Placeholder Picture
Placeholder Picture
ጽልዋ ለውጢ ባጤራ፡ ሓዋላን ስደትን፡ ኣብ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ መነባብሮን ምዕባለን ህዝቢ ኤርትራ።

26/04/2024 00:04 AM

ጽልዋ ለውጢ ባጤራ፡ ሓዋላን ስደትን
ኣብ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ መነባብሮን ምዕባለን ህዝቢ ኤርትራ።

The impact of currency changes, remittances and migration on the economic, social, livelihood and development of the people of Eritrea.

ብ'በርሀ ፍስሃየ፡ ሎንዶን ሚያዝያ 25 2024

ጽልዋ ለውጢ ባጤራ፡ ሓዋላን ስደትን፡ ኣብ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ መነባብሮን ምዕባለን ህዝቢ ኤርትራ። The impact of currency changes, remittances and migration
on the economic, social, livelihood and development of the people of Eritrea.

ኤርትራ፡ ደጋን ቆላን፡ መታሕትን ከበሳን፡ ኣስላማይን ክርስትያንን ከይበለ ተኸባቢሩ ዝነብር፡ ዓዱን ቤተ ሰቡን ዘፍቅር፡ ባህሉን ልምዱን ዘኽብር፡ ብስነ-ምግባሩን ጭውነቱን ዝምስገን፡ ህርኩት ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ኢያ። ይኹን’ምበር፥ ብኢሳያስ ኣፈወርቂን ሰዓብቱን ዝምራሕ ህግደፋዊ ምሕደራ፡ ነታ ቀንዲ ሕመረት ሕብረተሰብ ዝዀነት ስድራ-ቤት (family core) ብዝተፈለላየ ምስምስ በቲኖም፡ ነቲ ካብ ኣበዋት ንዘበናት ክወራረስ ዝጸንሐ ክቡር ባህልን ኣነባብራን ዘሪጐሞ። ንመንእሰያት፡ ኣብቲ ኣለያን ምኽርን ስድራ ቤቶም ዘድልዮም ናይ ጉብዝና እዋን፡ ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ጸሚዶም፡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ግቡእ ሞሳ ኣብ ዘይረኽቡሉ ባርነታዊ ዕዮ ቆሪኖም፡ ንቡር መሰላቶም ግሂሶም፡ ተማሪሮም ካብ ሃገር ነፊጾም ከም ዝወጽኡ ገይሮምዎም።

ብሓጺሩ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንኸናውሕ፡ ካብ ጐረባብትን ምዕራብ ዓለምን ዘለውን ዘየለውን ጸላእቲ እናፈጠረ፡ ነቲ መንእሰይ ንልዕሊ 28 ዓመታት ኣብ ዕስክርና ጸሚዱ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዝጻሕተሮ ወተሃደራዊ ግጭት መዝሓል ዓረር ገይሩዎም። ብሕጂ እውን ስልጣኑ ንምዕቃብ፡ ብዝለመዶ ጥበብ ፕሮፖጋንዳን ሓይልን መንእሰያት ኤርትራ ምብላዕ ክቕጽል እዩ። ኢሳይያስ፡ ከም ብዙሓት መለኽቲ ስርዓታት፡ ንነብሱን ስርዓቱን ከም ቅዱስን ብጹእን ንጐረባብትን ምዕራብ ዓለምን ከም ጸላእትን ተጻባእትን እናጠቀነ፡ ንሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ብዓሌትን ኣውራጃን፡ እንተሰሊጡዎ ብሃይማኖት እውን ከይተረፈ ከፋፊሉ ከተፋንኖ ድሕር ኣይክብልን እዩ።

እዚ ምእንቲ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ’የ ተቓሊሰ ዝብል ስርዓት፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ክንዲ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘንግስ፡ ትምህርትን ጥዕናን ዘመሓይሽ፡ ትሕተ ቕርጺ ዝሃንጽ፡ ሽቕለትን ንግድን ዘሰስንን፡ ኣንጻር ባህግን ትጽቢትን ህዝቢ፡ ነቲ ዝርካቡ ዝጸንሐ ትካላት ኣዳኺሙ ኣልሚሱዎ። ነቲ ክቡር ናይ ምርድዳእን ምትሕግጋዝን ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ እናዀስኮሰ ሓድነት ህዝቢ ኣብ ክንዲ ዘስጥም፡ ብዝተፈላለየ ምስምስ ክዘራርጐ ህርድግ ይብል ኣሎ። ድኹም ውሽጣዊ ባህርያቱ ንምሕባእ፡ ኩሉ ጸገማቱ ብግዳማዊ ዓለም ከም ዝመጽአ ንምምሳል፡ ሓሙሻይ መስርዕ፡ ጡርኑፋት ኣስላም መጽኡኻ፡ ወያነ ምስራሕ ከሊኦሙና፡ ዶብና ኣይተኸለለን፡ ቀኒኦምልና፡ ሲኣይኤ ተጻቢኦሙና፡ እናበለ፡ ንጓኖት እናጠቀነ፡ ንደለይቲ ጽቡቕ ሃገራውያን እናደሃለ፡ እናጸለመ፡ ኣብ ትሕቲ ባይታን ዕራዒሮን እናኣሰረ፡ ንጎረባብትን ንምዕራብ ዓለም ክሓምን ክውንጅልን ይስማዕ።

ብኣንጻሩ፡ ንሕና ዝተፈለና ታሪኽ ዘሎና ጀጋኑ ህዝቢ ኢና፤ ከማና ዝበለ ታሪኽ ዘለዎ ህዝቢ የለን ብዝብል ትምክሕታዊ ትዕቢት፡ ንህዝብና እናደናገረ፡ ሰላም ረኺቡ መነባብርኡ ከይገብር፡ ድንቁርና ዝሕላገቱ ፖለቲካዊ ማእከል ብምግባር፡ ብኣንነታዊ ፕሮፖጋንዳ ከደናግሮ ሒዂ ይብል ኣሎ። ኣብ’ዘን ዝሓለፉ 32 ዓመታት፡ ኣድላይነትን እዋናውነትን ናይ ፍትሕን ሕግን፡ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ምዕባለ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ዘይናቱን ከም ዘይምልከቶን፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ወለዶ ብዘለዎ ደረት ኣልቦ ንዕቐት፡ ሓሳቡን ስሚዒቱን ዝገልጸሉ፡ ነንሓድሕዱ ዝመሃሃረሉ ዕድል ንኸይረክብ ተዓጊቱ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብ ዓዱ ወጺኡ ኣርሒቑ ከም ዝበርር፡ ብወልፍታት ከም ዝጽመድ ኣብ ምግባር፡ ሓደ ካብ ፖሎቲካዊ ስልትታት ናይ`ዚ ፍጹም ምልካዊ ስርዓት’ዩ።

ፍጹም ምልካዊ ማለት ብዝተወደበ ጸረ ዲሞክራሲ ሕብረተ ሰብ ፈጢሩ፡ ጉቦን ብልሽውናን ቀስ ኢሉ ከም ዝስዕርር ዝገበረ፡ ስርቂ፡ ጉሕለት ከም ባህሊ ፈጢሩን ኣተኣታቲዩን ዝመርሕ፡ ሃብቲ ሃገር ኣብ ትሕቲ ውሑዳት ሰብ ረብሓ ተቖጻጺሩ ዝገበተ፡ ምስ ዓለምና ዘራኽብ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ስትራተጂ ዘይብሉ፡ ፈራዲ፡ መፈጸሚን ባዕሉ፥ መዲያ ብምቁጽጻር፡ ተወዳዳሪ ሓይሊ ከይህሉን ንኸይመጽእን ከይደቀሰ ዝሓድር ገዛኢ ውድብ፡ መሪሕ ውድብ እናበለ፡ ፓርላማ፡ ፖሊስ፡ ቤት ፍርዲ ባዕሉ፡ ብመንገዲ ንቡር ቅርጺ ሕብረተ ሰብ፡ ማሕበር ሰራሕተኛ፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ተመሃሮን፡ ሓረስቶስን ሕብረተ ሰብ ብምቁጸጻር፡ ሃይማኖታዊ ፍልልያት ብምፍጣር፡ ሃብቲ ሃገር ኣብ ትሕቲኡ በዝቢዙ ብምቁጽጻር፡ ፖለቲካዊን ሕብረተ ሰባዊን ፍልልያት እናፈጠረ፡ ባርነታዊ ኣተሓሳስባ ብምልምማድ፡ ሓሶት ብምፍጣርን ብምምዕባልን ካልእ ኣማራጺ ፖለቲካዊ ሓሳብ ንኸይፍጠር ብጻዕቂ ዝሰርሕ፡ ኣብ ከባቢኡን ጎረቤቱን ሰላምን ቅሳነትን ዝፍንፍን፡ ትምህርትን ምሁርን ዘናሹ፡ ረብሓን ጥቕምን ትምህርቲ ዘቆናጽብ፡ ጸረ-ትምህርቲ ስለ ዝኾነ፡ ንኹሉ ኣካል ሕብረተ ሰብን ሃብቲ ሃገርን ስለ ዝቕጻጸር ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢልና ክንጽውዖ ብቑዕ ምኽንያት እዩ።

በዚን ክንድዝን፡ በብዓመቱ ቁጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይውስኽ ከም ዘሎ ይሕበር። እዞም መንእሰያት፡ ቀሲኖም ዝነብሩላ ሃገር ንምድላይ፡ ነታ ተወሊዶም ዝዓበዩላ ዓዶም ሕቖኦም ሂቦም ብኣዝዩ በዳሂ መገዲ ይስደዱ ኣለው። ከይፈተዉ ዓዶም ክሓድጉ ዝገብሮም ብዙሕ ምኽንያታት ኣለዎም። ንሱ ድማ፥ እቶም ኣብ ታሪኻዊ ሃዋህው ህይወቶም ብዕምቆት ዝተሳተፍዎምን ብተሞክሮ ዝሓለፍዎምን እዮም። ሓደ ሰብ ካብታ ዝፈትዋ ዓዱ፡ ንቡር መነባብሮ፡ ትምህርትን ስራሕን ናይ ምርካብ ዕድላት ስለ ዝዕጸዎ፥ ኣብ ትሕቲ ምልኪ ክነብዕ፡ ብሰንኪ ቀጻሊ ኣዕናዊ ውግእ፡ ኣእምሮኦም ረጊኡ ክቕጽለሉ ኣብ ዘይኽእሉ መድረኽ ምስ ዝበጽሕ፥ ኩሉ ሂወቱ ከጥፍእ ስለ ዘይደሊ፥ ብዝኾነ ደረጃ ንሂወቱ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጉዳያት ዝፈትሓሉ መንገዲ ኮይኑ፡ ንሂወቱ ንምድሓን ድማ ናይ መወዳእታ መማረጺ ስደት ይመርጽ። ስለዚ፡ ሰባት፥ ንባዕሎምን ንቤተሰቦምን ንምድሓን ናብ ወጻኢ ሃገር ተሰዲዶም ክነብሩ ይመርጹ። ብዝኾነ፡ ስደት ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጉዳይ ክንሱ፡ እቲ እንኮ ሽግሮም ዝፍትሕሉን ናይ መወዳእታ መማረጺ ህይወቶም ንምድሓን ዝውሰድ ስጉምቲ ኮይኑ ይረኽብዎ። እዚ ኩነታት ብዘስካሕክሕ መገዲ ሕማቕ ከም ዝኽውን ብቐሊሉ ክግመት ዝኽእል እዩ። ስለዚ፡ ስደት ብሓፈሻ በዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት ዝብገስ እዩ። ቁጠባዊ ድኽነት፡ ፖለቲካዊ ጭቆና ከምኡ`ውን ብቐጻሊ ኩናት ዝመጽኦ ኣዕናዊ ሓደጋ

ቀዳማይ፡ እቲ ቁጠባዊ ምንቁልቋል ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ጸገማት እዩ። ዘይልከፍ ዋጋታት ሃለኽቲ ነገራትን ሽቕለት ኣልቦነትን የስዕብ። እተን ብመንግስቲ ዝውነና ይኹና ናይ ውልቀ ሰባት ኩባንያታት (ትካላት) ሰራሕተኛታተን ንሃገራዊ ኣገልግሎት ንኽሰዳ ስለ ዝግደዳ፡ ሰራሕተኛታት ይስእና፡ ሓዲሽ ስራሕ ኣይፍጠርን፤ ቀጻልነት ዘለዎ ትካልን ስራሕን፡ ኣፍረይቲን ነጋዶን ኣይህልውን። ምህርቲ ስለ ዝጎድል፡ ዋጋታት ይውስኽ፡ ገንዘብ የለን፡ ኣብ ትሕቲ እዚ ኩነታት`ዚ፡ ስራሕን ገለ ዕድላትን ብምልኡ ዕጹው ስለ ዝኾነ፡ ንኽህሉ`ውን ስለ ዘይድለን፡ ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድል ኣብቲ ዝተሓተ መድርኽ በጺሑ ስለ ዘሎ፡ እዚ ኩነታት እዚ ዝቕየር ኣይኮነን ኢሉ እንተኣሚኑን፡ እዚ ኩነታት ናብ ዝሓሸ ዕድላት እንተዘይ ተቐይሩ ናብ ካልእ እኹል ዕድል ስራሕ ዘለዎ ሃገር ካብ ምኻድ ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ የብለይን ይብል። እዚ ድማ ብቑዕን እኹልን ምኽንያት እመስለኒ።

ካላኣይ፡ ፕለቲካዊ ጸቕጢ እውን ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጠንቂ ስደት እዩ። ቀንዲ ፖለቲካዊ ስጉምቲ፡ ኣብ ገለ ገለ ድማ፡ ሃይማኖታዊ ቀውሲ ከቢድ ስደት የስዕብ። ካብ ኣተሓሳስባ`ቲ ምልካዊ ስርዓት ዝተፈልየ ርእይቶ ዘለዎም ሰባት፡ ንነዊሕ ግዜ ድሕሪ ምጽማም፡ ነታ ዝፈትውዋ ዓዶም ሓዲጎም ይስደዱ። ነገሩ፡ ‘ወይ ዝበሉኻ ግበረሎም ወይ ድማ ዓድኻ ግደፈሎም’ እዩ ። እኹል ሓይልን ጽንዓትን ብዘይ ምህላወም፡ ንህይወቶም ኣስጋኢ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ሃገሮም ገዲፎም ይስደዱ።

ሳልሳይ፡ ጸገማት ኩናትን ተፈጥራዊ ሓደጋታትን ካብ ቁጽጽር ወዲ ሰብ ወጻኢ እዮም። ሓንቲ ሃገር ኩሉ ግዜ ኣብ ውግእ ትነብር እንተኾይና፡ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ህዝቢ በቲ ኩነታት ስለ ዘይሕጎሱ፡ ሰላም ዘለዎ ሃገር ሃረር ብምባል ንስደት የምርሑ። ኩናት ወይ ተፈጥራዊ ሓደጋ እንተ ኣጋጢሙን እንተ ዓንዩን፡ ሰባት ንዝዓነወ ንብረቶም እንደገና ክሃንጹን ወይ ድማ ናብ ካልእ ዘይፈልጥዎ ሃገር ክስደዱን ኣብ ምርጫ የእትዉ። ስለዚ፡ ኣዝዩ ዓሚቑን ሰፈሕን ምኽንያታት ስደት ኣሎ፡ እናበዝሐ ከኣ ይኸይድ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ስደት መቐረት ዘለዋ ሃንዛ ኣይኮነትን። ምኽንያቱ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝነበርካሉ ቦታ ንኽትገድፍ ኣዝዩ ከቢድን መሪርን እዩ። ኣብ ሱር ሓሳብ ስደት ዓሚቚ ተስፋ ምቑራጽ ከምዘሎ`ውን፡ ብወገነይ ብትሪ`የ ዝኣምነሉ። ከምኡ እውን፡ ብኹነታት መነባብሮ ሃገሮም ዘይዓገቡን ተስፋ ዝቖረጹን ሰባት ካብ ሃገሮም ናብ ካልእ ሃገር ዝስደዱ ከም ሓደ ፍታሕ እየ ዝርእዮ። ይኹን`ምበር፡ ስደት ሓቀኛ መፍትሒ ዘይኮነስ ካብቲ ዘለካ ጸገማት ንምህዳም ዝሕግዝ ጥራሕ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ከምኡ`ውን፡ ካልኣዊ ጸገማት፡ ከም ምጥሓስ ሕጊ፡ ምብትታን ስድራ ቤት፡ ምፍላስ ሓንጎል (brain drain) እውን የስዕብ። ስለዚ፡ ኣብዚ ህሞት`ዚ ዋላ እኳ ንእሽቶይ ፍታሕ እንተ ዘይተረኽበ፡ ብዛዕባ እዚ ሽግር`ዚ ሓቀኛ መፍትሒ ክንሓስብን ሃሰስ ክንብልን ግን ናይ ግድን የድልየና። ርግጽ`ዩ ሽግር ዘይብለን ሃገራት ስለ ዘየለዋ፡ ሽግረን ዝፈትሓን ኣብ ምፍታሕ ዝርከባ ሃገራትን፡ ካብ ተሞኩረአን እናተመሃርና፡ ምስ ናይ ዓድና ክውንነት ብዘሳኒ ዝበለጸ መፍትሒ ንምርካብ ኣቓልቦናን ውነናን ብሓበራ ናብ ዓድና ከነቕንዕ ይግበኣና።

ዕላማ ናይ`ዚ ጽሑፍ ኣምበኣር ናይ ሓድሽ ገንዘብ ምትእትታው አኮኖሚያዊ ምኽንያት ንምትንታንን ስለምንታይ ከም ዘድለየን፡ ጽልዋ ሓወላን ስደትን ኣብ ቁጠባ፡ ማሕበራውን ልምዓትን ለውጥን ኤርትራ ንምርዳእ ዝዓለመ እዩ።

ለውጢ ባጤራ ቁጠባዊ ምርግጋእ የኸትል ድዩ፧

ኤርትራ ክሳዕ ሕዳር 1997 ብናይ ኢትዮጵያ ባጤራ (ብር) ትጥቀም ከም ዝነበረት ኩሉ ኤሪትራዊ ዜጋ ዝዝክሮ እመስለኒ። ብ15 ሕዳር 1997 ወግዓዊ ባጤራ ኤርትራ ናቕፋ ኮይኑ። ንሓደ ብር ኢትዮጵያ ብሓደ ናቕፋ ኤርትራ ብምትካእ፡ ንኹሉ ኣብ`ታ ሃገር ዘሎ ፋይናንሳዊ ግዴታት ንምፍታሕ፡ እንተላይ ንኣቑሑት፡ ኣገልግሎት፡ ግብሪ፡ ዕዳ ንምኽፋል ኣብ ግብሪ ዊዒሉ። እቲ ናቕፋ ምስ ዶላር ብምትእስሳር፡ ሓደ ኣመሪካ ዶላር = ኤርትራዊ ናቕፋ 15 ተገይሩ ፖለቲካዊ ውሳነ ተላቢሱ። ኣብ መንጎ 18 ሕዳርን 31 ታሕሳስ 2015’ን ባንኪ ኤርትራ ንኹሉ ናቕፋ ኣብ ውሽጢ 44 መዓልቲ ከም ዝትካእ ተገይሩ። ብዕለት 1 ጥሪ 2016፡ እቶም ናይ ቀደም ባጤራ ናቕፋ ሕጋውነቶም ብወግዒ ኣቋሪጾም፡ እዚ ድማ እቲ ኣብ ኢድ ውልቀ ሰባት ደቂ ሃገር ዝነበረን ኣብ ወጻኢ ዝነበረ ባጤራን ዋጋ ከም ዘይህልዎ ዝተገብረሉ ዕለት እዩ። እቲ ወግዓዊ ምቁርናይ ምስ ሓደ ዶላር ልክዕ 13.50 ናቕፋ ክኸውን ደጊሙ ተወሲኑ። እዚ ውሳነ እዚ ቁጠባውን ማሕበራውን መርኣይታት (Economic and social indicators) ኣብ ግምት ዘየእተወ፡ ናይ ህግደፍ ፖለቲካዊ ውሳነ ጥራይ እዩ። እቲ ባጤራ ምሉእ ብምሉእ ዝቕየር ስለ ዘይኮነ፡ ጌና ኣብ ጎደናታት ዝርከብ ብተለምዶ ንሓደ ዶላር ብ15 ናቕፋ ዋጋ እናገበረ ብኢድ ኣዙር ብወከልቱ ንናይ ወጻኢ ሸርፊ ንምዕባይ ይቕይር። ብፉሉጥ ካብ መጀመርታ 2005፡ ዕቑር ካፒታል ወጻኢ ንምዕባይ ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ናቕፋ ካልእ ገንዘብ ክንቀሳቐስን ክትሓዝን ከም ዘይብሉ ኣዋጅ ከም ዘውጸአ ይፍለጥ።

ኣብ`ዚ ጊዜ`ዚ እቲ ምልካዊ ስርዓተ፡ (totalitarian regime) ነቲ ህልዊ ባጠራ ናቕፋ ገጹ ብምቕያር ናይ ቅርሺ፡ ዓሰርተ፡ ሓሙሳን ሚኢትን ወረቀት ኣሕቲሙ። ከም’ቲ ፍጹም መላኺ ኢሳያስ ዝብሎ፡ ነዚ ሓድሽ ገንዘብ ዝለወጠሉ ቀንዲ ምኽንያታት-፥

1. ጥረ ገንዘብ ኣብ ኢድ ዜጋታት ንኸይሕባእን ንኸይተሓዝን ንምክልኻል፡

2. ናይ ሓሶት ንግዲ ንምቑጽጻር፡

3. ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ነጥፍታት (shadow or parallel economy) ንኸይፍጠር፡

4. እቲ ተበግሶ ብቐንዱ ንሱዳናውያን ነጋዶ ደቂ-ሰባት (human traffickers) ዝተነድፈ ኮይኑ፡ እቶም ነጋዶ ደቂ-ሰባት ክፍሊት ንመጎዓዝያ ስደኛታት ናብ ኤውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ዝኸውን ብናቕፋ ስለ ዝቕበሉ፡ መሰረታዊ ምኽንያት ድማ፡ ከምኡ`ውን እቲ ንኤኮኖሚ ኤርትራ ጎዳኢ ዝኾነ ናይ ገንዘብ ምስግጋር ንምግታእ ተባሂሉ ዝተወስደ ተበግሶ እዩ ኢሎም ከእሙኑና ዝፈተኑ።

ነዚ ሓድሽ ገንዘብ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ መንግስቲ ኤርትራ ናይ 44 መዓልቲ ጊዜ ገደብ ሂቡ፡ ሰባት ኣረጊት ገንዘቦም ናብ’ቲ ሓድሽ ብባንክታት ንግዳዊ ባንክን (commercial Bank)፡ ባንኪ ኣባይትን ንግዳዊ ባንክን (Housing and commercial Bank) ኣቢሎም ክቕይርዎ ኣዚዙ።

ዕላማ ናይ`ዚ ጽሑፍ እምበኣር ናይ ሓድሽ ገንዘብ ምትእትታው አኮኖሚያዊ ምኽንያት ንምትንታንን ስለምንታይ ከምዘድለየን ንምርዳእን እዩ።

ምሕባእ ጥረ ገንዘብ፥ ንምሕባእ ጥረ ገንዘብ ካብ ዝደፋፍኡ ነገራት፥ ስእነት ጠቓሚ ምርጫ፡ ጥንቃቐ ዝዓለመ፡ ከምኡ`ውን ዘይምዕሩይ ቁጠባዊ ጸቕጢ ዝመልኦ ሃዋህው ኣብ`ቲ ሃገር እንተሃልዮም ዝረአ እዩ። ኤኮኖሚ ኤርትራ ብዓቢኡ ኣብ ምንቅስቓስ ጥረ ገንዘብ ዝተመስረተ እዩ። ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ቼክ ከተተኣታትው`ኳ እንተ ፈተነት፡ መብዝሕትኦም ኤሪትራውያን ዘካይድዎ ናይ ንግዲ ንጥፈታቶም ብጥረ ገንዘብ እዩ። ዘሎ ፖለቲካዊ ሃዋህው እውን ብተወሳኺ ንኤሪትራውያን ገንዘቦም ኣብ ባንክ ከቐምጥዎ ዘተባብዕ ስለ ዘይኮነ፡ ገንዘቦም ካብ ባንኪ ወጻኢ ከቐምጥዎ ይመርጹ። ኣብ ባንክ ምቕማጥ ምቹእ እኳ እንተመሰለ፡ ገንዘባዊ ኮሚቴ ሃገራዊ ባንክ ዝቕበባ (inflation) ዝቆጻጸር፡ ኣብ ኤርትራ ስለ ዘይለ፡ ቁጠባዊ መርኣያታት (Economic Indicators) ኣብ ግምት ዘየእተው፡ ዕሙቕን ስፍሕን ዝበለ መጽናዕቲ ዘይተገብረሉ፡ ኣብ 1996 ብፖለቲካዊ ውሳነ ጥራይ ዝተወሰነ መጠን ወለድ (interest rate) 6% ጥራሕ ንኽኸውን ተወሲኑ።

በኣንጻሩ፡ ኣብ`ዚ እዋን እዚ ዝቕባበ ኣብታ ሃገር ልዕሊ 20% ኮይኑ ይርከብ1 ። ኤርትራውያን ንህጹጽ ኩነታት ጥረ ገንዘቦም ኣብ ገዝኦም ንኸይሕዙ፥ ገንዘቦም እውን ኣብ ባህ ዝበሎምን ኣብ ዝደልይዎ ግዜ ንኸየውጽኡን ንምቁጽጻር ዝተሃንደሰ እከይ ምኽንያት እዩ።

ካልእ ምኽንያት፥ ኤርትራውያን ገንዘቦም ኣብ ባንክ ዘይምቕማጦም ድማ፡ ክስገር ዘይከኣል ሰላሕታዊ ናይ ህዝቢ ተቓውሞ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ፖሊቲካዊ ቅልውላውን ከይኮነ ኣይተርፉን። እዚ ብምግንዛብ፡ እቲ ውድባዊ ስርዓት፡ ካብ ፍርሕን ራዕድን ዝተላዕለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ ምልዕዓል መታን ከይገብር፡ ከም ሳዕቤን ድማ ውድባዊ መንግስቲ ኢሳያስ፡ ኣብ ኩሉ ዞባታት፡ ወረዳታት፡ ከተማታትን ዓድታትን ብስለያ ጸጥታ ሓይልታትን ዝምራሕ መሓዉር ዘርጊሑ፡ ብዘይ ግዝኣተ ሕግን ሕገ-መንግስትን፡ ዘይሕጋዊትን ዘይፍትሓዊትን ውድብ እንዳ ኣሐየለ ጸኒሑ ኣሎ።

ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ምንቅስቓስ፦ መጽሔት ኣገልግሎት ወጻኢ ዝበሃል ከም ዝብሎ2 ፡ ውድባዊ ስርዓት ህግደፍ ነብሱ ዘይኣምንን ጸረ ህዝብን ስለ ዝኾነ፡ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናምጸአ፡ ንኣብነት፡ ዘይሕጋዊ ንግዲ (illegal trade activities) ኣሎ እናበለ፡ ባዕሉ እቲ ስርዓት ግን ዝገብሮም፡ ዕዳጋ ሓሽሽ፡ ምስግጋር ደቂ ሰባት፡ ዕዳጋ ኣጽዋር፡ ከምኡ`ውን ዘይጭበጡ ነገራት (illicit financial flow)፡ ከም ኣብ ኢንተርነት ዝካየዱ ምንቅስቓሳት፡ ከም መሕለፊ ቃል (password)፡ ማልዌር፡ ናይ ኮምፑዩተር ሰነድ፡ ካብ ባንክ ሕሳብ ዝስረቕ ገንዘብ ይርከብዎም። ስለ`ዚ እዩ እምበኣር፡ ጸዓት ከም ዘይህሉ እናገበረ፡ ኢንተርነት ዓጺዩ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዓለም ንኸይራኸብ ዓብዒቡ ሒዝዎ ዘሎ። ነዚ ነገራት`ዚ ምስ ለውጢ ገንዘብ ኣብ ኤርትራ ምትእስሳሩ ግን ዝገርም እዩ። ከም’ዚ እዩ እምበኣር "ወንጩፍሲያ ባዕላ ሃሪማ ተእዊ" ዝበሃል
(externalising behaviours).

ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ገንዘብ ምትሕልላፍ፦ ከም`ቲ ልምዓት ባንክ ኣፍሪቃ (2016) ዝብሎ፡ ገበናውን ዘይሕጋውን ቁጠባታት ከም ናይ ሓሶት ባጤራ፡ ምስፍሕፋሕ ጽላሎት ዕዳጋ፡ ናይ መድሃኒት ዕዳጋን ዝኣመሰሉ ብቐጥታን ብተዘዋዋሪ መገድን ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድር ይኽእል።

ናይ ባጤራ ለውጢ ርግኣት ፊይናንስ ኣይፈጥርን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኩሉ ቁጠባዊ ሽግራት`ውን ኣይፈትሕን እዩ 3። ስለዚ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንህዝቢ ኤሪትራ እናሃበ፡ ኣብ እዋን ገዛእቲ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ድኽነት ሸሚሙ፡ ህዝብና ርእሰ ምትእምማን ከጥፍእ፡ ተጸባዪ ኣብ ሓድሕድ ቤተ ሰብ ንምግባር፡ ብኡ ኣቢሉ ክኣ፡ ኣብ ቤተ ሰብን ሕብረተ-ሰብን ኩሉ በተኽ ክንሱ፡ እቲ ኣዚዩ በተኽ ነቲ ካብ ኢዱ ናብ ኣፉ ዘሎ ቁልሕ ክብልን ምስ ዘይገብርሉ ክኣ ብዓይኒ ጽልእን ቅርሕንትን ከም ዝጥምቶን፡ ዘይምትእምማን እናፈጠረ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብልጓም ኣፉ ዓቢሱ፡ ኣማራጺ ሓሳብ ንኸየምጽእን፡ ከምኡ`ውን ፖለቲካዊ ንጽረት መታን ከይሓስብ ኣትሪሩ ብምጽቃጥ፡ ኣእምሮን ልብን ከም ዝድፈን ይገብር። ስልጣንን ገንዘብን ፍረ ጻዕሪ እዩ እናበለ፡ ብዘይ ስልጣንን ገንዘብን ክንበር ከም ዝከኣል ረሲዖም፡ ስድራ ቤት፡ ኣዕሩኽትን ፈተውትን ሱር ማሕበራዊ ሂወት ኤርትራውያን ንኽበጣጥሱ ለይትን መዓልትን ይጽዕቱ። እዚ ዝገብርሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ህዝቢ ኣብ ነንሕድሕዱ እንተ ተባኢሱ፡ እንተጠምዩን፡ ናብ ስልጣና ኣየቋምትን ኢሎም ስለ ዝሓስቡ፡ ብዘይ ማሕበራዊ ሱር ንኸትርፍዎ ዘይተኣደነ ጻዕሪ ይገብሩ ምህላዎም ብጣዕሚ ዘሕምም እዩ። ኣብ ወጻኢ ኣካል ቤተ ሰብ ዘይብሉ፡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ውሉዳቱ ገሊኦም በቲ ዓንዳሪ ፖሊሲ እቲ ስርዓት በብእዋኑ ኣብ ዘይተደለየ ኲናት ጠጢቑ ዘሕቀቖም፡ እናቖዘሙን እናስተማሰሉን ነቶም ውልዶም ንደገ ዝተሰደድዎም ቤተ ሰብን ኣዝማድን ዘይገበሩለይ እናበለ ቁሊሕ ክብል፡ ከም ሳዕቤኑ ክኣ ምስ ቤተ ሰቡ ንኽበኣስ ኣብ ምግባር፡ ብኡ ኣቢሉ ክኣ ነቲ ሕብረተሰብ ሓድሕድ ኣተፋኒኑ ንኽናቖት መሰረታዊ ዕላማ እቲ መንግስቲ ኢዩ።

ኢሳያስ፡ ነዚ ናይ ገንዘብ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዝገበሮ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንምቁጽጻር ዝዓለመ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ከም`ቲ ልዕል ኢሉ ዝተራእየ፡ ለውጢ ገንዘብ ኤርትራ ኣብ ዘይተዓረቕ ቁጠባውን ማሕበራውን ኩነታት እዩ ተፈጺሙ። እዚ ሓድሽ ባጤራ ብተሪር ትንፋስ ዘይህብ ንህዝቢ ኤርትራ ንምቁጽጻር ዝጠመተ ኮይኑ፡ ኩዉንነት ኤርትራ ዝሰሓተ እውን እዩ። እቲ ሕጊ ዘይብሉ ስርዓት፡ ብዙሕ ግዜ ንባጤራ ሃገር ንምንስፋፍ ብዓለምለኻዊ ገንዘባዊ ባንክ (International Monotary Fund) ዝቐረበሉ ጻዊዒት ብምቅዋም፡ ቀዋሚ ሸርፊ (fixed exchange rate) መሪጹ። ቀዋሚ ሸርፍን ምቁጽጻር ናይ ወጻኢ ርእሰ-ማልን (fixed exchange rate and capital controls are diverting remittance to the region from official to unofficial channels) ዘስዕቦ፡ ናብ ኤርትራ ዝለኣኽ ሓዋላ ካብ ወግዓዊ ወጺኡ ናብ ዘይወግዓዊ መስመራት ይኣቱ። ስለዚ ከኣ እዩ ናብ ኤርትራ ዝለኣኽ ሓዋላ ኣብ ናይ ዓለም ባንክ (World Bank) ዓመታዊ ጸብጻብ ዘይረአ። ባጤራ ኤርትራ ኣዝዩ ድኹም እዩ፤ ብሓቂ (de facto) ሸርፊ ናይቲ ባጤራ ኤርትራ ግና ኣስታት 100 ናቕፋ ሓደ ኣመሪካን ዶላር ኣቢሉ እዩ ትብል ዓለምለኻዊት ገንዘባዊ ባንክ።

ጽልዋ ሓዋላን ስደትን ኣብ ቁጠባዊን ማሕበራውን ምዕባለ

ቅድሚ ኹሉ ሓዋላ ማለት እንታይ እዩ፣ ሓዋላ ማለት ኣብ መንጎ ወገናት ከም ሕሳብ፡ ከም ፋክቱር፡ ወይ`ውን ከም ህያብ ከይተረፈ ዝግበር ምትሕልላፍ ገንዘብ እዩ። እንተኾነ ግን ሓዋላ ብሰፊሑ ነቲ ስደተኛታት ኣብ ወጻኢ ሃገር እናሰርሑን እናነበሩን ናብ ዓዶም ናብ ዝርከቡ ቤተ ሰቦምን ኣዝማዶምን ዝልእክዎ ገንዘብ የመልክት። እዚ ስደት ዝፈጠሮ ምትሕልላፍ ገንዘብ ልምዓታዊ ጽልዋ ኣለዎ5። ስለዚ፡ ልምዓታዊ ጽልዋታት ስደትን ኣድላይነት ምምሕዳር ተማዛበልትን ግዳም ዝጠመተ ስደትን፡ ዝምልከት እዩ። ዋላኳ እዚ እንተኾነ፡ ቁጠባዊ ድኽነት፡ ማሕበራዊ ባርነት፡ ጎነጻዊ ግጭት፡ ኣረሜናዊ ጭቆና፡ ከም ሳዕቤን ፖለቲካዊ ስደትን፡ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ደቂ ሰባትን (human traffickers) ኣገደስቲ ጠንቅታት ኣህጉራዊ ምንቅስቓስ እዮም። ብዓቢኡ፡ ኣብተን ሓዋላ ዝለእካ ስድራ ቤታት፡ ኣብ ቤተ-ሰቦምን ኣዝማዶምን ኣወንታዊ ቁጠባዊ ጽልዋ ኣለዎ።

1, ስደት ኣብ መበቆል ሃገር ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ

ስደት ንሃለዋት ስድራ ቤት፡ ንማሕበረ-ሰብ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንመላእ ቁጠባ ሃገር ብዝተፈላለየ መንግዲ ዝጸሉ ውሳነ እዩ። ስደት ኣብታ መበቆል ሃገር ዘስዕቦ ናይ ድሕነት ጽልዋ መብዝሕትኡ ግዜ፡ ኩሉ ግዜ እኳ እንተዘይኮነ፡ ዓቢን ኣወንታዊን ጽልዋ ኣለዎ።

● ስደት ድኽነት ዘቃልለሎም ቀንዲ መንገድታት ምውሳኽ እቶት ካብ ሓዋላ (increased income from remittance) ፡
● ዓቕሚ ስሉጥ ሃልኪ (consumption) ፡
● ርጉእ ተበጻሕነት ፋይናንስ ንሓድሽ ንግዲ ንምጅማር (access to finance for starting a new business)
● ከምኡ እውን ማሕበረ ሰብ ዓለም ዝህቦ ፍልጠትን ጸጋታትን ንስደተኛታት ዲያስፖራ (tapping on to the knowledge and resources provided by the international community) ።
● ስደትን ሓዋላን ብዘይካ ጽሩይ ገንዘባዊ መኽሰብ፡ ኣብ ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ዝለዓለ ወፍሪ ንምግባር የኽእል። ይኹን`ምበር ኩሎም ጽልዋታት ኣወንታዊ ኣይኮኑን፥ ስነ-ምግባር ዘይብሎም ኣስራሕቲ ብዛዕባ ስደተኛታት ዝወሃብ መግለጺ ሰፊሕ ምዃኑ ይንገር፥ካብ ስድራ ቤትካ ምፍላይ ንስደተኛታት ኣዝዩ ጸቕጢ ዝፈጥር እዩ፥ ከምኡ`ውን ስፍሕን ብዝሕን ዝበለ ስደት ኣብ ዲሞግራፊ፡ መንነት፡ ጸጥታንን ልኡላውነትን ሓደ ሃገር ከቢድ ብድሆታት ከስዕብ ይኽእል።

ስደት ኣብቶም ዝልእኹን ዝእንገዱን ኣካል ሕብረተ ሰብ ፡ ቁጠዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ጽልዋታት ክህልዎ እንከሎ፡ እቶም ስደኛታት ናብ ዓዶም ዝሰድዎ ሓዋላ ግን ምናልባት ኣብ መንጎ ስደትን ልምዓትን እቲ ዝጭበጥን ዝወሓደ ኣካታዕን ምትእስሳር ክኸውን ይኽእል። ብመሰረት እቲ ወግዓዊ ግምታት፥ ካብ 5 ዝምዕብላ ሃገራት ዝመጹ ስደኛታት ኣብ 2022 ልዕሊ 460 ቢልዮን ዶላር ናብ መበቆል ሃገሮም ሰዲዶም፥ እዚ ድማ ካብቲ ወግዓዊ ልምዓታዊ ሓገዝ ብምዕቡላት ሃገራት ዝወሃብ ሰለስተ ዕጽፊ እዩ። ሓቀኛ መጠን ሓዋላ፡ እንተላይ ብወግዓውን ዘይወግዓውን መስመራት ዘይተመዝገበ ዋሕዚ ሓዋላ ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ6 ። ኣብ ዓመታት 2019 ብሰንኪ ዓለም ለኻዊ ልበዳ ኮቭድን ፋይናንሳዊ ቅልውላውን ናብ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝለኣኽ ሓዋላታት ብመጠኑ ክውሕድ እንከሎ፡ እዚ ዋሕዚታት ምስ ናይ ብሕቲ ዋሕዚ ርእሰ-ማል ክነጻጸር እንከሎ ዝሓሸ ዋሕዚ ኮይኑ፡ ኣብ ብዙሓት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ከም ምንጪ ግዳማዊ ፋይናንስ ዝያዳ ኣገዳሲ ኮይኑ ኣሎ።

1.1 ካብ ላቲን ኣሜሪካ፡ ኣፍሪቃ፡ ደቡብ ኣስያን ካለኦት ዞባታትን ዝመጽእ መርቶዖታት ከም ዝሕብርዎ ሓዋላ ዕምቆት፡ ስፍሓትን ብርተዐን ድኽነት ከምዘጉድል፡ ከምኡ`ውን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ የነቓቕሕ።

ዋላ እኳ እቲ ብውልቂ ዝስደድ ጭቡጥ ናይ ሓዋላ ገንዘብ ብተዛማዲ ዉሑድ እንተኾነ፡ ብሓባር ናይ ኩሉ ዜጋ እንተወሲድናዮ ግን እቲ ናብ ካዝና ህግደፍ ዝውሕዝ ሓወላ ገንዘብ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። እቲ ካብ 1992 ኣትሒዙ ዝፈስስ ዝነበረ ኣስታት $400 ሚልዮን ዶላር ብርግጽ ንምድልዳልን ንልምዓትን ቁጠባን ማሕበራዊን ኤርትራ ዊዒሉ እንተዝኸውን ዓቢ ጸጋ ተፈጢሩ መሃለወ።

1.2 ሓዋላ ንኣእታዎት (import) ንምኽፋልን ናይ ደገ ዕዳ (debt) ንምምላስን ብምሕጋዝ ናይ ደገ ቁጠባዊ ሚዛን ሓንቲ ሃገር ኣብ ምምዋል ዓቢ ተራ ክጻወት ይኽእል እዩ።ሓዋላ ካብ ካለኦት ወሓዚ ርእሰ-ማል ዝያዳ ርጉእ ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ኣብ ገለ ሃገራት ባንክ ካብ ኣህጉራዊ ዕዳጋ ርእሰ-ማል ንውሕስነት ልቓሕ ይጥቀምሉ እዮም ፡ ማለት መጻኢ ሓዋላ ከም ዋሕስ ተጠቒምካ ናይ ወጻኢ ፋይናንስ ምዕባይ፡ በዚ ድማ ወጻኢታት ልቓሕ ምጉዳል ይጠቅም። ከምቲ ኩልኹም እትዝክርዎ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ 2000 ናይ ዲያስፖራ ቦንድ ብናይ ሰራሕተኛታት ሓዋላ ከም ዋሕስ ብምጥቃም ኣስታት 250 ሚልዮን ዶላር ኣውህሊሉ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

ኣብ ሚያዝያ 2008፥ `ኪኖ ሓገዝ; ሓዲሽ ምንጭታትን ኣገባባት ምህዞን ንልምዓት ምወላ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ` ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ሕታም ባንኪ ዓለም፡ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ፡ ብሓዋላ ስደተኛታት ክሳዕ $300 ቢልዮን ክእክባ ከም ዝኽእላ ገሚቱ። እዚ ድማ ደቂ ሃገር ካብ ዓዶም እናኣባረርካ ፡ ስደተኛታት ብምግባር ፡ ረብሓ መንግስታት ትሕቲ ሰሃራ ክዓቢ ይኽእል። ስለዚ እዩ እምበኣር ስርዓት ህግደፍ ንረብሕኡ ክብል ንመንእሰይ ኤርትራ ካብ ዝፈትዋ ዓዱ ሃጽ ኣቢሉ፡ ደድሕሪኦም እናኸደ፡ ናብ ቤተሰቦም ዝልእክዎ ገንዘብ እናመንጠለ፡ ኣይ ንባዕሎም ኣይንስድረኦም ኪነምን ንምግባር ኣሐይሉ ዝሰርሓሉ ዘሎ፡ እዚ ወጽዓ`ዚ ዝወለዶ እዩ እምበኣር ብርጌድ ንሓመዱ ተፈጢሩ ዘሎ።

ብደረጃ ስድራ ቤት፡ ሓዋላ ንመሰረታዊ ድልየታት ሃልኪ ንምምዋል ይውዕል። ንኣብነት፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ትምህርቲ ህጻናት፡ ክንክን ጥዕና፡ ዋላ`ውን ርእሰ-ማል ንኣናእሽተይ ትካላትን ነጥፍታት ሰብ ሃፍትን ክኸውን ይኽእል፡ ሰራሕተኛ ይፍጥር፡ መንግስቲ ግብር ይእክብ፡ እዚ እዩ ከኣ እቲ ቀንዲን ወሳንን ዕብየት ቁጠባ ሃገር ከቃላጥፍ ዝኽእል። መሰረታዊ መልክዑ ዝያዳ ሓዋላ ማለት ዝያዳ ገንዘብ ይቕመጥ ማለት እዩ፥ እዚ ማለት ድማ ባንክታት ንውልቀ ሰብ ይኹን ንሰብ ትካላት ከለቅሖኦ ዘለወን ዝያዳ ጥረ ገንዘብ ይፍጠር ማለት እዩ። ተቐማጢ ገንዘብ ምስ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ብተዛማዲ ክነጻጸር እንከሎ፡ ቁልፈ መርኣዪ ፋይናንሳዊ ምዕባለ ሃገር፡ ብዓቤኡ ከምዝተመሓየሸ ብሰንኪ ልዑል ሓወላ ኣብ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያት ጽልዋ ዝህለዎ ብተቐባሊ ሓውላ ወጻኢታት ምስዝግበር እዩ። ሓውላታት ኣብ ምፍዋስ ድኽነት ኣገዳሲን ዓብይን ኣበርክቶ ዝገብር፡ ብመሰረት ብናይ ባንኪ ዓለም ስነ-ቁጠባውያን ዘሎ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ፡ ምውሳኽ ሓዋላ ቁጽሪ ድኽነት ከምዝንኪ ብመርትዖታት ይሕብሩ።7

እዚ ኩሉ ጽብቕ ብስራት እዩ፥ እንተኾነ ኣብ ኤርትር ግን፡ ንህዝቢ ንምግዳእ ዝዓለመ ስርዓት ስለ ዝኾነ፡ እንከፍሎ ዓቢ ዋጋ እዩ። እዚ ኸኣ ንዕብየት ሓዋላ ሃገርና ክዓግት ዝኽእል፡ ጽረ ምዕባለ፡ ድኽነት ንኽዓብን ክሰፋፍሕን ዝገብር እዩ። ንኣብነት፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ናብ ኤርትራ 100 ፓውንድ ዝልእኽ፡ 18.96 ፓውንድ ኣቢሉ ጥራይ እዩ ኣብ ኢድ ተቐባልይ (ቤተ ሰብ) ዝበጽሕ፡ ህግደፍ 81.04 ፓውንድ ኣቢሉ ንኣገልግሎትን ቀረጽን ኣኽፈሉ፡ ኣብ ሳንዱቑ የእትዎ። ካለኦት ሃገራት፡ ንኣብነት ህንዲ፡ ፊሊፕነስ ከምኡ`ውን ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ሓወላ ከመሓላልፉ ከለው 4 ክሳዕ 10 ካብ ሚኢቲ ጥራይ ኣገልግሎትን ቀረጽን ይኸፍላ።

እዚ፡ ዝለዓለ ኣገልግሎትን ቀረጽን ኣብ ልዕሊ ስደኛታት ኤርትራ ዝልእኽዎ፡ ንአርትራውያን ኣብዝኸድዎ ሃገር ንምግድእ ዝዓለመ ተወሳኺ በደል እዩ። ብመጀመርያ፥ ንብዙሓት ኤርትርውያን ብፍጹም ገንዘብ ካብ ምልኣኽ ተስፋ ከቕርጾም ይኽእል፡ ከም ሳዕቤን ድማ ድኽነትን ጥምየትን ስድራ ቤታት የስዕብ። ኤርትራዊ ብውሽጥን ብደገን ንምስቓይ ዝዓለመ፡ እዚ ከምዚ ዝበለ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ካብ ጸላእትና ዝመንጨወ ኮይኑ፡ ካብቶም ጸላእትና ዝኸፍአ ፡ ህዝቢ ኣብ ቤተ ሰቡ ቁሊሕ ኣቢሉ ከምዝጻላእን ነንሕድሕዱ ከምዝበኣስን ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ስለዚ፡ እቲ ልዑል ወጻኢታት ሓዋላ ብሓቂ ክቕንስ ዝኽኣል፥ ተበጻሕነት ባንክ ብምውሳኽን ኣብ ኢንዱስትሪ ሓዋላ ውድድር ብምሕያልን ጥራይ እዩ ክኸውን ዘለዎ። እተኾነ ግን፡ ህግደፍ ባንክታትን ኢንዱስራዊ ትካላት ሓዋላን ንኸይበዝሓ ረጊጡ ብምሓዝ፡ ኩሉ ዕድላት ሓዋላ ኣብ ኢዱ ብምጭባጥ፡ ንህዝብና ኣብ ፍጹም ድኽነትን ጽንተትን የእትዎ ኣሎ።

ልዑል ክእለት ዘለዎም ምሁራት ክስደዱ ወይ እቲ “ሓንጎል ሰብ ምፍሳስ” (draining human brains) ዝበሃል፡ ኣብ ንትምህርቶም ዝጠፍአ ሃገራዊ ጸጋታት ምጥፋእ ዘመላኽት ክኸውን እንከሎ፡ እታ ምሁራታ እተጥፍእ ዘላ ሃገር ናይ ምፍራይ ዓቕማ እናጎደለ ይኸይድ፡ ከምኡ`ውን ነቲ ንግዳዊን ቁጠባውን ሃዋህው ናይታ ሃገር ናብ ዝሓመቐ መድረኽ ይወርድ፡ ሕጽረት መማህራንን ሰራሕተኛታት ጥዕናን የስዕብ፡ እዚ ከኣ ሕማቕ ኣገልግሎት ንህዝቢ የኸትል። ዋላ`ኳ ምፍሳስ ሓንጎል ሰብ ኣብ ክንክን ጥዕና፡ ትምህርቲን ካልእ ክፍሊታት ቁጠባን ዘስዕቦ ፍጹም ሃሳዪ ሳዕቤን ስክፍታታት እንተሃለወ፡ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ሕጽረት ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ትምህርቲ ወዘተ ምስ ኣህጉራዊ ስደት ፍጹም ዘይተኣስሳር ጠንቅታት ዝመንጨወ ክኸውን ይኽእል፡ ዝተበታተኑ ዕዳጋታት ስራሕን እኩል መንግስታዊ ፋይናንስ ዘይምህላውን ዝኣመሰሉ ክኾኑ ከለው፥ ምንጪ እዚ ጉዳይ ኣብ ሃገርና ግን ብድርቅና ዝተታሕዘ ፖለቲካዊ ጭቆና ጥራይ እዩ ንኽብል እደፍር።

ማሕበራዊ ጽልዋታት ስደት

ኣብ ውሑስን ዝሓሸ ናይ ትምህርትን ስራሕን ደረጃ ስደት፡ ንረብሓ ድሕነት ስድራ ቤት ዝግበር ዓስቢ ዘለዎ ተመክሮ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ መብዝሕትኡ ግዜ ግን፡ ምስዳድ፡ ካብ ቀረባ ስድራ ቤትካ ምፍላይ ስለ ዝኾነ፡ ዘይነዓቕ ስሚዒታዊ (emotional) ወጽዓታት ዘኽፍል እዩ። ብፍላይ ግዝያዊ ዓንኬላዊ ስደት ንሓደጋ ምብትታን ስድራ ቤት፡ ምብታን ማሕበራዊ ሰራውር፡ ከምኡ`ውን ስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ጸቕጢ የዕቢ። እቲ ስምዒታዊ ጽልዋ ኣብቶም ዝተሰደዱ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብቶም ኣብ ዓዶም ዝተረፉ’ውን ስቅያት ኣሎ። ብፍላይ ኣብተን ምሉእ ስድራ ቤት ብሓባር ክስደድ ዓቕሚ ዘይብለን ድኻታት ስድራ ቤታት፡ ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ኣባል ይስደድ፡ ውጽኢቱ ድማ ስድራ ቤታት ቅርጽን ሕድሕዳዊ ርክብን ይሽርሸርን ይበላሾን። ኣብ መንጎ ዝስደድ ወላዲን ዉልድን (ቆልዑ) ምፍልላይ ብዝነውሐ መጠን፡ ቆልዑ ኣብ ምሕደራ ገዛ ስልጣኖም፡ ከምኡ`ውን ከም ወሃብቲ ፍቕርን ንዋታዊ ክንክንን ዘለዎም ተራ መወከሲ ወላዲ ይስእኑ። እታ ስድራ ቤት በብቑሩብ ብኻልኦት ኣባላት ስድራ ቤት ትትከኣ፡ ወይ ድማ እቶም ቆልዑ ናይ ወላዲ ዕማም ባዕላቶም ኣብ ገዛእ ርእሶም ይሽከሙ ከምኡ`ውን ናይ ኣቦ ወይ ኣደ ፍቕሪ ይስእኑ፡ ብወጻኢ ብዝለኣኽ ንዋታዊ ህያብን ሓዋላን ክከሓሱ ኣይኽእሉን።

ካብ ወለዲ ምፍላይ እውን ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ቆልዑ ነዊሕ ዝጸንሕ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣለዎ። ካብ ስድራ ቤቶም ዝተፈለዩ መንእሰያት ሓደገኛ ባህርያት ከማዕብሉ ተኽእሎ ኣሎ፤ ስድራ ቤት ዘይምህላው ድማ ምስ ዓመጽ ዝተኣሳሰር ስራሕ ምስታፍ፡ ንኣብነት ምስ ሕጊ ምግጫው፡ ሓሽሽን ኣልኮላዊ መስተ ምጥቃም፡ ርእሰ ቅትለት ዘስዕብ ብምዃኑ መጽናዕትታት ይገልጹ።8

ዋላ’ኳ ስደት መብዝሕትኡ ግዜ ኢወለንታዊ ምርጫ ናይቲ ውልቀሰብ እንተኾነ፡ እቲ ክውንነት ካብቲ መበገሲ ትጽቢት ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ። ብዙሕ ግዜ፡ እቲ ዝተሓስበ ባህጊ ናይቶም ስደተኛታት ኣይጭበጥን፡ ብዙሓት መንእሰያት ግን ብዘይሕጋውያን ነጋዶ ደቂ-ሰባት ተጨውዮምን ተዓጺዮምን ይሳቐዩ፤ ኣብ ባሕሪ ይመቱ። መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከም ሰራሕተኛታት ብጾታዊ ርክብ ይምዝመዛ፡ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ድማ ኣብቲ ዝኸደኦ ቦታ ሕጋዊ ስራሕ ክሰርሓ ቃል ይእተወለን፡ ድሕሪኡ ግን ኣብ ምንዝርና ክሰርሓ ይግደዳ። ከምኡ`ውን መንእሰያት ግደያት ዘይሕጋዊ ምሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ኮይኖም ንዕድመኦም ምሉእ ብስንባደ ይሳቐዩ፡ ኣእምሮኣዊ ጸገም’ውን የኸትለሎም። ከምኡ`ውን ብማእከላይ ሰብ (Middle man) ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸም ግህሰት ምስቲ ዋሕዚ ስደተኛ እናወሰኸን፡ እቲ ተርእዮ ዝያዳ ንግዳዊ ረብሓ እናረኸበን ምስ ከደ ብዓቐኑ ዝዓቢ እናዓበየ ዝኽይድ ዘሎ ጸገም እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ኤውሮፓ ይኹን ሰምየን ኣሜሪካ ዝረአ ጽልኢ ስደተኛታትን ምቕታልን እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ በቲ ኻልእ ወገን ድማ እቲ ደቂ ሃገር ክሰርሕዎ ዘይደልዩ፡ ብወጻእተኛታት ክስራሕ ስለ ዝደልዩ፡ ወጻእተኛታት ብዝተዓቀነ መንግዲ ከእትው ይደልዩ። ዕላማ ዳግመ ርክብ ስድራቤት (family reunion) ከም ፖሊሲ፡ ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ኣብ ምዕራባዊ ምዕቡላት ሃገራት ስድራ ቤቶም ናብታ ዝሰርሑላ ዘለው ሃገር ከምጽኡ የፍቅዱ፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቶም ሰራሕተኛታት ዉሑድ ሓወላ ናብ ዓዶም መታን ክሰዱ ዝዓለመ እዩ።

እምበኣርከስ፡ ውድቀት ሓደ ሕብረትር ሰብ ጠንቂ ክኾኑ ዝኽእሉ ኩናት፡ ፌራ፡ ጥሜት፡ ቁጠባዊ ውድቀትን እዮም፡ እዚ ከኣ ከም ሳዕቤን ጃምላዊ ስደትን፡ ምንካይ ብዝሒ ህዝቢን የስዕብ። ተወሳኺ ድማ ኣብ ልኡላውነት ሃገር ሓደጋን ናብ ዘይምለስ ኩነታት የኸትል። ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ ንሓደ ዝወሓደ ሕብረተ ሰብ ብኣብ ጥቓኡ ዝርከብ ገጂፍ ሕብረተ ሰብ ክወሓጥ ወይ ምሉእ ብምልኡ ክጠፍእ ይኽእል9

ሎሚ፡ ኣብ ግንባር ዓውደ ኩናት ተተኺሎም ዝጋደሉን ዘጋዱሉን ዝነበሩ ኤርትራውያን ንምርድኡ ብዘጸግም ኩነታት፡ እቲ ልዑልን ቁዱስን ዕላማ ነጻነትን ሓርነትን ህዝቦም ንምትግባር፡ መስዋእትን መቁስለትን ብጸጋ እናተቐበሉ፡ ዕላማኦም ከይኽበስ ንብጾቶም ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ እናበሉ ተበጅዮም። ብፍላይ፡ ዕላማ መስዋእቲን መቕሰልትን ኤርትራውያን ኣብ ፈቖዶ ጎቦ፡ ሩባ፡ ቁርን ኣስሓይታን እሞ ኸኣ ምስ ኣህላኺ ጉዕዞታትን ጥምየትን ጽምእን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ወለዶ ኤርትራ፡ ቁሰን ናብራ መታን ክነብር ዝኽፈል ዝነበረ መስዋእቲ ምዃኑ ተረዲኦም ንመስዋእቶምን መቕሰልቶምን ብሓጎስ ተቐቢሎም፡ ዓወት ንሓፋሽ እናበሉ ሓሊፎም። ኣብዚ፡ ብግቡእ ክንርደኦ ዘለና፡ ጀጋኑ ተጋደልትና ዓወት ንሓፋሽ እናበሉ ተሰዊኦምን ቆሲሎምን፡ ዓወት ንሃይማኖቶምን ዓወት ንኣውራጃኦምን እናበሉ ከም ዘይተሰወኡ፡ መንእሰይ ወለዶ ክርደኦን ደጊሙ ክሓስበሉን ዘለዎ ይመስለኒ።

ሎሚ፡ ናይዚ ኩሉ ዝተኸፍለ ዋጋ ሓርነት፡ ስዋኣትና ዝበሃግዋን ዝተመነዩዋን ሃገር ኤርትራ ኣይተጓናጸፍናን። ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን መሰላትና ተነፊጉና። ብሰንኪ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ንመንእሰያት ኤርትራ ኣብ ሓሳረ መከራ ኣእትዩዎም። በዚ ብምምራር፡ መንእሰያትና፥ ንኣቦታቶም፡ ኣዴታቶም፡ ኣሓቶምን ኣሕዋቶምን ዝወፈሩሉን ዝተጋደሉሉን ቅዱስ ዕላማ ከም ዘቋናጽቡ፡ ሃገሮምን ህዝቦምን ራሕሪሖም እግሮም ናብ ዝወሰዶም ከም ዝስደዱ ገይርዎም። እቲ በትሪ ስልጣን ዝጨበጠ ደድሕሪ መንእሰያትና እናሰዓበ፡ ብኣውራጃን ሃይማኖትን ከም ዝሓሰቡ እናገበረ፡ ኣብ ነንሕድሕዶም ዘይምስምማዕ እናፈጠረ፡ ኣብ ዝኸድዎ የቛስሎምን የቃትሎምን ኣሎ። እቲ ዝገርም፡ ኣብ ውሑዳት መናእሰተያትና፡ እቶም ደገፍቲ ናይ`ቲ ኣጽናቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ግዳያትን ግህሰትን ዘጋጠሞም ከንሶም፡ ድሕሪ መሪር ግፍዒ፡ ስንባደን ዘይተመጣጠነ ሓይሊ መጥቃዕቲ ምስ ወረዶም፡ ስቶክሆልም ሲንድሮም (Stockholm syndrome) ከም ዝበሃል ምስ ህግደፍ ወይ ምስ በደልቶም ብምድንጋጽ፡ ተኣማንንነቶም ዝገልጽሉ ዘለዉ ስነ-ኣእምራዊ ሕማም፡ ኣብ ፈቖዶ ጎደናታት ኤውሮጳን ኣመሪካን ኣንጻር ደለይቲ ፍትሒ ኣሓቶምን ኣሕዋቶምን ይቃለሱ ኣለዉ።

ስለዚ፡ እዚ ትውልዲ ዚ፡ ድምጹ ዘስምዓሉን ሓሳባቱ ዝገልጸሉን መድረኽ ዝሰኣነ፡ ግፍዒን ምድሃልን ዝበዝሖ፡ ወጽዓ ዝወለዶ ምንቅስቓስ እዩ። ገጢሞሞ ዘለዉ ኣዝዮም ሱር ዝሰደዱ ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ ፈተናታት፡ ተጻብኦታትን ማሕለኻታትን ብግቡእ ፈቲሽናን ተረዲእናን፡ ምስ ኩሉ ብዶሆታቱ፡ ባዕልና ብባዕልና፡ ጸገማቱ ዝቃልለሉ፡ ኣብ ዓዱ ይኹን ኣብ ወጻኢ ቀሲኑ፡ ዝተረጋግአ ትርጉም ዘለዎ ሂወት ክመርሕ ክኽእል ስለ ዘለዎ፡ ኣብ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ህይወት፡ ንቑሕ ተሳታፋይ ዝኾነሉ ስትራቴጂታት ቀይስካ፡ ኣብ ዓዱ ተመሊሱ ክሰርሓሉ ዘኽእሎ መድርኻት ምጥጣሕን ተግባራዊ ንምግባርን፡ ኩሎም ምሁራት ኤርትራውያን ጻዕርታት ከካይዱ ይግበእ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!

ብ በርሀ ፍስሃየ
ሎንዶን ሚያዝያ 25 2024

-------------------------------

References:
1Trading Economics 2022
2The Foreign Service Journal March 2016
3International monetary fund: New Money: FINANCE & DEVELOPMENT, December 2013, Vol. 50, No. 4 by Ake Loennberg 2013
4International Monetary fund 2022
5
6 The World Bank Development Prospects Group Migration and Remittances Unit & Poverty Reduction and Economic Management Network February 2011
7 World Bank 09/2023
8Can Migration Reduce Educational Attainment? Evidence from Mexico David McKenzie and Hillel Rapoport 2006
9Danilo Brozović Societal collapse: A literature review volume 145 January 2023, 103075

Read in PDF ብ PDF ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ።




See also recent Articles by Berhe Fshaye / ካልእ ጽሑፋትን ሰሚናራትን ብ`ኣቶ በርሀ ፍስሃየ

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: