17/03/2024 15:19 PM
ሃገራውን ህዝባውን ልዑላውነትና ዝግህስ ዘሎ፡
ዘቤታዊ ጨቋኒ መንግስቲ ህግደፍ እዩ።
ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ by Democratic Front For Eritrean Unity.
ሃገራውን ህዝባውን ልዑላውነትና ዝግህስ ዘሎ፡ ዘቤታዊ ጨቋኒ መንግስቲ ህግደፍ እዩ፡
ህዝብታት ኤርትራ ንሓምሳ ዓመታት ዝኣክል ሰላማውን ዓመጻውን ቃልሲ ብምክያድ፡ መጠነ-ከቢድ ኩሉ-መዳያዊ መስዋእትን ክሳራን ከፊሎም፡ ዝተፈላለየ ሓሳረ-መከራን ርእዮም ሃገራዊ ነጻነቶምን ልዕላውነቶምን ከም ዘረጋገጹ ሓቂ እዩ፡፡ ይኹን ዳኣምበር እዛ ብከቢድን ክቡርን ዋጋ መስዋእቲ ዝተረጋገጸ ነጻነትን ልዑላውነትን‘ዚ ህዝብታትና ናብ ክብ ዝበለን ዝዓሞቐን ኩነታት ብምጥንኻር ተጠቀምቲ ክኾኑ ኣይከኣሉን፡፡ ሃገራዊ ናጽነትና ስማዊት ተርእዮ ጥራሕ ብምዃን፡ ናይ ገዛእቲ ደርብታት ቦታን ስልጣንን ጠቕምን ምቅይያር ጥራሕ ኮይኑ እዩ ተሪፉ፡፡ እዚ ማላት ካኣ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ተወጊዱ፡ ብምልካዊ ጨካን ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ተቐይሩን ቀጺሉን፡፡
ህዝብታትና ብቃልሶም ልዑላውነቶም ብምርግጋጾም ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ዲፕሎማስያዊ ኣፍልጦን ድጋፍን ምርካቦም ኣወንታውን ኣገዳስን እኳ እንተኾነ፡ ኣብ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰሎምን ጥቕሞምን ምርግጋጽ፡ ሕግን ፍትሕን ምርካብን ምጥቃምን፡ ኤኮኖምያዊ ረብሐኦም ምርግጋጽን፡ ሰላምን ምርግጋእን ንውሽጦምን ምስ ከባቢኦም ህዝብታትን ሃገራትን ብምስፋን ብሰላምን ምክብባርን ምንባር ዘይምኽኣል..ወዘተ ዝኣመሰሉ ረቛሒታትን ጥቕምታትን ክረኽቡን ከውሕሱን ኣይከኣሉን፡፡ ስለ ዝኾነ ህዝብታትና ካብቲ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝወርዶም ዝነበረ ኩሉ መዳያዊ ጭቆናን ምዝመዛን ድህከትን ብዝበኣሰ መልክዑ ሕሰሞም እናረኣዩ ክመጹ ዝጸንሑን ገና ዝቕጽሉ ዘለዉን ውጹዓት ህዝብታት እዮም፡፡
መዓስ እዚ ጥራሕ፡ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ናብ ልዕሊ ጎረባብትና ኣሕዋት ህዝብታትን ሃገራትን ማለት፡ ምስ ሱዳን፡ የመን ጀቡቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ብእናካየዶ ዝመጸን ዝቕጽሎ ዘሎን፡ ናይ ወራር ውግኣት፡ ኣብ ህዝብታትና ዝወረደን ገና ዝወርድ ዘሎን ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ዋላ እኳ እዚ ገባቲ መንግስቲ ክሰትሮ እንተፈተነ፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ኤርትራ ዝወረደ ሞትን መቝሰልትን፡ ናብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኣብ 1998 ዝኸፈቶ ውግእ ዝወረደ ክሳራ ልዕሊ 71.000 ምዃኑ ውሽጣዊ ሚስጥራዊ ሰነዳት ናይ መንግስቲ-ህግደፍ ይሕብሩ፡፡ ውልቀ መራሒ ህግደፍ ንህዝቢ ክገልጾ ዝፈተነ ግን "ኣስታት 19.000" ብምባል እዩ፡፡ ህግደፍ ነቲ ጭቡጥ ሓቂ ክሓብኦ ይፈትን ዳኣምበር ኣብ ነፍስ ወከፍ ስድራ ቤታት ኤርትራ ዝወረደ ሰብኣዊ ክሳራ ግን ሓቢእካ ዘይሕባእ ታሪኻዊ ክሳራ እዩ፡፡
ጸረ ህዝብን ጸረ ደሞክራስን መንግስቲ-ህግደፍ ኣብዚ ዝጥቀስ ዘሎ ክሳራ ምብጻሕ ጥራሕ ከይተሓጸረ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዓ.ም ንህዝብን መንግስትን ትግራይ ንምድኻምን ንምብትታንን፡ ንዝሓደበሮ እኩይ ሕልሚ ንምግሃድ ክብል ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምውዳይን ምውዳድን ናብ ልዕሊ ሓውና ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ኩሉ-መዳያዊ መጥቃዕቲ፡ ውጹዓት መንእሰያትና ኣብቲ ዘይምልከቶም ኣዕናዊ ውግእ ብኣስገዳድ ክሳተፉ ብምግባር፡ ኣብቲ ኩሉ ዓይነት ገበናት ምፍጻም ከም መሳርሒ ተጠቒሙሎምን፡ ብዙሓት ኣሻሓት መንእሰያት ኤርትራ ንኮንቱ ክሞቱን ክስንክሉን መዋድቖም ዘይተፈለጡን ኮይኖም እዮም፡፡
ናብ መንእሰያትና ዝወረደ ክሳራ፡ ካብቲ ገና ዘይተገለጸ ውሽጣዊ ግምት ናይቲ ኣረሜናዊ መንግስቲ ዝቀላቐሉ ዘለዉ ኣመትቲ ሓበረታት ብምብጋስ ክረአ እንከሎ፡ ካብቲ ኣብ 1998 ዘጋጠመ ሰብኣውን ንዋታውን ክሰራታት ልዕሊ ሰለስተ ዕጽፊ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ እዚ ማለት ካኣ ኣጸጋጊዕካ ክረአ እንከሎ ልዕሊ 220.000 ዝበጽሕ ምዃኑ ናብ ሓቂ ዝቐረበ ግምት ክዋሃብ ዝካኣል እዩ፡፡ እዚ ብዝሒ ሰብኣዊ ክሳራ እዚ ነቲ ናብ ለዕሊ ሱዳን፡ የመንን ጁቡትን ዘካይዶ ወራራት ዝወረደ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ከይሓወስና ማለት እዩ፡፡ ስለዚ ኣብዞም ዝተጠቕሱ ዓመታት /1998ን 2020ን/ ናብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኣብራሲ ወራራት ኣብ መንእሰያት ወገናትና ዝበጽሐ ክሳራ ዳርጋ 300.000 ዝበጽሕ ሰብኣዊ ሂወትን ምጉዳል ኣካልን ከሲርና ኢና፡፡
እቲ ዝወረደና ክሳራ ግን በዞም ዝጥቀሱ ዘለዎ ግዳያት ጥራሕ ዝግለጽ ኣይኮነን፡፡ እንታይ ዳኣ እዞም ግዳያት እዚኣቶም ዝመርሕዎምን ዝጥውርዎምን ዝነበሩ ስድራ-ቤታት ብዘይ ጠዋርን መራሕን ምትራፎም ብሳዕቤኑ ኣብ ቁጠባውን ማሕበራውን ሽግራት ተሸሚሞም፡ ናብ ተጸባይነት፡ ድኽነትን ዓጸቦን ተሳጢሖም ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሽግራት‘ውን ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ እዩ፡፡
ብሓጺሩ እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ዝወርድ ዘሎ ኩሉ-መዳያዊ ጭቆናን ምዝመዛን ድህከትን ብዘቤታዊ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ‘ምበር ብባዕዳዊ ጨቋኒ ሓይሊ ኣይኮነን፡፡ እዚ ወድዓዊ ሓቂ‘ዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ግን ገለ ኤርትራውያን ኣባላት ደምበ ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ ውልቀ ሰባትን ኣካላትን ነዚ ብሩህ ሓቂ ብምኽሓድ፡ መንግስቲ-ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትናን ሃገርናን ዝዀነ ይኹን ወጽዓ፡ በደላትን ሽግርን ይፍጽም ከም ዘየለ ብዘስምዕ ቃና መግለጺ ክህቡ ይስምዑ ኣለዉ፡፡ ቀንዲ እዋናዊ ዕማሞም ገይሮም ዝገልጽዎ ዘለዉ ድማ፡ ምኽባር ልዑላውነት ኤርትራ ካብ ወራር ናይ ወያነ ምዃኑ፡ ካብዚ እምነት እዚ ብምብጋስ ካኣ ኣብ ጎኒ እቲ ልዑላውነት ሃገርና የውሕስ ኣሎ ዝብልዎ ውጹዕ ሰራዊት ህግደፍ /ኤርትራ/ ተሰሊፎም ክቃለሱ ድሉዋት ምህላዎም ካብ ዝህብዎ ዘለዉ መደናገሪ መግለጺታት ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡፡ እቲ ትኹረት ዝወሃቦ ናይ ተዓራቒ መግለጺኦም ድማ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ሓደ-ክልተ ዝኾኑ ናይ ቀረባ መሳርሕቱን እንተዘይኮይኖም፡ ህግደፍን ኩሎም መንግስታዊ መሓዉራቱን ጸገም ከም ዘይብሎም፡ ከም ትካላት ዝቕበሉዎም ምዃኖም፡ ምሰኦም ብምዃን ናይ ህዝብን ሃገርን ልዑላውነት ንምዕቃብን ንምውሓስን ሓቢሮም ክቃለሱ ድሉዋት ምህላዎም ይሕብሩ ኣለዉ፡፡
ናይዞም ተዓረቐቲ ኣካላት ርእይቶ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራ ብመንግስቲ-ህግደፍ ዝወርድ ዝኾነ ይኹን ጭቆናን ምዝመዛን በደላትን ኣድልዎን ዝፍጸም የለን፡ መንግስቲ-ህግደፍ ጨቋንን ጸላኢን ኣይኮነን፡ ፈታዊ ህዝብን ሃገርን አዩ አዮም ዝብሉና ዘለዉ፡፡ ካብዚ ካሓዲ እምነት‘ዚ ብመብጋስ ድማ፡ ነዚ ምስ መንግስቲ-ህግደፍ ዘለዎም ናይ ምትዕራቕ እምነቶም ካብ ኣባላት ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ፡ ካብ ኤሃባደለ ካኣ ብፍላይ ውልቀ ሰባትን ኣካላትን ዝድግፉ ከም ዘለዉ፡ ምሰኦም እምነቶም ንምውህሃድ ክላዘቡ ከም ዝጸንሑን ክቕጽልሉ ምዃኖምን ይሕብሩ ኣለዉ፡፡ ካብዚ ሓሊፎም፡ ምስ ገለ ኣባላትን ወከልትን ህግደፍ ዝኾኑ ኣብ ገለ ከባቢታት ኢምባሲታት ናይ ህግደፍ ዝርከቡ ናይ ምትዕራቕ ድሌቶምን መደቦምን ክዘራረብሉ ከም ዝጸንሑን ዘተባብዕ ኣሳልጦ ይረኽብሉ ምህላዎምን ከይሰግኡ ክገልጽዎ ይስምዑ ኣለዉ፡፡
እዚ ኣብ ደምበ ተቓውሞና ብሓፈሻ፡ ኣብ ኤሃባደለ ካኣ ብፍላይ ብገለ ኣካላት ዝቀላቐል ዘሎ ምስ ጸላኢ ናይ ምትዕራቕ ዝምባለ ዝጥቁሞ ነገር እንተሃለወ፡ ደምበ ተቓውሞና ተኣማሚኑን ተወሃሂዱን ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ መንግስቲ-ህግደፍ ሰጢሙ ምቅላስ ዘይምብቅዑ ካብ ምምልኻት ሓሊፉ፡ ንላሕኲ ናይ ጸላኢ ክሳጣሕ ምጅማሩ‘ውን ኢዩ ዝሕብር፡፡ እዚ ተርእዮ እዚ ካኣ ነቲ ብጸላኢ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ዝወርድ ዘሎ ኩሉ-መዳያዊ ጭቆናን ወጽዓን ድኽነትን ዓጸቦን ከም ዘየለ ኣምሲልካ ንምድብዛዙን፡ ናይ ኩሉ ዓይነት ወጽዓናን ጸገማትናን ጠንቂ ካብ ግዳም ዝመጽእ ናይ ወራር ሓደጋ ምዃኑ ኣምሲልካ ብምቅላሕ፡ ናይ ህዝብታትና ሃምን ቀልብን ንግዳምን ንግዳምን ጥራሕ ክቐንዕ ንምግባር እናጸዓሩ መስርሕ ክድዓቶምን ምስላሞምን ንምስላጥ እዩ፡፡
እዚ ዕላማን ሜላን እዚ ሓድሽ ዘይኮነስ ብቐንዱ እቲ ናይ ጸላኢ ዕላማን ዘካይዶ ዘሎ ኣብራሲ ፖለቲካዊ መደብን ኣካል ኣምሳል እዩ፡፡እዚ ናይ ዝነደዩ ተዓረቕትን ሓንፈሽትን ኣካላት ኣሉታዊ ፖለቲካዊ ንቕሎ‘ዚ ብግዝያውነት ክጻወቶ ዝኽእል ኣሉታዊ ተራ እንተሃለወ፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞና ብሓፈሻ ናይ ምጥርጣርን ምስኽኻፍን መንፈስ ክስዕርር ንምግባርን፡ ንጸላኢ ተወሳኺ ሞራልን ባይታን ንምፍጣርን እዩ፡፡ ብምዃኑ ድማ ደምበ ተቓውሞና ብሓፈሻ ነዚ ናይ ፖለቲካዊ ንዴትን ክድዓትን ንቕሎ እዚ ሓደገኛነቱ ብዕምቆት ብምድህሳስ፡ ንምብርዓኑን ንምውጋዱን ግዜ ከይሃበ ክርባረብ እዩ ዝግባእ፡፡
ብፍላይ ኤሃባደለ ኣብ ውሽጢ ግንባሩ ዝርአ ዘሎ ናይ ኣባላቱ ዝኾኑ ባእታታት ምስ ጸላኢ ንምትዕራቕ ዘርእይዎ ዘለዉ ሓንፋሽን በታንን እምንቶን ምንቅስቓስን፡ ቅድሚ ናብ ሳልሳይ ግንባራዊ ጉባኤኡ ምግባእ ኣብ ዘሎ ግዝያት ውሽጣዊ ግንባራዊ ጽሬቱ ከረጋጋጽን፡ ነቶም ሓንፈሽትን ተዓረቕትን ኣካላትን ዝነደየ ስርዓት ህግደፍን ደሪቡ ንምውጋዶም ክረባረበሉ ዘለዎ ወቕቲ ሕጂ ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግባእን፡፡
ኤሃበደለ ናይ ግንባሩ ውሽጣዊ ጽሬት ከየረጋገጸ ጉባኤኡ ከካይድ እንተመሪጹ ግን ከምቲ "መሕለቢአን ዝተባህለስ መግለቢኤን" ዝብሃል ምስላ ኣቦው፡ ግንባራዊ ጉባኤኡ ከዐውት ኣይክልን እዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እቲ ግንባር ናብ ሕሱም ምፍንጫልን ምብትታንን‘ውን ክሳጣሕ ይኽእል እዩ፡፡ ስለዚ ከምቲ "ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ" ዝባሃል ምስላ፡ ደ/ተቓውሞና ብሓፈሻ፡ ኤሃባደለ ካኣ ብፍላይ ኣብ ውሽጦም ዝንጸባረቕ ዘሎ ናይ ክድዓትን ሕንፈሻን ዝምባለታት ብቃልሲ ብምውጋድ፡ ጽሬቱ ከየረገገጸ ግንባራዊ ምሕዝነታዊ ሓድነቱ ክዕወት ስለ ዘይክእል፡ ነዞም መሰረታውያንን ኣገደስትን ነጥብታት እዚኦም ንምዕዋት ተሪሩ ክቓለስ፤ ብተወሳኺ ነቶም መንገዲ ዕርቅን ክድዓትን ዝመርጹ ዘለዉ ኣካላት ድማ ሕልሞምን ውጥኖምን ንምብርዓን ተኣማሚኑን ተጊሁን ክቃለስ ኣለዎ ንብል፡፡
ፍሽለትን ስዕረትን ንንዱያትን ተንበርካኽነትን!
ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡/ደ.ግ.ሓ.ኤ/
See also more articles by Democratic Front For Eritrean Unity
ካልኦት ብ'ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ ታሕቲ ተወከሱ:-
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- A Look Back on Eritrea’s Historic 1993 Referendum, BY FIKREJESUS AMHAZION (PhD)
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993 ብፍቕረየሱስ ኣምሃጽዮን (ዶ/ር)) (TesfaNews APRIL 23, 2018). - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)