ታሪኽ ቛንቋ ዓረብ ኣብ ኤርትራ - 3ይ ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

14/04/2021 16:27 PM

ታሪኽ ቛንቋ ዓረብ ኣብ ኤርትራ
3ይን ናይ መጨረሽታ ክፋል

ብ`ዓሊ መሓመድ ሳልሕ ሹም
By: Mr Ali Mohammed Saleh

ታሪኽ ቛንቋ ዓረብ ኣብ ኤርትራ - 3ይ ክፋል

ታሪኽ ቛንቋ ዓረብ ኣብ ኤርትራ - 3ይን ናይ መጨረሽታ ክፋል
ብ`ዓሊ መሓመድ ሳልሕ ሹም፡ By: Mr Ali Mohammed Saleh Shum, علي محمد صالح شوم

እዚ ብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጽዋዕ ዘሎ መሬት ምድረ ሓበሻ ምስ ሃገራት ዓረብን ስግር ገምገም ባሕርን ዘለዎ ታሪኻዊ ምትእስሳር ሰረታዊ ሙኻኑ ኣስሚርናሉ ንይርና፡ብዘይካዚ "ሙስሓፍ" ማለት "መጽሓፍ" ን ቅዱስ ቁርኣን "ሙስሓፍ" ብዓረብ ዝጽውዓሉ ኮይኑ፡ ብ ግእዝ እውን ንመጽሓፍ ቁዱስ" ሙስሓፍ" ብዝብል ኣጸዋውዓ ተገሊጹ ምርኣይ ምትእስሳር ቋንቋ ዓረብን ግእዝን ዘርኢ ታሪኻዊ ልፍንቲ ቅድሚ ምትእትታው ሃይማኖት ምስልምና ዘርኢ ጥራይ ዘይኮነ ምሕዝነት ንግስነት ኣክሱምን ምድሪ ዓረብን ታሪኻዊ ኮይኑ፡ ምትእትታው ሃይማኖት ምስልምና እውን ነቲ ዝነበረ ምሕዝነት ዘዕኮኸ ኩነት እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ብጾት ነብይ መሓመድ ናብ ምድረ ሓበሻ ኣብ ዝተሰደሉን ዕቅባ ዝሓተቱሉ እዋን ቁጽሮም 132 ኮይኑ ካብኣቶም 20 ናይ ሓበሻ ዘርኢ ዝነበሮም ኮይኖም ከም ኣብነት"ኡም ኣይመን-ናይ ነብይ መሓመድ መጥበዊት ነበር" ናይ ሓበሻ ዘርኢ ዝነበራ ኮይና ኣብ ምድረ ዓረብ ትቅመጥ ጸኒሓ ምስ ብጾት ነብይ መሓመድ ናብ ምድረ ሓበሻ ተሰዲዳ ምምላሳ ምትእሳሳር ናይቶም ህዝብታት ዘሪኢ ማሕበራውን ዘርኣውን ምትእስሳር እዩ። ብጾት ነብይ መሓመድ ን 16 ዓመታት ኣብ ምድረ ሓበሻ ተቀሚጦም ተዋሲቦም፡ካብኣቶም 14 ኣብ ምሬት ሓበሻ ዓሪፎም ። እዚ ድማ ዓረባዊ ሞቦቆል ዘሎዎም ህዝብታት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምርኣይ ዘገርም ኣይኮነን፡ ብዘይካዚ ካልኣይ መራሒ ምድረ ዓረብ ዝነበረ ዑመር እብን ኣልኻጣብን መራሒ ግብጺ ዝነበረ ዓምር እብን እልዓስ ኣደታቶም ካብ መሬት ሓበሻ እየን። ንመራሒ ዕመር እብን ኣልኻጣብ ዝቀተለ እውን ናይ ሓበሻ ሞቦቆል ዝነበሮ ኮይኑ፡ ንሓወቦ ነብይ መሓመድ "ሓምዛ" ዝቀተለ እውን "ዋሕሺ" ዝብሃል ኮይኑ ናይ ምድረ ሓበሻ ሞቦቆል ዘለዎ ኮይኑ ጸኒሑ ኣብ ምስልምና ኣትዩ ታሪኻዊ ቅያታት ሰሪሑ። እዝን ካልእን ህዝብታት ሓበሻ ኣብ ታሪኽ ምስልምናን ምድረ ዓረብን ኣጋይሽ ከምዘይኮኑን በንጻሩ እካ ድኣ ኣብ ምስራሕ ታሪኽ ምስልምናን ምድረ ዓረብን ዓብይ እጃም ኣበርኪቶም እዮም። ብዘይካዚ እቲ ብ"ኣብርሃ ኣል ኣሽራም" ዝፍለጥ ን ቁዱስ መካ ክወርር ዝተበገሰ ሓበሻ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዓመት እቲ ነብይ መሓመድ ዝተወልደሉ ኮይኑ፡ኣብርሃን ሰራዊቱን ሓራምዝ ይጥቀሙ ብምንባሮም፡ ጸኒሑ ኣብ ቁዱስ ቁርኣን ብዛዕብኦም ትትንትን ምዕራፍ ትርከብ። ብዘይካዚ ኣብ ታሪኽ ምስልምና ዓብይ እጃም ዘበርከቱ ናይ ሓበሻ ዘርኢ ዝነበሮም" ቢላል ኣል ሓበሽን ሉቅማን ኣል ሓኪምን" ህያው ኣብነታት ኮይኖም፡ ንቁዱስ ቦታታት መካ ክሳብ ቀረባ ዓመታት ዝከናኸኑ ዝነበሩ ድማ ናይ ሓበሻ ዘርኢ ዘለዎም ህዝብታት እዮም።

ነዚ ሙርኩስ ብምግባር፡ ዋላ እካ ጂኦግራፍያዊን ኣብ ገለ ሞቦቆላዊ ፍልልያት እንተ ሃለወ፡ንሕና ከም ኣህዛብ ንዘለና ታሪኻዊ ምትእስሳራት ተጠቂምና ኣብ ረብሓ ዝተሞርኮሰ ሕውነታዊ ምሕዝነታት ብምፋጣር ሓባራዊ ሾቶታት ብምንዳፍ ምስ ኣብ ከባቢና ዘለዋ ሃገራት ዓረብ ክንሰርሕ ግዝይኡ ኮይኑ፡ ንታሪኽን ቋንቋታት ህዝብናን ኣመጻጽኡኡን ብወድዓውነት ሰኒድናን ተቀቢልናን፡ ነዚ ዲባዊ ቅርበትና ምስ ሃገራት ዓረብን ኣገዳሲ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣናን ቀይሕ ባሕርን ኣገዳስነቱን ኣብ ፈታኒ ኩነታት ኣቀሚጡና ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዙሓት ናይ ረብሓ ሓያላን ሃገራት ብዘለወን ናይ ግበታ ሕልምታት ኣብ ከባብና ዘይምርግጋእ ብምፍጣር ካብ ናይ ዕቤትን ብልጽግናን ሕልምታት ህዝብታትና ብናይ ጋል መንገዲ ጉዳያት ግዜና ከነባኽን ዘየለ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ህዝብታትን ቋንቋታትን ብምምጻእ ከላህዩና ይርኣዩ ኣለዉ።

ገዛእቲ ሓይልታት ጥልያንን እንግሊዝን ንታሪኽን ኣመጻጽኣ ህዝቢ ኤርትራ ዝትንትን ሓያለይ መጻሕፍቲ ጽሒፎም፡ ኣስማት ገለ ካብዞም መጻሕፍቲ ድማ እነሆ።

1፡ ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃዊት ኤጣልያ/ ፈርናንዶ ማቲኒ 2፡ ደቀባት ነበርቲ ኤርትራ/ ኣልበርቶ ቦሊራ
3፡ ኣቃውማ ባህልታት ኣብ ኤርትራ/ ካርሎ ኮንቲኒ ሮሲኒ
4፡ ግዝኣት ኤርትራ- ምምሕዳር ባጽዕ፣1910/ ኣልካፋሊሪ ዳንቲይ ኦድ ረትሲ
5፡ ሓጺር ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ/ ሎንገሪኽ
6፡ ግዝኣት ኤርትራ ኣብ ግዜ ምስግጋር/ ሲር ከነዲ ተርፋስኪስ
7፡ ምስልምና ኣብ ኢትዮጵያ/ ተር በንግሃም

እዞም ዝተጠቅሱ ናይ እንግለዝን ጥልያንን ጽሓፍቲ ዝሰነድዎ ኣገዳሲ ታሪኻዊ ሓቅታት ኮይኑ ከም ምንጭን መበገስን ታሪኻዊ ኣመጻጽኣና ክዕቆብ ይግባእ። ብዘይካዚ ዓበይቲ ተጋደልቲ ብዛዕባ ታሪኽ ቋንቋ ዓረብ ጽሑፋት ኣቅሪቦም። ከም ኣብነት ህቡብ ጽሓፍን ሓርበኛን መሓመድ ሰዒድ ናውድ ኣብ ምኒስትሪ ትምህርቲ ብ 2010 ዘቅረቦ ጽሑፍ ታሪኻዊ ሰነድ ኮይኑ፡ ሓርበኛ እድሪስ ኣባዕረ እውን ኣብ ሓደ ሰሚናር ዝተዛረቦ ኣብ ጉዳይ ቋንቋ ኣደ ከም መምሃሪ ቋንቋ ምጥቃም ሓጋዚ ከምዘይኮነን፡ ንቋንቋ ዓረብ ንሙግሳይን ታሪኽ ህዝብታት ንምዕፋን ዝተኣለመ ውዲት ሙኻኑ ኣስሚሩሉ ነይሩ እዩ። እድሪስ ኣባ ዕረ ብ ኣብ ኣገባብ ኣመሃህራን ካሪክለም ኤርትራን ዝነበሮ ነቀፈታት እዩ ምስ ጉጅለ 15 ዝተኣስረ።

ብዘይካዚ ሓርበኛ ኣምበሳደር መሓመድኑር ኣሕመድ ብዛዕባ ቋንቋታት ኣብ ዝተገብረ ጉባ ኤ ብዛዕባ ቋንቋ ዓረብ ዘቅረቦ ጽሑፍ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮይኑ ግዱሳት ኣብ መድያ ክዝርግሑዎ እምሕጸን። ኣምባሳደር ዓብዱ ሄጂ ኣብ መርበብ መጽናዕትን ስነዳን ኣብ ኣስመራ ዝሰረሐ ኮይኑ ብዛዕባ ቋንቋ ዓረብ ብዘቕረቦ ጽሑፍ ምኽንያት እዩ ህግደፍ ቀይዱዎ ዝርከብ። ሓርበኛ ኣባል ጉጅለ 15 ዝኾነ ኣምበሳደር ሓምድ ሕምድ እውን ደቂቅ ዝኾነ ታሪኽ ቋንቋ ዓረብ ኣብ ኤርትራ ዝሓዘለ ጽሑፍ ን ፕረሲደንት ኤሰይያስ ኣረኪቡ እዩ። ኣብ መጨረሽታ ድማ ደቡብ ኮርያ ንቋንቋ ዓረብ ከም ካልኣይ ቋንቋ ኣብ ኣብያተ ትምህርታ ከም እትምህሮን እዚ ድማ ምስ ህዝብታት ዓረብ ክትምስርቶ እትደሊ ምሕዝነት ንምሕያል እዩ።

لقاء مع المناضل علي محمد صالح وحديث عن اللغة العربية في ارتريا

ዓሊ መሓመድ ሳልሕ ሹም
ለንዶን
ባሕቲ ምያዝያ፡ 2021


ዝሓለፉ ክፋላት ኣብ ታሕቲ ጠውቑ፦

1ይ ክፋል (29/03/2021)፡
2ይ ክፋል (01/04/2021)፡
3ይ ክፋል (14/04/2021)፡


Share with friends:

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

"ተዘክሮታትን ታሪኽን - ኣብነታት ካብ ታሪኽ ጅግንነት ህዝቢ ኤርትራ" ሓዳስ መጽሓፍ ብ'ገዲም ሓርበኛ ዓሊ መሓመድ ሳልሕ፡
New Book launch, Reflections on the epic Eritrean liberation struggle, by Veteran Ali Mohammed Saleh  


You may also want to view /  ካልእ ከገድሰኩም ዝኽእል፡-
መልእኽትታት ፖለቲካዊ ውድባት፡ ባይቶታት ይኣክል፡ ማሕበራትን ትካላትን፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: