ቡቁዕ-ህዝባዊ-መሪሕነት-ዘይብሉ-ህዝባዊ-ዘይሙኡዙዙነት-ኣይዕወትንዩ

09/11/2017 18:59 PM

ቡቁዕ ህዝባዊ መሪሕነት ዘይብሉ፡
ህዝባዊ ዘይሙኡዙዙነት:
ኣይዕወትን’ዩ!

ብ'መርእድ ዘርኡ


Popular Disobedience
Cannot Succeed
Without Proper Leadership

by Mr Merid Zeru


መርእድ ዘርኡ

 

ድሕረ-ባይታ፡-

ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ባዕሉ ዝኣጎዶ መጋርያ ሓዊ ተሓቢኡ ዝስሕን ፖሎቲካዊ ስርርዕ’ዩ። ኩሉ ጉጉይ ሜላታቱ ኣብ ፖሎቲካዊ ምጣኔሃብታዊን ማሕበራዊን ሂወት ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ዝፍጠር ጸገማት ድማ ባዕሉ ዘሳሰዮን ዘንበድበዶን ኮይኑ፡ ተገልቢጡ ነቲ ገባቲ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ኣብ ሓደጋ ዘሳጥሕ’ዩ። ክሳብ ሕጂ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብተግባር ዝተንከፎ ተጻይ ሓይሊ የሎን። ባዕሉ እቲ ስርዓት ተጻይ ናይ ገዛእ ርእሱ፡ ሃገሩን ህዝቡን’ዩ፡
ኣብ ዝሓለፈ 21 ጥሪ 2013 ኣብ ከተማ ኣስመራ/ ፎርቶ ብናይ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ፈተነ ወትሃደራዊ ዕልዋ ምስተጋህደ፣ ኣብቲ እዋናት’ቲ ሰበ-ስልጣን ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ሒቕታ ጎሲዖም እዮም። እቲ ጉሳዕ ድማ “እስላማዊ ምትእኽኻብን እስላማዊ ስጉምቲ ምኻኑ እዩ”። እዚ ሒቕታ እዚ ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ንኹሉ ዜጋ ንኣዝዩ ሓጺር ስዓታት ኣብ ደዉታ ምፍጣጥ ኣእትዩ ከምዝነበረን፣ ብቅጽበት ህዝቢ እዉን ከምዝነጸጎ ታሪኽ ዝራጋገጽ ሓቂ እዩ።

ቀጺሉ ሕጂ ድማ ፡ ኣብ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ብተማሃሮን ስድራቤታት ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ ኣል እስላምያ ኣኽርያ (ቀደም ብሓደ ካብቶም መስረቲ መምህር መሓመድ በሽር ኣሕመድ ኣብ 1969 (ብእንዳበሺር ቅጽል ስም ትፍለጥ’ያ) ኣብ ዝተጋህደ ሰላማዊ ሰልፊ 4 ሰባት ብጥይት ብኸቢድ ከምዝቖሰሉን 58 ድማ ከም ዝተኣስሩን ይግለጽ ኣሎ። ብኻልእ ሸነኽ ኣብ ዕለት 01 ሕዳር 2017 ኣብ ኣልጀዚራ ዝወጸ ሓበሬታ ክትኣምኖ ዘጸግም ድማ፡ 28 ሰባት ከምተቀትሉን ልዕሊ 100 ሙቕሳሎም ተሓቢሩ ኣሎ። ስርዓት ኣስመራ ብመንገዲ ትዊተር፡ ብሚኒስተር ሓበሬታን ፕሮፓጋንዳን ኤርትራ (ኣቶ የማነ ገብረመስቀል) ኣቢሉ ዝወጸ ሓበሬታ ግን፡ እቲ ወረ ሓሶት ምዃኑን፡ እቲ ዝተራእየ ናይ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ኣድማ ድማ ከም ፍሉይ ሓድሽ ዜና ተቖጺሩ ግምት ዝወሃቦ እውን ኣይኮነን ይብል። ቀጺሉ እቲ ህዝባዊ ዘይሙኡዙዙነት ብኣፈ-ሙዝን ምእሳርን ምስተደርቀሰ ንስርዓት ኣስመራ ኣዝዩ ቅርበት ዘለዎ ብቕጽል ስም Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡- ኣብ ዕለት 7/11/2017 “ወከልቲ ወለድን መምሃራንን ሎሚ ኣኼባ ምስ ምምሕዳርን ወከልቲ ሚኒስትሪ ትምህርትን ከምዝካይዱ ከኣ ኣማሲኡ ብዝበጽሓና ሓበሬታ ተፈሊጡ ኣሎ፡ ወለዲ እቶም ቆልዑት ዝወሰድዎ ተግባራት ምስ ኤርትራዊ ባህልን ኣካይዳን ዘይከይድ ምዃኑ ብምግላጽ መንግስቲ ነቶም ነቲ ጉዳይ ናብ ጥቅሞም ቀይሮም ሕጻናት ቆልዑ ኣብዘፈልጥዎ ሓደገኛ ጉዳያት ከእትውን ደም ምፍሳስን ዝተጸበዩ ሰባት ግቡእ ስጉምቲ ብምውሳድ እቶም ወለሓንቲ ዘይፈልጡ ቆልዑትን መንእሰያትን ግና ክፈትሓሎም ብኣክብሮት ሓቲቶም፡ ፓሊስን ሰራዊትን ዋላ ነቶም ተጋግዮም እምኒ ዝደርበዩ ከይተረፈ ንላዕሊ መጠንቀቅታ ብምትካስ እምበር ንሂወት ሰብ ከየሕልፉ ዝገበርዎ ምጥንቃቅ ምስጋንኦም ብምግላጽ እቶም ነዚ ጉዳይንረብሖም ክጥቀምሉ ዝደለዩ ሰባት ኣብሞንገና ነቃዕ ክፍጠር ከምዘይኮነ ክፈልጡ ኣለዎም ኢሎም፡ መንግስቲ ከኣ ነቶም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑት ብመጠንቀቅታን ብምግሳጽን ናብ ስድራቤቶም ከምዘረኮብምን እቶም ልዕሊ ዕድመ ከኣ ጉዳዮም እንዳተራእየ እቶም ኣሳወርቲ ብሕጊ ክሕተቱ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ፡ ካልእ ምዕባሌታት እንዳተኻታተልና ከነቅርበልኩም ኢና!” ክብል ኣብ ፌስቡክ ጽሑፉ ዘርጊሑ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ፡ ኩሉ ተግባራትን ሓበሬታን፡ ብስቱር ስለዝተሓዝ፡ ናይቲ ኣብ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ብወግዓዊ ናጻ ብዝኾኑ ምንጪታት ብንጹር ንምርግጋጹ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ። ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ብቲሕምቲሒም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድያስፖራ ድማ ብጋህዲ ፡ ንፖሊሲታት ስርዓተ ትምህርቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ጥሒሱ ዝተወልዔ ናይ “እስላማዊ ፖሎቲካ” ብምባል የናዓዕብዎ ኣለዉ። ነዚ ኩነታትዚ ዝጋሃሀር ናይ ግዳም ሓደ ሓደ ሮቓሒታት ብ ዶር ዓብዱላሂ ዩሱፈን ኣብ ሱዳን ካልኦትን ናይ መራኸቢ-ቡዙሓን ማእከላት ኣለዉ። ንሳቶም ድማ ባዕሉኻትኩም ክትሰምዕዎን ክትመምይዎን ንኣኹም ይሓድጎ ኣለኹ።

ወትሩ ዝኾነ ይኹን ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝካየድ ንጥፈታት መንግስቲ ብሚስጢር ስለዝሕዞን ንህዝቡ ጹጹይ ሓቤሬታ ስለዘይህብ፡ ሰባት ብቀሊሉ ንዕላማታቶም ንምዕዋት ንፕሮፖጋንዳ ስለዝጥቀሙሉ ህዝቢ ኣብ ነዉጺ ኣእሙሮ ይኣቶ። ኣይካብቲ ስርዓት ኣይ ካብቲ ተቃዉምኖ ዘራጋግኦ ዘይብሉ ህዝቢ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ትጽቢታቱ ይዝርጋሕን ይጭበጥን እሞ ኣብ መጨረስትኡ ሞራሉ ኣዉዲቁ ንከይቃለስ ሮፈጥ ዘብል ክዉንነት’ዩ ዝጋሃድ ዘሎ።

ዳይነሚክስ ናይ እቲ ናዕቢ እንታይ እዩ? ኣብ ክፍላ መስከረም 2017፡ ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ ኣል እስላምያ፡ ገለ ሰባት ካብ ዉሽጢኡ ኤርትራ ኣፍልጦ ዘለዎም ከምዝብልዎ “ብመገዲ ሃይሞኖታዊ ጉዳያትን ሚኒስትርይ ትምህርትን ስርዓት ኣስመራ፡ ኩለን ኣብያተትምህርትታት ኣብ ትሕቲ ኣብያተክሪስትያናትን መሳጊድን ዝማሓደራ ዝነበራ፡ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ክማሓደራ ዘነጽር ትእዛዝ ኣማሓላሊፉ ከምዝነበረን፡ ካብ 2016 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ኩለን ኣብ ትሕቲ ቤተክርስትያንን መሳጊድን ዝማሓደራ ኣብያተትምህርት ምስሕሓብ እኳ እንተነበረ ኣብ መጨረስታ ኣብ ትሕቲ ሃይሞኖታዊ ትካላት ዝማሓደራ ኣብያተ ቤትምህርታት ንክፍሊ ትምህርቲ ክርከባ ዝእዝዝ ሓደ ዘዋሪ መልእኽቲ ከምዝሰደደን ፡ ብመሰረት ነቲ ዝተሰደ ዘዋሪ መልእኽቲ ብምቕዋም፡ ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር ምስ ዛጊት ኣስማቶሙን ጽፍሒ ስልጣኖም ዘይተነግረሎም፡ ሰበስልጣን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣካላዊ ርኽክባትን ዘተታት ከምዘካየዱን፡ ኣብቲ ዘካየድዎ ዘተታት ከምዘይተራዳዱኡን፡ ነቲ ዘካየድዎ ዘተ ድማ ናብ ስድራቤት ተማሃሮን ንኮሚተታት ወለዲ እታ ቤት ትምህርቲ ክቕርቡ ብሙኻኖም ኣፍሊጦም፡ ንኮሚተታት ወለዲ እታ ቤት ትምህርቲ ብምሕባር፡ ኮሚተታት ወለዲ እታ ቤት ትምህርቲ ኣቕሪቦም መልሶም ብጹሑፍ ክምልስሎም ሙኻኖም ከምተሳነበትዎም” ይገልጹ።ድሕሪኡ፡ ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር ምስ ኮሚተታት ወለዲ እታ ቤት ትምህርቲ ተዛትዮም ፡ ንስድራቤት ተማሃሮ ኣኺባ ብምጽዋዕ ነቲ ኩነታት ክገልጽሎሙን ርእይቶታት ወለዲ ተማሃሮ ንክሰምዑ ብምባል ሰፊሕ ኣኼባ ብምጽዋዕ መግለጺ ን ንህዝቢ ነቲ ኩነታት ኣመልኪቶም ኣብ ዕለት 15/10/2017 ድሕሪ ምሃቦም ኣብ ወለዲ ተማሃሮ ቑጣዔ ከምተሰምዔ ነታ ቪድዮ ምርኣይን ምስማዕን ኣኻሊ እዩ። ከም መቀጸልታ’ዚ እኼባ’ዚ ኣብ 20 ጥቕምቲ 2017 ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑርን ካልኦት ዉሑዳት ሰባት ዝተወሰኽዎም ብጸጥታ እቲ ስርዓት ኣብ 5ይ መደበር ፖሊስ ከምትኣሱሩ ብንጹር ይገልጹ። ሳዕቤን እታ ኣኼባን ማእሰርቲ እዞም ውሩይን ቅቡልን ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር፡ ናይዚ ኩሉ ኩነታት እኩብ ድሙር፡ ነቲ ኣብ 31/10/2017 ዝተኸስተ ናይ ቅሬታ ናዕቢ ሙኻኑ ክራጋገጽ ዝክኣል ሓቂ’ዩ። ዕልመናዊ ፖሎቲካዊ ስርርዕ (A secular state) ክሳብ ዝኾነ፡ መንግስቲ ኣብ ትካላት ሃይሞኖታት ኢዱ ከእቱ የብሉን! ሃይሞኖታዊ ትካላት እዉን ኣእዳወን ኣብ ፖሎቲካዊ ጉዳያት ከእትዋ ዘይብሎም ከንሶም፡ ስርዓተ ኣስመራ ብቀጻሊ ብክፍሊ ሃይሞኖታዊ ጉዳያት ኣቢሉ፡ ብእብረ ኣብ ሃይሞኖታዊ ትካላትን ጉዳያትን ክኣቱ ከምዝጸንሔ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። እዚ ጦብሎቕሎቃት ዝፈጠሮ ዕልቕልቕ ሙኻኑ ድማ ዘጣራጥር ጉዳይ ኣይኮነን።

ኣትኩረይ፡-

ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ፡ ህዝባዊ ዘይሙኡዙዙነትን ምልዓላትን (Civil disobedience) ሕጂ ሓድሽ ዝተራእያ ተርእዮ ኣይኮነን። ንትሕዞን ምሕደራ መሬትን ካልእ ሲቪክ መሰላት ኣልዒሎም ቅድሚ ሕጂ ዝተላዕሉን ብደረጃ ዓዲ ተንቀሳቂሶም ዓዲ ብሙሉኣ ዝተኣስሩ ከምዝነበሩ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ ጉዳይ እዩ። የግዳስ ኩሉ ዝላዓል ህዝባዊ ዘይሙኡዙዙነት ኣብ ክንዲ ክሳብ እቲ ገባቲ ስርዓት ዝወድቕ ዝቕጽል፡ ዉልዕ ይብል እሞ ኣብ ዝሓጸረ ስዓታት ድማ ተደርቂሱ ይተርፍ። ስለምንታይ ይመስለኩም?

ንኸምዚ ዓይነት ፍጻሜ ብኸመይ ብዉሑሉሉን ጥንቑቑን ብልሓት ንዓወት ትመርሖን ትኣልዮን እዩ። ኣብ ፖሎቲካዊ ባይታ ኤርትራ ዛጊት ክሳብ ሕጂ ንኸምዚ ሰላማዊ ኣጋባብ ብዉሑሉል ኣጋባብ ብዉጥን ፡ ዉጥን ሓደ ዉጡን ክልተ ዉጥን ሰለስተ ብምዉዳድ ብቕድመተከተል ክመርሕ ዝኽእል መሪሕ (vanguard-leadership) ዛጊት ኣይተፈጥረን ዘሎ። እቲ ምንታይስ እቲ ህዝቢ ካብቶም ኣብ ፖሎቲካ፡ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ሲቪክ/ሲቪል ማሕበራትን ምንቅስቃስን ኣብ ናይተጻይ መራኸቢ ቡዙሓን ቁጽጽር ዝነጥፉ ዝነቕሔ ከንሱ ዛጊት ግን ናይ ገዛእ ርእሱ ሲቪክ/ሲቪል ፡ ማሕበረ ኮማዊን ሞያዊን ዉዳቤ ብዘይምህላዉን እዩ።

ልዕሊ ኹሉ ከነስተብህላሉ ዝግባኣና መሰረታዊ ጉዳይ ኣሎ። ንሱ ድማ ኤርትራ ከምሓንቲ ናይ ፖሊስ-ሰራዊት ስርርዕ ዘለዋ ሃገር መጠን፡ ብሙሉኡ ኤርትራዊ ወትሃደራዊ ታዕሊም ዝወሰደን ኣጣቃቕማ ብረት ዝፈልጥ ስለዝኾነ፡ ዋላእዉን ብሰላማዊ ኣጋባብ ቃልሲ መሰሉ ንምርግጋጽ እንተነቀለ፡ ብቀሊሉ ንኣካላዊን ምርጻም ክቕየር ከምዝኽእል ዘማትእ ኣይኮነን። ነቲ ዉዱዕ ክዉንነት ኣብ ግምት ኣእትዩ ዝመርሕ ዝበቕዕ፡ ህዱኡ ዓቕሊ ናይ ሲቪል ሓንጎልን ባህረያትን ዝዉንን ናይ ዉሑዳን-ኣድማዕቲ ሰኪዔት መርበብን (effective minority networks) መሪሒነት ከድሊ’ዩ። እዚ ናይ ዉሑዳን-ኣድማዕቲ ሰኪዔት መርበብን ምስ ጹኑዕ ናይ ዜጋታት ህዝባዊ ዉደባታት ተዳማሚሩ፡ ኣብ ዉሽጥን ወጻኢን ከም መርፍእን ፈትልን ብምትእስሳር ንዘጋጥም ተረኽቦታትን ሲናርዮታትን ብዉጥንን ስሩዕ ስትራተጂን ስልቲን ክመርሕ ዝበቕዕ መሪሕነት ክፍጠር ኣለዎ። ከምዚ ዓይነት መሪሕነት እንተዘየሎ ኩሉ ህዝባዊ ዘይሙኡዙዙነት ከምዚ እንጣጢዕ ኣብ ዝረሰነ ሞቕሎ ክቕሎ እንኮሎ ጠራዕራዕ እንዳበለ ካብቲ ዝረሰነ ሞቕሎ ናብቲ መጋርያ ሓዊ ዝነጥብ! ልክዕ ከምኡ ክኸዉን’ዩ። ኩሎም ዝሓልፉ ህዝባዊ ምንዓዓባት እብ ኤርትራ ድማ ከምዚ ዝጣሕመስክዎ ዕድላት’ዩ ኣጋጢምዎም።

ስለምንታይ ካብቶም ዘለዉ ዉዱባት ወይ ናይ ተጻይ ሓይሊ ንገለ ሑሩያት ሰባት ማሕበራዊ፡ ፖሎቲካዊ ኣካድያማዊ ክብደታት ዝዉንኑ ሓላፍነት ሂብና፡ ንከምዚ ዕማማት እቲ መሪሕ ሓይሊ ዕማም (task force) ዘይነዉጽእ ዝብል ሕቶ ክልዓል ይኽእል እዩ። ነዚ ኣገዳሲ ሕቶ ንምምላስ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ዉድባት፡ ሰልፍታት፡ ምንቅስቓሳት...ወ.ዘ.ተ ተወዲቡ ዝመርሕ ወይ ዝምራሕ ዘሎ፡ ካብቲ ዘለዎ ህቡብነት ሽሙን ተመዲቡ ዝሰርሓሉ ዘሎ ዕማም ዝደቀቀ ( ዘይቡቑዕ) ኮይኑ፡ ስስዑቱ (ego) ግን ኣዝዩ ዓቢ’ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ፡ ድማ ሎሚ ብሓደ ይጣረነፉ ንጽቢሑቱ ዝፋናጥሑን፡ ከምኡ እዉን እቲ ስስዕቶም ከም ሞቕሕ እግሪ ኮይኑ ኣብ ጉዕዞ ሓሊኹ ስለዝሕዞም ኣይሰርሑ ኣየስርሑ፡ ኣይመርሑ ኣይምርሑ ዝኾኑ። እቲ ናይ ስስዕቶም ዳይነሚክስ ንስራሓት፡ ምትእስሳራቶም፡ ባህርያቶም፡ ስራሓቶምን ጉዕዞ ቃልሲ ሞቑሕ ኮይኑ ስለዝቕይድ ኣብ ሓደ ቦታ ኣብ ጋማን (መካነክ ረዉሕ)ተጸሚዱ ኣይንቅድሚት ድሕሪት ኣይንላዕሊ ንታሕቲ ብዉጥረት ተገቲሩ ዝተርፉን ዝተረፈን ብሙኻኑ’ዩ።

ኣብ መዛዘሚ ዓንቀጸይ፡ ቡቁዕ ህዝባዊ መሪሕነት ዘይብሉ፡ ህዝባዊ ዘይሙኡዙዙነት ኣይዕወትን ስለዝኾነ፡ ንህዝባዊ ዘይሙኡዙዙነት ዘታባብዑ ሮቓሒታት ክርኣዩ እንከለዉ ጥራይ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር ዘይኮነ ነዚ ዝመርሖ ጉሁዱን ስዉር ናይ ጽላሎት መሪሒነት ከነዋድድ ግቡእን መሰረታዊ ጉዳይ እዩ። ብዝኾነ ነቲ ኣብ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ብተማሃሮን ስድራቤታት ተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ኣልድያ ኣል እስላምያን ደገፉቱን ተማጻደቑቱን ዝተኻየደ ቁጡዔ ኣብ ልዓቱ ዘሎን፡ ዝተራእየ ህዝባዊ ዘይሙኡዙዙነት እቲ ቀንዲ ኣጋባብ ቃልሲ መፍትሒ ናይቲ መንቀሊ ዝኾነ ጸገም ሙኻኑ፡ ይኣምንን ብኡ መስረት ድማ ደገፌታይን ምትብባዓተይ ይህቦ ኣለኹ። ኩሎም በዚ ጉዳይን ካልእ ፖሎቲካዊ ጉዳያት ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ብዘይ ዉዓል ሕደር ክፈትሖም ይምሕጸን ኣለኹ።

ወድሓንኩም!

ብ'መርእድ ዘርኡ

m.zerut@gmail.com

08/11/2017

መወከሲታት፡-

[1] http://www.aljazeera.com/news/2017/11/eritrea-opposition-security-forces-kill-28-protesters 171101171043467.html
[2] https://www.youtube.com/watch?v=QZJ0mWg4esA
[3] https://www.youtube.com/watch?v=Khjf1-oAuDc
[4] https://www.youtube.com/watch?time_continue=1&v=5PXOikTD9ts
[5] http://50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_07102017.pdf
[6] http://www.emdhr.net/images/pdf/BidhoAntsarAtehasasbana.pdf
[7] https://tigrigna.voanews.com/a/discussion-on-recent-protest-in-samara/4098898.html

Share with friends:


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ተራ ኣወንታዊ መሪሕነት ኣብ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ምስግጋር ኣብ ኤርትራ።
The role of Positive Leadership in the Struggle for Democratic Transition in Eritrea.
Seminar by Dr G. Gebremariam. ብ’ዶ/ር ገብረ ገብረማሪያም።