Home  About us   Contact us

Copyright © www.snitna.com

Design: Yohannes Berhe

September 2017 - Archive   << Back

Home መእተዊ  Articles ጽሑፋት  Documents ሰነዳት  Culture ባህሊ  Links ምትእስሳር  Archives ከብሒ  Contact us ርኸቡና





29/09/2017 00:13 AM

ስነስርዓት ቀብሪ  

Funeral Ceremony

ኣማል (ሳምያ) ኣሕመዲን፡ ኣምና ማሕሙድ ኢድሪስ፡ ህጻን ኣማያ ትኩእ ኣሕመዲን

Amal (Samya) Ahmedin, Amina Mahmud Idris and Amaya Tuccu Ahmedin.

ብምኽንያት ኣብ ዕለት 14/06/2017 ኣብ ግረንፈል ህንጻ (Grenfell Tower) ዘጋጠመ ናይ ባርዕ ሓደጋ ህይወተን ዘሕለፋ ኣሕዋትናን ደቅናን፡ ድሕሪ ክቱር ሓዘንን ትጽቢትን ዘሰነየን ሰለስተ መረርቲ ኣዋርሕ፡ ሬሳታተን ተለልዩ ተዋሂቡና። ብቐዳምነት፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን፡ ብኣካል ኣብ መንጎና ተረኺብኩም ኮነ ብመልእኽትታትኩም፡ ሕሰምናን ሓዘናን ንምፍዃስን ንምጽንናዕን ብዘይ ምስልካይ ኣጆኹም ዝበልኩምና ኩሉኹም፡ ልዑል ምስጋናና ተቐበሉ።

     እነሆ ኸኣ ንቀዳም ዕለት 07/10/2017 በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ናይ ቀብረን ስነስርዓት ተዳልዩ ክንፋነወን ስለዝመደብና፡ ንኹሉኹም ቤተሰብን ፈተውትን፡ መሓዙትን መሳርሕትን ብኣኽብሮት ንሕብር። Read more




27/09/2017 23:30 PM

ቃለመሕትት ምስ ዶ/ር ኣልጋነሽ ፍስሃ፡

Interview with Dr Alganesh Fessaha

ናይ ደገፍ ድምጽና ካብ ምሃብ ድሕር ኣይንበል።

[Asmarino.com]

ዶክተር ኣልጋይነሽ ፍስሃ ጋንዲ፡ "ጋንዲ" ዝበሃል ሰብኣዊ ዘይመንግስታዊ ወለንታዊ ትካል ብምቛም፡ ኣብ ምሕጋዝን ምድሓንን ግዳያት ጨወይቲን ኣሰጋገርቲ-ደቂ-ሰብን፡ ዝኾኑ ኤርትራውያን፡ ከምኡ'ውን ንስደተኛታት ዝኸውን ሰብኣዊ ደገፋት ኣብ ምውዳብን ምሃብን ክትነጥፍ ዝጸንሐት ተባዕ ኤርትራዊት ኣደ ኢያ። ኣብ ብዙሕ ንህይወታ ዝፈታተን ቦታታት ብምኻድ ንድሕነት ኤርትራውያን ሰሪሓ ኢያ። ገለ ካብቲ ንጥፈታታ ኣብዚ ቪድዮ ክንግንዘቦ ንኽእል ኢና።

ዶር ኣልጋነሽ፡ ኣብዚ እዋንዚ በቲ "International Volunteering Award" ተባሂሉ ንዝፍለጥ ምስ መዓልቲ ወለንተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተኣሳሲሩ ኣብ 5 ታሕሳስ ዝወሃብ ኣህጉራዊ ሽልማት፡ ሕጽይቲ ኮይና ተረቚሓ ኣላ። ዕውትቲ ኮይና ንክትወጽእ ኩልና ድምጽና ክንህባ ይግባእ። ድምጽኹም ንምሃብ: ኣብዚ ጠውቑ (please vote Dr Alganesh Fessahha)

See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር




24/09/2017 21:28 PM

ድምጺ ኤርትራ (Voice of Eritrea) - ናዝ የማነ

Interview with Veteran Tesfay Temnewo

ምስ ሓርበኛ ተስፋይ ተምነዎ

24 September 2017

Voice of Eritrea presents Veteran Tesfay Temnewo, on Sunday, 24 September 2017. Tesfay TEMNEWO is a Veteran revolutionist of 1971- 78  with EPLF and the author of the book called "The Hidden Secrets of 40 years". At  present  Veteran Tesfay  lives in exile. All are cordially invited to participate. ሓርበኛ ተስፋይ ተምነዎ፡ ካብ 1971 - 1978 ኣብ ህግሓኤ ተሰሊፉ ዝተጋደለን፡ ደራሲ ናይታ "ንኣርብዓ ዓመታት ዝተቐብረ ጉድ!" ዘርእስታ፡ ተመኩሮኡ ዝሰነደላ  መጽሓፍን ኢዩ። ኣብ ገበር መጽሓፉ፡ "ሕ/ሰብኣዊ ሽግር ብናይ ሓባር ቃልሲ'ዩ ዝፍታሕ" ክብል ገሊጹ ኣሎ። ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ቀሪቡ’ውን ተመኩሮኡ ኣካፊሉ ኢዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሃገረ-ስደት ዝነብር ተስፋይ ተምነዎ፡ ጽባሕ ሰንበት ኣብቲ ልሙድ ሰዓት ኣብ ራድዮ ቀሪቡ ተመኩሮኡ ከካፍለና ተዳልዩ ኣሎ። ክትሳተፉ ብኽብሪ ትዕደሙ።

 1ይ ክፋል (24-Sep-2017)፡  2ይ ክፋል (01-Oct-2017)

 ንምስታፍን ዝሓለፈኩም ንምስማዕን፡ ኣብዚ ጠውቑ




24/09/2017 02:14 AM

ቃለመሕትት

ምስ ኣምባሳዶር ኣድሓኖም ገብረማሪያም

[Radio Erena]

ገዲም ሓርበኛን መራሒንኣድሓኖም ገብረማሪያም፡ ኣብዚ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ 18 መስከረም 2001፡ ምስ ራድዮ ኤረና ገይሩዎ ዘሎ ቃለመጠይቕ፡ ንሕሉፍ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ዕላማታቱን፡ እቲ ዕላማታት ብኸመይ በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ምልኪ ከምእተጨውየ፡ ዘርዚሩ። ንህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ኣመልኪቱ ድማ፡ ተራ ናይ ህሉው መንእሰይ ወለዶ ከመይ ክኸውን ከምዘለዎን፡ በተን ንፍትሒ ዝቃለሳ ዘለዋ ውድባት ድማ ብዛዕባ ክውሰድ ዝግብኦ ስጉምትታትን፡ እዋናዊ ምዕዶን ለበዋን ኣመሓላሊፉ ኣሎ።




23/09/2017 12:54 PM

Interview with Prof Girmay Negash

ዕላል ምስ ፕሮፍሶር ግርማይ ነጋሽ

[SBS ትግርኛ]

ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ኣብ ናይ ኣውሮጳ ዩኒቨሪሲታትን ከምኡ'ውን ክሳብ ዝዕጾ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲውን ኣብ ፈለማ ተስዓታትውን ከም መምህርን ተመራማሪን ስነ-ጽሑፍ ኣፍሪቃ ኮይኑ ሰሪሑ። ኣብዚ እዋን ኣብ ኦሃዮ ዩኒቨርሲቲ ናይ ስነ-ጽሑፍ ፕሮፌሰርን ዳይረክተር ናይ ኣፍሪቃ ፕሮግራምን ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ እዩ። ካብተን ብቋንቋ እንግሊዝን ትግሪኛን ዘሕተመን መጻሕፍቲ ትርጉም ብ እንግሊዝኛ ሓደ ዛንታ፡ ናይ ደረስቲ ናጽነት ኣብዚ ቅሩብ እዋን ድማ ብዛዕባ ዘሕተማ መገዲ ዓዲና ዝምልከትን ምስኡ ዝተሓሓዝን ሕቶታት መሊሱ ኣሎ።





22/09/2017 20:33 PM

"ን16 ዓመታት ዝተኣስረ ኣቦይ ናፊቐ"

- መንእሰይ ኣቤ ስዩም

[BBC ትግርኛ]

በኹሪ ጓሉ ንውሩይ ኤርትራዊ፡ ተጋዳላይ ሰኣላይ ስዩም ጸሃየ፡ ወላዲኣ ተኣሲሩ ንዝተሰወረሉ መበል 16 ዓመታት ማእሰርቱ፡ 18 መስከረም ብምዝካር "ኣቦይ ናፊቐ- ኣነን ሓፍተይን ወላዲተይን" ንስዩመይ ኣዚና ናፊቕናዮ፡ ብፍላይ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ከኣ ናፍቖትና መሊሱ እዩ ዝብእስ" ብምባል መሪር ስምዒታ ትገልጽ።

 ተጋዳላይ ሰኣላይ ብዝብል ቅጽል ስም ዝፍለጥ ውሩይ ጋዜጠኛን ሰኣልን ተጋዳላይ ስዩም ጸሃየ፡ ጋዜጣታት ብሕቲ ብኣዋጅ ኣብ ዝተኣገዳሉን ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም 11 ላዕለዎት መራሕቲ ሃገር ኣብ ዝተኣስሩሉን እዋን:

    18 መስከረም 2001፡ ምስ 11 ኣሰናዳእቲ ጋዜጣታት ብሕቲ፡ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ካብ ዝኣቱ 16 ዓመቱ ኮይኑ ኣሎ። Read more

See Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-




18/09/2017 06:15 AM

In memory of all Eritrean Prisoners of Conscience & Political Prisoners.

ንዝኽሪ ኩሎም

ናይ ሕልናን ፖለቲካን ሕዩራት ኤርትራውያን።

[Hdri Jeganuna Paltalk Room ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና]

18 መስከረም 2001፡ ጉዕዞ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ኣፋፌት ቤትና ዝተጨውየላን ዝተዓፈለላን ዕለት ኢያ። ነቲ ክሳብ ሽዑ ዝነበረ ጉዕዞ ሓርነታዊ ቃልስናን ድሕሪ ናጽነት ዝኸድናዮ ጉዕዞን ገምጊምና፡ ብቅዋማዊ ህዝባዊ ስርዓትን ብግዝኣተ ሕጊን፡ ክንናባበር ዝነበረና ባህጊ፡ ብሓይሊ ምልኪ ከም ዝጽልምት ኮይኑ። እቶም  ንኩሉ ዝነበሮም ውሽጣዊ ስምዒታት ጸይሮም፡ "ድሓን ኣብ ናጽነት ንብጻሕ'ሞ ሽዑ ነርክበሉ" ኢሎም ዝተጋደሉ፡ ድሓር ግን “እዋኑ ሕጂ  ኢዩ ናብ ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ንእቶ” ዝብል ሕቶታት ዘልዓሉ ጀጋኑ፡ ናብ ጎዳጉዲ ማሕዩር ዝተደብዩላ ዕለት ኢያ። እዛ ዕለት'ዚኣ እምበኣር፡ Read more.

      ሙሉእ ጽሑፍን ቪድዮታትን ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቑ።




17/09/2017 23:55 PM

ድምጺ ኤርትራ (Voice of Eritrea) - ናዝ የማነ

ናይ Sunday 17 Sep Show መደብ

ክፉት ናይ ምዝንጋዕን ዕላልን መደብ

ሰንበት ዕለት 17 መስከረም፡ ሓድሽ ጋሻ፡ ገዲም ሓርበኛ ኣበድ ተስፋይ ሒዝናልኩም ክንቀርብ መዲብና እኳ እንተነበርና፡ ስለዘይተኻእለ ግን፡ ብክፉት ናይ ምስንጋዕን ዕላልን መደብ ተተኪኡ። ኣበድ ተስፋይ ኣብ ቀጻሊ ከነቕርቦ ክንፍትን ኢና።

 ንምስታፍን ዝሓለፈኩም ንምስማዕን፡ ኣብዚ ጠውቑ




16/09/2017 13:55 PM

ኣብ ገዛእ ርእስኻ ሰላምን ሩፍታ ኣብዘይብልካ ህሞት፡

ምስ ከባቢኻ ሰላም ከተራጋግጽ ይክኣል ዶ ትብሉ?

by Dr Ibrahim Mohammed & Mr Merid Zeru


ሕቶ ሰላምን ስምረትን ክልዓል እንከሎ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን፡ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ዋጋ ከፊሉ ክሳብ ሕጂ ዘይራጋገጾ ጉዳይ’ዩ። ኤርትራዉያን ንነዊሕ ዘመናት ብዝተፈላለዩ ባዕዳዉያን ወረርቲ ዝተቐጥቐጥናን ኣዝዩ መሪር ሰዉራ ብእስትንፍስ ዘይህብ ኪናት ዝተሰነየ ስለዝሓለፍና፡ ልዕሊና ንሰላም ዝደልያን ዝብህጋን ክህሉ ኣይክእልን እዩ እኳ እንተዘይተባህላ፡ ሰላም ከምእንደሊ ርጉጽ እዩ። ስለዚ ንሕና ጽሓፍቲ እዛ ዓንቐጽ እዉን’ዚ ሕቶ’ዚ ክልዓል እንከሎ ከም ሰብና ንብህጎን ኣንጻር ሰላምን ስምረትን ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ካይንጉስጉስ እንጥንቀቀሉ ጉዳይ እዩ። ኣብ ቶሞክሮናን ሂወትናን ዝቁሹሹ ሰባት: ፖሎቲካዊ ዉድባትን መንግስታትን ስለዝበዝሑና ግን ነዚ ተላዒሉ ዘሎ “መዝሙር ሰላም” ንሰላም ተባሂሉ ስለዝተዘመረ ከምዘለዎ ንቅቦሎን ንስዕቦን ዘይኮነ፡ ዉድዓዊን ባዕላዊ ኩዉንነቱ ዝበሰለን ብኸመይ ኣጋባብ...ወ.ዘ.ተ ዝብሉ ካብ ነቐፌታዊ-ኣታሓሳስባ ዘመንጨዉ ሕቶታት ብምልዓል ክንፍትሾ ወሲና ኣሎና። Read more




15/09/2017 22:56 PM

ቃለ-መጠይቕ: ምስ ተመራማሪ ቋንቋ ግእዝ:

 መሪጌታ ሄኖክ ገብረሚካኤል

[VOA Tigrinya ]

መሪጌታ ሄኖክ፡ ዛጊት ሽዱሽተ ናይ ግእዝ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈን ገና ካብኡ ዝበዝሕ ንምብርካት ዘንቀደን ተመራማሪ ቋንቋ ግእዝ`ዩ። “80 ንኸውን ሰባት ኣብ ዝተራኸብናሉ እዋን ብግእዝ ጥራይ ክንዛረብ ተሰማሚዕና`ለና፡ ግእዝ ክሳብ ኣብ ኮሌጅ ማህበራዊ ሳይንስን ኣርትን ዓዲቐይሕ፡ ሓደ ኣካል ትምህርቲ ኮይኑ ክኣትው ተገይሩ`ሎ” ይብል።




11/09/2017 00:25 AM

ምስጢራዊት ካሜራ፡

ንድራማ ህግደፍ ኣብ ተዋህዶ ቤተክርስትያን።

ብቐሺ ማርቆስ ደባስ (3ይ ክፋል 10/09/2017)

[Keshi Markos]

ኣብ ኤርትራ፡ ብዘይ ፍትሒን ፍርዲን፡ ብዘይ መሰል ጥብቅናን ምክልኻልን፡ ንዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ ማሕዩር ቤትማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉን፡ ሃለዋቶም ዘይፍለጥን ንጹሃት ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ብዝተፈላለዩ ምንጭታት ከምዝግለጽ፡ ብኣሽሓት ኢዮም ዝቑጸሩ። እዞም ሕዩራት እዚኣቶም፡- ሓርበኛታት በጃ ሃገር ከቢድ ዋጋ ዝኸፈሉ፡ መሃንድሳት፡ ሞያውያን፡ ሓካይም፡ ምሁራት፡ ዓበይቲ-ዓዲን ለባማትን፡ ጋዜጠኛታት፡ ከምኡ’ውን መራሕቲ ሃይማኖትን ምእመናንን ኢዮም። እዛ ቪድዮ እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ዘጋጠመ ግህሰት ብኣብነት ብከፊሉ እተቃልዕ ኢያ። እቲ ካብ 1ይ - 3ይ ክፋላት ዘሎ ትሕዝቶ ምስምዑ እውን ኣገዳሲ ኢዩ።

See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-





10/09/2017 16:45 PM

ሓዳስ መጽሓፍ ብ'ፕሮፈሶር ጋይም ክብርኣብ፡

The Eritrean National Service:

Servitude for "the common good" & the Youth Exodus, Giam Kibreab

ናይ ኤርትራ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡

ጊልያነት፡ ብስም ሓባራዊ ረብሓን፡ ፍልሰት መንእሰያትን።

As an Eritrean scholar specialising on the Horn of Africa, I have spent the last three decades writing about forced migration, its causes, consequences, host governments’ policies, international responses, relationship between refugees and their hosts, as well as the changes and transformations refugees and forced migrants undergo as a result of their experiences of displacement. Before embarking on writing Eritrean National Service, I had published eight books, 31 refereed journal articles and 22 chapters in edited volumes. These works have provided insights into the complex issues this book comes to grips with. Eritrean National Service …. Read more




09/09/2017 06:38 AM

ሓዳስ መጽሓፍ  Book-launch

ደቂ ንጉሠ ነገሥት ምራራ ተኽለሃይማኖት

ብ’ኣንትሮፖሎጂስት/ኣ. ፊደል መኮነን

{Smerrr Room1 ፓልቶክ ስመር ሩም-1}

መምህር ፊደል መኮነን፡ ብኣንትሮፖሎጂ ዝተማህረን ኣብ ስራሕ ዝጸንሐን ዝርከብን ክኸውን ከሎ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ፓልቶክን ፌስቡክን ከይተረፈ፡ ንታሪኽን መበቆልን ህዝቢ ኤርትራ ብዝምልከት ተደጋጋሚ ኣስተምህሮታት ዝሃበ ምሁር መንእሰይ ኢዩ። ከም መቐጸልታ ናይቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ሰፊሕ ምርምራዊ ስራሕ፡ እነሆ ነታ ቀዳመይቲ “ደቂ ንጉሠ ነገሥት ምራራ ተኽለሃይማኖት” እተሰምየት መጽሓፉ ንኣንበብቲ ከብጽሓ በቒዑ ኣሎ። እዚ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ድማ፡ ብድምጺ ዝተቐድሐ ኣብ ፓልቶክ ስመር ብዕለት 08 መስከረም 2017: ዝተኻየደ ናይ መላለዪ መጽሓፉ (Book-launching) ሰሚናር ኢዩ።

   1ይ ክፋል (08-Sep-2017)፡   2ይ ክፋል (08-Sep-2017)

  3ይ ክፋል (08-Sep-2017)




08/09/2017 19:35 PM

ሰሚናር፡- ብገዲም ሓርበኛ ክብሮም ዳፍላ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 2017

Seminar by Veteran Kubrom Dafla

on the occasion of September 1.

[Hdri Jeganuna Paltalk Room ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና]

ክብሮም ዳፍላ፡ ኣብ 1970ታት ዝተሰለፈ ገዲምን ምኩርን በዓል-ሞያ ሓርበኛ ኢዩ። ኣብዚ ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና ብዕለት 03 መስከረም ዘካየዶ ሰሚናር፡ ብዛዕባ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣጀማምራኡን ዕላምኡን፡ ኣብ ታሪኽና ዘለዎ ዕዙዝ ክብሪ፡ ከምኡውን ህሉው ኩነታትናን ቃልስናን ብምዝማድ፡ ናይ ቃልሲ ወኒ ንምብርባር ብዛዕባ ክግበር ዝግብኦን፡ ሰፊሕ ናይ እንካን ሃባን ሰሚናር ኣካይዱ።

 1ይ ክፋል (03-Sep-2017)፡   2ይ ክፋል (03-Sep-2017)

See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-




08/09/2017 19:35 PM

ኣድማዕነት ብፍልስፍና ኣድላይነት

ብ’ዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ፣

ኣየ ወዲ ሰብ! ክበልሕ ክህርኩትን ሓያልን እዩ ብተፈጥሮ

ዝውንንዩ ብሉጽ ክእለት ወ ፍልጠት ምስ መሃዝነት ተመኩሮ

ክውጥነሉን፣ ክሰርሓሉን፥ ከፍርየሉን፣ ከድማዓሉን ኣብዝተዋፈሮ

እወ በቲ ኩሉ ተኽእሎ ስነፍልጠት ስነ ቁጠባ ምስ ስነ ኣእምሮ

ብቕጻሊ ይባላሓት ይምህዝ ይሓስብ ንኹሉ ዝደልዮ ንመነባቦሮ

 Read more

ካልእ ኣስተምህሮ ብ’ዶ/ር መንግስትኣብ፡-




07/09/2017 20:39 PM

ሰሚናር፡ ብ’ሓርበኛ መሓመድ ብርሃን ብላታ

ብኣጋጣሚ ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም 2017.

Seminar by Veteran Mohammed Berhan Belata on the occasion of September 1.

[Hdri Jeganuna Paltalk Room ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና]

መሓመድብርሃን ብላታ፡ ካብ 1963 ዝተሰለፈ ገዲም ሓርበኛ ኮይኒ፡ ኣብዚ ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና ብዕለት 02 መስከረም ዘካየዶ ሰሚናር፡ ንዓበይቲ ታሪኻዊ ፍጻሜታትን ናቱ ተሞኩሮን ብዝርዝር ኣዕሊሉና ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ምስ ህሉው ኩነታትናን ቃልስናን ብምዝማድ፡ ሓላፍነት ናይዚ ወለዶ ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ ኣገዳሲ መዘኻኸሪን ኣስተምህሮን እውን ሂቡ። ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረቡሉ ሕቶታት ድማ መብርሂን መልስታትን ሂቡ (2ይ-ክፋል)።

 1ይ ክፋል (02-Sep-2017)፡   2ይ ክፋል (02-Sep-2017)

See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-





07/09/2017 20:39 PM

Public Notice ህዝባዊ ጻውዒት

ሕዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን፡  ኣብ ከተማ ሎንዶን

Public Meeting with Eritrean Unity For Justice UK, in London.

ዕለትን ሰዓትን Date and Time፡-

Saturday, 16 September 2017.

From 13:30 - 15:30

Address:

Hargrave Community Centre,

Hargrave Road, London N19 5SP

Nearest station (ዝቐረበ ባቡር)፡

Archway Station

ዕላማ ኣኼባን ኣጀንዳን  …Read more ኣብዚ ጠውቑ




04/09/2017 21፡52 PM

ለበዋን ምሕጽንታን ንህዝቢ ኤርትራ፡

ብ’ኣዴና ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ።

An appeal for Eritrea's peace and reconcilliation, Mrs Abeba Tesfaghiorgis.

Mestyat betna (መስትያት ቤትና)

See Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-

Human Trafficking and Trauma in the Digital Era: The Ongoing Tragedy of the Trade in Refugees from Eritrea

Understanding Eritrea: Inside Africa's Most Repressive State




03/09/2017 23:38 PM

ድምጺ ኤርትራ (Voice of Eritrea) - ናዝ የማነ

Interview with Veteran

Abubaker Ali (Wedi Anter) from Saudia

ዕላል ምስ ሓርበኛ ኣቡበከር ዓሊ (ወዲ ዓንተር)

ሓርበኛ ኣቡበከር ዓሊ (ወዲ ዓንተር)፡ ካብ 1965 ኣትሒዙ ሚስጢራዊ ኣባል ተሓኤ ኮይኑ ዘገልገለ፡ ካብ 1973 ድማ ኣብ ሜዳ ተሰሊፉ ዝተቓለሰ ገዲም ኣያና ተጋዳላይ ኢዩ። ካብ እዋን መግዛእታዊ ስርዓት ጣልያን ክሳብ ሕጂ፡ ኣፍልጦኡን ተመኩሮኡን ከካፍለና ተዳልዩ ኣሎ። Exclusive interview with Veteran Abubaker Ali (Wedi Anter) from Sudia. Veteran Abubeker joined underground movement with ELF in 1965 in Asmara and later joined the front in 1973. He is going to speak from Italian colony up to present administration of Eritrea.

  1ይ ክፋል (23-Jul-2017)፡  2ይ ክፋል (30-Jul-2017)

  3ይ ክፋል (13-Aug-2017)4ይ ክፋል (20-Aug-2017)

  5ይ ክፋል (27-Aug-2017)፡  6ይ ክፋል (03-Sep-2017)




03/09/2017 00:15 AM

"The in-between time"

Dedicated to Veteran Solomon Habtom

by Kiki Tzeggai

Any hiring institution will follow the main lines to hire a candidate. The first part is to read a CV about the applicant’s life. The second phase is to meet with the candidate.

     At times, meeting the person can be overwhelming or underwhelming; the incarnation of the person is not what was expected in one’s mind while reading his life detail black ink on white paper.  When a Veteran reports to jail he is not asked for his CV.  But …Read more






02/09/2017 01:57 PM

ጸብጻብ ኣበዓዕላ

መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2017

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

الارترين المحاربين القدامى تاريخ. ٢٠١٧ لندن برطانيه

Eritrean Veterans Day 2017 Celebration in UK

05 August  2017

Read more





01/09/2017 05:52 AM

ንዝኽሪ ፈላሚት ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓደ መስከረም 1961

Commemorating 1st September 1961

ወርሒ መስከረም፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓበንን ብቃንዛን ዝዝክራ ኣብ ልቢ ኩሉ ኤርትራዊ ዓሚቕ ስፍራ ዝሓዘት ወርሒ ኢያ። ባሕቲ መስከረም 1961፡ እታ ምእንቲ ናጽነትን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ብጅግና ሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ፈላሚት ጥይት ድምጻ ዘቃላሓትላ ዕለት ብምንባራ፡ ወትሩ ብሓበን ንዝክራ።

ዕለት 18 መስከረም 2001 ድማ ብኣንጻሩ፡ እቶም በጃ ናጽነት ዝሓለፉ ጀጋኑ ሓርበኛታት ስዉኣትና፡ ሕድሮም ዝተጠልመላ፡ ነቶም ሕድሪ ሰማእታት ንምፍጻም ብትብዓት ድምጺ ህዝቢ ዘስምዑ፡- መራሕቲ፡ ጋዜጠኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ-ዓዲን፡  ካብ 17 - 26 ዓመታት ብምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ኣብ ጎዳጉዲ ዝተሸርቡላን ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ዝተዓብሰላን ወርሒ ብምዃና፡ ብዓቢይ ሓዘን ንዝክራ። Read more

See also related ምስዚ ዝተኣሳሰር፡-



Share on Facebook Share on Twitter Share on Google Bookmarks Share on LinkedIn Share via e-mail Print