Placeholder Picture
Placeholder Picture
ኣድላይነትን፡ መስርሕ ምቛምን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ።

11/07/2023 02:17 AM

ኣድላይነትን፡ መስርሕ ምቛምን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ።

ብኣሳላጢት ኣካል ዝተዳለወ ሰነድ።
(22 June 2023)

ኣድላይነትን፡ መስርሕ ምቛምን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ። ብኣሳላጢት ኣካል ዝተዳለወ ሰነድ።

ኣድላይነትን፡ መስርሕ ምቛምን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ። ብኣሳላጢት ኣካል ዝተዳለወ ሰነድ።

ኣሳላጢት ኣካል

ኣሳላጢት ኣካል መበገሲኣ ካብ’ቲ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኤርትራ ሰሙናዊ ክፉት ምይይጥ ዘካይዱ፡ ኣብ ስዊጸርላንድ ሃገር ጀርመን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ከምኡ’ውን ኣብ ኣመሪካን ካናዳን ኣውስትራልያን ማእከላይ ምብራቕን ዝቕመጡ ግዱሳት ኤርትራውያን ኢዩ። እዞም ግዱሳት ኤርትራውያን ክፉት መኣዲ ዘተ ብዝብል ስም ኣብ 2021 ጀሚሮም። እቲ ሰሙናዊ ኣኼባታት ኣብ ህልው ኩነታት ኤርትራ ሓሳባቱ ንከካፍል ዝደሊ ዝዀነ ኤርትራዊ ክፉት ኢዩ።

ክፉት መኣዲ ዘተ ኣብ ሕዳር 2022 ንዝተፈላለዩ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ንዳያስፖራ ኤርትራውያን ሓባራዊ ጥርናፈ ንምፍጣር ዝጽዕሩ ኣካላት፡ ስቓይ ህዝብና ንኸኸትም እንታይ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ኣማራጺታት ንምድህሳስ ብዝብል ዕላማ ንዝርርብ ዓዲሙ። እዚ ዝርርብ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ኣድላይነት ምቛም ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ናይ ሓባር ስምምዕ ከም ዝፍጠር ገይሩ።

ንደለይቲ ፍትሒን ደሞክራሲን ኤርትራውያን ዝውክል ሕጋዊ ኣካል ከምዘድሊ ብምእማን ድማ፡ ንመስርሕ ምቛም ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምስላጥ ሓላፍነት ዘለዋ ኣሳላጢት ኣካል ተመስሪታ። ኣሳላጢት ኣካል ድሮ ብትግርኛን ዓረብኛን ዝተዳለወ ጽሑፍ ኣብ ገለ መርበብ ሓበሬታታት ኤርትራ ዘርጊሓ ኣላ።

ዕላማ ናይ’ዚ ሰነድ

ዕላማ ናይ’ዚ ሰነድ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ሰነድ ዘይበርሀ ነጥብታት ንምብራህ፡ ከምኡ’ውን ገለ ዝለዓሉ ሕቶታት ንምምላስ ዝዓለመ ኢዩ። ኣሳላጢት ኣካል፡ ተመክሮ ናይ ሕሉፍ ተመሳሰልቲ ተበግሶታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ሓድሽ ተበግሶ ኩሎም ኣብ ፖለቲካ ዝነጥፉ፡ ነቲ ስርዓት ዝቃወሙ ኣካላት ብሓባር ኣድላይነት ምቛም ንዳያስፖራ ኤርትራውያን ዝውክል ሕጋውነትን ሓላፍነትን ዝህልዎ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ምስ ዝሰማምዑ ዕዉት ናይ ምዃን ተኽእሎ ከም ዘለዎ ትኣምን። ኣብዚ ሰነድ ነዚ ዝስዕብ ክንገልጽ ኢና፤

ሀ. ኣድላይነት ኣብ ዲያስፖራ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ዝውክል ሕጋውነትን ስልጣንን ዘለዎ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ (ኤ.ሃ.ሓ)፣

ለ. ተራን ሓላፍነትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ (ኤ.ሃ.ሓ)፣

ሐ. ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ንምቛም፡ ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን ምቛም ከምዘድሊ፣

መ. እዚ ናይ ሕጂ ተበግሶ ካብ ካልኦት ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመሳሰልቲ ተበግሶታት ብኸመይ ከም ዝፍለ፣

ሰ. ትጽቢት ዝግበረሉ ተራ ፖለቲካዊያን ተቓወምቲ ውድባት፣

ረ. ተራ ማዕከናት ዜና ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን...

ቀ. ኣሳላጢት ኣካል፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ንምቛምን ንምዕዋቱ ምርግጋጽን እተካይዶ መደብ።

ስለምንታይ ሓደ ኤርትራዊ ሃገራውዊ ሓይሊ ምቛም የድልየና?

እቲ ብሩህ መልሲ ምቛም ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ፡ ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ሃገርና ኣወንታዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝቐለለ ክገብሮ እዩ። ክሳብ ሕጂ ብኣብ ዳያያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብዙሕ ጻዕርታትት’ኳ ይካየድ እንተሎ፡ ንህዝብናን ንሃገርናን ንምድሓን ውጽኢታዊ ክኸውን ዘይምኽኣሉ፡ ብዝተበታተነ ኣገባብ ይሰርሕ ብምህላዉ ኢዩ። ንሕሰም ህዝብና ዝዳናገጻ ሃገራት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ወኪሉ ክዛረብን ክዋሳእን ዝኽእል ውክልና ዘለዎ ኣካል የድልየን። ነዚ ንምትግባር ድማ ንኹሎም ኣብ ዳያስፖራ ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒን ዲሞክራስን ኤርትራውያን ብሓደ ድምጺ ክዛረቡን ንጥፈታትና ከወሃህድን ዝኽእል መሪሕነት መሪጽና ክንሰርሕ የድልየና።

ኣብ ዳያስፖራ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ብማሕበረሰብ ዓለም ከም ሕጋዊ ወኪል ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ተቐባልነት ንኽረክብ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ፡ ብኹሎም ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ፡ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ መንግስቲ ዝቃወሙ፡ ኣብ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዝኣምኑ ክምረጽ ይግባእ። ምርጫ ንኹሉ ዝሓቁፍ፣ ደሞክራስያዊ፣ ግሉጽ ብዝኾነ ኣጋባብ፣ ግቡእ ናይ መደመጺ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ክካየድ ኣለዎ። እቲ ሓደ ሰብ፡ ሓደ ድምጺ ዝብል ደሞክራስያዊ መስርሕ ምርጫ፡ ብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራ ብዘረጋግጽ ኣገባብ ክካየድ ይግባእ።

ዕማም ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ እንታይ ክኸውን ኣለዎ?

ቀንዲ ዕላማ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ኤርትራ፤

ሀ. ኤርትራ ደሞክራስያዊት ሃገር ንኽትከውን ለውጢ ዘቀላጥፍ ኣድማዒ ስትራተጂ ምሕንጻጽን ምትግባርን።

ለ. ንኹሉ ደላይ ፍትሒን ዲሞክራሲን ዲያስፖራ ኤርትራውያን ኣብ ዝኾነ ሃገራዊ፡ ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ መድረኽ ፡ ንኣብነት ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዓረብ ሊግ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዓረብ ሊግ ወዘተ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ምውካል።

ሐ. ብስም ህዝቢ ኤርትራ ንማሕበረሰብ ዓለም ብሓደ ድምጺ ምዝራብ።

መ. ብፍላይ ምስ ከም ኣመሪካን ኣብ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ዝርከባ ዝተፈላለያ መንግስታትን ንህዝቢ ኤርትራ ክሕግዛ ዝኽእላ መንግስታት ዲፕሎማስያዊ ጻዕርን ጐስጓስን ምግባር።

ሰ. ድሕሪ ለውጢ ስርዓት ናብ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ብግቡእ ንምስግጋር ዘድሊ መሰረት ምድላው። ሃገራዊ ሓይሊ ስሉጥ ምስግጋር ናብ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ንምርግጋጽ መሰጋገሪ ቻርተር ከዳሉ እውን ትጽቢት ይግበረሉ።

ረ. ንቅዋማዊ ኣካላት ዝምልከት ረቂቕ ኮዳት ብምንዳፍን ብምድላውን ቅዋማዊ መንግስቲ ንምምስራት ምስራሕ፡ (1) ደንቢ ባይቶ (2) ስርዓተ ፍርዲ (3) ኣብያተ ጽሕፈት ዋና ዓቃቢ ሕጊ (4) ዋና ኦዲተር (5) ሃገራዊ ባንክ (6) ኮሚሽን ምርጫ (7) ሕጊ ምርጫ (8) ሕግታት ሰልፊ፡ ከምኡ’ውን (9) ሲቪል ሰርቪስ ኮሚሽን።

ቀ. ምእካብ ገንዘብ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ካብ ክፍሊት ምዝገባ፣ ካብ ሰብ-ጸጋን ሞያውያን ኤርትራውያን፣ ከምኡ’ውን ካብ ነጋዶ ቊጠባዊ ሓገዝ ብምሕታት፣ ናይ ስራሕ ወጻኢታት ንምሽፋንን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝርከቡ ሓይልታት ለውጢ ገንዘባዊ ሓገዝ ንምግባርን፡ ገንዘብ ክእክብ ክኽእል ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ፡ ዲሞክራሲ ንምድንፋዕ ምወላ ዝገብራ ዘይመንግስታውያን ትካላት፡ መንግስታትን ኣህጉራዊ ትካላትን ገንዘብ ክሓትት ይግባእ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ብፍላይ ነተን ብዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዝየን ዝተሃስያ ሃገራት ሓገዝ ክግብራ ክሓትት ኢዩ።

ሸ. ንኤርትራውያን ስደተኛታት ምሕጋዝ። ካልእ ኣገዳሲ ዕማም ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታትን (UNHCR) ካልኦት ኣህጉራዊ ትካላትን ብምትሕብባር ኣብ ሱዳን፡ ሊብያ፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ከቢድ ጸገም ዘጋጥሞም ዘሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምሕጋዝ ኢዩ።

መስርሕ ምቛም ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ከመይ ክኸውን ኣለዎ?

ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ሕጋዊ ወኪል ናይቶም ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒን ዲሞክራሲን ኤርትራውያን ክኸውን፡ ኩሎም እቶም ነዚ ስርዓት ኣብ ምቅዋም ዝነጥፉ ዝተፈላለዩ ሰብ ብርኪ (stakeholders) ኣብ ምቛምን ምምራጽን ሃገራዊ ሓይሊ ክሳተፉ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ካልኦት ኣማራጺታት ምድህሳስ ዝከኣል እኳ እንተኾነ፡ ኣሳላጢት ኣካል ግና ዝያዳ ዘድምዕ ኣገባብ፡ ምቛም ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን ምዃኑ ትኣምን።

ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ዲያስፖራ ደላይ ፍትሒን ዲሞክራሲን ኤርትራዊ፡ ኣብ ምርጫ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ክሳተፍ ፍቓደኛ ዝኾነ፡ ኣብ ኢንተርነት ዝተመርኮሰ መስርሕ ምዝገባ ክሕንጽጽ ሓላፍነት ይወስድ። ምዝገባ ምስተዛዘመ፡ መስርሕ ምርጫ ብዲሞክራስያዊን፡ ግሉጽነትን ኣጋባብ ይካየድ።

እቶም ኢንተርነት ዘይክህልዎም ዝኽእሉ ድማ ኣማራጺ ኣገባብ ተጠቒሞም ኣብ መስርሕ መረጻ ክሳተፉ ክፍቀደሎም እዩ። ኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን ሕጋውነትን ተኣማንነትን መስርሕ ምዝገባን ምርጫን ንምርግጋጽ ኣድላዪ ቁጽጽር ክገብር ከምዘለዎ ምርግጋጽ ኣገዳሲ እዩ።

ምእካብ ዲሞግራፊካዊ (demographic data) መረዳእታ’ውን ንኮሚሽን ምዝገባን ምርጫን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ብመንጽር ጾታ ዕድመ ሃይማኖት ብሄር ሚዛናዊን ፍትሓዊን ኣወንታዊ ናይ ምምዝዛን ስልጣን ብምትግባር፡ ንብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራ ብዝግባእ ከንጸባርቕ ይግባእ።

ኣሳላጢት ኣካል ምቛም ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዋት እንታይ ክገብር ኣለዎ?

ነዚ ተበግሶ ንምዕዋት ንምርግጋጽ፡ ኣሳላጢት ኣካል ናብ ዝተፈላለያ ኤርትራውያን ፖለቲካዊያን ውድባት፡ ካልኦት ዝተወደቡ ኤርትራውያን ጉጅለታት፡ ከም ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ምሁራን ጉጅለታት ሃይማኖታዊ ጉጅለታትን ፖለቲካዊ ደለይቲ ፍትሕ ከምኡ’ውን ንዲያስፖራ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ብሓፈሻ ክትጉስጉስ መደብ ኣለዋ።

ኣብ ኣድላይነት ምቛም ሃገራዊ ሓይሊ ኣብ ስምምዕ ምስ ተበጽሐ፡ ኣገባብ ምቛም እዚ ሃገራዊ ሓይሊ ቀሊል ከም ዝኸውን ናይ ኣሳላጢት ኣካል እምነት’ዩ። እዚ ድማ ኣብተን ዝነብረለን ሃገራት መራሕቲ ዝምረጹሉ ዲሞክራስያዊ ኣገባብ ክንክተል ጥራይ እዩ ዘድልየና። እዚ ኣጋባብ ድማ ልክዕ ከም’ቲ ህዝቢና ኣብ ሓራ ኤርትራ መራሕቱ ንምምራጽ ዝኽተሎ መስርሕ ክኸውን እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ሃገራዊ ሓይሊ ንምቛም ዝተገብረ ተበግሶታት

ኣሳላጢት ኣካል ቅድሚ ሕጂ ንዝቐረቡ ካልኦት ሓያሎ ሓደ ንኩልና ዝጥርንፍ ሃገራዊ ሓይሊ ወይ መንግስቲ ኣብ ስደት ንምቛም ዝዓለመ ተበግሶታት ኣፍልጦ ይህብን የመስግኖምን። ኣሳላጢት ኣካል፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ተበግሶታት ዝነበረ ብድሆታትን ተመኩሮታትን ከም መበገሲን መምሃሪን ክትጥቀመሉ መደብ ኣለዋ፡ ደገፎም ክትረክብ ድማ ተስፋ ትገብር።

እዚ ሓድሽ ተበግሶ ካብ ዝሓለፉ ተበግሶታት ብኸመይ ይፍለ?

እዚ ሕጂ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምቛም ዝካየድ ዘሎ ተበግሶ ካብ ካልኦት ቅድሚ ሕጂ ዝተወስዱ ተበግሶታት ዝተፈልየ ዝገብርዎ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፡፤

• ኩሎም ኣባላት ፖለቲካዊያን ውድባት፡ ካልኦት ዝተወደቡ ጉጅለታትን ማሕበራትን፡ ከምኡ’ውን ኩሉ ኣብ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዝኣምን፡ ደላይ ፍትሒን ዲሞክራሲን ኤርትራዊ ኣብ ዲያስፖራ፡ ከም ኤርትራዊ ንኹሉ ዝሓቁፍ ኰይኑ፡ በቲ ደሞክራስያዊ ሓደ ሰብ ሓደ ድምጺ ዝብል መስርሕ ምርጫ መሰረት ክሳተፍ ዘተባብዕ ኢዩ።

● ስሉጥን ግሉጽነት ዘለዎ ካብ ዘይተደለዩ ባእታታት፣ ብፍላይ ድማ ካብ መጋበርያ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ምጽያቕን ምትእትታውን ንምክልኻል ዘኽእል ብቑዕ ቴክኖሎጂ ተጠቒምካ መስርሕ ምዝገባን ምርጫን ዘካይድ ኢዩ።

• ካልእ ብልጫ ናይዚ ተበግሶ፡ ኣቃውማ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ብመንጽር ሃይማኖት፡ ብሄራዊ መንነት፡ ጾታን ዕድመን ብዙሕነት ዘለዎ ኣካል ምዃኑ ንምርግጋጽ፡ ብኣወንታዊ ስጉምቲ ዘፍቅድ ምዃኑ እዩ።

ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒን ዲሞክራሲን ኤርትራውያን፡ ኣብ መስርሕ ምርጫ ክሳተፉ መንገዲ ብምጽራግ፣ ኣብ ዲያስፖራ ንዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ንሓባራዊ ዕላማ ክሓብሩን፡ ድሕሪ ለውጢ ስርዓት’ውን፡ ኣብ መስርሕ ዳግመ ህንጸት ሃገር ክዋፈሩ ከኣ ዝሕግዝ ኢዩ።

ጻውዒት ናብ ኩለን ኣባላት ተቓወምቲ ፖለቲካዊያን ውድባትን ጉጅለታትን

ኣሳላጢት ኣካል ንዝተፈላለዩ ፖለቲካዊያን ውድባትን ካልኦት ጉጅለታትን ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዘይሕለል ክጽዕሩሉ ዝጸንሑ ዓወት ንምቅልጣፍ፡ ነዚ ቀሪቡ ዘሎ ተበግሶ ክድግፉ ጻውዒት ተቕርብ። ኤርትራ ዲሞክራስያዊት ሃገር ምስ ኮነት፡ ብዙሕነት ፖለቲካዊ ሰልፊታት ከም ዘድልያ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ መስርሕ ምቕያር ምልካዊ ስርዓት ግን ንፖለቲካዊ ስለፊታት ጥራይ ክግደፍ የብሉን።

ኣብዚ መድረኽ’ዚ፡ ተሳትፎ ኩሎም ተቓወምቲ ስርዓት ህግደፍ ከም ስሙር ኣካል፡ ኣብ ሓደ መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ዓሲልና፡ ሃገርና ናብ ብዙሕነት ሰልፍታት ዘለዋ ዲሞክራስያዊት ሃገር ክንቅይራ ኢዩ ዘድልየና ዘሎ። ካብዚ ብምብጋስ ንኹለን ፖለቲካዊያን ውድባትን ጉጅለታትን እነቕርቦ ጻውዒት “ውድባትኩም ዓቅቡወን፡ ኣባላትኩም ግና ነዚ ተበግሶ ኣብ ምድጋፍ ምሉእ ብምሉእ ክተሓባበሩ ከተተባብዕዎም’ሞ፡ ብዘይ ዝዀነ ምድንጓይ ሓደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ክንምስርት” ዝብል እዩ።

ጻውዒት ንኩሎም ኤርትራውያን ብፍላይ ነቶም ተስፋ ዝቖረጹ ዝመስሉ

ኣብ ሃገርና ዘሎ ቃንዛ ህዝብና ዘይስምዖ ኤርትራዊ ኣሎ ኢልካ ክትሓስብ ኣጸጋሚ እኳ እንተኾነ፡ ኩነታት ክቕይሩ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝመስሎም ተስፋ ዝቖረጹ ዝመስሉ ብዙሓት ዳያስፖራ ኤርትራውያን ክህልዉ ይኽእሉ። እንተዀነ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ግፍዒ ጸማም እዝኒ ምሃብን ዓይንና ምዕማትን፡ ተስፋ ምቚራጽን ግን ኣማራጺ ኣይኮነን።

ስቓይ ህዝብና ከብቅዕ ዓቕምና ዝፈቕዶ ኩሉ ክንገብር፡ ንህዝብና እንኸፍሎ ዕዳ ኣሎና። ስለ’ዚ ድማ ምስ ደቂ ሃገር ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ መስርሕ ምዝገባን ምርጫን ብንጥፈት ብምስታፍ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ንምቛም ዝካየድ ዘሎ ተበግሶ ክትድግፉ፡ ኣሳላጢት ኣካል ብዕቱብ ክትምሕጸነኩም ትፈቱ።

ጻውዒትና ናብ ማዕከናት ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤርትራ

ኩለን ኤርትራውያን መርበብ ሓበረታን ማዕከናት ዜናን ንብዙሕ ጊዜን ጸጋታትን መስዋእቲ ብምግባር ናይ ሓበሬታን ሓሳብን ምልውዋጥ መድረኽ ንምቕራብን መረረን ስቓይን ህዝብና ድምጺ ስለ ዝዀና ምስጋና ይብጻሓየን። ካብ’ዚ ብምብጋስ ኣሳላጢት ኣካል እዘን መርበባት ሓበሬታን ማዕከናት ዜናን፡ ምእንቲ ሕሰም ህዝብናን ብዘይ ወዓል ሕደር ከብቅዕ፡ ነዚ ተበግሶ ምቛም ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ክድግፋኦ ትምሕጸን።

ኣብ መደምደምታ፡ ክቡራት ደለይቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ኤርትራውያን፡ ህዝብና ካብ ሕሰም ከነናግፎ እንተዀንና፡ ኩላትና ኣብ ምዝገባን ምርጫን ብንጥፈት ብምስታፍ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምቛም ዝውሰድ ተበግሶ ንደግፎ። ብናትና ኣረኣእያ፡ ብዳያስፖራ ደለይቲ ፍትሒን ዲሞክራሲን ኤርትራውያን ብግቡእ ዝተመርጸ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ፡ ሓደ ካብ’ቲ ንህዝብና ወሪድዎ ዘሎ ከቢድ ዕንቅፋታት ብምፍታሕ፡ በቲ ጨካን ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ ሕሰም መወዳእታ ክንገብረሉ ንኽእል ኢና።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!
ክብሪን ዝኽሪን ንጀጋኑ ንስውኣትና!

ኣሳላጢት ኣካል
( 22 ሰነ 2023)
E-mail: erifbnf@gmail.com




Eritrean National Force for Change 23 Apr 2023

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: