Placeholder Picture
Placeholder Picture
ኣሻቓሊ ሕዱር ሕማም ቀርኒ ኣፍሪቃ ገዲዱ

09/05/2023 03:14 AM

ኣሻቓሊ ሕዱር ሕማም ቀርኒ ኣፍሪቃ ገዲዱ።

A worrying chronic disease in the Horn of Africa has worsened.

ጽሑፍ ብ'ገብረየሱስ ወልደሚካኤል፡ ካብ ሕ.መ.ኣ (USA)

ኣሻቓሊ ሕዱር ሕማም ቀርኒ ኣፍሪቃ ገዲዱ። A worrying chronic disease in the Horn of Africa has worsened. ጽሑፍ ብ'ገብረየሱስ ወልደሚካኤል፡ ካብ ሕ.መ.ኣ (USA)

ኣሻቓሊ ሕዱር ሕማም ቀርኒ ኣፍሪቃ ገዲዱ።
A worrying chronic disease in the Horn of Africa has worsened.

ጽሑፍ ብ'ገብረየሱስ ወልደሚካኤል፡ ካብ ሕ.መ.ኣ (USA)

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቅልውላው ዘይፍለዮ ተኣፋፊ ጂኦ-ፖለቲካዊን ጂኦ-ቁጠባዊን እስትራተጂያዊ ቦታ ቀይሕ ባሕሪ ዝሓቖፈ እዩ። ካብ 1869 መትረብ ስወዝ ካናል (Suez Canal) ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ቀይሕ ባሕሪ ንማእከላይ ባሕርን ህንዳዊ ውቅያኖስን ዘራኽ ኣዝዩ ኣገዳሲ ናይ ባሕሪ መራኽብ ዝጉዓዛሉ ባሕሪ እዩ። ነቲ ናይ ጥንቲ መንገዲ ምያት፡ ብኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ንክፍለ-ዓለም ኣፍሪቃ ተዃሊልካ ዝግበር ዝነበረ ጉዕዞ ብ 4,500 miles/7242 km ኣሕጺርዎ ወይ ቀኒሱዎ ይርከብ። ምኽፋት መትረብ ስወዝ ካናል፡ ብቀይሕ ባሕሪ ሕሊፉ ብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ኣቢሉ፡ ካብ ኤውሮጳን ማእከላይ ኣስያን (ነዳዲ ዘይቲ) ናብ ርሑቕ ምብራቕ፡ ህንዲ ኣትሒዝካ ክሳዕ ጃፓን ዝርከባ ሃገራት ክፍለ-ዓለም ኣስያ፡ ካብኡ ሰጊሩ እውን ዝዝርጋሕ ናይ ንግዳውን ወተሃደራውን መርኻብ ዝጎዓዛሉ ዓለማዊ መንገዲ-ማያት እዩ። ንኣብነት 2020 ዓ. ም. 19,000 መራኽብ ብመጻብቦ ባብ-ኤል-መንደብ ከም ዝሓለፋ ተምዝጊቡ'ሎ። ብተወሳኺ፡ ካብ 10% ዘይውሕድ ንግዲ እዛ ዓለምና በዚ መንገዲ'ዚ ከም ዝንቀሳቐስ ጸብጻብ ተሰኒዱ'ሎ።

ስለዚ ክኣ እዩ፡ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ከም ኣመሪካ፡ ፈረንሳ፡ ቻይ፡ ስዑዲን ወተሃደራዊ ምደበራት (militaty bases) ኣብ ጂቡቲ ሃኒጸን ምህላወን፣ ገለ ሃገራት ድማ ከም ጀርመን፡ እንግሊዝ፡ ጃፓን፡ ጥልያን፡ ስጳኛ፡ ቱርኪ ብወከልተን ኣመሪካን ፈረንሳን ወይ ድማ ባዕላተን ከም ዝንቃሳቐሰ ምስማዕ ዘየገርመና። ሩስያን ህንዲን'ውን ነቲ ቦታ ዓይነን ኣውዲቐናሉ ከም ዘለዋ ጽንጽንታ ኣሎ። ስለዝኾነ ድማ፡ ጎንጻዊ ቅልውላው ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጠንቁን ዝተሓላለኸ ምዕባሊኡን ዕላምኡን ንምርዳእ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ባህርያውን መግዛእታዊን ታሪኻዊ ኣማዕባብሉኡ፡ ብተወሳኺ ግሎባዊ (global) ስሕበት ጂኦ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነቱ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ዝግባእ።

ኣብዚ ዞባዚ ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክለተ ዓመታት ናይ ወጻኢ ሓይልታት- ሰራዊት ኤርትራን ብመጠኑ ሰራዊት ሶማልን-ዝሓወሰ ኣሰቃቒ ደማዊ ውግእ ሓድ-ሕድ ኢትዮጵያ፡ ብሓዘንን ብቁጥዓን ሕፍረትን ትዓዚብና። ኣምላኽ ይመስገን ሎሚ ናይ ሰላም ውዕል ተኸቲሙ፡ ጭራ ሰላም ኣበሲሩ፡ ገና ኣብ መስርሕ ምትግባር ይርከብ። ይኹን እንበር፡ ናይ ኲናት ቁሱላትን ስንኩላትን ቁስሎም ከይሓወየ፡ ስድራቤት ምውታት ከይተረድኡ፡ ሓዘኖም ከይዓጸዉ፡ ዝተመዛበሉን ዝተሰዱን ናብ ቤቶምን ርስቶምን ከይተመልሱ፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ናብራ ገና ከይተመልሰ እንከሎ፡ ካብ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፡ ዶር ኣቢይ፡ ዘስደምም ነጋሪት ኣዋጅ ኲናት ዘስምዕ ፍኸራታትን ምውጥዋጣን ይስማዕን ይርአን ኣሎ። ሕጅኸ ናበይ እዩ ክዘምት? ናብ ክልል ኣምሓራ? ንመን ሒዙ? ዝብሉ ሕቶታት ከተልዕል ይግድደካ። ምልሱ እዚ ይኹን እቲ ብዘየግድስ፡ መራሕቲ ብልጽግና ሕጂ'ውን ካብ ሕሉፍ ጌጎኦም ዝተማህሩ ኣይመስልን? ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ዝምስክሮ፡ እቲ ክልተ ዓመት ዝወሰደ ደማዊ ኲናት ሓድ-ሕድ ኢትዮጵያ፡ ናይ መወዳእታ መዕለቢኡ – ክታም ውዕል ሰላም- ብብረትን ጎንጽን ዘይኮነስ፡ ብዘተ ኣብ ክቢ ጠረቤዛ እዩ ተብጺሑ፡ ተኸቲሙ ዘሎ።

ዶክ ኣቢይ፡ ካብ ኣይኡ ወልቀ-መላኺ ኢሳያስ ተማሂሩ፡ ካብ ምዓልቲ ናብ ምዓልቲ ከም ነፋሒቶ ሕብሪ እንዳቀያየረ፡ መሻርኽቲ እንዳቀያየረ ንህዝቢታት ሰሜን ኢትዮጵያን(ትግራይን ኣምሓራን)፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከጽንቶም እዩ ዝንባሊኡን ኣዝማሚኡን ዘመልክት። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ንህዝቢ ትግራይ ምህላቕን ምጭፍላቕን፡ ትካላቱን ቁጠብኡን ንምዕናውን ምውዳምን፡ 1) ብኢሳያስ ዝምራሕ ስርዓት ህግድፍ ዘዝመቶም ሰራዊት 2) ምሁራት ኣምሓራ (political elites) ዘተባብዕዎም መንእሰያት ክልል ኣምሓራ- ፋኖን፡ ፍሉይ ሓይልን- ኣዕጢቑ፡ 3) ምሉእ ሓይሊ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣኽቲቱ 4) ብጸቢብ ቢሄራዊ ኣርኣእያ ዝዓወሩ ምሁራት (political elites) ኦሮሞ ተዓጂቡን፡ ናይ ሓባር ጸላኢ ሕውሓት ንምድምሳስ ብዝብል ወፍሪ ወይ ዘመተ፡ ብደገፍ መራሕቲ ኣምሕራ፡ ኮታስ ዘሎ ዝብሃል ሰራዊት ኣኻኺቡን ደማሚሩን ንክልል ትግራይ ብኩሉ መለኪዕታት ፈጺሙ ረሚሱዋን ድሂኹዋን። ብሓጺሩ፡ ኣብዚ ኲናት እዚ መንእሰያት ኤርትራ፡ መንእሰያት ኣምሓራ፡ መንእሰያት ዓፋር ብዓቢኡ ድማ መንእሰያትን ትግራይ ሰላማዊ ህዝቢ ትግራይን፡ ብገምጋም ብዙሓት ትዓዘብቲ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን (1,000,000) ህዝቢ ናይቲ ዞባ ሃሊቖም ይብሃል። ናይ ሰላም ሃዋርያ መሲሉ "ፍቅር ያሸንፋል" እንዳጨርሐ ንዓለም ዘታለለ፡ ናይ 'ሰላም ኖቨል' ተሸላሚ ዶር ኣቢይ፡ ብዙሓት ውልቀ-መለኽቲ ኣብ ዕድሚኦም ምሉእ ዘይፈጽምዎ ህልቂት ሂወት፡ ኣብ ሓጺር ዕድመ-ስልጣኑ እዩ ፈጺምዎ። ህዝብታት ሰሜን ኢትዮጵያ (ኣምሓራን ትራይን) ከምኡ'ውን ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዶር ኣቢይን ኢሳያስን ሽርሕታትን ዕላምታትን ክነቕሓሎም እምሕጸን

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ፡ እቲ ዘገርም ድማ፡ ምስ ዶክ ኣቢይ ወጊኖም፡ ንወያነን ንህዝቢ ትግራይን፣ ቦሎም፡ ደርዕሞም፡ ኣካኬ ዘራፍ፡ ዝብሉ ዝነበሩ ናይ 'ዲያስፖራ' ኢትዮጵያውያን ኣምሓሩ ዜና ማዕከናትን ኣሰንዳእቲን ስዓብቶምን፡ ሎሚ ናብ ርእሶም ተሰልቢጡ፡ ብ ግብረ-ሽበራ ተወንጂሎም፡ ክትትል ክግበረሎም ምስ ጀመረ ዝዛረብዎን ዝጭብጥዎን ጠፊእዎም ላዕልን ታሕትን ክብሉ ምርኣይ'ዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ክኣ፡ ካብኡ ብዘይፍለ፡ ሴፍ ወይ ጉራዴ ዶክ ኣቢይ ኣብ ልዕሊ ብሄር ኣምሓራ ዝተመዘት ትመስል ኣላ። ስለምንታይ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ናይ ክልል ኣምሓራ ፋኖን ፍሉይ ሓይልን ብዘይ ውዓል-ሕደር ዕጥቆም ከውርዱ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ጥራይ ዝይኮነስ፡ ብስገዳድ ክትግበር ጀሚሩ'ሎ። እቕረታ ነንባቢ፡ ኣብዚኣ ሓደ ስነ-ምግባር ዝጎደሎ፡ ትምክሕተኛ ኣምሓራይ ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ ዝተባህለ ብዛዕባ ኤርትራ ዝሃቦ ኣዝዩ ዘሕመመኒ መልሲ፡ ቃል-መሕትት ተዘክሮይ ክጠቅስ። ከምዚ ይብል፡ "ብፕረሲደንት ኢሳያስ ብዓል-ውዕለት ኢትዮጵያ እዩ፡ ሳልኡ ሎሚ ኤርትራ ለሚሳ ኣዚያ ደኺማ ስለዘላ፡ ስንና እንዳመውጽና ሰቲት ኢልና ኤርትራ ክንኣቱ ጸገም የብልናን። ኤርትራ ከም ሓንቲ ክፍለ-ሃገር ኢትዮጵያ ዝኾነት ኣሩሲ ኮይና፡ ብጀካ በትሪ ዝሓዙ ፖሊስ፣ ዝዓተቐ ሰራዊት ዘይትውንን ክፍለ-ሃገር ኢትዮጵያ ክትከው ኣልዋ"። ኣቦታቱ ጦር ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይኖም ንህዝቢ ኤርትራ ንምጽናት፡ ነቲ "መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን እዩ" “ዓሳ ንምጥፋእ ባሕሪ (ህዝቢ) ምንጻፍ" ዝብል መርዛም ጨርሖ መራሕቲ ኢትዮጵያ ንምትግባር ጽዒሮም ሓሳብ ልቦም ስለ ዘይተፈጸመ ሕልሚ ኣምሓራ እዩ ደጊሙ ዝድርዖ ዝነበረ። ብእንግሊዘኛ ዝተተርጎመ ቃለ-መሕትት ታምራት ረኺበ ስለዘለኹ፡ ምሉእ ትሕዝትኡ ነንባቢ ኣተሓሒዘ ክልእኽ ክፍትን እየ። ናብ ኣርእስተይ ክምለስ፡ ሎሚ ከም ብዓል ታምራት ነገራ ዝኣምሰሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ኣምሓሩ'ውን ብግብረ-ሽበራ ተኸሲሶም ክህደኑን ኣብ ቀይዲ ክኣትዉን ጀሚሮም ኣለዉ። ጥርጡራት ኣምሓሩ ሰበ-ስልጣን መንግስቲን፡ ሰብ ንብረትን፡ ንዋታዊ ሃብቶም ክድስክልን ክትትል ክግበረሉን ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ኣሎ። እወ፡ ሕውሓት ተደምሲሳ እያ፡ ደጊም ኣይተድልዩን ኢኹም፡ የግዳስ ተራኹም በጺሑ እዩ እሞ ክሳብ ነርክበልኩም ብትዕግስቲ ተጸበዩ ዝብል ዘሎ ይመስል። ኣብዚ ኣነ ነንባቢ ከንጸርሉ ዘድሊ ሓደ ነገር ግን ኣሎ፡ ብኣቢይ ዝምራሕ ስርዓት ብልጽግና ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን (ነምሕሩ ሓዊስካ) ብጠቕላላ ዝፍጽሞ ዘሎ ታሪኻዊ ወንጀላዊ መጥቃዕቲ ኣጥቢቐ እየ ዝቃወሞን ዝኹንኖን።

ኣብ ከምዚ ዝኣምሰለ ተኣፋፊ ሃዋህው ተራ ትግራዎት እንታይ እዩ ክኸውን? ኣነ ከም ዝመስለኒ ከመቲ ኣምሓሩ ምስ ኣቢይ ወጊኖም ዝገብርዎ ጥልመትን በደልን ሕነ-ምፍዳይን ክፍጽሙ ኣይግባእን። ኢዶምን ኣፎምን ኣርኒቦም፡ ብርሑቕ እንዳትዓዘቡ፡ ዋኒን ዳግመ-ህንጸት ክልሎምን፡ ሕወየት ዝተጎድአ ህዝቦምን እንተዝገሩ ምሓሸ እመስለኒ። ኣብ ሰይጣናዊ ዓንኬል ሕነ ምፍዳይ- ህልኽን ቅርሕንትን- ኣንተዘይኣትዉ ምኽረይ ምለገስክሎም። ኣብዚ ዘለናዮ ክፍለ-ዘበን ሕነ-ምፍዳይ ናይ ድሑራት ኣተሓሳስባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዘይድለይ ናይ ወሎዶታት ዘየቋርጽ ቅልውላው ዓዘቕቲ እዩ ዝሸመም።

ተራ ኤርትራ ሃገርና ክኣ ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና፡ "ኣብዘይ መንጠቢትክን ኣይተእትዋ ኢድክን" ከም ዝብሃል፡ ካብ ጉዳይ ጎረበት ኢትዮጵያ ኢድና ክንእርንብ እዩ ግቡእና። እቲ ንብዙሓት ግዱሳት ዜጋታትና ዘሻቕል ዘሎ ጉዳይ፡ ብ ወልቀ-መላኺ ኢሳያስ ዝምራሕ ስርዓት ህግደፍ፡ ምስ ኣምሓራ ወጊኑ፡ ምስ ፈደራልዊ መንግስቲ ብልጽግና ከይራጸም እሞ ካብ ዝሓለፈ ኲናት ትግራይ ዝተረፉ መንእሰያትና ኣብ ሃልሃልታ ሓዊ ከይኣጎድም እዩ። ስለምንታ፡ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፡ ዶር ኣብይ፡ ሒደት ምዓልታት ይገብር ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ "ናይ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ኳሕ ዝበለሉ ቁጽሪ ኢድክን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና ከይትመልሳ፣ የግዳስ ጋዕዝዩ ዘሎ ዉንዙፍ ናይ ገዛኽን ስርሕ ኣኺሉ ዝተርፍ ኣለክን፡ ስራሕክን ግበራ፡ ኣብ ጉዳይና ኣቲኽን ክትፍትፍታ፡ ሓገዝክን ኣየድልያና እዩ"ብዘስምዕ ስዉር መልእኽቲ ኣሚቱ'ሎ። ካብ ኩሉ ወገናት ዝኾኑ፡ ብዙሓት ተንተንቲ ናይቲ ዞባ፡ ምልእኽቲ ኣቢይ ብዘይ ጥርጥር ናብ ስርዓት ህግደፍ ዝቕነዐ እዩ ክብሉ ተሰሚዖም። ናይ ገዛእ-ርእሰይ ገምጋም'ውን ካብዚ ዝፍለ ኣይኮነን። ናይ ኤርትራውያን ተራ፡ ኣብዚ ወቕቲ'ዚ፡ ብዘይ ውዓል-ሕደር፡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ዘይዓርፍ ቅልውላው ኢትዮ-ኤርትራ ዝኾነ፡ ብኮሚሽን ዶብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተበየነን ዝጸደቐን፡ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ክሕንጸጽ፡ ኣብ መሬት ክምልከት፡ ባድመ ድማ ናብ ዋንኣ ኤርትራ ክትምለስ ጽዑቕ ዝዕሪ ከካይድ ይግባእ። እዚ እጀንዳ'ዚ ብቐዳምነት ናይ ስርዓት ህግደፍን መጋበርያኡን ደገፍቱን ክኸወን ይግባእ። ስለንታይ፡ ብምስምስ "ዶብና ስለ ዘይተሓንጸጸ፡ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ባድመ ተጎቢጡ ስለዘሎ" ብዝብል ዕባራ ስነ-ሞጎት ንህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ጅሆ ሒዞሞ ስለ ዝጸንሑ። ብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐርብ ዝነበረ ምስምስ፡ ዶብ ከይሕንጸጽ ወያኔ እዮም ዝዕንቅፉና ዘለዉ፡ ዝብል ክኸወን ከሎ፡ ብወያኔ ድማ ዶብ ምሕንጻጽ መዚ ወይ ስልጣን ፈደራል እዩ ክብሉ ጸኒሖም። ሕጂ ግን ኩሎም ብኤርትራ ይኹን፡ ብፈዳራልዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ብወያኔ ትግራይ ይኹን ዝቐረቡ ዝነበረ ምኽንያታት ተወጊዱ እዮም። ብተወሳኺ ድም፡ ኣብቲ ናይ 5-ነጥብታት ስምምዕ ውዕል ሰላም፡ ዶክ ኣቢይን ወልቀ-መላኺ ኢሳያስ፡ ከም መበል 4ይ ነጥቢ ሰፊሩ ስለ ዘሎ፡ ዶብ ክሕንጸጽ-ኣብ መሬት ክምልከት- ብህርያዊን ተሪኻውን መዕለቢ ሰላም ክልቲኡ ጎረባብቲ ሃገራት እዩ። ቃላት ሓደ ዘኽብሮ ምሁር ሓወይ ተለቂሐ ንጉዳይ ዶብ ክድርዖ፡ "ኢሳያስ ነዚ ምቹእ ኲንታት ተጠቒሙ ብይን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ እንተዘተግብሮስ ንርእሱ'ውን ምተጥቕመሉ ነይሩ" ይብል። ብወገነይ፡ ካብ ኢሳያስ ሰናይ ተግባርት ንረብሓ ኤርትራ ምጽባይ፡ ካብ ብዕራይ ዕንጋሎ ጸባ ምጽባይ እዩ።

ፕረሲደንት ኢሳያስ ካብ ኣልዓልና፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜ፡ ብዛዕባ ንሱዳን ዝምልከት፡ ዝሃቦ ቃለ-ምሕትት ኣዚዩ ኣስደሚሙኒ። ንሃገሩ ኤርትራ 30 ዓመታት ንድሓር ዝደቖሳ፡ መባእታዊ ኣገልግሎት ማይን፡ መብራህትን (ጽዓት)፡ መጎዓዝያን፡ መንበሪ ኣባይትን፡ እኹል ኣስቤዛ መግቢ፡ ከቕረብ ብመደብ ወይ ፍላጥ ዘይመረጸ፣ ብዛዕባ ምብኳር ህንጸት ሃገረ ሱዳን ደረቱ ንፊሑ ብዘይ ሕፍረት ክምድር ክወራዘን ምስማዕ፡ ንኩሉ ኤርትራዊ ብርግጽ ዝዝግንን እዩ። እቲ ካልእ ዘደንጹ ኣጸቢቑለይ ኢሉ ዝጠቕሶ ክኣ "ካብ 2019 ዓ.ም ጀሚርና ንኣርባዕተ-ዓመት ምስ ሱዳን ጽምዶ ኣካይድና ኢና"ይብል። ወሲኹ ክኣ፡ ንሕና እኳ፡ ከምቶም ብሽም ረዲአት ሓገዝ ሕጂ ዝጓየዩ ዘለዉ፡ "ኣነኳ ገናዞ እየ ዝብሎም ማለት ሰብ ምስ ሞተ ሬሳ ክገንዙ ዝጓየዩ፡ ብሂወቱ ከሎ ዘይሕግዙ ኣይኮናን"ይብል። እሞ 4-ዓመት ጽምዶ ምስ ሱዳን ኣካይድኩም ኣንታይ ኣፍሪኹም? ዝብል ለባም ሓታቲ እንተዘጋጥሞስ እንትይ ኮን ምበለ። እቲ ርትዓዊ መልሱ እኳ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ሱዳን ሰፊኑ ዘሎ ክውንነት እዩ ዝገልጾ። ናይ 4-ዓመት ጽምዶ ኢሳያስ እዚ ሕጂ ኣብ ሱዳን ተወሊዑ ንርእዮ ዘለና ውግእ ሓድ-ሕድ እዩ ኣስዒቡ። መቸም ኢድ ኢሳያስ ዝተሓወሶ ጉዳይ ሳዕቤኑ ባርዕ ኲናት ምዃኑ፡ ኣቐዲምና ኣብ ኲናት ሓድ-ሕድ ኢትዮጵያ ተምልኪትናዮ ኢና። ሕጂ ክኣ ኣብ ይዋእ ህዝብን ሃገርን ሱዳን ክድገም ብሓዘን ንዕዘብ ኣለና። ብህጹጽ ናብ ክቢ ጠርቤዛ ተመሊሶም ናይ ዕርቂ ስምምዕ ውዕል ክኽትሙ እትስፎ።

ልዑላውነት ኤርትራ ንዘልኣለም

ዝኽሪ ንሰማእታት ሃገርና

ሰላም ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ

ገብረየሱስ ወልደሚካኤል፡ ካብ ሕ.መ.ኣ (USA)

ብ`PDF ንምንባብ፡ ኣብዚ ጠውቑ።



“ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ፡ ቆርበት ኣንጹፉለይ በለ” Press Release by Global Yiakl Eritrean Movement. 02 May 2023

ERISAT: ቃለ መሕተት ምስ ሰሎሙን ገብረእየሱስ
ኣብይ ንኢሰያስ ኢድካ ኣክብ ይብሎ | ኢሰያስ ኣብ ሱዳን ኣብ ጎኒ ኣል ቡርሃን እየ ይብል:



See also more articles by Mr. Gebreyesus Woldemichael
ካልኦት ብ'እቶ ገብረየሱስ ወልደሚካኤል ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: