Placeholder Picture
Placeholder Picture
ብርገድ ንሓመዱ!!!!

11/07/2023 19:22 PM

ብርገድ ንሓመዱ!!!!

ብ'ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ
ቱክሳስ ኣሪዞና፡ 10 ሓምለ 2023

ብርገድ ንሓመዱ! ብ'ሃይለ ገብረትንሳኤ፡ ዘብሄረ ሰራየ፡ ቱክሳስ ኣሪዞና፡ 10 ሓምለ 2023።

ብርገድ ንሓመዱ!!!!
ብ'ሃይለ ገብረትንሳኤ፡ ዘብሄረ ሰራየ፡ ቱክሳስ ኣሪዞና፡ 10 ሓምለ 2023

ብርገድ ንሓመዱ መን እዩም? ብርገድ ንሓመዱ ብግምት ካብ ሓምሳ ዓመታት ንታሕቲ ዝዕድመኦም፡ ኤርትራውያን እዩም። እዞም ከም መናእሰይ ዝፍለጡ ኣብ ሃገሮም ንቡር ዘይርኸቡ ዜጋት እዮም። ከመይሲ! ኣብ ኤርትራ ብግዜ ደርጊ ዝተወልዱ፡ ዝደሓሩ ድማ ድሕሪ ደርጊ፡ ዝተወልዱ እዮም።

ደርጊ ሃገርና፡ ብ1991 ተሳዒሩ ምስ ከደ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነጻነት ረኺበ ኢሉ ዓለለን፡ ዘለለን። ደቅና ኣትዮም፡ ሃገርና ብርሃን፡ ሽሻይ ብሽሻይ ክትከውን እያ ዝብል እምነት ነበሮ። ገለ ሰብ ባጀላ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝሓጸረ አዋን “ሲንጋፖር” ክንገብራ ኢና እናበሉ ንህዝቢ ኣጉል፡ መብጽዓታት፡ ኣብ ፈቐዶ መጋባእያ ተፍእሉ።

ግዝያዊ መንግስቲ ብዝብል ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ተቛቖመ። ግዝያዊ መንግስቲ ቀልጢፉ ዓመጽ ጀመረ። ዓመት ከይጸንሔ፡ ኣዋጅ ጌሩ፡ 1991 ቤት ትምህርቲ “ሳዋ” ንኽምስረት ንህዝቢ ኣወጀሉ። ሕጋውነት ዘይብሉ ግዝያዊ መንግስቲ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ንመጻኢ ትውልዲ ኣብ መቑሕ ዘእቱ ኣዋጅ ክእወጅ እንከሎ፡ ብዘይ ሓደ ተቓውሞ! ብ1994 ኣብ ገብሪ ኣውዓለ።

ናይ ክብሪ ስም “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ዝብል ብመዓር ዝተላዕጠጠ መርዚ ነበረ። ቀዳማይ፡ ካልኣይ ሳልሳይ፡ ራብዓይ...ወዘተ እናበለ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ክሳብ ሕጂ 36 ይቕጽል ኣሎ። እንተኾነ፡ ናይ ብሓቂ ሃገራዊ ኣገልግሎት ድዩ እቲ መደብ ን18 ኣውርሕ፡ ብድሕሪኡ ናብራኻ ክትገብር? ዝብል እዩ ነይሩ፡ ሓቂ ድዩ? ኣይኮነን፡ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ባርነት ኮይኑ ተረኽበ። “ተፈታሕካ ጥራሕ ቁጻር” ከም ዝባሃል፡ ገደብ ዘይብሉ ዕስክርናን፡ ባርነት፡ ሰብኣዊ-መሰል ዝግህስ መሰል ዘይሕለወሉ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕመጻሉን፡ ከተማ ፈጠረ። እዚ ብ“ግበር፡ ኣይትግበር” ዝፍለጥ/ዝብል ፍጹም ምእዙዝነት፡ ክትሓስብን ክትሓትትን ዘይትኽእለሉ፡ ዘይሰብኣውነት ጭኾናን፡ ኣደራዕን፡ ጥምየትን መከራን፡ ፍጹም ምልኪ ዝዓሰሎ መነባብሮ፡ መቑሕ መንእሰይ ኤርትራ ኮነት።

ኣብ ርእሲ፡ ጭቆናዊ ምምሕዳር፡ ኣብ ዘየድሊ ዕንደራዊ ኩናት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብዝመጽእ ትእዛዝ፡ ሓንሳብ ምስ የመን፡ ቀጺሉ ምስ ሱዳን፡ ማዕረ ማዕሬኡ ናብ ኮንጎ፡ ወረ ናብ ስሪላንካ፡ ሊብያውን ዝኸዱ ኣለዉ ይብሃል። ብዓቢኡ ምስ ኢትዮጵያን ጅቡትን፡ ብባድመ፡ ዝስመ ዘይውዳእ ጽልእን ኩናትን ንዕዘብ።

ነዚ ጭቛኒ ማፍያ ህግደፍ፡ ወይ ብስም ስርዓት ኢሳያስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ስርዓት-ኣልቦ፡ ኣጽናትን ኣጥማይን፡ ኣሳርን፡ ገፋዕን፡ ኣድካይን፡ ገዛኢ ህዝቢ ኤርትራን፡ ምዃኑ ዝተዓዘቡ መንእሰይ ሃገረይ፡ እግረይ ኣውጽእኒ እናበሉ፡ ናብ እግሮም ዝመርሓቶም ሃጽ ኢሎም ክስደዱ ተገደዱ።

መንእሰይ ጾታ ከይፈለየ፡ ዝፈትዎም ስድራ ቤቱ፡ ዝፈትዋ ሃገሩ፡ ዝፈትዋ መርዓቱን ደቁን፡ ገዲፉ ተበገሰ። ሃገሩ ከተንብሮ ስለ ዘይክኣለት፡ ጠንጢንዋ ንስግረ ዶብ ተዓንዘረ። ዶብ ክሰግር እንከሎ ብተመልከተለይ፡ ብጥይት እናተሳሕተ፡ ኣብ ዶብ ብጥይት ተመንጢሎም ዝተረፉ ቁጽሮም፡ ባማእት ኣሻሓት ኢልካ’ዩ ዝንገር። ዶብ ዝሰገሩ፡ ብሱዳን ወይስ ብኢትዮጵያ፡ ወይስ ስግር ባሕሪ፡ ካብ ሓደ ሃገር፡ ናብቲ ሓደ ሃገር ክሰጋገሩ ከለዉ፡ ብዙሕ ዘስካሕክሕ ኩነታት እናኣሕለፉ፡ ኣብ ዓድ ሰብ በጽሑ።

ብሱዳን ገሮም ንሲናይ ዝኸዱ፡ ኣብ ሲናይ ብረሻይዳን፡ ብበደዊን፡ ዝተሳቐዩን፡ ዝተዓመጹን፡ ዝተገርፉን፡ ብማይ ጽምኢ ኣብ ሰሃራ ዝተረፉን፡ ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ህያው መሰኻክር እዮም። ኣብ ሲናይ፡ ኩሊቶም፡ ልቦምን ከብዶምን፡ ተጠቢሑ፡ ናብ ዓለም ዕዳጋ ዝወረደ ካብ ዓሰርተ ሽሕ ንላዕሊ ምዃኖም ይሕበር (10,000)። ካብ ሱዳን ተበጊሶም ናብ ሊብያ ኣትዮም፡ ተገሪፎም ኣሻሓት ገንዘብ ከፊሎም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም ኣብ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ብኣማእት፡ ኣሻሕት ዝቑጸሩ ክኾኑ ከለዉ፡ ማዕረ ማዕሪኦም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ መራኽብ እናጠሓላ ዝለከምኦም፡ ቀለብ ዓሳ ኮይኖም ዝተረፉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ እዮም። መንእሰይ ኤርትራ፡ ናብ መላእ ዓለም ከም ደቂ ዛግራ ተዘርኤ። እዚ ጨካን ኢሳያስን መዳኽርቱን፡ ልዕሊ 368 ሬሳታት ኣሕዋትና ኣሓትናን፡ ኣብ ላምፓዱሳ ጣልያን፡ ክሳብ ሕጂ ሓመድ ኣዳም ኣይለበሱን።

ኣብ ስደት ኣብ ዝኣተዉሉ፡ እቶም ኣቐዲሞም ተሰዲዶም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ብጽቡቕ መንፈስ ኣይተቐበልዎምን። ከም ጋሻ ንቡር ኣቀባብላ ኣይተገብረሎምን። ስለምንታይ፡ ማፍያዊ፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣቐዲሙ፡ ንመንእስያት ኤርትራ፡ መጻወድያ ፍሒስሎም ስለዝጸንሐ። እዚኦም! ሃገር ኪሒዶም፡ ንትግራይ ዝኣተዉ እዮም። ከዳዓት፡ ሸየጥቲ ዓዶም፡ ሃደምቲ፡ እናበለ፡ ስሞምን ዘይስሞምን እናሃበ፡ ኣብ ስደት ናብራኦም ንኸይጥዕሞም፡ ንኸይመሓየሽ፡ ዓቢ ገርገራ ሰርሔ።

ብርጌድ ንሓመዱ፡ ነዚ ሕጂ በጺሑዎ ደርጃ ንኽበጽሕ ብርቱዕን፡ ጽንኩርን መዋጥራት ሓሊፉ እዩ። ብመጀመርያ ኣብ ኤርትራ እንከሎ ዘሕለፎ ስነ ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ (Post Traumatic Syndromes)፡ ዶብ ሃገሮም፡ ምስ ሰገሩ ዘጋጠሞም ቅልውላው ስደት፡ ጥምየትን መከራን፡ ጽምዋን፡ ጸብጺብካ ዘይውዳእ ናብራ ስደት፡ ኩሉ ብትዕግስቲ ኣሕለፉዎ። መነባብሮኦም እናኣመሓየሹ ኣብ ዝኸዱሉ፡ ኣብ ኣከባቢኦም ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ባሮት ኢሳያስ፡ ምንባር ከልእዎም። ጨካን ባህርያቶም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እና ሳዕረረ ኸደ።

ደምበ ፍትሒ፡ ወይ ደምበ ተቓውሞ፡ ተባሂሉ ዝስመ ምንቅስቓስ፡ ንፍትሒ ኣብ ስደት ዝመደበሩ፡ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ነንሕድሕድ ምፍልላይን፡ ምብትታንን፡ ድኣምበር ኣወንታዊ መሪሕነት፡ ሃገራዊ ጽላል ዝኸውን ክገብር ኣይከኣለን። እዚ ድማ መንእሰይ ኤርትራ “ካብ ሓዊ ወጺእካስ፡ ናብ ረመጽ” ኮይንዎም ጸንሔ። ደምበ ፍትሒ ንጹር መድብ ዕዮ፡ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ኣብ ግብሪ ዝረኤ ብዘይ ምንባሩ፡ ንመንእሰይና፡ ተስፋ ዘቑርጽ ነበረ።

እቲ ዝሓሸን፡ ንጹር መርግጽ ሒዙ ዝተበገሰ፡ ምንቅስቓስ “ብሩህ መጻኢ ኤርትራ” ዝብል ዉድብ ወይ ማሕበር ብብዝሒ ካብቶም ብሳዋ ዝሓለፉ መናእሰይ እዩ። ንጹርነቱ ድማ “መን እዩ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ?” ንዝብል ሕቶ፡ መልሲ ምርካቡ እዩ። ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኢሳያስን ስርዓቱን፡ ኢሉ ኣቐመጠ። ሓቅነቱ ብጽብጢ ክምጎት ይካኣል።

1. መሪሕነት ኢሳያስ፡ ንኤርትራ ከም ሃገር ምንም መደብ ዘይብሉ፡ ኣብ ዕንወት ሃገር ዝተመርኮሰ፡ ብምዃኑ እዩ።ድሕሪ ሰላሳን ክልተን ዓመታት ዝሃቦ ቃለ መሕትት ኢስያስ ተመልከት።

2. ነጻነት ኤርትራ ነቲ ንስሱዕ ድልየት ኢሳያስ መርወዩ፡ ዝኾነ ሃገር እያ። ኣብ ፈቐዳ ኩናት እና ኣእተወ ሃገርና ደምበ ዕስክርና ብምግባሩ እዩ።

3. ሞትን ውድቀትን ህዝቢ ኤርትራ ዘይምልከቶ ምኽዋኑ “...ብኣይከሰርናን” ኢሉ ዝሃቦ ቃልን ምእዋጁ እዩ።

4. ሃገር ሕግን ስርዓትን ዘይብላ ሃገር፡ እናሓደረት ትመውት ሃገር ብምግባሩ እዩ።

5. ንመንእሰይ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢሳያስ፡ ንመስዋእቲ መልሚልካ ምቕራብ፡

6. ስድራ ቤት ኤርትራ በታቲንካ ኣብ ድኽነትን፡ ጽሞዋን ስዉር ጸነተ ምክያዱ

7. ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወረደ ዓመጽን፡ ናይ ምፍራይ ማህሰይትን፡ ሃገርዊ ጸነተ ምክያዱ።

8. መንእሰያት ኤርትራ፡ ኣብ ሳዋ ኣደንቁርካ፡ ነብሶም ዘይመርሑ ዜጋታት ምፍራይ።

9. ኣብ ሃገር ዝነበረ ትካላት፡ ብሰላሕታ ኣግባብ ምዕናው፡

10. ሃገርዊ ሃብቲ ናይ ግሊ ሃብቱ ኒሳያስ ጌርካ ምውናን

11. ዜጋታት ጸጋ ሃገሮ ንኸጥቀምሉ ምኽልካል (ህዝቢ ዓፋር) ባሕሪ ምኽልካል

12. ሓለዋ ጥዕና ኣዳኺምካ ብስለሕታ ህዝቢሳኣን ሕክምና ምጽናት። እዚ ብዉሑድ ከም ጽብጢ መርትዖ፡ ክሳብ ክንደይ ጽልኣት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘለዎ ዝምስክር አዩ። ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኢሳያስን ስርዓቱን እዮም። ብሩህ መጻኢ ኣገናዕ፡ ጉቡ መግለጺ።

ብሩህ መጻኢ ኤርትራ፡ ከምዚ ኢሎም ምስ ኣወጁ፡ ዝነበራ ዉድባት ብሓጎስ ክቕበልኦምስ ይትረፍ፡ ንኽትዕ ንኽቀርቡ ፍቓደኛታት ኣይነበራን። እንተኾነ፡ እቶም ንብሩህ መጻኢ መስረቲ ኣባላት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ ዘበነ ፓልቶክ፡ ከይሰልከዩ፡ መንነቶምን፡ ዓላምኦምን፡ ራኢኦም ይገልጹን ይካትዑን ነበሩ።

ስዒቡ፡ ስድነት፡ ግፍዕን ብድዔን ህግደፍ ኣብ ስደትን፡ ናይ ኢሳያስ ነውራምነትn ተሓዋዊሱ፡ “ነዊት ብላዕሊ ኣርዑት ሓነቖ፡ ብታሕቲ ዕርፊ ጸቐጦ” ከም ዝባሃል: መንእሰይ ኤርትራ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብዘለዉ ሶሻል ሚድያ እና ተሓገዙ፡ ነብሶም ክመርሑ ከኣሉ። ብዕደመ እውን ኣይነኣሱን፡ ኣብ ሞንጎ ሰላሳን ኣርባዓትትን እዮም።

ዝሓለፈ ዓመት፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ሓደ ጉጅለ ናይ ፈዳሕዳሕ፡ ዕንደራን ፕሮፖጋንደን ኣብ ዝለኣኸሉ ግዜ፡ “ብርገድ ንሓመዱ” ተወልደ። ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ተወዳዲቡ፡ መርበብ ቃልሲ “ይኣኽለኒ” ብዝብል ወኒ ተበገሰ። ብመሪሕነት ጆን ብላክ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓርበኛ፡ ከምኡውን ብጻዩ መምህር በየነ ገርዝጊሄር (ዉፉይ) ኣተሓባባርነት፡ ዝመረሮ ተባዕ ጅግንነት ዝዕጣቐቱ መንእሰይ፡ ኣብ ኤውሮጳ ተላዕለ።

ኣብ ዝተበገሰሉ፡ ሻዕብያ ወይ ማፍያ ህግደፍ፡ ኣብ መላ ዓለም ዝርከቡ ኤምባሲታት ዝመርሕዎ፡ ምስ ዓሻክሮም ወፍሪ ጸለመ ኣካየዱሎም። ካብኡ ንምጥቃስ፡ ኣእምሮኦም ዝሰሓቱ መንእሰያት፡ ናይ ሓሽሽ ቆላዑ፡ ሰካራማት፡ እቲ ዝዓበየ ስልማት፡- “ተጋሩ” እዮም ክብሉ ኣጸለሙዎም። ኣብ ዝተገብረ ግጥም፡ ንጉጅለ ሻዕብያ ዓላማኣ ከይወድኤት ካብ ኤውሮጳ ተባሪራ፡ ከም ትኸይድ ዝገበራ፡ ብርገድ ንሓመዱ እዩ። ብርገድ ንሓመዱ ኣብ 2022 ኣብ ጊሰን ጀርመን ብዝረኸቦ ዓወትን፡ ኣግባብ ቃልስን፡ ስልቲን፡ ተመርኩሱ፡ ክእለቱን፡ መንፋዓቱን፡ ጉድለታቱን ገምገመ።

መደቡን፡ ጉዕዘኡ ፕላን ኤን (A)፡ ፕላን ቢን (B)፡ ኢሉ መደቡ ሓንጸጸ። ፕላን ኤ፡ ማለት ብወግዒ ምዝርራብ፡ ሕጋዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ህዝባዊ ርክብ፡ ወይ ሎቢ ጭውነትን ውሕልነት ዝሓትት ኣግባብ እዩ።

እቲ ፕላን ቢ፡ ግና “ኣደኻ ከም ዝለኣኸትካ ዘይ ኮነስ ዕዳጋ ዝጸንሓካ እዩ”። እዚ ድማ ምግጫውን፡ መእሰርትን፡ መስዋእትን፡ ዝብል ቆራጽነትን፡ ትብዓትን፡ ዝቕናቶም መናእሰይ ኤርትራ፡ ኣብ ስደት ብመረረኒ ዝብሉ፡ ዝፈረዮም እዮም።

ኣብ 2023 ዝግበር ናይ ዓመታዊ ፕርፖጋንዳ፡ ሻዕብያ፡ ኣብ ዝነብሩሉ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ብዘሎ ሕግን ስርዓትን፡ ነጻነትን ተጠቒሞም፡ ብስም “ሃገራዊ ባህሊ፡ ደቅናን ህዝብናን እንራኸበሉ” ዝብል ጉልባብ ጌሮም ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ኖርወይ፡ ኣብ ሆላንድ፡ ኣብ ደንማርክ፡ መደባቶም ሓንጸጹ። ብርገድ ንሓመዱ ብፕላን ኤ፡ ገሩ ክዕወት ክኢሉ።

ኣብ ጊሰን ገርመኒ፡ ኣብ 2022 ብፕላን ቢ፡ እዩ ተዓዊቱ፡ እንተኾነ ኣብዚ ዓመት ወርሒ ሓምለ 2023፡ ብፈለማ ፕላን ኤ፡ ዓወት ተጎናጸፈ። እንተኾነ ማፍያ ህግደፍ ሓንጎሉ፡ ሓንጎል ኢሳይስ ስለዝኾነ፡ ኣንዊሑ ኣይሓስብን እዩ። ህልኸኛ እዩ። በቲ ዝፈልጦ ክማሃር ኣለዎ፡ ዝፈልጦ ጊንጥነት እዩ። ስለዚ ዘለዎ ምርጫ፡ ይግባይ ኢሉ ክሳብ (100,000. ኢሮ) ሚእቲ ሽሕ ኢሮ ንጠበቓታት ከፊሉ፡ ባህላዊ ሳዕሳዒትን፡ እንጀራን ሽሮን ንደቅና ኣነርእዮም ብዝብል ምስምስ፡ ንቤት ፍርዲ ጀርመን ኣደናገሮም። እንጀራን ሽሮን፡ እንተኾንኩም በሉ ኪዱ በሊዕኩም ሳዕስዑ ኢሉ፡ ቤት ፍርዲ ፈረደሎም።

“ነንጭዋን ዓጽሮ ሞታ፡ ንድሙን መጻወቲታ” ከም ዝባሃል፡ ከተማ ጊሰን፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካስል ጀርመን ንዝሃቦ ምሕጽንታ ስለ ዘይተቐበሎ! ንዝተበየነሉ ንኸፈጽም ተገደደ። ብርገድ ንሓመዱ፡ ብፕላን ኤ፡ ገሩ ክምሕጽንን ክላቦን ጸንሔ፡ እንተኾነ፡ ኣብ ሕግን ፍትሕን ዘለዎ ሃገር፡ ቤት ፍርዲ ዝወሰኖ ተቐቢልካ ምኻድ እዩ።

ብርገድ ንሓመዱ ብጆን ብላክ ዝምራሕ፡ ፕላን ቢ፡ ኣብ ግብሪ ከም እትውዕል ተራእይዎ ነበረ፡ ክባሃል ይካኣል። ንኣባልት ብርገድ፡ ንዕለት 7 ሓምለ ኣብ ጊሰን ዝብል መምርሒ ተመሓላለፈ፡ ዕዳጋና ዝሃበና ንርኢ እዩ ነይሩ። መንግስቲ ጊሰን፡ ንጆን ብላክ፡ ቆራጽ መራሒ ምዃኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግጥም ኣለልዩዎ ነበረሞ፡ ንጆን ብላክ ኣብ ቀይዲ ኣእተዎ።

እቲ ዘሔጉስ፡ ናይ ብርገድ ንሓመዱ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ቃልሱ፡ ካበይን ናበይን እናበለ የሳላስል ምንባሩ፡ እዩ። ንሱ ድማ ትማሊ ኣብ ጊሰን ጀርመን ተራእየ። ከመይሲ፡ ብርገድ ንሓመዱ፡ ተወዳዲቡ፡ ጉዕዞኡ ፈሊጡ ስለዝነበረ፡ ፕላን ቢ፡ ኣብ ገብሪ ኣብ ዝተባህለሉ፡ ሰዓት!!፡ ኩላቶም መን እንታይ ይገብር ብምፍላጥ፡ ስራሕ ተጀሚሩ ክስብ ዝፍጸም፡ ብውሕልነት፡ ብሕጋውነት፡ ብቖራጽነት፡ ብትብዓትን፡ ብጅግንነትን፡ ክምክት ዉዓለ።

ኣብ ቕድሚ ህዝቢ ከተማ ጊሰንን፡ ኣብ ልዕሊ 4000 ሽሕ ሰራዊት ጀርመን፡ ንድሮንን፡ ሄሊኮፕተርን፡ ገጸብቲ ማይ ዝኾና መካይንን፡ ግጥም ተጀመረ። ኣባላት ብርገድ ንሓመዱ፡ ድምብርጽ ከይበሎም፡ ስነ ስርዓት ዝመልኦም መናእሰይ ምዃኖም ንዓለም ኣመስኪሮም።

“ኣነን ሓጺሩ ይብል፡ ንሱን ተደቢሩ ይስዕስዕ” ከም ዝብሃል፡ ማፍያ ሻዕብያን ባሮትን፡ “ሓልወኒ ክሸይን” እናበሉ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ሰራዊት ጀርመን፡ ክስዕስዑ ሓደሩ።

ባሮት ኢሳያስ፡ ጋዘጠኛ ጀርመናዊ፡ ክሓቶም እንከሎ ዘርኣይዎ ስነ ምግባር! ንዘስተውዕል፡ እኹል መንነቶም መግለጽን መርኣያን ነበረ። ምስ ዕድሚኦም ዘይከይድን፡ ስነ ስርዓት ዝጎደሎን፡ ነቲ ዝነብሩሉ ሃገር ሕጎምን፡ ሰቦምን ክዘንፉ ተራእዩ። ኣብ ሓደ ግዜ ፖሊስ መጺኡ፡ “እዚ ጋዘጠኛ እዩ፡ ክትሰጎ ኣይትኽእልን ኢኻ ኢሉ ነቲ ሓላው ማዕጾ ባርያ-ሻዕብያ ሰጎጎ”።

እዚ ምስ ብርገድ ንሓመዱ ዘርኣይዎ ስነ ምግባራት፡ ዝናኣድን ዘሔብንን፡ ዘኹርዕን ነበረ። ብርጌድ ንሓመዱ፡ እኩብ ድምር፡ ግፍዕታት ሻዕብያን፡ ናይ ነዊሕ፡ ኽትዓትን፡ ምምኽኻርን፡ ትምህርትን ተሓዋዊሱ፡ እዞም ዝርኤናዮም ብሱላትን ምቑሉላትን ፈርዮም።

ኣብ ግዜ ፓልቶክ፡ ብሳጓ ስም ንጥቀም ስለ ዝነበርና፡ ገጾም ስለ ዘይራኣዩ፡ ነዞም ብዕድመ ዝዓበና፡ ይጻረፉን፡ ይዘንፉን ነበሩ፡ “..ዕድመኹም ወዲእኩም ዕድመና ኣይትወዱእልና” ዝብል መምርሒ ማፍያ ሻዕብያ እናተጠቕሙ፡ ንቡዙሓት ደለይቲ ፍትሒ እንዳ ተጻረፉ፡ ተስፋ ከም ዝቖርጹን ከምዘይሳተፉን ይገብሩ ነበሩ።

ብኣንጻሩ፡ ብርገድ ንሓመዱ፡ ንሕና ሓዱሽ መድረኽ ከፊትና ኣሎናሞ፡ ዓበይቲ ኣያታትና፡ ኣቦታትና፡ ብትምህርቲ፡ ብዲፕሎማስያ፡ ብምምሃርን፡ ብምምራሕን፡ ፖለቲካ ዉድባትን፡ ዉልቀ ሰባትን፡ እንሆ! ሜዳ፡ ምርሑና፡ ምኸሩና፡ ሓግዙና፡ ዝብል ምቕሉልነት ክትሪኢን ክትሰምዕን ከለኻ! ኤርትራ ተስፋ ከምዘለዋ ይርኣየካ።

ብርገድ ንሓመዱ፡ ሓዲሽ መድረኽ ቃልሲ ዝኸፈተ ትውልዲ እዩ። ብርገድ ንሓመዱ፡ መሪሑና ንኺድ ንዓድና ክብለና ጀሚሩ። ንኺድ ንዓድና! እናበልና ክንዝምር ዝገበረ ጅግንነት ዝመልኦ፡ ማሕበር ሃገራዊ ሓይሊ ኤርትራ እዩ።

ኣብ ሰላሳ ዓመታት፡ ከነቃልዖ ዘይኻኣልና፡ ማፍያ ኢስያስ፡ ትማሊ ብብርገድ ንሓመዱ ዝተገብረ ግጥም፡ ምስ ባሮቱ፡ ክሓፍሩን ክሽቕረሩን፡ ከለዉ፡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራ ድማ ኮሪዖም፡ ኣብ ጎደናታት ጀርመን ሸናዕ ኢሎም ክኸዱ ተራእዩ። ናይ ዓለም ዜናታት ወይ ሚድያታት ካብ ኣጽናፍ ክሳብ ኣጽናፍ፡ ጭካነ ኢሳያስ ከጋዉሓ ዉዒለን ሓደራ።

ብርገድ ንሓመዱ፡ ናይ ዓወት ጎዳና ሓንጺጹ ኣሎ። ናብ ኣስመራ መሪሑና ከም ዝኸይድ ፈሊጥና፡ ክንዓስልን፡ ክሕብብሕቦን፡ ክንኩስኩሶን፡ ከም ቢለን ዓይንና ክንርእዮን ኣሎና። መንእሰይ ጀጋኑና፡ ምስ ኩለን ኣሕዋቶም ኣደታቶም፡ ትማሊ ኣብ ጊሰን ጀርመን፡ ጸባ ኣስትይ! ኣቢሎምና እሞ፡ ጸባ ስተዩ ኢልና ንስዓቦም።

ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ
ቱክሳስ ኣሪዞና 10 ሓምለ 2023




ብቀጥታ ዝመሓላለፍ ቃለ መሕተት፡
ብዛዕባ ውዕሎ ጊሰንን ውጽኢቱን፡
ምስ ኣባል መሪሕነት ብርጌድ ንሓመዱ ጀርመን

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: