ከም ገረብ ቆጥቊጦም!

20/06/2018 00:25 AM

ከም ገረብ ቆጥቊጦም!

ብ'መሲናስ


ከም ገረብ ቆጥቊጦም

 

ከም ገረብ ቆጥቊጦም!

ኣንታ ገንሸል ሃገር ትሰምዕዶ ኣለኻ
እቶም ጠለምቲ ሕድሪ ስምካ ዘሕሰሩኻ
እናበታተኑ ብምልኪ ህዝብኻ
ሎሚውን ከም ወትሩ ቅሰንድዮም ክብሉኻ!?

ህዝብኻ ኣብሪሶሞ ከም ገረብ ቆጥቊጦም
ዕረ እናኣኾለሱ ብመዓር ለቢጦም
ብዘይካ ስልጣኖም ካልእ ዘይዓጦም
መልክዖም ቀይሮም ከምዛ ዘይንፈልጦም
ዝዋዉዕ ክኣስሩ ካብ ገረብ ሸምጢጦም!

ነቶም ገናሽልና ስውኣት ጀጋኑ
ዓዲ እናባደመት ህዝቦም ተበቲኑ
ወለዲ ኣብ እርጋኖም ጠዋሪ እናሰኣኑ
ከመይ ጌርና ኢና ክንብሎም ቅሰኑ!?

እናረኣናዮ ህዝቡ እክንጠፍእ
ቅሰን’ወ ኣይንብሎን ሓሲና ንስውእ
ድሕሪ ድያብሎስ ግን መልኣኽ ንኺመጽእ
ተስፋ ኣሎና ጅግና ካብ ሕሰም ክንወጽእ!

እንታይ ረኺቡ’ሞ ክቐስን’ዚ ህዝቢ
ሰላም ከሊኡዎ ህይወት ኣልቦ ዓምቢ
ኣብ ዓለም ፋሕ ኢሉ ስኢኑ መዕለቢ
ተስፋ’ባ ሃብዮ ኤርትራ ተዛረቢ
ድሕሪ ሕልፈት ምልኪ ከም ዝረክብ ዓስቢ!

ከም በጊዕ ጎቲትካ ጸሓይ ከይበረቐ
እቲ ብስም ባድመ ከም ጨው ዝሓቐቐ
እቲ ዕቡይ ደማሒ ህዝቢ ዚነዓቐ
ሽውሃቱ ንምርዋይ ደምና እናጸንቀቐ
ብዕልልታ ኣንስቲ ፍጹም ዚሓንቀቐ
እቲ ብኽፍኣቱ እምብዛ ዚረቐቐ
ኣይክሓልፈልናን’ዩ ብገመድ ከይተሓንቀ!

ትርእዮዶ ትህሉ ስውእ ኩነታትና
ሓጐስ ይኹን ሓዘን ስምዒት ልብና
መታን ከይንገልጽ ኣብ ቅርዓት ወጺእና
ብድርዕቶ ምልኪ ኣፍና ተዓቢስና
ሎሚዶኾን ጽባሕ መጺኦም ይኣስሩና
እናበልና ኣብ ራዕዲ ንነብር ኣለና!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!

ህግደፍ ተመለኽቲ’ምበር ደገፍቲ የብሉን!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 20/06/2018


Share with friends:


Recent articles by Mesinas ካልእ ጽሑፋት ብመሲናስ፡-

•  ኣነስ ቀኒኤልካ!

•  ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን - ተኻታታሊ ጽሑፍ ብመሲናስ (1ይ - 29 ክፋል)


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ትውልዲ ኣለና: ካብ ታሪኽ ዘይምሃር፡ ኣብነት ዋዕላ ቤት-ጊዮርጊስ። ብኣራራት ኢዮብ:

Share with friends: