ግዝኣተ ሕጊ ዘይብላ ሃገር፡ ከሳሲ፡ ተኸሳሲን ፍርዲን የብላን።

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

13/08/2020 16:35 PM

ግዝኣተ ሕጊ ዘይብላ ሃገር፡
ከሳሲ፡ ተኸሳሲን ፍርዲን የብላን።

ብ`ገብረዝጊ ኣፍወርቂ

ግዝኣተ ሕጊ ዘይብላ ሃገር፡ ከሳሲ፡ ተኸሳሲን ፍርዲን የብላን።

ግዝኣተ ሕጊ ዘይብላ ሃገር፡ ከሳሲ፡ ተኸሳሲን ፍርዲን የብላን።
ብኣቶ ገብረዝጊ ኣፍወርቂ

አብ ፍትሕን ደሞክራሲን ዘለወን ሃገራት፡ ተበዲለ አሎኹ ዝበለ ሰብ አብ ዳኛ ወይ ፍርዲ ከይዱ ይጠርዕ፤ ተኸሳሲ በዲሉ ተባሂሉ ናብ ፍርዲ ይቐርብ፡ ቤት ፍርዲ ድማ ግቡእ ፍርዲ ይውስን። ህዝብና፡ ደም ጀጋኑ ደቁ አፍሲሱ ሂወቱ ከፊሉ ነጻነት አምጺኡ፡ ልዕላውነት ሃገርን ክብሪ ህዝብን ኤርትራ አካል ዓለማዊ ማሕበረ ሰብ ገይሩ፡፡ ንሕብረተ-ሰብና፡ ኩሉ ብማዕረ መሰሉ ተሓልዩ ብፍትሕን ዲሞክራሲን ክመሐደር አብ ኣባታዊ ሕግታትን ባህልታትን መሰረት ዝገበረ ሕግታት ኣቚሙ፣ ከምኡውን ምስ ወጻኢ ሃገራት ዝግበር ዝምድናታት ንረብሓን ጥቕምን ሃገር ዝሕሉ ቁዋም ሓንጺጹ። ካብ ጊዝያዊ መንግስቲ ናብ ቀዋሚ መንግስቲ፣ ካብ ጊዝያዊ መራሒ ናብ ብፍትሕን ዲሞክራሲን ህዝቢ ዝመረጾ መራሒ ክልወጥ፡ ሰባት ተወዳዲሮም ብብዝሒ ቁጽሪ ዝተዓወተ ምእንቲ ሃገር ክመርሕ አብ ኣድላይ ምድላዋት ዝስራሓሉ ዝነበረ ጊዜ፡ ኢሳያስ ንሱ ጥራይ አብ ስልጣን ዝነብረሉ መስርሕ ዓመጽ፡ በቲ ንህዝቢ ዓምጺጹ ዚቆጻጸር ብሐይሊ እተደንገገ ኣረመናዊ ናቱ መምርሒ፡ ቅዱስ ተስፋና ጠምዚዙ፡ ባዕሉ ከሳሲ መንጎኛ ዘይብሉ ባዕሉ ፈራዲን ኮይኑ፡ ንኹሉ ህዝብና ናብ ቤት ማአሰርቲ ኣእቲዩ ንዓመታት የሕቅቆ አሎ። ካብ ኢድ ፍጹም መላኺ ስርዓት ዘምለጠ መንእሰይ ካብ ድሕሪ ነጻነት ጀሚሩ አብ ስደት ፋሕ ኢሉ ተሰዲዱ ይነብር አሎ፣ ዓድታት ተዳኺመን፣ ከተማታት ዓንየን፣ ናይ ስራሕ ትካላት በሪሱ፣ ህዝቢ ብውሑዳት ዓመጽቲ ብፍርሒ ትሽቁሪሩ ይሓልፎ ኣሎ። ሕጂ ድማ ብሕማም ኮቪድ 19 ኣመኽኒዩ፡ ከይንቀሳቐስ ረጊጡ ብምሓዝ ብጥምየት ክመውት ፈሪዱዎን አብ ሐደጋ አትዩዎን ይርኤ ኣሎ።

ምስ ሃገርን ህዝብን ዘይጠዓዓም ምስ መሻርኽቱ መራሕቲ ከባቢ ጸላእቲ ሃገርና ህዝቢ ዘይፈልጦ ውዕላት ይፈራረም፣ ንታሪኽ ቃልስና ንዓና ከጉሂ ንጸላእትና ከሐጉስ ብኽሕደት እኩይ ተግባራቱ የርእየና`ሎ።

እሞ ንሕናኽ ብውርደትን ንዕቀትን ሓደ ኢሳያስ፡ ዋላ ካብ ልቢ ዘይኮነስ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ውሑዳት ደገፍቲ ይሃልውዎ፡ ንሕና`ኽ ኩሉ ጸረና ዝግበር እንዳረኤና ተዓዘብቲ ጥራይ ዲና ክንከውን?

ዎ መንእሰይ አብ ውሽጥን አብ ስደትን ዘሎኻ! ካብ ስርዓት ህግደፍ ዝኸፍእ የለን፣ ንኽትቃለሶ ድማ ሕጂ`ዩ፣

ዎ ህዝብና ኩልኻ ብሐበራ! ኢሳያስ ሕቡእ ድልየቱን ትምኒቱን ካብ ምሳና ምስ ጸላእትና ወጊኑ ትርእዮ አሎኻ፣ ንህላወኻን ክብረትካን ጸግዕኻን ተስፋኻን ደቅኻ ተበጊሾም አለዉ፡ አባራትዓዮም አጆኹም! በሎም፣

ዎ ሰራዊት ኤርትራ! ስራሕካ ሃገርካ ካብ ዝኾነ ናይ ውሽጥን ግዳምን ጸላእቲ ከምኡውን ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታት አብ ዘጋጥም ንምድሓን ይኹን እምበር፡ አብ ጊዜ ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ንስኻ ባዕልኻ ብዘይ ወተሃደራዊ ቀጥዕታት መሰልካ ተገፊፉ ከም እትነብር፡ ካብ ህዝብኻ ዝተኸወለ፡ አይኮነን። ቅድሚ ኩሉ ግን እቲ ኩሉ አብ ዝባንካ ዘሎ ሕሰም፡ ምኽሪ ዘየድሊዮ ባዕልኻ ንብዙሕ ዓመታት ብትዕግስቲ ለውጢ ክትርኢ ዝተጸበኻዮ፡ ተበዲልካ እምበር ጽቡቕ አይረኸብካን። ሕጂ`ኸ?

እዚ አቲናዮ ዘሎና ጊዜ፡ ጸገምና ኣለሊና ፍታሕ ዘምጽእ ጽቡቕ ናይ ለውጢ መድረኽ ከም ዝኾነ ኩልና ብሓደ እንአምኖ ህጹጽ ጉዳይ ኢዩ፣ ከምቲ ቅልጣፈ ሚዛን ናይቲ ኩነታት፡ ነቲ አቐዲሙ በብዝጥዕሞ ተወዲቡ ዝጸንሔ ሓይሊ ዘወሃህድ ዝርርብ ተገይሩ፡ ምስቲ አብ ቅድም ወጺኡ፡ ሃየ ተበጊሸ አሎኹ! ዝብለና ዘሎ ሓይሊ ናይ ይአክል ተቐራሪብካ፡ ብመጽናዕቲ ቅልጡፍ ንጹርን ስሉጥን ኣብ ግብሪ ዝውዕል ስራሕ ክፍጠር አለዎ።

ኩሉ ዕማም አንጻር ምልካዊ ስርዓት ዝግበር ስራሕ ዕዉት ክኸውን ምእንቲ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ክልል ትግራይ መዓስከራት ስደተኛታት ወይ ኣብ ካልእ ከተማታት ኢትዮጵያ ዘለው መንእሰያት፡ ወይ ኣብ ካልእ ሃገራት ዓለም ዘለዉ ብሓደ ተወዲቦም ብሓባር ነቒሎም ክሰርሑ እቲ ቀዳማይ ምርጫ ኢዩ፣ ብሓደ ክትብገስ ብምኽንያት ናይ ርሕቀት ቦታን ሕጽረት ጊዜን እንተዘይተስተኻኸለ፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝወፈረ ምንቅስቓስ ካልኦት አካሉ ዝኾኑ ዝተወደቡ ደድሕሪኡ ዘርክብዎ ክም ዘለዉ ከስተውዕል ይግባእ። እቶም በብግዚኡ ዝስዕቡ ሓይልታት ድማ ምሉእ ሓበረታን መጽናዕቲን ወሲዶም ክጽንበርዎም ይግባእ። ኩሉ ዝስለፍ አካል ኣቐዲሙ ብተመክሮ ዘለዎም መማህራን ግቡእ ትምህርቲን ካልእ ኣድለይቲ ነገራትን ክወሃብ፡ ብቀዳማይ ደረጃ ክስራዕ ዘለዎ ጉዳይ`ዩ። እቲ ገዚፍ ተስፋና እቲ አብ ውሽጢ ዘሎ ውጹዕ ሓይልታት ሰራዊትናን አብ ሃገራዊ አገልግሎት ዘሎ መንእሰይናን ኢዩ፣ ሐደ መዓልቲ ኣብ ቀረባ ጊዜ ክኸውን ይኽእል፡ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ክጽንበር ትጽቢት ዝግበረሉ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ከበድቲ ስክፍታታት ከይወጻእና እቲ ዝዓበየ ጸጥታዊ መጽናዕቲ ከም ዘድሊ ክሕሰበሉ አለዎ።

እቲ ካብ ህዝቢ ዝወሃብ ገንዘብን ንዋትን ሓገዝ ብዙሕ ጻዕርን ስራሕን ክሓተና ኢዩ፣ ብሉጽን ቀሊልን ምእንቲ ክኽውን ከምቲ ህዝቢ በብዝጥዕሞ ተወዲቡ ዘሎ፡ ዕላማኡ ክሃርም ምእንቲ ዝኾነ ዝግበር ጻውዒት ኣሳልጦ ክህልዎ ኩልና ጽቡቕ ድልየትን ሓላፍነትን ከም ዘሎና ክንርዳእ አሎና። ነዚ አረሚን ስርዓት ንምልጋስ ሃታሃታ ዘለዎ ቅርጡው ስራሕ ክኸውን ናይ ብዙሓት ምኩራትን ፈላጣትን ተሳትፎ ስለ ዘድሊ፡ ብውድብ ወይ ብውልቂ ተላዒለ ኣሎኹ ኣብ ምባል ክንሰምዕን ከነስምዕን ክንሰማማዕን ተመራጺ ክኸውን ይኽእል።

ነፈርቲ ኢትዮጵያ ወተሃደራት ካብ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ከምኡውን ብተዛማዲ ካብ ኤርትራ ንኢትዮጵያ፡ ወተሃደራት ብጸልማት የመላልሳ አለዋ። እዚ መርኣያ ሓደ ካብቲ ብክልቲኦም መራሕቲ ዝኣተውዎ ውዕላት፡ ኣቐዲሞም ቀስብቐስ ዘተምብሁልና ዝነበሩ ናይ ክልቲኦም ሓድነታዊ ስምምዕ ምትሕንፋጽ ወተሃደራት ናይ ክልቲኤን ሃገራት ኢዩ። ከይደልደለ ክብርዕን ክስርሕሉ ይከአል`ዩ።

ካልእ መተሓሳሰቢ ክኾነና ዝኽእል፡ ኢሳያስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝኾነ ዝሓለፉ ዓመታት ብሓደ ጸኒዑ ከምዘሎ፡ ብኢዱ ክሕዞ ተዳልዩ ከምዘሎ፡ ፈሊጡ ዝከላኸለሉ ሓገዝ ክሓትት ንኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ዘብዘብ ክብል ቀንዩ፡ ዝነበሮ ተስፋታት ድማ ክም እተጸንቀቐ ፈሊጡ አሎ። ስለዚ ኣብ ኢድ ህዝቢ ከይኣቱ፡ አቐዲሙ ናይ ለይቲ ጸልማት ተኸዊሉ ነፋሪት ወተሃደር ከም ዝጸዓነት ኣምሲሉ ናይ ለይቲ ህድማ ብነፋሪት ኢትዮጵያ ክነፍር`ዩ።

ሕገ መንግስቲ ዘለዋ ፍትሓዊትን ደሞክራሳዊትን ኤርትራ መስሪትና፡ ከሳስን ተኸሳስን ክልቲኦም ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም፡ ፍርዲ ዘልዕልሉ ጊዜ ቀሪቡ ኢዩ።

ፍትሕን ደሞክራሲን ክነግስዩ፣

ዘለአለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውአትና፣

ገብረዝጊ ኣፍወርቂ


Share with friends:


ቐይሕ ባሕሪ (ዓሰብ፡ ባጽዕ) ኣብ ልቢ ኢትዮጵያውያን።


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: