Placeholder Picture
Placeholder Picture

July 2022 - Archive << Back

ፖለቲካዊ ለውጢ ካብ ውሽጢ ኤርትራ፤
ተኽእሎታትን ብድሆታትን

ብ'ዶ/ር ዮውሃንስ ሃይለ (by Dr. Yohannes Haile)

Egg Internal Strength Concept Illustration “እንቋቖሖ ብናይ ውሽጢ ሓይሊ ክስበር ከሎ ህይወት ይዘርእ/ይጅምር ወይ ጫቚት ይጫጫሕ፤ ብናይ ደገ ሓይሊ ክስበር ከሎ ከኣ ህይወት የብቅዕ ወይ ጫቚት ይመውት” ዝብል ኣምር ኣሎ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ፤ ኩሉ ለውጥታት ካብ ውሽጢ ክምንጩ እንከሎ ዝያዳ ከምዘድምዕን ጠቓሚ ከምዝኸውንን ዝእምት እዩ። ኣብ ኩሉ ህይወትና እንኮላይ ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ህይወትና ከኣ ክንጸባረቕ ይኽእል። Read more

ቃል ፈነዋ ናይ ወይዘሮ ኣዜብ ገብረሂወት፡
ብዓልቲ-ቤቶም ን`ነፍስሔር ግራዝማች ገብረሚካኤል ብስራት።

ዶ/ር ጠዓመ መብራህቱ፡ ብስም ምሉእ ስድራቤት ነፍስሔር ግራዝማች ገብረሚካኤል ብስራት።

ሎሚ ንግሆ መርድእ በጺሑኒ፡
ወላዲትካ ኣዜብ ዓሪፋ ኢሎምኒ፡
ልበይ ተቐምሰለ፡ ኣምዑተይ ሓረረ፡
ጓህየይ ዓሞቐ፡ ንብዓተይ ዛረየ። Read more

Snitna Network Seminar (23/07/2022)
Our Political situation and Healing, after Dictatorship
ፖለቲካዊ ኩነታትናን ፈውስናን፡ ድሕሪ ምልካዊ ስርዓት
وضعنا السياسي وتضميد الجراح بعد الديكتاتورية

Keynote speaker: Dr. Mogos Yakob | Moderator: MS. Mebrat Deres
ኣቕራቢ፦ ዶር. ሞጎስ ያቆብ | ኣላዪት፦ ወ/ሮ መብራት ደረስ

Join Zoom Meeting Live on Facebook.

See also Related ምስዚ ዝተኣሳሰር፦

ጋዜጣዊ መግለጺ ማእከላይ ባይቶ ው.ሓ.ኤ
(Press Release of the Central Council of United Eritreans)

ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (ው.ሓ.ኤ)፣ ብዕለት 09 ሓምለ 2022፣ 3ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣቦ መንበር ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ብጻይ ተስፋይ ኣለም፣ ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ ንተሳተፍቲ ኣኼባ ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም ቃል ብምሃብ፣ ብምኽንያት ኣጋጣሚ ብዓል ዒድ ኣል-ኣድሓ ንብጾት ኣመንቲ ምስልምና ናይ እንቋዕ ኣብዚ ኣብጽሓኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። Read more

Introduction to Eritrean Political parties and Civic movements
ሌላ ምስ፡ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ

ሰላም ክቡራት በጻሕቲ ናይዚ ገጽ፡
ዕላማ ናይዚ ገጽ፡ ህዝብና ምስ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ ንኽላላለ፡ ከምኡ`ውን ፖለቲካዊ ውድባትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ምስ ህዝበን ንክላለያን ዕላማ ፖለቲካዊ መደባተን ንህዝቢ ዝሕብራሉ ባይታ ንምፍጣር ኢዩ። ኣብቲ ንቡር ኣካይዳ ሃገራት ዓለምና፡ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ከምኡ`ውን ካልኦት ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን፡ ቅዋም ብዝእዝዞ መሰረት፡ ሕጊ ተኸቲለን፡ ቅጥዕታት ብምምላእ ኢየን ዝቖማ። Read more

Forty Four (44) years ago, Ethiopia murdered my husband Berhane Tesfamariam. God just watched it happen!

by Kiki Tzeggai, JULY 15, 2022

Berhane Tesfamariam Memorial Portrait Photo On this date – 44 years ago – Ethiopia tortured to death my husband, Berhane Tesfamariam. Each murder by a power is a note of cowardice in the history of that country. How many Eritreans like Berhane? To have an estimate of the mass graves filled with remains of innocent Eritreans in our land is hard! The true toll has never been established. Read more

Biography of Gen. Aman Michael Andom
ታሪኽ ህይወት ጀነራል ኣማን ሚኪኤል ዓንዶም

General Aman Michael Andom Portrait Photo "ከም ወተሃደር ፣ ጀነራል ኣማን ዓንዶም ምስ ፈረንሳዊ ናፖልዮን ዝወዳደር እዩ። ብነብሱ ዝተኣናነንን ፍሽኽታ ዘይፍለዮን መኮነንንን ብዓል ስልጣንን እዩ ነይሩ። ወተሃደራቱ ስሞም ይፈልጦምን ብስሞም ይጽውዖምን ነይሩ። ዝተረኽበ ምግብን መስተን ፣ ምስ ወተሃደራቱ ብሓባር ዩ ዝምገብ ነይሩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ጀነራል ኣማን ብወተሃደራቱ ኣዝዩ ፍቱውን ህቡብን ነበረ። ፍትሕን ሓቅን ሒዙ ከይተወላወለ ዝጎዓዘሉ ዝነበረ መንገዲ እዩ”። “እንተኾነ ጀነራል ኣማን ዓንዶም ፣ ሓደ ዘይንጸል ባህርያዊ ጠባይ ናይ ድኽመት ነይርዎ። ንሱ ድማ ፣ ልዑል እምነት ኣብቶም ኣብ ኣከባቢኡ ዝነበሩን መሳርሕቱን ምግባር እዩ። እዚ ጥርጣረን ጥንቃቐን ዘይብሉ እምነት ኣብ ሰብ ፣ ክሳዕ ህይወቱ ኣብ ምጥፋእ ኣብጺሕዎ እዩ።"

ኣሳወርቲ ኲናት ካብ ምዃን ንቆጠብ!
Let’s stop being warmongers!

Peace and Anti-War Concept Illustration እዚ ሕጂ ኣቲናዮ ዘሎና ቅንያት፡ ንህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዕራፍ ናይ ታሪኽ ዝሓቖፈ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ንኣስፋሕፋሒ መግዛሕታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ካብ መሬት ኤርትራ ሓግሒጉ ዘውጻኣሉ፡ ኣርማ ናጽነት ብቕልጽሙ ዝዓተረሉ መበል 31 ዓመት ዝኽሪ ናጽነቱ ዘብዕለሉ ቅንያት ኢዩ። ብተማሳሳሊ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ከኣ ውጹዕ ህዝቢ ትግራይ፡ ንስርዓት መንግስቱ ሃይለማሪያም ኣልዩ፡ ካብቲ ኣስካሕካሒን ትምክሕታዊን ብሔራዊ ጭኮና ሓራ ዝኾኑሉ ቅንያት ኢዩ። እዚ ህዝብታት ዚ፡ ንናይ ሓባር ጸላእቱ፡ ብሓባር መኪቱን መስዋእቲ ከፊሉን፡ ናይ ሓባር ናጽነቱ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ኣረጋጊጹ ኢዩ። ን30 ዓመታት ክዳመ ዝጸንሐ ክልቲኡ ህዝብታት ሰጊሩ፡ ንዓለም ዘደነቐ ምዉቕ ዝምድናታት ኣብ ሞንጎ ሃገራቱ መስሪቱ። እዚ ኩሉ ህዝብታትና ዝተመነዮን ብሓጎስ ኣፍልቡ እናሃረመ ዝተሓጎሰሉን ናጽነትን ምዉቕ ዝምድናታትን ግን... Read more




Global Policy / መትከላት

Snitna: Code of Conduct — መርበብ ሓበሬታና ዝምራሓሉ መትከላት

ስኒትና.ኮም (www.snitna.com)፡ ነቲ ኣብ 1936 ዝወጸ መትከላት ጋዜጠኝነት (UK and Irish journalism): ከምኡውን ንመትከላት ሃገራዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት (National Union of Journalists (NUJ)፡ የኽብር። Snitna Policy Code Asset Logoብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ዩቱብ ቻነል ዝወጽእ ሓበሬታ፡ ንመትከላት ማሕበራዊ መትከላት ዩቱብ (YouTube Community Guidelines)፡ እናኽበረ የውጽእ። ስኒትና፡ ብዝከኣሎ መጠን፡ ነዚ መትከላት'ዚን ናይ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ክዉንነትን ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ስኒትና (www.snitna.com) ክውጽእ ዝግብኦ ሓበሬታ እናመመየ ከውጽእ ይህቅንን ይጽዕርን። እዚ ስራሕዚ ምሉእ ዓወት ንክህልዎ ድማ ብዓቢኡ፡ ግቡእ ኣጠቓቕማ ተሳተፍቲን ምትሕብባርን ምስዝህሉ ኢዩ። ስለዚ፡ ነዚ መትከላት ዚ ንምኽባር ንኹሉ ተገልጋላይ'ዚ መርበብዚ ንጽውዕ። ዝኾነ ሃሳዪ ተርእዮታት ምስዘጋጥሙ፡ ቅሬታኹም ወይ ርእይቶኹም ብኢመይል ኣድራሻና ኣቢልኩም ክትልእኩልና ንላቦ። Read more

See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: