April 2021 - Archive   << Back

Home መእተዊ  Articles ጽሑፋት  Documents ሰነዳት  Culture ባህሊ  Links ምትእስሳር  Archives ከብሒ  Contact us ርኸቡና

Search our site መድለዪ:
 





27/04/2021 15:15 PM

ኤርትራዊ መንግስቲ ኣብ ስደት

 ብ'ገብረየሱስ ወልደሚካኤል

ካብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ጀሚሩ፡ መንግስቲ ኣብ ስደት ዝጠልቡ ካብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ጉጀለታትን ወል-ቀሰባትን ድምጾም ከስምዑን መግለጺታት ክህቡን ንዕዘብ ኣሎና። ሓዲሽ ቴማ፡ ሓዲሽ ኣምር፡ ስለዝኾነ ክኣ፡ ብዙሕ ሕቶታትን ስክፍታን ክቀላቐሉ ነስተብህል። ግድን ድዩ መንግስቲ ኣብ  ስደት ክቐውም ? ንኩሎም ደለቲ ፍትሒ ተቓወምቲ ዝውክል ስሙር ግንባር ወይ ላዕለዋይ ጽላል ብምርጫ ዘይትከል? ዝብሉ ሕቶታትን ኣማራጺታትን ብዛዕባ ዓይነትን ቅርጽን ክቐውም ዘልዎ ላዕለዋይ ውኪል ህዝቢ ይልዓሉ ኣለዉ። ደገፍ ወይ ተቐባልነት ሓፋሽ ህዝቢ ይረክብዶ? መንግስቲ ኣብ ስደት ምቛም ሕጋውን ምኽኑይን ድዩ?  ካብ 5 ክፍለ-ዓለማት- ኣፍሪቃ ኤውሮጳ ኣስያ ሰምየን ኣመሪካ ኣውስትራልያ - ተበታቲኑ ዝርከብ ደላይ ፍትሒ ውክልና (ማንዳት ምርካብ) ክርከብ ተኽእሎ ኣሎዶ? ዝብሉ ስክፍታታት 'ውን ኣለዉ።  Read more





26/04/2021 20:45 PM

ሕልፈት

ሓውናን ብጻይናን፡ ገብሩ ተኽለ

30/03/1949 - 13/03/2021

ሓውናን ብጻይናን፥ ገብሩ ተኽለ፡ ብሃንደበት፡ ዓሪፉ ኣሎ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ ብዕለት 21/04/2021 ኣብ ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ ተፈጺሙ። ሓውና ገብሩ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑትን`ዩ። ኩልኹም ብቴለፎንን ካልእን ዘጸናናዕኩምና፡ ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና፡ ምስጋናና ነብጽሓልኩም።

ስድራቤትን ፈተውቱን

ዝኽርታትኩምን መጸናንዒ ቃላትኩምን ንምሃብ፡ ናብዚ ናይ ፌስቡክ ሊንክ ጠውቑ





22/04/2021 17:08 PM

REMEMBERING THE 1975 AND 1976

HARGIGO MASSACRES:

HOW IRONIC THAT WE SAY NOTHING ABOUT THE RETURN OF THE ETHIOPIAN PERPETRATORS TO ERITREA?

By Mr Abdu Habib

April 6, 2021 marked the 46th anniversary of the 1975 tragic massacre of Hargigo, in which about

300 residents were brutally slaughtered by the Ethiopian army, and their houses burned to ashes.

For those who are not quite familiar with the geography and political history of our coastal region, Hargigo is a town about eight kilometers north of the Port city of Massawa. Read more

Part-1:    Part-2:





22/04/2021 17:08 PM

ድምጺ ኤርትራ (ናዝ የማነ)

Voice of Eritrea at CKDU

ናይ Sunday 25 Apr 2021 show መደብ

Studio closed due to new Public Health restrictions, for 4 weeks and beyond. Sorry dear followers of VOE.

ብምኽንያት ሓድሽ ጥዕናዊ መምርሒ፡ ስቱድዮ ንዝቕጽል 4 ሰሙናትን ኪኖኡን ተዕእጽዩ ኣሎ። ይቕሬታ ተኻታተልትና።

ሕሉፍ ታሪኽናን፡ ጽልዋኡ ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራን፡ ክሳብ ክንደይ ኢዩ?

Our past history and its impact on the current issues of Eritrea?

Dr. Mussie Tesfagiorgis ዶ/ር ሙሴ ተስፋጊዮርጊስ፡

ዕለት Sunday, 25 April 2021፡ ዕዱም ጋሻና፡ ዶ/ር ሙሴ ተስፋጊዮርጊስ፡ ፕሮፈሶር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማኒቶባ፡ ኢዩ ክኸውን። ናይ ዘተ ኣርእስትና፦ "ሕሉፍ ታሪኽናን፡ ጽልዋኡ ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራን፡ ክሳብ ክንደይ ኢዩ?" ዝብል ኢዩ። ክትሳተፉ፡ ብኽብሪ ትዕደሙ።

Our Voice of Eritrea guest on Sunday, 25 April 2021 is Dr. Mussie Tesfagiorgis. Our discussion topic is: "How much impact does it have our past history to the current issue of Eritrea?" Dr. Mussie Tesfagiorgis is a professor at the University of Manitoba. All welcome to participate.





22/04/2021 17:08 PM

ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ሓፈሻ ጉባኤ

ሰልፊ ሕዳሰ ኤርትራ ንፍትሒ

Eritrean Renaissance Party for Justice

(ERPJ) 4 th Congress Press Release

11 April 2021

ሰልፊ ሕዳሰ ኤርትራ ንፍትሒ ካብ 26 መጋቢት ክሳብ 10 ሚያዝያ 2021 4ይ ጉባኤኡ ብልዑል ወኒን ሓድነትን፡ ሓያል ውድባዊ ስጥመትን ኣብ ዝዓሰሎ ሃዋሁ “ቅድም ቀዳድም፡ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ’’ ብ ዝብል ቴማ ጉባኤኡ ኣቓኒዑ።

 ሰልፊ፥ ኣብዚ ጽንኩርን በዳህን ኩነታት፣ ኣብ ከባቢና ዝካየድ ዘሎ ቅልጡፍ ፖሊቲካውን ኢኮኖሚያውን ለውጢ፣  ሕማም ኮቪድ- 19 ኣውሪድዎ ዘሎ ከቢድ ማሕበራዊ ሃስያን እዩ ጉባኤኡ ኣካይዱ። ህዝብና እዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት በዚ ዓማጺ ስርዓት ከም ሕሱም እንዳተሳቐየ ፥ ጥዑም ናብራ ተሓሪምዎ ፣ ኣብ ከርተትን ከቢድ ኩነታትን ፥ ሂወቱ ኣብ ምምራሕ ይርከብ፣ ኣብዚ ደምበ ተቃውሞ (ናይ ለውጢ ሓይሊ) ንህዝቢ ዝርዳእን ጸገማቱ ዝፈትሕን ካብ ምዃን ሓሊፉ ኣብ ሕድሕድ ዘይምትእምማንን ምፍንጫልን ብምድሃብ ምዕባለ ብዘይምርኣዩ፥ ኣብ ህዝብናን ፍትሓዊ ቃልስናን ሃስይኡ ዓቢ ምኳኑ ተገንዚቡ። Read more

See Also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦





15/04/2021 12:45 PM Updated

ህንጸት ሰላምን ዕርቂን፡

Peace Building and Reconciliation

بناء السلام والمصالحة

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ፡ ንህንጸት ሰላምን ዕርቂን - Peace Building and Reconciliation፡ ዝምልከት ኣርባዕተ (4ተ) ተኻታታሊ ሰሚናራት ኣብ Snitna ስኒትና Network ተኻይዱ ነይሩ። እዚ ዝተኻየደ ኣገደስቲ ሰሚናራት ብቪድዮ ተቐሪጹ ቀሪቡልኩም ኣሎ።

`Snitna ስኒትና Network` has been conducting a series of seminars on 'Peace Building and Reconciliation' in the past two months. Video recordings of these important seminars is provided here. Read more

نظمت شبكة سنيتنا سلسلة من الندوات حول "بناء السلام والمصالحة" في الشهرين الماضيين.

يوجد أدناه تسجيل فيديو لهذه الندوات الهامة.

Read more




14/04/2021 16:27 PM

ERITREAN YOUTH

IN THEIR STRUGGLE FOR JUSTICE

AND PEACE

By Dr. Tesfa G. Gebremedhin

West Virginia University.

The economic development and social progress of any country usually depend upon the development and availability of abundant natural resources together with the development and availability of human resources in the form of productive labor force. The family structure, the social fabrics, the political stability, the community formation, the religious institution, and the status of public service, particularly the education and health care services, play the most important roles in determining the supply of skilled workforce for the economic development and social progress of a country. Read more





14/04/2021 16:27 PM Updated

ታሪኽ ቛንቋ ዓረብ ኣብ ኤርትራ

1ይ ክፋል

ብ`ዓሊ መሓመድ ሳልሕ ሹም

ብመጀመርያ ብዛዕባ ታሪኽ ቛንቋ ዓረብ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ክዛረብ ዝደረኸኒ ምኽንያት፡ ብዛዕባ ምትእስሳር ቛንቋ ዓረብ ምስ ኤርትራ ብዙሓት በብዝጣዓሞም ክትንትኑ ይርኣዩ ብምህላዎም፡ ኣነ ድማ ምስቲ ናይ ዕድመ ተሞክሮይን ካብ ቀዳሞት ኣቦታት ዝወረስኩዎ ሓቅታትን ከምኡ ውን ካብቲ ሃብታም ኣርካይቭ ታሪኽ ኤርትራን ቃንቃታታን ካብ ዝተፈላለዩ ተረኽቲ ቱርኪ፡ጥልያንን እንግሊዝን ዘንበብኩዎ ትሕዝቶ ከካፍለኩም መሪጸ ኣለኹ። Read more

ዝሓለፈኩም ክፋላት፦

1ይ ክፋል፡  2ይ ክፋል፡  3ይ ክፋል




13/04/2021 14:56 PM

መዝገብ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራትን፡

ሃለዋቶም ዝተሰወረ ኤርትራውያንን

Political Prisoners, Prisoners of Conscience and Other Forcibly Disappeared Citizens in Eritrea

See Also Related ምስዚ ዝዛመድ ተወሳኺ ሓበሬታ:





13/04/2021 14:56 PM

ህጹጽ መጸዋዕታ

ንድሕነት ህዝብን ምዕቃብ ልዑላውነትን ኤርትራ

ባይቶ ኤርትራውያን

ዋሽንግተን ዲሲ መሪላንድ ቭርጂንያ

ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን፣ ብንሁር መንገዲ ልዑላውነቶምን ሃገራዊ መንነቶምን ንገዚፍ ሓደጋ ተሳጢሑ ይርክብ።  እቲ ድሕሪ  መሪር ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ዝተረጋገጸ ሃገራዊ ልዑላውነትን፣ ኤርትራዊኢ ሃገራዊ መንነትን፣ ንምስራዝ ዝካየድ፣ ዝተወሃሃደ ሽርሒ፣ ጉጅለ ኢሳያስን፣ መግዛእታዊ ናይ ምስፍሕፋሕ ጉጅለታትን፣ ካብቲ ዝነበሮ፣ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ተሰጋጊሩ እነሆ።  Read more










13/04/2021 14:56 PM

ዕድመ

ሰሚናር ህዝባዊ ምንቅስቃሳት ጀርመን

ምስ ጋዘጤኛ ኻልድ ዓበዱ

ንሰንበት 18.04.2021

• ቦታ፡ Zoom-Meeting 18 ሚያዝያ 2021 ሰዓት፡ 15፡00 ክሳብ 18፡00

Meeting-ID: 832 1648 4335

Password: 499369

ብድሓን ምጹ!!

ህዝባዊ ምንቅስቃሳት ጀርመን Read more




13/04/2021 14:56 PM

ህልው ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን።

Current Eritrea and its regional situation.

Seminar by Dr Gebre Gebremariam.

At Merbeb Eritrean Network for Justice Room

ኣብ ፓልቶክ መርበብ ኤርትራዊያን ንፍትሒ

ቀዳም Saturday, 10 April 2021

ዶር. ገብረ ገብረማሪያም ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኤርትራ ሃገርናን ከባቢና ሰፊሕ ትንተናዊ ኣስተምህሮ ንህዝቢ ይህብ። ንሱ፡ ሕጂ ኤርትራ ከም ልዕላዊት ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ናይ ምቕሃም ወዲቃ ምህላዋን ጊዜ ዘይህብ ናይ ህጹጽ ኩነታት ተፍጢሩ ከምዘሎ ኣስሚሩሉ ኣሎ። ኤርትራ ንምድሓን ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ሓቢሩ ንምቃለስ ናይ ሓባር ናይ መቃለሲ ባይት ዋዓል ሕደር ከይበለ፡ ኩሉ ዓቕሙ ዝፍቕዶ ቃልሲ ከካይድ፡ ዶር. ገብረ ይጽውዕ።

 Part-1 (10 Apr 2021):      Part-2 (10 Apr 2021):

 Part-3 (10 Apr 2021):      Part-4 (10 Apr 2021):

 Part-5 (10 Apr 2021):      Part-6 (10 Apr 2021):





13/04/2021 14:56 PM

نداء عاجل

من أجل إنقاذ الشعب الإرتري والسيادة الوطنية

المجلس الإرتري - واشنطن العاصمة وماريلاند وفيرجينيا

إن سيادة الدول الإرترية وهوية الشعب الإرتري تتعرض لخطر جسيم. إن المخطط المنسق للقضاء على الدولة القومية الإرترية يتجه نحو مرحلة التنفيذ. عندما أطلق أسياس وشريكه أبي أحمد المخطط الصارخ للتواطؤ وخطط الحرب تحت ستار ما يسمى باتفاقية السلام ، انتفض الشعب الإرتري في الشتات بشدة ضد المخطط بإعلانه - لا لإعادة استعمار الإرتريين من قبل القوات التوسعية ، ويكفي للحكم الديكتاتوري لأسياس. علاوة على ذلك ، أعلن الإرتريون بما يكفي للتشرذم والتقسيم ودعوا إلى وحدة جميع الإرتريين ، من خلال إنشاء مجالس محلية وقطرية للإرتريين في الشتات لتعميق النضال من أجل العدالة والديمقراطية في إرتريا.

 Read more





13/04/2021 14:56 PM

ደ ወ ል

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ነዚ ኣርእስቲ ክንመርጽ ከሎና፡ ደወል ንኽንባራበርን ፍትሓዊ ቃልሲ መስርዑ ከነትሕዞ፣ መሰል ወዲሰብ ክሕሎ፣ ስርዓተ-ሕጊ ክትከል ኣብ ክንዲ ምቅላስ፣በቢ እዋኑ ዝተፋላለዩ ሓቤረታትን ትንባሄታትን ተፈጽሞታት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ጎረቤታትናን በዚ ማፍያ ደስቡጣ ስርዓት ኢሳያስን ጉጅሉኡን ብዝፈጸምዎ፣ ንዕኡ ንምትንታን ምርቃቓ/ምፍልሳፍ ወይ ምምርማር ግዜና ነሕልፎ። ከይተረዳኣና ክኣ መስርሕ ናይቲ ገባቲ ኣጽናቲ ስርዓት ብምዃን በቲ ንሱ ዝሰርዖ አጀንዳ ንጓዓዝ።  Read more

See Also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦





13/04/2021 14:56 PM

መርድእ

ኣቦናን ሓውናን፡ ተስፋይ ገብረወልዲ

ኣዚና እነፍቅሮን እነክብሮን ኣቦናን ሓውናን ተስፋይ ገብረወልዲ፣ ድሕሪ ነዊሕ ሕማም ኣብ ሕክምና ክእለ ድሕሪ ምጽንሑ፣ ሎሚ ሰኑይ ዕለት 5 ሚያዝያ 2021 ልክዕ ሰዓት 8:10 ድሕሪ ቀትሪ፣ ኣብ መበል 71 ዓመቱ ብሰላም ዓሪፉ።

ስድራ-ቤት ንምጽንናዕ፣ ቴፎንን ካልእ ማሕበራዊ መድያታትን ተገልገሉ።

ብዛዕባ ቀጻሊ ሓበሬታ ንስነ-ስርዓት ቀብሪ ብዝምልከት፡ ድሕሪ ካብ መርመርቲ ሓካይም፡ ሓበሬታ ምርካብናን ምውሳናን፣ ብተሌፎን፡ ብጽሑፍ፡ ብማሕበራዊ መድያ ክንሕብር ምዃና ነፍልጠኩም።

ንዝኾነ ሓበሬታ ምስ ትደልዩ ኣብዚ ዝስዕብ ተሌፎናት ተወከሱ።

ተሌፎን 0739578255 ወይ 0762596564

ኩሉ መታሓዝንትና፣ ነቲ ኩነታትን መግለጺናን ብግቡእ ክርዳኣና ንትስፎ። Read more





12/04/2021 20:04 PM

ድምጺ ኤርትራ (ናዝ የማነ)

Voice of Eritrea at CKDU

ናይ Sunday 11 Apr 2021 show መደብ

ካብ ታሪኽ ጀጋኑ፡

ዝኽሪ ስዉእ ሓርበኛ ፈዳይን ተሓኤ፡

ኣብርሃም ተኽለ።

Remembering Martyr Fedayn of ELF,

veteran Abrham Tecle

Part-2 Continues 3ይ ክፋል ይቕጽል

ካብ ታሪኽ ጀጋኑ፡ ብዛዕባ ጅግና ሓርበኛ ፈዳይን ተሓኤ፡ ስዉእ ኣብርሃም ተኽለ። ክፉት ዘተ። ዝኽርታትኩም ንምክፋል፡ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።  OPEN MIC. The history and courage of Eritrean fighters, Martyr Fedayn of ELF, veteran Abrham Tecle. Please come forward to share your recollections and reflections.

 Part-1 (21 Mar 2021):      Part-2 (21 Mar 2021):

 Part-2A (28 Mar 2021):   Part-2B (28 Mar 2021):

 Part-3A (11 Apr 2021):   Part-3B (11 Apr 2021):





09/04/2021 23:55 PM

Prince Philip has died aged 99, Buckingham Palace announces

BBC News

Prince Philip, Queen Elizabeth II's husband, has died aged 99, Buckingham Palace has announced.

A statement issued by the palace just after midday spoke of the Queen's "deep sorrow" following his death at Windsor Castle on Friday morning.

The Duke of Edinburgh, the longest-serving royal consort in British history, was at the Queen's side for more than her six decades of reign. Read more



See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦





07/04/2021 23:55 PM

ክኹነን ዝግብኦ፡

ስርቂ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት

 Content piracy in Social Media, that should be condemned.

መርበብ ሓበሬታ ስኒትና፡ ኣብ 2013 ዝቖመ፡ ሃገራዊነትና ንምዕዛዝን፡ ስኒት ህዝብና ንምኹስኳስን፡ ንሓድሕድና ንምምዕዓድን ንምምህሃርን፡ ንኹሉ ኤርትራዊ መርበብ ሓበሬታታት ዝምልከት መላግቦታት ኣብ ሓደ ብምምጻእ፡ ኣበይ እንታይ ኣሎ ንህዝብና ንምእማትን ንምሕጋዝን ክሰርሕ ዝጸንሐን ዘሎን መርበብ ሓበሬታ ኢዩ። Read more






04/04/2021 23:55 PM

The ELF Mass Prison Break Operation

of 1975

ታሪኽ ምፍታሕ እሱራት ሰምበል (ኣስመራ)ን ዓዲዃላን፡

ከምኡ`ውን፡ ህሉው ኩነታት ፖለቲካ ኤርትራን

ዕላልን ዘተን፡

ምስ ገዲም ተጋዳላይ ገረዝጊሄር ተወልደ።

Discussion with Veteran Freedom Fighter

Mr. Gherezghiher Tewelde,

at Eritrean Network for Justice Paltalk Room.

 Part-1 (02 Apr 2021):      Part-2 (02 Apr 2021):

 Part-3 (02 Apr 2021):     Part-4 (02 Apr 2021):





04/04/2021 23:55 PM

ድምጺ ኤርትራ (ናዝ የማነ)

Voice of Eritrea at CKDU

ናይ Sunday 04 April 2021 መደብ

ህሉውን መጻኢን ኤርትራ።

Eritrea's current and future affairs.

with Professor Mengstab Tesfayohannes

On Sunday, 4th April 2021, we are inviting Professor Mengstab Tesfayohannes; we will be discussing about Eritrea's current and future affairs. You are all cordially invited to participate. ሰንበት ዕለት 4th April 2021፡ ዕዱም ጋሻና፡ ፕሮፈ። መንግስትኣብ ተስፋዮውሃንስ ኢዩ። መዛተዪ ኣርእስትና፡ ብዛዕባ ህሉውን መጻኢን ኤርትራ ዝብል ኢዩ ክኸውን። ክትሳተፉ ብኽብሪ ትዕደሙ።

 Part-1 (04 Apr 2021):      Part-2 (04 Apr 2021):




04/04/2021 23:55 PM

“ንዓይ ንኤርትራስ ናብ ፈደረሽን!”፡

ኢሳያስ ገበጣኻ ተወዲኣ

ዶር. ገብረ ገብረማሪያም

ኣብዚ ሎማ-ቅነ፡ ሓደ ዲና ሙፍቲ ዝተባህለ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ቃል ኣቐባሊ፡ “ኤርትራውያን እንተዝሕተቱ፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝተፈለዩላ ማዓልቲ ኣይኽብርዋን ኢዮም፣ ኣይፈትውዋን ኢዮም” ኢሉ ብምዝራቡ፡ ኣብ ኤርትራውያን ቑጠዐ ዝመልኦ ናይ ማሕበራዊ መድያ ክትዓት ኣስዒቡ ቀንዩ ኣሎ። እቲ ዲና ሙፍቲ ዝበሎ ካብቲ ቡዙሓት ኢትዮጵያውን ብፍላይ ካኣ ኣምሓሩ ብቐጻሊ ዝብልዎ ዝተፈልይ ነገር የብሉን። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ካኣ፡ ካብቶም ኢስያስን ተላኣኣኽቱን ካብ ክብልዎምን ክገብርዎምን ዝጸንሑ ንልዕላውነት ኤርትራ ዝጓነጹ ወስታት ዝተፈልየ ኣይኮነን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብኡ መሰረት ዝገበረን መቐጸልትኡ’ውን ኢዩ። Read more

See Also by Dr Gebre Gebremariam ካልእ ጽሑፋት ዶ/ር ገብረ፦





01/04/2021 21:35 PM

ንዝኽሪ መዓልቲ መስዋእቲ፡

ኣሕመድ መሓመድ ናስር

"ሰሚናር ኣብ፡ ዘተ ንሓባራዊ ንቅሓት"

Special event seminar:

In memory of Martyr Veteran Ahmed Nasser

ክቡራት ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና፡ ታሪኽ ሓርበኛታት ጀጋኑ ኤርትራዊያን፡ ንዓለም ዘደነቐን ብዙሓት ዝመስከሩሉን ይኹን`ምበር፡ ከምቲ ክኾኖ ዝግባእ ይትረፍ፡ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ`ኳ፡ ኣይተሰነደን። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ፡ ብዙሓት ሓርበኛታትና፡ ነቲ ቅያ ጅግንነቶምን ታሪኾምን ከየዘንተዉሉ፡ ወይ`ውን ጽሑፍ ከይገደፉ፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ ተማራሪሖምም ብመስዋእቲ ይፍለዩና ምህላዎም ኢዩ።

Read more





01/04/2021 21:35 PM

ተናገር

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ተናገር፣ ተኻራኸር፣ ተማጎት፣ መሰልካ ንምሕላውን፣ እተወሰደካ ንምምላስ፣ ኣብ ልዕለኻ ክፍጸም ንዘይ- ትደልዮ ነገር ንምክልኻል ብሕጊ ተማጎት፡ ማለት እዩ፡

እዋኑ እዋን-እንናደደሉ ሕርቃና እነስመዓሉ፣ ጥራይ ዘይኮነስ ስጉምታት እንወስደሉ ግብራዊ ስርሓት እንካየደሉ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓና።

ተንስእ-ተላዓል ካብቲ ብሓይሊ ንህዝብኻ ጸቒጡ ምሓዝ-ጥራይ ዘይኮነስ፣ ዘጽንቶን ዘጥፍኦን ዘሎ ማፍያዊ ደስቡጣዊ ስርዓት፣ ኣብ ናይ ጎረበትን-ሓውን ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ፡ Read more

See Also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦





01/04/2021 21:35 PM Updated

ንኤርትራ ኢልና ኢና እንገብሮ

[Harnet.org]

ኣብ  ጥሩፍ ኣተሓሳስባ እንተ ኲንካ  ወይ’ውን ብክቱር ጽልኢ እንተተዋሒጥካ ንዝፍጠር ተረኽቦታት ሚዛናውነት ብዘለዎ ክትግምግሞ ኣጸጋሚ ኢዩ። እዚ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ተረኽቦ ኣብ ምምዛኑን ኣብ ኣተሓሕዛኡን ኣብ  ኤርትራውያን ፍልልይ ዝፈጠረሉ ዘሎ ምኽኒያት’ውን ብዛዕባቲ ኩነታትን ተዋሳእቱን ቅኑዕ መረዳእታን ሚዛንን ዘይምህላው ምዃኑ ክንግንዘቦ ዝከኣል ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ረርእሶም ዝኸኣሉ ክልተ ናጻ ህዝብታት ኢዮም። ንርእሶም ጥራይ ዘገድሶም፡ ማንም ክኣትዎ ዘይክእል ናይ ባዕላቶም ልዑላውነትን ክብርን ኣለዎም። Read more

ዝሓለፈኩም ክፋላት፦

1ይ ክፋል2ይ ክፋል3ይ ክፋል4ይ ክፋል5ይ ክፋል

6ይ ክፋል





01/04/2021 21:35 PM

Identity and the Contradictions of Dual Nationality: A Personal Perspective

Dr Berhane Woldemichael

I am a dual Eritrean and British national having become a British national by naturalisation in 1987. I was also an Ethiopian national at one stage by an accident of history when Eritrea was united with Ethiopia under a United Nations imposed federal arrangement. Eritrea had to pass

through a thirty-year bloody war to achieve its independence in 1991. I have covered that part of history elsewhere and it is not of particular interest in this reflection. Read more

See Also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦





Snitna: Code of Conduct

መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

[Snitna.com  ስኒትና]

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more


























Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print

Copyright© 2013 - www.snitna.com
Contact us ርኸቡና   Design: Yohannes Berhe