ታሪኽ ቛንቋ ዓረብ ኣብ ኤርትራ - 1ይ ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

29/03/2021 02:29 AM

ታሪኽ ቛንቋ ዓረብ ኣብ ኤርትራ
1ይ ክፋል

ብ`ዓሊ መሓመድ ሳልሕ ሹም
By: Mr Ali Mohammed Saleh

ታሪኽ ቛንቋ ዓረብ ኣብ ኤርትራ - 1ይ ክፋል

ታሪኽ ቛንቋ ዓረብ ኣብ ኤርትራ - 1ይ ክፋል
ብ`ዓሊ መሓመድ ሳልሕ ሹም፡ By: Mr Ali Mohammed Saleh Shum, علي محمد صالح شوم

ብመጀመርያ ብዛዕባ ታሪኽ ቛንቋ ዓረብ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ክዛረብ ዝደረኸኒ ምኽንያት፡ ብዛዕባ ምትእስሳር ቛንቋ ዓረብ ምስ ኤርትራ ብዙሓት በብዝጣዓሞም ክትንትኑ ይርኣዩ ብምህላዎም፡ ኣነ ድማ ምስቲ ናይ ዕድመ ተሞክሮይን ካብ ቀዳሞት ኣቦታት ዝወረስኩዎ ሓቅታትን ከምኡ ውን ካብቲ ሃብታም ኣርካይቭ ታሪኽ ኤርትራን ቃንቃታታን ካብ ዝተፈላለዩ ተረኽቲ ቱርኪ፡ጥልያንን እንግሊዝን ዘንበብኩዎ ትሕዝቶ ከካፍለኩም መሪጸ ኣለኹ።

ሓደ ኣገዳሲ ሓቂ ክንግንዘቦ ዝግባእ ቛንቋ ዓረብ ምስ ሃይማኖት ዘተሓሕዝ ከምዘይብሉን ልክዕ ከም ካልኦት ቛንቋታት ናይ ምዓልታዊ ህይወት መረዳድኢ ምንባሩን ብርክት ዝበሉ ጭብጥታት ዘመስክርዎ እዩ። ከም ኣብነት ካብ 17ን 18ን ክፍለ ዘበናት ኣብ ከተማታት ምጽዋዕ፡ ከረንን ካልኦትን ኣብ ኣብያተ ቤት ፍርድን ካልእ መንግስታዊ ትካላትን ቃንቃ ዓረብ እቲ እንኮ ዕላዊ ቃንቃ ኮይኑ ይስራሓሉ ከምዝነበረ ሰነዳት ናይቲ እዋን ኣብ ኣርካይቫት ትዓቂቡ ኣሎ። ብዘይካዚ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ኤርትራ ከም ብዓል ድሴት ዳህላክ ብቛንቋ ዓረብ ዝተጻሕፉ ብዙሓት ታሪኻውያን ውቃጠታት ይርከቡ፡ ከም ኣብነት " ኦ ናብዚ ገዛ ትኣቱ ዘለኻ ጋሻ ሽም ናይቲ ምሩጽ ነብይ መሓመድ ዘክር" ካልእ ድማ " ብሰላም እቶ" ዝብል ጽሑፋት ኣብ ኣፍደገ ገዲም ታሪኻዊ ህንጻታት ይርከብ፡ ብዘይካዚ እውን ሓያለይ ዝኾኑ መቃብራት ብቃንቃ ዓረብ ሽም መወቲ ተጻሒፉዎም ይርከብ።

ብዘይካዚ እዞም ውልቃዊ ፖሎቲካዊ ተልእኾ ሒዞም ንህላወ ቛንቋ ዓረብ ኣብ ኤርትራ ዝነጽጉ፡ ቛንቋ ዓረብ ብመርቶዖ ታሪኽን ህላወን ብ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ኤርትራን ህያው ታሪኻዊ ቛንቋ ሃገርና ሙኻኑ ተወሳኺ ታሪኻዊ ሰነዳት እነሆ።

ናይ ጥንቲ ባጤራታት

ገዛእቲ ፖርቱጋል ናብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ዝበጸሑሉ እዋን ምስቶም ነበርቲ ኤርትራውያን ቶርጎምቲ ብምጥቃም ብቛንቋ ዓረብ ይረዳድኡ ምንባሮም፡ ኣብ መሳገዲን ኣብያተ ክርድትያንን ቛንቋ ዓረብ እቲ ወግዓዊ ቛንቋ ከምዝነበረን፡ ብፍላይ ኦርቶዶክስያዊት ቤተ ክርስትያን ሓዲሽ ኣቡን ኣብ ትሽይመሉ ኣጋጣሚ እቲ ጽንብል ብቛንቋ ዓረብ ይስነድ ከምዝነበረን በታ ኣብ ከተማ እስክንድርያ ዝተዶኮነት ምብራቃዊት ቤተ ክርስትያን ትምሕደርን ብቛንቋ ዓረብ ዝተሰነደ ልውውጥ መልእኽትታት ተሰኒዱ ይርከብ። ብዘይካዚ ክሳብ እዚ ቀረባ ክፍለዘመናት ጠቅላሊ ርእሰ ቤተክርስትያናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጥቀመሉ ዝነበረ ማሕተማትን ንጉስ ሓበሻ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ማሕተምን ብዓረብኛ ዝተጻሕፈ" ንጉስ ነገስታት ምድረ ሓበሻ" ዝብል ከምዝነበረ ብሰነዳት ትዓቂቡ ይርከብ። ብዘይካዚ መጽሓፍ ቅዱስ ብግእዝን ዓረብኛን ተጻሒፉ ኣብ ምድረ ሓበሻ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰፊሕ ይንበብ ነበረ። ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ካብ ኢትዮጵያ ን ኤርትራ ዝወረረ ሓይሊ ዝመርሕ ዝነበረ መራሒ ዝኽደኖ ዝነበረ ክዳን እውን ናይ ዓረብ ከምዚ ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቅ ንርእዮ ኣልባሳት ከም ዝነበረ ተረኽቲ ይገልጹ። ብዘይካዚ እቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ባጠራ " ርያል ኣቡ ጠራ" ይብሃል ከምዝነበረን እዚ ብቛንቋ ትግርኛ "ባጠራ" ዝብል ስም ካብኡ ዝተወስደ እዩ። እዚ ድማ ንህላወን ታሪኽን ቛንቋ ዓረብ ኣብ ምድረ ሓበሻ ዘርኢ ኮይኑ ህዝብታት ድማ ብዘይ ዝኾነ ዕቃበታት ይጥቀሙሉ ከምዝነበሩን ብ ኣንጻር እዚ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ናይ ገለ ኣንጻር ቛንቋ ዓረብ ዘሎ ናይ መድያ ዘመተ እዩ።

ነዚ ዝተረድኡ ኣቦታትና ኣብ መጀመርያ ሓምሳታት ቛንቋ ዓረብን ትግርኛን ከም ወግዓውያን ቛንቋታት ኤርትራ ኣጽዲቆም። ድሒሩ ኣብ 1958 ገዛኢ ሓይሊ ኢትዮጵያ ንኽልቲኤን ቛንቋታት ኣልዩ ብ ኣምሓርኛ ኣብ ዝተካኣሉ እዋን ህዝቢ ኤርትራ ዓበይቲ ሰለማዊ ሰልፍታት ብምግባር ቛንቋታቱ ክምለሰሉ በቲ ቅዋም መሰረት ተቃሊሱ እዩ። ነዚ ሙርኩስ ብምግባር ድማ ሰውራ ኤርትራ ንክልቲአን ቛንቋታት ብማዕረ ከም ወግዓውያን ቛንቋታት ተጠቂማትለን።

ዓሊ መሓመድ ሳልሕ ሹም
ለንዶን
22 መጋቢት 2021


ዝሓለፉ ክፋላት ኣብ ታሕቲ ጠውቑ፦

1ይ ክፋል (29/03/2021)፡
2ይ ክፋል (01/04/2021)፡
3ይ ክፋል (14/04/2021)፡


Share with friends:

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

"ተዘክሮታትን ታሪኽን - ኣብነታት ካብ ታሪኽ ጅግንነት ህዝቢ ኤርትራ" ሓዳስ መጽሓፍ ብ'ገዲም ሓርበኛ ዓሊ መሓመድ ሳልሕ፡
New Book launch, Reflections on the epic Eritrean liberation struggle, by Veteran Ali Mohammed Saleh  


You may also want to view /  ካልእ ከገድሰኩም ዝኽእል፡-
መልእኽትታት ፖለቲካዊ ውድባት፡ ባይቶታት ይኣክል፡ ማሕበራትን ትካላትን፡


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: