ዝኽሪ መበል 57 ታሪኻዊ ስርሒት ተጎሩባ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

15/03/2021 18:15 PM

ዝኽሪ መበል 57 ታሪኻዊ ስርሒት ተጎሩባ

By: Mr Ali Mohammed Saleh

ዝኽሪ መበል 57 ታሪኻዊ ስርሒት ተጎሩባ

ዝኽሪ መበል 57 ታሪኻዊ ስርሒት ተጎሩባ
علي محمد صالح شوم By: Mr Ali Mohammed Saleh

ዕለት 15 መጋቢት 2021፡ መበል 57 ታሪኻዊ ዝኽሪ ስርሒት ተጎሩባ ዝብዓለሉ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1964 ናይ መጀመርያ ኣሃዱታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ከባቢ ጀንገሬን ብምቅልቃሎም ንጸላኢ ዓብይ ራዕዲ ፈጠሩ።

ጸላኢ ነዚ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣሃዱ ንምድምሳስ ሓይልታቱ ኣገዲሙ እንኮላይ ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎ ዓርሞሸሽ ሓይሊ ኣዳልዩ ኣብቲ ከባቢ ኣዋፊሩ፡ እንተኾነ ግን ብ ዕለት 8 መጋቢት 1964 ሓይልታት ተ ሓ ኤ ድብያ ብምግባር ነቲ ናይ ጸላኢ ሓይሊ ጠቅሊሉ ደምሲሱዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ዝመርሖ ዝነበረ ካፒተን ዕቅባሚኪኤል ክፍላይ ውን ኣብቲ ኩናት ቀቲሉ።

እዚ ኩናት እዚ ናይ መጀመርያ ውግእ ኣብቲ ከባቢ ብምንባሩ፡ ንጸላኢ ብፍላይ ነቲ ኣብ ከተማ ከረን ዝነበረ ሓይሊ ራዕዲ ፈጢሩሉ። ሓይልታት ተ ሓ ኤ ኣብዚ ውግእ እዚ ገዚፍ ዕጥቂ ኣማሪኹ ንጸላኢ ፈታኒ ሓይሊ ክኸውን ኣኽኢሉዎ እዩ።

Togoruba:

ስዒቡ ጸላኢ ተወሳኺ ሓይሊ ኣኻኺቡ ዳግመ ኩናት እካ እንተ ፈነወ ፈሺሉ ጥራይ ዘይኮነ ገዚፍ ክሳራታት ኣጋጢሙዎ።ብዕለት 15 መጋቢት 1964 ካልእ ሓያል ኩናት ኣብ ተጎሩባ ዝብሃል ቦታ ተፈጺሙ። እዚ ታሪኻዊ መስተንክራዊ ኩናት ኣብ መንጎ ሓይልታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ሓይልታት ጸላእትን ዋላ እካ ገዚፍ ናይ ዓቅሚ ሰብን ዕጥቅን እንተ ነበረ ሓይልታት ተ ሓ ኤ ጅግንነታዊ ትኣምራት ኣመስኪሮም እዮም። ጸላኢ ገዚፍ ክሳራታት ስለ ዝወረዶ ንናይ ገለ ሰማእታትና ሬሳ ኣብ ማእከል ከተማታት ባረንቱ፡ ኣቁርደትን ተስነይን ኣብ ኣዕኑድ ሰቂሉ ንሞራል ህዝብና ክሰብር ዝፈተኖ ሽበራዊ ውዲታት፡ልክዕ እዩ እቲ ተርእዮ ንሓፋሽ ህዝብና የሕዚኑዎ እዩ፡ ደግርፍቲ ፋሽሽታዊ ደርግ" ዝኾነ ሽፍታ መጨረሽትኡ ከምዚ እዩ" ክብሉ ተሰምዑ። እዚ ኹሉ ግን ንህዝብና ኣበርቲዑዎ ጥራይ ዘይኮነ ንጀጋኑ ደቁ ቅዱስ ቅያታቶምን ክሕግዝን መንገዲ ኣርሕይሉ እዩ።

ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ሙርኩስ ብምግባር እዚ ዝስዕብ ጻውዒት የቅርብ፡ ድሕሪ ዲክታቶር ኣስመራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ምእታዉን ሰራዊት ኤርትራ ኣብ መሬት ትግራይ ምልኣኹን ንውድቀቱ ዘቀላጠፈ ኩነት ስለዝኾነን ሓያላን ሃገራትን ዞባውያን ሓይልታትን ንስርዓት ኢሰይያስ መወዳእታ ምዕራፍን ክገብሩ ወሲኖም ንዕኡ ዝትክእ ኣስማት እውን ሮቂሖምሉ ኣብ ዘለዉ እዋን፡ ኩለን ናይ ደንበ ተቃውሞ ሓይልታትን ሃገራዊ ባይቶን መሳርዑ ኣስተኻኺሉ ነዚ ዝውጠን ዘሎ ናይ ለውጢ ተበግሶ መሪሑ ግዝያዊ መንግስቲ ክምስርትን እዚ ዕድል እዚ ብኻልኦት ዘይሃገራውያን ወከልቲ ከይምላእን ኣበርቲዑ ዝጽዕረሉ እዋን ሕጂ እዩ።


ዓሊ መሓመድ ሳልሕ
ለንዶን
15 መጋቢት 2021
ነባሪ ዝኽሪ ስርሒት ቶጎሩባ


Share with friends:

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

"ተዘክሮታትን ታሪኽን - ኣብነታት ካብ ታሪኽ ጅግንነት ህዝቢ ኤርትራ" ሓዳስ መጽሓፍ ብ'ገዲም ሓርበኛ ዓሊ መሓመድ ሳልሕ፡
New Book launch, Reflections on the epic Eritrean liberation struggle, by Veteran Ali Mohammed Saleh  


You may also want to view /  ካልእ ከገድሰኩም ዝኽእል፡-
መልእኽትታት ፖለቲካዊ ውድባት፡ ባይቶታት ይኣክል፡ ማሕበራትን ትካላትን፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: