ኣድማዕነት ብፍልስፍና ኣድላይነት

08/09/2017 19:35 PM

ኣድማዕነት ብፍልስፍና ኣድላይነት

ግጥሚ ዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ

Education-everlasting-wealth

ኣድማዕነት ብፍልስፍና ኣድላይነት

ኣየ ወዲ ሰብ! ክበልሕ ክህርኩትን ሓያልን እዩ ብተፈጥሮ
ዝውንንዩ ብሉጽ ክእለት ወ ፍልጠት ምስ መሃዝነት ተመኩሮ
ክውጥነሉን፣ ክሰርሓሉን፥ ከፍርየሉን፣ ከድማዓሉን ኣብዝተዋፈሮ
እወ በቲ ኩሉ ተኽእሎ ስነፍልጠት ስነ ቁጠባ ምስ ስነ ኣእምሮ
ብቕጻሊ ይባላሓት ይምህዝ ይሓስብ ንኹሉ ዝደልዮ ንመነባቦሮ

ወዲ ሰብ ጥበበኛ እዩ ይእምት ይትልም፣ የተግብር ብብቕዓት
ብዕቱብ ክዋሳእ፣ ክነጥፍ፣ ዝኽእል በቲ ዝድለ ጥርኑፍ ኣላይነት
ዝምራሕ ብኹሉ መዳያዊ ኣምርን ኣድላይነትን ምስ ኣድማዕነት
ምህርቱ ይስስን፣ ይጽብቕ፣ ይሕይል፣ ይበዝሕ ብኹሉ መኣዝናት
ፍረ ጻዕሩ ይረክብ፣ ይሓፍስ፡ ብሉጽ ውጽኢቱ ይኸውን ብኻዕበት

ወዲሰብ ወናኒ ልዑል ፍልስፍና እዩ፡ ከም በዓል ድርብ ብልሒ
እወ ምእንቲ ክኽውን ናይ ምዕባለ ኣንፈት፡ ሓባሪ ቀላሲ መራሒ
ብምኽሪ ብኣእምሮን ብጥበብን ዝላፈን፡ ምስ ናይ ምህዞ መሳርሒ
ምስ ዘዋደዶን ዝኣርነቦን ብሉጽ ናውቲ ማእቶት ንክኸውን ተረባሒ
ሓንጎል ወዲሰብ ሪቕ ዕቑር ጸጋታት እዩ፡ ንምዕባለ ሃንዳሲ ሰራሒ
ሕፍንቲ እኳ ዘይተላዕሎ፡ ነቲ ዓርሞሸሽ ዝተዓደሎ ባህርያዊ ብልሒ

ብቐጻሊ ንስራሕ ንጽዓር ንምሃዝ ነበርክት፡ ንዘለኣለም ከም እንነብር
ኣይንዘንግዕ ከኣ፡ ጽባሕ ክንመውት ከምእንኽእል ብሕልና ንዘክር
ኢሎም መኺሮም ህርኩታት ጀርመናውያን፡ ንሕጊ ተፈጥሮ ብዘነጽር
ንስማዓዮም ድእ መሃዝቲ እዮም ጻዕረኛታት፡ ኣብነት ጽዒሩ ዝነብር
ለባምን ኪኖ ሓጹር ዘሕስብ ናይ ተመኩሮ ብሂል እዩ፡ ሕልና ዘህጥር
ምዕባለ ቀጻሊ ምዃኑ ብፍላይ ዝእምት፣ ዝገልጽ ከምኡውን ዘዘኻክር

እወ ነውጻኣዮ ድኣ ብኹሉ መኣዝናት፡ ናብ ኩሉ ዓውሎማዊ ቅርዓት፥
ነቲ ብባህርያዊ ዝተዓደለ፡ ናይ ወዲሰብ ዘይተኣደነ ዓርሞሸሽ ብቕዓት
እይንድከ፣ ኣይንደንቁር፣ ኣይንጥመ፣ ንጠቐመሉ ነቲ ዘለና ዕቁር ፍልጠት
ንፍለጦ ድእ ከም ደቂ ሰባት፡ ብሰፊሑ ስለ እንውንን ሰፊሕ ዓቕምታት
ንጠቐመሉ ድኣ ናብራና ክማሓየሽ ጥዕናና ክሕሎ፡ በቲ ዝድለ ብልሓት
ብፍላይ ንዓኹም፡ ናይ ጽባሕ ተስፋ ሃገርኩም ዝኾንኩም መንእሰያት
እወ መንእሰያት፡ ናይ ሎሚ ዕምባባ ናይ ጽባሕ ኣማሓደርቲ ኣፍረይቲ
ኣጆኹም ተባላሓቱ ንፍዑ ተማሃሩ፡ ክትኮኑ ብቑዓት ሃገር ተረከብቲ
ንቑሓት ኴንኩም ርብሑሉ ክሰቡሉ፡ ተጠቐሙሉ ነቲ ዕቑር ሃብቲ
እወ ነቲ ዘለኩም እንደግና ዘይርከብ ወርቃዊ ጊዜ፡ ክትኮኑ ተዓወትቲ
ሃየ ክሰቡላ፡ ትሓልፍ ኣላ እታ ዳግም ዘይትርከብ ጊዜ፡ ሓባራዊት ሃብቲ
እወ እታ ቂም ቂም ትብል ካልኢት፣ እታ ደቒቕ እታ ሰዓት ወ መዓልቲ
ኣይትኽዘን ኣይትወድቕ ኣይትጸንሕ ኣይትጽበ፡ ትሓልፍ ዘላ ጊዜ ክብርቲ

ኩሉና ዝምልከተና ከምኡውን ክእለት ዘለና፡ ወለዲ ምስ ሃገር እነማሓድር
ነወንዝፎ ጉዳይ ኣይኮነን፡ ዓቢ ሓላፍነትን ሕድርን ኣለና ዝግባእ ክንገብር
ብዕቱብ ተረዲእናን ነቒሕናን፡ መንእሰይ ምዃኑ ናይ ጽባሕ ተረካብ ሃገር
ንሓግዞ ድኣ ብኹሉ ዓቕምና፡ በቲ ዝድለ ክስልጥን፣ ክረብሕ፣ ክዕንትር
ብብቕዓትን ብኽእለትን ብፍልጠት ብሞያን፡ ተኽእሎ ወኒኑ ሃጢሩ ክነብር
በቲ ዝድለን ብዕቱብን ክኽሸን ክዳሎ፥ ስነ ፍልጠታዊ ተኽእሎ ክዓትር
ብጽፉፍ ብስሉጥ ክጥቀም፡ ካብ ብቐጻሊ ዝውሕዝ ዓውሎማዊ መስተንክር

ነበርክት ኩሉና ብዝግባእ፡ ሃገርና ክትስልጥን ክትሕምበብ ክትህብትም
እወ ዜጋ ንክቋደስ፣ ካብቲ ዓውሎማዊ መኽዘን ፍልጠት ንኹሉ ብዝጥዕም
እወ ሓፋሽ ምስ ዘበርክትን ዝነጥፍን፡ ብምሉእ ሓይሉ ንሽግር ምስ ዝገጥም
ምዕባለ ሃገር ይሕምበብ፣ ይቕጽል፣ ይስውድ፣ የድምዕ ብዘሕጉስ ንለባም
ናይ ነፍሲወከፍ ዜጋ ኣስተዋጽኦን ኣበርክቶን እዩ፡ ንሃገር ዘሀብትም

ባሃማት ኣይንኹን ንፍለጦ ድኣ ሓፋሽ እዩ ዝፈጥር፡ ናይ ህዝብን ሃገርን ብቕዓት
ንሓፋሽ ነማዕብሎ ነበግሶ ነተሓባብሮ ንጽዓረሉ ነተባባዓዮ፡ ንኸርእየና ተኣምራት
ሃገርን ህዝብን ክስልጥኑ ክውደሱ፡ ነበር ክኽውን ድኽነት ከም ኣብነት ዕውታት
ክንከውን ኣብነታውያን ከምቶም ኣናብር ምብራቕ ኤስያ፡ ብኹሉ ውሕሉላት
እወ ኣይንኽሰሮ እቲ ዘይተኣደነ ናይ ወዲ ሰብ ፍልጠት፣ ዓቕሚ ምስ ብልሓት።

ዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ

09/4/2017

Share with friends:


See also Related / ምስዚ ዝዛመድ ሓበሬታ፡-

Advice for All Eritreans. ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን።

 

See also recent Articles by Dr. Mengsteab Tesfayohannes.  ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ካብ ዝቐረቡ ብ'ዶ/ር መንግስተኣብ ተስፋዮሃንስ: