ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ብኸመይ ይግለጽ?

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

03/03/2021 15:35 PM

ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ብኸመይ ይግለጽ?

ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ሃይማነታዊ፡ ስነ ልቦናውን ፖለቲካውን ማህሰይቲ ህዝቢ ኤርትራ
The suffering of Eritrean people explained.
ብ`በርሀ ፍስሃየ

ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ብኸመይ ይግለጽ?

ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ብኸመይ ይግለጽ?
ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ሃይማነታዊ፡ ስነ ልቦናውን ፖለቲካውን ማህሰይቲ ህዝቢ ኤርትራ
The suffering of Eritrean people explained.
ብ`ኣቶ በርሀ ፍስሃየ

ቁጠባዊ ኩነታት

ሓደ ሕብረተሰብ፡ ብፍላይ ከኣ ከምዚ ናትና ናይ ኤርትራ ዝኣመሰለ፡ 80 ሚእታዊት ህዝብና ኣብ ሕርሻን መጓሰን ዝምርኮስ ብምዃኑ፡ ናብራኡ ናብራ ዓዃይ ኢዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ነፍሲወከፍ ስድራቤት፡ ንክትነብር፡ ናይ ሙሉኣት ኣባላት ስድራቤት ተሳትፎ ኣብ ማእቶታዊ ንጥፈታት ናይታ ስድራቤት ይሓትት። ክዉንነት ህዝቢ ኤርትራ እንተተመልከትና ግን፡ ነፍሲወከፍ ስድራቤት፡ ወላድ-መኻን ኮይና፡ ኩሎም ውሉዳታ ብሓይሊ ተመንጢሎም ኣብ ደረት ኣልቦ ጊልያነት ናይ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ስለዝተወስዱ፡ ነብሳ ኣብ ዘይትኽእለሉን ዘይትጥውረሉን ኩነታት ኢያ እትርከብ ዘላ። ኣብ ከተማታት ዘለዋ ስድራቤታት እውን ካብዚ ዝተፈልየ ዕድል የብለንን። ብሓፈሻ ህዝብና፡ ጽባሕ ንግሆ ንደቁ ዝዕንግለሉ ውሕስነት ዘይብሉ ኩነታት ካብ ዝነብር፡ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ነዚ ኩነታት ዚ ኣዝዩ ዘጋድድ ከኣ፡ እቲ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ 1998 ኣትሒዙ ዝተፈጥረ ኩናትን ድሕሪኡ ክሳብ ሕጂ ዝሰዓበ ናይ ኣይ ኩናትን ሰላምን ኩነታት ኢዩ። በዚ ዳሕረዋይ ኩነታት ኣዝዩ ዝተሃስየ ህዝቢ ድማ እቲ ኣብ ከባቢ ዶባት ዝርከብ ህዝብና ኢዩ።

ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ትግራይን (ኢትዮጵያ)፡ ዝነብር ህዝቢ፡ ብሰንኪ’ዚ ኣቢዪ ኣሕመድን ኢሳይያስን ዝኣጎዱዎ ኵናት ይበሳበስ ከምዘሎ፡ ዘይፈልጥ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። እዚ ህዝቢ`ዚ፡ ካብን ናብን ብዝትኮስ መሸንጎጋ መዳፍዕን ፈቐድኡ ብዝተቐብረ ፌንጅን፡ ነብሱን ጥሪቱን ኣብ ሓደጋ እዩ ተሳጢሑ ጸኒሑ።

መብዛሕትኡ ነባሪ እቲ ከባቢ ሓሪሱን ጥሪቱ ኣራቢሑን ዝነብር ሓረስታይ እዩ። ሓረስታይ ከኣ ዕዮኡ ከሰላስል እንተኾይኑ ሰላምን ምርግጋእን የድልዮ። ግን ክሳብ ሕጂ ሰላም ኣይረኸበን። ጥሪቱ ብፌንጂ ክሞታ፡ ክዝመታን ክጉድኣን፡ ብሕጽረት ማይን ሳዕርን ክሞታን ስለዝጸንሓ፡ መነባብሮኡ ተደቚሱ ኢዩ ጸኒሑ። ብዘይካ ፈጣሪ ረዳኢ ስለዘይብሉ ከኣ፡ ሰላም ክወርደሉ ለይትን ቀትርን[ ንፈጣሪ ኣንቃዕሪሩ ይልምን ኣሎ። እዚ ኣብ ዶባት ዝርከብ ህዝቢ፡ ንቡር ዋኒኑ ከይገብር ሰላሙ ተዘሪጉ ግዳይ ብርሰትን ጽንተትን ኮይኑ፡ ኣብ ከቢድ ድኽነትን ሽግርን ኢዮ ተሸሚሙ ድከቱ ዝሰቲ ዘሎ።

ከም ግቡእ፡ ነዚ ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ንመሕወይን መትከል እግርን ዝኸውን ሓገዝ ክወሃቦ ይግባእ ነይሩ። ይኹን`ምበር፡ ብስርዓት ህግደፍ፡ ይትረፍ`ዶ ክወሃቦስ ኣይሕሰብን’ውን። ብርግጽ፡ ሓገዝ መሰጋገርን መትከል እግርን እምበር፡ ከም ሓደ ቀዋሚ ናይ ናብራ ኣማራጺ ተገይሩ ክቐርብ`ውን ኣይክእልን ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ቀጻሊ ረድኤት፡ ንሓደ ህዝቢ ናይ ተጸባይነት መንፈስ (dependency syndrome) ብምምዕባል፡ ርእሱ ንኸይክእልን ፋሕተርተር ንኸይብልን ዝዕንቅፍ ምኽንያት ክኸውን ስለዝኽእል፡ ህዝቢ ኣብ ቀጻሊ ረድኤት ክነብር ኣለዎ ማለተይ ከምዘይኮነ፡ ኣንባቢ ክርደኣለይ እፈቱ። እቲ ህዝቢ ግን ኣብዚ እዋንዚ፡ ካብ ኩሉ ናይ ናብራ ዕድላቱን ጸጋታቱን ተነቒሉ ወይ ተኣጊዱ ስለዝርከብ፡ ካልእ ኣማራጺ የብሉን።

እዚ ኣብ ከባቢ ዶባት ኢትዮጵያ ዝነብር ህዝብና፡ ብርሃጹን ብድኻሙን ዘዕበዮም ደቁ ዝተመንጠለ፡ ፍርሰት መቦቀል ስድራ-ቤት ዝበጸሖ፡ ኣብቲ ዝተሓተ ደረጃ ድኽነት ናይ መነባብሮ ዝነብር፡ ካልእ ኣማራጺ ዘይብሉ ምዃኑ እናፈለጠ፡ ዓው ኢሉ ኣውያቱ ከስምዕ ዘይከኣለ፡ ርእሱ ኣድኒኑ ኽነብር ዝተገደደ፡ በቲ ኣጽናቲ ስርዓት ኣስመራ ዝተፈርዶ ህዝቢ ምዃኑ፡ ኩሉ ሕልና ዘለዎ ሰብ ብቐሊሉ ዝግንዘቦን ዝርደኦን ሓቂ ይመስለኒ።

እዚ ህዝቢ፡ ካብ`ቲ ካልእ ሓዉ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልዮ ነገር እንተሎ፡ ሕጂ፡ ኣብ ናይ ኲናት ዞባን እሞ ድማ ንክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ስግኣታት ሰርቢ ኲናት ዝነብርን፡ ስሩዕ ማሕበራዊ ኣነባብራ ዘይብሉ ሃለዋት ብምዃኑ ጥራሕ እንተ ዘይኮይኑ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘሓልፎ ዘሎ መከራን ስቓይን`ውን ጎሲኻዮ ዝሕለፍ ኣይኮነን።

ኣብ`ዚ ብዙሕ ሰብ ኣብ ግምት ዘየእትዎ፡ ኣብዚ ወተሃደራዊ ግጭት ዝበዝሖ ከባቢ ዝነብር ህዝብና፡ ዝበጽሖን ዘጋጥሞን ዝነበረን ዘሎን ካልእ ቁጠባዊ ጸገም እንተሎ፡ ሃብትን ጥሪትን ናይቲ ከባቢ፡ ከም ገለ ኢለን ናብ ትግራይን መሬት ዓፋርን (ኢትዮጵያ)፡ ማይ ንምስታይ ወይ ንመጋሃጫ እንተሰጊረን፡ ብእኡ ኣቢለን ዝሽረባ ምዃነን እዩ። ብተወሳኺ፡ ብዝተቐብረ ፈንጂ ዝልሓሳ`ውን ውሑዳት ኣይኮናን። ከምኡ ስለ ዝኾነ፡ እዚ ህዝቢ`ዚ ካልእ ኣማራጺ ዘይብሉን ወትሩ ንዓቢ ሓደጋ ዝተቓለዐን እዩ።

ወዮ ጥሪቱ ዝሰኣነ ሓረስታይ ከብቱ ንምንዳይ ዶብ ምስ ዝሰግር፡ በቲ ኣብ`ቲ ከባቢ ዘሎ ምሕደራታት፡ ተሓታትን ተጠርጣርን ስለ ዝገብሮ፡ መዘዙ ነተን ስድራቤታት ዝገደደን ናብ ሓደጋ ዘውድቐንን ስለ ዝኾነ፡ ክደፍርኦ እውን ኣይመርጻን። እቲ መንግስቲ`ውን፡ ህዝቢ ናብቲ ከባቢ ዶብ ኣቢሉ ንከይንቀሳቐስ ዝወስዶ ስጉምቲ ስለዘሎ፡ ህዝቢ ወትሩ ኣብ ስግኣት ኢዩ ዝነብር። እቲ ህዝቢ ወትሩ ከሲሩ ይተርፍ። ዝጥብሮን ካሕሳ ዝህቦን መንግስቲ የብሉን። ብኣንጻሩ እኳደኣ፡ ነቲ ናይ ዓይኒ ጸገም ዘለዎ ሰብ እውን እንተኾነ፡ ተጊህካ ጥሪትካ ብግቡእ ክትጓሲ ነይሩካ ተባሂሉ፡ በቲ ናትና ዝበሃል መንግስቲ ይውቀስ። ከም`ዚ ስለ ዝኾነ፡ ሓረስቶት እቲ ከባቢ፡ ምስ ወያነ ተራኺብኩም ተባሂሎም ምእንቲ ከይጥርጠሩ፡ ምጥፋእ ጥሪቶም ብካልእ ሰብ ክስማዕን ክውረየሎምን ኣይደልዩን። እቲ ናይ ናብራ ስቓይ ኣብ ውሽጦም ይተርፍ ማለት`ዩ።

እቲ ካብ 1998 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳዕ 2000 ዓ/ም ዝተኻየደ ኩናት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ብድሕሪ እቲ ኣእላፋት መንእሰያት ዝበልዐን ዘሰንከለን ኩናት፡ ክጠፍእ ዝጸንሐ ንብረት ገዛውቲን ሃብቲ እንስሳታትን፡ ብቑጽሪ ሓቲትካ፡ ምምዝጋብ ይከኣል ነይሩ ኢዩ። እንተኾነ ግን እዚ እይተገብረን። ሕጂ`ውን ዝግበር ዘሎ ኣይመስለንን። ስለምንታይ? መን`ዩ ኸ ተሓታቲ?

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብቅዋምን (Constitution) ብሕጊን ስለ ዘይግዛእን፡ ንጥቕሚ ህዝቢ ተባሂሉ፡ ንብረትን ሃብትን ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ ዘኽብር፡ ኣብ ኩናት ዝጠፍአ ንብረትን ሃብትን ህዝቢ ናይ ምምላስ ሓላፍነት ዝስምዖ መንግስቲ ኣይኮነን። `መሬት ናይ መንግስቲ`ዩ` ዝብል ሕጋዊ ባይቶ ዘይደንገጎ፡ ናይ ምልኪ መምርሒ፡ ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ፡- ንብረት ናይ ምውናንን ምፍራይን፡ ናይ ዘጥረዮ ሃብቲ ተጠቃማይ ናይ ምዃንን፡ ዝሕሉን ዘረጋግጽን መባእታዊ መሰል ደቂ-ሰባት፡ ኣብ ኤርትራ የለን። ብርግጽ፡ ካሕሳ ይግበኣኒ እዩ ኢሉ ሓደ ውልቀ ሰብ`ውን ክሓትትን ክከራኸርን ዘኽእል ሕጋዊ-መሰል የብሉን። ብሕታዊያን ኣውፈርቲ ብውልቆም ኮነ ብጉጅለ፡ ውሕስነቱ ዘረጋገጸ ዋኒን ክተኽሉ ዝፈተኑ፡ ብሰንኪ`ቲ ምልካዊን ገባቲን ስርዓት፡ ኣደዳ ክሳራ ኮይኖም፡ ካብ ሃገሮም ሃጽ ኢሎም፡ ኣብ ሃገራት እንዳማቶም ከውፍሩ ተገዲዶም። ዜጋታትና፡ ኣብ ውልቃዊ ዓቕሞም ተመርኲሶም ንዝገብርዎ ወፍሪ፡ ፍልጠቶም፡ ጉልበቶምን ጻዕሮምን ኣፍሲሶም ተበግሶታት ክወስዱሉ ዝኽእሉ ዕድላት እውን ኣዝዩ ጸቢብን ዘይውሑስን ኢዩ።

ብተማሳሳሊ፡ ንህዝቢ ጠቕሚ ተባሂሉ ምስ መሬት ዝተተሓሓዘ፡ ምሕደራ፡ ኣጠቓቕማ ዝምልከት፡ ጒዳይ ዋንነት ምሃብን ምኽልካልን ዝምልከት፡ ብድፍኑ መሬት ናይ መንግስቲ`ዩ ስለ ዝተባህለ፡ ሓደ ውልቀ ሰብ ኣብ ገጠር ዝገበሮ ምምሕያሽን ኣብኡ ዘፍረዮም ጸጋታትን ኣብ ግምት ከይኣተወ፡ ከምቲ ዘጋጠመን ሕጂ ዝግበር ዘሎን ሃንደበታዊ ኣዕናዊ ኩናት፡ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከራትን መዓላታትን ካልእ መንግስቲ ዝደለዮ መዓላን ንግዲን ዕደናን ወዘተ ተባሂሉ፡ ካብ ህዝቢ ተመንጢሉ ዝውሰድ ጸጋታት ውሑድ ኣይኮነን። ነቲ በዚ ዝተሃስየ ህዝቢ፡ ተመጣጣኒ ካሕሳ ከውህብ ዘኽእል ሕጊ ኣብ ገጠራት ይኹን ኣብ ከተማታት ከኣ የሎን። ብሓፈሻ፡ ጠቕሊሉ ኣብ ምሉእ ሃገር ንንብረትን መሬትን ዜጋታት ከውሕስ ዝኽእል፡ ሕጋዊ ስርዓት የሎን።

ኣብ’ዚ፡ ናይ ኲናት ከባቢ፡ መሬት ናይ ብዙሓት ሓረስቶት፡ ከምኡ`ውን ሕብረተ ሰብ ብሓባር ዝጥቀመሎም ዝነበረ ናይ ልምዓት መገሃጫ መሬት፡ መዓስከራትን ድፋዕን ስለ ዝተሰርሐ፡ ካብኡ ዝተፋናቐሉ ምስ መሬት ዝተተሓሓዘ መነበባብሮ ዘለዎም ኣካል ሕብረተ-ሰብ፡ ብመጠኑ ካሕሳን መትከል እግርን ክወሃቦም ይግባእ ነይሩ። እንተኾነ፡ ኣውያቶም ዝሰምዕ መንግስቲ ግን ኣይረኸቡን፡ እኳደኣ `ኣብ ልዕሊ ዘላታ ተወሰኸታ` ንግዱድ ውትህድርና ብኣልማማ ይግፈፉ። ኣብዚ እዋን`ዚ ኸኣ ኣብ ዘይምልከቶምን ዘይጉዳዮምን ኩናት ኢትዮጵያ (ትግራይ) ኣእትዩ መዝሓሊ ዓረርን ኣደዳ መቕዘፍቲን ይገብሮም ኣሎ።

ወተሃደራዊ ካምፕን ድፋዕን ዝምረጽ ብምኒስትሪ ምክልኻል ስለ ዝኾነ፡ እዚ መሰረት ብምግባር፡ ብሓፈሻ ልሙዕ ናይ ዝብላዕ ሳዕሪ ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሮም የእትውዎ። እዚ ከባቢታት እዚ ድማ ናይ መንግስቲ ስለ ዝብሃል፡ ካሕሳ ነቶም ነበርቲ ንምሃብ ኣይሕሰብን። ድፋዕን ወተሃደራዊ ካምፕን ንምስራሕ ኣገደስቲ ዝኾኑ፡ ባህርያዊ ሃብቲ፡ ከም ዶንጎላታት፡ ዓበይቲ ኣግራብ፡ ሑጻ፡ ማይ ከምኡ`ውን ካልኦት ኣገደስቲ ሃብቲ፡ ነቲ ህዝቢ ከይተወከሱ ድላዮም ይገብርዎም። ንብረት፡ ኣብ`ዚ ከባቢታት ዝነብር ህዝቢ ምዃኑን ካሕሳ ከምዝግቦኦምን ፈጺሞም ኣብግምት ኣየእትውዎን። ብተወሳኺ፡ ሰራዊት በብግዜኡ ዝገብሮዎ ወተሃደራዊ ልምምዳት ናይ ታንክታት ቶኽስን ናይ ዓበይቲ መካይን ኣራግጽን፡ ኣብ ልዕሊ`ቲ ቈልዓ ሰበይቲ ዝፈጥሮን ዘስዕቦን ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ሓልዮት ዝገብር ስርዓት የሎን።

ብቀንዱ፡ እዚ ኣብ ዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሕጂ ድማ ኣብ ትግራይ፡ ዘሎ ወተሃደራዊ ኩናትን ዕንደራን ነቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ዝነብር ህዝብና፡ ክሳዕ ክንደይ ክፉእ፡ ቁጠባዊ ድኽነትን ምምዝባልን ኣስዒብሉ ከምዘሎ ንምግማቱ እምበኣር ዝጽግም ኣይኮነን። ካብ መጋቢት 2020 ኣትሒዙ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ሕማም ኮሮና ተባሂሉ፡ ኣብ ገዝኡ ተዓጽዩ፡ ካብ ናብ ዓድታት ምንቅስቓሱ ተኣጊዱ፡ ብዘይ ዝኾነ ኣምሳያ ደገፍ ክነብር ስለዝተኣዘዘ፡ ተወሳኺ ናይ ናብራ ኣደራዕ ኮይኑዎ ይርከብ ኣሎ። ብሓፈሻ፡ ኣብ ኤርትራ ልምዓት ዝበሃል ስለ ዝቦኸረ፡ መላእ ህዝቢ ኣብ ዓቢ ሽግር ይርከብ። ብሃገር ደረጃ፡ ንኤርትራ ኣብ ግዜ ደርግን መንግስቲ ኢሳያስን ኣብ ሕርሻዊ ማእቶት ክነጻጸር እንከሎ፡ እቲ ውጽኢት፡ ኣብዚ ግዜ`ዚ ድኽነት ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ሱር ሰዲዱ ኣብ`ቲ ዝዓሞቐ መድረኽ ወዲቑ ከምዘሎ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ስታቲስቲክስ መረዳእታታት ክንበብ ይከኣል።

ኣብ መጀመርያ 1990ታት፡ ኤርትራ ከም ሲንጋፖር`ዶ ከም ጀርመን ክንገብራ ኢና እናተባህለ፡ ብእሙናት ካድራት ስርዓት ህግደፍ፡ ለይትን ቀትርን ዝወሃበና ዝነበረ ናይ ተስፋ ቃላት፡ ኩሉ ብሂወት ዘሎ ሰብ ዝዝክሮ ይመስለኒ። እንተኾነ ግን፡ ጀርመን ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ጠሪሹ ጠፊኡን ተደምሲሱን ንዝነበረ ሃገራዊ ሃብትን ቁጠባን፡ ብብርቱዕ ስራሕን ጻዕርን፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት ኢዮም ንንዓዶም፡ ተሃራፊት ሃገር ከም ኣትኸውን ጌሮም ከም ሓድሽ ሃኒጾማ። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ጀርመን፡ ዋላ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊን ትካላዊ-ትሕተ-ቅርጺን (social, economic and institutional infrastructure) ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ጨሪሹ ይደምሰስ እምበር፡ ትምህርትን ምሁርን ዘኽብር፡ ረብሓን ጠቕምን ፍልጠት ዘድንቕ፡ ምሁርን ፈታው-ትምህርቲን ዝኾነ ፖሊሲ ዝኽተል መንግስቲ ስለ ዝነበረ ኢዩ እዚ ክኸውን ዝተኻእለ። ብትምህርቲ ዝማዕበለ ሕብረተ ሰብ እንተኾይኑ፡ ንብረቱን ሃብቱን ዘሚትካዮን ኣዕኒኻዮን እውን፡ ንድሕሪት ክምለስ ኣይክእልን ኢዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢዩ ኸኣ ከም`ዚ ዝበለ ምስትንክር ስራሕ ኣብ ሃገረ-ጀርመን ዝተራእየ።

ኤርትራ ሃገርና፡ ተምሳሌት ጀርመንን ሲንጋፑርን ኣብ ናይ ኣፍሪቃ ክትከውን ዓቢ ተስፋ ተነቢሩላ ዝነበረት ሃገር እያ። እቲ ዘሕዝን ግን፡ ብሰንኪ`ቲ ንኤርትራ ንበይኑ ተቛጻጺሩ ዘመሓድራ ኢሳያስ ኣፈወርቂን፡ እቲ ናይ ኩልና ተስፋታት፡ ሽታ ማይ ኮይኑ፡ ተስፋና በኒኑ ከም ቆጽሊ ሓሪሩ። ሃገርና እቲ ህንጸት`ስ ይትረፍ፡ እቲ ዝጸንሓ እውን ዓንዩ ገረውረው ኢላ ተሪፋ። ሕጂ ድማ፡ ኣብ ጎረቤትና ሃገር ዝነበረ ልምዓታዊ ህንጸት፡ ስርዓት ህግደፍ የዕንዎ ኣሎ ተባሂሉ ክኽሰስ ክንሰምዕ ከሎና፡ ዘስደምም ኢዩ። ኣብዚ ጥፍኣት`ዚ ብግዲ ተኣዚዙ ዝሃልቕ መንእሰይና ምዃኑ፡ እቲ ንዕስራ ዓመታት ዝኣክል ብጽልኢ ኣንጻር ሕወሓት ወይ ትግራይ ኣእሙሮኡ ብናይ ህግደፍ ፕሮፓጋንዳ ክሕጸብን ክቃነን ዝጸንሐ መንእሰይ፡ ግዳይ ይኸውን ከምዘሎ ምስትውዓል ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።

ኤርትራ፡ ዓዱ ዝፈቱ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ባህልን ልምድን ዘለዎ፡ ብስነ-ምግባሩ ዘመስከረ፡ ጭዋ ህዝቢ ዝነበራ ሃገር ኢያ። ይኹን’ምበር፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ንዕኡ ዝመስሉ ውሑዳት ሰዓብቱ ህግደፋውያንን፡ ንተምሳሌት ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ስጡም ሓድነትን ምርድዳእን፡ ትምህርቲን ጥዕናን ምስፋሕፋሕ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ማእከል ፖለቲካ ክንዲ ዝኸውን፡ ተጻባኢ ሜላታት ክኽተሉ ኢዮም ጸኒሒም። ኤርትራዊ ምሁር እናባረሩ እናደሃሉን እናደስከሉን፡ ኣብ ዓሌትነት፡ ኣውራጃነትን ሃይማኖታዊ ምክፍፋልን ዝተሰረተ ጽልኢን ቂምን፡ እና`ባልሑ፡ ምፍንቓል መንእሰይ፡ ዕንወት መበቆል ስድራ ቤትን (Nuclear Family disintegration) ድንቁርናን ዝሕመረቱ ፖለቲካዊ ማእከል ሜላ ተኸቲሎም ይሰርሕሉ ኣለዉ። ኣብ’ዘን ዝሓለፉ 30 ዓመታት ጥራሕ`ኳ፡ ኣድላይነትን እዋናውነትን ናይ ፍትሒን ሕግን፡ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ምዕባለ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ዘይናቱን ዘይምልከቶን፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ወለዶ ብዘለዎ ደረት ኣልቦ ንዕቀት፡ እቲ መንእሰይና፡ ሓሳቡን ስሚዒቱን ዝገልጸሉ፡ ነንሓድሕዱ ዝመሃሃረሉ ዕድል ንኸይረክብ ዓጊቱዎ ይርከብ። ክንዮ`ዚ ድማ ዘዝተወለደ ኤርትራዊ ኣብ ውግእ እናኣእተወ፡ እቲ ንቡር ናይ ሕብረተሰብ ቀጻልነት ዘውሕስ ናይ መጠን ወሊድ (reproduction rate) ናይ ህዝብና ከምዘንቆልቁል ገይሩዎ ይርከብ። ዋሕዚ ናይ ካብ ሃገሩ ነፊጹ ዝስደድ ዘሎ መንእሰይናን፡ ኣብ ፈቐዶ ድፋዓት ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ጸሓይን ንፋስን ጭንቀትን ተዳጒኑ፡ ሓዳር ክገብር ዘይከኣለ መንእሰይናን፡ ነቲ ኣብ ህዝብና ክኸውን ዝነበሮ መጠን ውሊድ፡ ኣዝዩ ሃስዩዎ ኢዩ። ጎረባብትና ህዝብታት ግን ብቁጽሪ እናተዓጻጸፉ ኢዮም ክመጹ ተራእዮም፡ ንኣብነት ኢትዮጵያ።

ልዕሊ ሓደ ሚልዮን፡ መንእሰይ ዝዓብለሎ ህዝብና ኩነታት መሪሩዎ ሃጽ ኢሉ ኣብ ፈቐዶ ስደት ተበታቲኑ ክነብር ተገዲዱ ኣሎ። ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዓሳታት ከምዝብላዕ፡ ናውቲ ኣካላቱ ከም ዝዝመት፡ ነዚ ሰጊሩ ዑቕባ ዝረኸበ መንእሰይ`ውን፡ ካብ ዝወረዶ ናይ ኣእሙሮ በሰላ ዝነቐለ፡ ኣደዳ ወልፍታት ከምዝጽመድ ኮይኑ፡ ክሳብ ናብ ነብሰ-ቅትለት ዝበጽሑ ውን ብዙሓት ኢዮም። እዚ ዓቢ ሕብረተ-ሰባዊ ጸገም ኣብ ዲኣስፖራ ኤርትራዊያን ኮይኑ ኣሎ።

ብቐንዱ፡ ጸረ ሃገራዊ ሰላም፡ ርግኣትን ልምዓትን ዝኾኑ ክፉኣት መሰረታዊ ፖለቲካዊ ስልትታት ናይዚ ምልካዊ ስርዓት ንሃገርና ናብ ኣዝዩ ለጠቕ ዝበለ ደረጃ ዓለማዊ መለክዒ ምዕባለ ሃገራት፡ ኣውሪዱዋ ይርከብ። ድሕሪ ውድቀት መግዛእታዊ ስርዓት ደርጊ (ኢትዮጵያ)፡ ሃገርና ምስ ማዕረኣ ዝነበራ ሃገራት ሕጂ ክትነጻጸር ከላ፡ ካብቲ ዝነበረቶ ኣዝያ ንታሕቲ ኣንቆልቂላ ከምዘላ ኢዩ ዝግምገም። ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ሓደ ካብቲ መባእታዊ ንቡር ናይ መንግስታዊ ቅጥዒ ዝኾነ ባጀታዊ መዐቀኒ ዘይብላ፡ ንጹር ቆጸራ-ህዝቢ (census)፡ ብዛዕባ መለለዪታት ምዕባለ (Development indicators) ኣልዒልካ፡ ገምጋም ክትገብረላ ዘይከኣል ሃገር ኢያ ዘላትና።

ናጻነት ኤርትራ ምስኮነ፡ ግድባትን ሓጽብታትን ምስራሕ፡ ከም ዕላማ ተወሲዱ ነይሩ። ናይ`ዚ ቀንዲ ዕላማ ከኣ ናይ ህዝቢ ጽምኢ ማይ ምርዋይን፡ መስኖኣዊ-ሕርሻዊ ልምዓታት ንምዕባይን፡ ዝዓለመ ቅርዑይ ሓሳብ ከምዝነበረ ዘጣራጥር ኣይኮነን። እንተኾነ ግን፡ ዘራግ ማይ እንከሎ ጹሩይ ማይ ኣይስተን ከምዝበሃል፡ ኣንፈት ቁጠባዊ ልምዓት ኤርትራ ብጊሓቱ ኮሊፉ፡ ፍሬኖ ከምዝተበጠሳ ማኪና ገይሩ፡ ናብ ዓሚቕ ጸድፊ ብምእታው፡ ሂወት ከምተጥፍእ ዝገበረ፡ ምልካዊ ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ እዩ። ንኣብነት፥ እተን ብመንግስቲ ጥልያን ተተኺለን ብሃይለስላሰ ኣቢለን ግዜ ደርጊ ሓሊፈን ኣብ ኢድ መንግስቲ ህግደፍ ዝበጽሓ ኣገደስቲ ትካላት ኤርትራ፡ ንዘበናት መነባብሮ ብዙሓት ኤረትራውያን ዘመሓየሻን ንመጻኢ ወለዶታት ህዝቢ ኤርትራ መንቋሕቋሕታ ናይ ምዕባለ ኢንዱስትሪ ዘርኣያን፡ ኣሪገን ኢየን ብዝብል ምስምስ፡ ኣብ ክንደአን ሓደስቲ ትካላት ክንሃንጽ ኢና ብምባል፡ ንኹለን ከምዝሞታ ገይሮመን። መንቋሕቋሕታ ዝነበሮ ሰራሕተኛአን፡ ተካኢ ወለዶ ህዝቢ ኤርትራን ወራሲ ጥበብን ክኸውን ዝግብኦ መንእሰይናን፡ ፋሕ ፋሕ ኢሉ ጠፊኡን ተሰዲዱን። ዝተረፈ ኣብ በረኻታት ኣብ መጨረሻ ዘይብሉ ወፍሪ ባርነት ተሸሚሙ ይርከብ።

ሓደ ዝገርም ንገር፡ ዲክታቶር ኢሳያስ ዝሓለፈ ዓመት ማለት ዕለት 08/02/2020 ዝሃቦ ናይ ውሽጢ ዓዲ ቃለ መሕትት፡ ( Part-1/2Part-2/2፡ ) ከይሓፈረ ኤርትራ ዋላ ሓንቲ መሰረተ ኤኮኖሚ ከምዘይብላን ጥራሓ ምዃናን ገሊጹ ነይሩ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ሕጂ`ውን ብዕለት 17/02/2021 ዝሃቦ ቃለ-መሕተት ( Part-1/3Part-2/3Part-3/3፡ ) መሊሱ ደጊምዎ ኣሎ። ኣብዚ ቃለ መሕተት`ዚ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ዘቤታዊ ጉዳይና፡ ኣብ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣተኲሩ ኢዩ ተዛሪቡ። ናይ ኢትዮጵያ ምርግጋእን ጸገማትን፡ ዝያዳ ዓጢጡዎ ነይቱ። ንኤርትራ ዳርጋ ዕንውቲን ዓቕሚ ከምዘይብላን ብምግላጽ፡ ንኢትዮጵያ ከም ኣዝያ ወሳኒትና ኣገዳሲትን ሃገር ገይሩ ክገልጸልና ሰሚዕናዮ። ኩሉ ዘረብኡ፡ ከም እንደራሴ (ወኪል) ድልየታት ኢትዮጵያን ካልኦት ለኣኽቱን ምዃኑ የስምዕ። እዚ ዘረባ`ዚ ምስ ዶ/ር ኣቢይ ዘካይዶ ዘሎ ሽርክነትን ሸኾርተትን፡ ምሉእ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ምትሕብባር ወይ ምውህሃድ (economic and social integration) ምስ ትምክሕተኛታትን ኣስፋሕፋሕትን ንምትግባር ዝዕላምኡ፡ ምናልባሽ ኤርትራ ነብሳ ከምዘይትኽእል ነቲ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቁጽጽሩ ዝነብር ህዝብና ኣእሚኑን ኣገዲዱን፡ ምስ ኢትዮጵያ ብገለ መልክዕ ከጣብቓ ደኾን ሓሲቡ ይኸውን? ዝብል ጠርጠራ፡ ከም ናይ ብዙሓት ሃገራዊያን ኤርትራዊያን ስግኣት፡ ኣብ ሓንጎለይ ቅጅል ይብለኒ ኢዩ። ኣንጻር መግዛእቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ን30 ዓመታት ናይ ኣማኢታት ኣሽሓት ደቂ ኤርትራ መስዋእቲን ክቡር ዋጋን ዝተኸፍለላ ሃገርና፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓደጋን ኣጠራጣሪ ኩነታትን ምውዳቓ፡ ኣዝዩ ዘሕዝን ኢዩ።

ማሕበራዊ ኩነታት

ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት እንተ ርኢና፡ ኣብ`ቲ ዝሓለፈ ናይ ሰለስተ ዓመታት ኣዕናዊ ውግእ ብዙሓት ናይ ጥዕና፡ ጸዓት፡ ተለፎን፡ ሕርሻ ትካላት፡ ቤት ትምህርቲን መንገድታትን ካለኦት ኣገደስቲ ትካላትን ገና ብዕሸሎም ፈጺሞም ዓንዮም ከምዘይነበሩ ኮይኖም። ብሓፈሻ እዚ ከባቢ ኣብ ግዜ ዕጥቃዊ ቃልሲ ይኹን ቅድሚኡ ዝነበረ ዘመናት ዝተጎድአን ቁጠባዊ ልምዓት ዝተሓረሞን ብምዃኑ፡ ሕጂ ንዝኸፍአ ጸገምን ሽግርን ኣቃሊዕዎ ይርከብ። ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ኩናት ይኹን ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ዕስራ ዓመታት ዝሑል ኩናት፡ ፈጺሙ ዝረአ ወይ ትርጉም ዘለዎ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ኣይተራእየን። እንተልዮም`ውን ብስእነት ጸጥታን-ሰላም ምኽንያት፡ ኣብ መፈንጠራታት ዝኣተውን ዕርቃኖም ዝወጹን እዮም።

ካልእ ሽግር ናይ`ዚ ህዝቢ፡ ኣብ`ቲ ከባቢ ዝምደቡ ናይ ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ማይ፡ ኤለክትሪክ፡ ተሌፎን፡ ሕርሻን ካልኦት ሰብ ሞያን፡ ብቕዓቶምን ልምዶምን ትሑት ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ህዝቢ ዝህብዎ ኣገልግሎት ኣዝዩ ዝተደረተ`ዩ ክበሃል ዝከኣል። ኣብቲ ከባቢ ዶባት ዝወሃብ ኣገልግሎታት፡ ብቀንዱ ጸጥታን ውሕስነትን ስለ ዘየሎ ኣዝዩ ክጽሎ ይኽእል ኢዩ። ሞያዊ ብቕዓት ዘለዎም ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ኣብ ከም`ዚ ዝኣመሰለ ጸጥታ ዘይብሉ፡ ውሕስና ሂወቶም ዘይሕለወሉ ከባቢ ከይዶም ንኽሰርሑ ፍቓደኛታት ኣይመስለንን። መንግስቲ ናይ ህዝቢ ጸገምን ሽግርን ክፈትሕ ድልየትን ቁሩብነትን እንተዝህልዎ፡ ምስ ኩነታት ዝመጣጠን ፖሊሲ ኣውጺኡ፡ ኣብ ከም`ዚ ዝኣመሰለ ከባቢ ዝምደቡ ኪኢላታት ሰራሕተኛታት፡ ዝተፈልየ ትኹረት፡ መበራታትዕን ድጋፍን ክህብ ምተገበአ። ግን ከምኡ ዝገብር መንግስቲ የብልናን።

ኣብ ከባቢ ዶባት (ሸነኽ ዶብ ኢትዮጵያ) ዝነበሩ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ዳርጋ ምሉእ ብምሉኡ ብኲናት ምኽንያት ዓንዮምን ተደምሲሶምን እዮም። ንኣብነት፥ መንገድታትን ጽርግያታትን እንተ ሪኢና፡ ወረዳ ምስ ወረዳ፡ ዓዲ ምስ ዓዲ ዘራኽብ ሓደስቲ መንገድታትን ጽርግያታትን ኣይተሰርሑን። ቅድሚ ወተሃደራዊ ግጭት ዝነበሩ ውሑዳት ድማ ተዃዓዒቶም ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ኮይኖም። ንዕስራ ዓመታት ኣብ ውሽጢ ናይ ውግእ ዞባ ዝጸንሐ ህዝብና፡ ናይ መጓዓዚያ ኣገልግሎት ዘይብሉ፡ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ንኽነብር ዝተገደደ ህዝቢ እዩ። እዚ ህዝቢ`ዚ፡ ካብ`ቲ ስእነት ሰላም ዝፈጥረሉ ከቢድ ናይ ሂወት ፈተና ብተወሳኺ፡ ብቁጠባ ኣጸቢቑ ዝተሃስየን ዝተዳቐቐን፡ ሂወቱ ኣብ ሞንጎ ምንባርን ዘይምንባርን ዝተቐርቀረት እያ። ብሰንኪ ዘይጽፉፍ ስርዓተ ምሕደራ፡ ናብርኡ ምስ ኣባላት ሰራዊትን ብቶኽስን ሽቚረራን ዝተዓብለለ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዘይብሉ፡ ንጽህና ዝጎደሎ ኣነባብራ እዩ ዝነብር ዘሎ።

ኣብ ከባቢ ውግእን ወረ ውግእን ዝተወልደን ዝዓቢን ሕብረተሰብ፡ ኣብ ከባቢኡ ወተሃደራዊ ካምፕን ድፋዕን ክሳዕ ዝኾነ፡ ሰላም ዘይብሉ፡ ንሕብረተ ሰብ ከኣ ሕማቕ ተጽዕኖ ኢዩ ዝፈጥር። ሕጻናትን ቆልዑትን ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ቀለማዊ ትምህርቲ፡ ብዛዕባ ናይ ሰራዊት ኣሃዱታት፡ ዓይነታት ዕጥቅን ኣጽዋርን፡ ወታደራዊ መካይንን ኣልባሳት (ዩኒፎርምታት)ን ወዘተ ኣብ ሓንጎሎም ኣእትዮም ስለ ዝዓብዩ፡ ኣይ ንዓዲ ኣይ ንዓውዲ ብምዃን፡ መጻኢኦም ጸልሚቱ ከንቶ ኮይኖም ይዓብዩ። ትምህርትን ምሁርን ዘናሹ፡ ረብሓን ጥቕምን ፍልጠት ዘቆናጽብ፡ ጸረ-ትምህርቲ ዝኾነ ፖሊሲ ዝኽተል መንግስቲ፡ ድኹምን ክብረት ዘይብሉ ኣመራርሓ ስርዓተ-ትምህርቶምን፡ እንታይ ዓይነት ዜጋ ከም ዝምልምል ንምግማቱ ኣየጸግምን። ብትምህርቲ፡ ሳይንስ፡ ቴክኖሎጂ ተወዳዳሪ ምዃን፡ ናይ ምርጫ ጉዳይ ኣይኮነን፤ ናይ ህልውና ሕቶ ኢዩ። ትምህርቲ ዘይብሉ ሕብረተ ሰብ ከኣ፡ ንመጻኢ ወለዶ ዓቢ ሓደጋ ክኸውን ከምዝኽእል፡ ምግንዛብ ኣድላዪ ኢዩ።

ሃይማኖታዊ ኩነታት

እዚ ስርዓት`ዚ፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ኩነታት እውን እንተኾነ፡ ኣብ ሪፈረንዶም ኣይነድምጽን፡ ሃይማኖትና ኣየፍቅደልናን ንዝበሉ ተኸተልቲ ሃይማኖት ጆሆቫን ዜጋታት ኤርትራን፡ ዋላ`ኳ ምድማጽን ዘይምድማጽን ፡መሰረታዊ ዲሞክራሲያዊ መሰል ደቂ ሰባት ምዃኑ ፍሉጥ እንተኾነ፡ ንደረጃ ንቕሓት ሕብረተሰብ መዝሚዙን፣ ንንቑሓት፡ ምሁራትን ኣፈራሪሑን ድሂሉን፡ መሰል ዜግነት ጥሒሱ፡ ካብ ስርሖምን መነባብሮኦምን ከምዝመዛበሉ፡ ኣብ መጨረሻ`ውን ዝፈትውዋ ሃገሮም ለቒቖም ከምዝስደዱ ተገይሩ። ስዒቡ`ውን ብስም `ሓሙሻይ መስርዕ` ብዝብል ስም፡ ብዙሓት ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ከምዝጥቅዑን ከምዝብህርሩን፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ተጠርጠርቲ ኮይኖም ከምዝርኣዩ ተገይሩ። ኣብ ኣምንቲ ክርስትና ሃይማኖትን እውን እንተኾነ ክሳዕ ሕጂ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ፡ ማእሰርቲን ምፍርራሕን ጠጦው ኣይበለን። ስዒቡ`ውን ኣብ ሞንጎ እስልምናን ክርስትያንን ንምትፍናን ዝተጠቕመሉ ሜላ ምንባሩ ኩልና ዝተዓዘብናዮ ኢዩ። ንኣብነት፡ ናይ ወዲ ዓሊን ብጾቱን ምንቅስቓስ፡ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣኽሪያ (ኣቦና ሓጂ ሙሳ ጻውዒት)፡ ከም ናይ እስልምና ወይ ናይ ጀበርቲ ምንቅስቓስ ጌርካ ክጉስጎሰሉ ተዓዚብና ኢና። ኩሉ`ዚ፡ ርኹስ ፈላላዪ ሜላታት ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ኢዩ።

ብኣጠቓላሊ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ናይ እምነት ናጽነት የለን። ብሰንኪ እምነቶም (ካብ ኩሉ እምነታት) ተወሲዶም፡ ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ኤርትራዊያን ዜጋታት፡ ኣዝዮም ብዙሓት ኢዮም።

ስነ-ልቦናዊ (ስነ ኣእምራዊ) ኩነታት

ኩናት ኣብ ዜጋታት ሓንቲ ሃገር ከስዕቦ ዝኽእል ብዙሕ ገጻት`ኳ እንተሃለዎ፡ ሓንቲ ካብ ብዙሕ ግን መንፈሳዊ ማህሰይቲ ወይ ቁስሊ፡ `ትራውማ (Trauma)` ክትበሃል ትኽእል እያ። እዛ ትራውማ እትበሃል ቃል፡ ካብ ቋንቋ ግሪኽ ዝመጸት ኮይና፡ ናይ ስነ-ልቦና ስምብራት ወይ ማህሰይቲ ዝብል ጽንሰ ሓሳብ ዘሓዘት ቃል እያ። ትራውማ፡ ብኢድ ዘይድህሰስ፡ ብዓይኒ ዘይረአ ኣእምራዊ ማህሰይቲ ማለት እዩ። ስነ-ኣእምራዊ ማህሰይቲ ኣብ ሓጺር ወይ ኣብ ሓደ ግዜ ብዘጋጥም ሓደገኛ ተርእዮ ምኽንያት ክጅምር ይኽእል። ኣብ ገለ ሰባት ተደጋጋሚ ከም`ዚ ዝኣመሰለ ጉድኣት እንተበጺሑዎም፡ በቲ ኣብ ቅድመኦም ዝፍጠር ሓደጋ፡ ስሚዒቶም ይጉዳእ`ሞ፡ እቲ ስነ-ኣእምራዊ ስምብራት ይግንፍል። ንኣብነት፥ ኩናት ኣብ ዝካየደሎም ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት፡ ሕልናዊ ወይ ስነ-ልቦናዊ ቁስሊ (ማህሰይቲ) ከምዘለዎም ናይ ስነ ልቦና ተመራመርቲ ይገልጹ። ኣብ መዕረፊ ዘይብሉ ግጭት፡ ውግእን ስእነት ሰላምን ዘለዎ ከባቢ፡ ኣብ ከይዲ ህይወታዊ ጉዕዞኦም ዘጋጥሞም ሕልናዊ፡ ሞራላዊን ሰብኣውን ማህሰይቲን ክሳብ ናብ ጎዳኢ ዝኾነ ደረጃ ዝበጽሕ መልክዑ፡ ኣእምሮኦም ይጭነቕ። ኣብ ንቡር ኩነተ-ሰብነትን ኣእምሮን ንከይህልዉ የጸግሞም። ክሳን ናብ ናይ ኣእምሮ ምስሓት ወይ ናይ ኣእምሮ ስንክልና እውን የብጽሖም።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ዝሓለፈ 30 ዓመታት እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝገደፎ ናይ ኲናትን ግፍዒን ዘስዓቦ በሰላ ከይሓወየ፡ ኣብ ዶባዊ ውግኣትን ሕጂ ድማ ኣብ ዘይምልከተና ኩናት ብመላኺ ስርዓት ተገዲድና ስለዝኣቶና፡ ኣብ ህዝብና ክወርድ ዝጸንሐ ስነ-ኣእሙራዊ ማህሰይቲ፡ መመሊሱ እናገደደ ኢዩ መጺኡ።

ኣብ ፈቐዶ ጉዕዞ ንስደት ንህዝብና ዘጋጥሞ ብርሰትን ግፍዕታትን፡ ነቶም በዚ ዝሓለፉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመላእ ቤተሰብን ወለዲን እውን ዘይሃስስ በሰላታት ኣብ ህይወት ዝገድፍ ዘሎ ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ`ቲ ግፍዓዊን ጨካንን ኣተሓሕዛን ስርዓተ-ራዕዲን ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ጭንቀት ኢዩ ዝነብር ዘሎ። ብዙሓት መቕርቦም፡ ደቂ-ዓዶም፡ ፈተውቶም፡ መቓልስቶም፡ ወዘተ፡ ብጸልማት ምስ ተወስዱ፡ ኣበይ ከምዝኣተዉ ዘይፍለጡ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ማእለያ የብሎምን። እዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ፡ ንየማኑ ወይ ንጸጋሙ ዘሎ ሰብ ወይ ጎረቤት ሃሰስ እንተይሉ፡ ከረጋግጾ ዝከኣል፡ ንነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ዝተንከፈ ኩነታት ኢዩ። ካብዚ ዝኸፍእ ማህሰይቲ ከኣ የለን። ኣብ ምስ ትግራይ ይኹን ምስ ዓፋር ዝዋሰኑ ዝነብሩን ዘለዉን ህዝብታት ኤርትራ፡ በብግዚኡ ብተደጋጋሚ ዝስማዕ ናይ ቶኽሲ ልውውጥ ንዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሞንጎ ይውግኡን ይሞቱን ስለዘለዉ፡ ዝያዳ ናብዚ ኣእሙሮኣዊ ማህሰይቲ ቅሉዓት ኢዮም።

ካብኡ ብዝኸፍአ መልክዑ፡ ወላዲ ወሊዱ ዘይልእከሉ፡ ቆልዑ ፍቕሪ ኣቦኦምን ኣዲኦምን ከየስተማቐሩ፡ ወድኹምን ጓልኩምን ሃቡ! ተባሂሎም ንሃገራዊ ኣገልግሎት ዝምንጠሉ፡ ደቁኹም ሃዲሞም እዮም ስለዚ ሓሙሳ ሽሕ ናቕፋ ክፈሉ፡ እናበለ፡ መንግስቲ ኢሳያስ፡ ህዝብና ተረጋጊኡ ክነብር ኣየኽኣሎን። ከምኡ ስለዝኾነ፡ ህዝብና፡ ብፍላይ ህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣረጋዊያንን ኣብ ከመይ ዝበለ ክፉእ ኣእምራዊ ጸቕጢን ጭቆናን ይነብሩ ከምዘለው፡ ንሕልና ዘለዎ ንምርድኡ ከቢድ ኣይመስለንን። ዋላ`ኳ ኣብ ከም`ዚ ዓይነት መነባብሮ ዝነብር ህዝቢ፡ ጸገሙን ስነ-ኣእምራዊ ጸቕጡን ተማራሚርካን ኣለሊኻን መፍትሒ ክኾኖ ዝኽእል ፖሊሲ ምሕንጻጽ፡ ናይ ስነ-ልቦናዊ ሰብ ሞያ ምርምር ዘድሊ እንተኾነ፡ ህዝብና ተሰኪምዎ ዘሎ ሰነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ፡ ጸገምን ሕስረትን ግን ባዕሉ ዝዛረብ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዝምስክሮ እዩ።

ፖለቲካዊ ኩነታት

ሰላም እንተ ሃልዩ፡ ቁጠባዊ ልምዓት፡ ማሕበራዊ ርግኣት፡ ሰሪሕካ ምብላዕን ምዕባይን ዘይተርፍ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ንቡር ኩነታት፡ ፍሉይ መንግስታዊ ኣድህቦ ወይ ሓገዝ ከይሓተተ፡ ብጻዕሩ መነባብርኡ ክመርሕ ዝኽእል ሕብረተ-ሰብ እዩ። ይኹን`ምበር፡ ብምኽንያት ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት፡ ብስእነት ሰላምን ርግኣትን፡ ሞት፡ መቘሰልትን ድኽነትን ተሳቕዩ፡ ኣዝዩ ተዳኺሙ ይርከብ። ሓደ ካብ ቀንዲ ሓላፍነታት መንግስቲ፡ ኣብዚ ከቢድ ጸገም ንዝወደቐ ህዝቡ፡ ክድገፍን ክሕግዝን፡ ሓልዮት ክገብረሉን ኢዩ ዝግባእ። እቲ ዘሕዝን ግን፡ ብመንግስቲ ህግደፍ ተረሲዑ፡ ኣጆኻ ዝብል ሓታቲ ዘይብሉ ምዃኑ እዩ። ብጠቕላላ፡ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ብመንግስቲ ህግደፍ ኣቓልቦ ዝሰኣነ ኮይኑ፡ ብተወሳኺ`ውን ምምሕዳራዊ ጸገምን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጸይሩ ዝጓዓዝ ዘሎ ህዝቢ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ብሕጊ እውን ኣተሓታቲ ኢዩ።

ብኣጠቓላሊ፡ ሓሳቡ ከይተደረተ ብናጻ ብቓሉ፡ ብጽሑፍ፡ ብስነ-ጥበብ መልክዕ፡ ብመባዝሒ ጥበባት ወይ ብዝኾነ ዓይነት መረድኢ ሓሳብ ዝህበሉን ዝቕበለሉን ናጻነትን ዕድልን ኣይርኸበን። ቲቪ ኤረ ኣብ ባይታ ወሪዳ፡ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት መነባብሮ ህዝቢ ክትድህስስን ክትሕብርን ዝግባእ ኳ እንተኾነ፡ ብኣንጻሩ ግን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ድምጹ ዓቢሳ፡ ንስቂያቱ ከም ጽቡቕ ዕድሎት፡ ንሕሰሙ ከም ርህው ናብራ ኣምሲላ፡ ኰሓሒላ ሃለውለው ክትብል`ያ ትርአ። እዚ ኹሉ ጸገምን ሽግርን ናይ`ዚ ህዝቢ፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ፡ ዓይኑ ኣፍጢጡ እናተራእየ ከሎ፡ ብሕጊ ኣታሓታቲ`ውን ስለ ዝኾነ፣ ከምዝድፈንን፡ ንምርድኡ ብዘጸግም መልክዑ፡ ድምጺ ህዝቢ ምዕፋን ከም ኣማራጺ ተወሲዱ። ብሰንኪ ዚ፡ ቁጠባውን ማሕበራዊ ጸገማትን ብልክዕ ንምልላይን ንምምዝጋብን ኣይከኣልን፡ ኣብኡ ተሞርኲስካ መፍትሒታት ንምውጣን ወይ ንምምጻእ ከኣ ኣይከኣልን። በዚ ኸኣ ጸገም ሕብረተ ሰብ እናተዓዃለለ፡ ህዝቢ ብመከራን ስቓይን ይህሰ ከምዘሎ ምርዳእ ይከኣል። ኣብዚ ጉዳይ`ዚ፥ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ጸገምን ሽግርን ከምዘይፍለጡን ተዓፊኖም ከምዝተርፉን ቀንዲ ጠንቂ ዝኸውን ዘሎ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ሃገርና ሕገ መንግስቲ (ቅዋም) ስለዘየለ፡ ህዝብና ብናጽነት ሓሳቡ ዝገልጸሉ መንገድታት ስለ ዝተዓጽዎን፡ መሰረታዊ መሰሉ ስለ ዝተነፍጎን ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰላማዊ ሰልፊ ኣቢሉ፡ ስምዒቱ፡ ሕሰሙን ጸገሙን ዝገልጸሉ መሰረታዊ ናጻነት ካብ ዝንፈጎ መዋእላት ኣሕሊፉ ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ፡ እዚ ከም’ዚ ዝበለ መሰረታዊ መሰልን ናጻነትን ህዝቢ፡ ዝተፈላለየ ተጽዕኖታት ከም ምእሳርን ምዕፋንን፡ ምፍርራሕን ምድሃልን እናገበረ፡ ተግባራዊ ንኸይከውንን ንኽገሃስን ይገብር። ብዝተፈላልየ መንገዲ፡ ንኣብነት ሓደ ውልቀ ሰብ ተቓውሞ እንተ ኣርእዩ፡ ዝወሃቦ ናይ መግቢ መዐደጊ ኩፖን ይሕደግ፡ ብእኡ ኣቢሉ ብጥሜት ይሳቐ። ይትረፍዶ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ጎደናታት ኤርትራ ክትገብር፡ ብዛዕባ ዘሎ ጸገምን ሽግርን ዝዛረብ ሰብ እንተተረኺቡ፡ ወይ ውን ይሓስብ`ዩ ተባሂሉ ዝጥርጠር ዜጋ፡ ብለይቲ ብዘይፍለጡ ሰባት ተወሲዱ ድሃዩ ከምዝጠፍእ ይግበር። ስለ’ዚ፡ ህዝቢ ሓሳቡ ብነጻነት ክገልጸሉ ዘኽእል ኩነታት ፈጺሙ የለን።

ንናጽነት፡ ንዲሞክራሲን ፍትሕን ዝተቓለሰ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንዝኸፈሎ ገዚፍ ዋጋ መስዋእቲ፡ ብድኽነት፡ ሰላም ምስኣን፡ ስደትን ክግለጽ፡ ንህንጸት ብዙሕነት ኮነ፡ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ዘተኣናግድ ደሞክራሲ (Participatory Multi-Party Democracy) ፡ ፍትሕን ናጽነትን (Justice and Freedom) ፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን (Transparency and Accountability) ዘይብሉ፡ ተቐርቂሩን ተዓፊኑን እናተሳቐየ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ ጊዜ፡ ብስም “ምኽባር ሕጊ” ንህዝቢ ትግራይ ንምንብርካኽ፡ ስነ-ልቦናኡ ንምስባር፡ ቁጠባዊ መነባብሮኡ ንምሕምሻሽን፡ ዓፊንካ ህዝቢ ንምጽናትን ብፋሽሽታዊ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕንወት ይካየድ ኣሎ። ዲክታቶር ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ`ውን፡ ምስ`ቲ ፈደራላዊ መንግስቲን፡ ታሪኻዊ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ትምክሕተኛታት መስፋሕፋሕትን፡ ብምውጋን፡ ኣብ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ዕንወትን ብርሰትን በብዓይነቱ ባርባራዊ ጭፍጨፋ ነዚ ዘለናዮ ዘመን ዘይምጥን ስራሕ ክሰርሕን ንርእዮን ንሰምዕን ኣሎና። እዚ ነገር`ዚ፡ ኮነ ኢልካ ኣብ መንጎ ሓውን ጎረቤትን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ነባሪ ጽልኢን ቅርሕንትን ንምትካል፡ ዝዓለመ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ብኻልእ ሸነኽ`ውን ንህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ`ቲ ዝጸንሖ ኣሰቃቒ ቁጠባውን ማሕበራውን ናብራ፡ ናብ ዘየድሊ ዝኸፍአ ሞትን ስንክልናን ዕሸላት ደቁን፡ ኤኮኖምያዊ ድቀትን ንምሽማም ኢዩ።

ኣተሓሳስባ ስርዓት ህግደፍ ኣዚዩ ካብ ንቡር ምሕደራ ዝረሓቐን ኣብ ዓለም ዝተፈንፈነን እዩ። መጻኢ ዕድል ሃገር ኤርትራን ህዝባን እናጸልመተ፡ ውሕስነት ሉኡላውነት ሃገርና እናተደፍረ ዝኸደሉ ዘሎ መድርኽ ኢና እንርኢ ዘሎና። ኣብዚ ከየዘኻኸርክዎን ከየተሓሳሰብክዎን ክሓልፍ ዘይደሊ ነገር እንተሎ፡ ትምክሕተኛታትን ኣስፋሕፋሕትን፡ ይትረፍዶ ንህዝቢ ትግራይ ምሰኦም እናተሳቐየ ንዘመናት ዝነበረስ፡ ነቲ ንብዙሕ ዓመታት ኣዕጽምቱ ከስኪሱ ደሙ ኣፍሲሱ፡ ነጻነቱ ዘርጋገጸ፡ ኣባል ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝኾነት ሃገር ኤርትራ ዝወነነ ህዝቢ፡ `ነዚ ትግርኛን ትግረን ተዛራቢ ኣጽኒትካ፡ ናይ ግዜ ሕቶ እዩ እምበር፡ ኤርትራ ክንመልሳ ኢና፡ በትሪ እትሕዝ ምእዝዝቲ፡ ንረብሓ ኢትዮጵያ እተገልግል ክንገብራ ኣሎና፡ ስንና እናመወጽና ኣስመራ ክንኣቱ ንኽእል ኢና` እናበሉ፡ `ቀዳማይ ሻዕብያን ወያነን ኣጣፊእካ፡ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ኣብ ነንሕድሕዱ ኣባሊዕካ፡ ናይ ልደት ሕብስቲ እናገበርና፣ ናይ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ህልውና ብዘየገድስ፡ ኢትዮጵያ (ኣምሓራ) ናተይ እትብሎም ወናኒት ባሕሪን ወደብን ክትከውን ኣለዋ` ኢሎም ዝጽሕፉ፡ ዝዝምሩ፡ ዝሰብኩ፡ ዝነበሩን ዘለዉን። እዚ እምበኣር፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ናይ መጠንቀቕታ ደወል እዩ። መሬታ እምበር፡ ህልውና ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ዘይፈቅድ፡ ኣጽናቲን ዓሌታዊን ኣተሓሳስባ። እዚ ቃና`ዚ ካብ ፕሮፈሰራት፡ ምሁራት፡ ኣቕሽሽቲን ዲያቆናትን፡ ጋዜጤኛታትን ፖለቲከኛታትን፡ ዘመርትን ስነ-ጥበባውያን ኣምሓራን፡ ብጹሑፍ ዝተሰነደ፡ ብስብከት ዝተሰነየ መዝሙር፡ ዓው ኢሎም ንሳላሳ ዓመታት ከንቡቡልናን ክዝምሩልናን ጸኒሖም ኢዮም። ንሕና እውን ክንሰምዖም ጸኒሕና፡ ሕጂ`ውን ንሰምዖም ኣሎና። እቲ ንልዑላውነት ሃገርናን ህዝብና ካብዚ ሓደጋዚ ንምግልጋል ህጹጽ መፍትሒ ዝኾነና እንኮ ኣማራጺ ኸኣ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓጺንን ዓረን ዝተረረ ስጡም ሓድነታዊ ውዳበን ህዝባዊ ቃልስን ኢዩ። ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ጎንና ተሰሊፉ ደገፉ ክገብር ዝኽእል ድማ፡ እዚ ክንገብር ምስ እንኽእል ጥራይ ኢዩ። እታ ብከቢድ መስዋእቲ ዝዓደግናያ ሃገርና፡ ካብዚ ዘንጸላልወና ዘሎ ሓደጋ ክንከላኸለላ፡ ናይ ኩልና ሃገራዊያን ዜጋታት መስዋእቲን ሓላፍነትን ይሓትተና ኣሎ።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!
ዓወት! ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ

ብ` ኣቶ በርሀ ፍስሃየ
ናይ ስነ-ቁጠባ ኪኢላ (Economist)
02/03/2021


Share with friends:

See also recent Articles by Berhe Fshaye / ካልእ ጽሑፋትን ሰሚናራትን ብ`ኣቶ በርሀ ፍስሃየ

ኣህጉራዊ ሕጊ ንልኡላውነት ኤርትራ ውሕስነት'ዶ ስግኣት፧
'ዘተ ምስ ናይ ሕጊ ምሁራት'
ዕለት 23 Nov 2020


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: