29/07/2022 17:52 PM
ቃል ፈነዋ
ናይ ወይዘሮ ኣዜብ ገብረሂወት፡
ብዓልቲ-ቤቶም ን`ነፍስሔር ግራዝማች ገብረሚካኤል ብስራት።
ዶ/ር ጠዓመ መብራህቱ፡ ብስም ምሉእ ስድራቤት ነፍስሔር ግራዝማች ገብረሚካኤል ብስራት።
ቃል ፈነዋ ናይ ወይዘሮ ኣዜብ ገ/ሂወት፡
ብዓልቲ-ቤቶም ን`ነ/ሔር ግራዝማች ገ/ሚካኤል ብስራት።
ሎሚ ንግሆ መርድእ በጺሑኒ፡
ወላዲትካ ኣዜብ ዓሪፋ ኢሎምኒ፡
ልበይ ተቐምሰለ፡ ኣምዑተይ ሓረረ፡
ጓህየይ ዓሞቐ፡ ንብዓተይ ዛረየ።
ኣንታ ሎምስ ኣይከኣልኩን፡ መሪሩኒ፡
ሃገረይ ስኢነ፡ ስደት ነዊሑኒ፡
ኣብ ወጻኢ በይንኻ ምሕዛን፡ ኣድኪሙኒ፡
ናይ ብሓቂ፡ መሪሩኒ ኣንገፍጊፉኒ፡
ሎሚ`ኸኣ እታ ዝፈትዋን ዘኽብራን ኣዜብ ጠሊማትኒ፡
ምሉቕ ኢላ ከይዳ፡ ከይበልኩዋ ድሓን ኩኒ።
እወ ወይዘሮ ኣዜብ ገብረሂወት፡
እታ ጋመ እንኮላ ቃል ኪዳን ዝኣሰረት፡
ምስ ብጻያ ምስ ገብረሚካኤል ብስራት፡
ብጊሓቱ ዝጾመት ዝቖረበት፡
ውሕልነታ ብኣጋ ዘመስከረት
(ስዋኣ ዘጉስዕ ብጨንኡ፡ ሜሳ ዘንስዕ ብሃናኡ)
ስለ ሓቂን ውጹዓትን ደው ዝበለት።
ኣንታ እወ፡ እታ ግርማኣ ዘይድፈር
ሓቦኣ፡ ዘይዕቀን ብመስፈር፡
ፍቕራን ልግሳን፡ ዝኣክል ንሃገር።
እታ ነዊሕ ጠመታኣ፡ ርሒብ ኣእምሮኣ፡
ዓሚቕ ልቦናኣ፡ ጽላል ዓጽመ-ስጋኣ።
ፈታዊት ደቃ ሓብሓቢት ቤተሰባ፡
ተቐባሊት ጋሻ፡ ብልግሲ ምስ መርሓባ፡
ማርያም ሰባ እያ ኔራ ማርያም ሰባ።
ኣዜብ ኣዜብ ኣዜባና፡
ዓንዲ ማእከል ገዛና፡
መጸግዒት እምባና፡
ኳዕናን`የ ኳዕናን`ና።
ኣደ ህያው የማነ ናይ ኤርትራ ሓርበኛ፡
ኣደ በረኸት ኣደ ስዉእ ጅግና፡
ኣደ ፋሲል፡ ትራፍ ገድሊ ዓስብና።
ኣደ ኣልማዝ ናይ ሰብ ኣውራ፡
ኣደ ለማልም ቦኽሪ-ጓላ ንሰውራ ኤርትራ።
ኣደ ኣሰፋሽ እታ ፈቃርን ዓቃልን ሓፍትና፡
ኣደ ሄኖክ እቲ ለባም ሓውና፡
ኣደ ፈለግ ጀርመናዊ ሰንሰለትና።
በሊ ኣዜባየ ኣዜባና፡
እንካብ መረጽኪ መዋድቖኺ ብእዋኑ፡
እንካብ ሰጎምኪ ምድረ-ሰማይ ብድሓኑ፡
እንካብ ከድኪ ከይተፋኖኽና፡ ከይኣከብክና፡
ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ኢልና እንከሎና፡
ንብዓትናን ሓዘንናን ንምዕጋት የኽእለና።
ንዓኺ ኸኣ ኣምላኽ ባዕሉ ይቀበልኪ፡
ኣብ ሰተሰምሃሉ ኣብ ገነቱ የዕርፍኪ።
ኣሜን!
ጠዓመ መብራህቱ፡
ብስም ምሉእ ስድራቤት ነ/ሔር ግራዝማች ገብረሚካኤል ብስራት።
ወይዘሮ ኣዜብ ገብረሂወት፡ ሃንደበት ድሕሪ ሓጺር ሕማም፡ ኣብ መበል 89 ዕድምኤን፡ ብደቀንን ደቂ-ደቀንን ተኸቢበን፡ ኣብ ቤተን ብሰላም ብዕለት 17.01.2022 ዓሪፈን።
ብዕለት 17.01.2022 ከኣ፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ሓዝሓዝ፡ ጥቓ በዓልቤተን ነ/ሔር ግራዝማች ገ/ሚካኤል ብስራት፡ ሓመድ ኣዳም ለቢሰን።
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- A Look Back on Eritrea’s Historic 1993 Referendum, BY FIKREJESUS AMHAZION (PhD)
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993 ብፍቕረየሱስ ኣምሃጽዮን (ዶ/ር)) (TesfaNews APRIL 23, 2018). - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)