ስለምንታይ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ጋም-ማን ይነብር ኣሎ? (2ይ ክፋል)

04/06/2018 23:53 PM

ስለምንታይ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ጋም-ማን ይነብር ኣሎ?
(2ይ ክፋል)

ማሕሙድ ሳልሕ (MAHMUD SALEH)

Eritrea PFDG vs Opposition

ስለምንታይ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ጋም-ማን ይነብር ኣሎ?
ካልኣይ ክፋል
ማሕሙድ ሳልሕ (Mahmud Saleh)

[እዚ ክፋላት’ዚ ብፍላይ ነቶም ንወያነ ጸግዒ ገሮም ንፖለቲካዊ መስርሕ ኤርትራ ሓላሊኾም ዘለዉ መራሕቲ ተቓውሞ ጥራይ ይምልከት። ጎኒ-ጎኒ እቲ ዝገብርዎ ናይ ተቓውሞ ንጥፈታት፡ ንግዝኣታዊ ሓድነት ኤርትራን ጥምረትን ስኒትን ህዝቢ ኤርትራን ከይተንከፉ ኣብ ኤርትራ ዝሓሸ ፖለቲካዊ ኩነታት ንምፍጣር ዝጽዕሩ ዘለዉ ሃገራውያን ባእታታትን ውድባትን ዝትንክፍ ኣይኮነን። ምቕዋም መሰል ናይ ኩሉ እዩ። ሓላፍነታዊ ተቓውሞ ምህናጽ ድማ ኣማራጺ ዘይብሉ ጽምዶ ኣዩ]።

ኣባላት ህ.ግ. ነበር ንሕመን ንኽሰስን ኢና። ስለምንታይ ንህግድፍ ወሊድኩም ንበሃል። ገለ ሰብ ጽቡቕ ድሌት ድማ፡ “ዘንጊዕኩም፡ስለምንታይ ጸሪኹም ኣስመራ ዘይኣተኹም፡ ስለምታይ ድሕሪ ናጽነት ከጓንፍ ንዝኽእል ሓርጎጽጎጻትን ብደሆታትን ኣቐዲምኩም ክትርእይዎ ዘይከኣልኩም” ይብሉና።

መቸም እቲ ሕቶታት ብዙሕ እዩ። እንሓንሳብ እውን ኣሰልካዪ ይኸውን። ግን ደሓን ይእቶ፡ መንእሰይ ዮኤል ሊኖ ኣብ ሓንቲ ካብ ቪድዮታቱ ንተጋዳላይ ተከላኺሉ ኣሎ። ንመልእኽቲ ናይታ ብወናም ድምጻዊ ዓንዲት ዑቕባይ ዝተደርፈት “እንቛዕ ተጋደለ” እትብል ሓዳስ ደርፊ ንምድጋፍን ብኣኣ ኣቢሉ ድማ ነቲ ሞሳኡ ክረክብ ዘይከኣለ ተጋዳላይ ኤርትራን ንምክልኻል እዩ ዝመስለኒ ነቲ ሓተታ ዝደርጎሖ። ካብታ ናይ ዮኤል ቪድዮ ከም ዝተረዳእክዎ፡ ንሱ ሓደ-ሓደ ሰባት ግቡኦም ኣክንዲ ዝገብሩ ነቲ ግቡኡ ዝፈጸመን ልዕሊ ሰቡ ዘይረብሐን ተጋዳላይ ክውንጅሉን ከካፍኡን ስለዝተዓዘበ ነታ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ዝተገደደ ኮይኑ ይስመዓኒ።

ብዝኾነ፥ ስለምንታይ ኪነው ናጽነት ዘየማዕደኹም ኢሉ ንዝሓተተና በብዓቕምና ክንምልሶ ጸኒሕና። ገሊኦም ተጋደልቲ ህግ-ነበር፡ እንተ ንግዘያዊ ረብሓ ይኹን ወይ እሉኽ ጽልኢ ጸኒሕዎም ኮይኑ፡ ጽውጽዋያት ሰኒዖም ንገድሊ ኤርትራ ዘካፍእን ዘነውርን ዛንታታት ጽሒፎምን ተዛሪቦምን እዮም። ምስ ግዜ ደኣ ጠቓምነቶም ሃሲሱስ ሎሚ ኣበይ ከምዘለዉ እዝጊ ዋንኦም። ገሊኦም ድማ ንህግን ገድልን ኣይትቕረቡለይ ክብሉ ይስምዑ።
እቲ ሓቂ ግን ኣብ መንጎ’ዞም ክልተ ጫፋት ኣዩ ዘሎ። ገድሊ ኤርትራ ብዙሕ ዓመታት ዝወሰደን፡ ውረድ ደይብ ዝነበሮን ብፍጻመታትን መድረኻትን ዝተጸፍጸፈን ህዝባዊ ሰውራ እዩ ነይሩ። ከም ክሉ ህዝባዊ ሰውራ ድማ ኣሉታውን እወታውን መዳያት ነይርዎ። ውድዓዊ ገምጋም እንተገርናሉን ኣብ ግዚኡ ኣእቲና ክንምርምሮ ምስ እንፍትንን፡ እቲ እወታዊ መዳያቱ ኣዝዩ ዝበረኸ ኮይኑ ንረኽቦ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ እዩ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ዓለማውን ዞባውን ኩነታት ዝተዓወተ።

ከም ሰውራን ተጋዳላይን ዝብሉ ቓላት ክንጥቐም ከለና ነቲ ናጽነት ዘጨበጠ ወገን ናይ ህዝባዊ ግንባር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ እቲ ኹሉ-መዳያዊ ምንቅስቓስ ወይ ህዝባዊ ምርብራብን ዕላምኡን ኢና ንዛረብ ዘለና። ብፍላይ ተጋዳላይ ኣብ ንብለሉ ግዜ፡ ተጋዳላይ ህዝባዊ ሰራዊት ጥራይ ዘይኮነ፡ እንኮላይ ንተጋዳላይ ሰራዊት ሓርነት እውን ንዝክሮ ኣለና ማለት እዩ።

ልክዕ እዩ፡ ሓደ ካብቲ ርኡይ ድኽመታት ህግ (ኩነታት ዝገደዶ ይኹን ወይ ፖለቲካዊ ድሌት ብዘይምንባሩ) ንመጻኢት ኤርትራ ብፍላይ ድማ ንኣመቓራሓ ስልጣን ዝምልከት ግዜ ብዘፍቅዶ መጠን ክፉት ፖለቲካዊ ክትዓት ዘይምትብብዑ እዩ። ኩሉ ሓይሊ እቲ ውድብ፡ እንኮላይ ህዝባውያን ማሕበራት፡ ዕላምኡ ነቲ ኲናት ኣብ ምዕዋት ዘተኮረ ነይሩ። ዝኾነ ፖለቲካዊ ዕንቅፋት ምስ ዘጋጥም “ጽባሕ ነርክበሉ፡ ነታ ናጽነት ጥራይ ንርከብ” ይበሃል ነይሩ። ማለት፡ መጻኢ ወለዶ ወይ እቲ ናጽነት ከርክብ ዝበቕዐ ህዝብን ተጋዳላይን ክጽገሙሉ ይኽእሉ ዝብል ተረድኦ ነይሩ። ንናጽነት ክርእዩ ከምዝኽእሉ ግምት ዝነበሮም ኣዝዮም ውሑዳት እዮም ነይሮም ክኾኑ ዝኽእሉ። ተጋዳላይን ሲቪልን ነቲ ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥሞ ዝነበረ ኣበራት “ምእንቲ ሞጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ” ብምባል ኣብ ዕላምኡ ነኺሱ ይረጋረግ ነበረ። እታ ጽባሕ ነርክበላ ትበሃል ዝነበረት ናጽነት ግዚኣ ሓልያ ደበኽ ምስ በለት ግን እቲ ዝረኣናዮ ኮይኑ። ስለ’ዚ፥ ብዛዕባ ተቓውሞ ዘለኒ ስክፍታን ስግኣትን ሕሉፍ ተመክሮ ስለዘለዎ እዩ።

እዚ ኹሉ ንምንታይ ኣድለየ ትብሉ ትኾኑ። ነቲ መእተዊ ኣጸቢቐ ክምድምዶን ገለ ሰቲ ሰው ከብለሉ ዝደለኹሉ ምኽንያት ናብቲ ኣዋናዊ ሕቶ ንምእታው እዩ። ሎሚ ንደምበ ተቓውሞ ክትነቕፍ ምስ እትጅምር፡ ጸላዕላዕ ዝብሎ ሰብ ብዙሕ ኣዩ። እዝን-እዝን ጉድለት ኣሎ፡ ከመይ ኢሉ እዩ እዚ ፕሮግራም’ዚ ኣብ ኤርትራ ከስርሕ ይኽእል---ወዘተ ኢልካ ምስ እትሓትት፡ “ኢሰያስ ጥራይ ይኺደልና ክነርክበሉ ኢና” ይብሉኻ። “እዋእ ንዑ’ባ ኣቱም ሰባት፡ እዚ ‘ክነርክበሉ ኢና’ ዝብል ምኽኒት’ኮ ቅድሚ ሕጂ ዝወለዶ ሰበብ ንፈልጦ ኢና” ኢልካ ክተዛኻኽሮም ትፍትን። ግን ውሑዳት እዮም እቶም እዝኒ ክህቡኻ ዝፍትኑ። ስለ’ዚ እየ ኣዛ “ስለምታይ” ትብል ሕቶ ክትለዓል ኣለዋ ዝብል።
ክሳብ ሕጂ ክረአ ዝጸንሐ ንጥፈታት ንስምዒት ዘረሳስንን ንጉድለታት ህግድፍ ዝምገብን እምበር ንፍታሕ ዝጥምትን ብናይ ገዛእ ርእሱ ደም ደው ዝብልን ኣይነበረ። ኣብ ኤርትራ ናይ ፍትሒ ይኹን ፖለቲካዊ ጸገም (ምቕያድ ቅዋማዊ መስርሕ) ንሱ ዘኸተሎ ግጉይ ፖሊሲታት ናይ መንግስቲ ከምዘሎ ገለጻን ምድግጋምን ዘድልዮ ኣይኮነን። ንዓመታት ክንደጋግሞ ጸኒሕና። እቲ ከይድፈርን ከይድህሰስን ምክልኻል ክግበረሉ ዝጸንሐ እቲ ንፖለቲካዊ ደምበ ተቓውሞ ዝምልከት ነቐፈታዊ ገምጋማት እዩ።

መቸም ተመክሮ መምህር እዩ። እዚ ግን ክመሃር ድሉው ዝኾነ ሰብ ምስ ዝህሉ እዩ። ኣብ ተቓውሞ ኤርትራ ክረአ ዝጸንሐ ጸገም ብምውልዋልን ምጽብባቕ ገጽን ክዕረ ዝኽእል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ጸገሙ ሰጥሓዊ ዘይኮነስ መሰረታዊ ናይ ኣተሓሳስባ ጸገም እዩ። ክሳብ ሕጂ ዝጸንሐ መደብ፡ ኣብ ኤርትራ መሰረታውን ነባርን ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምምጻእ ዘይኮነስ፡ ናብ ዕልዋ መንግስቲ ወይ ምቕያር መንግስቲ ጥራይ ዘተኮረ፡ ኪኖኡ ስድሪ ከኸይድ ዘይክእል ኣተሓሳስባ ዝዝውሮ ምንቅስቓስ እዩ ጸኒሑ።

እዚ ኣተሓሳስባ እዚ፡ ምምዕርራይን ምውሳብን ናይ ዝመሳሰሉ ፖለቲካዊ ፕሮግራማት ከይረአ ዓንቒጹ። ምኽንያቱ፡ እቲ ቱክረት ሓባራውን ኣካታትን ለውጢ ኣብ ምምጻእ ዘይኮነስ ካብቲ ዝመጽእ ለውጢ ብኸመይ ትረብሕ ኣብ ዝብል ሕቶ ዘድሃበ እዩ ጸኒሑ። በዚ ምኽንያት ድማ ዝበዝሕ ንጥፈታት ውድባት ነቲ ዘለወን ዓቕሚ ኣብ ምዕቃብን ልዕሊ ጽፍሒ ማይ ጸምበለል ከብለን ዝኽእል ህላወ (relevance) ከረጋግጻን ክማወታን ጸኒሐን። ዝበዝሓ ውድባት ኣብ ዘየለ ወናብርን ስልጣንን ክዋጠጣ ክትርኢ ዘሕፍር እዩ። ካብኡ ዝኸፍአ ድማ እቲ ንወያነ ዝያዳ እሙናት ኮይነን መታን ከረኣያ ንመሓዙተንን መጋድልተንን ዝገብርኦ ናይ ምር’ሓቕብ ምጽ’ባእን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከእምና ስለዘይከኣላ፡ ብህዝቢ ኤርትራ ተደጊፈን ስልጣን ክሕዛ ዘለወን ትጽቢት ቐደም በኒኑ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ዕቱብ ህዝባዊ ስራሕን ርእሰ-ገምጋምን ርእሰ-ምስትኽኻልን ክገብራ ዝደፋፍአን ነገር የለን። ኣዚ ድማ ሓደ ጠንቂ ናይ’ቲ ጋም-ማን ኮይኑ ጸኒሑ። ንሎሚ ጠንቒ ናይ’ዚ ቐያዲ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ካብ ዝኾኑ ሓደ ኣቲ ኣጀማምራ እዩ ዝብል እምነት ስለዘለኒ ንዕኡ ክትንክፍ እየ። ብዝኾነ ግን፡ ህዝባዊ ሱታፈ ዘይብሉን ንምምዕባልን ምቕያርን ክፉት ዘይኮነን ምንቅስቓስ ዝኸዶ የብሉን። ኣዚ ባህሪ’ዚ ተተሓሒዙ ምስአን ዝተወልደ እዩ። እቲ ኣጀማምራ ጽቡቕ ኣይነበረን።

ኣጀማምራን ምኽንያት መበገስን (premises) ኣይጸበቐን

እቲ ሕመረት ናይ'ዚ ናይ ሎሚ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ እንብሎ ሓይሊ፡ ብመጋቢት1999; መንግስቲ ወያነ ሳልሳይ ወራር ክገብር ክዳሎ እንከሎ ብተብተብ ኣብ ካርቱም ተጋቢኡ "ኪዳን ኤርትራውያን ሃገራውያን ሓይልታት" ዝስመ ውድብ ፈጠሩ። እተን ወሰንቲ ኣባላት ናይ'ቲ ሽዑ ዝተመስረተ ኪዳን ውላዳት (progenies) ተሓኤ እየን። ካብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ፡ ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ጀብሃን ሻዕብያን ዝነበረ ግርጭት፡ ኣብ ተቓውሞ ዝነበራ እየን። ቅድሚ ናጽነት ኣንጻር ህግ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣንጻር እቲ ህግ ዝመስረቶ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተፈላለየ ስትራተጅታት ዘካተተ ቃልሲ ዘካይዳ ዝነበራ ሓይልታት እየን።

ስለ’ዚ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣረጊት ግርጭት እየን ነይረን እምበር እቲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝተፈጥረ ሓድሽ ክውንነት ዝፈጠረን ኣይነበራን። ብሓጺሩ፡ ባህርያዊ ውጽኢት ናይ’ቲ ሓድሽ ክውንነት ስለዘይነበራ፡ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ብፍላይ ድማ ድሕሪ 2001 ዝተፈጥረ ናይ ቅዋም ወይ ናይ ደሞክራሲ ቅልውላው ንምምላስ ባህሪ ይኹን፡ ትሕዝቶ፡ ልምዲ ኣይነበረንን። ኣተሓሳስበአን ኣብ በለጽን ኣብ “ሕጂ ተረኽበን” ዝተሰረተ ነቲ ኣብ ብረታዊ ተጋድሎና ዝተረኽበ ዘሕዝን ታሪኽ ከም ድሕረባይተአን ገይረን እየን ተበጊሰን። ብሓጺሩ፡ ንህግ ዓሊኻ ተሓኤ ዳግም ካብ ምዉታን ንምትሳእ እዩ ዝመስል እቲ ቀንዲ ደራኺ ምኽንያት ናይ’ቲ ተበግሶ። በዚ ምኽንያት ከኣ ውላዳት ናይ’ቲ ሓድሽ ክውንነት ስለዘይነበራ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጥረ ሓድሽ ፖለቲካዊ ብደሆ ንምምላስ ዝተዋደዳ ስነኣእምሮኣዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ባህላዊ ይኹን ውድባዊ ኣበጋግሳ ኣይነበረንን።

እተን ኣብ መጋቢት ናይ 1999 ኣብ ካርቱም ተራኺበን ብሃታሃታ ነቲ ጀማሪ ኪዳን ምትእኽኻብ ዝጀመራ ኣካላት እዘን ዝስዕባ ውድባትን ነበራ።

1. ምንቅስቃስ ደሞክራስያዊ ተቓውሞ ኤርትራ (ጋሽ-ሰቲት (Eritrean Democratic Resistance Movement (Gash-Setit)
2. ኤርትራዊ ናይ ተበግሶ ጉጅለ (Eritrean Initiative Group)
3. ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኩናማ ኤርትራ (Eritrean Kunamas Democratic Movement)
4. ምንቅስቃስ እስላማዊ ድሕነት ኤርትራ (Eritrean Islamic Salvation Movement)።
5. ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ- ብ “ናይ ዓብደላ እድሪስ” ዝፍለጥ ዝነበረ (Eritrean Liberation Front)

6. ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሃገራዊ ጉባኤ (Eritrean Liberation Front National Congress)
7. ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ- ሰውራዊ ባይቶ (Eritrean Liberation Front - Revolution Council)
8. ጉባኤ ህዝቢ ኤርትራ (Eritrean People's Congress)
9. ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (Eritrean Revolutionary Democratic Front)
10. ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ንሓርነት ኤርትራ (Popular Democratic Front for the Liberation of Eritrea)
11. ኣቶ መሓመድ ስዒድ ብርሓቱ (Ato [Mr] Ali Muhammad Sayyid Berhatu)

[ትርጉም ኣስማት ካብ እንግሊዘኛ ናብ ትግርኛ ናተይ እዩ]

ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ፡ እቶም ሰለስት ቀዳሞት ገዲፍካ እቶም ዝተረፉ 7 ፍንጫላት ተ.ሓ.ኤ ዝነበሩን ኣብ ዝተፈላለየ ግዝያት ክራኸቡን ክፈላለዩን ዝጸንሑን ክሳብ ደማዊ ምርጻም ዝበጽሕ ዝምድና ዝነበሮምን እዮም።እቶም ቀዳሞት ኣርባዕተ ኣካላት ድማ ብሄራውን ሃይማኖታውን ጠባይ ዝነበሮም እዮም። ምቕልቃሎም ምስ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራን ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን ዝተኣሳሰር እዩ። ኣብዚ ምትእኽኻብ'ዚ ዘየርከበ ግን ኣብዚ ግዜ'ዚ ብሄራዊ ሕቶ ኣልዒሉ ዝተመስረተ ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ እውን ጽንሕ ኢሉ ናብቲ ደምበ ተጸንበረ።

ባህሪ ናይ'ዚ ፈላሚ ምትእኽኻብ ነቶም ዝሰዓቡ ምትእኽኻባትን ምፍንጣሕን ኣዝዩ ጸላዊ ነይሩ ኮይኑ ይስመዓኒ ። ነዚ ምትእኽኻብ’ዚ ስዒቡ ዝተፈላለየ ጉባኤታትን ምትእኽኻባትን ምፍንጣሕን ተራእዩ። እቲ ብኽንደይ ፋንጣዝያ (fanfare) ብሕዳር 2011 ኣብ ኣዋሳ ዝተኻየደ’ሞ “ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ” ዝብል ጽላል ውድብ ዝመስረተ ተቓውሞ፡ ሎሚ ንፍሽለት ናይ’ቲ ጽላል ውድብ መን ይስከሞ ኣብ ዝብል ክካሰስ ንርእዮ ኣለና።

ውድባት ከም ሂወታውያን መኣዛታት የድልዮም

ሓደ ምንቅስቃስ ብዝኾነ ምኽንያት ክፍጠር ይኽእል እዩ። ይብገስ፡ ታተ ይብል፡ ይዓቢ፡ ይመውት። ነባሪ ውድብ ወይ ሰልፊ ዝበሃል የለን። እተን ኣብ ደሞክራስያውያን ሃገራት ዝነሓነሓ ሰልፍታት እውን ግዝያዊ ሞት የጋጥመን እዩ። ተሳዒረን ካብ ስልጣን ይባረራ እሞ ከምብሓድሽ ሂወት ዘሪአን በሎኽ ይብላ። ንጡፍ ተሳትፎ ኣባላተንን ንቁሕ ውሽጣዊ ርእሰ-ሕዳሰን ክጽገናን ክመሓየሻን የኽእለን።

ኣነ እውን ስለምንታይ እተን ፈለምቲ ውድባት ኩሉ-ጎናዊ ምሉእነት ዘይነበረን ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። ግን ብውሑዱ፥ ምንቅስቃሳት ወይ ውድባት ክዓብዩ ኣንተኾይኖም፡ ካብቶም ዝምስርትዎም ውልቀሰባት ናጻ ህላወ ክህልዎም ይግባእ። እቶም መራሕቲ ከም ናይ ውልቆም ንብረት ዝውንንዎም ክኾኑ ኣይግባእን። ከምኡ ኣውን ምንቅስቃሳት ወይ ውድባት ንሓድሽ ርኢቶታታን ኣተሓሳስባን ገምጋምን ክፉታትን ኣተባባዕትን፥ ውልቃውን ጉጅለኣውን ተበግሶታትን ፈጠራዊ ኣሰራርሓን ዝኹስኩሳን እንተዘይኮይነን ክዕረያን ክበልሓን ክዓኳን ኣይክእላን። ብሓጺሩ፡ ሓድሽ ደም ዝፈትዋን ሱታፈ ኣባላተንን ህዝብን ዘተባብዓን ኣንተኮይነን ትራይ እየን ትሕዝቶአን ይኹን መኣዝነን ከስተኻኽላ ዝኽእላ። ምስ ግዜ ዝተዓጻጸፋን ንእዋናዊ ብደሆታት ክገጥማ ድሉዋት ክኾናን ይሕግዘን። እዚ ድማ ንዕቤተን ወሳኒ እዩ።

ሓቂ ኣዩ፡ እዚ ናይ ሎሚ ደምበ ተቓውሞ፡ በተን ፈለምቲ ውድባት ክልካዕ ኣይክእልን። ብዙሓት ድሒሮም ዝተጸንበርዎ ኣለዉዎ። ቅኑዕ ገምጋም ክትህብ እውን ዘጸግም እዩ። ይኹን እምበር፡ ንእዋናዊ [ፖለቲካዊ ብደሆታት ኤርትራ ክገጥም ዝኽእል ተቓውሞ ዛጊት የለን። ደምበ ተቓውሞ፡ ብዙሓት ሃገራውያን ባእታታትን ምትእኽኻባትን ‘ኳ እንተለዎ፡ ንኤርትራ ብወገንን ሃይማኖትን ከናቑትዋ ብቅሉዕ ዝዛረቡን ዝሰርሑን ስለዝዕብልልዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዞም ሃገራውያን ጉጅለታት ይኹኑን ባእታታት ኣነጺሩ ፈልዩ ክርእዮም ኣይከኣለን ዘሎ። ነብሶም ክፈልዩን ንህልዊ ብደሆታት ኤርትራ ዝምልስ ሓይሊ ከቑሙ ክጽዕሩን እዋኑ እዩ።

ሓደ ኣብ መተከላት ሸሪዓ ዝሰርሕን ሓደ ኣብ ዕልማናዊ መተከላት ዝተመርኮሰን፡ ሓደ ብሄራዊ ረብሓ ዘቕድምን ሓደ ሃገራዊ ኣጀንዳ ሒዙ ዝጓዓዝን ብፕሮግራም ደረጃ ዘራኽቦም የለን። እቲ ዘራኽቦም ኩሎም ንውድቀት ህግድፍ ዝሰርሑ ምዃኖም እዩ። እዚ ከኣ ፍታሕ ኣይኮነን። ዕድል ገርና ከምዚ ዘለዉዎ ኮይኖም ኣብ መሬት ኤርትራ የለዉን እምበር፡ በዚ ዘለዉዎ ኣብ ኤርትራ ከምቲ ቀደም ውድባት ኤርትራ ዝገብርኦ ዝነበራ ግዝኣታት ሒዞምን ኣብ ሕዛእታት ዝቋጸጹን ዝቛጸዩን ነይሮም እንተዝኾኑ፡ ኤርትራ እንታይ ምመሰለት? እዚ ከም ንማለቱ ዝመጽእ ሕቶ ዘይኮነስ፡ ክኸውን ከምዝኽእል ሓሲብና፡ ነዞም መራሕቲ ተቓውሞ ኤርትራ ኣካይደኦም ክዕርዩ ጸቕጢ ክንገብረሎም ኣለና። ኢሰያስ ምስ ወደቐ ነርክበሉ ኣይጠቕምን እዩ። ዝሰርሕ መጎጎ ስለዘየለ ድማ ፋሕ እንተበለ ዘይ ሓድሽ እዩ ዝመጽእ። ምእንቲ እዚ ዘይሰርሕ መጎጎ ኢልና ነታ ኣብ ቤትና ኣራጢጣ ዘላ ኣንጭዋ ክንንሕፍ የብልናን። ንኹሉኹም ነቐፈታውን ኣተባባዕን መልእኽታት እትህቡኒ ኣሓትን ኣሕዋትን የመስግን።

ሰነ 3፡ 2018

email me at; sheideli95@gmail.com

ዝሓለፈኩም ክፋላት ኣብዚ ጠውቑ፡-
1ይ ክፋል (13-May-2018)፡   2ይ ክፋል (04-June-2018)፡  


Share with friends:


See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

•   The Pitfalls of the Eritrean Opposition Camp - by Gebre Gebremariam (Dr.)  

•   ናይ ኤርትራ ደምበ-ተቓውሞ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣገባብ ኣሰራርሓኡን Eritrean opposition camp in Ethiopia, and how they function.
ተጋዳላይ ክብሮም ወልደሚካኤል Seminar at Hdri Jeganuna (30 March 2018) Part-1


See also recent Articles by Mahmud Saleh Hamed:


Share with friends: