19/09/2017 22:55 PM
18 መስከረም 2001፡ ጉዕዞ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ኣፋፌት ቤትና ዝተጨውየላን ዝተዓፈለላን ዕለት ኢያ። ነቲ ክሳብ ሽዑ ዝነበረ ጉዕዞ ሓርነታዊ ቃልስናን ድሕሪ ናጽነት ዝኸድናዮ ጉዕዞን ገምጊምና፡ ብቅዋማዊ ህዝባዊ ስርዓትን ብግዝኣተ ሕጊን፡ ክንናባበር ዝነበረና ባህጊ፡ ብሓይሊ ምልኪ ከም ዝጽልምት ኮይኑ። እቶም ንኩሉ ዝነበሮም ውሽጣዊ ስምዒታት ጸይሮም፡ "ድሓን ኣብ ናጽነት ንብጻሕ'ሞ ሽዑ ነርክበሉ" ኢሎም ዝተጋደሉ፡ ድሓር ግን “እዋኑ ሕጂ ኢዩ ናብ ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ንእቶ” ዝብል ሕቶታት ዘልዓሉ ጀጋኑ፡ ናብ ጎዳጉዲ ማሕዩር ዝተደብዩላ ዕለት ኢያ። እዛ ዕለት'ዚኣ እምበኣር፡ ንኹሎም ቅድሚን ድሕሪን እዛ ዕለት እዚኣ፡ ብዘይ ፍትሒ ንዝተሓየሩ፡ ንኹሉ ሕብረብሔራዊ ኣቃውማ ሕብረተሰብናን፡ ሞያውያንን፡ ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ከምኡውን ምእመናን ዘጠቓልሉ ኤርትራውያን፡ መዘከሪት ኮይና በብዓመቱ ብኹሎም ኤርትራውያን ብቓንዛ እንዝክራን፡ ቃልስና እነሐርነላን ዕለት ኢያ።
ኣብዚ ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና፡ ካብ ዕለት 17 - 18 መስከረም 2017 ዝተኻየደ መደብ፡ ንዝኽሪ እዛ ዕለት፡ መቕርብን ቤተሰብን ሕዩራት ኣብ መድርኽ ቀሪቦም ምስክርነቶም ዝሃቡሉ ናይ ልዕሊ 6 ሰዓታት መደብ ኢዩ። ንኹሎም ተማራመርቲን ሞያውያንን ዝሕግዝ ኣገዳሲ ትሕዝቶ ስለዘለዎ፡ ኩልና ኤርትራውያን ብጽሞና ሰሚዕና ምስ ሕልናና ከነስተንትን ይግባእ።
ሓበሬታ፡-
1ይ ክሳብ 3ይ ክፋል ዘሎ ቪድዮ ናይ ዕለት 17 መስከረም 2017 ዝተፈነወ መደብ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካብ 4ይ -6ይ ክፋል ድማ መራሕቲ ሃይማኖታት ዝተሳተፉዎ፡ ናይ ዕለት 18 መስከረም 2017 መደብ ኢዩ።