Copyright© 2013 - www.snitna.com
Contact us ርኸቡና
Design: Yohannes Berhe
Google search here:
Understanding the Eritrean Constitution
Victims of Dictatorial Regime in Eritrea
Interactive dialogue with Special Rapporteur on the situation of human rights in Eritrea
Injustice in Eritrea -
News-
EHPN -
EHPN -
ERIPS -
Eritrea's Disappeared Community
Eritrean Prisoner Day መዓልቲ ኤርትራውያን እሱራት
Eritrea Sinit Study Group ESSG ስኒት
Radio channels ራድዮ
TV channels ቲቪ
Bokre Culture & History መእምር በኵረ
Eritrea Sinit Study Group ESSG ስኒት
One Nation Eritrea (ONE) ዋን ኔሽን
Society of Eritrean Think Tank (SETT)
Art-
Africantriangle.com ኣፍሪካን ትሪያንግል
Bokre Culture & History መእምር በኵረ
Culture Education Health
ባህሊ ትምህርቲ ጥዕና
Africantriangle.com ኣፍሪካን ትሪያንግል
BanaMentalHealth ባና፡ ማእከል ጥዕና ኣእምሮ
EHPN -
Eriitrea -
Where is your Brother? ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?
Documents ሰነዳት
Constitution & Constitutionalism ቅዋምን ቅዋማውነትን
Political Parties ሰልፍታት
DMES ደምሳኤ
DMLEK ዲምሓኩኤ
Eritrean Afar National Congress EANC
ENSF ድሕነት
ግሃድኤ -
Eritrean Bright Future Movement
Islamic Islah እስላማዊ እስላሕ
PFDJ ህግደፍ
UEDF ስሙር ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ
Civic Societies ሲቪክ ማሕበራት
CDRIE
EC-
EGS
ERITREAN LAW SOCIETY (ELS)
EWANA -
FreeEritrea
Society of Eritrean Think Tank (SETT)
Comm. & Associations ማሕበረኮማት
Youth Associations
ማሕበር መንእሰያት
Eritrean Youth Movement for Democracy
EYSC
YPFDJ
Religious እምነታት
شبكة سلام الإعلامية ሰላም መርበብ ሓበሬታ SELAM MEDIA NETWORK
Other Sites ካልኦት ኣገደስቲ
Magazines & Newspapers, መጽሔታት፡ ጋዜጣታት፡
Everyday Low Prices
18/09/2014 03:06 AM
ኣብ ልበይ ክረግእ ዝምነዮ ዕላል ዝኽሪ!!
18/09/2014 03:06 AM
ኣብ ልበይ ክረግእ ዝምነዮ ዕላል ዝኽሪ!!
ቀዳማይ ክፋል
ምስ ትፈትዎን ትፈትዋን፡ ሓንሳብ እናሰሓቕካ፡ ሓንሳብ እናነባዕካ፡ ብሕሉፍን መጻእን አዕልል ሓዲርካ፡ "በሉ ደሓን ሕደሩ!! ደሓን ሕደራ!!" ከይተበሃሃልካ፡ ካብ ሕልምኻ ክትበራበር እንከለኻስ ማዕረ ክንደይ መሪር ምዃኑ እቶም ዝፈተንኩሞ ትስሕትዎ ኣይመስለንን። ብፍላይ ኣብ ምድረ ዓለም እናሃለው፡ ንጽባሒቱ ገስጊስካ ምስዘይትኸዶም፡ ደዊልካ ምስዘይትረኽቦም፡ ቀሪብካ ኮነ ኣማዕዲኻ ብዓይንኻ ምስዘይትርእዮም፡ ኣድሂኻዮም ኾነ ኣድህዮሙኻ ምስዘይትሰምዖም ረዘንቲ ሰባት፡ እትገብሮ ዕላል፡ ዕላል ለይቲ፡ ብዘለዎ ክረግኣልካን ሰነድ ዝኽሪ ኮይኑ ክነብረልካን ኢኻ ትምነ።
ክቡራት አሕዋት ኣሓት ምስ ብሉጻት እየ ከዕልል ሓዲረሞ ዕላለይ ከካፍለኩም። ምስዞም ሰባት ከዕልል ናይ መጀመርታይ ኣይኮነን። ዕለታዊ እኳ እንተዘይበልኩ ኣብ ሳምንትን ወርሕን ብመንፈስ ከየዕለልኩዎም ብሓሳብ ከይበጻሕኩዎም ቀንየ ኣይፈልጥን። እቲ ቀትሪ ዝሓስቦን ዘዕሎን ዕላል መንፈስ ከኣ'ዩ፡ ለይቲ ኣብ ድቃሰይን ሕልመይን ዝደምቕን ዝዓሙቕን ዘሎ።
ሎሚ ለይቲ ናብቲ ተቕይዶሙሉ ዘለው ጽምዋ በረኻታት እየ ከይደዮም። ኣብ ኩሉ ሰናጭሮን ጎዳጉድን ገጠራትን ከተማታትን ኤርትራ ኣብ ዝርከብ ሸላታት ከኣ በጺሐ። ኣብ ኩሉ ኮሊለ ምስ ኮሎም ከ አዕሊለ። እቶም ብዘይካ ሓለውቶም ካልእ ሰብ ርእዮም ዘይፈልጡ ኣብ ሓደ ዕቡጥ ስንጭሮ ዝረኸብኩዎም ብጾት ብኣትኩሮ ጠሚቶሙኒ። እፈልጡኒ እኳ እንተነበሩ ግን ከለልዩኒ ኣይከኣሉን። ኣነ ግን ኣይሰሓትኩዎምን። ምእንታይ፡ ምእንቲ ብጸይቶም፡ ምእንታና፡ ምእንቲ ክብሪ ህዝቦምን ሃገሮምን፡ ኣብ ህይወቶም ዳግማይ መስዋእቲ ዝኸፈሉ፡ ሰብ ቅያን ታሪኽን ስለዝኾኑ ከመይ ኣቢለ ክገግዮም።
ዋላኳ ሰብነቶም ብስእነት ምጡን መግብን ሕክምናን እንተደኸመ፡ ቆርበት ኣካላቶም ብስእነት ጸሓይ እንተጸምለወን ወዞም እንተሃሰሰን፡ እቲ ዘይደንን ኒሖምን ዘይጸዓድ መንፈሶምን ግን ንገጾም ኣድሚቑዎ ነበረ። ንነብሲ ወከፎም ንሓያሎ ደቓይቕ ኣትኲረ ጠሚተዮም። ጠመተይ ህሉው ምስሎም ምስ ሕሉፍ ስእሎም ዘንጻጽር እዩ ነይሩ። ንሳቶም እውን ኣትኲሮም ጠሚቶሙኒ። ጠመተኦም ግን ንሕልናን መንፈስን ንውሽጢ ዝምርምር እዩ ነይሩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ብዛዕበኦም ዝሓስቦን ዝብሎን ዝፈተሸዎን ዝረኸቡዎን ይመስለኒ። አዒንቲ ኩሎም ብሓባር ኣብ ውሽጢ ሕልናይ ኣትየን ክምርምራኒ እዝክር። ኣብ ሕድርን ሓደራን ፈዂሰን ንኢሰን ከይጸንሕ እምብዛ ተሰኪፈ። መርመርተይ ግን፡ ልዕሊ ኩሉ ኣብ ሕልናን መንፈስን ስለዝግደሱስ ነቲ ክገብሮ ዝግበኣኒ ብዘይምግባረይ ከምዘየካብዱለይ እቶም ሕልናን መንፈስን ዝምርምሩ ብጾት ቃልሲ፡ ፍሕሹዋት ክነሶም ከበድቲ፡ ምቕሉላት ክነሶም ረዘንቲ እዮም። ወዞምን ምስሎምን እናረአኹ ኑሮኦም ክሓቶም ኣይተባዕኩን። ኣብ ሲኦል እናነበሩ ዘይቅምርሩ ተባዓት፡ ኣብ ቀዝሒ እናነበሩ ዘይሽምረሩ ጽኑዓት እዮም።
በኽናፍ መልኣከ ሞት ተኸቢቦም ዘይምድናኖም ነብሰ ተኣማንነቶምን ትብዓቶምን ዝምስክር እኹል ምላሽ ስለዝነበረ ኮሪዐን ተሓቢነን እየ። ካብ እመት ስድሪ ኮይኑኒ ከኣ ነተን ብቐረባ ዝፈልጠን፡ ደቀን ኣዘኽቲመን ደቂ ህዝቢ ክሕብሕባ ረዚን ዋጋ ዝኸፈላ ኣሓተይ ተቓለስቲ ኣትኲረ ጠሚተየን። ብዝኽሪ ቃልስን ዓወትን ወውሽጥና ተናቢብና። ሕድሪ ዘኽበረን ዝፈጸመን፣ ሓዳር ዝመረጸን ዘቐደመን ኮይንና ነንሓድሕድና ምስተጠማመትና ርእሰይ ኣድኒነ።
ሓዳርናን ናብራናን እናገበርና፡ ውራይናን ኑሮናን እናፈጸምና፡ ድምጺ ዘይምዃንና፣ ዓገብ ዘይምባልና ኣሰኪፉኒ እየ ከይፈተኹ ደኒነ። እቲ ፍልልይ ኣብኡ እዩ። እቲ ዝገበረ ርእሱ ከቕንዕ፡ እቲ ዝደሓረ ርእሱ ከድንን፡ እቲ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዝብጆ ንዘልኣለም ብኽብሪ ክዝከር እንከሎ እቲ ነብሱ ዝፈተወ ግን ክሳብ መቓብር ጥራይ እዩ ዝዝከር። ነተን ከዋኽብቲ ሃገር ኣትኲረን ቀኒዐን ክጥምተን ኣይደፈረኩን።
ተለኣኽና ስለዝበሉኒ ግን፡ መልእኽቶም ከብጽሕ ደኒነ ክሰምዖም ጀመርኩ። እቲ መልእኽቲ ናበይ ናባኹም ናብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እቲ መልእኽቲ ናባና፡ ናብቶም ደሃይ ብጾትናን መቓልስትናን ከይንገብር ዘጽቀጥና መቓልስቲ፣ ናብቶም ሃለዋት ደቅናን አሕዋትናን ክንሓትት ዘይከኣልና ወለዲ፣ ነቶም ደሃይ እሱራት ወለድና ክንገብር ዘይከኣልና ደቂ እሱራት፣ ነቲ ደሃይ ሕዩራት ደቁ ክገብር ዘይከኣለ መላእ ህዝቢ እዩ እቲ መልእኽቲ።
እቲ መልእኽቲ ስምን ቦታን ኣድራሻን፡ ወይ ዓድን ዓውድን ዝሓትት ኣይነበረን። እቲ መልእኽቲ ኣብ አእዛን ኩሉ ዜጋ ክበጽሕ ዝድለ፡ ኩሉ ወዲ ሃገር ክሰምዖ ትጽቢት ዝግበረሉ መልእኽቲ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራን መልእኽቲ 13 ዓመታት ዒራዒሮን እዩ።
ደብርን ገዳምን ከም ዝረገጽኩ እቲ ጽምዉ ቦታ ኣፍሪሑኒ ደኒነ። ኣብ ቅድመኦም ርእሰይ ከቕንዕ ኣይከኣልኩን። ሓደ ዕስሪት ናይቲ ክገብሮ ዝግበኣኒ ክገብር ብዘይምኽኣለይ ሕፍረትን ስክፍታን እናተሰማዓኒ፡ ካብቲ ጽምጽም በረኻ መልእኽቶም ከብጽሕ ሕቖይ ሂበዮም ነቒለ። ልበይን ቀልበይን ግን ኣብኡ እዩ ተሪፉ። ውነይን መንፈሰይን ኣብ ኩሉ ሸላታት ኤርትራ ኣሎ።
እቶም ብጾት፡
"ኣንቲ ብጸይቲ እቲ እንፈልጦን ዝፈልጠና ህዝብናስ ሃለዋቱ ከመይ ኣሎ፧ ብደሓነ ሰላም'ዶ ኣሎ፧ እቲ ወሊዱ ዘዕበየና፡ ሓብሒቡ ዘምሃረና፡ ኣብ እዋን ቃልሲ ብኹለንትናኡ ዝሓገዘና፡ ኣብ ውዑይን ዝሑልን ዝተላእከና፡ ደጊፉ ደጋጊፉ ዓዲ ዘእተወና ህዝብና ከመይ ኣሎ፧ ብዛዕባና እንታይ ይብል -
ቀጺሎም፡-
" ኣብ ጽባሕ እተን ዝተቐየድናለን ዕለታት 18-
" ንሕቶ ሓርነትን መሰልን ብሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ክንፍልሞ እንከለና ተስፋና ኣብ ህዝብና እዩ ነይሩ። እቲ ትማል ሕቖን ድርዕን ኮይኑ ዝደገፈና ህዝብና ንምርግጋጽ ሰብኣዊ ክብርን ሓርነትን ኣብ እንገብሮ ቃልሲ ጸግዒ ክኾነና እዩ ነይሩ እምነትና። ስለዝኾነ ከኣ ኢና ነቶም ትማሊ "ንስኻትኩም ጽንሑ ንሕና ክንስዋእ፡ ንስኹም መልእኽቲ ኣብጽሑ ንሕና ክንሓልፍ፡ ንስኹም ህዝቢ ምርሑ ንሕና ኣባይ ክንጸርግ።" ኢሎም በጃ ዝሓለፉ ሰማእታትና እናዘከርና ኢና ቅድሚ ህዝብና ክንሓልፍ በጃ ክንኮኖ መሪጽና። ስለዚ ንሕና ክንሓልፍ ንስኻትኩም ዓዲ ኣድሕኑ እዩ መልእኽትና። ንሕና ሓሊፍና ኣሎና። ንስኻትኩም ፍትሒ ኣንግሱ ተቓለሱ'ዩ ንብል ኣሎና እሞ ሓደራ ሕድርና ተቐበሉ።" ኢሎሚና። መልእኽቶም ግን ኣብኡ ኣየብቀዐን።
" እቲ ጭዋን ስልጡንን ህዝብና ደሃይና'ዶ ይገብር ኣሎ ወይስ ሓለንጊ ምልኪ ኣፍሪሑዎ ኣጽቂጡ እዩ ዘሎ። እቲ ትማል ታሪኽ ዝሰርሐ ህዝቢ ዝወዓሎን ዝገበሮን ታሪኽ ካብ ምድጋም እንታይ ክኽልክሎ ይኽእል። ግዜን ኩነታትን ምጥዕዓም ኣብዩዎ እንተዘይኮይኑስ ካብ ኣብራኹ ንዝወጻእና ደቁ ክርሳዓና ዘይሕሰብ እዩ። ግን ከኣ ምእትኡን ምእንቲ ርሁው መጻኢኡን ሰብኣዊ ክብረቱን ስለዝተበጀና፡ ከምቶም ናጽነት ህያው ክገብሩ ዝወደቑ ጀጋኑና ሕቡናት ኢና። ንህዝብና ግን ኣብዛ ሓላፊት ህይወት ዘይሓልፍ ታሪኽ ክሰርሕ ሓደራ ኣዘኻኽርልና።"
" ደቅናን ኣንስትናን ከይዝኽትሙን ጽምዋ ከይስመዖምን ሓደራ ኣጸናንዑዎም። ኣረገውቲ ስድራና "ትሩፍ ድሕሪ ደጊም!" ኢሎም ተስፋ ቆሪጾም ከይወድቁ ኣጆኹም በሉዎም። ሰለይቲ ምልኪ እግሪ እግርኹም እናሰዓቡ ምስ መን ተራኺብኩም ምስ መንከ ኣዕሊልኩም እናበሉ ከሳራጥዩኹም ወይ ደድሕረኹም እናተኸተሉ፡ ኣብ ቤት ደለይቲ ፍትሒ መን ኣተወ መንከ ወጽአ ብምባል ክድህልኹም ክፍትኑ እዮም። ግን ከኣ ታህዲድን ፍርሕን ማእሰርትን ዓፈናን ትማል ኣብ እዋን ደርግ እውን ሓሊፍኩሞ ኢኹም እሞ ሓደራኹም ርእስኹም ኣይተድንኑ። ትብዑ ቅንዕ በሉ። በልልና" ኢሎሙኒ።
መልእኽቶም ናብ ነፍሲ ወከፍ ቀጸላ ሕብረተሰብና ስለዝኾነ ነዊሕን ሰፊሕን እዩ። መቐጸልትኡ ኣብ ዝመጽእ ከስዕበልኩም እዩ።
ብጸይትኹም ጓል ደንደን!!
18 September 2014
ካልኣይ ክፋል ኣብዚ ጠውቕ
Share:
Documments ሰነዳት |
Constitution ቅዋም |
Other Docs ካልእ ሰነዳት |
ELF History ተሓኤ |
EPLF History ህግሓኤ |
Advice General ምኽሪ ሓፈሻዊ |
Advice Social ምኽሪ ማሕበራዊ |
Attractions ጽባቐ |
Books መጻሕፍቲ |
Drama ድራማ |
Fideley ፊደለይ |
Genealogy መበቆል |
History ታሪኽ |
Learning ትምህርቲ-ብናጻ |
Music ደርፊ |
Radio ራድዮ |
Towns ከተማታት |
Tradition ያታ |
About us ብዛዕባና |
Contact us ርኸቡና |