Placeholder Picture
Placeholder Picture
ቃል ፈነዋ ናይ ወይዘሮ ኣዜብ ገብረሂወት፡ ብዓልቲ-ቤቶም ን`ነፍስሔር ግራዝማች ገብረሚካኤል ብስራት።

29/07/2022 17:52 PM

ቃል ፈነዋ
ናይ ወይዘሮ ኣዜብ ገብረሂወት፡
ብዓልቲ-ቤቶም ን`ነፍስሔር ግራዝማች ገብረሚካኤል ብስራት።

ዶ/ር ጠዓመ መብራህቱ፡ ብስም ምሉእ ስድራቤት ነፍስሔር ግራዝማች ገብረሚካኤል ብስራት።

ቃል ፈነዋ ናይ ወይዘሮ ኣዜብ ገብረሂወት፡
					ብዓልቲ-ቤቶም ን`ነፍስሔር ግራዝማች ገብረሚካኤል ብስራት።

ቃል ፈነዋ ናይ ወይዘሮ ኣዜብ ገ/ሂወት፡
ብዓልቲ-ቤቶም ን`ነ/ሔር ግራዝማች ገ/ሚካኤል ብስራት።

ሎሚ ንግሆ መርድእ በጺሑኒ፡
ወላዲትካ ኣዜብ ዓሪፋ ኢሎምኒ፡
ልበይ ተቐምሰለ፡ ኣምዑተይ ሓረረ፡
ጓህየይ ዓሞቐ፡ ንብዓተይ ዛረየ።

ኣንታ ሎምስ ኣይከኣልኩን፡ መሪሩኒ፡
ሃገረይ ስኢነ፡ ስደት ነዊሑኒ፡
ኣብ ወጻኢ በይንኻ ምሕዛን፡ ኣድኪሙኒ፡
ናይ ብሓቂ፡ መሪሩኒ ኣንገፍጊፉኒ፡
ሎሚ`ኸኣ እታ ዝፈትዋን ዘኽብራን ኣዜብ ጠሊማትኒ፡
ምሉቕ ኢላ ከይዳ፡ ከይበልኩዋ ድሓን ኩኒ።

እወ ወይዘሮ ኣዜብ ገብረሂወት፡
እታ ጋመ እንኮላ ቃል ኪዳን ዝኣሰረት፡
ምስ ብጻያ ምስ ገብረሚካኤል ብስራት፡
ብጊሓቱ ዝጾመት ዝቖረበት፡
ውሕልነታ ብኣጋ ዘመስከረት
(ስዋኣ ዘጉስዕ ብጨንኡ፡ ሜሳ ዘንስዕ ብሃናኡ)
ስለ ሓቂን ውጹዓትን ደው ዝበለት።

ኣንታ እወ፡ እታ ግርማኣ ዘይድፈር
ሓቦኣ፡ ዘይዕቀን ብመስፈር፡
ፍቕራን ልግሳን፡ ዝኣክል ንሃገር።
እታ ነዊሕ ጠመታኣ፡ ርሒብ ኣእምሮኣ፡
ዓሚቕ ልቦናኣ፡ ጽላል ዓጽመ-ስጋኣ።
ፈታዊት ደቃ ሓብሓቢት ቤተሰባ፡
ተቐባሊት ጋሻ፡ ብልግሲ ምስ መርሓባ፡
ማርያም ሰባ እያ ኔራ ማርያም ሰባ።

ኣዜብ ኣዜብ ኣዜባና፡
ዓንዲ ማእከል ገዛና፡
መጸግዒት እምባና፡
ኳዕናን`የ ኳዕናን`ና።

ኣደ ህያው የማነ ናይ ኤርትራ ሓርበኛ፡
ኣደ በረኸት ኣደ ስዉእ ጅግና፡
ኣደ ፋሲል፡ ትራፍ ገድሊ ዓስብና።
ኣደ ኣልማዝ ናይ ሰብ ኣውራ፡
ኣደ ለማልም ቦኽሪ-ጓላ ንሰውራ ኤርትራ።
ኣደ ኣሰፋሽ እታ ፈቃርን ዓቃልን ሓፍትና፡
ኣደ ሄኖክ እቲ ለባም ሓውና፡
ኣደ ፈለግ ጀርመናዊ ሰንሰለትና።

በሊ ኣዜባየ ኣዜባና፡
እንካብ መረጽኪ መዋድቖኺ ብእዋኑ፡
እንካብ ሰጎምኪ ምድረ-ሰማይ ብድሓኑ፡
እንካብ ከድኪ ከይተፋኖኽና፡ ከይኣከብክና፡
ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ኢልና እንከሎና፡
ንብዓትናን ሓዘንናን ንምዕጋት የኽእለና።
ንዓኺ ኸኣ ኣምላኽ ባዕሉ ይቀበልኪ፡
ኣብ ሰተሰምሃሉ ኣብ ገነቱ የዕርፍኪ።
ኣሜን!

ጠዓመ መብራህቱ፡
ብስም ምሉእ ስድራቤት ነ/ሔር ግራዝማች ገብረሚካኤል ብስራት።

ወይዘሮ ኣዜብ ገብረሂወት፡ ሃንደበት ድሕሪ ሓጺር ሕማም፡ ኣብ መበል 89 ዕድምኤን፡ ብደቀንን ደቂ-ደቀንን ተኸቢበን፡ ኣብ ቤተን ብሰላም ብዕለት 17.01.2022 ዓሪፈን።
ብዕለት 17.01.2022 ከኣ፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ሓዝሓዝ፡ ጥቓ በዓልቤተን ነ/ሔር ግራዝማች ገ/ሚካኤል ብስራት፡ ሓመድ ኣዳም ለቢሰን።

Read in PDF ብ'PDF ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ።




Our YEMANE BARYA
“ሃገረይ ዝበለ ተዘኪሩ ይነብር”!

See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: