወጻኢ ሓይልታት ክመጽእ ዝጽበዮ ለውጢ ስለዘውደቖ እዩ። እምበር፥ መንእሰያት ከይወላዕካን ከየለዓዓልካን ከይጠርነፍካ ለውጢ ክተመጽእ ህርዱግ ምባል ናይ ኣተሓሳስባ ጥፍሽና እዩ ዘርኢ። መንእሰያት ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም ዳይናሚክ ዘለዎም ስለዝኾኑ "ንዑ ተኣከቡ" ኢልካ ክእከቡ ኣይክእሉን። እቲ ጉዳይ ክውፈዩሉ እንተኾይኖም፥ ንትርጉም ምንባሮም ዘራጉድ ምስ ዝኸውንን ከም ናጻ ሰባት ክዋስኡ ምስ ዘፍቅደሎም እዩ እምበር፣ ካልኦት ኣብ ዘዳለውዎ ውራይ ክዕደሙ ወይ ካልኦት ኣብ ዝኸሸንዎ መግቢ ክቕረቡ ኣይክእሉን። ባህሪ መንእሰይ ከምኡ እይኮነን።

ሎሚ እቲ ኣብ ክሊ ደምበ ተቓውሞ ዝዓስል መንእሰይ፥ እተን ብ"ተቓውሞ" ዝፍለጣ ገዳይም ውድባት ክስሕባኦ ስለዘይከኣላ፥ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝተበታተነ ጎጆታት መስሪቱ፡ ኣብ ፓልቶክን ፈስ-ቡክን ዩ-ትዩብን ካልእ ማሕበራዊ ሚድያታትን ጫቊ ክብል ይስማዕ ኣሎ። መንእሰይ ተቓውሞ፣ "ኢሰያስ ሓሚሙ ይበሃል ኣሎ፥ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዚ ኢሉ፥ ኣቦና ክስቶ ከምዚ ኢሎም" ዝብል ወረ ሰሚዑ ቶግ ኢሉ ዝበንን ዋዕዋዕታ ገይሩ ናብ ቤቱ ዝምለስ መንእሰይ እዩ ዘሎ። "ንቓለስ ኣለና" ከኣ ይበሃለለይ።

ሓደ ሰብ ዋኒኑ ገዲፉ፣ ግዚኡን ሂወቱን ክስውእ እንተኾይኑ፣ ብ ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ዝነድድ ክኸውን ኣለዎ። ንኻልኦት ንምሕላፍ ቅሩብነት ክህልዎ ይግባእ። ኣብቲ ዝቃለሰሉ ዘሎ ጉዳይ ምሉእ ናይ ዋንንነት እምነት ምስ ዝህልዎን ንምዕዋቱ ድማ ዲሲፕሊንን ተወፋይነትን ጽንዓትን ምጽዋርን ምትሕግጋዝን ምስ ዘርእን ናብ ኣድማዒ ሓይሊ ክቕየር ይኽእል።

ሕማቕ ግዜ ኮይኑ፣ እዘን ክብርታት እዚአን ብመብዛሕተኦም ኣፈኛታት ተቓውሞ ከም ናይ ህ.ግን ገድልን ኮይነን ስለዝተወገና ዘይልኸፋ ነውሪ (taboo) ኮይነን እቲ ምንቅስቃሳት ዝጭበጥ ትሕዝቶ ዘይብሉ ወይ ክጠምሮ ዝኽእል መሪሕ ክብርታትን ጠባያትን ስኢኑ ኣብ ዕውንውንን ሸኮርተትን ግዚኡ የሕልፍ ኣሎ። ብኣንጻሩ መንእሰያት ህግድፍ ግን ነዘን ክብርታት እዚአን ወኒኖምወን ጥራይ ዘይኮኑስ ርዒሞምወን እውን። ደምበ ተቓውሞ ብዝነፈሰ ንፋስ ክህወጽ እንከሎ መንእሰያት ህግድፍ ሓንቲ ኣደልዲላ ዝተገተረት ዳዕሮ ኮይኖም ዘዝመጸ ግፍዕን ህቦብላን ክጻወሩ ይረኣዩ ኣለዉ።

ነጠፍትን ጸሓፍትን ተቓውሞ፡ ወንን ሓይልን ካብ ደምበ ወያነ ክሰንቁ እንከለዉ፡ ኣነ ብወገነይ፣ ወነይን ሓይለይን ካብዞም መንእሰያት ህግድፍ ረኺበዮ ኣለኹ። ብዕድመ ነኣሽቱ ክንሶም ክምህሩኒ ክኢሎም ኣለዉ። ትሕትና ክገብርን ክሰምዖምን ዓዲሞምኒ ኣለዉ። ብሓቂ ድማ ለውጢ ብአኦም ከም ዝመጽእ ኣይማታእን። ምኽንያቱ ንሶም "ናትና እዩ " ዝብልዎ ውድብ ኣለዎም። ግዚኦምን ጉልበቶምን ዘዋፍሩሉ ጉዳይ ኣለዎም። ኣብቲ ጉዳይ ናይ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ሓድነት ኣለዎም። ከይዶም-ከይዶም ንሃገሮምን ህዝቦምን ዝጠቅም ነገር ከይገበሩ ኣይተርፎምን እዩ። ውዒሎም ሓዲሮም ንኣረጊት ኣተሓሳስባ ክብድሁ ዝኽእሉ ውዱብ ሓይሊ እዮም። ንሱ ከኣ እዩ እቲ ሓቀኛ ለውጢ።

ቅድሚ ኣርበዓ ዓመታት፡ ኣነ ኣብዚ መንእሰያት ህግድፍ ዘለዉዎ ደረጃ እየ ነይረ። ክቱር ናይ ቃልሲ ወንን ሃገራዊ ሓልዮትን ዲሲፕሊንን ነይሩኒ። ልክዕ እዚ ሎሚ ዘምህረትን የማነን ነዞም መንእሰያት ዝብልዎም ዘለዉ፡ ኣነ ቀጥታ ካብ ኢሰያስን ብጾቱን እሰምዖ ነይረ። ንውሓት ቃልሲ ዝያዳ ሓሳባተይ ኣብሊሑ እምበር፥ መሳርሒ ውልቀሰባት ኣይገበረንን። እቶም ብንእስነቶም ኣብ ሰውራ ዝተሰለፉ ተጋደልቲ ብቅንዕናኦምን ርእሰተኣማንነቶም ዘይተመላኽነቶምን እዮም ዝፍለጡ ነይሮም። ኣብ መንጎ እምነት ንዕላማን እምነት ኣብ ውቀሰብን ዘሎ ጋግ ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ ነይሮም። "ጽባሕ መራሕቲ ኤርትራ ክትኾኑ ኢኹም" ስለዝተባሃልና ካብ መስዋእቲ ኣይሃደምናን። ንሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን ውልቀሰባት ኣምሊኽና ኣይንፈልጥን። ነቲ ዝተሰለፍናሉ ዕላማን ነቲ ዕላማ መሪሕ ኮይኑ ዘቃልሰና ዝነበረ ውድብን ፕሮግራሙን ደኣ እምበር ንመሪሕነቱ ይኹን ውልቀሰባትን ኣምሊኽና ኣይንፈልጥን። ብኣንጻሩ፥ ዘይተማእዘዝትን ቀይደበተኻትን ተባሂልና ንኽሰስ ነይርና። ስለ'ዚ፣ ንመንእሰይ ከም ዝሃብካዮ ዝምላእ ሸሪጥ ምውሳድ ጌጋ እዩ።

መንእሰያት ህግድፍ ድማ ዝደኸሙሉ ውድብ "ናትና" ዝብልዎ ውራይን ስለዘለዎምን ከምኡ እውን ኣብዚ ውድብን ውራይን ብጥርኑፍ ዝዋስኡ ስለዝኾኑን መሳርሒ ውልቀሰባት ክኾኑ እዮም ምባል ካብ ታሪኽ ዘይምምሃር እዩ። እዚ ንሃገርና ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ ምስ ተወገነ፥ ውዒሎም ሓዲሮም ንመራሕቶም ከም ዝብድሁን ንሃገራዊ ረብሓ ከምዘቐድሙን ፍሉጥ እዩ። ብልክዕ ከኣ፡ ካብቲ ደምበ ተቓውሞ ንለውጢ ከምጽእ ዘለዎ ተኽእሎ እዞም መንእሰያት እዚኦም ለውጢ ክምጽኡ ዘሎዎም ዓቕምን ተኽእሎ ዝሓሸ እዩ። ስለ'ዚ ካብ ምስ'ዞም መንእሰያት ምንጓጽ እንተተኻእለ ብሰላማውን ኣእማንን መንገዲ ንዕኦም ዝብድህን ዝስሕብን መድረኽ ምፍጣር እዩ። እንተዘይተኻኢሉ ድማ ነተን ሓንጎል " ነጠፍቲ ተቓወሞ" መሊኸን ዘለዋ ጃህራን ፈኸራን ኣዲብካ ካብኦም ምምሃር እዩ። እዚ ግን ትብዓትን ክፉት ሓንጎልን ዘድልዮ እዩ።


ምስ'ዚ ዝተኣሳሰር እቲ ካልእ ኣብዚ ሰሙን ዝሰማዕክዎ ዝተፈላለየ መንጭታት ዘለዎ ግን ናብ ሓደ ዝጥርነፍ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትርነት ምቅይያር ከምዝተገብረ ርኢናዮ ኢና። ገለ ነጥርፍቲ ተቓውሞ (activists) ኣብ ኤትዮጵያ መሰረታዊ ለውጢ ከምዝተገብረን ስልጣን ብሰላም ናብ ካልእ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝተመሓላለፈን ክጽሕፉን ክዛረቡን ርእየ። እቲ ቀንዲ ነገር፣ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ተገይሩ ድዩ ኣይተገብረን ወይ መሰረታዊ ለውጢ መጺኡ ድዩ ኣይመጸን ኣይኮነን። እቲ ዘዛርብ፥ ነጠፍቲ ተቓውሞ፥ ወያነ ንምኹሕሓል ክሳብ ክንድምንታይ ከምዝኸዱ ንምርኣይ እዩ። እዚ ድማ ንወያነ ምጽብባቕ ብቐጥታ ንኤርትራ ከም ምውራድ ስለዝሓስብዎ እዩ። ምስኡ ተእሳሲሩ ድማ፣ ኩሉ ግዜ ንወያነ ከም ሞደል ጐርካ ምቕራብን ንሞራልን ሕልናን ኤርትራውያን ንምፍትታንን ዝገብርዎ መናወራታት እዩ ኣቲ ክጸቕጠሉ ዝደለኹ። ምኽንያቱ፣ ኤርትራ እንዳ እዋረድካን ህዝባ እንዳ ጸረፍካን ዝመጽእ ለውጢ ንካልኦት እምበር ንኤርትራ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

ይኹን እምበር (እዚ ኣውን ንእግረመገደይ ክትንክፎ ብማለት እዩ) ፡ እቲ ኣብ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ገዛኢ ግንባር፡ ብወያነ ዝምለኽ ኮይኑ ካብ 1991 ነታ ሃገር ክገዝእ ጸኒሑ። ሕጂ እውን ንሱ እዩ ክገዝኣ ዝቕጽል ዘሎ። እቲ ዝረኣናዮ ኣብ ውሽጢ እቲ ግንባር ዝተገብረ ምቅይያር ቀዳማይ ሚኒስትርነት እምበር ፖለቲካዊ ስልጣን ናብ ካልእ ዝተፈልየ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዘዎ ተፈኻኻሪ ሓይሊ ኣይተሰጋገረን። እቲ ነዚ ምቅይያር ናይ ቀዳማይ ሚኒስትርነት ዘጽደቐ ፓርላማ እውን 100% በቲ ገዛኢ ግንባር ዝውነን እዩ። ስለ'ዚ፡ እቲ ስልክጣን ገና ኣብ ኢድ ኢህወደግን ኣብ ኢድ ናይቲ ንኢህወደግ ዝቖጻጸር ወያነን እዩ ዘሎ።

ዶ/ር ኣቢ ኣሕመድ ናይ ብሓቂ ለውጢ ከምጽእ እንተኾይኑ፡ እቲ ናብ ስልጣን ዘደየቦ ሓይሊ ተቓውሞ ህዝቢ እምበር ድሌት ሰበ-ስልጣን ወያነ ከምዘይነበረ ክርዳእ ኣለዎ። ስለ'ዚ፡ ነቲ ናብ ስልጣን ዘደየቦ ህዝቢ ድዩ ክሰርሕ ወይስ ተኣማንነቱ ነቶም ኣብ ዓዲ ኦሮሞ ምስለነ ክኾነሎም ዝምልምልዎ ዝነበሩ ጎይቶቱ ክኸውን እዩ ኣብ ዝብለ ምናልባት ግዜ ክንጽበ ኢና። ኮይኑ ግን፡ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊን ሓለቓ ሓይልታት ጸጥታን ብወያነ ተታሒዙ እንከሎ ናይ ልቡ ክገብር እዩ ኢልካ ትጽቢት ኣይግበርን።

ፖለቲካ ኢትዮጵያ ከልዕል ዘገደደኒ ምኽንያት ብቐጥታ ምስ ኩነታትና ስለዝተኣሳሰር እዩ። ብቐዳምነት ኢትዮጵያ ጎረቤትና ስለዝኾነት ስላም ንምነየላ። ቀጺሉ ድማ፣ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘይደቐሰ ጉዳይ ዶብ ስለዘሎ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየዱ ፖለቲካዊ ለውጥታት ኣብ ጉዳያትና ቅጽበታዊ ጽልዋ ኣለዎም። ምስ'ዚ ብዝተኣሳሰር፣ እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝበሎ ብዙሕ ዘተባብዕ ኮይኑ ኣይረኸብክዎን። ብመሰረቱ እውን ካብቲ ቀዳሞት መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝብልዎ ዝነበሩ ኣሽካዕላል ዝፍለ ኣይኮነን።

ከምቲ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ኣብ መጽሓፉ ጠቒስዎ ዘሎ፡ እዚ ጉዳይ እዚ ብመጀመርያ ንተጋሩ ይምልከት። ዓንደብርሃን ቀቅድሚ እቲ ንዓስርተታት ኣሽሓት ሂወት ዝበልዐ ናይ 1998-2000 ኢትዮ-ኤርትራ ኲናት፥ ኣባል ናይታ ንኤርትራ ወኪላ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዶባት ክትዝቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸደት ሽማግለ ነይሩ። ንሱ ኣብቲ ብእንግሊዘኛ ዝተጻሕፈ "ኤርትራ፡ ኣብ ቃራና መገዲ" ዝብል መጽሓፉ ከምዝብሎ፡ ኣብ መንጎ እቲ ዓውደ-ዘተ፡ ምስ ማሕሙድ ሸሪፎን (ሓላፊ ናይታ ንኤርትራ ዝወከለት ሽማግለ) ታምራት ላይነን (ናይ ሽዑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ) ኮይኖም ኣብ ናይ ሻሂ ዕረፍቲ የዕልሉ ነይሮም። ኣብ መንጎ'ቲ ዕላል፡ ታምራት ላይነ ንማሕሙድ ሸሪፎ ቀሪቡ "ስማዕ'ስኪ ማሕሙድ፡ ስለምንታይ ኢኹም እዚ ጉዳይ ዶባት ምስቶም ደቂ ሓወቦታትኩም ኮይንኩም ዘይትፈትሕዎ" ኢልዎ ይብል። ዓንደብርሃን ነዛ ነጥቢ ዝጠቐሳ፡ ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን እቲ ናይ ትግራይን ኤርትራን ናይ ዶብ ነገር ግር ኢልዎም ከምዝነበረ ንምብራህ እዩ። ዶ/ር ኣቢ ነቲ ናይ ታምራት ላይነ ኣተሓሳስባ ዝመሳሰል ተረድኦ ይህልዎ'ዶ ኾን? ብሓቂ ኸ ልኡላውነት ኤርትራ ንምኽባር ቆራጽ ስጉምቲ ይወስድ'ዶ? ኩሉ ኣብ ሰማይ ዘሎ ደመና እዩ። እቲ እንኮ ጭብጢ ዘለዎ ናይ ነፍሰ-ወከፍና ምርጫ እዩ። ተቓወምቲ ንኹን ደገፍቲ መንግስቲ፣ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራን ሓድነት ህዝባን ነቕ ዘይብል መርገጺ ክህልወና ኣለዎ። ከም ዜጋታት ንሱ እዩ ዘራኽበና። ምስቶም ናይ ህግድፍ መንእሰያት እውን እዚ ጉዳይ እዚ እዩ ዘራኸበኒ።

ብሓቂ እውን ህዝቢ ኤርትራ ንምንብርካኽ ዘይዓርፍ ቅርሕንቲ ዘለዎም መራሕቲ ትግራይ ተረኺቦም እምበር እቲ ነገር በቲ ዘውሓዞ ደም ኣብ 2002 ክዓርፍ ምተገበአ ነይሩ። ከም ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ብሓባር ንናይ ሓባር ጉዳይ ዝደመየ ኣህዛብ የለን። እዚ ግን ካብቲ ክውንነት ከህድመና ኣይክእልን። ሎሚ ከም ትማሊ፡ መራሕቲ ትግራይ ኤርትራ ንምብታንን ህዝቢ ኤርትራ ንምንቛትን ዘይገብርዎ ነገር የለን። ናታቶም ወከልቲ ውድባት ጠፍጢፎም ነቲ ዝሕንሕኑሉ ክፋል ህዝብና ፈልዮም ክወቕዑ ብዙሕ ሃቂኖም። ኣይሰመረሎምን ደኣ'ምበር። ምኽንያቱ፥ ህዝቢ ኤርትራ ብደምን ረሃጽን ዝተሓዋወሰ ህዝቢ እዩ። ወዮም ደኣ ኣብ ቀረባ ዘለዉ ውሑዳት ኤርትራውያን ለኪሞም ክሰጥሙ እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራስ ንወገኑ ኣየሕልፍን እዩ። ኣብ ልዕሊ ወገኑ ኣይዘምትን እዩ።

እቲ ክሳብ ሕጂ ዝነበር ስልቲ "ንንኡሳን ብሄራት" ጠፍጢፍካ ኣንጻር እቲ "ትምክሕተኛ" ዝብልዎ ክፋል ህዝብና ምልዕዓል እዩ ነይሩ። ንሱ ኣይሰለጠን። ንመንነትን ባህልን ታሪኽን ህዝብና ንምንሻውን ምርኻስን ዘይተገብረ ነገር የለን። እንሓንሳብ ጃንዳ ጣልያን ይብሉና፡ ጸኒሖም ድማ ናይ ዓረብ ተላኣኽቲ ክብሉ ይጸርፉና። እቲ ዝኸፍአ ነዚ ዘወናጭፉ ኤርትራውያን ምህላዎም እዩ። ንህዝቦምን መንነቶም ጡፍ ኢሎም ዝረገጹ። ከመይ ኢሎም ደኣ ብዛዕባ ለውጢ ይዛረቡ? መን ንምልዋጥ እዩ? ብመን? ህዝብኻ ዘየኽበርካስ ከመይ ኢሉ እዩ እቲ ህዝቢ ከኽብረካ ትጽበዮ?

እዛ ነጥቢ እዚኣ ድማ ናብታ "መምህረይ የጓድም" እትብል ክፋል ኣርእስቲ ናይዛ ጽሕፍቲ ትወስደኒ። ብዛዕባ ሓንቲ ጽሕጽቲ ናይ መምህር ኣማንኤል ሳህለ እየ ክህይስ። ንኣማንኤል ሳህለ ብጣዕሚ እየ ዘኽብሮ። ግዜ ኣብ ዝረኽብኩሉ ንጽሑፋቱ የንብብ እየ። ንተኽብሮ ሰብ ኢኻ ተገዲስካ ትነቦን ትነቕፎን'ሞ ንእግረ-መገደይ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ካብተን ጽሑፋቱ ዘለኒ ነቐፈታ ምስ'ዚ ሒዘዮ ዘለኹ ዛዕባ ብምትእስሳር ክጥቅስ።

ኣብ ዝሓዝለፈ ሰሙን ፡ "ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን" ኣብ ዝብል ጽሑፉ ንኤርትራውያን ብሳልሳይ ኣካል እንዳጸወዐ ዝገደፈልና የብሉን። እቲ ክሉ ግዜ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክወርድ ዝጸንሐ ልሙድን ኣሰልካይን ዘለፋ ከም ሻሙ ኣሕሊፈ፥ እዛ ትስዕብ ዛንታ ግን ኣድህቦይ ስሒባ። ኣማንኤል ሳህለ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ሓደ ልኡምን ልኹፍን ህዝቢ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣእምሮ ኤርትራውያን ካን ብህግድፍ ተሃጊሩን ተወኒኑን ይብለና። ብሳልሳይ ኣካል እንዳጸወዓና፡ እቲ ብህግድፍ ዝተበከለ ሓንጎልና ናብ ዝኸድናዮ ሃገር ንኺድ፡ ህግድፍ ክብል እዩ ዝመውት ክብለ ይውስኽ። እዋእ፣ እሞ ተስፋ የብልናን ማለቶም ድዮም እዞም መምህር? ብኣራኣእያ ኣማንኤል ሳህለ፣ ካብ ዘመናውነት ሲ ተሪፍና፣ ግን ባህላዊ ፈውሲ እውን ዝሕግዘና ኣይመስልን። ካብ ማርስ ወይ ካልእ ዓለም ብተለስኮፕ እንዳተዓዘበ ዝግረመልና ዘሎ ይመስል። " ኣየ ኤርትራውያን ትምከሕተኛታት፣ ረኣይዎም እሞ 'ዞም ድሑራት፣ ልኡማት!!" ዝብል ዘሎ ይመስል።

ነዚ እምንቶ ኣዚ ንምርጣብ እዩ ይመስለኒ፡ ኣማንኤል ሳህለ ሓንቲ ሰሓቢት ዛንታ ቀሪቡልና ኣሎ። ንሱ ይብል፡ ሓንቲ ጓል 14 ኤርትራዊት መንእሰይ ናብ ትግራይ ትሰግር እሞ ኣብቲ መዓስከር ዝነበሩ ኣሕሉቕ ብከመይ ከምዝሰገረት ይሓትዋ። እታ መንእሰይ ድማ " ረሳሕ ክዳን ተኸዲነ ነዞም ዓጋመ መሲለ ሰጊረ" ትብሎም። ነቶም ትግራዎት ኣሕሉቕስ "ንዓኹም መሲለ ሰጊረ" ኢላቶም ማለት እዩ። ሓቅነት ናይቲ ዛንታ ኣየገድሰንን እዩ። ክበሃል ዝከኣል እውን እዩ። ግን ከም ኣማንኤል ሳህለ ዘመሰለ ምሁር ሰብ ብብጻዩ ዝተነግሮ ቃል ናይ ሓንቲ መንእሰይ ቐሊቡ ከም ወካሊ ኣተሓሳስባ ህዝቢ ኤርትራ ገይሩ ከቕርቦን ነቲ ኣሕሉቕ ወያነን ካድረታቶምን ህዝቢ ኤርትራ ንምንእኣስን ንምህሳስን ዝገብርዎ እዱድ ዘመተ ከባጽሕ ዘይትጽበዮ ነገር እዩ። እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ልክዕ ከምቲ ኣማንኤል ሳህለ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እንከሎ ዘርእዮ ዝነበረ ባህርያት እዩ ዘርኢ ዘሎ። እንድዒ ደኣ ሓሊፉኒ ከይከውን እምበር፥ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ሳንሱር ስለዝገበርዎ ኣማንኤል ሳህለ ጉራዴ ሒዙ ናብ ጎደና ሓርነት ወሪዱ ዝብል ወረ ኣይሰምዓኩን፣ ኣየንበኩን እውን። ዓምዲ "ሓንቲ ዓለም" ኣማንኤል ወላ ኣብ ኤርትራ እንከሎ እየ ዝከታተላ ነይረ።

ብዝኾነ፡ ባዕልና ብዘይንገብሮ ስብእነት ንኻልኦት ምውንጃል ጽቡቕ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ዘርእዮ ዘሎ ጠባያት ልክዕ ኩሎም ብተመሳሳሊ ተመክሮ ዝሓለፉ ሕ/ሰባት ኣርእዮሞን የርእይዎን ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ነብሰ-ብሉጽነት (elitist) ኣራእያ ዘለዎም ውሑዳት ዘይርድእዎ ብልጫ ኣለዎ። ናብ ጽባሕ ዝኣምን ህዝቢ እዩ። ኪኖ ሽግር ራህዋ፣ ኪኖ ዕግርግር ህድኣት፣ ኪኖ ድኽነት ጽጋብ፣ ኪኖ ኲናት ሰላም፣ ኪኖ ጸላም ብርሃን፣ ኪኖ ሓሶት ሓቂ ከምዘሎ ይፈልጥ እዩ።

ብርግጽ ለውጢ ክመጽእ እዩ። መራሕቲ ለውጢ ድማ እዞም ተወዲቦም ብዛዕባ ጉዳይ ሃገሮም ዝዛተዩ ዝነበሩ መንእሰያ ህግድፍን ከምኦም ዝኣመሰሉ ዘይህግድፋውያን መንእሰያት እዮም ዘምጽእዎ። ደራኺ ለውጢ ዝኸውን እቲ ሃገር ከም ሃገር ክትህሉ ለይትን መዓልትን ዝርህጽ ዘሎ መንእሰይ እዩ። መራሒ ለውጢ እውን ንሱ እዩ እምበር ካብ ካልእ ዓለም ብተለስኮፕ እንዳ ተዓዘበ ዘናሽዎ ሰብ ኣይኮነን። መራሕቲ ለውጥን መጻኢት ኤርትራን እቶም ብዘይካ ኤርትራ ካልእ ሃገር ዘይብሎም፣ ኣብ ኣጻምኣን ገደላን ንድሕነታ ዝዋደቑ ዘለዉ መንእሰያት እምበር እቶም ንዓስርተታት ዓመታት ካብኣ ወጺኦምስ መምስ ዝነፈሰ ንፋስ ክነፍሱ ዝኸረሙ ሰባት ኣይኮኑን።

ኣቶ ኣማንኤል ሳህለ ነቶም ስራሕ ዝሃቡኻ መራሕቲ ትግራይ ክትከላኸልን ስነ-ሓሳቦም ክተወናጭፍን መሰልካ እዩ (ጌጋ ይኽለኣለይ እምበር ሰራሕተኛኦም ኢኻ)። ግን ጭውነት (integrity) ዝበሃል ነገር ኣሎ። "ኤርትራውያን ንተጋሩ ይንዕቑ እዮም" ዝብል እምነት ኣሎካ ንበል። ግርም። ንስኻ ኸ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ዘለካ ንዕቐት ኣይስወጠካን እንድዩ? ማለትሲ፣ ትምክሕትን ልዕልነትን እንተኾይኑ እቲ ዘዛርብ ዘሎ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ብኣልማማ ትገብሮ ዘለኻ ዘለፋ ኣይርደኣካን እንድዩ? ንምዃኑ፡ ክንደይ ካብ ኤርትራውያን እዮም ነዚ ንስኻ "ትምክሕቲ" እትብሎ ይኹን እታ "ዓጋመ" እትብል ቃል ንምንሻው ትግራዎት ዝጥቀሙሉ?

መምህረይ፡ ንስኻ ኣብ ማርስ ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ዓለም ስለዘለኻን እንሓንሳብ ተለስኮፕካ ክጠልመካ ስለዝኽእልስ ብዛዕባ እዛ "ዓጋመ" ትብል ቃል ከሕጽረልካ። ተኸታተለኒ። ወያነ ህዝቢ ኤርትራ ክብሉ እንከለዉ ንህዝቢ ትግሪኛ ናይ ኤርትራ እዮም'ምበር ነቲ ካልእ ክፋላት ህዝብና ተገዲሶምሉ ከምዘይፈልጡ ትፈልጥ ኢኻ። እንተተገደሱሉ እውን ነቲ ትግርኛ ክፋል ህዝብና ንምድኻም ኣብ ዝውዕል መደባት እዮም ዝዝክርዎ። ንስኻ ግን ህዝቢ ኤርትራ ትፈልጦ ኢኻ።

ስለ'ዚ፣ እቲ ኣብ መታሕት ዝነብር ፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣይኮነን'ዶ "ዓጋመ" ይኹን እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ትግርኛታት ዘሎ ምፍሕፋሕን ክርድኦ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ትግርኛታት ዘሎ ፍልልያት ላህጃታት እውን ክፈሊ ኣይክእልን። ስለ'ዚ፡ በዚ መዓቐኒ እዚ፡ ፍርቂ ህዝብና ምኩሕ ኣይኮነን ማለት እዩ። ሓደ በለለይ። ወላ ነቲ መራሕቲ ትግራይ ዕላማ ዝገብርዎ ከበሳዊ ክፋል ህዝብና እንተወሰድና፡ 75-80% ኣብ ገጠር ዝነብር ወረጃ ህዝቢ እዩ። ምስ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ባህላዊ ይኹን ታሪኻዊ ምትእስሳሩ ዘይክሕድ ብመውስቦ ይኹን ብስራሕ ዝተወሳሰበ ህዝቢ እዩ። ሕራይ ካብዚ ገጠራዊ ክፋል ክንደይ እዩ እቲ ምኩሕ? ከመይ ገይሩ እዩ ብማሕበረ-ቑጠባውን ባህላውን ደረጃ ዝመሳሰል ህዝቢ ክመካካሕ ዝኽእል? ተሰማሚዕና ክንከውን ተስፋ እገብር። ክልተ በለለይ። እቲ ከምዚታት ጠባያት ዘዘውትር እቲ ወዲ ሹቕ ዝበሃል እንድዩ። ንሱ እውን እኮ ንወዲ ዓዱ "ሃገረሰብ" እንዳበለ ዝንዕቕ እዩ። ክንደይ ካብ ተቐመጥቲ ከተማ እዮም ከምዚ ዓይነት ንዕቐት ዘዘውትሩ? ኣብ መንጎ ሕ/ሰባት ከ ተመሳሳሊ ናይ ምንሻውን ምጉጣይን ንቡር'ዶ ኣይኮነን? ሰለስተ 'ዶ በጺሕና?

ክነግረካ መምህር። ካብ ብሄረ ትግረ እየ ዝውለድ። ከም ትፈልጦ እቲ ብሄር ዳርጋ ምስ ኩለን ብሄራት ኤርትራ ይዳወብ እዩ። ማሸኣላህ፣ ካብ ብዙሓት መዳውብትና ብሄራት ዝመጸና ብዙሕ ን ዓጋመ ዝመሳሰል ቃላት ኣሎ። ግን ናብ ጽላኢ ኣምሪሕና ኣይንፈልጥን። ንሕና እውን ንነብሰ-ወከፈን ዝኸውን ቃላት ንጥምቐን። ስለ'ዚ፣ ንቡር ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዝህሉ ምስ ደረታት ናይ መንንነትስ ስመጽኡ ነኣሽቱ ምፍሕፋሕን ምጥውዋቕን ንፖለቲካዊ ዕላማ ምግፍሑ ኣየደልን። ይኣክል ምባል ግዚኡ ሓሊፉ። ብመራሕቲ ወያነን ካድረታቶምን፡ "ኤርትራውያን መንነቶም ብጣልያን ዝተሰነዐ እዩ፣ መንነቶም ብልሽው ወይ ጎደሎ (deformed) እዩ"፣ "ገድሊ ኤርትራ ናይ ኣዕራብ ምህዞ እዩ" ከምዘይተበሃልናስ፡ ኣክንዲ ምሁራውን ኣበራባርን ኣተዓራቕን ምህሮ ትህበና ሕማቓት ዝብልዎ ክትደግመና! ኣይግድን። ብዝኾነ፡ እቲ ጸገም ገፊሕ እዩ። ንዝህቢ ኤርትራ ኣብ ዝኸዶ ይኺድ ብዛዕባ ዓዱ ምሕሳብ ኣይገድፍን ኢልካ። ኣይተሓዘለይ እምበር፡ ብዛዕባ ትምክሕትን ዘይትምክሕትን ህዝቢ ኤርትራ ክትዛረብ ብመጀምርያ ካብቲ ዘለኻዮ ርሑቕ ዓለም ብሰላም ምጻእ። ድሕርኡ ንዝህቢ ኤርትራ ኣካሉ ዀንካ ብቀዳማይ ኣካል ጸወዖ። ኣክንዲ "ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ እዩ" ትብል፣ " ንሕና ከምዚ ኢና" በል። ብካልኣይ ደረጃ ድማ ንህዝብኻ እንዳነዓቕካን እንዳ ዘለፍካን ንካልኦት ክትከላኸል፡ ዘየመስል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ንህዝቢ ሞራል ክህብን ከለዓዕልን ኢልካ ኣይትሕሰብ። ብዝተረፈ፣ ኣብቲ ጽሑፍካ ንተውቓውሞ ምቕዋም እውን ነቒፍካዮ ኣለኻ። መን እዩ ተቓውሞ ዝብል ርእሱ ዝከኣለ ይኹን እምበር፣ ካባ ተቓውሞ ካብ ነቐአፌታ ኣይከላኸልን እዩ። ነቐፌታ ዘይጻወር ድማ ተቓዋማይ እየ ክብል ኣየምሕረሉን እዩ።

ንሃናጺ ርክብ ጥራይ፥ sheideli95@gmail.com


Share with friends:


See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

ናይ ኤርትራ ደምበ-ተቓውሞ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣገባብ ኣሰራርሓኡን Eritrean opposition camp in Ethiopia, and how they function.
ተጋዳላይ ክብሮም ወልደሚካኤል Seminar at Hdri Jeganuna (30 March 2018) Part-1


See also recent Articles by Mahmud Saleh Hamed:


Share with friends: