ባህልን ልምድን ዘይሕጋዊ ንግዲ (ኮንትሮባንዳ) ኣብ ኤርትራ

01/03/2018 22:55 PM

ባህልን ልምድን ዘይሕጋዊ ንግዲ (ኮንትሮባንዳ)
ኣብ ኤርትራ

ብ'መርእድ ዘርኡ


መርእድ ዘርኡ

 

ባህልን ልምድን ዘይሕጋዊ ንግዲ (ኮንትሮባንዳ) ኣብ ኤርትራ-

ኣቀዲመ ክገልጾ ዝደሊ ሓቂታት ኣሎ፡ ንሱ ድማ ካብ መርፍእ ክሳብ መድፍዕ: ኣቶ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ዘይፈልጦ ንጥፈታት ኣብ ዉሽጥን ኣከባቢ ኤርትራን ኣይካየድን’ዩ። ኣንካይዶ ብሚልዮናት ዝግምገም ንግዳዊ ንጥፈታት’ሲ፡ ሓንቲ ደቓቕ ዑፍ ካብ ኤርትራ ዶብ ሱዳን ኤርትራ፡ ዶብ ኢትዮጵያ ኤርትራን ዶብ ጁቡቲን ኤርትራን ኣቓሪጻ እንተኣትያ’ዉን እንተኾነ፡ ብደቂቑ ከምዝፈልጥ ክትፈልጡ ኣለኩም። ኣቶ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ካብ ታሕቲ ክሳብ ዝላዓለ ደረጃ እቲ ስርዓትን ህዝብን ብመገዲ ስለያዊ ትካላቱን ብዉልቑን ኣዝዩ ስጡም ጋድማዊን ትኹላዊን ሰንሰለታዊ ርኽክብ ዘለዎ መራሒ’ዩ። ኣንካይዶ ዝካየድ ዘይሕጋዊ ንግድታት፡ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኤርትራን ዝካየድ፡ ኣብ ገዛኹም ኬንኩም ተዕልሉዎን ተሓምዩዎን ተራ ዕላል እዉን እንተኾነ ዝፈልጥ ሰብ’ዩ። ስለዚ እቲ “ኣቶ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ዘይፈለጦ ኮይኑ ድዩ” ዝብል ኣዝራራርባ፡ ናይ ጉራሃት ዝመስል ተንኮለኛታት ንህዝቢ ንምድንጋር ዝዛረብዎ ዘረባ ሙኻኑ ብቀዳምነት ክግራሕ ዘለዎ ምህዞ-ምድንጋራት’ዩ።

ባህሊን ልምድን ከተጥርዮ ኣዝዩ ቀሊል፡ ጨሪስካ ከተጥፍኦ ግን፡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝኾነ ነገር’ዩ። ኣብ ሃገራዊ ተጋድሎ ንናጽነት ኤርትራን ንሓርነት ዜጋታትን እንዳተቃለስና እንኮለና፡ ዉድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ምጣኔ-ሃብታዊ ትሕዝቶታቱ ንምኽዕባትን ነቲ ዝነበረ ሕጽረታት ጠለባትን ቀረባትን ህዝቢ ንምጽባብን ርእሰ-ምኽኣል ተባሂሉ ዳርጋ ድሕሪ ቀዳማይ ዉድባዊ ጉባኤና (1977) ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ቁጠባ ዝማሓደር ሓደ ጨንፈር ንግድንሸቐጥን ዝብል ብምቛም፡ ኣብ ካብ መግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓራ ዝወጸ ቦታታትን ንዝነብር ህዝቢ፡ ካብ ሱዳን ኣድለይትን ሃለኽትን ኣቑሑታት ብምቕራብ ይናጣጥጠፍ ከምዝነበረን፡ ስግሩ እዉን ኣብ ሱዳን ብሸሪከት ኣፍሮ ዝፍለጥ ናይ መጓዓዝያን ጽርበት ሓጺን ትካላት ኣገልግሎት ንሱዳናዉያን እንዳሃባ ርእሰማል ህ.ግ.ሓ.ኤ ንምዕባይን ርእስና እንኽእለሉ ህሞት ንምፍጣር ተባሂሉ ዝተጀመረ ሙኻኑ ኣዳዕዲዔ ይፈልጥ። ብልክዕ ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ነቲ ንዘንቐሎ ዕላማን ስትራተጂን ከምዝወቕዔን፡ ጽቡቕ ዉጽኢት ከም ዘበርከተን ኣብ ተዘክሮታተይ ይጥሕምስ እየ።

ካብ ዝተረኽበ ኣድማዒ ዉጽኢታቱ ብምንቃል ድማ፡ ብዉዱቡን ዝላዓለ መልክዓቱ ብ 09 ዝባሃል ኣሃዱ ንግድን ገለ ክፋል ሓይሊ ባሕሪ ነቲ ዘይሕጋዊ ስራሓት ንግዲ ስራሕና ኢሎም ስለዝተታሓዝዎ፡ ኣኻሊ ቀረባት ነቲ ኣብ ሓራ መሬት ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ ካብ ምቕራብ ሓሊፎም፡ ን ኣብ ዉሽጢ ኣብ ትሕቲ መስመር ጸላኢ ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ፡ ከም ቢራ ሄኒከን፡ ሽኮር፡ ሽጋራ.....ወ.ዘ.ተ ኣስሊኾም ብምእታዉ እዉን ይነግዱ ከምዝነበሩ ይዝክረኒ። ከምዚ ኢሉ እዩ እቲ ናይ ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ንጥፈታት ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ተኣታትዩ። እዚ ባህሊ’ዚ ካብ 1977 ጀሚሩ ክሳብ እዛ ካልኢት፡ ደቂቕ፡ ስዓት ናይ ጊዚየ ዝጽሕፈላ ዘለኹ፡ ከም ባህሊን ልምድን ዉድብ ኮይኑ ይሰርሕ ከምዘሎ ይፈልጥ እየ።

ሰባት ብመኽሰብን ክሳራን ክጥምትዎ ከምዝኽእሉ ዘጣራጥር ኣይኮነን፡ የግዳስ እቲ ቀደም ሕራይ ኣብ ቃልሲ ስለዝነበርና ብዘይሕጋዊ ብልሓታት ጸገማትና ክንፈትሕ ንህቕን ኔርና፡ ሕጂ ግን ልዑላዊ ሃገር፡ ህዝቢን መንግስትን እንተሃልዩ ሕጋዊን ትካላዊን ኣሳራርሓ ክስራሕ ግድነታዊ ጉዳይ’ዩ። የግዳስ ዘይሕጋዊ ባህሊን ልምድን፡ ንኣታሓሳስባ መራሕቲ እዚ ፖሎቲካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ይገዝእዎን ይደግሶምን ስለዘሎ፡ ነዚ ኣብ 50 ዓመታት ዘጥረይዎ ባህሊን ልምድን’ዚ ራሕሪሖም፡ ናብ ሕጋዊ ስርሓት ክኣትዉ ባህልታቶሙን ልምድታቶሙን ኣየፍቕደሎሙን’ዩ። እቲምንታይስ ርስሓት ካምሻ ብሓንቲ ሕቃቅ ሳቡና ሓጺብካያ ክትጸሪ ትኽእል እያ፡ ብመንጹሩ! ወዲ ሰብ ኣብ ነዊሕ ሂወቱ ዝለመዶ ባህልታትን ልምድታትን ብቀሊሉ ክሓድጎን ከጽሩዮን ኣጸጋሚን ፈጺሙ ዘይክኣልን እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ’ዩ ድማ ኣብ ባህላዊ ምስላና ”ኣመል ምስ መግነዝ” ተባሂሉ ዝምሰል እዩ።

ስለዚ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ኤርትራ ናይ ባሕሪ ወደባት፡ ማርሳታት፡ ውሽመጣት....ወ.ዘ.ተ ያሃልዋ ኣይሃልዋ ብዘየገድስ፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ንጥፈታት ክስህር ሙኻኑ ዘጣራጥር ኣይኮነን። ከምዚ ሓደ ብወልፊ ዕጸ-ፋርስ ዝተለኽፈ ሰብ ዕጸ-ፋርስ ካይወሰደ ዘይረግእ፡ መራሕቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ድማ ዘይሕጋዊ ስርሓት እንተዘይሰሪሖም ቀሲኖም ክድቑሱ ስለዘይክእሉ: ክቕጽልዎ ሙኻኖም ዘጣራጥር ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ፍታሕ ብሱሩ ነዚ ብሕማቕ ባህልታትን ልምድታትን ዝመሽመሸ ስርዓት ካብ ሱሩ ቦርቒካ ምእላዩን ኣብ ዕኑኡ ሕጋዊ ፖሎቲካዊ ስርርዕን ጥዕና ዘለዎ ባህልታትን ልምድናታትን ሙኹስኻስ ጥራ’ዩ።

ወድሓንኩም!
መርእድ ዘርኡ
27/02/2018

Share with friends:


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ህልው ኩነታት ቁጠባን ማሕበረሰብን ኤርትራ (ቀዳማይ ክፋል)

Eritrea: ድምጺ ደሊና ፡ ዜና 21 ታሕሳስ፣ 2014