Placeholder Picture
Placeholder Picture
ኣሳወርቲ ኲናት ካብ ምዃን ንቆጠብ!

18/05/2022 21:28 PM

ኣሳወርቲ ኲናት ካብ ምዃን ንቆጠብ!
Let’s stop being warmongers!

snitna.com, 18 May 2022

ኣሳወርቲ ኲናት ካብ ምዃን ንቆጠብ! Let’s stop being warmongers!

ኣሳወርቲ ኲናት ካብ ምዃን ንቆጠብ!
Let’s stop being warmongers!

እዚ ሕጂ ኣቲናዮ ዘሎና ቅንያት፡ ንህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዕራፍ ናይ ታሪኽ ዝሓቖፈ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ንኣስፋሕፋሒ መግዛሕታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ካብ መሬት ኤርትራ ሓግሒጉ ዘውጻኣሉ፡ ኣርማ ናጽነት ብቕልጽሙ ዝዓተረሉ መበል 31 ዓመት ዝኽሪ ናጽነቱ ዘብዕለሉ ቅንያት ኢዩ። ብተማሳሳሊ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ከኣ ውጹዕ ህዝቢ ትግራይ፡ ንስርዓት መንግስቱ ሃይለማሪያም ኣልዩ፡ ካብቲ ኣስካሕካሒን ትምክሕታዊን ብሔራዊ ጭኮና ሓራ ዝኾኑሉ ቅንያት ኢዩ። እዚ ህዝብታት ዚ፡ ንናይ ሓባር ጸላእቱ፡ ብሓባር መኪቱን መስዋእቲ ከፊሉን፡ ናይ ሓባር ናጽነቱ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ኣረጋጊጹ ኢዩ። ን30 ዓመታት ክዳመ ዝጸንሐ ክልቲኡ ህዝብታት ሰጊሩ፡ ንዓለም ዘደነቐ ምዉቕ ዝምድናታት ኣብ ሞንጎ ሃገራቱ መስሪቱ። እዚ ኩሉ ህዝብታትና ዝተመነዮን ብሓጎስ ኣፍልቡ እናሃረመ ዝተሓጎሰሉን ናጽነትን ምዉቕ ዝምድናታትን ግን፡ ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊያን መራሕቱ፡ ናብ ናይ 100 ሽሕ ዜጋታት ክልቲኡ ሃገራት ዘህለቐ ዶባዊ ኲናት 1998-2000 ኣኸቲሉ። ድሕሪ ኣህጉራዊ ብይን ዶብ (2002) እንተኾነ`ውን፡ ብሰንኪ ዘይድሉውነት ክልቲኡ መሪሕነታት፡ እዚ ሰላም ዝደሊ ህዝብታትና፡ ክሳብ ሰነ 2018፡ ኣብ "ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት" ኩነታት ክነብር ተገዲዱ፡ መነባብሮ ህዝብታትና ተዛናቢሉ፡ ጉድኣት ዝወረዶም ህዝብታትና ቁስሎም ዝሓውየሉ ኩነታት ከይተፈጥረ ጸኒሑ። ኣብ ሰነ 2018 መጺኡ ዝተባህለ ናይ ሰላም ኣዋጅ፡ መደምደምታ ሕሰምና ኮይኑ፡ ኣብ ዶባት ዘሎና ምስሕሓብ ህጹጽ ሰላማዊ መዕለቢ ክረክብ፡ ንቡር ዝምድናታት ክቕጽል ሙሉእ ተስፋታት ነይሩና። እንተኾነ፡ እዚ`ውን ኣብ መጀመርታ ሕዳር 2020፡ ናብ ዳግማይ ደም ምፍሳስ ኣምሪሑ፡ ክሳብ ሕጂ ኸኣ ይቕጽል ኣሎ።

ህዝብታት፡ ብባህሪኦም፡ ደለይቲ ስላምን ንቡር ህይወትን ኢዮም። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ክልል ትግራይ ክኸይድ ዝጸንሐ ኲናትን ከበባን፡ ብዘይካ ጽልኢን ቅርሕንትን፡ ንህዝብታትና እንታይ ረብሓ ኣለዎ? እዚ ሕጂ ዘንጠጡ ዘሎ ኩነታት`ከ ናበይ ገጹ ኢዩ? ብሸነኽ ክልል ትግራይን ኤርትራን ዝወጽኡ ዘለዉ መግለጺታት ንሰምዖም ኣሎና። ህዝቢ ትግራይ፡ ካብዚ ንልዕሊ ዓመትን-ፈረቓን ወሪዱዎ ዝጸንሐ ከበባን ዕንወትን፡ ከም ሰብኣዊ ፍጡር ክነብር፡ ዘይሕከኽ መሰል ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ፡ ካብዚ ወሪዱዎ ዘሎ መዓት ክገላገል፡ ከም ሰብኣዊ ፍጡር ክነብር ክኽእል፡ ኣብ ኣድማሳዊ ኣዋጅ መሰል ደቂ ሰብን ( Universal Declaration of Human Rights 1948 ) ዝሰፈረ፡ ዘይሕከኽ መሰል ኣለዎ። ልክዕ ከምቲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ መሰል`ዚ ንምርግጋጽ፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዘካየዶ ቃልሲ ዝኸፈሎ መስዋእቲን።

እቲ ብኣስካሕካሒ ግፍዒን ወጽዓን ዝሓለፈ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ጎኒ ገፋዕቲን ወጻዕቲን ሓይልታት ክስለፍ፡ ህዝባዊ ባህሪያቱ ኮነ፡ ሞራላዊ ሕልናኡን ቁመናኡን ኣይቅበሎን ኢዩ። ኩሉ`ቲ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ዝግበር ናይ መንግስቲ ኤርትራ ምትእትታው እምበኣር፡ ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት መመላእታ ክሳቐየሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ኢዩ። ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብሓይሉ ኣብ ስልጣን ተኾይጡ፡ ብዘይ ቅዋምን ባይቶን፡ ንልዕልና ሕጊ ረጊጹ፡ ስርዓተ-ስለላን ራዕዲን ኣስፊኑ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ክጭፍልቕ ዝጸንሐን ዘሎን ስርዓት ጥራይ ኢዩ። ብሰንኪ`ዚ፡ ልዕሊ`ቲ ኣብ እዋን መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝተራእየ፡ ዝተዓጻጸፈ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ሃገረ ስደት ክሰፍር ተገዲዱ ይርከብ። ማእለያ ዘይብሉ መንእሰይ ኤርትራ፡ ኣብ ፈቐዶ ምድረበዳን ባሕሪታትን ጠፊኡ። እዚ ኲናት ናይ ሰሜን ኢትዮጵያ ኸኣ፡ ብዘይካ`ቲ ኣብ ጎረባብትና ኣህዛብ ዝፈጥሮ ቂምን ቅርሕንቲን፡ ንመንእሰያትና፡ ኣብ ዘይምልከቶም ኲናት ኣእትዩ ዘህልቕ ኢዩ። ብተማሳሳሊ፡ ህዝብታት ትግራይ፡ ኣምሓራ፡ ኦሮሞን ዓፋርን እውን እንተኾነ፡ ዘይተኣደነ ናይ ህይወትን ንብረትን ዕንወትን ብርሰትን ኢዩ በጺሑዎም። ኩሉ`ዚ ክኹነንን ብህጹጽ ደው ክብልን ኢዩ ዝግባእ።

ንመሰል ህዝብኻን ንልዑላውነት ሃገርካን ንምውሓስ ዝካየድ ቃልሲ ፍትሓዊ ኢዩ። ኣብ ፍትሒ ስለዝምርኮስ ከኣ፡ እቲ ምእንታኡ ዝኽፈል መስዋእቲ ምኽኑይን ሓላልን ኢዩ። ብመንጽር`ዚ፡ እዚ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ኣትዩ ከካይዶ ዝጸንሐ ኲናትን ምትእትታውን፡ ኣብኡ ዝኽፈል ዘሎ ህይወት ኤርትራውያን መንእሰያትን፡ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ`ዶ ክንብሎ ንኽእል? እቲ ረብሓ`ኸ እንታይ ኢዩ?
ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ካልእ ከባቢታት ኢትዮጵያ እተፈጸመ ግፍዕታት፡ ስም ሃገርና ኤርትራ ክጥቀስ ከሎ፡ ንኤርትራ ዘኹርዕ`ዶ ዘሕፍር ተግባር? ናይ ኩልና ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ሓላፍነታዊ ምላሽ ዘድልዮ ጉዳይ ኢዩ።

ኩሎም ኲናታት (ውግኣት)፡ ዝወሰዱ ወሲዶም፡ ብሰላማዊን ዲፕሎማሲያዊን ስምምዕ ኢዮም ዝድቅሱ። ሓደ ኣብነት ናይዚ፡ እቲ ናይ 1998 ዶባዊ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኢዩ። ካብ ሕሉፍን ናይ ቀረባን ተሞኩሮታትና ክንመሃር ኣሎና። ሳዕቤናት ኲናት ኣዐሪና ዝተሞኮርናሉ ህዝብታት ስለዝኾንና፡ ኲናት ንኸይጅመር፡ ንኸይንህርን፡ እንተተጀሚሩ ኸኣ ብህጹጽ ደው ክብልን ዝሕግዝ፡ ናይ ሰላም ኣስተዋጽኦ ክህልወና ኢዩ ዝግባእ።
እዚ ሓላፍነት`ዚ፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ፍልጠትን ተሞኩሮን ዕድል ዝረኸብና ዜጋታት፡ ድርብ ሓላፍነት ዘሰክመና ግዴታ ኢዩ። ከመይ`ሲ፡ እቲ ኲናት ንከይጅመር፡ መሪሕ ተራ ዝጻወትን ዘታሃዳድእን፡ እቲ ዝለዓለን ለባምን ናይ ህዝቢ መራሒ፡ ስለዝኾነ።

እምበኣር፡

ኩልና ደለይቲ ሰላም ዝኾንና ሓይልታት፡

"ኣይፋል ንኲናት! እወ ንሰላም!" ኢልና ንጎስጉስ።

ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት፦ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት፡ ከምኡውን በርጌሳዊ ትካላት፡ ህጹጽ ምላሽ ክህቡ ኸኣ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና ትጽውዕ። ኩልኹም ናይ ሜድያ ትካላት፡ ነዚ ጉዳይ`ዚ ናብ ኲናት ከም ዝዓርግ ኣብ ምግባር ተኹታዂ ዘመተታት ካብ ምግባር ተቖጢብኩም፡ ኣብቲ ሰላም ንምምጻእ ዝካየድ ጻዕሪ ተሓባበርቲ ክትኮኑ፡ መርበብ ሓበሬታና ደጊማ ትምሕጸን።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምኡ`ውን ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ዝሓለፈ ደም ምፍሳስ ይኣኽሎ።

ሰላም ንህዝብታትና!

ምስ ሰላም፡ ድሕረትናን ድኽነትናን፡ ንሓዋሩ ነበረያ ነበረ ክኸውን ኢዩ!

መርበብ ሓበሬታ ስኒትና ( snitna.com )
18 ግንቦት 2022


ATV: "ተሪር መልእኽቲ፥ ሕዝቢ ኤርትራ፥ ሕዝቢ ትግራይን፥ ሕዝቢ ኢትዮጵያን፥ ብኽልተ ሰባት ንሞት ተፈሪድዎም ኣሎ" ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ፣ ጥቅምቲ 9,2022.


ERISAT: ብዓለም ለከ ምንቅስቃስ ይኣክል ዝተወደብ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ዲሲ። A peaceful Demonstration in Washington DC, today on 07 October 2022, calling for Peace and condemning the War raging in Ethiopia region, Tigray.


Bayto Yiakl USA: ሰፊሕ ሓበራዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ተጋሩን ኦሮሞን ካልኦት ኢትዮጵያውያንን፡ ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ፡ ኣይፋል ንኲናት እወ ንሰላም ኣብ ትሕቲ ዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ 7 ጥቅምቲ 2022 ይካየድ ኣሎ። A peaceful Demonstration in Washington DC, today on 07 October 2022, calling for Peace and condemning the War raging in Ethiopia region, Tigray.


A peaceful Demonstration in London, today on 07 October 2022, calling for Peace and condemning the War raging in Ethiopia region, Tigray.


ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ናይ ሰላም ጻውዒት፡ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝቐረቡ ጋዜጣዊ መግለጺታት ብኸፊል፡
Some Press-releases related to the above peace call.

ኲናት ደው ንክብል ብክታምና ንደግፍ!
Let's sign to stop the war!

ኣብ ኢትዮጲያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ንክብል ከምኡ`ውን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከብቅዕ፡ ዝቐረበ ናይ ክታም ምሕጽንታ ጻውዒት ንኹሉ ግዱስ፡
ካብ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣብ ዳያስፖራ፡ 04 October 2022።
An Appeal to stop the raging war in Ethiopia & humanitarian crisis in Eritrea and Ethiopia,
by Eritrean Women in Diaspora, 04 October 2022.


● Eritrean Organizations Co-sign Open Letter Condemning War on Tigray.

● ጋዜጣዊ መግጺ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን (o4 Sep 2022)።

● ብኹሉ ግንባራት ዝጀመረ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ተራ ኤርትራ’ኸ ከመይ እዩ ዘሎ? (ደሃይ ኤርትራ Dehay Eritrea: o5 Sep 2022)።

● Ethiopia civil war: Why fighting has resumed in Tigray and Amhara (BBC News 01 Sep 2022).

● PRESS RELEASE: Eritrean National Council for Democratic Change's Concerns on the Resumption and Expansion of the war in Northern Ethiopia, 06 Sep 2022.

● ኢድ ኣእታውነት ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣጥቢቅና ንኹንን! ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን (OEU), 24 Sep 2022

● ኤርትራዊ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ልፍንቲ፡ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብኩነታት ምዕባለታት ዞባና!! Eritrean National Democratic Coalition: ENDC Press Release 26 September 2022 Tig

● Global Yiakl:- ጋዜጣዊ መግለጺ ዓለምለኸ ይኣክል - ምትእትታው ህግደፍ ኣብ ትግራይ ኣትሪሩ ይኹንን!

● ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ቀኖናዊ ሃገረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ወጻኢ፡ መግለጺ መንበረ ጵጵስና። ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ መሪር ኲናት ንምኹናን ዚወጸ መግለጺ።

● Dehay Eritrea ደሃይ ኤርትራ፦ “ሰራዊት ኤርትራ፡ ሻምብቆ ብረቱ ናብ መላኺ እምበር፡ ኪኖ ዶባት ንወራር ከቕንዖ ኣይግባእን'ዩ?” ዶረ ኣሰፋው ተኸስተ።

● Fanus Network፦ "ካብዚ ኲናት መን ይረብሕ?" ሳልሕ ጋዲ ጆሃር።

● ERISAT:- ብቀጥታ ዝመሓላለፍ መደብ ምስ መራሕቲ ዓለም ለኸ ምንቅስቃስ ይኣክል ኣብ ህሉው ኩነታት።

● ንኹሉ ፖለቲካዊ ጸገም፣ ፖለቲካዊ ፍታሕ፥ እንኮ ምርጫ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን። ጻውዒት ሰላም፡ ብዝተፋላለያ ኤርትራውያን ውድባት/ማሕበራት። Open letter Call for peace, by group of Eritrean organisations (Sinit Eritrawyan, Eritrean Research Institute For Policy & Strategy - ERIPS, FAST-ERITREA, Eritrea Focus, United Eritreans For Justice.), 04 October 2022.


ሕጂ`ውን ኣይፋል ንዳግማይ ኲናት!
ዓለምለኻዊ ምንቅስቃስ ይኣክል


ATV 19 May 2022: እዋናዊ መልእኽቲ ወ/ሮ ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ ብዓታይ


ERISAT:ሓተታ ዶ ናይ ኩናት ኣዋጅ? | እዋናዊ ጉዳያት | Current Affairs


Tigray Tv: ልዕሊ ፅንተት ካሊእ ጫፍ ግፍዒ ክበፅሕ ከምዘይኽእል ኣባል ሴንትራል ኮማንድ ኣይተ ኣለም ገዋህድ ገሊፆም


ERI-TV:ሓድሽ ወተሃደራዊ ዕንደራ ወያነ – ስለምንታይ? ንምንታይ ዕላማ’ኸ? | ERi-TV, Eritrea - Editorial - ሓተታ




See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: