03/10/2023 00:15 AM
10ይ ዓመት - ዝኽሪ ናይቶም ብዕለት 03 ጥቅምቲ 2013፡ ኣብ ባሕሪ ላምፓዱሳ ጥሒሎም ዝሃለቑ 369 ኤርትራዊያን።
10th Anniversary of 369 Eritreans perished at the Sea of Lampedusa.
on 3rd October 2013
10ይ ዓመት - ዝኽሪ ናይቶም ብዕለት 03 ጥቅምቲ 2013፡ ኣብ ባሕሪ ላምፓዱሳ ጥሒሎም ዝሃለቑ 369 ኤርትራዊያን።
10th Anniversary of 369 Eritreans perished at the Sea of Lampedusa, on 3rd October 2013.
ሰላም ንኹልኹም ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና.ኮም!
ኣብ መፈለምታ ናይዛ ቅድሚ ሳልስቲ ዝተዛዘመት ወርሒ መስከረም 2023፡ ነታ ኣብ መስከረም 1961 ዝተወልዐት ሽግ ሓርነት ናይ ኤርትራውያን ብሓበን ዘኪርና።
ካብዛ ወርሒ ከይወጻእና፡ ኣብ 18 መስከረም 2023 ድማ፥ ነቲ ኣብ መስከረም 2001 ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘጋጠመ ዘሕዝን ታሪኻዊ ጥልመት፡ ንሕድሪን መብጽዓን ሰማእታትና፡ ማለት፡ ትግባረ ቅዋምና ዝተኾልፈሉ፥ ናጻ ጋዜጣታትና ዝተዓፈናሉ፡ ሓርበኛታት ኣርካናት መራሕቲ ሃገርናን ናጻ ጋዜጠኛታትናን ዝተሓየሩላ፡ ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ኣብ መላእ ኤርትራ ጸላም ክነግሰላ ዝጀመረት ወርሒ ምንባራ፡ ብዓቢ ሓዘን ዘኪርናያ። እቶም ኣብዛ እዛ ዕለት 18 መስከረም 2001፡ ብቓጻን ተጨውዮም እተሰወሩ ሓርበኛታት፡ ነቲ ዉዕዉዕ ጠለብ ህዝቢ ኤርትራ ንምምላስ፡ ማለት፡- ሃገርና ናብ ዓዲ ቅዋምን ልዕልና ሕጊን፡ ንቡር ህይወትን ክትሰጋገር፡ ንኹሎም ዜጋታት ዘሳትፍ ሓድሽ መድርኽ ንሃገራዊ ምዕባለ ክኽሰትን፡ መንእሰይና ቀሲኑ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ቀሲኑ ንኽነብርን ዝጽውዕ ጠለብ ኢዩ ነይሩዎም። ይኣክል! ኩሉ ዝሓለፈ ኣከያይዳና ገምጊምና፡ ጉድለታትና ኣሪምና፡ ናብ ንቡርን ቅዋማዊን ኣሰራርሓ ንምእታው፡ ስልጣን ናብ ህዝብና ከነረክብ ኣሎና ኢዮም ዝበሉ። እቲ ፊን ከም ዝበሎ ክኸይድ ዝደሊ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግን፡ ካልእ ስዉር ዕላማ ስለዝነበሮ፡ ናብ ጨውዩ ሰዊሩዎም። ንጻውዒት ናይዞም ሃገራዊ ህዝባዊ ሕቶ ዘልዓሉ መራሕትናን ጋዜጠኛታትናን፡ ኣብ እዋኑ ግቡእ እዝኒን ግብረመልሲን ስለዘይሃብና ኸኣ፡ እነሆ ሃገርና ኤርትራ፡ ኣብ ታሪኽና ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ደልሃመት ስለዝወደቐት፡ ኣብ ዓለምና ዝለዓለ ፍልሰት መንእሰያት ናብ ስደት እተመንጩ ሃገር ኮይና ትርከብ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ስርዓተ-ራዕዲን ሽበራን ተቖሪኑ፡ ዝኸፍአ ናብራ ከሕልፍ ተገዲዱ። ኲናትን ወረ ኲናትን፡ ብዘይ ዕረፍቲ ቀጺሉ፡ በዚ ኸኣ መላእ ህዝብና፡ ብሃለዋት ደቁን ስድራቤቱን፡ ኣብ ዓሙቕ ጭንቀትን ሻቕሎትን ተሸሚሙ ይርከብ።
ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ዋጋ ዘይክፈሎ ጊልያነት፡ ብስም ሃገራዊ-ኣገልግሎት፡ ንልዕሊ 25 ዓመታት ተቖሪኖም፡ መጻኢ ዕድሎም ጸልሚቱ ይርከብ። ኣብታ ወለዶም በጃ ዝሓለፉላ ዓዶም፡ ቀሲኖም ክነብሩላ ኣይከኣሉን። ንቡር ህይወቶም ክገብሩ፡ ክምርዓዉ ክድርዓዉ፡ ዕድል ኣይረኸቡን። ናይ ውልቆምን መጻኢ ሂወቶምን ምዕባለ ክሓስቡ፡ ክመሃሩ፡ ክመራመሩ፡ ንነብሶም፡ ንስድራቤቶምን ሃገሮምን ዘርብሕ ሞያ ከጥርዩን ዕድል ተዓጽዩዎም። እቲ እንኮ ዝራኣዮም ኣማራጺ ኸኣ፡ ካብ ሃገር ሃጽ ኢልካ ምውጻእ ኮይኑ። ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጋጥሞም ኣብ ሞንጎ ህይወትን ሞትን ዘሎ ናይ ሓምሳ ካብ ሚእቲ ዕድል፡ ከም ዝሓሸ ኣማራጺ ርእዮም ክኣትዉዎ ተገዲዶም። ኣብ ጉዕዞ ምድረበባን ባሕሪን፡ ኣእላፋት መንእሰያት ጠፊኦም።
እዚ ኣብ ዕለት 03 ጥቅምቲ 2013: ንመላእ ዓለም ዘሰንበደን ዘሕዘነን፡ ናይ ልዕሊ 369 ኤርትራውያን ህልቂት፡ ኣብ ኣፍደገ ባሕሪ ኢጣልያ (ላምፓዱሳ) እምበኣር፡ ኣብ ኣፍ-ደገ ምዕቡል ዓለም ስለዘጋጠመ ጥራይ ኢዩ ዓቢ ዜና ኾይኑ። ቅድሚኡ ይኹን ድሕሪኡ፡ ካብዚ ቁጽሪ'ዚ ዝዛይድ ይኹን ዝውሕድ፡ ኣብ ሓደ እዋን ጥራይ ዝተኸስቱ ብዙሓት ሓደጋታት ናይ ኤርትራውያን ተራእዮም ኢዮም። ንኣብነት ቅድሚ ላምፓዱሳ፡ 400 ኤርትራውያን ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝሃለቑሉ እዋን ዝዝከር ኢዩ፡ ኣብቲ ናይ ሽዑ ኣጋጣሚ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ፡ ኣብ ኤሪ-ቲቪ ወጺኡ፡ "እንታይ ክገብሩ ኢዮም ከ ናብኡ ከይዶም?" ክብል ከምዝሓጨጨ ንዝክር ኢና። እቶም ኣብ ጥዑም ቦታ እንነብር ኤርትራውያን፡ ነቲ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንጽቡቕ ክንጥቀመሉ ዝዓደለና ሰብኣዊ ሕልና፡ ክንጥቀመሉን፡ ወጽዓ ናይ ህዝብና ንዓለም ክንነግርን ኣይከኣልናን። እቲ ካብ ባሕሪ ተዘቚቑ ዝወጽአ ሬሳታት ኤርትራውያን ግን፡ ነቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ፡ ንመላእ ህዝቢ ዓለም ኣውያቱ ኣስሚዑ። ሎሚ ዕለት 03 ጥቅምቲ 2023፡ ነታ ርግምቲ መዓልቲ፡ ህልቂት 369 ኤርትራውያን ዘርድኣትና ላምፓዱሳ፡ ንዓስራይ እዋን ብዓቢ ሓዘን ንዝክራ ኣሎና።
ህልቂት ላምፓዱሳ ኮነ ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዘጋጠመ ኩነታት፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ ሓዘኑ ብእኩብ ገሊጹ፡ ነቲ ናብዚ ኩነታት ክበጽሑ ዝደፋፍአ ግጉይ ፖሊሲን ምልካዊ ምሕደራን ኤርትራ ድማ ብዓውታ ኮኒኑ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ቤተሰብ ናይዞም ግዳያት፡ ከምቲ ንቡር ወግዒ ሕብረተሰብና፡ ሓዘኖም ክገልጹ ኣይተፈቕደሎምን። እቲ መንግስቲ ኤርትራ ይኹን መራሒ መንግስቲ ሃገረ-ኤርትራ እንተኾነ እውን፡ ንቤተሰብ ግዳያት ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ኣይሃቡን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ፡ እታ እንኮ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራ (ኤሪቲቪ)፡ "ዘይሕጋውያን ዜጋታት ቀርኒ ኣፍሪቃ" ብምባል ኢያ ነቶም ዝሃለቑ ኤርትራውያን ክትጠቕሶም ተሰሚዓ። እቲ ኣማኢታት ሬሳታት ኤርትራውያን፡ ከም ንቡር ናብ ዓዱ ከይዱ ንቡር ሓመድ ድበ ክግበረሉ ስለዘይተኻእለ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ግዝያዊ ጋህስታት ተኸዚኑ ይርከብ። እቶም ሰብኣዊ ሕልና ዝጎደሎም ኣብ ዳያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ምሁራት (ኢደ-በይዛ ናይቲ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ሃገርና)፡ ነዞም ግዳያት ዘይናቶም ስም ክህቡዎምን ኣብ ልዕሊ ሬሳታቶም ክስዕስዑን ኢዮም ተራእዮም። ካብዚ ዝኸፍእ ብታሪኽ ዘሕትትን ኣዝዩ ዘሕዝን ጭካነ ኸኣ የለን።
እቲ ንመንእሰያት ደቂ ኤርትራ ዘጋጥም ዘሎ ጥፍኣት፡ ኣብ ባሕሪታትን ምድረበዳን ተወሲኑ ኣይተረፈን። ሎሚ፡ ኣብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ዘይምልከት ኲናት፡ ኣብ ሕምብርቲ ኢትዮጵያ (ትግራይ፡ ጎንደር፡ ክልላት ዓፋር ኢትዮጵያ ከምኡ ውን ኣብ ምድሪ ኦሮሞ) ኢዩ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ናይ ውግእ ሓዊ ዝጥበስ ዘሎ። ንናይ መን ረብሓ! መልሱ፡ ብሩህ ስለዝኾነ፡ ጥፍኣትና ብህጹጽ ደው ዝብለሉ ሃገራዊ ስጉምቲ ጥራይ ክንወስድ ይግባእ። ሃገር፡ ብዘይ ቅዋም፡ ብዘይ ልዕልና-ሕጊ፡ ብራዕዲን ሽበራን ከምዘላቶ ክትቅጽል እንተፈቒድና፡ እቲ ንሃገርናን ህዝብናን ዘህልቕን ዘብርስን ዘሎ ዲክታቶሪያዊ ኣመራርሓ ዘይኮነ፡ ንሕና ከም እኩብ ህዝቢ ኢና ተሓተትቲ።
ኣብ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ እቶም ብኽትሰምዖ ዘስካሕክሕ መግደራን ኣስካሕካሒ ሓደጋታትን ሰጊሮም ናብ ሃገረ-ሰላም ብምእታው ዑቕባ ዝረኸቡ መንእሰያት፡ ኣብ ከቢድ በሰላ ናይ ጭንቀት ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ነቲ ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ውርደትን ጭንቀትን ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ሃገርና ንምምሓው፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት መስከረም 2022 ኣትሒዞም፡ ኣብ መላእ ዓለም ህዝባዊ ማዕበል ኣበጊሶም ምህላዎም ኩልና ንርእዮን ብዙሓት ግዱሳት ዜጋታትን ውድባትን እውን ሕጋዊ ማእዝን ሒዙ ናብ ዓወት ክምርሽ፡ ንምትብባዑን ንምእላዩን ጻዕሪ ይካየደሉን ምህላዉ ብሩህ ኢዩ። ህዝባዊ ቃልስና እንተዓብዩ ውዳበኡ እንተኣሓይሉን፡ ነቲ ምንጪን ጠንቅን ናይ ስደትን ህልቂትን መንእሰያትና ዝኾነ ምልካዊ ስርዓ፡ ንሓዋሩ ሓግሒግና ክንጸርጎ ምዃንና ኣየጠራጥርን። እሞ፡ ዕድመ ምልኪ ንምሕጻርን፡ ፍትሒ ንምዕዋትን፡ ሃገራዊ ዜጋዊ እጃምና ነበርክት!
- ኣብ ሓሙሻይ ዓመት ዝኽሪ ዝቐረበት ጽሕፍቲ፡ ነቲ ክሳብ ሽዑ ኣብ ህዝብና ዝወረደ ስደትን ጉድኣትን እትሕብር ስለዝኾነት፡ ደጊምኩም ኣብዚ ርኣዩዋ።
- ኣብ መወዳእታ 2018 ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ዝተመዝገቡ ኤርትራውያን 507,300 ኢዮም። እዚ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት 2017 ዝነበረ ቁጽሪ ኤርትራውያን (ማለት 486,000 ኤርትራውያን) ዝለዓለ ምዃኑ ኢዩ። በዚ መሰረት፥ ኤርትራ፥ ኣብ ዓለምና፥ ኣብ ምፍራይ ብዝሒ ስደተኛታት ታሽዓይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ ኣላ።
እተን ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቚቦሙለን ዘለዉ ሃገራት፥- ኢትዮጵያ 174,000, ሱዳን 114,000, ጀርመን 55,300, ስዊዘርላንድ 34,100, ሽወደን 27,700, ኖርወይ 15,200, ነዘርላንድ 14,900, እስራኤል 14,500, ዓባይ ብሪጣንያ 13,000 ምዃኑ ጸብጻብ የመልክት።
ኣብዚ ላዕለዋይ ቁጽሪ`ዚ ዘይተጸብጸቡ፡ ናይ ዑቕባ ጉዳዮም ገና ኣብ መስርሕ ምጽራይ ዝርከብ 78,600 ኤርትራውያን ከምዘለዉ እውን እዚ ጸብጻብ ወሲኹ የብርህ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ቁጽሪ፡ ነቶም ምዝጉባት ሓገዝ ዝግበረሎም ኤርትራውያን ዑቕበኛታት ጥራይ ዝምልከት ኢዩ። ዝርዝር ጸብጻብ ኣብዚ ተወከስ።
ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን፡
ንኹሎም ጉድኣት ዝበጽሖም ስድራቤታት፡ ጽንዓት ይሃቦም።
ንኹሎም ግዳያት፡ መንግስተ ሰማይ የዋርሶም።
ስኒትና.ኮም
03 October 2023
ERISAT (03 Oct. 2021): ብቀጥታ ዝመሓላላፈ ዝኽሪ 8ይ ዓመት ህልቂት ላምፐዱዛ | 8th year Lampedusa...
Global Yiakl: ፍሉይ መደብ ብዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ #ይኣክል
ብምኽንያት 3 ጥቅምቲ፡ ዝኽሪ 8ይ ዓመት ህልቒት ላምፓዱሳ።
ERI-TV (News 04 Oct 2013).
ዜና ኤሪ-ቲቪ፡ ዕለት 04 ጥቅምቲ 2013
Eritrea//TEKLINO....LAMPEDUSA, Italyhe 111 coffins were numbered
Video Assenna:ROME Demo:Mother Activist Asgedet Speaks Passionately Regarding the Lampedusa Tragedy
NEWEST VIDEO Funeral service of Eritrean Lampedusa Victims
Eritrea Lampedusa Tragedy/ @TG3L
ኤርትራ መኣስ ረሲዕናኪ (ዜማ ድምጻዊት ብንያት ኪዳነ)
● ኤርትራ መኣስ ረሲዕናኪ (ዜማ ድምጻዊት ብንያት ኪዳነ)
ቃለመጠይቕ ምስ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ። Interview with Father Mussie Zerai (06 October 2014)
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- ኣብ ወርሒ 10፡ 2013 ዝነበረ ኩነታትን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝነበረ ግብረመልሲን
- ተዘክሮታት ህልቂት ኤርትራዊያን ኣብ ላምፓዱሳ ብ`ንቕሎ ኣዴታት ንምድሓን ህዝብን ሃገርን፡ ዞባ ኤውሮጳ (ኣብ ፓልቶክ መርበብ ኤርትራዊያን ንፍትሒ 02/10/2020)
- 7ይ ዓመት ዝኽሪ ላምፓዱሳ፡ ህልቂት ኤርትራዊያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ (ቢቢሲ ትግርኛ 03/10/2020)
- 7ይ ዓመት ዝኽሪ ላምፓዱሳ፡ ህልቂት ኤርትራዊያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ (ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና 03/10/2020)
- 7ይ ዓመት ዝኽሪ ላምፓዱሳ፡ ህልቂት ኤርትራዊያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ (ERISAT 03/10/2020)
- 7ይ ዓመት ዝኽሪ ላምፓዱሳ፡ ህልቂት ኤርትራዊያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ (ባይቶ ይኣክል ሕመኣ 03/10/2020)
- ጀኔቫ 03/10/2020 - ምስራሕ ናይ ስደተኛታት መስጎጒ መዓስከር ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ:: ኣብ ላምፓዱሳ ሂወቶም ዝሰኣኑ ኣስታት 360 ኤርትራውያን ድማ ዝኽሪ ተጌርሎም።
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- A Look Back on Eritrea’s Historic 1993 Referendum, BY FIKREJESUS AMHAZION (PhD)
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993 ብፍቕረየሱስ ኣምሃጽዮን (ዶ/ር)) (TesfaNews APRIL 23, 2018). - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)