ርሑስ መበል 27 በዓል ልደት ፍቕርቲ ሃገረይ

20/05/2018 23:15 PM

ርሑስ መበል 27

በዓል ልደት ፍቕርቲ ሃገረይ

ማሕሙድ ሳልሕ (MAHMUD SALEH)


Independence Day 1991


ርሑስ መበል 27 በዓል ልደት ፍቕርቲ ሃገረይ
ማሕሙድ ሳልሕ (Mahmud Saleh)

ኣብዚ መበል 27 ዓመት ልደትኪ ነብዕለሉ ዕለት፥ ብዙሕ ክብል ምደለኹ ግን ከጽብቦ። “ርሑስ በዓል ልደት ብምባል ከ ዘይጅምሮ። እቶም ድቅኺ ናብ ንቡር ጥንሲ ከይበጽሕ ዝተማወቱ፡ ምስ ምውላድኪ መይቶም። ታተ ኢልኪ ኣብ ዝተበገስክሉ ብርክኺ ቐርሲሞም ከረማስሱኺ ዝሃቀኑ፡ ሎሚ ብርኮም ይጠልሞም ኣሎ። ከጽምወክን ክጽልምተክን ዝተፋለሙ፡ ሎሚ ጸላም ይሽቦም ኣሎ። ናብ ደገ ከሕድሩኽን ንቑሪ ከሳጥሑክን ዝተጋደሉ፡ ሎሚ ጸግዒ ይደልዩ ኣለዉ። የቛርሮም ኣሎ። ንስኺ ግን፡ ምስ ኩሉ ናይ ውሽጥን ግዳምን ተጻብኦታት ገና ኣይሞትክን፡ ኣይተበታተንክን። ንስኺ ኮይንኪ እምበር፡ ብመንጽር ናይ’ቲ ዘጋጥመኪ ዘሎ ጸቕጥን ምጭንናቕን ቀደም ወይ ምጠፍኣኺ፡ ወይ ከኣ ኢድኪ ምሃብኪ።

ናይ ሎሚ ጽሑፍ ካብቲ ዓጺቕ ፖለቲካ ወጺኡ፡ ናብ ዋዛ ምስ-ቁም ነገር ዘዝበለ እዩ። ቅሩብ ፍኹስ ክብለና እስኪ ነዕልል ንቀራረብ። ብምክብባር ንዘራረብ፡ ንዛተ፡ ንከራኸር፡ ንጋባእ---ከይተዛረብናን ከይተራኸብናን ህሉዊ ብደሆታትና ኣለሊና ናብ ሓባራዊ መረዳእታ ክንዓልብ ኣይንኽእልን። ሓባራዊ መረዳእታ ክሳብ ዘይሃለወ ድማ ሓባራዊ ፍታሕ ክመጽእ ኣይክእልን። ክፈላልዩናን ከናቑቱናን ዝደልዩ ሓይልታት ብዙሓት እዮም። ዝተፈላለየ ሕብርታትን ጭርሖታትን ይህልዉዎም ይኾኑ። ግን ሓንቲ ዝፈልጥዋ ኣላ። ንሳ ድማ ሓያል ዜጋ (empowered citizen) እንተተራኺቡ፡ ካብቲ ናይ ደላልነት ስራሕ ክወጹ ስለዝኽእሉ፥ ሓጹራት እንዳገበሩ ከምዘይንራኸብን ንረዳዳእን ይገብሩ ኣለዉ። ወላ ነቲ እንወስዶ ስጉምታት ቅኑዕ ድዩ ገጋ ከይንግምግም ቅሩብ ዕረፍቲ ዝበሃል ከሊኦምና፡ ልብና ክሳብ ዝሓብጥ የጋልቡና ኣለዉ።

ተመራመር፡ ወናኒ ናይ ገዛእ ርእስኻ ውሳኔ ኩን። ዝገብሮ ዝፈልጥን ወናኒ ውሳነኡ ዝኾነ ሓያል ዜጋ ጥራይ እዩ ነባሪ ምሕዝነታት ክገብር ዝኽእል። ኣብ ሸፈጥን ምትላልን ጸቢብነትን ዝተመርኮሰ ጎስጓሳት ኩሉ ግዜ እንዳ ሓደረ ፈርኮሽኮሽ ከምዝብል ዝሓለፈ ተመክሮ መምህር እዩ።

ገድሊ ኤርትራ ንሰብኣዊ ሓርነት እዩ ነቒሉ። ናጽነትን ባንደራን ንርእሶም ፍታሕ ናይ ኩሉ ኣይኮኑን። ግን ዜጋታት ናብቲ ዝቕጽል መስርሕ ሃገራዊ ህንጸት ከተኩሪ በሪ ዝኸፍት እዩ። በዓል ናጽነት ነቲ ዝቐርብን ነቲ ካእ ዝርሕቕን ክኸውን የብሉን። ኣዳለውቲ በዓላት ነዚ ኣብ ግምት ክተእትዉ እምሕጸን። ወላ ‘ኳ ዝፈላሊ ፖለቲካዊ ርኢቶታት ይሃልወና- ንሱ እውን ባህርያዊ እዩ- ኣብ መወዳእታ ኩላትና ኤርትራውያን ኢና። በዓል ናጽነት ሕሉፍ ንዝክረሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመንጽር ዕላማታት ናጽነት ኣበይ ኣለናን እንታይ ክንገብር ኣለናን ዝብሉ ሕቶታት ክነልዕል ዕድል ይኸፍተና። ብጽሞናን በብወልቅናን፡ ምስ ጀጋኑ ስዉኣትና እንራኸበሉን ነቐፈታና ኣነልዕለሉን ኣጋጣሚ እዩ። ርሑስ በዓል ናጽነት። ካብዚ ቀጺሉ ገለ ዝኽርታት---ዋዛ ምስ ቁምነገር---ደርደሻ----

xxxxxxxxxxxxxxxxxxx

ገለ ካብ ጦብላሕታታት ጉዕዞ ንናጽነት---ብደርፍታት

ቀደም ‘ኳ ወዲ ሻውል “ነጊርናዮም ነይርና። ስኖም ስኒ ኣደይ መዘንግዕ ይግበሮ” በለ። እዚ ደድሕሪ ምድምሳስ ተሰነይን ውቃው እዝን ኣብ ከባቢ 1984-85 ኣብ ሓንቲ ድራማዊት ደርፊ ዝበሎ እዩ። ሓደ ፍትሓዊ ዕላማ ዘለዎ ህዝባዊ ሰውራ ዝደርበኻ ደርብየሉ፡ ክብን ለጠቕን ደኣ ክብል ይኽእል እምበር ብፍጹም ክትድምስሶ ከምዘይከኣል “ተነጊርክም ነይሩ፡ ሾኡ ግን ካርካር ኢልኩም ስሒቕኩም። እንሆ ድማ እቲ ሓቂ ይምስክሮ ኣሎ። ሰራዊትክምን እዝታትክምን ሕምትልትልን ነብሎ ኣለና። ዕላማ ኣለና። ንሱ ከኣ ናጻ ኤርትራ ምምስራት እዩ። ናይ ውግእን ምቅትታልን ድሌት የብልናን። ስዩም ምባል ግን ኣይናትናን እዩ” ንምባል እዩ።

ኣቐዲሙ ግን ተስፋይ ፍሒራ እውን ምዒድዎም ነይሩ። ደድሕሪ ምፍሻል ሻድሻይ ወራር “ናይ ሶማሊያ ናይ ካራ-ማራ ዓወት ዳግም ኣብ ኤርትራ ኣይተፈጸመን” ኢልዎም ኣብታ ናይ ሽዑ ህብብቲ ዝነበረት “ጉድ እምበር ተገይሩ ኣብ ቀርኒ ኣፍራቃ” እትብል ደርፉ። ከምዝመስለኒ፥ ፍሒራ ነታ ደርፊ ከውጽእ ዝቐስቐሶ ሓሳብ እቲ ደርጊ “ሁሉ ወደ ስሜን ጦር ግንባር፡ በካራማራ የደረገ ድል በሰሜን (ኤርትራ) ይደገማል” ኢሉ ኣማእት ኣሽሓት ሰራዊትን ሓጺነመጺንን ናብ ሳሕል ምስ ጓረተ እዩ። ኣብቲ ፍሒራ ነታ ደርፊ ዘውጸኣሉ እዋን፡ ድሮ ዓበይቲ 6 ወራራት ተረኹሚሾም ነይሮም።

ቅድሚ እዚ ግን ኣብ ግዜ ምዝላቕ፡ ደድሕሪ እቲ ወሳኒ ግጥምያ ናይ ማዕሚደ፥ ከዲጃ ኣድማይ “ኤርትርያ ባባ፡ ደርጊ ኢነብራ እምበላ ሸባባ” ኢላ ነይራ። ኤርትራ ንደቃ ኣምበር ንደርጊ ኣይኮነትን ንማለት እዩ። ባባ ዝበለቶ ድማ ነቲ ባባ ዝኾነ ቀይሕ-ባሕሪ እዩ።

ብኻልእ ወገን፥ ኣብ ምዕራብ ኤርትራ፥ ኣብ ባርካ፡ ክልተ ጽቡቓት ተጋደልቲ ክሳብ ሕጂ ክሰምዓ ስምዒታተይ ኣትቕስቅስ ደርፊ ደሪፈን ነይረን። ተጋደልቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኣየን ነይረን። ኣታ ደርፊ ኣብ ቃልዕን ኣብ ተራ ካሰት ዝተመልአት ኮይና “ዓሽ [ጸባ ስተያ]” ዝብሉ ሰባት ይስምዑላ። ኣብ መንጎ እውን ናይ ምትብባዕ ቶኽሲ ኣለዋ። ክልተአን ብሓባር (in harmony) ብትግራይት ንናጽነት ክደርፋ ይስመዓ። ግን ናጽነት ኣየርከባን። ኣብ ተሰነይ ብነፈርቲ ከምዝተሰወኣ ፈሊጠ።

ብተመሳሳሊ (እዚ ኣውን ኣብ ተሓኤ ምዃኑ እዩ)፡ ክልተ ክሳብ ሎሚ ምልክት ወይ ኣርማ ናይ ባሕቲ መስከረም ዝኾና ናይ ማርሺን መዛሙር ወጺአንስ ብጉጅለ ባህሊ ጀብሃ ይድረፋ ነይረን። እታ ሓንቲ “ ባሕቲ መስከረም ታሪኻዊት ዕለት፡ ሰውራና ኣዊጃ ጸላኢ ክህረም” ትብል መስለኒ፣ እታ ካልኣይቲ ድማ ግጥማ ኢብራሂም ቶቲል ዝጸሓፎ ብዓረብ ኮይና ክሳብ ሎሚ ስግር ኤርትራ ከይተረፈ ኣድናቖት ዝረኸበት ኣያ። ሓጺር ትሕዝቶኣ፡ ገድልና ንሚልዮናት ጭኩናት ንምሕራር ዝተበገሰ ምንባሩን እቶም ጭኩናት ኣካላት ናይ’ቲ ሕ/ሰብ ብኩሉ መዳዮም ዝተጸንበርዎ ምንባሩን ሓድሽን ርሁውን ወጋሕታ ክዉን ንምግባር ኢደይ-ኢድካ ኢሎም ከምተላዕሉ እያ ተዘኻክኽር። ሓያል ግጥምን ዜማን ዘለዋን ብምሩጽ ደራፋይ ዝቐረበት ስለዝኾነት (ሕሴን መ/ዓሊ ኣዩ መስለኒ)፡ ካብ ዝኽርታት ሰማዕቲ ከምዘይትሃጥም ርግጸኛ ኣየ።

ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት፡ ህዝባዊ ሓይልታት ዘቖሞ ጉጅለ ባህሊ ነይሩ። እድሪስ መ/ዓሊ ዘይሃስስ ደርፍታት ዝደረፈሉ ግዜ እዩ።

• ኢትጃምም ዕንታቸ ዎ ኢትብከ ተኣቀብሎ ዓድካ ሰብር ውደ (ኣይትቖዝም ኣዕንተይ፡ ዓቕሊ ጥራይ ግበር፡ ዓድኻ ክትምለስ ኢኻ)

• ሕደጉኒ፡ ሕደጉኒ ምስል ሓውየ ልሓይሰኒ---( ግደፉኒ ኢኹም፡ ምስ ኣሕዋተይ ይሕሸኒ)፡ ገለ ካብ ግጥምታታ፣ ይሕመቕ ይጸብቕ ምስ ኣሕዋተይ ይሕሸኒ፥ ዓራተይ (ዝድቅሰሉ) ኮርኳሕ ጎቦ እዩ፡ ሓደ ነጻላ ድማ ይኣኽለኒ፡ እቲ ፍርቁ እንጸፎ፡ ፍርቁ ድማ ይኸድነኒ---ጥራይ ሕደጉኒ፡ ምስ ኣሕዋተይ ይሕሸኒ----ኢሉ ደሪፉ። ሕደጉኒ፡ ገልታዕታዕን ጸገምን ክጸሮ እየ ምእንቲ ናጽነት ኢሉ። ሎሚ፡ ተመሊስካ ክትሓስበሉን ክትመራመረሉን ዘገድድ ኩነታት እዩ።

ኩሉ እቲ መስገደል ናብ ምጥንቓቕ ኣብ ዝበጽሓሉን ጩራ ተስፋ እንዳ ዓኾዀ ኣብ ዝኸደሉ፥ ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት፡ ወዲ ዛግር “ሎሚ ዘይከተተ ብደዉ ከምዝሞተ ኢሉ ኣዊጁ። ኣሕመድ መሓመድ (ወድ ሼኽ) ድማ ምስጢር ምዕቃብ ከቢድዎ ግዲ፡ “ባቡራየ ኣሴራራ ፍንገ ባጽዕ ዎ ኣስመራ” ኢሉ ንናይ ሁለተኛ ኣብዮታዊ ሰራዊት (ሁ.ኣ.ሰ) ኣዛዚ፡ ንጀነራል ሑሴን ኣሕመድ፡ እቲ ዝቕጽል መኣዝን መጥቃዕቲ ናይ ህዝባዊ ሰራዊት በየን ከም ዝኸውን ነጊርዎ ነይሩ። እዚ ደድሕሪ ምድምሳስ ናደው እዝን ምርብራብ ግንባር ከረንን ምዃኑ ኣዩ። ጀነራል ሑሰ ኣህመድ ግን ልቡ ኣብቲ ንሱ ዝእዝዞ ዝነበረ ብ1984 ዝተደምሰሰ ግንባር ውቃው ኣዝ ምስቲ ምክትሉ ዝነበረ ኮሎነል ግዳ ተማሪኻ ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ናይ ጀነራል ውቃበ ኣይነበሮን። ሸለብገለብ ክብል እዩ ዝረአ ዝነበረ። ንወዲ ሼኽ ዘይምስምዑ ንምጽዋዕ ከምዝኸስር ገይርዎ። ምኽንያቱ ደድሕሪ መጠንቀቕታ ወዲ ሼኽ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ነቲ ኣብ ሰምሃር ዝነበረ ሰራዊት መግዛኣቲ ፈንቂሉ ንባጽዕ ሓረረ። ኣብ ግንባር ግንዳዕ ኣብ ምትሕንናቕ ኣትዩ። [ምናልባት ነቲ ናይ ትግረ ግጥሚ ዘይተረደኦ እውን ክከውን ይኽእል። እቶም ትግራይት ክትርግሙሉ ዝኽእሉ ናይ ቆላማ መራሕቲ እግረይ-ኣውጻኒ ንስክላ ኣምሊጦም፡ ገሊኦም ድማ ተወቲቶም ናብ ሳሕል ተወሲዶም ነይሮም ይበሃል። OK. ኩሉ ብይበሃል ነይሩ እዩ ዝትረኽ። እቲ ዋና ትግራይት ቋንቋ ዝኮነ ሙሰ በኺት ኣቀዲሙ ካብ ደርጊ ተፈልዩ ነበረ። ስለ’ዚ፡ ኣቲ ጀነራል ኣዚታትን ጭንቅን መስተን ውሽምናን (ኣስተቅፉርላህ፡ ሮመዳን ኣዩ) ተደማሚርዎ፡ ሻባይ በየን ከምዝሸብብ ክፈልጥ ኣይከኣኣለን። ኣምበር ኣብ ግዜ ሆይ-ሆይታን “ኣረገዳይን” ንፉዕ ጀነራል ነይሩ ይበሃል።

ብዝኾነ፥ ናይ ክ/ሰራዊት 70 ባህሊ፡ ኣልኣዛር (ጀሪ) ፥ፈንቅል ኢሎምኻየ፡ ፈንቅል ኣባ ዳህሪ” ኢሉ ደሪፉ።

ከመይ ከ ዘይግበኦም? እንዳ ሰብዓ፡ ርእሲ ምድሪ ንምሓዝ፡ ካብቶም ወሳኒ ተራ ዝተጻወቱን ብዙሕ መስዋእትን ዝኸፈሉን ነበሩ። ኣኽሊሉ ፎቶ (ተፈኖ) ነታ “ብርኪ ሊሎ” ትብል ነባሪትን ቀስቓሲትን ደርፉ እውን ሽዑ ደሪፉዋ። ኣታ ወዲ ፈራዳይን ጽገን ዝገበርዋ ኣስሓቒት ድራማ ነታ ደርፊ ኣድሚቕእታ። ናይ ፍጹም ወዲ ዛግር ናይ ጊታር መኣተውን ሶሎን (intro &solo) ኣውን መሳቲ ነይሩ። ስዒድ ዓብደላ እውን ኣይሓመቐን። ሓሊብ ስተ እተብል “ባጽዕ” ዝተሰምየት ደርፊ ብትግራይት ፈንዩ። “ሻምየ ብታ እላ ኩሉ ልትሰፍለላ፡ ኣርሑ ምና ገበይ ስላም ‘ግል ኢበላ” ማለት “ተኣለ’ስከ ነዛ ፍቅረይ ሰላም ክብላ” ኢሉ ደሪፉላ ንባጽዕ።

ንፋስ ሓርነት ቅሩብ ሓይሊ ክውስኽ ተራእየ። ሽታ መሮሮ ኣውን መኣዛ ወሰኸ። ጠሊ ነይሩ ይመስለኒ፡ ጤለ በዱን ኣራዊት በረኻን ከይተረፉ ምስጋና ክህቡ ጀሚሮም። ኣብ ወጻኢ ነጋሪት ተሰምዐ፡ ዓለም እዝና ክትኩኪዕ ጀሚራ። እቲ ንኤርትራውያን ንዓስርተታት ዓመታት ዓፊኑ ዝነበረ ጽምዋ ክስበር፥ ኣዕኑድ መግዛእቲ በብኩርንዑ ረማዕማዕ ክብሉ፥ ኣደታትን ሰብ-ቃልኪዳን ነቶም ዓመታት ዝተፈልይዎም ደቆምን መቕርቦምን ክረኽቡ ተሃንጠዩ። ግንባር ግንዳዕ ግን ሽታ ባሩድን ሞትን ዓብሊኹዎ ነይሩ።

ህዝባዊ ሰራዊት ነቲ ብጎሮርኡ ዝሓነቖ ሰራዊት መግዛኣቲ ትንፋስ ከይህብ፡ ናይ ጀነራል ሑሰን ኣሕመድ ሁ.ኣ.ሰ. ድማ ነቲ መሸንቆቓ ከዝልቕ መሪር ጥምጥም ተገብረ። ሽዑ ናይ ኩሉ ሕቶ ዝነበረ፡ ካብዚ ኸ ናበይን በየንን ዝብል ነበረ። ደሓን ይእተዉ ኣባላት ክ/ሰራዊት 16 ሓሳብ መጸቶም። ንሳ ድማ “ሰንበል” ትብል ነበረት።

“ኣሃ” በለ ወዲ ኤፍረም፡ ናይ ሽዑ ሓላፊ ጠቕላሊ ስታፍ ህ.ግ። እቲ ሓሳብ ምስ ኣሰላሰለ ክኸውን ከምዝኽል ተሰወጦ ይበሃል። ክራር ክጻወት ደርፍታት ከውጽእን ቐንጠብጠብ ክብል ከምዝጀመረ እውን ፈሊጠ ኣለኹ። ምናልባት ካብ ምስ ወተሃደራዊ ጸብጻባትን ካርታታትን ስታስቲክስን ምውዓል ንደረፍቲ ምውካስ ይሓይሽ ዝብል ሓሳብ መጺኡዎ ክኸውን ይኽእል። “ለካስ ጀነራት እውን እንሓንሳብ ሓድሽ ሓሳባት ካብ ተራ ደርፊ ይረኽቡ እዮም” ተገረመ ሓደ ገዲም ተጋዳላይ። ብዝኾነ ወዲ ኤፍረም ንወዲ ኣፎም ተወከሶ ይበሃል (ተውሳኺተይ ነይረዮ ድየ)።

“ ኣንታ ወዲ-ኣፎም፡ እዞም ነግራማት ኣባላት ባህሊ ክ/ሰራዊት 16፡ ብሰንበል ይሓይሽ እምበር ይብሉ ኣለዉ” በለ ወዲ ኤፍረም።
“ እቲ ሊንጎ ድዩ ኣምጺእዎ እቲ ሓሳብ” ሓተተ ወዲ ኣፎም።
“ እወ ካብታ ንሱ ዝመርሓ ጉጅለ ባህሊ እያ እታ ሓሳብ መጺኣ” መለሰ፡ ወዲ ኤፍረም ጎረርኡ እንዳ ኣጽረየ።
“ ደሓን ረኣዮ’ሞ ዝኸውን እንተኾይኑ ጽቡቕ” በለ። ኣስዒቡ “ሎሚ ለይቲ ሕልሚ ተራእዩኒ። ከመይ ምዃኑ ኣይነጸረለይን ግን እዚ ሊንጎ ትብሎ፡ ኣኽቢቦምኒ ካብ ዝነበሩ ኣዛብእ ኣትዒቱ ከውጸኣኒ ከሎ ተራኣየኒ” በለ። ወዲ ኤፍረም ብዙሕ ኣይደፍኣላን እታ ነጥቢ። ኣይቀጸሎን ኣቲ ዕላል። ብዝኾነ ብዛዕባ ሰንበል ክሓስብ ሓደረ። ኣብታ ክራሩ እውን ነታ ደርፊ ክጻወታ ሓደረ። ናይ ማርክስነት ማሕበራዊ መጻሕፍቲ ካብ ዝገድፍ መቸም ነዊ ገይሩ ነይሩ። ናይ ጃፕ (ቬትናም) ናይ ቻይና ወተሃደራውያን መራሕትን፡ ብፍላይ ከኣ መጽሓፍ ናይቲ ውሩይ ጥንታዊ ቻይናዊ ወተሃደራዊ ሊቕ ሱን ትዙ ሸምዲድዎ ነይሩ ይበሃል። ሰንበል ትብል ደርፊ ክለማመድ ኣምስዩ፥ ኣብ መወዳኣታ ሓደ-ክልተ ገመድ ምስ ተበትካ ናብ ድቃሱ ኣበለ።

ንጽባሒቱ መርሃዊ ብሰንበል ኣቢሉ ደበኽ በለ። ህዝቢ ኣስመራ ከምቲ ግዚኡ ሓልዩ ዝትኮስ ፈንጂ፡ ብሓደ ህሞት ንጎደናታት ከተምኡ ኣዕለቕለቖ። መርሃዊ ደኺሙን ተቛሲሉን ነበረ፡ ግን ከዕርፍ ከይበለ ነቲ ናብ ሰሜን ዝተፈርሸሐ ውሒዝ ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ክዓግት ተጓየየ። ወዲ ዛግር ግን ቅሩብ ግዜ ረኺቡ፥ “ መርሃዊ ረኺባ ዓባይ ኣስመራ” እትብል ዜምኡ ጆባእ በለና። ክሳብ ዕለት ሎሚ ድማ ንደርፋን ንሰምዓን ኣለና። ርሑስ በዓል ልደት ኤርትራ።

contact me at:sheideli95@gmail.com


Share with friends:


See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

Eritrea, Peace at Last 1991. Documentary in Tigrina


See also recent Articles by Mahmud Saleh Hamed:


Share with friends: