5ይ ዓመት - ዝኽሪ ግዳያት ባሕሪ ላምፐዱሳ

Search our site:
 

03/10/2018 00:57 AM

5ይ ዓመት ዝኽሪ ግዳያት ባሕሪ ላምፐዱሳ

5ይ ዓመት ዝኽሪ ግዳያት ባሕሪ ላምፐዱሳ
5TH Anniversary of Lampedusa Victims.
03 October 2018
ብዮውሃንስ ጸጋይ (ሎንዶን፡ ዓባይ ብሪጣንያ)

ሰላም ንኹልኹም ኤርትራውያን ተኻታተልቲ ጽሑፈይ! እዛ ዓመት'ዚኣ፡ መወዳእታ ናይ ኩሉ ሕሰምና ክትከውን ዘሎኒ ምንዮት ወሰን የብሉን።

ዕለት 03 ጥቅቅምቲ 2013፡ 365 ኤርትራውያን፡ ኣብ ባሕሪ ላምፐዱሳ ኢጣልያ ብኣዝዩ ኣስካሕካሒ ኩነታት ኣብ ባሕሪ ብምጥሓል ሃሊቖም። እዛ ዕለት'ዚኣ መላእ ዓለም ዝሓዘነላ ዕለት ኢያ ነይራ። መንግስቲ ኢጣልያ፡ ነታ ዕለት ባንዴራ ኣብ ፍርቂ ዘንጊ ብምንብልባል ሃገራዊ ናይ ሓዘን መዓልቲ ኣዊጁ። ከምኡ'ውን ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ነታ ዕለት ብተማሳሳሊ ኣገባብ ሓዘኑ ገሊጹ፡ ነታ መዓልቲ እውን ዓመታዊ ክትዝከር ኣዊጁ። ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ ሓዘኑ ብእኩብ ገሊጹ፡ ነቲ ናብዚ ኩነታት ክበጽሑ ዝደፋፍአ ግጉይ ፖሊሲን ምልካዊ ምሕደራን ኤርትራ ድማ ብዓውታ ኮኒኑ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ቤተሰብ ግዳያት፡ ከምቲ ንቡር ሕብረተሰብና ብወግዒ ሓዘኑ ክገልጽ ኣይተፈቕደሉን፡ መንግስቲ ኤርትራ ይኹን መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ናይ ሓዘን መዓልቲ ኣይኣወጁን ንቤተሰብ ግዳያት ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ኣይሃቡን። ብኣንጻሩ፡ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራ (ኤሪቲቪ)፡ "ዘይሕጋውያን ዜጋታት ቀርኒ ኣፍሪቃ" ብምባል ኢያ ኣባጭያትሎም። እቲ ኣማኢታት ሬሳታት ኤርትራውያን፡ ከም ንቡር ናብ ዓዱ ከይዱ ንቡር ሓመድ ድበ ክግበረሉ ስለዘይተኻእለ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ግዝያዊ ጋህስታት ተኸዚኑ ይርከብ። እዚ ካልኣይ ሞት ኢዩ! እቲ ዘሕዝን፡ ብወከልቲ ስርዓተ-ምልኪ፡ ኣብዘን ድሒረን ዝሰዓባ ዝሓለፋ ዓመታት፡ ኣብዛ ዕለተ-ጥፍኣት ዝኾነት ዕለት፡ ናይ ጓይላን ፈንጠዝያን በዓላት ምውዳቦምን፡ ንዕኡ ዘዳምቑ ኤርትራውያን ስነ-ጥበባዊያን ድማ ምንባሮምን ኢዩ። ንምንታይ'ከ ኣብታ ዕለት መሪጾም? ካልእ ንሆይሆይታ ዝኸውን ዕለታት ስለዝሰኣኑ ድዩ!? መልሱ፡ ንኹሉ ንቡርን ክቡርን ባህሊ ኤርትራውያን ንዝፈልጥ ሰብ፡ ብሩህ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ ዘይተቐብረ ሬሳ ኣሕዋትካ ምስዕሳዕ ጥራይ ኢዩ። ብመንግስታዊ ትካላቱ ተወዲቡ ክካየድ ከሎ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ባህልናን ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ንዕቀት ከምዘሎ ኢዩ ዘመልክት።

ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ክጥሕሉ፡ እዚ ኣጋጣሚ'ዚ ፋልማዮም ኣይኮነን፡ ቅድሚኡ እውን ኣብ እዋን ኩናት ሊብያ፡ ረዳኢ ዘይብሎም 400 ኤርትራውያን ኣብ ገማግም ሊብያ ምጥሓሎም ዝዝከር ኢዩ። ሽዑ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ መላእ ዓለም ሓዘኑ ገሊጹ ኢዩ። መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ከም መንግስቲ፡ ደሃዩ ኣየስምዐን። መዓልታዊ ቁጽሮም ዘይፍለጥ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝሓለፋ 10 ዓመታት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታትን ይሕብሩ ኢዮም፡ እዚ ቁጽሪ'ዚ ተደማሚሩ ብኣሽሓት ክግመት ዝከኣል ኢዩ።

እቲ ኣብ ፈቐዶ ምድረበዳ ሰሃራን ሲናይን ዝጠፍአ ቁጽሪ ኤርትራዊ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። እምበኣር፡ ግዳያት ባሕሪ ላምፐዱሳ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኢጣልያ ብምግጣሙ ደኣ ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ እምበር፡ እቲ ሓደጋ ቅድሚኡ ዝነበረን፡ ክሳብ ሎሚ ዝቕጽል ዘሎን ተርእዮ ኢዩ። ስለዚ፡ እዛ ዕለት'ዚኣ፡ ንዝኽሪ ኩሎም ኣብ መንገዲ ዝጠፍኡ ኤርትራውያን ንዝክረላ መዓልቲ ኢያ። በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ድማ፡ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ምስ ሕልናኡ ክዛረብን፡ ናብ ልቡ ክምለስን፡ ሞራላዊ ግዴታ ኣለዎ።

ነቲ ሽዑ (10/2013) ዝነበረ ኩነታትን ኣብ መላእ ዓለም ዝነበረ ግብረመልሲን ንምርኣይ፡ ኣብዚ ጠውቑ
እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ተኻታታሊ ቪድዮታት ድማ ነቲ ዝኽርታትና ንምሕዳስ ብከፊሉ ዝተወስደ ኢዩ።

ንኹሎም ግዳያት፡ መንግስተ ሰማይ የዋርሶም።

ንመላእ ቤተሰብ ድማ ጽንዓት ይሃብ።

ካብዚ ቀጺለ እምበኣር፡ ንኹሉ ብሃገሩ ዝግደስ ኤርትራዊ፡ ቁሩብ ለበዋ ከመሓላልፍ እደሊ፡-

ቁሩብ ምልስ ኢልና ናብ ዓለማዊ ጸብጻብ Human Rights Watch 2017፡ ምስ እንምልከት፡ ንሓበሬታ UNHCR ተወኪሱ ዘስፈሮ ጸብጻብ ከምዚ ይብል፡- ክሳብ መወዳእታ 2015፡ ኣብ መላእ ዓለም ከም ስደተኛታት ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ቁጽሮም 474,296 ከምዝነበረ እቲ ጸብጻብ የመልክት። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ፡ እዚ ቁጽሪ'ዚ 12 ካብ ሚእቲ (12%) ናይቲ ብወግዒ ዝፍለጥ 3.6 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ብተወሳኺ ይሕብር። እዚ ጸብጻብ እዚ ኣብተን ካብ 2015 ክሳብ ሎሚ 2018 ዝሰዓባ ዓመታት ዝነበረ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጠቓለለ ኣይኮነን። ይኹንምበር፡ እቲ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ፈጺሙ ከምዘየቋረጸ ብግብሪ ንርእዮ ኣሎና። ኤርትራዊ ዋላ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ተረኺቡ ምስ ተባህለ እውን ናብ ስደት ምውሓዙ ጋና ኣየቋረጸን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 10-12 ዓመታት፡ ልዕሊ 500 ሽሕ ኤርትራዊ ካብ ሃገሩ ተሰዲዱ ኣሎ ኢልና ክንዛረብ ዘሰክፍ ኣይኮነን ማለት ኢዩ። እዚ ብዝሒ ኤርትራውያን እዚ፡ ናይቶም ኣብ ቤትጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገቡ ጥራይ ዝምልከት ክኸውን ከሎ፡ ናይቶም ከይተመዝገቡ ዝወጹ ቁጽሪ ኣይፍለጥን። ኣብ መንጎ'ዚ ኹሉ ጉዕዞ ስደት ድማ፡ ዶብ ኤርትራ ክትሰግር ከሎኻ ዘጋጥም ጀሚርካ፡ ክሳብ ዓዲ ሰላም ወይ ዑቕባ እትህበካ ሃገር ትበጽሕ፡ ህይወት ናይ ኣሽሓት ኤርትራውያን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ብሓደጋታት ሃሊቑ ኢዩ። ኣብ ሃገርና ቀሲንና እንነብረሉ ኩነታት እንተዘይተፈጢሩ፡ እዚ ኩነታት'ዚን እቲ ህልቂትን ቀጻሊ ኢዩ ክኸውን።

መፍትሒ ናይዚ ኩሉ ህልቂት፡ ነቲ ኣብ ዓድና ዘሎ ስርዓተ ምልኪ ምእላይ ጥራይ ኢዩ። እዚ ዕዉት ዝኸውን ድማ፡ ተፈላሊኻ ዘይኮነስ፡ ከምቲ ኣቦና ሓርበኛ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ናብ ካልኣይን ሓድነታዊን ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ 1987 ብቪድዮ ቀሪጾም ዝለኣኹዎ ናይ ቃል መልእኽቲ፡ ተሓባቢርካን ሓንቲ ኢድ ኵንካን ኢዩ። ኣቦና ሓርበኛ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ኣብ መልእኽቶም፡- "ደቀይ! ደቂ ዓደይ! ኣይትፈላለዩ! ሓንቲ ኢድ ኩኑ! ብሃይማኖት ብኣውራጃ ኣይትፈላለዩ!" ብምባል ኢዮም ብቋንቋ ትግረ ኣመሓላሊፎም። ነቲ ምኽሮም ናብ ተግባር እንትግብረሉ እዋን ሕጂ ኢዩ። ብቓንዛና እናቖዘምና ምጓዓዝ፡ መፍትሒ ኣይከውንን ኢዩ። እቲ ዝግበር ሕጂ ብህጹጽ ክግበር ኣለዎ፡ ኩልኻ ኤርትራዊ ነዚ ጽሑፈይ ተንብብ ዘሎኻ፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ኤርትራዊ። ሃገር ህዝባ እንተጠፊኡ፡ ህዝባ ዝባደመት ሃገር መፍቶ ባዕዳውያን ኢያ ትኸውን። ብዓይንኻ ድማ ትርእዮ ኣሎኻ። ኩልኻ ኤርትራዊ! ብፍላይ ከኣ ኣትን/ኣቱም ምስ ምልካዊ ስርዓት ተጸጊዕኩም ክትጓዓዙ ዝጸናሕኩም! እቲ ጋሪዱኩም ዝጸንሐ ዓለባ ሳሬት እነሆ ካብ ቅድሚ ዓይንኹም ተቐንጢጡ ኣሎ። እቲ ክሳብ ሕጂ መማሳመሲ ዝነበረ ኣስታት 20 ሽሕ መንእሰይና ዝበልዐ "ጉዳይ ዶብ"፡ ሕጂ ሰላም ኮይኑ ኢዩ፡ ጉዳይና ጉዳይ ዶብ ኣይነበረን፡ ተባሂሉ ይንገረኩም ኣሎ። እሞ ካብዚ ዝዓቢ ክድዓትን ተሓታትነትን ድኣ እንታይ ኣሎ? ኣብ ውሽጢ'ቲ ስርዓት ኮንኩም ወይ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኮንኩም፡ ንፍትሒ አትሰርሑሉ እዋን እምበኣር ልዕሊ ኹሉ እዋን፡ ሎሚ ኢዩ።

ብ'ዮውሃንስ ጸጋይ (ሎንዶን፡ ዓባይ ብሪጣንያ)
03 October 2018


Eritrea//TEKLINO....LAMPEDUSA, Italyhe 111 coffins were numbered


Video Assenna:ROME Demo:Mother Activist Asgedet Speaks Passionately Regarding the Lampedusa Tragedy


NEWEST VIDEO Funeral service of Eritrean Lampedusa Victims


Eritrea Lampedusa Tragedy/ @TG3L


Eritrea: Silence Kills


ኤርትራ መኣስ ረሲዕናኪ (ዜማ ድምጻዊት ብንያት ኪዳነ)

● ኤርትራ መኣስ ረሲዕናኪ (ዜማ ድምጻዊት ብንያት ኪዳነ)



ቃለመጠይቕ ምስ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ። Interview with Father Mussie Zerai (06 October 2014)

Father Mussie Zerai

ጸብጻብ ስደተኛታት ኣብ ዓለም 2018፡ Global Trends: Forced Displacement 2018, United Nations High Commissioner for Refugees.

Share with friends: