ዓለምና ከመይ’ዩ ክኸዉን ድሕሪ covid-19 ይብል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

05/04/2020 23:40 PM

ዓለምና ከመይ’ዩ ክኸዉን ድሕሪ covid-19 ይብል

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ዓለምና ከመይ’ዩ ክኸዉን ድሕሪ covid-19 ይብል

ዓለምና ከመይ’ዩ ክኸዉን ድሕሪ covid-19 ይብል
ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

ስላም ኩቡራት ተኻታተልቲ ወይብ-ሳይት፣ ተማራመርቲ ፖለቲካ፣ ሊቃውንቲ ኣብ ቡዙሕ ክፍልታት ስነ-ፍልጠታት ዝዋስኡ፡ ድሕሪ እዚ ንሙሉእ ዓለም ዘንፈጥፈጠ / ዘርዓደ፣ ግይና ፈውስን ክታበትን ዘይተራጋገጸ፣ ሙሉእ ሓይልታቱ ናብ’ዚ ዓይነት ተላባዒ ሕማም ንምክልኻል ፈውሲ ንምርካብ ብዘይ ዕረፍቲ ክድህስስን ከጽንዕን ምእንቲ፣ እዚ ዘይብሃል ባጀርት ወዚዑ ህርድግ እናበለ ክነሱ፤ ንዝመጽእ ብኸመይ ክምሓደር? እንታይ ዓይነት ዝምድናታ ክህሉ? ንፍልጠታትን ሓይልታትን ምውህሃድ’ዶ ወይስ በቢ ዘለኻዮ ምቕጻል? ዘሕለፍናዮ ፖለቲካዊ ቑጠባዊ ማሕበረዊ ኣጋባብ ብኸመይ ክማሓደር ክማሓየሽ? ኣየናይ ኣጋባብ ይኽተል? እዚኦምን ካልኦት ወኸሰታት ብምቕማጥ ስነሞጎታዊ ዘተን፣ መጽናዕትን የካይድ ምህላዉ ኩላትና ንካታተል ክንህሉ ተስፋ ንገብር። ንሕና’ውን ሓደ ህዝቢ ናይዛ ዓለም ስለ ዝኾና፣ ተገዲድና ኣብ ገዛና ተዓጺና ካብቲ ሃለኽለኽ ሂወት ዝግ ዝበለን ክንሓስብን ከነስተውዕልን ዕድል ረኽብና ኢና።

ስለዚ ገምጋም ናይ ዘካየድናዮ ኣጋባ ቃሊ፣ ስጋብ ሕጂ ክንጓዓዞ ዝጸናሕና ፖለቲካዊ መስርሕ፣ ሓቢርካ ክትሰርሕ ብዘይ ምኽኣል፡ ህዝብና እቲ ፍጡር ወድሰብ ክረኽቦ ዝኽእል መንግስታዊ ሓገዝ ክረክብ ብዘይምኻኣሉ፣ እቲ ዕለታዊ ኣስካሕካሒ ናብርኡ ከይኣኽሎ፣ ካብኡ ዘይተፈጥረ ሕማም ተላገብ covid-19 ክበጽሖ ከሎ ዘጓንፎ ህልቀት ኣብ ርእሲ ህልቀት ኩላትና ክንግምቶ እንኽእል ኩነት እዩ።

እቲ ናዓና ዘተሓሳስበና እዚ ከዳዕን ውልቀ-መላኺ ንምጽናት ህዝብና ብደምቢ ተታሓሒዝዎ ዝነበረ፣ ናቱ መላፍንቲ ኣጽናት ህዝቢ ክረክብ ከሎ፣ ንኣምሳሉ ንህዝቢ ይካላኸል ኣለኹ ዝብል መዳናጋሪ ሓሶት ወረ ምንዛሕ እንተዘይኮይኑ፣ እቲ ክግበር ዘለዎ ብስነፍልጠታዊ ምቅርራብ ከም ዘይገብሮን ከምዘይብሉን፣ እቲ ቅርጻ ትካላዊ ኣሳራርሕኡ ምስክር እዩ።

ካብ ሆስፒላት ቤት ማእሰርቲ ዝበዝሓ ሃገር፣ነተን ብገበርቲ ሰናይ ዝምወላ ዝነበራ ሆስፒላትን ማእከል ሕክምና ዝዓጸወ፣ ብወገን ናይ ሕክምና ማእከል መጽናዕቲ ዘይውንን፣ ናይ ሓገዝቲ ሓካይም ትምህርቲ ከምቲ ዝግብኦን ዓቕሚ ብዝሓቶም ዘየማዕብለ፣ ብኸመይ ገይሩ ክካታተሎን ክካላኾሎን ዘይሕሰብ እዩ። ጸገማታትን ጉድለታት ናይ’ዚ ገባቲ ስርዓት ጸብጺብካ ዘይውዳእ ኮይኑ፤ ህዝብና ድሕሪ ናይ ሳላሳ ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ፣ደቁ ሰዊኡ ዘምጽኣ ሃገር፣ ከምዚ ዘኣመሰለ ስርዓትዶ ክህልዎ ምተገብኦ? ኣይምተገቦኦን ወሪርዎ-ደኣምበር’ዩ እቲ መልሲ። ብዛዕባ’ዚ ደስጵጣ ስርዓት ግብርታቱ ኩላትና ኣጸቢቕና እንፈልጦ እዩ።

እቲ ብዝያዳ ክንዛተየሉ ዝግባእ ብዛዕባ እተን ንፍትሒን ግዝኣተ-ሕግን ንቃለስ ዝብላኸ እቲ ክገብርኦ ዝግባእ ኣጋባብ ቃልሲ’ዶ ኣክይደን? ኣየካየዳን። ካብቲ ግፍዕታት ናይ ከዳዕን ደስጶጣ ስርዓት ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣድሒነንኦ’ዶ ? ኣየድሓንኦን። ከድሕንኦ ይኽእላ’ዶ ነይረን? እወ ይካኣል ነይሩ፡ ብኸመይ? ናይ ሓባር ቃልሲ ብምኽያድን፣ ሰፊሕ ንኹሉ ዝሓቁፍ ጽላል ምህላውን፣ ህዝቢ ማእከል ዝገበረ ቃልሲ ምክያድ፡ ምትእስሳር ማስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ንፍትሒ ዝቃለሱ ዜጋትትና ብምጥንካርን ምትብባዕን።

ሃገራዊ ቃልሲ ብምክያድ፣ፍትሓዊ ባይታ ብምጥጣሕ፣ መስርሕ ዲሞክራሲ ብምጥቃም፣ ቅድሚ ኩሉ ልእላዉነት ሃገር ምርግጋጽ፣ ሓድነት ምድዳልል፣ ድልየት ህዝቢ ምትርጓም፣ ልዕሊ ኩሉ ህዝቢ ማእከል ዝገበረ ቃልሲ ምክያድ ከዘውትራ እንተ ዝኽእላ-ነይረን፣ ዕድመ ዲክታተራዊ ስርዓት ምሓጸረ ህዝቢ ክኣ ስልጣን ባዕሉ ኣብ ኢዱ ምጨበጠ።

እዚ ክኸዉን ዘይካኣለ ነፍሲ ወከፍ ውድብ፣ ምንቅስቓስ፣ ሲቪካዊ-ማሕበር፣ ዋላ እተን ህዝባውያን ማሕበራት፣ ውልቀ ዚጋታትን ከይተረፉ፣ ናተይ፣ ውድበይ ማሕበረይ፣ አነ እባ ክንብል፡ ኣፍናን ፍትሒ ይጽውዕ፣ ዲሞክራሲ ይዝምር፣ ሓድነት ህዝቢ የተንብህ፣ ግብርታትና ኣብ ምርሕሓቕ፣ ምጥርጣር፣ ቅርሕንቲ ኣብ ርእሲ ቅርሕንቲ ምድላብ፣ ሃገር ኣብ ሓደጋ፣ ህዝብና ክኣ በዚ ኣጽናቲ ስርዓት ክሃልቕ ኣማዕዲኻ ምርኣይ ገበን ናይ ገበን’ዩ ዘቁጽር። እዚ እንርእዮ ዘሎና ኣብ ዓለምና ብ-covid-19 ዝረግፍ ዘሎ ህዝቢታት፡ምስ’ቲ ውልቀ መላኺ ዋኒነይ ኢሉ ከጽንቶ ዝጸንሐ፣ ህዝብና እንተ ደኣ ኮሮና-ቪሩስ ተወሲኽዎ፣ ብኸመይ ኮን ክሰግራ ዘሎና ስኽፍታን ስግኣትን ኣብ ቦቱኡ ኮይኑ፤ ኩሉ ኣትኩሮና እቲ ክንገብሮን ክንድግፎ እንኽእል ብሙሉእ ዓቕምታትና እናገበርና ብጡርኑፉን ዉሁዱን ክካናወን ዝተመርጸ ምኾነ፡፡ ኮይኑ ግን ግዜ ከይበላዕና ኣብዛ እዋን እዚኣ ንህዝብና ሞራላዉን ንዋታዉን ብፍላይ ንኮሮና ቪሩስ ዝካላኸል ናውቲ ዕዮ ናብቶም ኣብ መዓስከር ሱዳን ኢትዮጵያ ዘለዉ በቶም ናይ መሰል ተካታተልቲ ገይሩ ክበጽሖም ምግባር ምሕባር ዘድልዮ አይኮነን።

ኣብ ርእሲኡ ነዚ ብግደታ ኣብ ገዛና ተወሸብናሉ ዞሎና እዋን እቲ ዘድሊ ምስትንታንን ምሕሳብን ጥራይ ዘይኮነስ ህጹጽነትን ኣመና ቁልጡፍ ሓዱሽ መስርሕ ሐድነት፣ሓቢርካ ምስራሕ ክትርጎም ኣለዎ።

ነቲ ስርዓት ክኣ፣ ዘስካሕክሕን ዝየማትእ / ዘየዳግም ነውጺ / ጎንጺ ክብ ስሩ ክምሖ ምእንቲ፣ን ህዝቢ ምልዓሉ ክድንፍዕን ናብ ህዝባዊ ናዕቢ ክብገስ ምግባሩ ናይ ደምበ ፍትሒ ነቲ ካብ ነዊሕ ዝተዘመረ ሓቢርካ ምስራሕ ግብራዊ ክኸዉን ደጊምና ንጽውዕ፣ ነማሕጽን። ይካኣል ምኹኑ’ዉን ኣይሳሓትን ንብል።

ቸርቺል ከም ዝበሎ "ኣብ ሞንጎ ፈተናትና፣ ግደታና ብምሉእ ዓቕምና ንኹሉ ጎድንታት ዲሞክራሲ ከድኽሙ ዝህቅኑ፣ ብኣወንታዊ ናይ ፍትሒ መስርሕ ምግጣሞምን ምስዓሮምን እዩ ክኸዉን ዝግብኦ"። ስለዚ ደምበ ፍትሒ ኩሉ ሓይልታትና ኣዋሂድና ናይ ሓባር ጎደና ሓርነት ክንጓዓዝ ይግባእ።

"ሓጎስ/ደስታ ብዘይ ናጽነት ክህሉ ኣይካኣልን፣ ከምኡ ብዘይ ትብዓትን ሓርብኝነትን ናጽነት ክትጓናጸፍ ኣይካኣልን" ይብል ፐሪክለ፡ ስለዚ ናጽነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ከይወደቀት፣ ሓድነት ህዝቢ ፈጺሙ ከተባታተኸ ብትብዓትን ሓቦን ካብ ኩሉ ኣብ ውሽጥና ዝነበረን ዘሎን ቅርሕንቲ ሓድግታት ገይርና፣ ልዕሊ ኩሉ ህላውነት እዛ ሃገር ብደቂ ሃገር ክዋሓስ ንጽዓር።

ሕጂ’ዉን ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራመር ንባራበር

ኣብ ዝመጽእ የራኽበና፡
ፍትዊ ክፍለ ብምትሕብባር ብዙ ቡቱኞሊ


Share with friends:

See also recent Articles by ፍትዊ ክፍለ:-


ሰሚናር ብ`ነርስ ኤደን ጸጋይ፡ ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና
ዕለት 04 ሚያዝያ 2020
Part 1 - 3


Part-1:   Part-2:   Part-3:


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
ኣፍልጦን፡ ኣገባብ ምክልኻልን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ
(Coronavirus COVID-19 and it's Prevention)



Share with friends: