ንኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ጸላኢ`ምበር፡ ውልቀ-ምልኪ ኣይገልጾን፥

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

18/12/2020 23:26 PM

2.3 ንኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ጸላኢ`ምበር፡ ውልቀ-ምልኪ ኣይገልጾን፥

ብ`ዶ/ር ክብርኣብ ይሥሓቕ (ለንደን)
18 ሕዳር/Nov. 2020

ንኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ጸላኢ`ምበር፡ ውልቀ-ምልኪ ኣይገልጾን፥

2.3 ንኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ጸላኢ`ምበር፡ ውልቀ-ምልኪ ኣይገልጾን፥
ብ'ዶ/ር ክብርኣብ ይሥሓቕ (ለንደን) - 18 ሕዳር/Nov. 2020

ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ-ኤርትራን ብምዃኑ፡ ውልቀ-ምልኪ (Dictatorship) ዝብል ቃል፡ ንዕኡ ብልክዕ ዘይገልጽ መጸውዒ እዩ። ከመይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ከም ሓደ ባዕዳዊ ጸላኢ ኮይኑ፡ ህዝባውን ሃገራውን ገበናት፡ ክፍጽም ዝጸንሐን ዝፍጽም ዘሎን፡ ጸላኢ ህዝብን ሃገርን ኤርትራን ሰላምን`ምበር፡ ውልቀ-መላኺ (dictator) ጥራሕ ኣይኮነን። ሐደ-ሐደ ግዜ`ውን ንኢሳያስ፡ ``ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ ውልቀ-መላኺ`` ክብልዎ ይስማዕ፤ እዚ`ውን ንኤርትራዊ ሃገራውነት ዘይብሉ፡ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣይገልጽን፤ ናይ ኮርያ ውልቀ-መላኺ፡ ናይ ሃገሩ ምክልኻልን ጸጥታን፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ንዘብጽሐ፡ በቲ ንሕዝቡን ሃገሩን ዘዕነወን ዝበተነን፡ ንናይ ወጻኢ ሓይልታት ዘቃልዕን፡ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክመሳሰል ኣይከኣልን። በቲ ካልእ`ውን ገለ ዜጋታትን ምሁራትን፡ ``ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ሃገራዊ እዩ ነይሩ፡ ሕጂ ግን ጠሊሙና፡ ኢሳያስ ከዳዕ (traitor) እዩ፡ ንሕና ስለዝተገራህና፡ ... ተዓሽና፡ `` ወዘተ፡ ምባል`ውን፡ ንዓና ንዝተዓሸና ዝምልከት ሕቶ`ምበር፡ ንመንነትን እምነትን ኢሳያስ ኣይገልጽን፤ ከመይ ኢሳይስ ጠሊሙ ድዩ፡ ዕላማኡ ለዊጡዶ ነይሩ፡ ነቲ ኢሳያስ ባዕሉ ኣብ ታሪኽ ዘግሃዶም ሓቅታትን፡ ጌና ክንርኢ ዘይምኽኣልናን፡ ጌና ዘይነቓሕናሉ ጉዳይ እዩ። ግን፡ ``ኢሳያስ ጸላኢና እዩ`` ክብል ከለኹ፡ ዕሙት ጽልኢ ዘበግሶ ከምዘይኮነ፡ ምብራህ ከምዘድሊ ክሕብር። በዚ መሰረት፡ ነዚ ውልቀ-መላኺ `dictator` ዝብል መጸውዒ፡ ከምኡ መለለዪ ሐደ ጸላኢ (characteristics of an enemy)፡ ከመይ ከምዝመስል ብሳይንሳዊ መገዲ፡ ቅሩብ ክገልጽ።

1ይ - ውልቀ-ምልኪ ወይ ውልቀ-መላኪ፡ ብእንግሊዘይና፡ `dictator' or 'dictatorship' ዝብል፡ ናይ ጠባያት ወይ ስርዓት መጸውዒ ቃል፡ ካብ መበቆሉ እንተርኢናዮ፡ ጽብቕ ኣመት ወይ መልእኽቲ (positive implication) ዝነበሮ እዩ። እዚ ማለት፡ እቲ 'dictator' - ውልቀ-መላኺ፡ ዝብል ቃል፡ ካብ 500 ቅ.ል.ክ. ክሳብ ሳልሳይ ክፍለ-ዘመን ድ.ል.ክ. ኣቢሉ፡ ኣብ ሮማ (ኢጣልያ) ዝነበረ፡ ፍሉይ ሥልጣን ዝነበሮ ዳኛ (the office of an extraordinary Roman magistrate; or Roman chief magistrate) እዩ ዘመልክት ዝነበረ። እዚ ፍሉይ ሥልጣን`ዚ፡ ኣብ ግዜ ውግእ፡ በቲ ዝለዓለ ፖሊቲካዊ በዓል ስልጣን (consul)፡ ንውግእ ወይ ተቓውሞ ንምቁጽጻር፡ ንሓጺር ግዜ (ማለት ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ዘይበልጽ) ዝወሃብ፡ ፍሉይ ሥልጣን ነበረ።

2ይ - እዚ ኣብ ግዜና ዝግለጽ፡ ኣምር-ስርዓተ ውልቀምልኪ (dictatorship) ግን፡ ካብ 17 ክፍለ-ዘመን ዝጀመረ ኾይኑ፡ `ንሥልጣን ሃገርን ህዝብን፡ ብዘይዲሞክራስያዊ መገዲ ምግባት`፡ ዝብል ሕማቕ ትርጉም (negative connotation) ዘለዎ መግለጺ እዩ። ኣብዚ ናይ መዋዕልና ታሪኽ፡ ካብ ዝተራእዩ ውልቀ-መለኽቲ፡ ንሓባራዊ ባህርታቶምን ፖሊቲካዊ ተግባራቶምን ዝገልጽ፡ ገለ ምጥቃስ ሓጋዚ እዩ። እዚኣቶም ከኣ፡ ብዲሞክራሲ ዘይኣምኑን ዘይፈቕዱን፣ ሕጋዊ ፖሊቲካዊ ተሓታትነት ዘይብሎም፡ ኣብ ፖሊቲካዊ ሥልጣን ንዝቃጸጾም፡ ብዘይ ንሕስያ ዝቀትሉን ዝኣስሩን፣ ንኹሉ ናይ ሃገር ትካላት ዝቆጻጸሩ፣ ንሥልጣን ብዕልዋ-መንግስትን ካልእ ዘይሕጋዊ መገድን ዝጭብጡ፣ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ናይ ሕጽበተ-ኣእምሮ (indoctrination) ወፍሪ ዘካይዱ፣ ብህዝቦም ክምለኹን ክፍተውን ክፍርሑን ዝደልዩ፡ ጨካናትን መዳለውትን መቓቐልትን ብምዃኖም ይልለዩ። ልዕሊኹሉ ግን፡ ዝያዳ `ሃገራውያን` ንሳቶም ከምዝኾኑ፡ ስልጣን ንዓኦም ጥራሕ ምዃኑ ዝኣምኑን ዝስምዖምን፡ ኣብ ሃገሮም ግን፡ ስራሕ ኮነ ገለ ምዕባለ ዝፈጥሩ፡ ትምህርትን ኢንዳስትርን ዝሓንጹ፡ መፍቀርቲ ሃገሮም ምዃኖም፡ ወዘተ፡ ክጥቀስ ይከኣል። ከም ኢሳያስ ኣፈወርዊ፡ ከም ጸላኢ ዝልክዑ ዘይኮኑስ፡ ንውልቀ ምልክነትን ሃገራውነትን ዝገልጹ፡ በዞም ዝስዕቡ፡ ጭቡጥ ኣብነት ከነወዳድር ንኽእል፡- መዓመር ቀዛፊ ናይ ሊብያ፡ ንህዝቡ ካብ ድኽነት ሓራ ዝገበረ ውልቀ-መላኺ፤ መንግስቱ ኃ/ማርያም ናይ ኢትዮጵያ፡ ብመሳፍንቲ ዝተገበተ መሬት ኢትዮጵያ፡ ንሓረስታይ ህዝቢ ወዲ መሬት ዝዓደለ፡ ንሓድነት ሃገሩ ኢትዮጵያ ዝተቓለሰ ውልቀ-መላኺ፤ ሳዳም ሑሰን ናይ ኢራቕ፡ እቲ ኣብ ሃገሩ (ዳርጋ ካብ ዓለም) ዝበዝሑ ምሁራን (scientists) ዘፍረየ ውልቀ-መላኺ፤ ፊደል ካስትሮ ናይ ኲባ፡ ንሃገሩ ብምዕሩይ ሰብኣዊ ምዕባለ (human development)፡ ዓቢይ ዓወት ዘመዝገበ ውልቀ-መላኺ፤ ኪም-ጆን-ኡን፡ ናይ ሰሜን ኮርያ፡ ንሃገሩ ብወተሃደራውን ጸጥታውን፡ ካብ ግዳማውያን ጸላእቱ፡ ብርእሰ-ተኣማንነት ዘጽንዐ ውልቀ-መላኺ፤ ወዘተ፡ ዝዓይነቶም ሃገራውያንን፡ ንሃገራዊ ትካላቶም ብመደብ ዘየብረሱን፡ ንግዳማዊ ሓይሊ ኣሕሊፎም ዘይህቡን፡ ሃገራዊ ትካላት ዘለዎም፡ ውልቀ-መለኽቲ ከምዝነበሩን ከም ዘለዉን ንዕዘብ። ካብዞም ዝጠቐስክዎምን ካልኦትን፡ ብዙሕ ሓባራዊ መለለዪ ወልቀ-መለኽቲ`ኳ እንተሎ፡ ከም ናይ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝመሳሰል፡ ናይ ሓደ ጸላኢ ተግባርት ኣብ ሃገር ዝፍጽም ግን፡ ክትረክብን ከተነጻጽርን፡ ኣይከኣልን። ካብቶም ኢሳያስ፡ ውልቀ-መላኺ ጥራህ ዘይኮነስ፡ ናይ ሃገረ-ኤርትራ ጸላኢ`ውን ምዃኑ ዝገልጽ፡ ገለ ክጠቕስ።

ሀ) - ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝልለየሉ ባህርታትን ተግባራትን እንተርኢና፡ ጨካንን ዕዋላን ሳዲስትን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ካብ ባህርያት ውልቀ-መለኽትን ውልቀ-ምልክን፡ ፍሉይ ዝገብሮ ነገር፡ ጸረ-ሃገርን ባታንን ኣዕናውን ህዝብን ባህልን መንነትን ኤርትራ ዝሰርሕን፡ ንልዑላውነት ሃገረ-ኤርትራ፡ ኣሕሊፉ ዝህብን፡ ዜጋታት መንእሰይ ኤርትራ፡ ኣብ ውቅያኖስን ምድረበዳን ንኽጠፍኡ ዝገብር፡ ወዘተ. ስለዝኾኑ ተግባራትን ተርእዮታትን ክፍጽም ኢና ንዕዘብ። ብተወሳኺ፡ ኢሳያስ ምስ ጉጅለኡን፡ ብኣቓውማኡን ተግባራቱን፡ ብልክዕ ናይ ማፍያ ጉጅለ (mafia organisation) ምስልን ባህርን ዘለዎ`ምበር፡ ንመንግስታዊ ትካላት ዘለዎ ውልቀ-ምልኪ ዘይመሳሰል፣ ንትካላት ሃገረ-ኤርትራ፡ ብመደብ ዘፍረሰን ዝኾነ ትካላዊ ኣካይዳ ዘይፈልጥን ምዃኑ፡ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ሁ) - ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ግዜ ገድልን ድሕሪ ናጽነትን`ውን እንተኾነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ብሃገራዊ ሓልዮትን ሓላፍነትን ዘይብሉ ኩናትን ሓለዋ-ሰውራን፡ ዶባዊ ኩናትን ጭውያን ዘሕለቐ፤ ብስቱር መገዲ ንኹናት ሓድሕድ ከምዘይፍታሕ ዝገበረ፤ ኣብ ክንዲ ብሃገራዊ ፖሊቲካዊ ዕርቂ ገርካ፡ ንጸላኢ ምውጋድ፡ ካብ ኣፍደገ-ናጽነት `ኣስሓብ` ብዝብል ስልቲ፡ ብጥፍኣት ኤርትራውያን፡ እቲ ዝዓበየ ውልቃዊ መደቡ ዘቐደመ፣ ንናጽነት ኤርትራ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ድሌታት፡ ኣብ ቅድሚ ናጽነትን እዋን ናጽነትን፡ ብግልጺ ዘርኣየ፤ ኣብ መዳእታኡ ከኣ፡ ከም ሓደ ጸላኢ በዓል ፍሉይ ዕላማ፡ መንግስቲ ንዘቖመ፡ ንውድብ ህዝባዊ ግንባር በሊዑ፡ ንሃገረ-ኤርትራ ዘዕነወ፡ ጸላኢ ኤርትራ እዩ።

ሂ) - ኢሳያስ፡ ንሱ ኣብ ኢትዮጵያ ሥልጣን ንኽሕዝ፡ ዶባዊ ኩናት ባድመ (1998) ወልዐ፤ ምክንያቱ፡ እዚ ኩናት`ዚ፡ ኢሳያስ ነቲ ኣብ ኣኼባ ለንደንን (ግንቦት 1991) ኣብ ካልኦት ቅድሚኡ ዝገበሮም ፈተነታት፡ ግን ከኣ ዘይሰለጦ፡ ንምምላስ፡ ሳዋ ተኺሉ፡ ንሕና ብድቁሳትናን፡ ኣብ ናይ ሕልሚ ቅዋም ምንዳፍ፡ ከምነኹድድ ብምግባርን፡ ባዕሉ ናብ ውግእ ኣእትዩ፡ ኩሉ ውሽጣውን ግዳማውን ፖሊቲካ ሃገርና፡ ዳግማይ ኣብዘይንፈልጦ ጸወታ ከምዝንጥልጠል ገበረ። እዚ ከኣ፡ ኢሳያስ ብስልቱ ንሕና ብዕሽነትና፡ ``ዶብና ከይተሓንጸጸ``፡ ``ወያኔ ጸላኢትና ኢያ!`` ዝብል ህልኽን ዕሽነትን ተሰኪምና፡ ኣፍሪቃዊ ፍታሕን ወጽዓን ዘየቅንኦም፡ ድውያን ኤርትራውያን ምሁራንን ኤሊትን፡ ደድሕሪ`ቲ ከም ክልተ-ኮርያ ኮይና ንምንባር ዝተሰኣለልና፡ ምዕራባዊ ፖሊሲ ንምትግባር፡ ምልእኣኽ፡ ንዕላማ ኢሳያስ ኣገልጊልና፤ ሃገርን ህዝብን ኣባዲምና ኢና።

ሃ) - ኢሳያስ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን፡ ከም ጓናን ጸላእን ዕዋላን፡ ብጽልእን ብድዐን፡ ባዕሉ ብቃላቱ ዝበሎን ብተግባር ዝገበሮን ንምትቃስ፡ ገሊኡ ከምዚ ይብል፥ `ንህዝቢ ኤርትራ፡ ሳእነን ክሳብ ዝበልዓ ክገብረን እየ!` (ኣብ ዕላሉን ሓርቖቱን ዝበሎ)፤ ``ጽንሕነ!፡ ንስኽን ክትሓንጻ፡ ኣነ ከፍርስ፡ ክንረባረብ ኢና`፡ (ንሚንስተራት ብጸቱ (ድሓር ኣባልት ጂ-15)፡ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ዝበሎም)። ኢሳያስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ `ህዝብና ወይ ህዝበይ`፡ ንሃገረ-ኤርትራ፡ `ሃገርና ወይ ሃገረይ` ክብል፡ ፈጺሙ ኣይተሰምዐን። ካልእ ንመንእሰይ ኤርትራ፡ ኣብ ገለ እዋን፡ ብሕማም ኤድስ ንምልባድ፡ ብመልክዕ ግፋን ካልእን፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታት ኣኪቡ፡ ንመንእሰያት ዝጸናበረ፤ ኣብ ካልእ እዋን`ውን፡ ምስ በደዊን ኮይኑ፡ ናብ ዘመናዊ ዕዳጋ ሰብ ዘውረደን፡ ንስደት ዝጓሓፈን፤ ልዕሊ 300 በብዓይነቱ ኣብያተ ማእሰርቲ ፈጢሩ; ዜጋታት ዘጽንትን፤ ኣብ ላምፓዱዛ (ኢጣልያ)፡ ልዕሊ 360 ጨላቕዕ ዜጋታትና፡ ብሓንቲ ረፍዲ እንክጠፍኡ፡ ሃገራት ኣፍሪቃን፡ እታ ጸላኢትና ትብሃል ናይ ኢህአደግ ኢትዮጵያን ኩለን፡ ባንዴራአን ፍርቂ ኣውሪደን፡ ምስ ደቁ ዝሰኣነ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓዘነን እንኪገልጻ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብጽልኢ ዝዓወረ ገበናዊ ኢሳያስ ምስ መገልገልቱ ግን፡ ቅጭጭ ከይበሎን። ኣብ ዓለምና ካብ ዝተረእዩ፡ ብኸብዚ ደረጃ ጽልኢ`ዚ ዝተለለ መራሒ ሃገር፡ ሓደ ኢሳያስ ኣፈርቂ ጥራሕ እዩ።

ሄ) - ኢሳያስ ንሰብኣውን ፖሊቲካውን ቁጠባውን ባህላውን መንነታውን ዓቅምታት ኤርትራ ብመደብ ኣዕንዩ፡ ተገልቢጡ፡ ``እዛ ሃገር ዘላዋ የብላን፤ ቁጠባ ሃገር ትካላት ሃገር፡ ኩሉ ዓንዩ ኣዩ፡ ወላ-ሓንቲ ዝተረፎ የለን፣ ኣብዚ ሰናን መሬት፡ ብጣልያን ዝተሓንጸ ቅርጽታትን ጽርግያታትን መገዲ-ባቡራታን`ውን፡ ከይተረፈ ዓንዩ እዩ፡ ኣሰሩ`ውን የለን``፡ ወዘተ፡ እናበለ ዝላገጽ፤ ብስም ኮቪድ-19 (ኮሮና ቫይረስ) ኣማኻንዩ፡ ህዝቢ ንኸይሰርሕን ከይጋየሽን መከላኸሊ ከይረክብን ዝኸልከለን፡ ብጥሜት ኣብ ገዛ ከምዕጸዉ ብምግባር፡ ብጥሜት ኣማሲንዎን ይርከብ፤ ሕጋውን ግብራውን ልዑላውነት ኤርትራ`ውን፡ ኣብ ርኡይ ሓገጋ ኣብጺሑዎ እንሆ። እቲ ንዓመታት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን፡ ብምስጢራውነት ክኸይድን፡ ብሕሱር ሽፋናት ብድኹማት ልእኹቱን፡ ንዕላማኡ ዝፈጠሮ ኣወዳድባን ተሓጊዙ፡ ንምሁራንን ዘዝበልሑ ሃገራውያንን፡ ክቕንጽል ድሕሪ ምጽናሕን፡ ፍርቂ መገዱ ጸሪጉ እዩ። ብፍላይ ድሕሪ ምውላዕ ኩናት ባድመን፡ ምእሳር ጂ-15ን ሰዓብቶምን፡ ኢሳያስ ጸላኢ ኤርትራ ከም ሃገር ምዃኑ፡ ብግልጺ ዝተጋህደሉ እዩ።

ካብ መፈለምታ ቃልሲ ክሳብ ሕጂ፡ ሽግርና ሓደ እዩ፤ ንሱ ከኣ ቃልሲ (ናጽነትን ሃገርና) ኤርትራ፡ ኣብ ኢድ ኤርትራዊ ህዝብን ድሌቱን ወከልቱን፡ ኣይኣተወን ኣይተወነን ዘሎ። ኢሳያስን ህዝቢ ኤርትራን፡ ናይ ዕላማን ድልየትን ተጻባእነት (paradox) ዘለዎም፡ ብሓደ ክህልው ዘይክእሉ እዮም። ሁኰት ዝቐለቡን ክብሪ ህዝቢ ዘይቅበልን፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግን፡ ከም ኣመሉ፡ ናይ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናይ ህዝቢ ትግራይ፡ ናጻ ርእሰ-ውሳኔ ከይተረፈ ዘቀንዝዎ፡ ህዝባዊ ዕላማ ከኽብርን ክኣምንን ዘይክእል፡ ዕቡድን ስሱዕን ምኳኑ ኢና ንፈልጥ። ስለዚ፡ እቲ ሎሚ ዘሎና ሕቶ፡ ኢሳያስ ዘይኮነስ፡ እቶም ብቀጥታን ብተዘወዋርን፡ ነዚ ጸላኢ`ዚ መሳርሒ ኮይና፡ ን20 ዓመታት ንቓልሲ ንለውጢ ዝዓንቀፍናን፡ ኢሳያስ ንኸይወድቕ ዝሰራሕናን፡ ንወያኔ ቅድሚ ኢሳያስ ጸላኢና ዝበልና ኢና። ብተወሳኺ፡ ኣብ ኤርትራ፡ እቲ ብዝያዳ ሽግርን ጸቢብን ኮይኑ ዘሎ፡ እቲ ከድሕንን ብሱልን፡ ክኸውን እትጽበዮ ምሁር ኣካል እዩ። ብሓፈሻኡ፡ እዚ ኩሉ ዘጋጠመና ውድቐት፡ ናህና ከም ህዝቢ ዘሎና ዕሽነትን ብኹረት ፖሊቲካን እምበር፡ ብብልሓት ኢሳያስ ዝወረደና ኣይኮነን። ልዕሊ ዓመት ይገብር፡ ካብ ተቓወምቲ ዝበሃሉ፡ ከም ሃገር ዘንጸላልወና ዘሎ ሓደጋ ርእዮም ንዝሰንበዱ ዜጋታትና፡ ``ድሓን ርግእ ንበል፡ ወያኔ`ኳ ጌና ኣላ (ኣይፈረሰትን?)`` ክበሃል ተሰምዐ። ኣዝዩ ዘገርም! ሃገርናኸ፡ ጌና ኣይፈረሰትን ማለት ዶኾን ይኸውን? ብኢሳያሳዊ ሕማም ህልኽ፡ ፖሊቲካ ከምዘይስራሕን፡ ጸላኢና ክንፈልጥ ከምዘይከኣልና ተማሂርና፤ ግን እቲ ዝፈለጥናዮ ኢሳያስ፡ ኣብ ምዕራቡ እዩ፤ እቶም መቐጸልታኡን፡ ናይ ጽባሕ ሓደጋታትናንከ ብኸመይ ከም ንፈልጦምን መጻኢና ከም ነውሕስን፡ ተሪፉና ዘሎ ዕዮ እዩ።

ዶ/ር ክብርኣብ ይሥሓቕ (ለንደን)
18 ሕዳር/Nov. 2020


Share with friends:

See also recent Articles by Dr Kibreab Isaac / ካልእ ጽሑፋትን ሰሚናራትን ብ`ዶ/ር ክብርኣብ ይሥሓቕ

ቐይሕ ባሕሪ (ዓሰብ፡ ባጽዕ) ኣብ ልቢ ኢትዮጵያውያን።


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: