Placeholder Picture
Placeholder Picture
ኣድግስ፡ ካብ’ታ ሞታ፡ ምጉታታ ይኸፍእ።

11/01/2024 14:35 PM

ኣድግስ፡ ካብ’ታ ሞታ፡ ምጉታታ ይኸፍእ።

ብ'ዶ/ር ዮውሃንስ ሃይለ

ኣድግስ፡ ካብ’ታ ሞታ፡ ምጉታታ ይኸፍእ። ጽሑፍ ብ'ዶ/ር ዮውሃንስ ሃይለ።

ኣድግስ፡ ካብ’ታ ሞታ፡ ምጉታታ ይኸፍእ።
ብ'ዶ/ር ዮውሃንስ ሃይለ።

ሰላም ደቂ ሃገረይ፤

ኣብ ሕብረተሰብና፤ “ምዉት ኣይክሰስ ሰማይ ኣይሕረስ” ዝብል ኣምር ኣሎ። ታሪኻዊ ድሕረባይታ ናይ’ዚ ኣምር’ዚ ንናይ ታሪኽን ስነ-ሕብረተሰብን ሙሁራት ገዲፈ፤ ሓፈሻዊ ርእይቶይ ብትሕትና ከካፍል ኣፍቅዱለይ። ብመሰረቱ፤ እዚ ኣበሃህላ’ዚ፤ ልዕልና ሕግን፤ ፍትሕን ልቦናን ቀዳሞት ወለዲ ዘንጸባርቕ’ዩ። ኣብ’ዚ ዘለናዮ ዘመን’ውን እንተኾነ፤ ኣብተን ብስርዓትን ሕግን ዝመሓደራ ሃገራት፤ ክሱስ ነብሱ ናይ ምክልኻል ምሉእ መሰል ኣለዎ። “ምዉት ኣይክሰስ” ዝብል ሓረግ እምበር፤ ብህይወት ዘየለ ሰብ ነብሱ ክከላኸል ስለዘይክእል’ዩ፤ ንዝሞተ ሰብ ምኽሳስ ብሕግን ብሞራልን ቅቡል ዘይኮነ። ይኹንደኣ’ምበር፤ ነዚ “ምዉት ኣይትኽሰስ” ዝብል ኣምር፤ ኣብ ዘይቦትኡ ሰዂዕና ብዘይ ኣገባብ ንጥቀመሉ ዘለና ኮይኑ ይስማዓኒ። ቀዳሞት ወለዲ፤ ንምዉት ኣይትኽሰስ እምበር፤ ናይ ዝሓለፈ ጽቡቑን ሕማቑን ታሪኹ ኣይተዘንቱ ኣይበሉን። ምኽንያቱ፤ ምኽሳስን ምንቃፍን ወይከኣ ምኽሳስን ታሪኽ ምዝንታውን ዝተፈላለየ ትርጉም’ዩ ዘለዎም። ምክሳስ ሕጋዊ ተሓታትነት ክህልዎ እንከሎ፤ ምዝንታው ታሪኽ ግን ካብኡ ዝፍለ እዩ። ንዝሞተ ሰብ ክትከስስ ደኣሉ ዘይፍቀደካ እምበር፤ ብግብሩን ታሪኹን ከተመጉሶን ክትወቕሶን ከምትኽእል ኣፈ-ታሪኽ የመላኽቱ እዮም። ንኣብነት፤ ኣብ’ታ ብሰሎሞን ጸሃየ እተደርሰት “ማሰን መልቀስን ቀዳሞት” ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 157-162 ሰፊሩ ከምዘሎ፤ ኣይተ እምነቱ ዝባሃሉ መስሓል ዝዓዶም ሹመኛ፤ ንኣይተ ወልደድንግል ዝባሃሉ መላቐሲ የከላብትዎምን፤ ይኣስርዎምን ነበሩ። ካብኡ ሓሊፎም’ውን “ኳሕላ” ዝተባህለት መጥበዊት ላሞም መንጢሎም ከምዝሓረድሎም ኣብቲ መጽሓፍ የዘንቱ። ኣይትሙቱኒ፤ ንሃብታምን ድኻን ንሹመኛን ተራን ዘይትምሕር ሞት መጽያ ኣይተ እምነቱ ሞይቶም። መላቐሲ ኣይተ ወልደድንግል ተጸዊዖም ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም ንመዋቲ ኣይተ እምነቱ ኣልቀስሎም፤

ሎሚ ኣይነግሮን

ከዓዶ ኢሎምኻ ንድበዮን ንቕበሮን
ሓያል ሰብኣይ ቀጥቅጦን እሰሮን
መኸርትኻ በሃምን ደንቈሮን
ሞያኻ ብዙሕ ኔሩ’ሞ ሎሚ ኣይነግሮን
ሎሚ ኣይነግሮን፤ ሎሚ ኣይነግሮን!”

ኢሎም ኣብ ልዕሊ መዋቲ ዝነበሮም ቂምታ ገሊጾም። ብሕጊ ግን ንመዋቲ ኣይከሰስዎምን። ደሓር ግን ቤተሰብ መዋቲ፤ ኣብ ልዕሊ ኣይተ ወልደድንግል ዝወረደ በደል ተረዲኦም ይቕረታ ሓቲቶም፤ “ጋይላባ” ትባሃል ላም ኪሒሶም ከምብሓድሽ “ገደ” ዝብል ንመዋቲ ዝውድስ መልቀስ ከምዝገበሩሎም የዘንቱ። ካለኦት ኣብነታት’ውን ክጥቀሱ ይከኣል’ዩ። እዚ ኣብነት’ዚ እምበኣር፤ “ምዉት ኣይክሰስ” ዝብል ኣምር፤ ንዝሞተ ሰብ ካብ ምውቃስ ወይከኣ ሕማቕን ጽቡቕን ዛንትኡ ካብ ምዝንታው ዝዓግት ከምዘይኮነ ዘመላኽት እዩ። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ብዙሕ ታሪኻዊ ኣብነታት ክዝርዘር ይከኣል’ዩ።

“ታሪኽ ኣይምሕርን’ዩ” እዩ ዝባሃል። ንኣብነት ኣብ’ዚ ዝነብረሉ ዘለኹ ሃገረ ካናዳ፤ ሰር ጆን ኣለክሳንደር ማክዶናልድ (Sir John Alexander Macdonald) ዝባሃል ናይ መጀመርያ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ኮይኑ ዘገልገለ ስመ ግኑን፤ ምስሉ ኣብ መብዛሕትአን ከተማታት ካናዳ ተተኺሉ ኔሩ (ኣብ ገሊኡ ቦታታት’ውን ክሳብ ሕጂ ኣሎ)። ድሒሩ ግን ኣብ ልዕሊ ደቀባት ካናዳውያን ብዘውረዶ በደል ስለዝተነቕፈ ምስሉን ክብሩን ካብ ብዙሓት ከተማታትን መዛግብትን ካናዳ ከምዘልግስ ይግበር ኣሎ።

ኣብ ሕብረተሰብና ግን፤ በቲ ሓደ ወገን “ምዉት ኣይክሰስ” ዝብል ኣምር ሓሊኹ ይሕዘና፤ በቲ ካልእ መዳይ ከኣ “ኣያ ዘለዎስ ኣራፊዱ ሞተ” ዝዓይነቱ ኣካዪዳ ንጓዓዝ ዘለና ንመስል። ወገንን ጸግዕን ዘለዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ክሞቱ እንከለው፤ ከም ኣበር-ኣልቦ ጀጋኑን ስውኣትን ተባሂሉሎም ክቕበሩ እንከለዉ፤ ጸግዒ ዘይብሎም ሓለፍቲ ክሞቱ እንከለዉ ግን፤ ሕሉፍ ጅግንነቶም ብገበኖም ተበሪዙ ምዉታት ኮይኖም ይቕበሩ ኣለዉ። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ከኣ ፍትሒ ነጉድል ኣለና። እቲ ዝኸፍአ ግን፤ “ኣድግስ ካብ’ታ ሞታ ምጉታታ ይኸፍእ” ዝብል ምስላ ኣበዋት የዘኻኽረካ። ንሓደ ዓዃይ፤ ስግኡ ዝብላዕን ቆርበቱ ዝንጸፍን ጥሪት ክሞቶ እንከሎ፤ ነቲ ስጋን ቆርበትን ሸይጡ ነቲ ዝሞተ እንስሳ ክትክኦ ይኽእል’ዩ። ቆርበቶም ዘይንጸፍ ስገኦም ዘይብላዕ ኣድገ-በቕሊ እንተሞይተሞ ግን፤ እቲ ዓዲ ብጨና ከይብከልን ኣዛብእ ከይጽውዓሎምን ተባሂሉ፤ ነታ ዝመተት ኣድጊ ካብ ዓዲ ኣርሒቕካ ኣብ ምጉሓፋ ተወሳኺ ኣደራዕ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዓዃይ ተውርደሉ። ምስ’ዚ ዝመሳሰል እምበኣር፤ ሓለፍቲ ህግደፍ ብህይወቶም እንከለዉ ንህዝቢ ኤርትራ ዘድመዩዎን ሃገር ዘብረሱን ከይኣክል፤ ምስ ሞቱ ከኣ “እከለ ንጹህ’ዩ እከለባ ገበነኛ እዩ”፤ “እከለ ተሰዊኡ እከለባ ሞይቱ” ፤ “እከለ ጅግና እዩ/ኣይኮነንባ” እንዳተባህለ ድሕሪ ሕልፈቶም ንደምበ ተቓውሞ ከናቑቱዎን፤ ክኸፋፍልዎን ከዳኽምዎን ክትርኢ እንኮለኻ ሃየንታ እዩ። በዚ ዝንቡዕ ኣተሓሕዛ ጉዳይና፤ ኢሰይያስ ኣፍወርቂ ምስ ሞተ’ውን፤ “ንሱስ ንጹህ’ዩ ኔሩ፤ ወያነን ኣመሪካን እዮም እዚ ኩሉ ኣደራዕ ዘውረዱልና” ኢልና ገበኑ ከይንሓጽበሉ የጠራጥረካ።ኣረኣእያ ደምበ ተቓላሳይ ንፍትሒ ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ እምበኣር ክስተኻኸል ይግባእ።

ብዝኾነ፤ ሰበ-ስልጣን መንግስትን ህግደፍን ንጹሃት እንተኾይኖም፤ መንደኣሉ ገበነኛ? ኣነ ኣብ’ቲ “Innocent until proven guilty” ወይ ከኣ “ክሳብ ብሕጋዊ መርቶዖ ገበነኛ ምዃኑ ብዘየወላልውል ዝረጋገጽ ንጹህ’ዩ” ዝብል ሕጋዊ መትከል እሰማማዕ’የ። ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ምስእንዕዘብ ግን፤ ምናልባት ኣውያት ከይሰምዕ እዝኑ ዘጽመመ እንተዘይኮይኑ፤ ሃገር ከምዝበረሰትን ህዝባ ከምዝጸነተን ዘይፈልጥ ወዲ ሃገር የልቦን። ምብራስ ሃገርን ምጽናት ህዝብን ከኣ ገበን’ዩ። ነዚ ገበን ዝፈጸመን ዝፍጽምን ዘሎ ኣካል ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ብዘየወላውል ንፈልጦ ኢና። ከመይሲ፤ እቲ መግደራን ስምብራትን ኣብ እንግድዓና ስለዘሎ። ስርዓት ህግደፍ ከኣ ብንሪኦምን ንድህስሶምን እኩባት ሰባት ዝቖመ፤ ናይ ማፍያ ጉጅለ እዩ። ስለዚ እምበኣር፤ እቲ ፍርዲ ንሕጋዊ ኣካል ገዲፍና፤ ኣባላት ህግደፍ ብሓፈሻ ገበነኛታት እዮም እንተበልና ነቲ “Innocent until proven guilty” ዝብል ሕጋዊ ኣምር ዝጻረር ኣይመስለንን። ይትረፍዶ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ውልቀሰብ፤ እታ ንደቃ እተብልዖም ምስ ሰኣነት ናይ እዝኒ ኮይና ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ተኸቲባ ንጎረባብታ ተእስር ዘላ ኣደን፤ እቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኮይኑ ዘጣቕዕን ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ዘናውሕን ዘሎ ማሕዮን እውን ካብ ገበን ኣየምልጡን’ዮም። እቲ ገበን ግን ብዓይነቱን መጠኑን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክፈላለ ባህርያዊ ይኸውን። ገሊኦም ብንጡፍ ኣብ ጥፍኣት ሃገርን ህዝብን ዝዋስኡ ዘለዉ እዮም፤ ገሊኦም ከኣ ልኡማት ተላኣኣኽቲ እዮም። ካለኦት ከኣ እታ ብኽቡር ዋጋ ዝመጸት ሃገርን ህዝባን እንዳበረሰትን እንዳጸነተትን፤ ኢዶም ኣጣሚሮም ዝርእዩ ዘለዉ እዮም። እወ፤ እዚኦም’ውን ካብ ገበን፤ ብውሑዱ ካብ ሞራላዊ ገበን ነጻ ኣይኮኑን። ሓደ ሚኒስተር ይኹን ጀነራል፤ ብውልቁ ዝፈጸሞ ገበን ዘይክህሉ ይኽእል’ዩ። እንተኾነ ግን፤ በቲ ንሱ ዝመርሖ ዘሎ ትካል ወይ ኣሃዱ ገበን እንተተፈጺሙ፤ ሓላፍነት ክወስድ ይግባእ። ተራ ኣባላቱ ነቲ “ተኲስካ ቅተል ወይከኣ shoot to kill” ዝብል ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ከተግብሩ ክብሉ፤ ነቲ ሃገሩ ረመጽ ኮይናቱ እግሩ ናብ ዝመርሖ ዝሃድም ዘሎ መንእሰይ፤ ኣብ ዶባት ኤርትራ ብተመልከተለይ ዝርሽኑ እንተኾይኖም፤ ካብ’ቲ ዝተሓተ ክሳብ’ቲ ዝለዓለ ሓላፊ ካብ ተሓታትነት ከምልጡ ኣይክእሉን’ዮም። ጉዳይ ምርሻን ዝኾብለሉ ወይከኣ ኣብ ግዜ ኲናት ዝሃደሙ ሃገራዊ ኣገልግሎ’ውን ክለዓል ይከኣል’ዩ። ብመሰረቱ ግን፤ ሓላፍነትን መዓርግን፤ ንሃገርን ህዝብን ከተገልግለሉ እዩ ዝዋሃብ። እንተኾነ ግን፤ እቲ ዝተዋህበካ ሓላፍነትን መዓርግን ሒዝካ፤ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ንምድሓን ህዝብኻ ከም ጅግና ሲዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊ) ብኽብሪ እንተዘይተሰዊእካሉ፤ ወይከኣ ከም ሚኒስተር ብርሃነ ኣብረሀ፤ እምብለይ ኢልካ ናብቲ ሽመት ዝመጠወካ ውልቀሰብ እንተዘይደርቢኻሉ፤ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ሃገር እንዳበረሰትን ህዝባ እንዳጸነተን ንስኻ ከኣ ክንዲ ግዛዕ ዝኸውን ሽመትን ሓላፍነትን ተሸኪምካ፤ ኣፍካ ብዕዙሙ ሽጉጥካ ብልጉሙ ናብ መቓብር እንተምራሕካ፤ በየናይ መለክዒ ካብ ገበን ንጹህ ክትከውን ትኽእል? ብሓጺሩ፤ እቲ ተዋሂቡካ ዘሎ ሓላፍነትን መዓርግን ተጠቒምካ፤ ሕጊ ብዘፍቅዶ መሰረት ክትገብሮ ዝግበኣካ ዘይምግባር’ውን ገበን እዩ። ብተመሳሳሊ፤ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 27፤ ፍቕዲ 20-28 እንተተመልኪትና፤ ጲላጦስ ንጹህነት ናይ ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ እንዳፈለጠን ከምኡ’ውን ከድሕኖ እንዳኸኣለን እንከሎ፤ ንቔሳር ፈሪሑ ንኽስቀል ኣሕሊፉ ሂቡዎ። ዋላ’ኳ “ኣነ ካብ ደም እዚ ጻድቕ’ዚ ንጹህ እየ” እንዳበለ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣእዳዉ ብማይ እንተተሓጽበ፤ ጲላጦስ ሞራላዊ ንጽህና ከምዘይውንን ወይከኣ ሞራላዊ ድኻም ከምዝፈጸመ Billy Graham Evangelistic Association of Canada ዝተባህለ ሃይማኖታዊ ትካል ኣብ ወብሳይቱ ኣስፊሩዎ ይርከብ። ስለዚ እምበኣር፤ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ “ኣነ ንጹህ ከም ጲላጦስ’የ” ኢሎም፤ ንነብሶም ከየታልሉዋ ከዘኻኽሮም ይደሊ።

ብተወሳኺ፤ ዋላኳ ኣባል ህግደፍ ኣይትኹን፤ ምስ’ቲ ማፍያ ስርዓት ተሻሪኽካ ምስራሕ’ውን ገበነኛ የብለካ እዩ። ንኣብነት፤ ነብስሄር ዶር. ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ)፤ ዝኾነ መንግስታዊ ሓላፍነት ኣይነበሮን። ምስ ህግደፍ ሓቢሩ ይሰርሕ ብምንባሩ ጥራሕ ግን፤ ንነብሱ ከም ገበነኛ ቆጺሩ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪቡ ይቕረታ ሓቲቱ። እቕረ ባሃላይ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ፤ ይቕረ ይኹንካ ኢሊሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ኣብ’ታ ተሪፋቶ ዝነበረት ሓጻር ዕምሪ ዘበገሶ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ዓሲሉ ኔሩ። ዕድለኛ ኮይኑ ታሪኹ ኣሓዲሱ፤ ሰብን እዝግን ዝፈትዎ ስራሕ ሰሪሑ ሓሊፉ።

ኣብ መደምደምታ፤ መልእኽተይ በዚ ዝስዕብ ሓሳብ ከሕጽሮ’የ። ዓላማ ናይ’ዚ ጽሑፍ ሰባት ንምውንጃል ወይከኣ ፍርዲ ንምሃብ ኣይኮነን። ፍርዲ ናይ ምሃብ ስልጣን ዘለዎ፤ እቲ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ፍትሓዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ዝትከል ነጻ ዝኾነ ፍርዳዊ ኣካል ጥራሕ’ዩ። እዚ መልእኽቲ፤ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ሕነ ንኽፍደ ዝእምት’ውን ኣይኮነን። ንእግረ መገደይ ግን፤ ታሪኽ ከምዘይምሕር ከዘኻኽረኩም ይደሊ። ምስ ግዕዘይ ታሪኽኩም ካብ ትቕበሩ፤ ታሪኽኩም ኣሓዲስኩም ንምድራዊ ዓለም እንተትፋነውዋ ክንደይ ጸጋ ምኾነ። ሕመረት መልእኽቲ እዚ ጽሑፍ እምበኣር፤ ብቐንዱ ኣብ ደምበ ተቓለስቲ ንፍትሒ ዝረአ ዘሎ ስንኩፍን ዘይፍትሓውን ኣተሓሕዛ ጉዳያት ንምምእዛን ተባሂሉ፤ ምስናይ ሕጽረታቱ ብትሕትና ሓሳበይ ንምክፋል ዝዓለመ’ዩ። መራሕትን ኣባላትን ህግደፍ ብህይወቶም እንከለዉ ገበን ብምፍጻም፤ ወይከኣ ኣብ ልዕሊ ህዝቦምን ሃገሮምን ገበን እንዳተፈጸመ እንዳረኣዩ ብምጽቃጦም ዝበደሉና ከይኣክል፤ ድሕሪ ሕልፈቶም ንቃልሲ ደምበ ፍትሒ ንድሕሪት ክጎትዎን፤ ተቓለስቲ ንፍትሒ ካብ ቀንዲ መስመሮም፤ ማለት ካብ ቃልሲ ምንድሓን ሃገርን ህዝብን ወጽዮም ኣብዚ ጉዳይ ብቲፎዞነት ተሰሊፎም ክዕዘብ እንኮለኹ፤ ሓዘነይ ደረት ይስእነሉ፤ ንሕልናይ ጸቒጠ ኣጽቂጠ ክሓልፎ’ውን ኣይከኣልኩን። ፍትሒ ንምንጋስ ንቃለስ ካብ ሃለና፤ ካብ ጸቢብ ዓንኬል ወጺእና፤ ኩልና ራእሲ ተሰማ ንኹን። ኣቦና ራእሲ ተሰማ ኣስመሮም፤ ንስለ ፍትሒ ክብሉ ንወዶም ኣሕሊፎም ንሞት ዘፍረዱ ኣቦ ምንባሮም ኩልና ንፈልጦ ሓቂ እዩ። እቲ ጸገም፤ ብፍላጥን ብግርህናን “ምዉት ኣይትኽሰስ” ዝብል ብሂል ኣብዘይ ልዓቱ ሰኹዕካ፤ ኣሉታዊ ታሪኽ መዋቲ ንኸይዝንቶ ንምዕጋት ዝግበር ብምህላዉ እዩ። ብዝኾነ፤ ሓደ ወዲ ሰብ፤ ኣብ ጉዕዞ ህይወቱ ብዙሕ ዝውደሰሉን ዝንቀፈሉን ታሪኽ ኣመዝጊቡ ክሓልፍ ይኽእል’ዩ። እቲ ዝውደሰሉ ታሪኽ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ፤ እቲ ዝንቀፈሉ ታሪኽ ከኣ ኣብ ካላኣይ ምዕራፍ ኣስፊርካ እንተተዘንተወ ፍትሓዊ እዩ። ኪኒኡ ዝኸይድ ሕጋዊ ተሓታትነት እንተሎ’ውን፤ ብኸመይ ኣገባብ ክተሓዝ ከምዝግበኦ ከብርሁልና ንክኢላታት ሕጊ ክገድፎ እየ። ቅኑዕነት ናይ’ቲ ታሪኽ፤ ማለት ብህይወት ዘየለ ሰብ፤ ብዘይ ወዓሎ ታሪኽ ከይምጎስ፤ ብቐንዱ ግን ብዘይገበሮ ገበን ከይክሰስ፤ ኣብ ምጽራይን ምክልኻልን ሓላፍነት ናይ ኩሉ ህልው ዜጋ እዩ ኢለ ይኣምን። ክብሪ መዋትን ቤተሰቡን ምሕላው ሞራላዊ ግዴታ ኣለና፤ ብዋጋ ግዳያትን በሰላኦምን ግን ክኸውን ኣይግባእን። ንኽብሪ ዝተረፉ ቤተሰብ መዋቲ ተባሂሉ፤ እቲ ዝውደሰሉ ታሪኹ ደሚቑ፤ እቲ ዝውቀሰሉ ታሪኽ ከኣ እንተተወንዚፉ ግን፤ ካልእ ዘይተደለየ ጉድኣት ከስዕብ ይኽእል’ዩ። ማለት፤ ክብሪ ቤተሰብ ግዳያት፤ ብቐንዱ ከኣ ክብርን ቁስልን ግዳያት ክጎድእ ከምዝኽእል ምግንዛብ የድሊ።

ኣብ መወዳእታ፤ ንኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ደገን ዘሎ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፤ ሩሑስ በዓል ልደትን ሓዱሽ ዓመትን፤ ዓመተ ሰላምን ራህዋን፤ 2024 ጸላኢና ዝጠፍኣሉ ስደትና ዘብቀዓሉ፤ ውሉድን ወላድን ኣብ ገዛእ መሬቱን መረበቱን ዝተኣኻኸበሉን ዝተሓቋቖፈሉን ዓመት ክትኮነልና፤ ምንዮተይ ይገልጽ።

ወደሓንኩም!!

ዶር. ዮውሃንስ ሃይለ
ኦታዋ ፤ ካናዳ
ጥሪ 2024

Read in PDF: ብ'PDF ንምንባብ፡ ኣብ ታሕቲ ጠውቑ፡-

ኣድግስ፡ ካብ’ታ ሞታ፡ ምጉታታ ይኸፍእ። ብዶር. ዮዉሃንስ ሃይለ


Mestyat Betna | ኣድግ'ስ፡ ካብ ሞታ ምጉታታ! ዶ/ር ዮውሃንስ ሃይለ


𝐄𝐑𝐈𝐒𝐀𝐓: ትንቢት ኢሰያስ ብልሳነ ኣቢ | ብዶር ዮውሃንስ ሃይለ


ERISAT: ዘይጭምት ኣይተኩስ ! | Current Affairs ~ እዋናዊ ጉዳያት




See also more articles by
ካልኦት ብ'ዶር ዮውሃንስ ሃይለ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: