ደምዳሚ መግለጺ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

14/01/2022 19:55 PM

ደምዳሚ መግለጺ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

11 ጥሪ 2022

ደምዳሚ መግለጺ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

ደምዳሚ መግለጺ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)፣ በቲ ንኣኼባታት ባይቶ ዝሰርዕ ሕግታት ተቀይዱ፣ ብመትከላት ዲሞክራስን ግሉጽነትን ተመሪሑ ኣብ ዝገበሮ፤ ካብ ሕጋዊ ምልኣተ - ኣኼባ ንላዕሊ ኣባላት ማእከላይ መሪሕነት ዝተሳተፉዎ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ንዓሰርተ መዓልታት ብመንገዲ ዙም ኣካይዱ።

ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ፡ ብሃገራውን፣ ዞባውን ዓለም - ለኻውን ደረጃታት ኣብ ዝተሓላለኸ ኩነታት ሰፊኑ ኣብ ዝርከበሉ እዋን እዩ ተኻይዱ። ብፍላይ ድማ ሕማም ለበዳ ኮሮና ንኻልኣይ ዓመቱ ኣስፋሕፊሑ፣ ንኣህዛብ ሙሉእ ዓለም ኣብ ግደታዊ ምርሕሓቕ ኣውዲቑ ይርከብ። ከምኡ ድማ ኣብ ዞናና ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእን፣ ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ነውጽን፤ ምስ’ቲ ብወገን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ኢድ ኣእታውነትን፤ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸሞ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ግህሰታትን ሓዊስካ፣ ተደራራቢ ሽግራት ዝምዕብለሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ካብ’ቲ ኣብ ስቶክሆልም ስዊድን ብሚያዝያ 2019 ዓ.ም ዝተኻየደ ካልኣይ ጉባኤ ኤሃባደለ ጀሚርካ፣ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዝተሳለጠ ነገራት ዝሓዘለ ብፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዝቐረበ ጸብጻብ ተመልኪቱ። ኣብ’ቲ ጸብጻብ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንባይቶ ኣብ ስራሓቱ ካብ ዘጓነፉዎ ፍሩያት ብድሆታት፤ ናይ መሳረሒ ሕጽረታትን፣ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ወገናት ዓለም ጸገማት ዝፈጠረ ጽልዋታት ለበዳ ክሮናን፣ ካልእ ባዓል ቤታውን ወድዓዊ ኩነታትን ከምዝነበረን ተጠቒሱ።

ብተወሳኺ ምስ’ቲ ኣብ ዞናና ዝተፈጥረ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዝተኣሳሰር ነገራትን፣ ሓይልታት ተቓውሞ ኣብ ሓደ ጽላል ንምምጻእን፣ ኩሉ ዓቅምታት ናብ ኣፍ ልቢ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ከምዝቐንዕ ንምግባር ዝዓለመ፣ ምስ ዕላማ ዘራኽቦም ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ሃገራውያን ሓይልታት ምርኻብን ምውህሃድን ክግበር ብኤሃባደለ ሓሊፉ ዝነበረ ውሳኔ ዝምልክት ዝተፈላለየ ጸብጻባት ቀሪቡ ።

ኣኼባ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾነ ኣስካሕካሒ መቕተልቲ፣ ምእሳር፣ ምስዋር ዜጋታት፣ ገደብ ኣልቦ ኣገልግሎት፣ ብኢሳይያስ ጸረ ልዑላውነት ሃገር ዝእለም ሸርሕታት፣ ሰይጣናዊ ውልቃዊ ቅርሕንትታቱ ንምርዋይ፣ ንህይወት ኣሻሓት ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ፣ ኣብ ዉሽጢ ጎረባብቲ ሃገራት ዘካይዶ ትርጉም ኣልቦ ሃላልነትን ኣዕሚቑ ብዝርዝር ርእዩ።

ብምሉእ ተገዳስነትን ግሉጽነትን፣ ዓሚቕ ሃናጺ ምምይያጥ ዝተኻየደሉ ሓላፍነታዊ መንፈስ ዝዓሰሎ ኣኼባ ኮይኑ፣ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝተመዝገበ ኣወንታታት ኣሞጒሱ። ሕጽረታትን ንኤሃባደለ ዝተጓነፎ ብድሆታትን ኣነጺሩ ድማ ንምስጋሩ ዝሕግዝ ውሳኔታትን ለበዋታትን ኣቐሚጡ።

ቀንዲ ካብ ዘመሓላለፎም ውሳኔታትን ለበዋታትን ድማ፡ ከም’ዚ ዝስዕቡ እዮም:-

ንውሽጣዊ መዳይ ብዝምልከት፡

- ኣኼባ፡ ነቲ ብፈጻሚ ቤ/ጽ ዝቐረበ ጸብጻብ ዕቱብ ምምይያጥ ድሕሪ ምክያዱ፡ ኣድላዪ ምትዕርራይን ምእራምን ድሕሪ ምግባር ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቑ።

- ገድላዊ ግደ ኤሃባደለ ንምዕዛዝ ዝዓለመ ስራሓት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ካልኣይ ዙር ስራሓ ዝትግበር መደብ ኣጽዲቑ።

- ብማሕበር ምትእስሳር ደቂ መታሕት ኤርትራ፣ ዝቐረበ ጠለብ ኣባልነት ቅቡል ኮይኑ ኣብ ባይቶ ኣባልነት ክዋሃቦም ተወሲኑ።

- ንኽልተ ወገናት ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብዝምልከት ድማ፡ ድሕሪ’ቲ ዘሕዝን ናይ ምፍንጫል ተረኽቦ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ባይቶ ብኽልተ መናብር ክውከሉ ተወሲኑ።

ብዛዕባ ሓድነት ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ዝምልከት፡

- ኤሃባደለ ሰፊሕ ጽላል ንምምስራትን ኣብ ምምራሑ ዝነበሮ ኣወንታዊ ተቦግሶታትን ኣኼባ ኣሞጒሱ።

- መትከላትን ዕላማታትን ኤሃባደለ፣ ሓድነት ኣባላቱን መስመራቱን ዝታሓለወ ኮይኑ፡ ዝቕጽል ስራሓት፡ መደብ ምቛም ሰፊሕ ጽላል ተቓወምቲ ሓይልታት ብቕልጡፍ ክጅመር ተደላዪ ምዃኑ ኣኼባ ኣስሚሩሉ።

እቲ ዝድለ ሰፊሕ ጽላል ኣብ ዝስዕብ መትከላት ዝተመስረተ ክኸውን ተሰማሚዑ፡

- ሃገራዊ ልዑላውነትን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ምዕቃብ።

- ምልጋስ ዲክታቶርያዊ ስርዓትን ግፍዓዊ መጋበርያታቱን።

- ፖለቲካዊ ብዙሕነት ዝሰረቱ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም።

- ልዕልና ሕጊ፣ ዲሞክራሲ፣ ዝተፈላለየ ሰባኣዊ መሰላት ህዝብን ከምዝሕሎ ምግባር።

ብሃገራዊ መዳይ፡

- ኣኼባ፡ ነቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብመደብ፡ ጸረ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ንንጹሃት ሰባት ምቕታል፣ ንዜጋታት ናይ ምስዋር መደባት፣ ኩነታት ኤርትራ ንኸይፍለጥን ተነጺላ ክትነብርን ዝገብሮ ዘሎ ምሉእ እገዳን ዓፈና ዜናዊ ማዕከናትን ኮኒኑ።

- ኣኼባ፡ ደሞግራፊካዊ ለውጢ ብምክያድ ኣብ መንጎ ኣካላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ቅርሕንትን ምትፍናንን ንምፍጣር፡ ነቲ ብሳላ ነዊሕ ቃልሲ ዝተሃንጸ ሓድነት ህዝብና ንምድኻም ዝዓለመ ኣቅዋም ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፣ ከምኡ’ውን መሬት ካብ ዋናታቱ ብሓይሊ ብምምንዛዕን፣ኤርትራውያን ስደተኛታት ሃገሮም ኤርትራ ሓራ ንምውጻእ ክቡር ዋጋ ከፊሎም፣ ነጻነት ኤርትራ ካብ ዝረጋገጽ ልዕሊ 30 ዓመት ሓሊፉ ከብቅዕ፣ ናብ ሃገሮም ንከይምለሱ፡ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብመደብ ክዓናቕፎ ምጽንሑ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ብትሪ ኮኒኑ።

- ኣኼባ፡ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ጎሮባብቲ ሃገራት ጣልቃ ኣትዩ ውግእ ብምክያድ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ግህሰታት ሰባኣዊ መሰላት ኮኒኑ። ኣብ ጉዳይ ካልኦት ኢድካ ናይ ምእታው ተግባራትን፣ ንልዑላውነት ኤርትራን ነጻነታን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ተግባራቱ ጠጠው ከብሎ ጠሊቡ።

- ኣብ ጎሮባብቲ ሃገራት ዘሎዉ ኩሎም ሓይልታት፡ ንልዑላውነት ሃገርናን ሓድነትናን ካብ ዝፈታትን ተግባራትን መግለጺታትን ክቑጠቡ ኣኼባ ብትሪ ኣጠንቂቑ።

- ኤሃባደለ፡ ነቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ዘሎ ዘይተኣደነ ጭካኔ ዝመለኦ ግፍዕታት፡ ምእንቲ ክቡር ሀይወቱ ብጽንዓት ዝከላኸልን ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ዝኸፍልን ዘሎ ህዝብና ኣድኒቑ።

- ኤሃባደለ፡ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ስልጣን ምቕጻል፤ ንልዑላውነት ኤርትራን ሓድነታን ዝፈታትን ሓደገኛ ጉዳይ ኮይኑ ብምህላዉ፤ ኩሉ ኣገባባት ቃልሲ ተኸቲልካ ንምእላዩ ኣድማዒ ስራሓት ምክያድን ኣብ ቦታኡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምምስራትን ከም ዝሕተት ርእዩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ለውጢ ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዝምልከት ኮይኑ፡ ኣብ ዝግበር ለውጢ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ቀጥታዊ ወትሃደራዊ ኢድ ምትእትታው ብኹሉ መልከዓቱ ከም ዘይነፍቅድ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ኣስሚሩሉ።

- ስርዓት ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ክታበት ምክልኻል ለበዳ ኮሮና ዘይምጅማሩ፣ ንህይወት ህዝቢ ኤርትራ ንሓደጋ ዘሳጥሕ ነገር ብምዃኑ ኣኼባ ኮኒኑ።

- ኤሃባደለ ካብ’ቲ ኣብ ከባቢና፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ሓደጋታትን ዘሰክመና ሓላፍነታትን ተበጊሱ፡ ኣብ ውህደት ፖለቲካዊ ስራሓት ተቓውሞን፡ ሓድነት ናይ ለውጢ ሓይልታትን ምትኳር ዘይስገር ዕማም ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

- ኤሃባደለ፡ ኣየናይ ወገን ከም ዝፈጸሞ ብዘይየገድስ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወረደ ግፍዕታት፤ ከምኡ’ውን ብሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ካብኣቶም ዝተፈጸመ ናይ ምጭዋይን ምእሳርን ስጉምትታት ብምኹናን፡ ሕብረተሰብ ዓለም ንምድሓኖም ግዴትኡ ክጻወት ጸዊዑ።

- ከምኡ እውን ኣብ ገለ-ገለ ሃገራት፣ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ንምምላሶም ዝፍጸም ዘሎ ስጉምትታት፣ ነቲ ኣብ ሃገሮም ዝጽበዮም ሓደገኛ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፤ ዓለም ለኻዊ ማሕበራት፡ ነዞም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምድሓን ቅልጡፍ ተበግሶ ክወስዱ ጸዊዑ።

ኣብ ዞናዊ መዳይ፡

- ኣኼባ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝተወለዐ ኲናት ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ስርዓት ኤርትራን ካልኦትን፡ ዞባዊ መልክዕ ከም ዝሓዘ መዚኑ። ዘላቒ ፍታሕ ንምምጻእ ድማ ኩሎም ወገናት ኢትዮጵያ ልቢ ኣዕብዮም ውግእ ጠጠው ኣቢሎም ኣብ ማኣዲ ዘተ ኮፍ ክብሉ ኣኼባ ጸዊዑ።

- ንኢድ ኣእታውነት ስርዓት ኤርትራ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኢትዮጵያ ኣቀዲሙ ኮኒንዎ ምንባሩን፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ክወጽእ ብቐጻሊ ጻዊዒት ይግበር ምንባሩ ብምዝኽኻር፣ ህዝቢ ኤርትራ ሓላፍነት ናይ’ዚ ብስርዓት ህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ተሓታቲ ከም ዘይኮነ ኣኼባ ኣረጋጊጹ።

- ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወረደ ኢሰብኣዊ ተግባራት ኣትሪሩ ብምኹናን፡ ውሕሰነት ናይ ኩሎም ኣብ ኢትትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ተቐማጦ ብሓፈሻ፣ ስደተኛታት ድማ ብፍላይ ክረጋገጽን፣ ከምኡ’ውን ስደተኛታትና፣ ኣብ ሃገርና ሰላምን ጸጥታትን ክሳብ ዝረጋገጽ፡ ኣብ ውሑስ ዝኾነ ሳልሳይ ሃገር ክዕቆቡ ጻዕርታት ክግበርን ኣኼባ ጸዊዑ።

- ኣብ ህዝቢ ትግራይን ዓፋርን ካልኦት ኣህዛብ ኢትዮጵያን፣ ዝወረደን ዝወርድ ዘሎን ህልቂት፡ ኣነዋሪ ተግባራት፡ ምብራስ ንብረትን ኣኼባ ኣትሪሩ ኮኒኑ። ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዜጋታት ኢትዮጵያ ይኩን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣነዋርን ዘይሰብኣዊ ተግባራትን ዝፈጸሙ ኣካላት፡ ጉዳዮም ብዘይ ሻራዊ ኣካል ተመርሚሩ፡ ፈጸምቱ ናብ ሕጊ ክቐርቡ አኼባ ጸዊዑ።

- ሓድነት ኢትዮጵያን ረብሓታት ኣህዝባን ንምዕቋብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ጎነጽ ደው ንምባልን፡ ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይን ብኣፍሪቃውያንን ኣህጉራውያን ሓይልታትን ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ኣኼባ መጒሱ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ብፈደራላዊ መንግስቲ ብዙሓት ፖለቲከኛታት እሱራት ናይ ምፍታሕ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ፖለቲካዊ ፍታሕ ናይ ምርካብ ተኽእሎታት ኣፍደገ ክኸፍት ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ኤሃባደለ ዘለዎ ትምኒት ገሊጹ።

- ጎረባብቲ ህዝብታት ኣብ’ቲ ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት እነካይዶ ቃልሲ ክህሉዎም ዝኽእል ተራ ብምግንዛብ፣ ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ኣህዛብን፤ ሃገራዊ ሓድነትናን ልዕላውነትናን ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ብዘየእቱ መንገዲ፣ መሪሕነት ኤሃባደለ ጽኑዕ ዝምድናታት ንምፍጣር ጻዕርታት ከካይድ ሓላፍነት ኣሰኪሙ።

- ንኤርትራን ልዑላውነታን ከምኡ’ውን ንሓድነት ህዝባን ዝፈታተን፣ ብኢትዮጵያውያን ይኹን ወይ’ውን ብኤርትራውያን ኢና በሃልቲ ዝግበር ወፈራታት ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ብትሪ ኮኒኑ። ከምኡ’ውን ንኢድ ኣእታውነት ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ይኹን ምስምስ ፈጢሮም፣ ኣብ ኩናት ኢትዮጵያ ጣልቃ ምእታው ዘመኻንይሉ ብትሪ ነጺጉ።

- ህዝቢ ኤርትራ ብህጹጽ ክትግበር ዝጸበዮ ጉዳይ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ጉዳይ ግጭት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኣህጉራዊ ኮምሽን ዶብ ዝተበየነ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ፣ ብዘይ ውዓል ሕደር ምሕንጻጽ ዶብ ክልቲኡ ሃገራት ከተግብር ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ኤሃባዲለ ኣዘኻኺሩ።

- ንህሉው ኩነታት ሱዳን ብዝምልከት ድማ፡ ኩሎም ሓይልታት ሱዳን ብህዝቢ ዝምራሕ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ኣብ ዕላምኡ ንምብጻሕ፡ ስኒትን ሓድነትን ክፈጥሩ፡ ኣኼባ መጻዋዕታኡ ኣቕሪቡ።

- ኣኼባ ነቶም ብዛዕባ ጉዳይ ስደተኛታት ዝግደሱ ኣህጉራውያን ማሕበረሰብን ግብረ - ሰናይ ውድባትን፣ ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ የመን፡ እስራኤል፡ ሊብያ ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ ሃገራት ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ግደኦም ክጻወቱ ጻውዒት ኣቕሪቡ። እቲ ተገዲዶም ሃገሮም ራሕራሒም ዕቝባ ንኽሓቱ ዝገበረ ምኽንያት ክሳዕ ዚውገድ፣ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ኣሰቃቒ ህይወት ንምቅላልን፣ ሕክምናውን ትምህርታውን ኣገልግሎታት ንምምሕያሽን፣ ዝግባእ ሓገዝን ምንባይን ክገብሩ ጸዊዑ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ነቲ ጐረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ከምኡ’ውን የመን ንዓሰርተታት ዓመታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምቕባልን ምዕቋብን ዘርኣይዎ ሕውነታዊ ኣተሓሕዛ መጒሱ።

ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት፡ ኣብ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝብና ብፍላይ ድማ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን፡ ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ንምእላይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዕዙዝ ተሳትፎ ንኽህልዎም ጸዊዑ። ሰራዊት ኤርትራ’ውን ኣብ ጎድኒ’ቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ብህዝብና ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ደው ብምባል ሃገራዊ ተርኡ ንኽጻወት ኣኼባ ኣትሪሩ ጸዊዑ። ብመሰረት እቲ ካልኣይ ጉባኤ ኤሃባደለ ዝወሰዶ ውሳነ፣ ኣንጻር ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት እነካይዶ ቃልሲ ንውሽጢ ሃገር ክሉሑኽ ምግባር ዘኽእለና ኩሉ ክንገብር ከም ዝግበኣና ኣኼባ ኣረጋጊጹ። ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኣሊኻ ዲሞክራስን ፍትሕን ማዕርነትን ዝሰፈኖ ስርዓት ብምቛም፡ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ስቓይ ህዝብና ገደብ ንምግባር፡ ኣብ መንጎ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝቃለሱ ዘለዉ ሃገራውያንን ናይ ቃልሲ ድልድል ንምፍጣር ዝካኣል ሜላታት ቃልሲ ክኽተል ንፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ንኩሎም ትካላት ኤሃባደለን ሓላፍነት ኣሰኪሙ።

ኣብ መደምደምታ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ኤሃባደለ ሰክረታርያ ማእከላይ መሪሕነትን ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤ/ጽን ኣብ ሓላፍነቶም ክቕጽሉ ኣጽዲቑሎም። ከምኡ’ውን 10 ዝኣባላታ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት መሪጹ። ብተወሳኺ፡ ብመሰረት ሕገ ህንጻ ኤሃባደለ ሽማግለ ሕግን ስነ ስርዓትን ከምኡ’ውን ሽማግለ ቁጽጽርን ምጽራይን መሪጹ። ንኣሰናዳኢት ሽማግለ ብዝምልከት ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ነታ እትምረጽ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ብምምኽካር ሰክረታርያ ማእከላይ መሪሕነትን ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ክትምረጽ ሓላፍነት ኣሰኪሙ ኣኼብኡ ዛዚሙ።

ዓወት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ሓርነትን ፍትሕን ዲሞክራስን !!

ሓራ ኤርትራ ተኸቢራ ትንበር !!

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንሰማእታትና !!

ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
11 ጥሪ 2022

•   ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ወብሳይት
•   Eritrean National Council for Democratic Change (ENCDC) website

•   ፖለቲካዊ ቻርተር – ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

•   الميثاق السياس ي للمجلس الوطني للتغيير الديمقراطي

•   ሕገ ህንጻ – ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

•   النظام الأساس ي للمجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي


ደምዳሚ መግለጺ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ - TV Adal



Output of the regular meeting of ENCDC Central Leadership
مخرجات الإجتماع الدوري للقيادة المركزية للمجلس الوطني الارتري للتغيير الديمقراطي
ውጽኢት ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ
አቶ ተኽላይ አብራሃ   الأستاذ / تخلاي ابرها Mr. Teklay Abraha
ፖለቲካዊ ሰሚናር ኣብ፦ ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት (Seminar at፡ Dialogue for Common Awareness) ندوة سياسية في مجموعة حوار لوعي المشترك
Friday, 14 January 2022


Share with friends:

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: