ኣነስ ቀኒኤልካ!

07/06/2018 23:15 PM

ኣነስ ቀኒኤልካ!

ብ'መሲናስ


ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ

 

ኣነስ ቀኒኤልካ!

‘ሓንቲ ሃገር፡ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዜጋኣ ክእሰር ከሎ፡ እታ ሃገርውን ተኣሲራ ኣላ ማለት’ዩ!

ኣብ ዝገሽናዮ ሃገራት ‘እንታይ ትደልዩ?’ ምስ በሉና ገንዘብ ዘይኮነስ ዝኣሰርኩሞም ዜጋታትና ፍትሑልና ኢና ኢልናዮም!

ሰራዊት ምስ ህዝቢ’ምበር ምስ ዚመጸ መራሒ ሓይሊ ዝጉተት ክኸውን የብሉን!

ኣብ ዝወደቐት ሃገር ዝኸበረ ጀነራል ክህሉ ኣይክእልን’ዩ!

ወተሃደር ሓላውን ኣኽባርን ህዝቢ’ምበር ሓላዊ መራሕ ሃገር ወይ ተገዛኢ ናይ ሓደ ውድብ ክኸውን የብሉን!

ኣብ ውሽጢ ሃገር ሓድነትን ጥንካረን እንተልዩ፡ ንናይ ደገ ሓይሊ ከተአምንን ከተልዝብን ከም ትኽእል ዘጠራጥር የብሉን!
ኣብ ስራሕ ዘይተገዳስነትን ብልሽውናን፡ ህዝቢ ንመንግስቲ ከም ዝንዕቕ ዝገብሩ ሕማማት’ዮም!
ሓደ ሰብ ዕውት ንምዃን ራኢ፡ ብቕዓትን ስነ-ምግባርን ክውንን ይግባእ!
ናይ ስራሕ መደብ ምውጻእን ምሕንጻጽን ብዘይፍጻመ ትርጉም የብሉን!
ኩሉ እንሕንጽጾ፡ እንሓልሞን እንሰርሖን ነገር ህይወት ሰብ ዝቕይር ክኸውን ኣለዎ!

ዕብየት ኣብ ግብሪ ብዝርአ ለውጢ’ምበር ኣብ ደብተር ብዝሰፍር ጽሑፍ ኣይዕቀንን’ዩ!
ሰብ ብተፈጥሮኡ ነታ ዝኸልከልካዮ ነገር ንምርካብ’ዩ ዝሳቐ! ንኣብነት፡ መራኸቢ ብዙሃን እንተወሲድና፡ ሓንቲ ከፊትካ ንኻልእ ኣብ ክንዲ ትኽልክሎ
ተወሰኽቲ መራኸቢታት ብምኽፋትን ብምፍቃድን ኢኻ ናይ ሓደ መራኸቢ ብዙሃን ግዙእ ከምዘይከውን ትገብሮ!
ፓርላማ ናይ ህዝቢ ድሌትን ዕላማን ዘፈጽም ሓላፍነታዊ ሓይሊ ክኸውን ይግባእ!

ብሉጽነት ማለት ዓይነት ዝረብሖ መጠን ዝተመቕሎ ንግዜ ዝረብሖ ዋጋ ማለት’ዩ!
ሓድሽ ትውልዲ ብኣረጊት ትውልዲ ንምምራሕ ከምዘይከኣል ተረዲእና ኣለና!
ዝነበረ፡ ዘሎን ንዝመጽእን ንምዝማድ ሓድሽ ኣተሓሳስባ የድሊ!
ዘይእሰር ዜጋ፡ ዝኽበር ዜጋ ንምፍጣር ሓድሽ ኣተሓሳስባ የድሊ!
ሓንቲ ሃገር ዜጋኣ ክእሰር ከሎ እታ ሃገርውን ተኣሲራ ኣላ ማለት’ዩ!
ዝጓሳቖል ዜጋ፡ ዝእሰር ዜጋ፡ ዝናዓቕ ዜጋ ዘሎዎ ሃገር ናይ ህዝቢ ውጽኢት እያ’ሞ ንዕቕቲ ካብ ምዃን ኣይትድሕንን’ያ!

ናይ ትማሊ እናደጋገመ ኣብኡ ተሓቢኡ ዚነብር ሰብ ሓድሽ ነገር ከተኣታቱ ስለ ዘይደሊ’ዩ!
ሃብቲ ዚድልብ ሰብ ብጥዕና ዘይግደስ እንተኾይኑ፣ ስልጣን ዚድልብ ሰብውን ንዜጋኡ ግዲ ዘይብሉ እንተኾይኑ ናይ ውጥኑ ፍጻመ ኪርኢ ኣይክእልን’ዩ ማለት’ዩ!

ሓድነትና ምሕላውን ሰብና ምኽባርን ዕለታዊ ስራሕና ክኸውን ይግብኦ!
ናይ ፖለቲካ መራሒ ኪመርሕ’ምበር ኪምራሕ ዘይክእል እንተኾይኑ ራኢ የብሉን ማለት’ዩ!
ኣነ ዝሓሰብኩዎ ወይውን ኣነ ዝበልኩዎ ጥራይ ግበሩ ዚብል መራሒ፡ መራሒ ዘይኮነስ ኣውቲስታ እዩ!
እታ ብልቡ ዝሓስባን ዝበሃጋን ሃገሩ ዚሰኣነ ዜጋ፡ ካብኣ ሃዲሙ ምስ ወጸ ኣብ ዝኸዶ ዚእሰርን ዚሓስርን ዜጋ’ዩ ዝኸውን!

ዶክተር ልዕሊ መምህር ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ፣ ምኽንያቱ ንዶክተር መምህር ስለ ዚፈጥሮ!
ቤተ መንግስት ናይ ኩሉ ዝምነዮን ዝሰራሓሉን ሰብ ቦታ’ምበር ናይ ፍሉያት ሰባት ቦታ ኣይኮነን!
ሃገርነት ብዶብን ብመሬትን ጥራይ ክዕቀን ኣይግባእን!
ንሃገር ሃብታም፡ ድኻ ብዓል ስልጣን ይኹን ተራ ሰብ ማዕረ’ዩ!
ቀሊል ነገር ምእሳር’ዩ! ከቢድ ነገር ከኣ ንዚተኣስረ ምፍታሕ’ዩ!
ንዝኾነ ይኹን ዜጋ ኣብ ውሽጢ ይሃሉ ኣብ ወጻኢ ብልቢ ይቕረ ኢልካ ምፍታሕ ልቦና’ዩ!’

ቃል ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ

ኣነስ ቀኒኤልካ!

እዞም መጥፋእቲ ህዝቢ ሓራግጽ ኤርትራ
ህዝቢ በታቲኖም ዘዘኽተሙ ስድራ
ዕድመኦም ክሓጽር ናይ ምልኮም ዕንደራ
ነበረ ክብሃል ሽግር ምስ መከራ
ባድመ ፈቒድካ ክሕንጸጽ መስመራ
ጸፊዕካዮም ጅግና ንጉጅለ ኣስመራ!

ኣንታ ሓድሽ ብቚሊ ምሩጽ ዘርኢ
ኣነስ ቀኒኤልካ ቅዱስ ቅንኢ
ጻህያይ ተማሕዩ ህዝብና መጥፍኢ
ከምዚ ከማኻ መራሒ ኣብ ዓደይ ክርኢ!

ከመይ ዘይትብሃግ፡ እወ ዘይተቕንእ
ኣብ መንጎ ህዝብኻ ሰላም ከተምጽእ
ንነጎዳን በርቅን ዓጊትካ ተሀድእ
ፍቕርን ሕውነትን ኣብ ልቢ ትዘርእ
ክብሪ ዜጋታትካ ኣብ ቅድሚት ትሰርዕ
ህዝብኻ እተሐብን ተነይት ተኹርዕ!

ኣቱም ኢትዮጵያውያን ጎረባብትና
ኣምላኽ ዚዓደሎ ፍቕሪ ምስ ልቦና
ናብ ራህዋ ዚመርሕ ናይ ዕብየት ጎደና
ሽም ንህቢ ሂቡኩም ኣጽዋሩ ትሕትና
ልብኹም ኣንጺህኩም ሃቡዎ *መሃና! *ገጸ በረከት

ከም ናይ ኤርትራውያን ከይከውን ዕድልኩም
ከይትበታተኑ ምልኪ ቀሲብኩም
ካብ ሕሰም መከራ ኣምላኽ ረዲኡኩም
‘በጃ ህዝበይ’ ዚብል መራሒ ረኺብኩም
ናብ ስራሕ ጉየዩ ኣሰሩ ስዒብኩም!

እንታይ እዩ ድሌትኩም ገንዘብድዩ ወርቅና
ስዑዱ-ዓረብን ክወትን ምስ ተወከሱና
ገንዘብ ይኹን ወርቂ ኣይኮነን ድሌትና
ኣሲርኩማ ኣለኹም ኢትዮጵያ ሃገርና
ፍትሑዎም ኢልናዮም ነቶም ዜጋታትና!

ስልጣኑ ከይምንዛዕ ዘይሰግእ ፈሪሑ
ስድራቤት ዚጥርንፍ እሱራት ፈቲሑ
ጅግና ናይ ጀጋኑ ከም መላጸ ብልሑ
ንማዕበል ዘህድእ ብፍቕሪ ገኒሑ
ዓለም ዘደነቐ ተኣምር ሰሪሑ
*ታፍለውቲ ውድቀታ ኣኽላባት ክነብሑ *ሃረፍቲ
ኢትዮጵያ እፎይ’ላ ጸላማ ወጊሑ!

ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ ከም ምምሕዳር ልጅ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ ገይሩ ሓሳረ መከራ፡ ስእነት ሰላም፡ ዘይቅሳነትን ግህሰት መሰልን ከምኡውን ምብትታንን ሕስረትን ኣጋጢሙዎ ኣይፈልጥን’ዩ!

ጸሓይ ግን ትበርቕ ኣላ ብጎረቤትና፡ ቀጺላ ናባና!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 06/06/2018


Share with friends:


Recent articles by Mesinas ካልእ ጽሑፋት ብመሲናስ፡-

•  ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን - ተኻታታሊ ጽሑፍ ብመሲናስ (1ይ - 28 ክፋል)


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ትውልዲ ኣለና: ካብ ታሪኽ ዘይምሃር፡ ኣብነት ዋዕላ ቤት-ጊዮርጊስ። ብኣራራት ኢዮብ:

Share with friends: