ክቡር ደላይ ሰላም ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን! جماهبر الشعب الارتري الابي

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

11/11/2020 18:43 PM

ክቡር ደላይ ሰላም ህዝቢ ኤርትራን
ሓይልታት ምክልኻሉን!

جماهبر الشعب الارتري الابي
وقوات دفاع الشعب البواسل

ብ`Snitna ስኒትና Network Group

ኩናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ Internal conflict of Ethiopia and its potential impacts.

ክቡር ደላይ ሰላም ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን!

ህዝቢ ኤርትራ ታሪኹ ከም ዝምስክሮ፡ ምስ ጐረባብቱ ተሳንዩ ዝነብር ሕያዋይ ህዝቢ እዩ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግን፡ ካብ ማህጽኑ ዝወጹ መራሕቲ፡ ንዝፍጠሩ ምጉንፋጥ ብሰላም ኣብ ክንዲ ምፍታሕ፡ ናብ ዘየድሊ ኲናት ክኸትቱዎ ጸኒሖም። ኣብ 1998፡ ሃገርና ተወሪራ ብዝብል ምስምስ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ደቂ ኤርትራ፡ ግደ መስዋእትን ስንክልናን ኮይኖም።

ስርዓት ኢሳይያስ፡ ህወሓት ንውሳነ ሄግ ምቕባል ስለዝኣበዩዎ፡ መሬትና ብሓይሊ ክንመልሶ ኣሎና ብምባል፡ ሓዙኒ! ግደፉኒ! በትረይ ሃቡኒ! ክብል ከምዘይጸንሐ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ውሳነ ሄግ ብዘይቅድመ ኩነት ተቐቢለዮ ኢየ ምስበለት ግን፡ ዶብ ኣየገድሰናን ኢዩ ኣብዚ እዋንዚ፡ ናይ ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋእን ኢዩ ዝያዳ ኣገዳሲ፡ ክብል ኢዩ ተሰሚዑ። ሕሉፍ ሓሊፉ`ውን፡ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጉዳዩ ምዃኑ ኢዩ ኣብ ቃለ-ምልልሳቱ ክገልጽ ተራእዩ። እዚ ሕጂ ኢሳይያስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ኮይኑ ዝሃርሞ ዘሎ ናይ ኲናት ጥሩምባ፡ ንፍሉይ ህርፋኖም ንምምላእ እምበር፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኮነ ንህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ዘርብሕ ኣይኮነን።

ኣብ ማዕከናት ዜና ክም ዝስማዕ ዘሎ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዝነበሩ መንእሰያትና ከይተረፈ እናገፈፈ፡ ናብ መዓስከራት የእትዎምን ንመስዋእትን ስንክልናን ይቕርቦም ኣሎ። ምትኹታኽ ድሮ ተጀሚሩስ፡ ናብ ዝዓበየ ውግእ ንምስግጋር ለይትን መዓልትን ይሰርሕ ከም ዘሎ`ውን፡ ካብ ህዝብና ዝተኸወለ ኣይኮነን።

እዚ ኢሳይያስ፡ ካብ ቅርሕንቲን ጽልኢን ተበጊሱ፡ ዝጽሕትሮ ዘሎ ሓዊ፡ ሎሚ`ኸ ወዲ መን ወይ ጓል መን`ዩ ገንሸል መስዋእቲ ክገብር ዝደሊ ዘሎ?

ሎሚ፡ ኤርትራ ካብ ውግን ወረ ውግእን ወጺኣ፡ ቁስላ ኣሕውያ፡ ናብ ጐደና ተሃድሶን ምዕባለን እትጓዓዘሉ መድርኽ ክኸውን ምተገብአ። ቅኑዕ መራሒ ስለዘይብልና ግን፡ ዳግማይ ናብ ሓዊ ክጠብሰና ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ።

መልስና፡ እምቢ ንኲናት ክንብል ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነዚ ንህዝብና ዘይውክል ጒሒላ ስርዓት፡ ኣብ ናይ ታሪኽ ጉሓፍ እንድርብየሉ እዋን ሕጂ ኢዩ። ኩሉ ዓቕምና፡ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምውጋድ ነቕንዓዮ።

ሓደ ሲሶ ህዝብና ብሰንኪ ዘይቅርዑይ ምሕደራ፡ ከምደቂ ዛግራ ፈቐዶ ስደት ተበቲኑ፡ ከርፋሕ ናብራ የካይድ ኣሎ። እሞ! ዓድኻ ክዝመት`ዶ ዓይንኻ ይዕመት? እዚ ኲናት ብምጽሕታር ንህዝቢ ኤርትራ ድቃስ ከሊኡዎ ዘሎ ስርዓት፡ ቀዳማይ ጸላኢና ብምዃኑ፡ ካብ ሱሩ ክምሖ ኣለዎ። ኣብ ሓጺር እዋን፡ ስልጣን ንህዝብና ክርከብ፡ ከምኡ`ውን፡ ኩሉ በቲ ስርዓት ባኺኑ ዘሎ ዓቕሚ ኤርትራዊያን፡ ኣብ ህንጸት ሃገር ዝዋፈረሉ መድርኽ ክኽፈት ንጽውዕ።

ጻውዒት ንሓይልታት ምክልኻልን ህዝቢ ኤርትራን!

ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ እዚ ተኣፋፊ መድረኽ ናይ ሃገርና፡ ዓቢ ሓላፍነት የሰክመኩም። ኣንጻር`ዚ ዘንጻላሉ ዘሎ ኣዕናዊ ኲናት፡ መርገጽ ክትወስዱ ኸኣ ንጽውዕ። ከምኡ`ውን መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሓደ ድምጺን መንፈስን፡ ምስ ጀጋኑ ደቅኻ ተሓባቢርካ፡ ነዚ ጻሕታሪ ኲናት ዝኾነ ስርዓት፡ ክትቃወሞ፡ ፎእ ክትብሎን፡ ብህጹጽ ክትለዓልን ንጽውዕ።

ጐረቤትና ህዝቢ እትዮጵያ፡ ነዚ ኣጋጢምዎ ዘሎ ዘይምርድዳእ፡ ልቢ ብምዕባይ፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ኢህን ምሂን ኢሉ ጉዳዩ ክፈትሕ ንጽውዕ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ሰላምን ርግኣትን ናይ ኢትዮጵያ`ምበር፡ ኣብ ህውከት ኢትዮጵያ፡ ረብሓ የብሉን።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!

ሰላምን ምርግጋእን ንዞባና

የቐንየልና።

Snitna ስኒትና Network Group

04 November 2020

جماهبر الشعب الارتري الابي

وقوات دفاع الشعب البواسل

ان الشعب الارتري على امتداد تاريخه الناصع يتميز بالسلام و العلاقات الطيبة مع نفسه و جيرانه ولكن لسؤ الطالع لم ينعم بالقيام على امره من قبل خيرة ابناءه ونتيجة لذلك زج به في عدة حروب عبثية ,,,( وفي 1998م ادخلو البلاد في حرب واسعة النطاق

مع الجارة اشيوبيا بحجة الاعتداء على الاراضي الارترية التي حصدت عشرات الالاف من الشهداء و المعوقين من ابناء الوطن المنتجين......++.(

و من سخرية نظام اسياس بعد مجبيء ابي احمد الى سدت الحكم في اشيوبيا ملء الدنبة بالحديث و التصريحات فحواها من اهم الاولويات هي الحفاظ على سلامة واستقرار اثيوبيا وليس الحدود المتنازع عليها التي عطل بسببها كل الحياة اسياسية بحجة رفض

الوياني لقرارات محكمة الحدود الارترية الاثيوبيا الملزم والنهائي ولكن الادهى والامر من كل ذلك كعادنه بدائة يدق طبول الجرب مع حليفه رئيس وزراء اثسوبيا السيد ابي احمد حرب لانعود بالمنفعة للشعبين الارتري و الاثسوبي

كما تناولته وسائل الاعلام الارترية المختلفة بدءا نظام اسمرى اخذ الطلاب من مقاعد الدراسة الى المعسكرات لجعلهم وقود حروبه المبنية على الحقد و الكراهية في الوقت الذي كان من المفترض والطبيعي ان يضمد الوطن جراحه و يضع قطار النمو و التطور في الاتجاه الصحيح بدلا من الاعداد للدخول في حرب لانقاقة لشعب الارتري فيها ولا جمل

في هذه المرحلة الدقبقة و التي يعيش فيها ثلث الشعب الارتري قي المهجر يجب الا تكون اجابتنا لا للحرب فقط بل ينطلب منا توجيه جميع امكانياتنا لأزاتت النظام المستبد المتسلط على شعبنا و اعلاء سيادة القانون و بناء نظام ديمقراطي و نحويل كل قوانا البشرية و المادية لبناء الوطن

نداء لقوات دفاع الشعب الارتري: _ نناشد الشعب الارتري وقوات الدفاع الارتري البواسل للقيام في هذه المرحلة الحساصة يدورهم

الوطني واخذ موقف لاسكات طبول الحرب و العمل للحيلولة دون وقوعها بكل الوسائل المتاحة كما نناشد الشعب الاثيوبي لتحكيم لغة العقل وعدم الجنوح الى الحرب لحل النزاعات بين ابناء الوطن وتبني الحوار السلمي لحلها

وايضا نود ان نوأكد لكم على ان مصلحة الشعب الارتري تكمن في سلام واستقرار اثسوبيا ودوما نتمنى ونسعى من اجل تحقيق ذلك

النصر للشعب الارتري

السلام و الاستقرار للاقلييم

مجموعة شبكة سنيتنا

4 نوفمبر 2020


ATV: መልእኽቲ ስኒትና ኔትዎርክ ግሩፕ ንዝህቢ ኤርትራ - Snitna Network Group


ATV: መልእኽቲ ስኒትና ኔትዎርክ ግሩፕ ንዝህቢ ኤርትራ - Snitna Network Group (Arabic)

جماهبر الشعب الارتري الابي

وقوات دفاع الشعب البواسل



Share with friends:

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
መልእኽትታት ፖለቲካዊ ውድባት፡ ባይቶታት ይኣክል፡ ማሕበራትን ትካላትን፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ቐይሕ ባሕሪ (ዓሰብ፡ ባጽዕ) ኣብ ልቢ ኢትዮጵያውያን።



Share with friends: