ታሪኽ ቛንቋ ዓረብ ኣብ ኤርትራ - 2ይ ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

01/04/2021 21:35 PM

ታሪኽ ቛንቋ ዓረብ ኣብ ኤርትራ
2ይ ክፋል

ብ`ዓሊ መሓመድ ሳልሕ ሹም
By: Mr Ali Mohammed Saleh

ታሪኽ ቛንቋ ዓረብ ኣብ ኤርትራ - 2ይ ክፋል

ታሪኽ ቛንቋ ዓረብ ኣብ ኤርትራ - 2ይ ክፋል
ብ`ዓሊ መሓመድ ሳልሕ ሹም፡ By: Mr Ali Mohammed Saleh Shum, علي محمد صالح شوم

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ህላወ ቛንቋ ዓረብ ኣብ ኤርትራ ቅድሚ ምትእትታው እስልምና ናብ ኤርትራ ከምዝነበረን ዋላ ኡካ ቁዱስ መጽሓፍ ቁርኣን ብቛንቋ ዓረብ ዝተጻሕፈ እንተኾነ፡ ግን ኩሎም ተኸተልቲ ሃይማኖት ምስልምና ቛንቋ ዓረብ ዝመልኩ ኣይኮኑን። ንኣብነት ዓበይቲ ሃገራት ምስልምና ከም ብዓል ኢንዶነዝያ፡ ማሊዝያ፡ ፓኪስታን፡ ኢራን፡ ኣፍጋኒስታንን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ብዓል ናይጀርያ፡ ሰነጋልን ካልኦትን ህዝብታት ቛንቋ ዓረብ ዝመልኩ ኣይኮኑን። እዘን ሃገራት እዚአን ንቛንቋ ዓረብ ኣብ ግዜ ስግዳንን ትምህርቲ ቁርኣንን ጥራይ ዝጥቀማሉ ኮይነን፡ ከም ብዓል ኢራንን ፓከስታንን ድማ ን ፈደላት ዓረብ ተጠቂመን ንቛንቋ ኣደ ኣብ ምጽሓፍ ጥራይ ይጥቀሙሉ። እዚ ድማ ቛንቋ ዓረብ ምስ እምነት ምስልምና ዘተሓሕዝ ከምዘይብሉ እዩ ዘርኢ።

ብምቅጻል ታሪኽ ቛንቋ ዓረብ ኣብ ኤርትራ ቅድሚ ምትእትታው ሃይማኖታት ምስልምናን ክርስትናን ከም ዝኾነ ዘርኢ ሰነዳት ብምህላውን፡ ብጾት ነብይ መሓመድ ናብ መሬት ሓበሻ ኣብ ዝተሰዱሉ እዋን እውን ካብ ባዶ ዝነቀለ ኣይነበረን፡ ነብይ መሓመድን ብጾቱን ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ስግራት ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረ ህዝብታት ምትእስሳርን ሓባራዊ ቛንቋታትን ባህልን ኣብ ግምት ብምእታው እዮም ናብ ንጉስ ሓበሻ ዝኾነ ኣሕመድ ነጃሲ ዝኣንፈቱ። እዚ ድማ ብዛዕባ እዚ ኣብ ግዜና ዘሎ መልክዕ ቛንቋ ዓረብን እቲ ቁዱስ ቁርኣን ዝተጻሕፈሉ ቅዲ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ሱራዊ ታሪኽ ቛንቋ ዓረብ ምስ ንዕዘብ፡ ቛንቋ ትግርኛ ዝጽሓፈሉ ቅዲ ምስቲ ኣል ሕመይሪ ዝብሃል ቅዲ ኣጸሓሕፋ ቛንቋ ዓረብ ዝትሓሓዝ ሙኻኑን እዚ ብግእዝ ዝፍለጥ ድማ ቛንቋ ደቡብ ድሴት ዓረብ ሙኻኑ እዩ። ብዘይካዚ ክሳብ እዚ ግዜና ኣብ ብዙሓት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ኤርትራን ዘሎ ባህሊ ህዝብታት ብቀጥታ ምስ ህዝብታት ዓረብ ዝተኣሳሰረ ኮይኑ፡ መልክዕ ህዝብታት ምስ ንዕዘብ ድማ ፍልልይ ኣብ ዘይብሉ መልክዓትን ኣካላዊ ኣቃውማ ህዝብታት ሓበሻን ሃገራት ዓረብ ገማምግም ቀይሕ ባሕርን ንምልከት። ነዚ ሙርኩስ ብምግባር ቛንቋዊ፡ ባህላዊን ኣካላዊ ኣቃውማታት ኣህዛብ ምስ ንዕዘብ፡ እዚ ድማ ሙቃም ኣህዛብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኤርትራን ምስቲ ካብ ሃገራት ደሴት ዓረብ ዝመጹ ኣህዛብ ዝተኣሳሰር ሙኻኑ እዩ።

لقاء مع المناضل علي محمد صالح وحديث عن اللغة العربية في ارتريا

እዝን ካልእን ንታሪኻውነት ቛንቋ ዓረብ ዘነጽር ኮይኑ፡ ነቶም ቛንቋ ዓረብ ምስ ራሻይዳ ወይ መግዛእቲ እንግሊዝ ትኣታትዩ ዝብሃል ባዶ ትንተናታት ዘነጽር ኮይኑ፡ ርሑቅ ከይከድና ቛንቋ ዓረብ ቅድሚ ምምጻእ መግዛእትታት ቱርክን ግብጽን ምንባሩ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍና ኣነጺርና ጥራይ ዘይኮነ፡ ገዛእቲ ፖርቱጋል ኣብ መሬት ደንካልያ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን ብቛንቋ ዓረብ ምስ ነበርቲ ኣህዛብ እቲ ቦታ ከምዝተረዳድኡ ገሊጽና ኢና። ኣብ ግዜታት መግዛእቲ ቱርክን ጥልያንን እውን ቛንቋ ዓረብን ቛንቋ ገዛእትን ከም ወግዓዊ ቛንቋ እቲ ከባቢ ኮይኑ ተሰሪሑሉ። ብዘይካዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ገለ ናይ ከባቢና ኣህዛብ ቛንቋ ዓረብ ኣብ ምጽሓፍ ጋዜጣታትን መጋዚንን ተጠቂሙሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጋዜጣታት ኣብ ኤርትራ ብቛንቋ ዓረብ ቅድሚ ቛንቋ ትግርኛ ምሕታም ከምዝጀመራ ናይ ቀረባ ሰነዳት ዘመስክሮ ሓቅታት እዩ። ጋዜጣታት ኣል ዛማን፡ ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ፡ ሶውት ኢሪትርያ፡ ኣልውሕዳን ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ካብ ናይ ሽዑ መጋዚን ቛንቋ ዓረብ ድማ፡ ኣል ማናርን፡ ኡስራ ሳቃፍያን ህቡባት ኣብነታት እየን። ኣብቲ ሽዑ እዋን ህብብቲ ኣከፋፋሊት ጋዜጣታት ዝነበረት ላይብረሪ ባሕመዱን ኣብ ምዝርጋሕ ጋዜጣታትን መጋዚናት ቛንቋ ዓረብ ሓያል ሽም ዝወነነት ምንባራን፡ ብዘይካቲ ናይ ውሽጢ ሃገር ጋዜጣታት ናይ ወጻኢ መጋዚናት ከም ሮዞርዩስፍ፡ ኣኽር ሳዓ፡ ኣልሙሰውርን ኣል ኣህራምን ኣብ ምዝርጋሕ ዓብይ ግደ ተጻዊታ እያ። ነዚ ሙርኩስ ብምግባር ህላወን ምትእስሳርን ቛንቋ ዓረብ ምስ ህዝቢ ኤርትራ; ታሪኻዊ ምትሕሓዝ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ታሪኻዊ ኣቃውማ ህዝብና ዝተተሓሓዘ ሃገራዊ ቛንቋ እዩ።

ዓሊ መሓመድ ሳልሕ ሹም
ለንዶን
26 መጋቢት 2021


ዝሓለፉ ክፋላት ኣብ ታሕቲ ጠውቑ፦

ዝሓለፉ ክፋላት ኣብ ታሕቲ ጠውቑ፦

1ይ ክፋል (29/03/2021)፡
2ይ ክፋል (01/04/2021)፡
3ይ ክፋል (14/04/2021)፡


Share with friends:

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

"ተዘክሮታትን ታሪኽን - ኣብነታት ካብ ታሪኽ ጅግንነት ህዝቢ ኤርትራ" ሓዳስ መጽሓፍ ብ'ገዲም ሓርበኛ ዓሊ መሓመድ ሳልሕ፡
New Book launch, Reflections on the epic Eritrean liberation struggle, by Veteran Ali Mohammed Saleh  


You may also want to view /  ካልእ ከገድሰኩም ዝኽእል፡-
መልእኽትታት ፖለቲካዊ ውድባት፡ ባይቶታት ይኣክል፡ ማሕበራትን ትካላትን፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: