ኣብ ገዛእ ርእስኻ ሰላምን ሩፍታ ኣብዘይብልካ ህሞት፡ ምስ ከባቢኻ ሰላም ከተራጋግጽ ይክኣል ዶ ትብሉ?

16/09/2017 13:55 PM

ኣብ ገዛእ ርእስኻ ሰላምን ሩፍታ ኣብዘይብልካ ህሞት፡

ምስ ከባቢኻ ሰላም ከተራጋግጽ ይክኣል ዶ ትብሉ?

by Dr Ibrahim Mohammed and Mr Merid Zeru


Horn-Africa-map

 

ሕቶ ሰላምን ስምረትን ክልዓል እንከሎ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን፡ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ዋጋ ከፊሉ ክሳብ ሕጂ ዘይራጋገጾ ጉዳይ’ዩ። ኤርትራዉያን ንነዊሕ ዘመናት ብዝተፈላለዩ ባዕዳዉያን ወረርቲ ዝተቐጥቐጥናን ኣዝዩ መሪር ሰዉራ ብእስትንፍስ ዘይህብ ኪናት ዝተሰነየ ስለዝሓለፍና፡ ልዕሊና ንሰላም ዝደልያን ዝብህጋን ክህሉ ኣይክእልን እዩ እኳ እንተዘይተባህላ፡ ሰላም ከምእንደሊ ርጉጽ እዩ። ስለዚ ንሕና ጽሓፍቲ እዛ ዓንቐጽ እዉን’ዚ ሕቶ’ዚ ክልዓል እንከሎ ከም ሰብና ንብህጎን ኣንጻር ሰላምን ስምረትን ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ካይንጉስጉስ እንጥንቀቀሉ ጉዳይ እዩ። ኣብ ቶሞክሮናን ሂወትናን ዝቁሹሹ ሰባት: ፖሎቲካዊ ዉድባትን መንግስታትን ስለዝበዝሑና ግን ነዚ ተላዒሉ ዘሎ “መዝሙር ሰላም” ንሰላም ተባሂሉ ስለዝተዘመረ ከምዘለዎ ንቅቦሎን ንስዕቦን ዘይኮነ፡ ዉድዓዊን ባዕላዊ ኩዉንነቱ ዝበሰለን ብኸመይ ኣጋባብ...ወ.ዘ.ተ ዝብሉ ካብ ነቐፌታዊ-ኣታሓሳስባ ዘመንጨዉ ሕቶታት ብምልዓል ክንፍትሾ ወሲና ኣሎና።

ብቀዳምነት ብንጹር ዝኾነ-ይኹን ሰብ ክፈልጦ ዝግብኣና ሓቕታት ኣሎ። ንሱ ድማ ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቡዙሕ ምትሕልላኻት ዝሰገረ’ዩ። ዋላ እቶም መራሕቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ዘይዓርፍሉ፡ ካብ ኣፍደገ-ባሕሪ ጀሚሩ ክሳብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሓደ ሃገር ናይ ምጥርናፈን ከይተረፈ፡ ቅድም ብመልክዕ ወራራት ራእሲ-ኣሉላ፡ ቀጺሉ ብፈደረሸን፡ ቀጺሉ ኤርትራ ከም ሓንቲ ክፍሊ-ግዝኣታት ኢትዮጵያ ብምጽንባር ንነዊሕ ወሎዶታት ተፈቲኑ ኣበርዒኑ ዝተረፈ’ዩ። እኩብ ድምር ናይ’ዚ ናይ ዓመጽን ምግባትን ተሞክሮ’ዚ ውጽኢት ናይ’ዚ፡ ኢትዮጵያውያ ንኤርትራ ኣብ ምስሳይን ምምራሕ፡ ኣብ ጊዜ እምባሮጣርያዊ ሃይለ ስላሴ፡ ቀጺሉ’ውን ስርዓት ደርጊ፡ ሕጂ እዉን ኣብ ጊዚያት ወያኔ ከምዘይተዓወተ ንመላእ ዓለም ዘጣራጥር ታሪኽ ኣይኮነን። ድሕሪ ኣዝዩ መሪርን ሰፍ-ዘይብል ዋጋ ዝተኸፍሎ ናይ 30 ዓመታት ሓንፈጽ ጎነጻዉን ፖሎቲካዊን ተጋድሎ፡ ዝተራጋገጸ ናይ ኤርትራ ልዑላዉነትን መሬታዊ ነጻነት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ካብ ኢትዮጵያ ብቀጻሊ ዝዉርወር ጡሙሓት ከም መቀጸልታ ወትሃደራዊ ፖሎቲካዊን ዓወቱ፡ ብሕጋዊ ሪፈረንደም ሓንሳብ ንሓዋሩ መደምደምታ ክገብረሉ ፈቲኒ የግዳስ እቲ ዝጸንሔ ዕድላትን ጥሙሓትን ብኡ ክዉዳእ ከምዘይክኣለ ኣጸቢቕና ተረዲናዮ ኣሎና፡፡ ኤርትራ ይኹን ኢትዮጵያ ዋላ እንተደለያ ንዝምድና ናይ ክልቲኡ ሃገራት፡ ከም ድላያን፡ ክዉልዕዖን ክጥፍኦኦን ኣይክእላን እየን። እቲምንታይስ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብኣንጻሩ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ፡ ዘሎና ዝምድና፡ ከም ተራ ናይ ካልኦት ሃገራት ጎሮባብቲ፡ ከም ናይ ጂቡትን ኢትዮጵያን፡ ሶማልን ኢትዮጵያን፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ ካብ’ዚ ብዕሙቐት ዚፈልዮ፡ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምድና፡ ብስልጣኔዊ፡ መግዛእታዊ፡ ደማዊ ቅድመሱሩት ዝምድናታት፡ ታሪኻዊ፡ ባህላዊ፡ ኤትኒካውን ...ወ.ዘ.ተ ገጽታታት ስለዘለዎ፡ እቶም ናይ ፖሎቲካ ጨለታት ካብ ክልቲኡ ኣህዛብ ዝፈርዩ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ፍልልይ ምስ ተንካፊ ስነኣእሙራዊን ስምዒታዊን ብምትእስሳር ንምንጻሩ ስለዘሸግሮም ነቲ ህዝቢ እዉን ኣብ ሽግር የእትዉዎ። እቲ ምንታይስ ኤርትራዊ መቦቆል ዘለዎ ንኢትዮጳዊ መንነት ዝተቀበለን፡ ኢትዮጵያዊ መቦቆል ዘለዎ ንኤርትራዊ መንነት ዝተቀበሉ ቀንዲ መንቀሊታቱ እዚ ኣቀዲምና ዝገለጽናዮ ምትሕዉዋስ’ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ሓደ መራሒ ናይ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ እዉን ናቱ ትመስሎ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ድማ ንኢትዮጵያ እንዳመርሔ ከንሱ ኤርትራ ናቱ ትመስሎ። ካብዚ ዝነቐለ እዩ ድማ እቲ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጉዳይ ዝተሓላለኽን ሰላምን ቅሳነትን ተሳኢኑ ዘሎ።

ኣብዚ ቅንያት’ዚ ኣብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ ናይ “መዝሙር ሰላም” ንህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝብል ጭርሖ ብምልዓል ኣብ መንጎ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሰላም ዘተ-ጽምዶ ክካየድ ሙኻኑ ብጹዑቕ ይጉስጎስን ብመንጽሩ ተቃዉሞታት የንሂ ኣሎ። ነዚ ህቦቡላ መንቀሊኡን መዕለቢኡን ዘይተፈለጡ፡ ብሃዉሪ ዝድግፍን ዝነጽግን ጽሑፋት ኣብ መራኸቢ-ቡዙሓን ሽታሕታሕ ክብሉ ይርኣዩ ኣለዉ። ዘደንጹ ነገር እንተሃልዩ ድማ ብቀጻሊን ብዘይስክፍታን ምስትዉዓልን፡ ህቦቡላ ምስተላዕለ፡ ብቅጽበት ዝላዓሉ ብብዝሒ ሰባት ምህላዉም’ዩ። ነቲ ተላዒሉ ዘሎ ህቦቡላ ካይፈለጥዎ፡ ካይመርመርዎን ካይተረድእዎ ድማ፡ ብጹሑፋቶም ገሊኦም ክጻረፉ፡ ክንእዱ፡ ክርዕሙ ወይ ክነጽጉ ይርኣዩ ኣለዉ። እዚ ጻዉዒትን ተበግሶን’ዚ ኣብ ኢትዮ-ኤርትራ ግርጭት ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። ቅድሚሕጂ እዉን ገለ ኤርትራዉያን ዝወደብዎ ኣብ ንሓንቲ ለይቲ ንሓደ ሰብ $300.00 ዶላር ዝኽፈሎ ሆቴል ብምክራይ፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ (USA) ኣብ 2011 ንሰላም ቀርኒ-ኣፍሪቓ ናይ ዘተ-ጽምዶ ኣልዒሉ ዝዘተየ ዋዕላ ተኻይዱ ነይሩ’ዩ። ከሙ እዉን ኣብ ትግራይ ነዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ፖሊሲ ኣይሰላም ኣይኩናት፡ ብሓፈሻ ነቲ ኣብ ዶባት ክልቲኡ ሃገራት ዝነብር ህዝቢ፡ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ይሃስዮ ስለዘሎ፡ እቲ ኣይሰላም ኣይኩናት ፖሊሲ ክቕየር ከምዘለዎ ዝጠልብ ተበግሶታት ብዉልቀሰባት ተጋሩ ተላዒሉ ከምዝነበረ እዉን ዝዝከር እዩ። እዚ ሕጂ መዝሙር ሰላም ቢሉ ተላዒሉ ዘሎ እዉን ብትሕዝትኡን ኣቃዉሙኡ ካብቶም ኣቐዲሞም ዝተኻየዱ ዝፍለ እኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ስርዓት ኣዲስ-ኣበባ ብዉሽጡን ብደገን ኣብ ወጥሪ ኣብ ዝኣተወሉ ጊዚያት ብሙኻኑ፡ ምናልባሽ ከም ትኪ ካብ ተዓብዒቡሉ ዘሎ ወጮ ሽግራት መዉጽኢ ዶ ክጥቀሙሉ ይደልዩ ኣለዉ ዝብል ሓሳብ ቅጅል ይብለካ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ጊዚያት ገለ ካብ ላዕለዎት ክዋድራትን ናይ ፖሎቲካ ጨሌታት (elites) ተጋሩ፡ ከም ብዓል ኣቶ ገብሩ ኣስራት፡ ኣቶ ስብሓት ነጋን ፈሊጣናቶም ኣብ መራኸቢ ቡዙሓን ክጎስዕዎ ዝጽንሑ ዘረባታት ኣሎ። ንሱ ድማ “ ኣቀዲምና ኣብ ናይ ኤርትራ ኩነታት ዝነበረና ኣራዳድኣን ፖሎቲካዊ መርገጺታት ዳግም ግምታት ክግበሮ ኣለዎ” ብምባል ፡ ኣንጻር እቲ ኣቀዲሙ ዝነበሮም መርገጺታቶም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንክቕየር ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ከጽዕዱ ከምዝጸንሑ” ኩሉሰብ ዘዳመጾን ዝተረድኦን ጉዳይ’ዩ። ኣቀዲሙ ዝነበሮም መርገጺ ኤርትራ ናጻ ክትወጽእ፡ ህዝቢ ኤርትራ ልዕላዊን ሓራ ህዝቢ ክኸዉን እዩ ዝነበረ። ሕጂ ድኣ እንታይ ዘጣዕስ ጉዳይ ስለዝተረኽበ’ዩ ነዚ ሰፍ ዘይብል መርገጺኦም ከም ሰተታ ብቀሊሉ ክግልብጥዎ ዝዋናወኑ ዘለዉ? ይክኣል ዶ ይኸዉን? ነዚ ብዉሽጦም ዝሓስብዎ ዘለዉ መተግበሪ ዕድሜ፡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ፖሎቲካዊ ደገፍን ንዋትን ክረኽብሉ ዝኽእሉ፡ ኣዝዩ ጸቢብ ዕድላት እኳ እንተኾነ፡ ባህግታቶም ከምቲ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ሓለቓ ስታፍ-ነበር ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ምስ ኣዲስ ዘመን ዚበሃል መንግስታዊ ጋዜጣ ዚገበሮ፡ ኣብ 12 ሰነ 2017 ተሓቲሙ ዚተዘርግሐ፡ ነዊሕ ቃለ-መጠይቕ፤ ብሓጺሩ፡ ኢትዮጵያ ዓባይ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ሃገር ምዃና፣ ዳግም ናይ ቀይሕ ባሕሪ ሃገር ኪትከውን ከም ዘለዋ፣ ቀይሕ ባሕሪ ንምቍጽጻር፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ይዅን ብዚዀነ መንገዲ፡ ዕድመ ሻዕብያ ምሕጻር፡ ንኢሳያስ ምልጋስ ከም ዘድሊ፣ ብምግላጽ የራጋግጾ’ዩ። እቶም ዓበይቲ ናይ ፖሎቲካ ጨሌታት ከምዚ እንዳበሉ፡ እቶም ንሳቶም ዝመልመልዎምን ዝልእኹዎሙን ክዋድራት ከመይ ቢሎም ኣንጻር እዚ ክሓስቡን ከተግቡሩን ይኽእሉ ኣብ እእሙሮና ምምላስ ከድሊ’ዩ።

ኪናትን ሰላምን ናይ ገዛእ ሩሱን ዓለምለኻዊ ሕጊታት ኣለዎ። ስለዚ ሃገራትን ኣህዛብን ብዓለምለኻዊ ሕግታት ተቀይዶም ክናበዩ ስለዘለዎም ። ንኪናትን ሰላምን ኣመልኪቱ ኣብ 24 ጥቅምቲ 1945 ኣብ ተግባር ዝዉዓለ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቻርተር ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ኣስፊርዎ ኣሎ፡-

1. ዓንቀጽ 2 (3) ኩለን ሃገራት ንዘለወን ዓለለኻዊ ምስሕሓባት ብሰላማዊ መገዲ ክፈትሓ የማሕጽን።

2. ዓንቀጽ 2 (4) ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓለለኻዊ ዝምድናታተን፡ ንናይ ካልኦት ሃገራት ሜሬታአኢ ልዑላዉነትን ፖሎቲካዊ ናጽነተን ብዝጻባእ ዓይነት ሓይሊ ካብ ምጥቃም ወይ ክኣ ሓይሊ ክንጥቀም ብምባል ካየፈራርሓ ክቁጠባ ከምዘለወን የነጽር።

3. ዓንቀጽ 51 ሓንቲ ሃገር ንኻልእ ሃገር ብኣጽዋር-ኪናት ምስተጥቕዓ፡ ተጠቓዒት ሃገር ብዉልቃ ወይ ድማ ምስ ማሓዙታን ካልኦት ጉዱሳትን ብምትሕብባር ንርእሳ-ክትኻላኸል ሓይሊ ክጥቐም ከምትኽእል የነጽር።

ከምዚ ዓይነት ሕጊታት ምህላዉ እንዳፈለጡ ‘ዮም ብዓል ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ፡ ኣብ መራኸቢ ቡዙሓን ኪናት ዝእዉጁ ዘለዉ። ስለዚ በቲ ሓደ ወገን መዝሙር ሰላም ብኻልእ ወገን ወረ ኪናት ከመይ ከምዝጥዓዓም ንምርድኡ ኣጸጋሚ እዩ።

ብዝኾነ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራ ዘሎ ጸገማት፡ ኣብ ላዕሊ ብሕጽር ዝበለ ኣሚትና እኳ እንተሃለና፡ ናብዚ ድሒሩ ኣብ 1998 ብዶብ ተሳቢቡ ዝተፈጥረ ግርጭት ገጽና ከነስተብህል መታን፡ ኢትዮጵያ ነቲ ኣቀዲማ ዝተቀበለቶ ዉሳኔ ዶብ ኮሙሽን ኣብ 13 ሚያዝያ 2002 ዝተኣወጀ ብምቅዋም፡ ከም መተካእታ ናይቲ ዓለምለኻዊ ዉሳኔ ዳንነት፡ “ብመትከል ነቲ ዉሳኔ ተቀቢልናዮ ኣለና፡ የግዳስ ንኣታጋብርኡን ካልኦት ጉዳያትን ብዝምልከት ንምዝታይ ከም ቅድመኩነት ኣብ ዘተ ክንኣቱ ኣሎና ብምባል”፡ ነቲ ክካየድ ዝደልይዎ ዘተ “ሰላም” ዝገርሑ ብዓል 5 ነጥብታት እማሜ ኣብ 2004 ነዲፉ ከምዝኣወጀ ኩሉ ዓለም ዝፈልጦ ጉዳይ’ዩ። ኣየናይ ስርዓት እዩ ጸግዒ ናይ ዓለምለኻዊ ዳንነትን ሕጊን ከምዘለዎ እዉን ሙሉ ጊንዛቤታት ከምዞሎና ክርሳዕ የብሉን።

ቅድሚኡ ካብ ግንቦት 1998 ጀሚሩ ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተኸተልዎ ፖሊሲታት ናይ ኩሉእንትናዊ ዓቕምታት ናይ ምሽምራርን ወትሃደራዊ መናወራ ፖሊሲ (policies of containment and deterrence) ን ቀጺሉ ምስ ምእዋጅ 5 ነጥብታት ሰላም ፡ ፖሊሲ ኣይሰላም ኣይኩናትን (No Peace, No War) ብምድራብን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ዲፕሎማስያዊ ሽርሕታት ብምጥቃም ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ማዕቐብን ዓለምለኻዊ ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎ ከምትድቕደቕ ገይሮም እዮም። እዚ ንኤርትራን ፖሎቲካዊ ስርዓታን ብደም-ዋሕዲ ዝተጠቕዔት ሃገር (anaemic state) ኮይና ንናይ መልኣከ-ሞት ሃገር (phantom state) ከትቅየር ንምግባራ ዝተዋደደ ፖሊሲ’ዩ ነይሩ። እዚ ፖሊሲ’ዚ ብሃበስ-ቀደስ ዘይተገብረ፡ ከም ሳዕቤኑ ምዉዳቕ ስርዓት ኣስመራን ምብትታን ህዝቢ ኤርትራ ክጽበዩ ጸኒሖም እዮም። ስለዚ ከምተጸበይዎ ሙሉእ-ብሙሉእ ስለዘይሰርሓሎም ብመንጸሩ ንዖኦም እዉን ስለዝሃሰዮምን፡ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተፈጥረ ኩነታትን ጂኦ-ፖሎቲካዊ ኩነታት ቀርኒ-ኣፍሪቃ ስለዝተቃያየረ ስርዓተ ኣስመራ ማይ-ሓይሊ ረኺቡ ብመንጸር ስርዓት ኣዲስ ኣበባ ሂወት ዘሪኡ ብምቅጻሉን ኣብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ህዝባዊ ዘይሙኡዙዙነትን ናዕብን ብእብረ ይቕጽል ብምህላዉን እቲ ናይ ምዕራብ ሃገራት ምድግጋፍ እንዳስሓወ ምኻዱ(እዚ ሕጂ “መዝሙር ሰላም” ዝብሃል ዘሎ “ሓድሽ ኣጋባብ” ተጠቂሞም ንህዝቢ ኤርትራ ነቲ ቀጺሎም ክወስድዎ ዝደልዩ ስጉምትታት ከዳልዉዎን ከላሙድዎን ዝደልዩ ዘለዉ ይመስሉ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራ ብደም-ዋሕዲ ዝተጠቕዔት ሃገርን ናይ መልኣከ-ሞት ሃገርን መንእሰያታ ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ዝበለ ሃገር ኮይና፡ ኤርትራዊ ሃገራዉነትን ሓርበኛነትን ድማ ብሓያል ናዕታ ብዉሽጥን ደገን ተሃሪሙ ክሳብ “ሰዉራ ኤርትራ ክካየድ ኣይነበሮን” ኣብ ምባል ኣብተበጽሓሉ እዉን’ዩ “መዝሙር ሰላም” ዝብሃል ዘሎ። እዚ ዘይተወደነ ኩዉንነት ዝፈጥሮ ነባሪ ሰላም ከ ክመጽእ ይኽእል ዶ?

1. ሰላም ብከመይ ኣጋባብ? ሰላም ቅድሚ ጽቡቕ ተረድኦ ግርጭትን ኪናትን ክትበጽሖ ይክኣል ድዩ?
2. ሰላም ብፉኑዉ ኣጋባብ ክራጋገጽ ዶ ይኽእል እዩ?
3. ደፋእትን ቀለስቲ ሰላም መን እዮም? ቀንዲ መላዕሊኦም (motive) እንታይ እዩ? ሕቶ ሰላም ድዩ ወይስ ሙቀት ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምዕቃኑን ኣጋዉል ኩነታቱ ኣዛሪብካ ንምፍላጡ እዩ።
4. እቶም ተዛተይቲ ሰባት ንመን ወይ ብመን ተወኪሎም እዮም ብዛዕባ ሃገርን ህዝብን ዝዝትዩ?
5. እዚ ዝሕሰብ ዘሎ ዘተ ጽምዶ-ሰላም ኣብ መትከላት ኣፍታትሓ ግርጭት ዝተሞርኮሰ ድዩ?
6. ተሳትፎን ምትእትታዉን (participation & interventions) ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኸ ብከመይ ክራጋገጽ’ዩ?
7. ሕቶ ምምልካት ዶብ፡ ሕቶ ሉዕላዉነት፡ ሕቶ ኣይሰላም ኣይኩናት...ወ.ዘ.ተ ክሳብ እቲ ናይሰላም ዘተ ዝዕወት ከምዘለዎ ክቕጽል ድዩ?........ወ.ዘ.ተ
ኣእላፍ ሕቶታት ክምለሱ ዘለዎም ኣለዉ። እዞም ሕቶታት እዚኣቶም ብርግጽ መልስታቶም ምስተፈልጠ ጥራይ እዩ ዘተ ሰላም ክካየድ ዝግባእ ኮይኑ ይስማዓና ኣሎ።

ስለዚ መን እዮም ነዚ ንድፊ ሰላም ሓንጺጾም ንምትግባሩ ተዳልዮም ዘለዉ? ሰለብሪቲ-ኢቨንትስ ዝብሃል ትካል ድዩ? ከመይሉ ሓደ ትካል ህዝቢ ወይ ህዝባዊ ትካል ዝኸዉን? እቲ ምንታይስ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ዝደሊ ኣህዛብ ይኹን እንበር፡ ክሳብ ሕጂ ስርዓት ኣስመራ ይኹን ስርዓት ኣዲስ ኣበባ፡ ህዝቢ ናይ ልቡን ድሌቱን ክገብር ዕድል ኣይሃቡዎን ዘለዉ። መን እዮም ከ ኣብዚ ዘተ ክሳተፉ ዝድለዩ ዘለዉ?

1. ፖሎቲካዊ ጨለታትን ፈሊጣን ኢትዮጵያ ዶ ይኾኑ?
2. ኤርትራዊ መቦቆል ዘለዎም ግን ንረብሓ ዓባይ ኢትዮጵያ ከራጋግጹ ዝደልዩ ዶ ይኾኑ?
3. ብኢትዮጵያ ዝሙወሉ፡ ገለ ካብ መራሕቲ ኤርትራዉያን ተቃወምቲ ዉድባት ዶ ይኾኑ?
4. ስደተኛታት ኤርትራዉያን ንኢትዮጵያ ከም መሳጋገሪ ንካልእ ሃገራት ዝጥቀሙላ ዶ ይኾኑ?
5. ፖሎቲካዊ ጨለታትን ፈሊጣን ኤርትራ ዶ ይኾኑ?
6. ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመረጽዎም ተወከልቲ ህዝቢ ዶ ይኾኑ?
7. ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመረጽዎም ተወከልቲ ህዝቢ ዶ ይኾኑ?........ወ.ዘ.ተ???

ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘለዉ ፖሎቲካዊ ስርርዓት እንታይ ሙኻኖምን ብኸመይ ይሰርሑ ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና። ካብ ኣፍሉጦና ዝነቀለ ድማ ክልቲኡ ስርዓታት ንቀርኒ-ኣፍሪቃ ሓደጋ ሙኻኖሙን ክእለዩ ከምዘለዎም ንመዝን። ምእላይ ናይዞም ስርዓታት ጥራይ ዘይኮነ መተካእትኦም’ዉን ብናይ ዘመናዊ ናይ ዜጋታት ሃገርን ፖሎቲካዊ ስርርዓት ኽኾኑ ንቃለስ። ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ ኢትዮጳዉያን ኣለዉዎ ፡ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ድማ ኤርትራዉያን ኣለናዮ። ብዝኾነ ነቲ ኣይሰላም ኣይኩናት ኩነታት ብተክኒካዊ ኣዛራርባ እዘን ሃገራት ኣብ ኪናት ከምዘለዋ ስለዝምዘን፡ እቲ ኩነታት ንምፍትሑ ክልተ መገድታት ጥራይ እዩ ዘሎ። ሳልሳይ ወይ ራብዓይ መገዲ ወይ ሓሙኽሽታይ ሕብሪ ዝባሃል ነገር የሎን። ቀዳማይ መገዲ ፍታሕ፡- እቲ ኣይሰላም ኣይ ኪናት ፖሊሲ ብስርዓት ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ስለዝኾነ፡ ነዚ ፖሊሲ ከልዕልዎ ኣዝዩ ቀሊል እዩ። እዚ ፖሊሲ’ዚ እንተተላዒሉ፡ ብቀጥታ ናብቲ ዉሳኔ ናይ ዶብ ኮምሽን ኢትዮ-ኤርትራ ክመርሕ ስለዝኾነ፡ ነቲ ኣብ ካርታ ብስእሊ ሰፊሩ ዘሎ ዶብ (Boundary delimitation) ኣካላዊ ምምልካት ምግባር’ዩ። ስለዚ እዚ ስጉምትታት’ዚ ነቲ ናይ ሰላም መገዲ ሓደ ክልተ እንዳበለ ብቅድመተከተል ክመርሖ ሙኻኑ ዘጣራጥር ኣይኮነን። ንምንጻሩ ዝኣክል፡ እቲ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረን ዘሎ ግርጭታት ኣብ መንጎ ክልቲኡ ኣህዛብ ዘይኮነ፡ ኣብ ናይ ክልቲኡ ኣህዛብ ዝፈርዩ ዝገቡቱን ዝመርሑን ፖሎቲካዊ ስርዓታትን ፖሎቲካዊ ዉድባትን ዝነበረን ዘሎን’ዩ። እቶም ስርዓታት’ዮም ድማ ነዚ ክልተ ኣህዛብ ነንሕድሕዱ ዘፋልስዎ ዝነበሩን ዘለዉን እንበር፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን መረስረታዊ ግርጭት የሎን። ነንሕድሕዱ ዝተቓራረበ ኣህዛብ ስለዝኾነ ብዘይ ገለ ጸገም ብሰላም ክነብር ዝኽእል’ዩ። ስለዚ ህዝቢ ኣኪብካ ንፖሎቲካዊ ስርዓታት ምዕራቕ ዶ ይቀልል ወይስ እቶም ፖሎቲካዊ ስርዓታት ብሕጊን ፍትሒን ተቀይዶም ኣብ ማዕርነትን ምክብባርን ዝተመስረተ ናይ ሰናይ ጉርቡትና ፖሊሲ ከምዝኽተሉ ምግባር? እንተሓንጊዶም ድማ ምእላዮም ጥራይ’ዩ ዘዋጽእ።

ካልኣይ መገዲ ፍታሕ፡- ነዚ ንምትግባር ድማ ነብሲ-ወከፍ ህዝቢ ንዘለዎ ምልካዉያኒን ሓዉሲ-ምልካዉያን ስርዓታቱ (totalitarian and authoritarian regimes) ክቅይር ክቃለስ ኣለዎ። ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ህዝቢ ዝመልኮ ርትዓዉን ናይ ዜጋታት (civic)ፖሎቲካዊ ስርዓትን ሃገርን ምስተራጋገጹ፡ እቲ ሰላም ባዕሉ ከም ጽሓይ በርቂ ክዉላዕ እዩ።

ስለዚ ናይ ብሓቂ ሰላም ዝድለ እንተሃልዩ ብዓለምለኻዊ ሕጊ ተቀይድካ ናይ ማዕርነትን ምክብባርን ንናይ ሓባር ረብሓ ንምርግጋጽ ክሕሰብ ኣለዎ እምበር፡ ኣብ መጋራጃ “መዝሙር ሰላም” ተሓቢካ ንእኪት ምሕሳብ ናይ ኮንቱ ኮንቱነት እዩ። ዘተ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ክዕወት መጀመርታ እቶም ገዘፍቲ መሳናኽል ዝኾኑ፡ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ሓዉሲ-ምልካዊ ስርዓት ወያኔ ክእለዩ ኣለዎም። ድሕሪኡ ብዉሱናት ሰባት ወይ ብዝተሓርዩ ሰባት ጥራይ ዘይኮነ፡ በብጽፍሑ ህዝቢ ብቀጥታ ብተወከልቱን መራሕቱን ዝሳተፈሉ ክዉንነት ክፍጠር ኣለዎ።

ወድሓንኩም!

ብ :-
1. እስታዝ ኢብራሂም መሓመድን
2. መርእድ ዘርኡ
15/09/2017

Share with friends:


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

Eritrea program March 2000 (YouTube Channel: Aida Kidane):