ናጻ ካብ ምንታይ: ከመይ ዝኣመሰለ ናጽነት?

31/03/2018 02:16 AM

“ናጻ” ካብ ምንታይ:

ከመይ ዝኣመሰለ “ናጽነት”

ብ'መርእድ ዘርኡ


መርእድ ዘርኡ

 

“ናጻ” ካብ ምንታይ: ከመይ ዝኣመሰለ “ናጽነት”:

  • ኣብ ፖሎቲካዊ ባይታታት ኤርትራ፡ ቡዙሕ ጊዚየ ንሕና “ናጻ” ኢና ተባሂሉ ክዝረብን ክጽዓድን ይሰምዕ’የ፡ የግዳስ ከም ዑቱብ-ሓቂነት ዘለዎ ጽዕዶ ወሲደዮ ኣይፈልጥን። እቲ ምንታይስ “ናጻ” ካብ ምንታይ ሙኻኖም፡ ንጹር መግለጺ ስለዘይህቡሉን፡ ብተግባር እዉን “ናጻ” ሙኻኖም ብርግጽ ከእሙኑ ስለዘይኽእሉ ብሙኻኖም እዮ። “ናጻ” ኢና ክብሉ ይጸንሑ እሞ፡ ብድሕሪ መጋረጃ ድማ ኣእዳዉ ናይ ህቡኣን (ghost)፡ ብሩኡይ ኣጻብዕቶም ከንቃሳቑሱ ስለዝርኣዩን ሓሳባቶም ከንሂ ስለዝስሙዑን’ዩ።
  • ካብዚ ቀጻሊ ዝዳጋገም ተርእዮታትን ዳይነሚክስን ብምንቃል፡ “ናጻ” የ ወይ “ናጽነት” ኣሎኒ ኢልካ ክትጽዕድ እንተኼንካ፡ ብቀዳምነት ምጣኔ-ሃብቲ ንፖሎቲካ ስለዝመርሕ፡ ንጹርን ጽኑዑን መትከላትን ፖሊሲታት ኣብ ምጣኔ-ሃብታዊ ኣካናዉናኻ ክህልወካ ኣለዎ። ብዝኾነ ኣምር ናጻ ን ናጽነት ኣብ ገብረ-ገብነት፡ ሰብኣዉነትን ጉቡኣት ዝቶሞርኮሰ ኮይኑ ፡ እንታይ ክገብር ኣለኒ? እንታይ’ዩ ኸ እቲ ቁኑዕ ክኸዉን ዝግብኦ? ንዝብል ሕቶታት ኣቀዲሙ ብምልኣት ብሓሳብን ተግባራትን ዝመለሰ ምስ ዝኸዉን’ዩ። ናጻን ናጽነት ካብ ጽቡቕ ድሌታትካን መርትዖ ዘለዎ ምኽንያት ነቂሉ፡ ብዘይ ግዳማዊ ጸቕጥታት፡ ጽልዋታት፡ ምወላታት፡ ሓሳባት ...ወ.ዘ.ተ፡ ብናይ ገዛእ-ርእስኻ ሰናይ ድሌታትካን ዉሳኔታትካን ትሓስቦምን ተተግብሮሙን ነገራት ፡ በቶም ባዕልኻ ንነብስኻ ዝገበርካላ-መግቲኢታት ተቀይድካን ሓሲብካ ተትግብሮም ወይ ትብሎም (conscious free will )እዮም።

    ኣብ ፖሎቲካዊን ማሕበራዊን ንጥፈታት ሙሉእ ብሙሉኡ “ናጻን ናጽነትን” ዝብሃል ጉዳይ ብተግባር ኣሎ ድዩ (does free will exist) ዝብሉ ሕቶ ብገለ ግራቜናት፡ ዉልቃዊ ናጽነቶም ንካልኦት ዝመጠዉ: ነቲ ሓቂ ንምዝንባዕ ተባሂሉ ይልዓል’ዩ። እወ “ናጻን ናጽነትን” ካብ ገዛእ ርእስኻን ካብቲ ትነብረሉ ማሕበረ-ኮም ስለዝሙንጩ ህሉዉ’ዩ። ኣብ ዓለም ደቂ ሰባት ተሓጋጊዞም ስለዝነብሩ፡ ሓገዝ ምንዳይን ሓገዝ ምርካብን ነዉሪ ኣይኮነን። ከምኡ እዉን እቲ ዛዕባን ዕላማ ጽሑፈይን ኣይትታሓገዝ ወይ ኣይትሓግዝ ንምባል ኣይኮነን። እንታይድኣ መን ይሕግዘካ፡ ስለምንታይ ይሕግዘካ፡ ካብ መን ትቕበል፡ ንመን ሓገዝ ትሓትት...ወ.ዘ.ተ ብንጹር ዝፈለጥካን “ንናጻ”ን ናጽነትካን” ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ዘየሳጣሕካ ክትከዉን ኣሎካ፡ ናብ ዝብል ምኽሪ ዝዛዘወ እዩ።

    “ናጻ”ን ናጽነትን” ክህልወካ ከም ቀዳማይ ምርጫኻ ምስትወስዶ ፡ ብተኻእለ መጠን፡ ኣብ ምጣኔ-ሃብታዊ ዓቕምታትካን ሃልክታትካን፡ ብቀጥታ ካብ ኣባላትካ፡ ዘካየድካዮም ወፍሪታት፡ ዝተወፈየልካ-ዉርስታት፡ ምእካብ ወፈያታት ገንዘብ (fund raising)...ወ.ዘ.ተ ብዝተረኽበ ኣብ ርእሰ-ምኽኣል (self-reliance) ዝተሞርኮሰ ወይ ድማ ምስ ንስኻ ትነጥፈሉን ዕላማታት ቀጥታዊ (ቱኹላዊ) ርኽክብን ናይ ረብሓታትር-ግርጭት (conflict of interest) ዘይብሎም፡ ኣካላት ዉሽጣዊን ግዳማዊ ሓይልታት፡ ተማጻደቕቲ ናይ ቃልስታትካን ሽግራትካን ዝኾኑ፡ መወልቲ ኣናዲኻ ክትረክብ ኣሎካ። ካብዚ ወጻኢ ጉሉጽነት ዝጎደሎን ኣብ ኣዝዩ ረቂቕ-ስልቲ ዝተሞርኮሰ ምወላ ምስ ዝኸዉን “ናጻ”ን ናጽነትን” ዘሎካ ዘይኮንካ፡ መሳሪሒ ናይቶም ዝምዉልኻ ኢኻ። እቲ ምንታይስ እቶም ዝሙዉሉኻ፡ ከምዚ ሓለይትን ደገፍትን ኮይኖም ይቐርቡኻ፡ ብተግባር ግን ንምጽላዉካን ንሙቑጽጻርካን ዝዓለሙ እዮም። ብርግጽ ንስኻ እዉን እንተኾነ ትፈልጦ ሓቂ ‘ዩ ፖሎቲካዊ ዉድባት፡ ምንቅስቓሳት፡ ግንባራት...ወ.ዘ.ተ ናይ “ግብረ-ሰናይ ማሕበራት” ከምዘይኮና ኩሉ ዝገብርኦ ወፈያታት ፖሎቲካዊ ሕሳባት ከምዘለዎ’ዩ።

    ፈቲኻ-ጸሊእካ፡ ወትርግ መወልቲ ኣብ ፖሎቲካዊ፡ ማሕበራዊ ዉሳኔታትካ ኣዝዩ ጽኑዕ ጽልዋ ክህልዎም’ዩ። እቲ ዝብሉኻን ዝደልይዎ እንተዘይጌርካ ድማ ምጣኔ-ሃብታዊ ምወልኦም ደዉ ኣቢሎም፡ ከም ዓጽሚ ኣብ ጎሮሮ ኮይኖም: ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ተሓኒቕካ ከምትወድቕ ይገብሩኻ።

    ፖሎቲካዊን ምጣኔ-ሃብታዊ ዕላማ ዘለዎም፡ ናይ ግዳም ይኹን ናይዉሽጢ መወልቲ ሓይልታት፡ ስለዝደለኻዮም፡ ስለዝዓደምካዮምን ስለዝለመንካዮም ኣይኮኑን ዝሙዉልኻ፡ እንታይ ድኣ፡ ነቲ ዝደልይዎ ፖሎቲካዊ ወይ ምጣኔ-ሃብታዊ ዕላማ ንምዕዋት ኣገዳሲ ንዋት ኴንካ ምስዝረኽቡኻ’ዩ። ኣገዳሲ ንዋት ክትከዉን ባዕሎም ይፈጥሩኻ ወይ ድማ ብግርህና ዝጀመርካዮ ምንቅስቓስ ኣብ ከርስኻ ናቶም ሰባት ይጸፍዩልካ። ብመንገዲ ዝተጸፍዮ ሰባቶሙን፡ በቲ ዝምዉልኻ ገንዘብን ገይሮም ድማ፡ ናብ ዝደለይዎ መዓላታት ወይ ማኣዝን ንምንቅስቓስካ ይመርሕኻ። እቲ ዘንቀልካሉ ድንግል ሓሳብን ዕላማን ድማ ብኸምዚ ብልሓት ተጨዉዩ፡ መኻዕበቲ ፋይናንሳዊ ትሕዝትኦሙን ፖሎቲካዊ ጡማሓቶሙን ኬንካ ትተርፍ።

    ብኸመይ ብልሓታት እዮም፡ እቶም ተመወልቲ ከንሶም፡ ንካልኦት ዝሙዉሉ ገንዘብ ዝረኽቡ? ኣብ ዘመነ ዓዉላማን (globalization) ኣብ ናይ ምዕራብ ሃገራት፡ ኣንካይዶ ዝተወደቡ ጉጂለ ሰባት’ሲ፡ ሓደ ዉልቀ-ሰብ እዉን እንተኾነ፡ ሕጋዊ ሲቪላዊ ማሕበር፡ ዘይመንግስታዊ ዉድብ፡...ወዘ.ተ ብምምስራት ኣብ ሰብኣዉነታዊ ሓገዛት፡ ኣብ ምምዕባል ትምህርቲ፡ ኣብ ክንክን-ጥዕና፡ ኣብ ህዝባዊ-ሜላ፡ ሕብረተሰብኣዊ-ጉዳይ፡ ተጣባቂ ንሰብኣዊ መሰል፡ ተጣባቂ ጸረ-ግርዘት፡ ተጣባቂ መሰል ደቂኣንስትዮ፡ መንእሰያት፡ ሃይማኖት፡ ማሕበረኮም፡ ...ወ.ዘ.ተ ብምምስራት፡ ኣብቲ ዝነብረሉ ሃገር፡ ብዘፍቕዶ ሕጊ መሰረት ተመዝጊቡ፡ ክንቃሳቐስ ዉሑስ መሰላት ዘለዎ’ዩ። ንኸምዚ ዓይነት ንጥፈታት ተባሂሉ፡ ካብቲ መንግስቲ ዝኣከቦ ቀረጻት ዝሕዛእ፡ ህዝባዊን መንግስታዊን ገንዘብ ስለዝህሉ፡ ቀጥታ ተጠቃሚ ናይ’ዚ ገንዘብ ንክትከዉን ንስኻ፡ ንጥፈታትካን ምትእስሳራትካን ወሳኒ’ዩ ።

    ብሕጋዊ ብልሓት ማሕበርካ ምስ ኣመዝገብካ፡ ከም መወከሲ (reference) ዝጥቀሙልካን ትጥቐመሎሙን ፍርዝን ዝበሉ ዓለምለኻዊ ዉድባት፡ ፖሎቲካዊን ማሕበራዊን ክብደታትን ተሳማዕነት ዘለዎም ዉልቀሰባትን ናይ ገበላ ምምኻር ጉጂለታት(Lobby group) ክትረክብ ንዕብየትካን ምንቅስቓስካን ወሳኒ’ዩ። እዚ ክልተ ረቛሒታት ምሰተማልእ፡ ማሕበርካ ርዝነትን ተሰማዕነት (Leverage) ይህልወካ እሞ፡ ድሕሪኡ ሻምቡቆ መስመር ገንዘብ ከም ዋሓዚ ማይ ቦሽቦሽ ይብልን ኣብ ሕጋዊ መጋባእያታት ናይ ዞናዊን ዓለምለኻዊ ዉድባት ድማ ቀጻሊተሳታፊ ትኸዉን።

    ድሕሪ ሙሉእ ተቃባልነት ምርካብካ (recognition) መወልቲ ሓይልታት ዘድልየካ ገንዘብ ትም ኢሎም ኣይኮኑን ዝህቡኻ። እንታይድኣ!

    1. እቲ ዝኸፍኤ መልክዑ፡- መወልትኻ ኣብ ናቶም መርበብ ብቀጥታ ንዝወጠንዎ ዉጥናት ንምትግባርን፡ ንሶም ብድሕሪ-መጋረጃ ኮይኖም፡ ኣብ ቅድሜ ዓለምለኻዊ መጋባእያታት ከም ተጣባቂ፡ ኣቕራቢ ክሲ፡መዳሪ....ወ.ዘ.ተ (speaker, presenter ...etc) ኬንካ ንክትቀርብ ከም መጉሉሒ ድምጺ ይጥቀሙልካ (ንመረዳእታ ንስርዓት ሱዳን ኣብ ዓለምለኻዊ መጋባእያታት ከጥቕዑ እንተ ደልዮም፡ ነቲ ክብልዎ ዝደለዩ፡ ኣብ ክንዲ ባዕሎም፡ ብሱዳናዊ ዜጋ ጌሮም ይብልዎ) ።

    2. እቲ ዝሓሸ መልክዑ ድማ፡ በቲ ዕላማታትካን ንጥፈታት ንስኻ ተካይዶ፡ ከሕጉዙ እንተወሲኖም፡ ኣቀዲምካ ናይቲ ከተካይዶ እትደሊ ንጥፈታት ዉጥን ሓንጺጽካ፡ ነቲ ዉጥን ንምትግባሩ ዘድሊ ሃላኺታት፡ንዋትን መሳለጥያታት፡ ክንድዚ ዝግመት ገንዘብ ባጄት የድሊ ዝብል እማሜ ብጹሑፍ መሰቕረብካ፡ ንከተካይዶ ኣጽዲቆም ኣዉንታ መልሲ (green light) ይህቡኻ እሞ፡ ድሕሪኡ ነቲ ዝተወጠነ ዉጥን ብተግባር ተካይዶ።

    ዝምዉልኻ ገንዘብ፡ መብዛሕትኡ ጊዚያት ድሕሪ እቲ ንጥፈታት ምክያዱካ’ዩ። የግዳስ፡ ንኣጣቃቕማ ገንዘብ ኣብ ዝተሓስቦ ማዓላ ዉዒሉ ዶ ኣይዉዓለን ንምፍላጥ፡ ዘካየድካዮ ንጥፈታትን ዘዉጻካዮ ወጻኢታት ብዝምልከት ወይ ዝሕብር፡ ብደረቕን ተንቃሳቓሲ ስእልታትን ቪድዮታትን፡ ጽሑፋትን ናይ ዝተኸፍለሉ ገንዘባዊ ቅብሊታት ከተቕርቦሎም ትሕተት ኢኻ። ከምዚ ኢሉ ድማ፡ እቲ ናይ ምድንጋርን ምሕጋዝን ጉዕዞ ዕንክሊል ይቕጽል። ኣብዚ ሕጂ ክልዓል ዝግብኦ ኣገዳሲ ሕቶ ኣሎ። ንሱ ድማ እንተድኣ ካልኦት ክገብርዎ ዝኽእሉ ኾይኖም፡ ኣብ ክንዲ ንስኻ ብቀጥታ ነታ ሻምብቆ ዋሓዚት ገንዘብ ባዕልኻ ትሓልባ፡ ስለምንታይ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ኣካል፡ ሓሊቡ ዘምጻልካ ትቕለብ ከምዘሎኻ ክትሓስበሉ ዝግባእ ቀንዲ ጉዳይ’ዩ። እንታይ ዝብል ምስላ ኣሎ “ለማናይ’ሲ ንካልእ ለማናይ እንተቶኾበ፡ ዝሓሰቦ ድኣ ኣለዎ እንበር፡ ዝትኮበሉ ዶ ምስ ቶኾበ” ዝባሃል ምስላ’ዩ። ከመይ ገይሩ’ዩ ሓደ ለማናይ ካብተን ዝለመነን ቁሩብቁራቦ ንካልኣይ ለማናይ ዝቶኩብ? ኣብ ክንዲ መሳሪሒ ን ጊዳይ ናይ'ቶም በብቑሩብ ዕላማኻ፡ ዲሞክራሳዉነትካ፡ ሃገራዊ ኒሕካ ዝቐተሉ "መወልቲ" ኰንካ ዕንዝራ ምቕያር፡ ኣስተብህሎን ጽሬትን ዘለዎ ጉዕዞ ምምራጽ ከድልየካ’ዩ።

    ኣይፋለይን! ዝሃበ! እጊዚኣብሔር ይሃቦ! እንተኸፈሉልና እሞ እንታይ ኣለዎ፡ ደይ ብሽምናን ዝተማእረረ ገንዘብ’ዩ! በሊዑ ዘብላዓካ እንታይ እሞ ኣለዎ! ዉድብ ፍላን ሰልፊ ፍላን ምንቅስቓስ ፍላን ዶ ኣይሓገዙናን!...ወ.ዘ.ተ እንዳተባህለ ዝኸየድ ጉዑዞ፡ ኣብ ክንዲ መፍትሒ ጸገም: ባዕሉ ክፍታሕ ዘለዎ ጸገም ኮይኑ፡ ነቲ ኩሉ ሃልክታትካ ንኮንቱ ዘባኽንን፡ ኣብ ተካይዶ ቃልስታት፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝቀየስካዮ ዕላማታት ዘዕዉት፡ እንኮ መመንጨዊ ፖሎቲካዊ ስልጣንን ፋይናንሳዊ ዓቕምታት መወልትኻ ዘራጋግጽን ዘኻዕብትን ጥራይ ኮይኑ ከገልግል’ዩ።

    Donation

    ወድሓንኩም!

    መርእድ ዘርኡ
    m.zerut@gmail.com
    15/03/2018

    Share with friends:


    You may also be interested on these:-

    Humanitarian Financing: UN humanitarian funding – demystifying NGO access

    Also see:
    •   Humanitarian Financing: Bilateral funding – trends, challenges and opportunities for NGOs
    •  Endowment Funds Explained
    •  What is an endowment fund?

    See also recent Articles by Mr. Merid Zeru:

    Share with friends: