ኣገባቡን እዋኑን ዝስሓተ፡ ምንዳፍ ዓንዲ-ሕጊ ሃገር (ቅዋም) 1994-7፡

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

30/11/2020 23:26 PM

1.4 ኣገባቡን እዋኑን ዝስሓተ፡ ምንዳፍ ዓንዲ-ሕጊ ሃገር (ቅዋም) 1994-7፡

ብ`ዶ/ር ክብርኣብ ይሥሓቕ (ለንደን) - 10 ጥቅምቲ 2020

ኣገባቡን እዋኑን ዝስሓተ፡ ምንዳፍ ዓንዲ-ሕጊ ሃገር (ቅዋም) 1994-7፡

1.4 ኣገባቡን እዋኑን ዝስሓተ፡ ምንዳፍ ዓንዲ-ሕጊ ሃገር (ቅዋም) 1994-7፡
ብ'ዶ/ር ክብርኣብ ይሥሓቕ (ለንደን) - 10 ጥቅምቲ 2020

እቲ ቀጺሉ፡ ካብቶም ኣብ ድሕሪ ናጽነት ዝተፈጸሙ ዓበይቲ ጌጋታት ሓደን መሰረታውን፡ ሃገራዊ ዓንዲ-ሕጊ (ቅዋም) ንምንዳፍ፡ ዝተወስደ ኣገባብ እዩ። ብመጀመርያ፡ ትሕዝቶ ናይ ዝተጻሕፈ ዓንዲ-ሕጊን (ወይ ቅዋምን)፡ እቲ ዝንደፍ (ወይ ዝጸሓፍ) ዓንዲ-ሕጊ (ቅዋም)፡ ሕዝባዊ ዋንነት ንኽህልዎ፡ ዝግበር ኣገባብን፡ ክልተ ዝተፈላለየ ነገር እዩ። እቲ ኣነ ኣብዚ ጽሑፈይ፡ ብሓጺር ቃል ክገልጾ ዝደለኹ፡ ብዛዕባ መስርሕ ኣገባብ ምንዳፍ'ቲ ቅዋም 1997 (the process of constitution making) ድኣ`ምበር፡ ብዛዕባ ትሕዝቶ፡ እቲ ዝተነድፈ ቕዋም 1997፡ ከምዘይኮነ ኣቀዲመ ክሕብር።

መስርሕ ምንዳፉ ዓንዲ-ሕጊ (ወይ ቅዋም)፡ ከማልኦም ዘለዎም፡ ናይ ትሕዝቶን ኣገባብን፡ ኣገደስቲ ቅድመኹነታት ኣለዉ። ገለ ካብቲ ንትሕዝቶ ዝምልከት፡ እዞም ዝስዕቡ ክጥቀሱ ይኽእሉ፦ 1) ቅዋም፡ ትካላት ሃገር ከም ዝቖሙ ይገብር (the creation of the institutions of the State)፤ 2) ነዞም ብቕዋም ዝተፈጥሩ ትካላት ሃገር፡ ኣብ ሞንጎኦምን ኣብ ውሽጦምን፡ ክህሉ ዝግባእ ዝምድናታትን ርኽክባትን ይድንግግ፤ 3) ኣብ መንጎ ትካላት ሃገርን (መራሕትን)፡ ዜጋታትን (ተመራሕትን)፡ ክህሉ ዘለዎ ዝምድናታትን መሰረታውያን መሰላትን ይድንግግ። ስለዚ፡ ወላ ሓደ መሳጋገሪ መንግስቲ፡ ብኣዋጅ ንመስርሕ ምንዳፉ ይጀምር፡ ቅዋም`ዩ ነቲ መንግስቲ ዘቕውም እምበር፡ ድሕሪ`ቲ መንግስቲ ዝመጽእ ኣይኮነን። መትከላት ቅዋም ከምዚ ካብ ኮነ እምበኣር፡ እቲ ሓፈሻዊ ዕላማኡ፡ ደረት ሥልጣን መንግስቲ ንምድንጋግ (to limit the powers of government)፡ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ። ብተወሳኪ፡ ከም ናይ ሃገርና ዝበለ ኩነታት ዘለወን፡ ማለት ካብ ዓዘቕቲ ኩናት ዝወጻን፡ ሓዲሽ ቅዋም ዝነድፋን ሃገራት፡ እዚ ዝስዕብ ኣገባባት ከማልኣ፡ ኣገዳሲ ምዃኑ ይግለጽ እዩ። ማለት፥ 1ይ) ኣብ ሃገር፡ እቲ ዋና በዓል ስልጣን፡ ሕዝቢ ስለዝኾነ፡ እቲ ምንዳፍ ዓንዲ-ሕጊ ሃገር (ቅዋም)፡ ብወከልቲ ሕዝብን፡ ብሃገር ደረጃን ክቐውም፤ 2ይ) ጠለባት ሰላምን ዲሞክራስን ንምምላእ፡ ሰፊሕ ሕዝባዊ ፖሊቲካዊ ኣሳታፍነት (broader political participation) ክገብር፤ 3ይ) እቲ መድረኽ ምስግጋር፡ ናይ ዜጋታት ማዕርነትን ዕርቅን (transipation that promotes equality and reconciliation) ዘቐደመን ዘማልአን ኪኸውን፤ 4ይ) ሚዛናዊ ናይ ግዜ ገደብ (interim arrangement) ክህልዎ፡ ዝብሉ መሰረታውያን ኣቕዋማት ከማልእ፡ ከም ኣገዳስቲ ነገራት ይግለጹ። ነዚ ናይ ሃገርና ጭቡጥ ኣብነት፡ ከቕርበሉ ክፍትን እየ። ግን፡ ከምዚ ኣቀዲመ ዝጠቐስክዎ፡ እዚ ጽሑፈይ፡ ብዛዕባ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ሃገረ ኤርትራ ድኣ`ምበር፡ ብዛዕባ ትሕዝቶኡ ኣይኮነን።

ስለምንታይ ንምንዳፍ ቅዋም፡ ብትሕዝቶን ብኣገባብን ወይ መስርሕን፡ ፈላልየ ክርእዮ ደልየ፡ ናይ ስነ-ሕጊ ምሁራን፡ ብዛዕባኡ እንታይ ይብሉ፡ ኣሕጺረ ክገልጽ። ብተረድኦይ፡ ኣብ ትሕዝቶ እቲ ቅዋም እንተ መጺና፡ ብዙሕ ዘባእስ ኣይመስለንን። እዚ ማለት ግን፡ እቲ ናይ 1997 ቅዋም፡ ጌጋ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ኣይኮነን ሎሚ ድሕሪ 22 ዓመታት፡ ሽዑ ወይ ኣብ ዓመቱ ድሕሪ`ቲ ዶባዊ ኩናትን ሳዕቤኑን`ውን ይኹን፡ እቲ ቅዋም ብዙሕ ዝእረምን ዝመሓየሽን ክህልዎ ይኽእል እዩ። እቲ ምኽንያት፡ ቅዋም ምስ ግዜን ኩነታትን፡ ናይቲ ሕብረተሰብን ፖሊቲካዊ ሕይወቱን፡ እናማዕብለ ዝኸይድ፡ ከም ሓደ ሕያው ኣካለ-ነፍስ (living organism) ስለዝኾነ። ብዛዕባ ኣገባብ ናይ ምንዳፍ ዓንዲ-ሕጊ (ቅዋም) ምስ እንዛረብ ግን፡ ብቐንዱ ብዛዕባ ዋንነት (ownership)፡ ናይቲ ዝንደፍ ቅዋም፣ ወይ`ውን ብዛዕባ ልዑላውነት (sovereignty) ናይቲ ሕዝቢ ብቐንዱ፡ እዩ ዘመልክት። እዚኸ ናበይ ይወስደና እንተ ኢልና፡ ናብ ተሳተፍትን ዝህልዎም ናጽነትን፡ ናይቲ መስርሕ ኣመራርጻን ተሓታትነቶምን፡ ወዘተ፡ ንክንፍትሽ ይግድደና ወይ ይመርሓና። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ሀ) ዋንነት እቲ ቅዋም፡ ብተሳታፍነት ናይቲ መላእ ዜጋ ይረጋገጽ። ለ) ተሳትፎ ማለት`ውን፡ ብዛዕባ ተሳተፍቲ፡ ብዛዕባ ናይቲ ቕዋም ንኽነድፍ ሓላፍነት ዝስከምን (ኮሚሺን) ኣመጻጽኡን ወይ ኣቃውማኡን፡ ኣገባብ ኣመራርጻን ተወከልትን፡ ናጻ ምዃኑን ዘይምዃኑን፡ ብሃገር ደረጃ ምዃኑን ዘይምዃኑን ይሕብረና። ሐ) ንጉዳይ ተሳትፎ ወይ ተሳተፍቲ ምስ እንትንክፍ ድማ፡ ኩነታት ናጽነት (freedom)፡ ውሕስና ሕይወት እቶም ሰባት (security)፡ ጉዳይ ዲሞክራሲ (democracy)፡ ናጻ ሓበሬታ ናይ ምትሕልላፍ (free press): ወዘተ፡ ናይ ተሳተፍቲ ከነልዕልን ክንፍትሽን፡ በቲ መሰረታውን ዝተሓተን መለክዒ`ውን ይኹን፡ ክንልክዕ ናይ ግድን ይኸውን። ስለዚ እዩ፡ ሓደ ቅዋም፡ ኣብቲ መቅድሙ (preamble)፡ ``ንሕና ሕዝቢ፡ ...`` (We the people, ...) ቢሉ ዝጅምር። እሞ እቲ ሓፈሻዊ መስርሕ ወይ ኣገባብ ምስ ዕላማ፡ ናይ ምንዳፍ ቅዋም፡ ብሓጺሩ ከምዚ ካብኮነ፡ እስከበሉ ብዛዕባ መስርሕ ኣነዳድፋ ቅዋም 1994-97 ሃገረ ኤርትራ፡ ከመይ ከምዝመስል ቅሩብ ገለ ውሑድ ንርአ።

እቲ ኣብ 1994-97 ዝተነድፈ ዓንዲ-ሕጊ (ቅዋም)፡ ምስ እንዕዘብ፡ ወይ ብገርሂ ወይ ብጉርሒ (ብመገዲ በለጽን ናይ ሰዓሪ መንፈስን፡ ወይ ኣብቲ ሃገር፡ ናይ ምዝራብ ናጽነት ስለዘይነበረን`ውን ይኸውን፡ ወይ ምናልባት ሓጎስን ጓይላን ናጽነትና፡ ከምኡ ብእምነት `ንመንግስቲ ደቅና ድኣ፡ እንታይ ቅዋም ኣድልይዎ፡ ዘይብለ`ውን መኣስ ክሰኣን ኮይኑ፤ ታሪኽ ሰውራን ገበናት መሪሕነት ህግን፡ ባህሪ ፖሊቲካን ነባርነት ወይ ቀጻልነት ናይ ቅዋምን፡ መን ምስተዛረበሉን ምስነገሮን! ... እዝይን ካልእን ምኽንያታት ነይሩ ይኸውን)፡ ብዝኾነ ከምቲ ዝግባእን፡ ነቲ መሪር ቃልስን ከቢድ መስዋዕትን ዝኸፈለ፡ ክቡር ኤርትራዊ ሕዝቢ፡ ዝግባእን ዝበቕዕን ኣገባብ ምንዳፍ ቅዋም ፈጺሙ ኣይነበረን። ብፍላይ ግን፡ እቲ ኣገባብ መስርሑ (ኣገባቡን ከይዱን)፡ ዝተዋህቦ ዘይግባእ ንውሓት ግዜን፡ ንሕጋውነቱ ዘጉድልን፡ ንሓደጋ ዘቓልዐን ኣከያይዳ እዩ ነይሩ፡ ክብል እደፍር። ንኣብነት፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ መትከላት ስነ-ሕጊ ከም ዘረጋግጾ፡ ብቑዕ ቅዋም (qualified constitution)፡ ሓደ ንነውሕ ግዜ ዝጠመተን፡ ንኹሉ ዜጋ ዘሳተፈን፡ መሰረታዊ መሰላት፡ ናይ ዜጋታት ዝድንግግን፡ መሰረታዊ ሃገራዊ ሕጋዊ ሰነድ ምዃኑ ይግለጽ። ከምዚ ስለዝኾነ ከኣ፡ 1ይ) ብሓደ ጉጅለ ወይ ክፍሊ ሕ/ሰብ ጥራሕ ዝንደፍ ኣይኮነን፤ 2ይ) ከም ናይ ሓደ ሕዝቢ ልዑላውነት መግለጺ መሰረት፡ ኩሉ ዜጋ (ብወከልቱ ወይ ብቀጥታ)፡ ብናጽነትን ሰላምን ዲሞክራስን፡ ኣብ ምንዳፍ ሃገራዊ ቅዋም`ቲ ሃገር፡ ክሳተፍን ዋንነት ክህልዎን፡ መሰልን ግዴታን ኣለዎ። 3ይ)፡ ንመንግስቲ ዘቕውምን፡ ስልጣኑ ዝድርትን (ወይ ዘማቓርሕን) እምበር፡ መንግስቲ ቅድሚ ቅዋም ዝህልወሉ፡ እሞ ከኣ ደረት ብዘይብሉ ሥልጣን፡ ክኸውን ኣይግባእን። ኣብ ኤርትራ ግን፡ እዘን ሰለስተ መሰረታውያን መትከላትን መሰላትን ዳርጋ ኣይነበራን ክብሃል ይከኣል። ብመጀመርያ፡ እቲ ቅዋም ሃገረ-ኤርትራ፡ ብሓደ ጉጅለ ወይ ውድብ (ወይ`ውን ብሓደ ሰብ) ዝውነንን ዝንደፍን ዝተዋደደን እዩ፤ ንፍሉይ ፖሊቲካዊ ኣረኣእያ ዘለዎም፡ ሓሳባት ፖሊቲካውያን ዜጋታት ኣየሳተፈን። ባዕሉ ዕዋላ ኢሳያስ ኣፈወርቂ`ውን `ዲሞክራሲ ገበን እዩ፤ ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይፍቀድን እዩ` ኢሉ እዩ። ድሕሪ`ዚ፡ ሕዝባዊ ተሳትፎ ዘለዎ ቅዋም ምንዳፍ፡ ዘድልየሉ የለን። ካልኣይ፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ምጽሓፍን (free press) ናጽነት ኣይነበረን፤ ምእሳር ምጭዋይ ምቕንጻል`ውን ኣየቛረጸን። ሳልሳይ፡ ሥልጣን መንግስቲ፡ ክሳብ ናይ ሃገር ቅዋም ዝጸድቕ፡ ብግዝያዊ መንግስትን፡ ንናይ መሪሕነት ፖሊቲካዊ ሥልጣንን፡ ብዝተሓተ ደረጃን ድሩትን (ንኣብነት፡ ኣብ ክንዲ ፕረሲደንት፡ ብዋና ጽሓፊ፡ ብግዝያዊ መሪሕነት ክሳብ 1995፡ ወዘተ) ኮይኑ፡ ክጸንሕ ዝነበሮ፤ ዕዋላ ኣቶ ኢሳያስ ግን፡ ተቐዳዲሙ፡ ``ምስ ዓለም ምስራሕ ምእንቲ ክጥዕመናስ ይኣዪ፡ ስሩዕ መንግስቲ ይኹን፡ ኣነ ከኣ እታ ፕረሲደንትነት ሒዘያ ኣለኹ`` ስለዝበለ፡ ቅድሚ ቅዋም፡ ባዕሉ ቖመን ቕዋም ኮነን፡ ንብለኩም። ነገር ኩሉ ተወዲኡ (ድሕሪ ሞት፡ ጥዕና ቕበጽ` እዩ)። ነዚ ኣካይዳ`ዚ ንታሪኽን ባህርን ኢሳያስን፡ ንታሪኽ መሪሕነት ህግን ዘይፈልጥ፡ ስነ-ፖሊቲካን ባህርታቱን ተመኩሮ ዓለምን፡ ንዘየገናዝብ፡ ምናልባት ደኾን ከጋጊ ምኸኣለ`ምበር፡ ንኻልኦትስ ኣይመስለንን።

ብኣከያይዳን ተግባርን ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ህግ ናቱ፡ ናጽነት ኤርትራ፡ ናይባዕሉ ናጽነት፡ ከም ድሌቱ ከኣ፡ ኤርትራ ናብ ዓባይ ኢትዮጵያ ዝሰጋገረላ መገዲ ወይ መድረኽ ጥራሕ`ያ። እቲ መሰረታዊ ጌጋ ዝብሎ፡ እቲ ኣብ ጽባሕ ረፈረንደም ሃገርና፡ ብ19 ግንቦት 1993፡ ዝተኣወጀ ግዝያዊ ወይ መሰጋገሪ መንግስቲ እናተባህለ፡ ምሻም ፕረሲደንት (ርእሰ-ብሔር) ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዩ። ኣብዚ ዕለት`ዚ፡ ሥልጣን ፕረሲደንትምነት፡ ሥልጣን ናይ ሃገር፡ ብዘይ ኣገባብን ሕግን፡ ተዓደለን ተወስደን፤ በዚ መሰረት`ዚ እቲ መስርሕ ምንዳፍ ቕዋም፡ ካብ ፈለማኡ ውልቀምልኪ (dictatorship) ዝሓነጸ ኣካይዳ ነበረ። ምኽንያቱ፡ እቶም ንሥልጣን ፕረሲደንትነት ዝሃቡ (75 + 75)፡ ኩሎም ካብቲ ሓደሰብ ዝውንኖ ውድብ ህግ፡ እቶም ነቲ ሥልጣን`ቲ ዝሃቡ ከኣ፡ ዲሞክራስያዊ ሃገራዊ ሕጊ (ወይ`ውን ሃገራዊ ባህሪ ውክልና እንዳባ) ዘየፍቅደሎም እዮም ዝነበሩ። ድሕሪዚ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ቅድሚ ቅዋም፡ ነተን ኣለዋ ዝበሃላ፡ ናይ ሃገር ሥልጣን (እንተዘይበዚሐን 7ተ ዝኾና)፡ በብሓደ ኣብ ጅባኡ ኣእተወን፤ ራእይ ሙሴ ተፈጸመ - ማለት፡ ከምታ ስዉእ ሙሴ ተስፋሚካኤል፡ ብራእይ ኣብ 1973 ዝበላ፡ ንኹሉ ሥልጣን`ታ ሃገር፡ ከም መንዲሉ፡ ኣብ ጅባኡ ኣእተወን። ቅድሚ ቅዋም፡ ደረት ዘይብሉ ሥልጣን ኢሳያስ (unaccountable, uncheked & unlimited power) ተረጋገጸ። ድሕሪ`ዚ ድኣ እንታይ ተሪፍዎ፡ ከምድላዩ፡ ናይ ሳዋ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣወጀ፤ ፍሉይ ቤት-ፍርዲ ኣቖመ፤ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት (የመን፡ ኢትዮጵያ) ኩናት ኣወጀ፤ ክሳብ ሃገራዊ ባንዴራ ምቕያር ከደ። ብዛዕባ ኣመራርጻን ሥልጣንን ፕረሲደንት፣ ብዛዕባ ሃገራዊ ሰንደቕ ዕላማ (ባንዴራ) ዝምልከት፡ ኣብ ኣርባዕተ ነጥቢ ኣጠቓሊሎም፡ ኣባ ተወልደ ጸጋይ፡ ብ3ተ ሰነ 1993፡ ናብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ሰፊሕ ሕቶታት ምስ መግለጺኡ፡ ኣቕሪቦም ነበሩ። ሚ/ር ጴጥሮስ ሰሎሞን`ውን፡ ኣብ 2001: `ኢሳያስ፡ ባይቶ ዘይፈልጦ፡ ዘይሕጋዊ ውዕል፡ ይፍጽም ኣሎ` ቢሉ ነበረ። እቲ ዘይሕጋውን ምስጢራውን ዶባዊ ኩናት ግንቦት 1998 ምስ ኢትዮጵያ`ውን፡ ውጽኢት ናይዚ ደረት-ኣልቦ ሥልጣን ምውናን ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዩ።

ካልኣይ፡ እቲ መስርሕ ምንዳፍ ሃገራዊ ቅዋም ወይ ኣቃውማ ኮሚሽን፡ ብሓደ ውድብ፡ ምናልባት`ውን፡ ብሓደ ወልቀ ሰብ፡ ጥራሕ ዝተዋህበ ብምዃኑ (ከምቲ ባዕሎም ዶ/ር በረኸት፡ ገለ ዓመታት ይገብር፡ `ኢሳያስ ቃል ኣትዩለይ ነይሩ` ዝበልዎ)፡ ድሮ ካብ ኣፈጣጥራኡ፡ ኣገባቡ ኣየጸበቐን። ንኣብነት፡ ወላ`ኳ ሓደሓደ ግዜ፡ ንኣባል ኮሚሽን ቅዋም፡ ንዘምሕረት ዮሓንስን መሰልቱን፡ ከም ተሳተፍቲ ኣባላት ተሓኤ ኣምሲሎም ይገልጽዎም እንተነበሩ፡ እቲ ኮሚሽን ግን፡ ካብ ዶ/ር በረኸት ሃብተስላሴ ጀሚርካ፡ ኩሎም ኣባላትን ተደናገጽትን ህግ እዮም ነይሮም። ምንዳፍ ሃገራዊ ቅዋምን ተሳትፎን፡ መሰል ኩሉ ዜጋ ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ወላ`ኳ ከምቲ ዝሓተትኦ፡ ሕጋውያን ኮይነን ንሃገር ኣይእተዋን፡ ሕጋዊ ወረቕት ኣይወሃበን`ምበር፡ ብዛዕባ ንድፈ-ቕዋም ዘለወን ኣረኣእያን ተመክሮን፡ ብወረቐተን ክቕርባ፡ ክወሃበን ዝነበረ፡ ዘይሕከኽ ኤርትራዊ መሰለን እዩ፤ ነቲ ቕዋም`ውን ብዝያዳ ሃብታምን ሃገራውን፡ ማለት ዋንነት ሕዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ሃገራውን ምገበሮ ነይሩ። `ናይ ውድባት ህልውና (ሓሽውየ ተባሂሉ ተፈሪዱ)፡ ተኸልኪሉ ክነሱ፡ ከመይ ድኣ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ክሳብ ቅዋም ዝጸድቕ፡ ዋና ጽሓፊ ወድብ ህግ፡ ወይ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንሓደን ፈረቓን ወይ ኽልተ ዓመት፡ ጥራሕ ኮይኑ ክንዲ ዝጸንሕ፡ ቅድሚ ቕዋም ምጽዳቑ፡ ፕረሲደንትነት ዝወስድ? ኣብ መስከረም 1996፡ ኣነ ኣብ ኣስመራ ዝነበርክሉ ግዜ፡ እዚ ጉዳይ ምሻም ፕረሲደንትነት`ዚ፡ ምስቲ ዝነበረ ናይ ምቕንጻል ፍርሒ፡ ሓደ ኣዝዩ ኣከራኻሪ ምንባሩ፡ ባዕለይ ብጭቡጥ እፈልጥ። ካልእ፡ ንዜጋታት ዝተቓልሱ፡ ንኸይሳተፉ እናኸላእካ፡ ኣብ ሓደ-ሓደ ስምፐዝዩም፡ `ናይ መሓዙትና ሃገራት ዜጋታት ካናዳ፡ ግብጺ፡ ወዘተ፡ ኪኢላታት ሕጊ፡ ኣብ መስርሕ ምንዳፍ ቕዋምና ተሳቲፈን` እናተባህለ`ውን ይጸሓፍ ነይሩ እዩ። ሳልሳይ፡ ናጽነት ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን (free press) ኣብዘብሉ መድረኽ፣ ንናጻ ሃገራዊ ክትዕ፡ ዳርጋ `ናዕቢ` ወይ `ኣባል 5ይ መስርዕ` እናተባህለ ዝግለጸሉ ዝነበረ መድረኽ፡ ብጉልባብ `ብልሽውና` ቆይሙ፡ ኢሳያስ ንዕላምኡ ዝጥቀመሉ ዝነበረ፡ ፍሉይ ቤት-ፍርድን ካልእን፡ ኣብ ዝገነነሉ ህሞት፣ ናጻን ዲሞክራስያውን ክትዕ (ብፍላይ ኢሳያስን መገልገልቱን ዘይፈትዎ ሓሳብ) ምግባርከ፡ ናይ ተሳተፍቲ ሕይወት ዘውሕስ ነይሩ ክበሃል ይከኣል ድዩ? ምናልባት፡ እቲ ቅዋም፡ ይተግበር ኣይተግበር፡ ካልእ ጉዳይን ካልእ ሕቶን ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ቅድሚ ቅዋም ደረት ዘይብሉ ሥልጣን ዝጨበጠ፡ ብኸመይ ኢዩ፡ ናብ ድሩት ሥልጣንን ቅዋማዊ ቀይድን ክወርድ? እዚ ኣብ ተመኩሮ ህግ/ህግደፍ፡ ቅድሚ`ዚ ኣይተኻእለን፡ ኣብ 2001`ውን ኣይተኻእለን። ንሓደ ፖሊቲካዊ ጉዳይ ወይ ስራሕ፡ እቲ ብዝያደ ውሕስነት ዝህቦ፡ እምነት ዘይኮነስ፡ ናይ ሕዝባዊ መስርሕን ሕጋውነት (legitimacy) ምምላእ እመስለኒ።

ብርግጽ፡ ኣብዚ ናይቲ ዘሎና ሃገር ክውንነት፡ ማለት ንማሕበረ-ቁጠባዊ፡ ኣፍሪቃዊ ዓቅምን ኣረዳድኣን ዲሞክራሲ፡ ከምኡ እቲ ኣድላይነት ናይ ህልውና ዲሲፕሊን፡ ኣብ ግምት ብምእታው እየ ዝሓትት ዘለኹ፤ ስለዚ፡ መጀመርያ፡ ስለምንታይ እዩ፡ ኣብቲ መስርሕ ወይ ከይዲ፡ ነዚ ሓደገይና ባህርን ታሪኽን ኣመጻጽኣን ኢሳያስ ኣፈወርቅን፡ መሪሕነት ህግን ከየመዛዘነ፡ ንዳግማይ ሃገራዊ ዕንወት፡ ዕድል ዝሃበ? ካልኣይ፡ እቲ መስርሕ፡ ንታሪኽ ሰውራን ገበናቱን፡ ንብዙሕነት ኤርትራን፡ ብሓርነታዊ ሞያዊ ኣገባብ (ብዘይሻርነት፡ non-partisan) ንምጥማት ወይ ኣብ ግምት ንምእታው፡ ድልውነት ዘየርኣየ? ብመሰረቱ፡ እቲ ድሌት`ውን ዝነበረ ኣይመስልን። ካልእ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም፡ `ኣነ ብኢሳያስ ተጸዊዐ፡ ከምዚ ክትገብር ኢኻ ወይ ግበር ተባሂለ` ቢልካ ዘይተማኻንየሉ፡ ሃገራዊ መስርሕ ቅዋም ኪኸውን እዩ ዝነበሮ። ብዝተረፈ፡ ሎሚ ብውልቂ፡ ነቲ ቕዋም ዝጣበቕሉ ምኽንያት፡ ብዙሕ ኣይረኣየንን። `ኢሳያስ ኢሉኒ፡ ቃል ኣትዩለይ` ብማለት ዝተነድፈ ቅዋም፡ ብመስርሕ ዋኒኑን ኣገባቡን መሰረት፡ ከም project ኢሳያስ ክርአ ይከኣል እዩ። ከም project ኢሳያስ መጠን`ውን፡ ቅድሚ ህልውና ሃገራዊ ቅዋም፡ ንምልክን ኣቃውማ ውልቀ-ምልክን፡ ቅቡል ዝገበረ፡ ንገበናት ሰውራ፡ ሕጋውነት ከልብስ ዝመረጸን፡ መስርሕ እዩ። ንትሕዝቶኡ ብዝምልከት ግን፡ ሕዝቢ ኤርትራ ብናጻ ናቱ ክገብሮ`ውን ዘይክኣልን ሕማቕን ኣይኮነን። ካብ ተቓወምቲ ውድባት፡ ብዘይካ ሰዲ (DP) ትበሃል ዝነበረት፡ ካልእ ብዛዕባ እዛ ቕዋም 1997፡ ክግደስ ሰሚዐ ኣይፈልጥን። ዶ/ር በረኸት፡ ከምዝሐለፈ ሕጂ`ውን ንቕዋም 1997፡ ምስ ሓደ ፍሉይ ውድብ ወይ ማሕበር (charity)፡ ኣተኣሳሲሮም ይጣበቕሉ እንድሕሪ ሃልዮም ግን፡ ሕጂ`ውን ንሓላፍነት ሞያዊ ስነምግባርን ታሪኽን ጠቂሰ ክሓልፎ እየ። ኣነ፡ ሓደ ናይ ሕጊ በዓል ሞያ፡ ብፍትሕን መሰል ሰባትን ሕዝብን፡ ብዝያዳ ዝሓምም በዓል ሞያ፡ ከምዝኾነ እየ ዝፈልጥ። እቲ ልዕሊ ቕዋምን ውድብን፡ ዝኸበረን ዝዓበየን ሕዝቢ ኤርትራ እዩ። ስለዚ ብመጀመርያ፡ ሕዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ማፍያዊ ቅርጽን ኣካይዳን ዘለዎ፡ ጉጅለ ኢሳያስ ወይ ህግደፍ፡ መሰረታዊ ለውጢ ክረክብ፡ ዝደለዮ ቕዋሙ ክገብር፡ ዕድል ክረክብ፡ ክንቃለስ ይግባኣና። ሕዝቢ ኤርትራ ንቅዋም 1997 ትርሓሰኒ እንተይሉ፡ ክመርጻ እዩ።

ኣብ ድሕሪ ናጽነት፡ ንኹነታትን ኣካይዳን ሃገርና ዝተዓዘቡን፡ ምኽሪ ካብ ምልጋስ ዘይተቖጠቡን፡ መንፈሳውያን ኣቦታትን ምሁራንን፡ ዘይነበሩ ኣይኮኑን። ገለ ካብዚኣቶም፡ ኣብቲ ግዜ ምጅማር ምንዳፍ ቅዋም፡ ከምዚ ዝብል ስኽፍታ ኣቕሪቦም ነበሩ፡ `ምንዳፍ ቅዋም፡ ቅድመ ምድላዋት ከይተገበረ ይጅመር ኣሎ፤ ቅድሚ ቅዋም ምንዳፍ፡ ሃገራዊ ዕርቂ ክግበር ይግባእ፤ ከመይ ክልተ ኣሕዋት ኣብ ኩናት ሓድሕድ ተቓቲሎም እዮም፡ ሕጂ`ውን ዕርቂ ከይተገብረ፡ ቅዋም ምንዳፍ ማለት፡ ምስ ጸደቐ ኣብታ ጽባሕ ትግበር ምርጫ፡ እታ ኩናት ሓድሕድ፡ ክትድገም እያ``፡ ዝብል ዓቢይ ስምዕታ ዘስምዑን፡ ብስኽፍታ ነቲ ኣካይዳ ዝመዘኑን፡ ደቂ ሃገር ነበሩ። ገለ ካልኦት ነዚ ቅዱስ ሓሳብ ዝተረድኡ ሰማዕቲ`ውን፡ ነቲ ኣገዳሲ ርኢቶኦም፡ ብመገዲ `ኣቦና ኣቶ ወልድኣብ ወ/ማርያም ኣቢሎም፡ ናብቲ ዝምልከቶ መራሒ ከብጽሕዎ፡ ምኽሪ ስለዝለገስሎም፡ ከምኡ ገበሩ። ድሕሪ`ዚ ነቦና ንኣቶ ወልድብ ረኺቦም፡ እቲ ሓሳብ ኣካፈልዎም። ኣቶ ወልደኣብ`ውን ነቲ ሓሳብ ብሓጎስ ተቐበልዎ፡ ከምዚ ቢሎም መለሱ፡ ``ክቡራን እገሌ-እገሌ፡ እትብልዎ ዘሎኻትኩም፡ ኣገዳሲ ሓሳብ እዩ፤ እንተኾነ፡ `ኣቦ ምኽሪ ሃቡና` ዝብሉ ውሉዳት የብልናን፤ ኣይክቅበሉናን ኣይክሰምዑናን እያቶም` ቢሎም፡ ብጓሂ ተሰናበትዎም። ነዚ ከምዚ ዝበለ ሓልዮት ሕዝብን፡ ንዝሓሸን ውሑስን መጻኢ ናይ ሃገር፡ ብሓላፍነት ዝፈተንሉ፡ ወርቃዊ እዋን እምበኣር፡ ተራን ደገፍን ምሁራን ክድረቦ፡ እትጽበዮ ነገር እዩ። ተመራመርቲ ምሁራን ከምዝሕብርዎ፡ `ንሓደ እትገብሮ ስራሕ፡ ብዝግባእ ስነፍልጠት ተረዲእካ፡ ንዕኡ ዝበቕዕ ፍረ ከተፍርየሉን፡ ዕዉት ክኾነልካን ምእንቲ፡ ናይቲ ዝሓዝካዮ መደብን ኩነታትን፡ ታሪኻዊ (ፖሊቲካዊ ማሕበራዊ) ጠመተ ወይ ገጻቱ (historical approach)፡ ከም መሰረታዊ ድሕረ ባይታ ወሲድካ ክትገጥሞ፡ ኣገዳሲ እዩ` ይብሉ። ስለዚ፡ ዓመተ-ናጽነት 1991-93፡ ናጽነትና ዝረኸብናሉ፡ ዓለም-ለኻውን (ግዳማውን) ውሽጣውን ውሕስነት እንገብረሉ፡ ኣገዳሲ መድረኽ እዩ ነይሩ። እዚ ማለት፡ ንግዳማዊ መዳዩ ዝርኢ፡ መስርሕ ረፈረንዶም ተኻይዱ ካብ ተፈጸመ፡ እቲ ንውሽጣዊ ጉዳይና ዝምልከት`ውን ከምኡ እዩ ኪኸውን ዝነበሮ። እዚ ማለት፡ ካብ ዓዘቅቲ ውግእን፡ ወተሃደራዊ ውልቀ-ምልክን፡ ኩናት ሓድሕድን፡ ዝተፈጸመሉ መድረኽ ሰጊርና፡ ከም ዝመጻና መጠን፡ ነቲ ኩሉ ዝሓለፈ ናይ ውግእን ዓመጽን ታሪኽ፡ ብሓዲስ መንፈስን ኣገባብን ክግጠም፡ ዝነበሮ ጉዳይ እዩ፤ ምንዳፍ ቅዋም ከኣ፡ ካብዚ ቀዳማይ መስርሕ ናይ ውሽጣዊ ኩነታቱ ተበጊሱ፡ ክጅምር ዘበሮ መስርሕ እዩ፡ ኪኸውን ዝነበሮ። ብመሰረቱ`ውን፡ እቲ ፍጻሜ ናይ ዓመጽን ገበንን ታሪኽ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቅን መሪሕነቱን፣ እቲ ገበናት ሰውራን፡ ትዝታ ኩናት ሕድሕድን፣ ዝዛሪ ንብዓት ናይቶም ደቆም ከፊሎም፡ ግን `ደቅኹም ኣይንፈልጦምን! ኣይወዓሉን!` ዝተባህሉ ወለዲ ጀጋኑ ስዉኣትን፡ ነቶም ብሳላኦም መሳፍሒ ትኾነና ሃገር ዝረኸብና፡ እንተ እቶም ጀጋኑ ሰማዕታት ንባዕሎም ግን፡ እታ ንዓኦም ዘይትበቅዕ ምስክር ወረቐት መስዋዕቶም`ኳ ዝኸላእናዮም፡ ኩሉ እዚታት ሕያው ዝክር ኮይኑ ኣብ ዝሃለወሉ ግዜ፡ ካብ ዓበይቲ ደቂ-ሃገር (ካብ ገዳይም ተጋደልትን ምሁራንን መራሕቲ ሃይማኖታትን ዓበይትን) እትጽበዮ፡ ሓቀይና (unbiased) ሚዛንን ኣበርክቶን፡ ብዙሕን ዓቢይን ክኸውን፡ ባህላውን ሞራላውን መንነትና ዝድርኾ እዩ።

እቲ ኣብዚ ደጊመ ክጸቕጠሉ ዝደሊ፡ መሰረታዊ ነጥቢ፡ ዋንነት ናይቲ ቕዋም፡ ካብቲ ትሕቶ ናይቲ ቅዋም ከምዝዓቢ ኣይከሓድን። ናይ ዋንነት ጉዳይ ብዓንደርእሱ ናይ ሕጋውነት ጉዳይ ስለዝኾነ። ናይ ሕጊ ምሁር፡ ዶ/ር ተስፋጽዮን መድሃኔ፡ ንመስርሕ ወይ ኣገባብ ቕዋም ናይ 1997 ኣመልኪቶም፡ እቲ መሰረታዊ ዝኾነ ነገር፡ ናይ ሕጋውነት ግድለት ዘለዎ ሰነድ ([...] its making process is fundamentally flawed, and thus lacking in legitmacy' (Medhanie, T., 2008)፡ ቢሎም ግሊጾሞ ኣለዉ። ከምኡ፡ ኣብ ናይ 2002 ኣስተምህሮኦም፡ ዶ/ር ተስፋጼን መድሃኔ፡ ንኣቦ መንበር ኮሚሺን ምንዳፍ ቅዋም፡ ዶ/ር በረኸት ሃብተስላሴ ኣመልኪቶም፡ ከምዚ ይብሉ፡ `እቲ ንቅዋም፡ ብዝያዳ ቅዋም ዘብሎ፡ እቲ መስርሕ ወይ ኣገባብ ምንዳፍ ቅዋም፡ ማለት ኣሳታፍነቱን ዋንነቱን ድኣ`ምበር፡ ኣብ ትሕዝቶኡ ኣይኮነን። ከምታ ንስኻ ዘዳለኻያ ቅዋም፡ ባዕሉ ኢሳያስ ከምኣ ክሕጽፍ ይኽእል እዩ` በሉ፡ ንገለ ናይ ቅዋማዊ-ሕጊ ሊቃውንቲ፡ ናይ ኣልበርግ ዩኒቨርሲቲ ብምጥቃስ። ሳልሳይ ነጥቢ፡ እቲ ናይ ድሕሪ ናጽነት ግዜ፡ እዋን ናይ ምስግጋር መድረኽ እዩ፤ ምንዳፍ ቅዋም`ውን፡ ነዚ ግዜ`ዝን፡ ነቲ ክድረት ዝነበሮ፡ ሥልጣን መንግስቲ፡ ናይቲ ምስግጋር እዋን፡ ክጋጠም ነይርዎ። ከም ኤርትራ ዝበለ ሃገር፡ ናይ ዘመናት ሕግታትን ስርዓትን እንዳባ ዝነበሮ፡ ከምኡ ብዝሐ-ሰልፍታት ኤርትራውያን ዝተሳተፍኦ፡ ዲሞክራስያዊ ሕንጻ-መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሓምለ 1952፡ ንዝውንን ዝፈልጥን ሕዝቢ ዘለዎ፡ ንምንዳፍ ዓንዲ-ሕጊ፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ምኻዱ፡ ዘየድልን ሓደገይናን መስርሕን፡ ውልቀ-ምልኪ ንኽትከል ዝሓገዘን፡ ጉጉይ ኣገባብ እዩ። እቲ ናይ ህግ ምስግጋር ሥልጣን ብንጹር ግዝያውን ድሩትን ኮይኑ፡ እቲ ንውሓት ናይ ምንዳፍ ግዜ`ውን፡ ሓጺር፡ ምናልባት ክሳብ ሓደን ፈረቓን ዓመት ተነዲፉ፡ ዝድምደም ቅዋም ኮይኑ፡ ክምደብ ዝነበሮ እመስለኒ። ራብዓይ ነጥቢ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም፡ ንናይ ሰውራ፡ ዓበይቲ ገበናት ኩናት ሓድሕድን፡ ሸለል ቢሉ፡ ከምዘይነበረ ሰጊሩ ምኻዱ፡ ንኹሉ ሕሉፍ፡ ሕጋዊ ከም ምግባር፡ ወይ ብዘለዎ ከም ዝርሳዕ ምግባር ማለት እዩ። እዚ ኣካይዳ`ዚ ከኣ፡ ከምቲ እዞም ገለ ፈለስቲ `ቕድሚ ቅዋም ምንዳፍ፡ ክግበር ዝግባእ ነገር፡ ከይገበርካ ምኻድ` ዝበልዎ ዝለዝኾነ፡ ብተወሳኺ`ውን ሃገራዊ ሞራላዊ ሓላፍነት፡ ዘጉደለ ኣተሓሳሳቢ መስርሕ እዩ ነይሩ። እዚ ከም ሓደ ናይ ድሕሪ ኩናት መድረኽ መጠን፡ ክፍጸም ዝነበሮ መስርሕ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብሕልናን ብሞራላውን ሃገራውን ሓላፍነትን፡ ክርአ ዝነበሮ ጉዳይ እመስለኒ።

ኣብ መስከረም 2020፡ ዶ/ር በረኸት ሃብተስላሴ፡ `ኣስተምህሮ ንድፊ ቕዋም` ዝብል ትምህርቲ፡ ብመርበም ኣሰና ኣቕሪቦም ነበሩ። ኣብቲ መባእታ ናይ ትምህርቶም፡ ዶ/ር በረኸት፡ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣመልኪቶም፡ ``እቲ ቆጽሊ ዘንበርናሉ፡ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ፡ ...`` ክብሉ ሰሚዐ። ሓቂ ንምዝራብ፡ ካልእ ብዙሕ ክሰምዕ ኣይከኣልኩን፡ እታ `ንኢሳያስ ቆጽሊ ዘውደቕናሉ!` ትብል ቃል ምስ ሰማዕኩ ግን፡ ብዘይ ምግናን፡ ከም ሕጻን እየ ሰምቢደ። ዶ/ር በረኸት፡ ነቲ ታሪኽ ወራዙ፡ ሥርዓት-ቆጽሊ፡ ነቲ እቶም ባይቶ ዓዲ ተኣኪቦም፡ ቀጽሊ እንከቐምጡ`ሞ፡ ሕጹይ`ውን፡ ብሓላፍነት ፍትሕን ብትሕትናን ጠሚቶም፡ ንመረጽቱ፡ `ኣነስ፡ ኣይኮነን ዓዲ ዝኣክል፡ ንስድራይ`ኳ ከናብር ዘበቅዕ ሰብ`የ፣ ግደፉኒድኣ፡ ካባይ ዝሕሹ ድለዩ፡` ... እንክብሉ፤ መረጽቲ`ውን ብወገኖም፡ `ኣይፋልካን! ንዓድኣ ሕራይ በለና፡ ካባኻ ዝሓይሽ የብልናን፤ እዚ ባይቶ ዓዲ፡ ኣባኻ ዱብ፡ ብኣኻ ክብ ወይ ግብ፡ ይሕሸና ይብለካ`ሎ` ... እናተበሃሃልካ፡ ዝፍጸም ታሪኽ ሽምሓው (ዲሞክራሲ) ናይ ወራዙ `ስርዓት ቆጽሊ`፡ ብዕምቘት ኣይፈልጥዎን እዮም ከይንብል፡ ዘይሕሰብ ነገር እዩ። እሞ ንኣቶ ኢሳይስ፡ ነቲ ናይ ሃገር ሥልጣን ዝሰረቐን ዘታለለን ድኣ፡ ብኸመይ በቲ ኽቡር `ብሥርዓት ቆጽሊ ክገልጽዎ ድልዮም? እዚ ኣገላልጻ`ዚ ምስማዕ፡ ንዓይ ንዕሸል ወዶምን ተመሃራይ ሕግን፡ ካብ ኣቦይ ዘጋጥመኒ `ዕንቅፋት` እዩ እየ ዝብሎ፤ ነቶም ንዲሞክራስያዊ ሥርዓት እንዳባና ዘይፈልጡ፡ ንሰማዕቲ ኤርትራዊ ንኡስ ወለዶ`ውን እንተኾነ፡ እዚ ኣገላልጻ`ዚ፡ ዓቢይ ምድንጋርን ጉጉይ መረዳእታን ከምዘሕድረሎም ኣይከሓድን። ብርግጽ፡ እቲ ሎሚ ድሕሪ 20-30 ዓመታት ዝተገለጸልና፡ እቲ ከም ጸላኢ ሓንቲ ሃገር ኮይኑ፡ ሃገር ዘጥፍአ ኣቶ ኢሳያስ ገዲፍና፡ እስከ ነቲ ናይ ትማሊ ኢሳያስ፡ በቲ ናይ ሽዑ ናይ ሰውር ታሪኽ`ውን እንተረኣናዮ፡ ልዒለ ከም ዝጠክዎ፡ መሊኡ ዝተርፍ፡ ዘይስገርን ኣሰካፍን ኣጸያፍን ናይ ዓመጽ ታሪኽ ኢና ንዕዘብ። ምናልባት ግን፡ ኣብ ጉዳይ ቅንዕና (impartiality) እንተመጺና፡ ክልተ ፍሩያት ነገራት፡ ነንሓድሕዶም ዝተኣሳሰሩ፡ ግን ከኣ ዝተፈላለዩ፡ ነገራት ምጥቃስ ይከኣል፥ ከም ናብ ኢሳያስ ዝቐረበ ጉጅለ ህግ ኮይናካ ምምዛንን፡ ከም ምሁር ናይ ሕጊ ኮይንካ ምምዛንን፡ ማዕረ ኣይመስለንን። ምሁር ኣብ ሕዝብን ሓቅን እዩ መሰረቱ። ብዛዕባ ምሁርን ትርጉሙን ሓላፍነቱን፡ ኣብ ታሕቲ ዘርዚረ ገሊጸ ኣሎኹ።

ዶ/ር ክብርኣብ ይሥሓቕ (ለንደን)
10 ጥቅምቲ 2020

ብ`PDF ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ (Read in PDF)


Share with friends:

ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ -
ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ።
The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie.


See also recent Articles by Dr Kibreab Isaac / ካልእ ጽሑፋትን ሰሚናራትን ብ`ዶ/ር ክብርኣብ ይሥሓቕ

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: