Placeholder Picture
Placeholder Picture
10ይ ዓመት - ዝኽሪ ናይቶም ብዕለት 03 ጥቅምቲ 2013፡ ኣብ ባሕሪ ላምፓዱሳ ጥሒሎም ዝሃለቑ 369 ኤርትራዊያን።

03/10/2023 00:15 AM

10ይ ዓመት - ዝኽሪ ናይቶም ብዕለት 03 ጥቅምቲ 2013፡ ኣብ ባሕሪ ላምፓዱሳ ጥሒሎም ዝሃለቑ 369 ኤርትራዊያን።

10th Anniversary of 369 Eritreans perished at the Sea of Lampedusa.
on 3rd October 2013

10th Anniversary of 369 Eritreans perished at the Sea of Lampedusa, on 3rd October 2013.

10ይ ዓመት - ዝኽሪ ናይቶም ብዕለት 03 ጥቅምቲ 2013፡ ኣብ ባሕሪ ላምፓዱሳ ጥሒሎም ዝሃለቑ 369 ኤርትራዊያን።
10th Anniversary of 369 Eritreans perished at the Sea of Lampedusa, on 3rd October 2013.

ሰላም ንኹልኹም ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና.ኮም!

ኣብ መፈለምታ ናይዛ ቅድሚ ሳልስቲ ዝተዛዘመት ወርሒ መስከረም 2023፡ ነታ ኣብ መስከረም 1961 ዝተወልዐት ሽግ ሓርነት ናይ ኤርትራውያን ብሓበን ዘኪርና።

ካብዛ ወርሒ ከይወጻእና፡ ኣብ 18 መስከረም 2023 ድማ፥ ነቲ ኣብ መስከረም 2001 ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘጋጠመ ዘሕዝን ታሪኻዊ ጥልመት፡ ንሕድሪን መብጽዓን ሰማእታትና፡ ማለት፡ ትግባረ ቅዋምና ዝተኾልፈሉ፥ ናጻ ጋዜጣታትና ዝተዓፈናሉ፡ ሓርበኛታት ኣርካናት መራሕቲ ሃገርናን ናጻ ጋዜጠኛታትናን ዝተሓየሩላ፡ ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ኣብ መላእ ኤርትራ ጸላም ክነግሰላ ዝጀመረት ወርሒ ምንባራ፡ ብዓቢ ሓዘን ዘኪርናያ። እቶም ኣብዛ እዛ ዕለት 18 መስከረም 2001፡ ብቓጻን ተጨውዮም እተሰወሩ ሓርበኛታት፡ ነቲ ዉዕዉዕ ጠለብ ህዝቢ ኤርትራ ንምምላስ፡ ማለት፡- ሃገርና ናብ ዓዲ ቅዋምን ልዕልና ሕጊን፡ ንቡር ህይወትን ክትሰጋገር፡ ንኹሎም ዜጋታት ዘሳትፍ ሓድሽ መድርኽ ንሃገራዊ ምዕባለ ክኽሰትን፡ መንእሰይና ቀሲኑ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ቀሲኑ ንኽነብርን ዝጽውዕ ጠለብ ኢዩ ነይሩዎም። ይኣክል! ኩሉ ዝሓለፈ ኣከያይዳና ገምጊምና፡ ጉድለታትና ኣሪምና፡ ናብ ንቡርን ቅዋማዊን ኣሰራርሓ ንምእታው፡ ስልጣን ናብ ህዝብና ከነረክብ ኣሎና ኢዮም ዝበሉ። እቲ ፊን ከም ዝበሎ ክኸይድ ዝደሊ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግን፡ ካልእ ስዉር ዕላማ ስለዝነበሮ፡ ናብ ጨውዩ ሰዊሩዎም። ንጻውዒት ናይዞም ሃገራዊ ህዝባዊ ሕቶ ዘልዓሉ መራሕትናን ጋዜጠኛታትናን፡ ኣብ እዋኑ ግቡእ እዝኒን ግብረመልሲን ስለዘይሃብና ኸኣ፡ እነሆ ሃገርና ኤርትራ፡ ኣብ ታሪኽና ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ደልሃመት ስለዝወደቐት፡ ኣብ ዓለምና ዝለዓለ ፍልሰት መንእሰያት ናብ ስደት እተመንጩ ሃገር ኮይና ትርከብ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ስርዓተ-ራዕዲን ሽበራን ተቖሪኑ፡ ዝኸፍአ ናብራ ከሕልፍ ተገዲዱ። ኲናትን ወረ ኲናትን፡ ብዘይ ዕረፍቲ ቀጺሉ፡ በዚ ኸኣ መላእ ህዝብና፡ ብሃለዋት ደቁን ስድራቤቱን፡ ኣብ ዓሙቕ ጭንቀትን ሻቕሎትን ተሸሚሙ ይርከብ።

ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ዋጋ ዘይክፈሎ ጊልያነት፡ ብስም ሃገራዊ-ኣገልግሎት፡ ንልዕሊ 25 ዓመታት ተቖሪኖም፡ መጻኢ ዕድሎም ጸልሚቱ ይርከብ። ኣብታ ወለዶም በጃ ዝሓለፉላ ዓዶም፡ ቀሲኖም ክነብሩላ ኣይከኣሉን። ንቡር ህይወቶም ክገብሩ፡ ክምርዓዉ ክድርዓዉ፡ ዕድል ኣይረኸቡን። ናይ ውልቆምን መጻኢ ሂወቶምን ምዕባለ ክሓስቡ፡ ክመሃሩ፡ ክመራመሩ፡ ንነብሶም፡ ንስድራቤቶምን ሃገሮምን ዘርብሕ ሞያ ከጥርዩን ዕድል ተዓጽዩዎም። እቲ እንኮ ዝራኣዮም ኣማራጺ ኸኣ፡ ካብ ሃገር ሃጽ ኢልካ ምውጻእ ኮይኑ። ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጋጥሞም ኣብ ሞንጎ ህይወትን ሞትን ዘሎ ናይ ሓምሳ ካብ ሚእቲ ዕድል፡ ከም ዝሓሸ ኣማራጺ ርእዮም ክኣትዉዎ ተገዲዶም። ኣብ ጉዕዞ ምድረበባን ባሕሪን፡ ኣእላፋት መንእሰያት ጠፊኦም።

እዚ ኣብ ዕለት 03 ጥቅምቲ 2013: ንመላእ ዓለም ዘሰንበደን ዘሕዘነን፡ ናይ ልዕሊ 369 ኤርትራውያን ህልቂት፡ ኣብ ኣፍደገ ባሕሪ ኢጣልያ (ላምፓዱሳ) እምበኣር፡ ኣብ ኣፍ-ደገ ምዕቡል ዓለም ስለዘጋጠመ ጥራይ ኢዩ ዓቢ ዜና ኾይኑ። ቅድሚኡ ይኹን ድሕሪኡ፡ ካብዚ ቁጽሪ'ዚ ዝዛይድ ይኹን ዝውሕድ፡ ኣብ ሓደ እዋን ጥራይ ዝተኸስቱ ብዙሓት ሓደጋታት ናይ ኤርትራውያን ተራእዮም ኢዮም። ንኣብነት ቅድሚ ላምፓዱሳ፡ 400 ኤርትራውያን ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝሃለቑሉ እዋን ዝዝከር ኢዩ፡ ኣብቲ ናይ ሽዑ ኣጋጣሚ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ፡ ኣብ ኤሪ-ቲቪ ወጺኡ፡ "እንታይ ክገብሩ ኢዮም ከ ናብኡ ከይዶም?" ክብል ከምዝሓጨጨ ንዝክር ኢና። እቶም ኣብ ጥዑም ቦታ እንነብር ኤርትራውያን፡ ነቲ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንጽቡቕ ክንጥቀመሉ ዝዓደለና ሰብኣዊ ሕልና፡ ክንጥቀመሉን፡ ወጽዓ ናይ ህዝብና ንዓለም ክንነግርን ኣይከኣልናን። እቲ ካብ ባሕሪ ተዘቚቑ ዝወጽአ ሬሳታት ኤርትራውያን ግን፡ ነቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ፡ ንመላእ ህዝቢ ዓለም ኣውያቱ ኣስሚዑ። ሎሚ ዕለት 03 ጥቅምቲ 2023፡ ነታ ርግምቲ መዓልቲ፡ ህልቂት 369 ኤርትራውያን ዘርድኣትና ላምፓዱሳ፡ ንዓስራይ እዋን ብዓቢ ሓዘን ንዝክራ ኣሎና።

ህልቂት ላምፓዱሳ ኮነ ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዘጋጠመ ኩነታት፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ ሓዘኑ ብእኩብ ገሊጹ፡ ነቲ ናብዚ ኩነታት ክበጽሑ ዝደፋፍአ ግጉይ ፖሊሲን ምልካዊ ምሕደራን ኤርትራ ድማ ብዓውታ ኮኒኑ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ቤተሰብ ናይዞም ግዳያት፡ ከምቲ ንቡር ወግዒ ሕብረተሰብና፡ ሓዘኖም ክገልጹ ኣይተፈቕደሎምን። እቲ መንግስቲ ኤርትራ ይኹን መራሒ መንግስቲ ሃገረ-ኤርትራ እንተኾነ እውን፡ ንቤተሰብ ግዳያት ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ኣይሃቡን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ፡ እታ እንኮ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራ (ኤሪቲቪ)፡ "ዘይሕጋውያን ዜጋታት ቀርኒ ኣፍሪቃ" ብምባል ኢያ ነቶም ዝሃለቑ ኤርትራውያን ክትጠቕሶም ተሰሚዓ። እቲ ኣማኢታት ሬሳታት ኤርትራውያን፡ ከም ንቡር ናብ ዓዱ ከይዱ ንቡር ሓመድ ድበ ክግበረሉ ስለዘይተኻእለ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ግዝያዊ ጋህስታት ተኸዚኑ ይርከብ። እቶም ሰብኣዊ ሕልና ዝጎደሎም ኣብ ዳያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ምሁራት (ኢደ-በይዛ ናይቲ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ሃገርና)፡ ነዞም ግዳያት ዘይናቶም ስም ክህቡዎምን ኣብ ልዕሊ ሬሳታቶም ክስዕስዑን ኢዮም ተራእዮም። ካብዚ ዝኸፍእ ብታሪኽ ዘሕትትን ኣዝዩ ዘሕዝን ጭካነ ኸኣ የለን።

እቲ ንመንእሰያት ደቂ ኤርትራ ዘጋጥም ዘሎ ጥፍኣት፡ ኣብ ባሕሪታትን ምድረበዳን ተወሲኑ ኣይተረፈን። ሎሚ፡ ኣብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ዘይምልከት ኲናት፡ ኣብ ሕምብርቲ ኢትዮጵያ (ትግራይ፡ ጎንደር፡ ክልላት ዓፋር ኢትዮጵያ ከምኡ ውን ኣብ ምድሪ ኦሮሞ) ኢዩ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ናይ ውግእ ሓዊ ዝጥበስ ዘሎ። ንናይ መን ረብሓ! መልሱ፡ ብሩህ ስለዝኾነ፡ ጥፍኣትና ብህጹጽ ደው ዝብለሉ ሃገራዊ ስጉምቲ ጥራይ ክንወስድ ይግባእ። ሃገር፡ ብዘይ ቅዋም፡ ብዘይ ልዕልና-ሕጊ፡ ብራዕዲን ሽበራን ከምዘላቶ ክትቅጽል እንተፈቒድና፡ እቲ ንሃገርናን ህዝብናን ዘህልቕን ዘብርስን ዘሎ ዲክታቶሪያዊ ኣመራርሓ ዘይኮነ፡ ንሕና ከም እኩብ ህዝቢ ኢና ተሓተትቲ።

ኣብ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ እቶም ብኽትሰምዖ ዘስካሕክሕ መግደራን ኣስካሕካሒ ሓደጋታትን ሰጊሮም ናብ ሃገረ-ሰላም ብምእታው ዑቕባ ዝረኸቡ መንእሰያት፡ ኣብ ከቢድ በሰላ ናይ ጭንቀት ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ነቲ ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ውርደትን ጭንቀትን ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ሃገርና ንምምሓው፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት መስከረም 2022 ኣትሒዞም፡ ኣብ መላእ ዓለም ህዝባዊ ማዕበል ኣበጊሶም ምህላዎም ኩልና ንርእዮን ብዙሓት ግዱሳት ዜጋታትን ውድባትን እውን ሕጋዊ ማእዝን ሒዙ ናብ ዓወት ክምርሽ፡ ንምትብባዑን ንምእላዩን ጻዕሪ ይካየደሉን ምህላዉ ብሩህ ኢዩ። ህዝባዊ ቃልስና እንተዓብዩ ውዳበኡ እንተኣሓይሉን፡ ነቲ ምንጪን ጠንቅን ናይ ስደትን ህልቂትን መንእሰያትና ዝኾነ ምልካዊ ስርዓ፡ ንሓዋሩ ሓግሒግና ክንጸርጎ ምዃንና ኣየጠራጥርን። እሞ፡ ዕድመ ምልኪ ንምሕጻርን፡ ፍትሒ ንምዕዋትን፡ ሃገራዊ ዜጋዊ እጃምና ነበርክት!

ንኹሎም ጉድኣት ዝበጽሖም ስድራቤታት፡ ጽንዓት ይሃቦም።

ንኹሎም ግዳያት፡ መንግስተ ሰማይ የዋርሶም።

ስኒትና.ኮም
03 October 2023


ERISAT (03 Oct 2021): 8ይ ዓመት፡ ናይ ዝኽሪ ስነ-ስርዓት፡ ህልቂት ላምፔዱሳ።
ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ፡ ላምፔዱሳ።
8th year Rememberance Day, of The Lampedusa Catastrophy in which over 350 Eritreans were perished in one day, at the door-step of the Sea of Lampedusa, on 03 October 2013.


ERISAT (03 Oct. 2021): ብቀጥታ ዝመሓላላፈ ዝኽሪ 8ይ ዓመት ህልቂት ላምፐዱዛ | 8th year Lampedusa...


Global Yiakl: ፍሉይ መደብ ብዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ #ይኣክል
ብምኽንያት 3 ጥቅምቲ፡ ዝኽሪ 8ይ ዓመት ህልቒት ላምፓዱሳ።


MELA MEDIA: Documentary -
The Pain of Lampedusa 03102021 MM.
ሰነዳዊት ፊልም፦
ቃንዛ ላምፐዱዛ ቃንዛና ኾይና ሓሊፋ ኢያ'ሞ ንኹልና ስድራ ግዳያት ናይ ምጽንናዕን ደበስን ግዜ ይሃበና።


ERI-TV (News 04 Oct 2013).
ዜና ኤሪ-ቲቪ፡ ዕለት 04 ጥቅምቲ 2013


Voice of Assenna (07 Oct 2013): Interview with survivors of Lampedusa tragedy & Tewelde Tesfamariam Vacaro's call.
ERITREA: Nation in Mourning - following the Lampedusa tragedy which claimed the lives of hundreds of Eritrean immigrants.


Eri-Bahgna: መሰረት ሃገራዊ ፖለቲካ ኣብ ምስፋን ሰላምን ርግኣትን፣ ደሞክራስን ደሞክራስያዊ ምሕደራን፣ ሃገራዊ ልምዓትን ቁጠባዊ ዕብየትን ወሳኒ ታራ ኣለዎ!


Eritrea//TEKLINO....LAMPEDUSA, Italyhe 111 coffins were numbered


Video Assenna:ROME Demo:Mother Activist Asgedet Speaks Passionately Regarding the Lampedusa Tragedy


NEWEST VIDEO Funeral service of Eritrean Lampedusa Victims


Eritrea Lampedusa Tragedy/ @TG3L


Eritrea: Silence Kills


ኤርትራ መኣስ ረሲዕናኪ (ዜማ ድምጻዊት ብንያት ኪዳነ)

● ኤርትራ መኣስ ረሲዕናኪ (ዜማ ድምጻዊት ብንያት ኪዳነ)



ቃለመጠይቕ ምስ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ። Interview with Father Mussie Zerai (06 October 2014)

Father Mussie Zerai

ጸብጻብ ስደተኛታት ኣብ ዓለም 2018፡ Global Trends: Forced Displacement 2018, United Nations High Commissioner for Refugees.


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-





See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: