Placeholder Picture
Placeholder Picture
እዋናዊ ጻውዒት ንምቋም ንኣብ ዘይምኩል ፈደረላዊ ምሕደራ ዝተሰረተ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት

04/05/2024 03:56 AM

እዋናዊ ጻውዒት
ንምቋም ንኣብ ዘይምኩል ፈደረላዊ ምሕደራ ዝተሰረተ
ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት

ብዶር ነጋሲ ሓድጉ፡ ካብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ዕለት: 1 ጉንበት (May 1st) 2024 ዓ.ም.ፈ

እዋናዊ ጻውዒት ንምቋም ንኣብ ዘይምኩል ፈደረላዊ ምሕደራ ዝተሰረተ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት

እዋናዊ ጻውዒት ንምቋም ንኣብ ዘይምኩል ፈደረላዊ ምሕደራ ዝተሰረተ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት። ብዶር ነጋሲ ሓድጉ፡ ካብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ።

ዝከበርኩም ደቂ ሃገር ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ሃገርና ኤርትራ ዓድታታ ፈሪሰን ከተመታት ዓንየን ስድራቤታታ ተበታቲነን ልዕሊ 70% መንሰይ ወለዶ ህዝባ ኣብ ኣብ ስደት ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን ህላዉነትና ህዝብና ንምርግጋጽን፡ ቀጻልነት ሃገርና ንምዉሓስ እዞም ኣብ ስደት ዘሎና ኤርትራዉያን መሰል ዉልቀ ሰባት፡ ስድራቤታት፡ ማይቤታት ዘዉሓሰ፣ ኣብ ዓድታት፡ ቀበሌ፡ ከተማ፡ ወረዳታት፡ ኣዉራጃታት እምነ መሰረት ዘለዎ ናይ ደገ ምንግስቲ መስሪትና ነዚ ሕጋዊ ምኳን ፈንፊኑ ዓመጽ ዝመረጸ ዘራፊ ስርዓት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ንምእላይ ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ዝብል መርሆ እንቀላሰሉ መድረኽ ሰዓቱ ሕጂ ኢዩ።

ኲላንትና ከም እንፈልጦ ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ብሰንኪ እቲ ሕጋዊ ምዃን ፈንፊኑ፡ ዓመጽ ዝመረጸ፡ ባዕደሽበራዊ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ህግደፋ፡ ሃገርና ኤርትራ፡ ናብ ሓንቲ ብመላእ ሕብረትሰብ ዓለም፡ እተፈንፈነት ደሴት ተቀይራ ትርኸብ። እዚ ማለት ከኣ፡ ብሰንኪ ዕንደራ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ህግደፍ ፡ ሓርነት ህዝብናን ልዕላዉነት ሃገርናን ኣብ ሓደጋ ወዲቆም ይርከቡ። ሰለ’ዚ ኲሉ ዝኸኣል ኣገባብ ቃልሲ ተጠቂምና ምዉዳቅ ባርባርዉን ምልኻዉን ስርዓት ህግደፋ፡ እቲ ቀዲን መድረኻዉን ዕማም ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት ክከዉን ኣለዎ።

ኩልና ከምእንፈልጦ ወዲሰብ ብተፈጥርኡ ፖለቲካዊ ፍጥረት ኢዩ። ፖለቲካዊ ፍትሒ ከኣ ብዘይዉክና ክረጋገጽ ስለዘይክእል ነዚ ንምርግጋጽ ኣብ ሕብረተሰባዊ መቆሚያታት ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰረተ ቃልሲ ንከነካይድ ናይ ግድን ኢዩ። ስለዚ ዕዉት ቃልሲ ነካይድ ኣሎና ክንብል እንተኮይና መሰል ዉልቀሰብ፡ ስድራቤት፡ ማይቤት፡ ዓዲ ፡ቀበሌ፡ ከተማ፡ ወረዳ፡ ኣዉራጃ፡ ብዘዉሕስ ሕጊ ተመሪሕና ክንቃለስ ኣሎና በሃላይ ኢየ።

ሓቂ እዩ ስቪካዉያን ማሕበራት ይኩና ዉደባት ከምኡዉን ፓርቲታት ኣለዋና ብዝመንስለንን ብዝጥዕመንን ንኽዉደባን ንክቃለሳን ምሉእ መሰል ኣለወን። ይኩን እምበር ኣብ ዘሎናሉ ምደረኽ ግን ህላዉነት ከረጋግጸሉ ዘክለና ኣገባብ ቃልሲ ህዝባዉነቱ ዘረጋገጸ፡ ኣብ ኣዉራጃዊ ምሕደራ ዝተሰረተብ ዘይምኩል ፈደረላዊ ምሕደራ ዝተሰረተ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት መስሪትካ ምቅላስ መወዳድርቲ ዘይብሉ እንኮ ምርጫና ከከዉን ኣለዎ በሃላይ ኢየ።

እቶም ሕጊ ኣልቦ ስርዓት ባዕደ-ሽበራዊ ህግደፍ ብኩልንታዊ ቃልሲ ክእለ ከም ዘለዎ ዝርዓምና ደቂ ሃገር ነቲ ብ1993 ንረፈረድንዶም ንምንክያድ ዘተዝተዳለወ ናይ መረጻ መዝገብ ብምጥቃም ደቂ ዓዲ፡ ደቂ ቀበሌ፡ ደቂ ከተማ፡ ደቂ ወረዳ፡ ተወዲቦም ብቀጥታ ዝዉክልዎም ይምረጹ። ወለልቲ ወረዳታትን ከትማታትን ናይ ወረዳታቶምን ከተማታቶምን ውክልና ስለ ዘለዎም ንኣዉራጅኦም ዘመሓድሩ ብዝሖም ከምእድላይነቱ ከምእዉን ንኣባይቶን ፈጻሚ ኣካል ሃገር ዝዉክልዎም ሓሙሽተ (5) ሰባት ይመርጹ፤ ካብቶም በቢ ኣዉራጃኦም ተወክሎም ዝመጹ ኣርብዓን ሓሙሽተን (45) ተወከለቲ ነፍሲ ወከፍ ኣዉራጃ ንመሕሪነት ባይቶን ንፈጻሚ ኣካልን ከምእዉን ኣባላ ፈጻሚ ኣካል ዝኮኑ ክልተ (2) ሰባት ይመርጹ። ድህሪ’ዚ ነፍሲ ወከፍ ኣዉራጃ ድማ ንመሪሕነት ባይቶን ንፈጻሚ ኣካልን ሓደ ወዲ ኣዉራጅኦም ካልእ ድማ ዘይወዲ ኣዉራጅኦም ይጥቁሙ። ወኪላት ኣዉራጃታት ብድሕሪዚ ብስቱር መረጻ ምርጫ ድምጺ ይህቡ። ካብዚኦም እቶም ካብ ቀዳማይ ስጋዕ ራብዓይ ዝወጹ በዚ ከምዝብ ስልጣን ይሕዙ። ኢቲ ቀዳማይ ዝወጸ ነቲ ፈጻሚ ኣካል ይመርሕ፥ ኢቲ ካልኣይ ዝወጸ ንባይቶ ይመርሕ ፥ ኢቲ ሳልሳይ ዝወጸ ምከትል ኣቦወንበር ፈጻሚ ኣካል ኮይኑ የገልግል፥ ኢቲ ራብዓይ ዝወጸ ምከትል ኣቦወንበር ባይቶ ኮይኑ የገልግል፥ እቶም ዝተረፉ ከኣ ኣባላት ካቢነታት ኮይኖም ብባይቶ ምስጸደቀሎም የገልግሉ።

ኣብ ምላእ ዓለም ፋሕ ብትን ኢልና ከለናስ ብከመይ ገርና ኢና ወከልቲ ፡ ዓዲ ፡ ወረዳ ፡ ቀበሌ ፡ ከተማ ፡ ኣዉራጃን ሃገርን ኣብ ስደት ክንመርጽ ኢልኩም ከም ክትጭነቁ ይርድኒ እዩ። እንተኮነ ግን ሳላ ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ፥ ኢንተርነት ፥ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዓለምና ኣብ ከብዲ ኢድና ወይ ድማ ተለፎና ዓቲርናያ ኣብእነደሉ ክፍለዘመን ከምዘሎና ከዘካክርኩም ይደሊ። ማእከልነት ንምትሓዙ ድማ መመዝገቢ ዝከዉን መርበብ ሓበሬታ (website) ክህልወና ኣለዎ።

ኣብዚ ከነጽሮ ግን ሓደ ጉዳይ ኣሎ ማለት እዚ ኣብዚ እዋን ተላዒሉ ብስም ብርገድ ንሓመዱ ዝፍለጥ ናይ መንእሰያት ሰማያዊ ማዕበል ዋሕስ ደሞክራሳዊት ኤርትራ ንምኳን መታን ክበቅዕ በቲ ዝመጸናለን ዓዲታት፡ ቀበሌታት፡ ከተማታት፡ ወረዳታት፡ ኣዉራጃታት ዘኮነስ በተን እንነብረን ዘለና ከተማታት፥ ወረዳታት ሃገራትን ተጠርኒፍዎ ዘሎ መቆምያታት ክቅጽል ኣለዎ ብሃላይ ኢየ።

ብተወሳኪ ኢቲ እነቁሞ ዘሎና ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት፡ ኣብ ዘይምኩል ፈደረላዊ ምሕደራ፡ ዝተሰረተ መንግስቲ ንዉልቀ መላኽነት ስርዓት ህግደፍ ደምሲሱ ደሞክራሳዊት ኤርትራ ንምህናጽ መታን ክበቅዕ ካብ ሕጂ ንብዙሕነት ከም እመነ መሰረቱ ክጥቀመሉ ኣልዎ። ንሕግን ሕጋዊነትን እዉን ከም ቀንዲ መለዪኡ ክጥቀመሉ ይግባእ።

ነዚ ኣብዚ ኣስፊረዮ ዘለኩ ዉጥን ኣብ ዝሓጸረ ንምብትግባሩ ከኣ ኣብዚ እዋን ብዘይወዓል ሕደር ሃገራዊ ዋዕላ ከነካይድይግባእ ኣብዚ ሃገራዊ ዋዕላ ከኣ እዞም ዝስዕቡንድፍታት፤ ማለት 1) ፖሎቲካዊ ቻርተር ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት, 2) መሪሕ ሓሳብ (road map) ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት, 3) መምሓደሪ ሕጊ ባይቶ ግዝያዊ ባይቶ ኤርትራ ኣብ ስደት 4) መምሓደሪ ሕጊ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት። ብናይ ሕጊ ኪኢላታትን ዓበቲ ዓዲን ተደፎም ናብ ተካፈልቲ ዋዕላ ከምዝቀርቡ ክስርሓሉ ኣለዎ። ድሕሪ’ዚ ካብ ተካፈልቲ ዋዕላ ሓንቲ ኣዳላዊት ጉባኤ ክትምረጽ ኣለዋ። ኣዳላዊት ጉባኤ ምስ ተመርጸት ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ (3)ኣዋርሕ ጉባኤ ከተልዳሉ ይግባእ በሓላይ ኢየ።

ኣብ መወዳእታ ኢቲ ብከምዚ ኣብዙይ ተጠቂሱ ዘሎ ዝቀዉም ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት ነዞም ዝስዕቡ ዕማማት ብዕትበትን ብሕብረትን ክሰርሓሎም ይግባእ በሓላይ ኢየ።

ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ፣

ንስርዓት ዉልቀ-መላኺ ህግደፍ ካብ ዝባን ህዝብና ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንምእላዮ መታን ክንበቅዕ እቲ ጸጥታውን ወተሃደራውን ክንፊ ህዝባዊ ቃልስና፡ ብግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት ተማእኪሉ፡ ክመሓደር: ግዝያዊ ባይቶ ኤርትራ ኣብ ስደት ሓላፍነት ከሰክሞ ይግባእ።

ኣብ ፖሎቲካዊ መዳይ፣

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኲሉ ብምስራዕ ንምዕዋቱ ካብ ሕጂ ንብዙሕነት ከም ዕላማና፣ ከም መለለይና፣ ከም መሳርሒና፣ ኣንዳተጠቐምና ክንቃለስን ንህዝብና ከነቃልስን ከናላዓዕልን ይግባእ።

ኣብ መላእ ዓለም ቆይመን ጨንፈራት ብርገድ ንሓመዱ ቅድታት ብምዉጻእ ኩሉ ዓቅምታተን ኣብ ምፍሻል ዉጥናት ባርባራዊ ስርዓት ህግደፍን፡ ናይ ገበን መሻርክቱ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ንምብዳህ ብዘክእለና ዉደባ ክንዉድበን ይግባእ።

ብባርባራዊ ስርዓት ህግደፍን፡ ናይ ገበን መሻርክቱ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ ኣብ ልዕሌናን ልዕሊ ህብናን ዝፍጸሙ ዘለዉ ገበናት ንሕብረተ-ሰብ ዓለም ብግቡእ ከነፍልጦም ዘኽእለና ኣገባብ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቓ ትካላት ከነቕዉም ይግባእ።

ኣብ ማሕበረሰብኣዊ መዳይ፣

ኣብ’ዚ ዘልናዮ መድረኽ ይኩን ድሕሪ ባዕደ-ሽበራዊ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ህግደፋ፡ ኣብ ሞንጐ ሕብረተስብና ዝፍጠሩ ዘይምርድዳኣት፡ ብሰላምዊን ብደሞክራሳዊን ኣገባብ ክፈትሖ መታን ክንበቅዕ ኣብ ኩሎም ናይ ሕብረሰብና ያታን ልምድን ኣፍልጦ ዘለዎም ሰባት ዝሓቆፈት ናይ ዕርቅን ሕድገታትን ምጽዉዋርን ሽማግለ ክነቁዉም ይግባእ።

ኣብ ዲፕሎማሳዊ መዳይ፣

ዝኾነ ይኩን ብሃገር፣ ሕብረ-ሃገራት፣ ዓለም-ለኻዉያን ደረጃ ዝግበር ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ብመገዲ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት ክኸውን ኣለዎ።

ኣብ ፋይናንሳዊ መዳይ፣

ምጣኔ ሃብታዊ ዓቅምታት ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት ንምሕያሉ ንኣብ መላእ ዓለም ተሰዲዱ ዘሎ ህዝብና ኣብ ጎድኒ ሓርነታዊ ቃልስና ከምዝስለፍ ብምልዕዓል ሓገዛቱ ከምዝዓቢ ንምግባር ግሉጹነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ኤኮኖማዊ ትካል ክህልወና ይግባእ።

ልዕላውነት ሃገርናን፡ ነጻነትን ሓርነት ህዝብን ኣብ ዋጋዕዳጋ ብዘየአቱ ኣገባብ፡ ካብ መግንስትዉያን ዘይመንግንስታዉን ትካላት ሕብረተሰብ ዓለም ሓገዝ ንክንረኽብ ግዝያዊ ባይቶን መንግስቲን ኤርትራ ኣብ ስደት ብዕትበት ክሰርሕ ይግብኦ።

ናይ ግብረ-ሰናይ ትካላት ብምቛምን ነቲ ኣብ መዓስኸራት ስደትኛታት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝነብር ዘሎ ህዝብና ካብ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ናይ ሞራልውን ንዋታውን ሓገዛት ንምርካብ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት ክነጥፍ ይግባእ።

ኣብዚ ኣቅሪበዮ ዘለኩ ሓሳባት ነቀፌታ ይኩን ደገፌታ፤ ኮታ ዝኮነ ይኩን ሓሳብ ከተካፍሉ እትደልዩ ሰባት በዚ ዝስዕብ ናይ ኢመይል ኣድራሻይ: Negassi9@gmail.com ክትረክቡኒ ትክሉ ኢኩም ኢዚ ዎደሓንኩም።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራን ተቃለስቱን፣

ዉድቀት ነቲ ሕጋዊ ምኳን ፈንፊኑ ዓመጽ ዝመረጸ ባዕደ-ሽበራዊ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ህግደፍ፣

እግዝኣቢሔር ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ።

ሓዉኩም ዶር ነጋሲ ሓድጉ፡ ካብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ




See also more articles by
ካልኦት ብ' ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: