Placeholder Picture
Placeholder Picture
ትንቢተ ኢሰይያስ፤ ብልሳነ ኣቢ!

02/11/2023 21:03 PM

ትንቢተ ኢሰይያስ፤ ብልሳነ ኣቢ!

ብ'ዶ/ር ዮውሃንስ ሃይለ

ትንቢተ ኢሰይያስ፤ ብልሳነ ኣቢ! ጽሑፍ ብ'ዶ/ር ዮውሃንስ ሃይለ።

ትንቢተ ኢሰይያስ፤ ብልሳነ ኣቢ!
ብ'ዶ/ር ዮውሃንስ ሃይለ።

ሰላም ደቂ ሃገረይ፤

መቸም “ዘግፍሓልና’ምበር ዘጽብበልናስ” ኣይረኸብናን። ቃልሲ ደምበ ፍትሒ ተስፋ ኣብ ዝህበሉ ዘሎ ህሞት፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢ ኣሕመድ ከኣ ሓዱሽ ኣጀንዳ ዋንነት ባሕሪ ሒዙ መጽዩ’ና። እንተኾነ ግን፤ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ “ደገፍቲ ህግደፍን” ሓናኻት ህግደፍን ኣብ ልዕሊ ቋንቋ ትግርኛ ወይከኣ ኣብ ልዕሊ መራሒኦም ኣድልዎ ዝገብሩ ዘለዉ ይመስሉ። መራሒ ህግደፍ ብትግርኛ ጌሩ “ደጊም ሓደ ህዝቢ ኢና፤ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዩ ኢሉ ዝሓስብ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ ጥራይ እዩ”፤ “ክሳብ ፈደሬሽንን ምሉእ ምውህሃድን ክንከይድ ኢና” ፤ “ኣቢ፤ ባጽዕ እንተደለየ፤ ዓሰብ እንተደለየ፤ኦምሓጀር እንተደለየ፤ኣብ ዝደለዮ ከምድላዩ ብዘይ ዝኾነ ፍቓድ ክንቀሳቀስ ይኽእል’ዩ። ኣብ ዝኾነ ነገር ወኪልና ንስኻ ኢኻ፤ዝኾነ ነገር እንተሎ ንስኻ ኢኻ ደጊም ትመርሓና፤ ንስኻ ምርሓና። እዚ፤ ንቐለዓለም ወይ ድማ ሰብ ክሕጎሰለይ ኢለ ዝብሎ ዘለኹ ኣይኮንኩን፤ካብ ልበይ እየ” ክብል እንከሎ ዘጣቕዑ ዝነበሩ፤ ዶር. ኣቢ ሎሚ ብኣምሓርኛ ጌሩ ክደግመሎም እንከሎ ግን ሱር መትንታቶም ተተንኪፉ ዋጭ ዋጭ ይብሉ’ለዉ። እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ’ውን ናብ ኣምሓርኛ ተተርጒማ ብጋዜጠኛ ኣቶ ታምራት ነገራ እንተትንበብ ዝያዳ መድመዐት ኔራ ይመስለኒ።“ዋናኣ ዘቕለላ በቕልስ ዋጋ ነይተውጽእ” ትብል ነበረት ዓባየይ።መሰረታዊ ሕቶ ክንሓቶ ዝግባእ ግን፤ ድልየት ኢሰይያስ ኣፍወርቂ እንታይ እዩ ዝብል’ዩ?

ኢሰይያስ ኣፍወርቂ ንምንታይ ዕላማ እዩ ናብ ሜዳ ኤርትራ ተሰሊፉ ዝብል ኣከራኻሪ ነጥቢ ንጎድኒ ኣወንዚፈ፤ ካብ ድሮ ናጽነት ጀሚሩ ምስ ጉዳይ ናጽነትን ልኣላውነት ኤርትራን ዝተኣሳሰር ዝበሎን ዝገበሮን ቁሩብ ክጠቅስ።ሓዱሽ ሓሳብ’ኳ ኣይኮነን፤ ንብዙሕ ዓመታት ንፋስ ዝሃረሞ ዘረባ እዩ፤ እንተኾነ ግን፤ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ጥርንፍ ብዝበለ መልክዑ ምቕራቡ፤ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

1. ኢትዮጵያዊ ሻለቓ ዳዊት ወልደግዮርጊስ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከምዝገለጾ፤እቲ ኣብ 1989 ዝተፈተነ ኣንጻር መንግስቱ ሃይለማርያም ዝተኻየደ ዕልዋ እንተተዓዊቱ፤ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ኣብ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳተፍ ተሰማሚዑ ኔሩ ይብል።ቀጺሉ ኣብ ሚያዝያ 1990፤ ነብስሄር መለስ ዜናዊ ምስ ወኪል C.I.A ነበር ፓወል ሀንዝ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፤ “ኢሰይያስ ልኣላዊት ኤርትራ ክሪኢ [ወይውን ኣብ ሓጺር ግዜ ክትግበር] ኣይደልን’ዩ፤እንተኾነ ግን ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ክቱር ናይ ናጽነት ባህጊ ስለዘለዎ፤ ኢሰይያስ ድልየቱ ከተግብር ኣይክእልን እዩ”a ይብል።

2. ኣብ ለካቲት 1991 (ማለት፤3 ወርሒ ቅድሚ ምሉእ ምሕራር ኤርትራ)፣ ኢሰይያስ ን8 ዝኾኑ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ጸዊዑ፤ “ምስ ወያነ ናይ ሓባር መንግስቲ ክንተክል ኢና” ክብል ከም ሓውሲ ሕቶን ሓበሬታን ጌሩ ከምዘቕረበሎም ሓርበኛ ገዲም ተጋዳላይ ኣቶ መስፍን ሓጎስ ኣብ መጽሓፉ፤ ኣብ ገጽ 293-294 ኣስፊሩዎ ይርከብb። እዚ ሓሳብ’ዚ፤ ምስቲ ኣብ ቁጽሪ 1 ሰፊሩ ዘሎ ሓሳብ ተሳንዩ ዝኸይድ እዩ። “ኣብ ኲናት ዘይወዓለ በሊሕ” ከይኮነኒ ደኣምበር፤ ነዚ ዘየደቅስ ሓደገኛ ጥሙሕ ናይ ኢሰይያስ ሰሚዖም ክንሶም ደቂሶም ዝሓደሩ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ግን ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ዋላ’ኳ ኢሰይያስ ኮሓሒሉ ከቕርቦ እንተፈተነ፤ብግልጺ ክሕደትን ዕልዋን ኣብ ናጽነት ኤርትራን’ዩ ፈጺሙ። ምስ ወያነ ኮንካ ናይ ሓባር መንግስቲ ምምስራት ማለት፤ ከም ሓደ ኢትዮጵያዊ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኰንካ ጥራሕ ኢኻ ናይ ሓባር መንግስቲ ኢትዮጵያ ክትምስርት ትኽእል። እቲ ናይ ልዕሊ 30 ዓመታትን ልዕሊ 64 ሽሕ ህይወትን ዝበልዐ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ በርዒኑ ምተረፈ፤ ብሓሳብ ኢሰይያስ።

3. ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1994፤ ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ዝበሎ፤ “ምስ ኢትዮጵያ ብቑጠባዊ ውህደት ጀሚርና ክሳብ ፖለቲካዊ ውህደትን ኮንፈደረሽንን ክንከዪድ ኢና” ክብል ተሰሚዑ ኔሩ።

4. ኣብ 2000 ዓ/ም፤ ኣብ’ቲ ብልምዲ “ሳልሳይ ወራር” ኢልና ንጽውዖ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ፤ ንሰራዊት ኤርትራ ዓሰብ ገዲፎም ንክወጹ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ብሰፊሑ ዝፍለጥ’ዩ።

5. ስርዓት ህግደፍ፤ንልኣላውነት አርትራ ዘይቅበሉ ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ውድባት፤ ንብዙሕ ዓመታት ብጸጋታት ህዝቢ ኣብ ኤርትራ ሓብሒቡን ኣዕኲኹን፤ ኣካል መንግስቲ ዶር. ኣቢ ክኾኑ’ውን ኣብቂዒዎም’ዩ። ብመሰረት መትከላዊ መርገጺኦም ከኣ፤ ተመሊሶም ናብ ኤርትራን ቀይሕ ባሕሪን ገጾም የምባህቑ ኣለዎ።

a  https://tassew.wordpress.com/2012/06/17/meles-zenawis-interview-with-paul-henze-1990/ accessed on October 26, 2023.

b   M. Hagos with A.T. Weldemichael. An African Revolution Reclaimed: A Memoir of Eritrean Freedom Fighter Mesfin Hagos. The Red Seas Press, 2023.

6. ኣብ 2018 ዓ/ም፤ ኣብ ኣስመራ “ተደምረናል” ወይ ከኣ “ተደሚርና ኢና” ዝብል ሰለማዊ ሰልፊ ኣካዪዱ። ቀጺሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣዋሳን ከይዱ ከኣ “ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዩ ኢሉ ዝሓስብ ታሪኽ ዘይፈልጥ እዩ። ንስኻ ኢኻ ትመርሓና፤ ንስኻ ኢኻ ወኪልና” ዝብል ዓጀውጀው ናይ ኢሰይያስ ናይ ትማሊ ተዘክሮ እዩ። እታ፤ መርከብ ኣብ ባሕሪ እንዳንሳፈፈት እንኮላ ተርኢ ስእሊ ንዶር. ኣቢ ናብ ኣስመራ ምስመጸ ዝተዋህበቶ ህያብ፤ ንባዕላ ገዚፍ መልእኽቲ ዝሓዘለት እያ።

7. ኣብ 2018 ዝተፈረመ ምስጢራዊ ውዕል ዳርጋ ዝፈልጦ ሰብ የልቦን።ካብ’ዚ ግዜ’ዚ ንደሓር ጉዳይ ባድመን ምሕንጻጽ ዶብን ተረሲዑ።ቀዳምነታት ስርዓት ኢሰይያስ ምርግጋእ ኢትዮጵያ ምዃኑ ብወግዒ ተገሊጹ።ኢሰይያስ ምስ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፤ “ምሕንጻጽ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣድላዪ ከምዘይኮነ ነቲ ወኪል ኣመሪካ ገሊጽሉ” ክብሉ ናብቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ዜጋታት ሓቢሮም’ዮም። እቶም ሽዑ ኣብ ግዝያዊ ፖለቲካዊ ሕጽኖት ዝነበሩ ክልተ መራሕቲ’ውን እንተኾነ፤ “ጉዳይ ዶብ ካልኣዊ እዩ” ክብሉ ከምዝተሰምዑ ዝዝከር’ዩ።ካብ’ቲ ግዜ’ቲ ጀሚሩ እዩ እምበኣር፤ ዳርጋ ሃሲሱ ዝነበረ ድልየት ባሕሪ ናይ ኢትዮጵያውያን ከምበሓዱሽ ዝተበራበረ። ዶር. ኣቢን ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ሰበስልጣናትን፤ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ትምለሰሉ ግዜ ርሑቕ ከምዘይኮነ ብዙሕ ግዜ ኣብዝተፈላለየ መድረኻት በጨቕ ከብሉ ተሰሚዖም።ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ቁሩብ መዓልታት ከኣ፤ ነቲ ብትሒም-ትሒም ዝፍለጥ ዝነበረ ጥርጣረ፤ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ኣበበ ገላው ብጋህዲ ገሊጽዎ። ጋዜጠኛ ኣበበ ከምዝበሎ፤ “ፕረሲደንት ኢሰይያስን ዶር ኣቢን፤ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምምላሳ ከምዝተሰማምዑ፤ምፍላይ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ወይ ከኣ ናጽነት ኤርትራ ንፕረሲደንት ኢሰይያስ ከምዘሕዝኖ፤ ባዕሉ ዶር ኣቢ ብምስጢር ነጊሩኒ” ክብል ተሰሚዑ።

8. ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ባህግታት ክውን ንምግባር፤መራሒ ህግደፍ ንኤርትራን ህዝባን የብርሳን የጽንታን ከምዘሎ ዝተኸወለ ሓቂ ኣይኮነን። ልዕሊ 64,000 ህይወት ብሉጻት ወሲዳ ዝመጸት ሃገር፤ ብቁጽሪ ምስኡ ዝዳረግ ሞት ኣብ መሬት ትግራይ-ኢትዮጵያ ኣብዚ ዝሓለፈ 2 ዓመታት ገ’ቢራ ከምዘላ፤ ዘይወግዓዊ ሓበሬታ የመላኽት ኣሎ። እቲ ቀዳማይ ንሓርነታ ተባሂሉ ኣብ 30 ዓመታት ዝተኸፍለ መስዋእቲ ክኸውን እንከሎ፤ እቲ ዳሕረዋይ ግን ንጥፍኣታ ኣብዘይ ሃገሩ ዝብጀው ዘሎ ህይወት እዩ።

9. እዚ ኣብ ቁጽሪ 7 ሰፊሩ ዘሎ፤ “ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብምፍላያ ኢሰይያስ ሕዙን’ዩ” ዝብል ብኣንደበት ዶር. ኣቢ ዝተዘርበን፤ ምስቲ ኣብ ቁጽሪ ሓደ ዘሎ፤ ኣብ 1990 ብነፍሲሄር መለስ ዜናዊ ዝተባህለን፤ምስ ድሒሩ ዝሰዓበ ባህርን ተግባርን ኢሰይያስ ዝሳነ እዩ። ብመሰረቱኸ እንታይ ምስክርነት ተደልዩሉ! “ጓል፤ ኣፋ ምስክራ” ከምዝባሃል፤ ዝባደሙ ዓድታትን ደምበታትን፤ ዝዓነዉ መናድቕ ከተማታት ኤርትራ፤ ዝተባሕጎጉ ባህልናን ክብርታትናን፤ ዝማደወ ገጽ ወለድና፤ወላድ-መኻን ዝኾና ኣዴታትና፤ ዝዘኽተሙ ውሉዳት፤ ዝማእመና መርዑት፤ ባይታ ዝወደቐ ቁጠባ ሃገር፤ ብሓፈሻ ብኩሉንትናኣ ዝወደቐት ኤርትራ ባዕላ’ንዶ ግዳ ትምስክር ኣየላን።

10. ኣብዚ ዝሓለፈ ቁሩብ መዓልታት ብዛዕባ ዋንነት ቀዪሕ ባሕሪ ዝምልከት ብዶር. ኣቢ ዝተዋህበ መግለጺ እምበኣር፤ ብቐንዱ ድልየትን ባህግን ኢሰይያስ እዩ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ፤ ነዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ልኣላውነት ኤርትራ ዝግህስ ደፋር መግለጺ፤ ከም’ቲ ንቡር እንተዝኸውን፤ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ንዑኡ ዝበቅዕ ዕቱብ ግብረመልሲ ክዋሃቦ ምተገብአ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ናብ ዓለማዊ ውድብ ሓድነት ሃገራት (UN) ጥርዓን ከተቕርብ ግቡእ ኔሩ። እቲ ብርጌድ ንሓመዱ ናይ ጽልኢ ዳስ ኣፍሪሱለይ ኢሉ፤ መዓልቲ መዓልቲ ሓተታ ከውጽእ ዝቐነየ ስርዓት፤ ኣብ ሕጂ በጺሑ ግን፤ ነዚ ኣዝዩ ገዚፍ ጉዳይ ኣመልኪቱ፤ 4 መስመር ጥራይ ሓንጢጡ እዩ ኣጽቂጡ ዘሎ። እዚ’ውን እንተኾነ፤ ነቶም ዋጭ ዋጭ ክብሉ ዝቐነዩ ደገፍቱ መዐገሲ ተባሂሉ ዝወጸ ደኣምበር፤ ብቐጥታ ንመደረ ዶር. ኣቢ ዘተኮረ ግብረ መልሲ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፤ ዕላማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ኢሰይያስ ኣፍወርቂን ሓደ እዩ። ፍልልዮም ኣብ ናይ ግዜ መቐን ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ንኣብነት፤ ቅድሚ ሙሉእ ብሙሉእ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ምጽንባራ፤ ኢሰይያስ ብውሑዱ ክልተ ነገራት ከጻፍፍ ወይ ከኣ ኣብ ቁጽጽሩ ከእቱ ኣለዎ:

I) ፈደራላዊ ምሕደራ ኢትዮጵያ፤ እንኮላይ እታ ንርብዒ ዘመን ኢሰይያስ ዝቖዘመላ ዓንቀጽ 39፤ ሙሉእ ብሙሉእ ኣፍሪሱ፤ ብኣሃዳዊ ምሕደራ ክትካእ ኣለዎ። ብሓጺሩ፤ ምልእቲ ኢትዮጵያ ልክዕ ከም ኤርትራ፤ ኣብ ትሕቲ ሙሉእ ቁጽጽር ማእከላይ መንግስቲ ወይ ሓደ መራሒ ክትኣቱ ኣለዋ።

II) እቲ ቀንዲ ሃንዳሲን ዋሕስን ፈደራላዊ ምሕደራ ዝኾነ ህወሓት ክጠፍእ ኣለዎ። ድሕሪ’ዚ፤ ኢሰይያስ ነቲ ንኣስታት 40 ዓመታት ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ዘይተዋሕጠሉ ናጽነት ኤርትራ ብዘየዳግም ንኽቕልብስ ወይ ድማ ንኽቕይር ምቹእ ባይታ ይፈጥረሉ።

እንተኾነ ግን፤ ኣብ ኲናት ትግራይ ወይ ኢትዮጵያ ኣትዩ እዘን ክልተ ነገራት ከይወደአ፤ ከምቲ ንሱ ዝበሎ ውዕል ፕሪቶርያ “ኮሊፉዎ” እዩ። ስለዝኾነ ከኣ፤ ንግዚኡ ከደናግረና ኢሉ ናብታ መሕብኢቱ ዝኾነት “ምክልኻል ልኣላውነት ኤርትራ” ትብል ድፋዕ ተመሊሱ ይርከብ ኣሎ። ኣብዚ ኩነት’ዚ እዮም እምበኣር፤ ህንጥዩነት ዶር. ኣቢን፤ቅድመኩነት ኢሰይያስን ዝጋጨዉ ዘለዉ።ኢሰይያስ ዝተኾለፎ ተልእኾ ክሳብ ዝውድእ ክጽበ ይመርጽ። ዶር. ኣቢ ብወገኑ፤ ካብ ውሽጣዊ ጸገማቱ መውጽኢ ክትኮኖን፤ ብሰንኪ ህንጥዩነቱን ነታ ዝነበረት ምስጢራዊት ስምምዕ ሕጂ ተኲሱዋ’ሎ።ስለዚ እምበኣር፤ “ወደን ከይሓምያስ ሰበይቲ ወደን” ከምዝባሃል፤ ጠንቂ ናይ’ዚ ምድፋር ልኣላውነት ኤርትራን፤ ብቐንዱ’ውን ቀዳማይ ጸላኢ ህዝብን ሃገረ ኤርትራን ባዕሉ መራሒ ህግደፍ እዩ።

እዚ ብወገን ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ድንዕታ ሓደገኛ እዩ። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተባህለ፤ ህግደፍ ባዕሉ ዝተኸሎ ፈንጂ ረጊጹ ለኪሙና ክጠፍእ ይኽእል’ዩ። ኣማውቱኒ ክብል ጀሚሩ ኣሎ። ነዚ ተረኽቦ፤ ብውሕዱ ነዚ ተስፋ ተነቢሩሉ ዘሎ ምንቅስቓስ መንእሰያት ንምድኻም ክጥቀመሉ ይፍትን ኣሎ። “ኣብዛ ፈታኒትን ጸባብን እዋን፤ ኩሉና ደገፍትና ተቓወምትና ኢድን ጓንትን ኮንና ባሕርናን ልኡላውነት መሬትናን ነውሕስ” ይብለና’ሎ።ብመሰረቱ ግን፤ ብህግደፍን ደገፍቱን ትጠፍእ እምበር ትለምዕ ሃገር የብልናን።”ሃገር ኣብ ሓደጋ ስለዘላ፤ ቃልሲ ንፍትሒ ኣወንዚፍካ፤ ኣብ ጎድኒ’ቲ ንሃገር ዘጥፍእ ዘሎ ህግደፍ ኮንካ ንሃገርካ ተኸላኸል” ዝብል ኣምር፤ ዝኣረገ ሽጣራ እዩ።ብስም ምክልኻል ሃገር ንምንዋሕ ዕድመ ስልጣን ኢሰይያስ ተባሂሉ፤ኣብ ሑቕፎ ህግደፍ ምእታው ግን ንባዕሉ ነብሰ ቕትለት’ዩ። መራሒ ህግደፍ፤ ሕጂ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምስላጥ ምስ ኣበዮ፤ ኣብ ልኣላውነትን ሃገራውነትን ኤርትራ እንተተዓቖበ፤ ምስ ረሃዎን ዕድል ምስ ረኸበን “ንኤርትራ ኣብ ዘይንረኽባ ክሰቕላ” ከምዝደሊ ዝሓለፈ ባህርያቱን ንጥፈታቱን መምሃሪ ክኾነና ይግባእ።

እሞ ነዚ ጉዳይ ደኣ ብኸመይ ንሓዞ፤ ዝብል ሕቶ ክምለስ ግድን ይኸውን።ብናተይ ርእይቶ፤ ከምዚ ዝስዕብ ጌረ ኣቐሚጠዮ ኣለኹ:

1. “ኣብዛ ፈታኒትን ጸባብን እዋን፤ ኩሉና ደገፍትና ተቓወምትና ኢድን ጓንትን ኮንና” ንመሪሕነት ስርዓት ህግደፍ ነልግሶ። ንግዚኡ ብመሰጋገሪ መንግስቲ እንዳተመራሕና፤ ብሓባር ኮንና ኣንጻር ናይ ደገ ጸላኢ መኪትና፤ ባሕርናን ልኡላውነት መሬትናን ከምነውሕስ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ሃገርና ናብ ንቡር መሊስና ብሕግን ስርዓትን ትመሓደር ሃገር ከምንገብራ ጥርጥር የብለይን።

2. ኣብ ቁጽሪ ሓደ ዘሎ ሓሳብ እንተዘይማእሚኡኩም፤ ጎድናዊ ተጻብኦ ደው ኣቢልና፤ ናይ ስራሕ ክፍፍል ንግበር። ሀ) እቶም ደገፍቲ ህግደፍን ተቃወምቲ-መሰልን፤ ቃልስኹም ኣንጻር ናይ ደገ ተጻብኦ ኣሓዪሉ። ለ) እቲ “ዝተረደኦን ዝተወደኦን” ተቓላሳይ ንፍትሒ ግን፤ “ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል፤ ዕርፍኻ ኣጽንዕ!”። ቀንዲ ጸላኢ ህዝብን ሃገርን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ገበል’ዩ። ልኣላውነት ሃገር ዝደፈረን ዘድፈረን፤ ሃገር ዘባደመን ህዝባ ዘጽንት ዘሎን ባዕሉ ቁንጮቁንጮ ስርዓት ህግደፍን መራሒኡን እምበር፤ መራሕቲ ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ኣይኮኑን። ንሳቶም፤ ብዛዕባ ዝተኣትወሎም መብጽዓ እዮም ዝዛረቡ ዘለው።

3. ኤርትራ ከም ሃገርን ህዝብን፤ ኣብ ኣፍኣርክቡ ዝዓይነቱ ህላወ ምህላውና ዘይስቆሮ ተቓላሲ ንፍትሒ ክህሉ ኣይጽበን። ኣብ ከምዚ ህሞት እምበኣር፤ ዝገደፍካ ገዲፍካ ህይወት ኣብ ምድሓን ኢኻ ትጓየ። ኩሉ ሕድገታት ጌርና ሓደ ጥርኑፍ ሓይሊ መስሪትና፤ ኣማራጺ ሓይሊ ከምንኸውንን፤ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለና ሽግራት ብሰለማውን ምዕቡል ኣገባብን ክንፈትሕ ከምንኽእልን፤ ንማሕበረሰብ ዓለም ነርእየኡ ግዜ ሕጂ እዩ። ካብዚ እንተቦኺርና ግን፤ ኣብ ጥፍኣት ኤርትራ ህግደፍ ጥራይ ኣይኮነን ዝሕተት፤ ሕምቀት ደምበ ተቃውሞ’ውን ካብቲ ጸሊም ታሪኽ ኣይከምልጥን እዩ።

4. ናይ ሕጊ፤ ናይ ታሪኽ፤ናይ ስነ-ባሕሪ፤ ናይ ጂኦግራፊ ዝኣመሰሉ ክኢላታት ዘካተተት ሓይሊ ዕማም እንተትቐውም ምተመርጸ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፤ ኣብ’ቲ ናይ 45 ደቓይቕ መግለጺኡ፤ኣብ 100 ዓመታት ዘይጸሪ እሾኽ ኣብ’ቲ ዞባ ዘሪኡ’ሎ። ንፖለቲካዊ ሃልኪ እዩ’ምበር ህልው ኩነታት ኢትዮጵያ ንኤርትራ ክወርር ኣየኽእሎን’ዩ ኢልካ ሸለል ዝባሃል ጉዳይ ኣይኮነን።ምኽንያቱ፤ “ኣነ ሕጂ እንተዘይከኣልኩ፤ወይ ንሕና እዞም ናይ ሕጂ ወለዶ እንተዘይከኣልና፤ ዳሕራይ ማዓልቲ ደቕና ንቀዪሕ ባሕሪ ከምልስዋ ኢዮም” ትብል “ሕማም ደሓር” ገዲፉልና ከምዘሎ ክንዝንግዕ ኣይግባእን። እዚ ንዞባዊ ሰላም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጥሙሕን ዝንቡዕ ኣተሓሳስባን ክግታእ ኣለዎ። እዛ ሓይሊ ዕማም እምበኣር፤ ነዚ ሓደገኛን ዘይሓላፍነታዊ ትረኻ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘስዓቦ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ ኣብ ምእራም ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ክህልዋ ኢዩ። ከምኡ’ውን፤ ምስቶም ናይ ብሓቂ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ዝደልዩ ኢትዮጵያውያን እንዳተላፈነት፤ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ናይ ኢትዮጵያ ብቐጻሊ እንዳቐረበት፤ በቲ ዝርደኦም ቋንቋ ንኢትዮጵያውያን ኣብ ምርዳእ ከተድምዕ ትኽእል’ያ ዝብል እምንቶ ኣለኒ።ብውሑዱ፤ ነቲ ንዘመናት ክኸይድ ዝኽእል ሓደጋ ኣብ ምቕናስ ልዑል ተራ ክህልዋ ይኽእል’ዩ ኢለ ይኣምን።

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ’ዚ ጽሑፍ፤ንእግረ መገደይ እዚ ዝስዕብ ለበዋ ንህዝቢ ትግራይ ብትሕትና ከሕልፍ ኣፍቁዱለይ። ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ፤ ኣብ ዝሓለፈ 3 ዓመታት ዝወረደካ ኣደራዕ ንኹሉ ደላዪ ሰላም ዘሕዘነ ምዃኑ ምንጋር ዘድሊ ኣይመስለንን። እንተኾነ ግን፤ ብሰንኪ’ዞም ኣብ ሰላም ክነብሩ ዘይክእሉ ናይ ጥፍኣት ሓይልታት ዝወረደካ ግፍዒ ተደሪኽካ፤ ልቦናኻ ከይጎድል ብትሕትና እምሕጸነካ። ኣብ’ዚ ንሙሉእ እቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ጥሙሕ ናይ ዶር. ኣቢን መሰልቱን ኢድካ ከይትሓውስ ደጊመ እላበወካ።ጌና መሊእካ ናብ መረበትካ ከይተመለስካ እንከሎኻ፤ መሬትካ ዳግማይ መናሃርያ ኲናት ክኸውን ኣይግባእን። ኣዴታት ትግራይ፤ ጌና ኣብ ሓዘን እንከለዋ፤ ንዳግማይ ሓዘን ከይዳረጋ፤ ብኩሉንትናኻ ጸዓር። ብመሰረቱ፤ዘይመሬቱን ዘይባሕሩን ዝብህግን፤ ብሓይሊ ክውንን ዝህቅን መንግስቲ ይኹን መራሕ ሃገር፤ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ፤ እንኮላይ ጸላኢ ህዝቢ’ቲ ሙሉእ ዞባ እዩ። ምኽንያቱ፤ ዘይናትካ ምድላይ ኲናት እምበር ሰላም ዓዲሙ ኣይፈልጥን፤ ብሕጂ’ውን ኣይክዕድምን’ዩ።ኲናት ከኣ ሓንሳብ ዘይኮነስ፤ ብዙሕ ግዜ ፈቲንናዮስ፤ ኣበስኡ ማለት ኣበሳ ኲናት ዘስተማቐርና ህዝቢ ኢና። ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ክንጽረሉ ዝግባእ ግን፤ ቀዪሕ ባሕሪ ክንዮ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከርብሕ ዝኽእል ጸጋታት ኣለዎ። እዚ ጸጋታት’ዚ ግን፤ ሰላም ዝሰፈኖ ዞባ ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ፤ ናብ ረብሓ’ዞም ህዝብታት ብሰላም ክውዕል ዝኽእል።

ኣብ መወዳእታ እምበኣር፤ ንጽሑፈይ በዚ ዝስዕብ ለበዋ ክዛዝም።ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፤ እታ ብደምን ኣዕጽምትን ደቃ ዝመጸት ሃገርና፤ ሕጂ’ውን ደም ደቃ ብኸንቱ ኣብ ዘይመሬቶም እንዳኸዓወት፤ መገዲ ጥፍኣት ተምርሕ ከምዘላ ካብ ዓይንኻ ኣይተኸወለን። ሃገር ኣብ ኢድና ትሓውየና’ላ። ሃገርና ኤርትራ፤ ብናይ ደገ ዘይኮነትስ፤ ብናይ ውሽጢ ጸላኢ እያ ትጠፍእ ዘላ። እቲ ብሓይሉ ሃገርን ህዝብን ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት፤ ብቐንዱ’ውን ኣቶ ኢሰይያስ ኣፍወርቂ፤ “ነዛ ሃገር ኣብ ዘይተርክቡዋ ሰቒለያ ክኸይድ’የ” ከምዝበለ፤ መዛኑኡን ናይ ቀረባ መሳርሕቱን መቓልስቱን ምስክርነቶም ከምዝሃቡ ዝስወረካ ኣይኮነን።።ኣብ ድሮ ናጽነት ኤርትራን፤ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 32 ዓመታትን ዘርኣየና ባህርን ግብርን’ውን፤ ቀንዲ ጸላኢ ሃገርን ህዝብን ንሱ ምዃኑ ምስክርነት ዘየድልዮ ጉዳይ፤ ንዓኻ’ውን ዝገበረ ግዳይ ምዃኑ ተዓዚብካዮ’ለኻ።ትኒዕታ ወይ ድማ ድንዕታ ናይ ጎደቦ ሃገር፤ ሳዕቤን ደኣእምበር ጠንቂ ኣይኮነን። ብመሰረቱ’ውን፤ ድልየት ናይቲ ውልቀመላኺ እዩ። ጠንቂ ገዲፍና ናብ ሳዕቤን ጥራይ እንተኣድሂብና ግን፤ ከም ንሓደ ብውሽጡ ዝምሽምሽ ዘሎ ኣካል፤ ብደገ ጥራይ ብፋሻ ምሽፋን’ዩ ዝቑጸር።ብደገ ብፋሻ ወይከኣ ብባንዴጅ ስለዝተሸፈነ፤ ካብ መቑረጽትን ሞትን ኣየድሕነካን’ዩ።ስለዚ እምበኣር፤“ኣብዛ ፈታኒትን ጸባብን እዋን፤ ኩሉና ደገፍትና ተቓወምትና፤ [ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ]፤ ኢድን ጓንትን ኮንና” ንመሪሕነት ስርዓት ህግደፍ ካብ ሱሩ በንቊስና ክንጉሕፎ ይግባእ። ንግዚኡ ብመሰጋገሪ መንግስቲ እንዳተመራሕና፤ ብሓባር ኮንና ኣንጻር ናይ ደገ ጸላኢ መኪትና፤ህዝብናን ባሕርናን ልኡላውነት መሬትናን ከነውሕስ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ሃገርና ናብ ንቡር መሊስና፤ ማንም ናይ ውሽጢ ይኹን ናይ ደገ ናይ ፖለቲካ ዕቡድ ክዕንድረላ ዘይክእል፤ ብሕግን ስርዓትን ትመሓደር ሃገር ከምንገብራ ጥርጥር የብለይን።

ወደሓንኩም!!

ዮውሃንስ ሃይለ
ኦታዋ ፤ ካናዳ
27 ጥቅምቲ 2023

Read in PDF: ብ'PDF ንምንባብ፡ ኣብ ታሕቲ ጠውቑ፡-

ትንቢተ ኢሰይያስ፤ ብልሳነ ኣቢ! ብዶር. ዮዉሃንስ ሃይለ


𝐄𝐑𝐈𝐒𝐀𝐓: ትንቢት ኢሰያስ ብልሳነ ኣቢ | ብዶር ዮውሃንስ ሃይለ


ERISAT: ዘይጭምት ኣይተኩስ ! | Current Affairs ~ እዋናዊ ጉዳያት




See also more articles by
ካልኦት ብ'ዶር ዮውሃንስ ሃይለ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: