ካብ ውሻባ covid-19 እንታይ ንምሃር?

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

18/04/2020 23:45 PM

ካብ ውሻባ covid-19 እንታይ ንምሃር?

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር!

ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ካብ ውሻባ covid-19 እንታይ ንምሃር?

ካብ ውሻባ covid-19 እንታይ ንምሃር
ብ’ፍትዊ ክፍለ ከምኡውን ብዙ ቡቱኞሊ

ሕሰብ ኣስተውዕል ተማራመር ተባራበር

ህዝብና ንበይንና ገዲፍኩሙና ዝብል መሪር ጥርዓን ናይ ሕልናኡ ዘዕረበ ጽዊዒት ዝገብረልና ዘሎ ዝመስል እዋንን፣ ንሕልናና ከደቅስ ዘይኽእል ደሃይ ኣውያት ይገብር ምህላው፣ ነፍሲ ፈከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ይስሕቶ ኣይንብልን።

እዚ ውልቀ መላኺ መላኺ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ ተሓይሩ/ተጨውዩ ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ፣ ደቂ ሰባት ሓቢሮም ክነብሩ ዝኣገደ፣ ካብ ሓደ ዓዲ ናብ ካልእ ዓዲ ብዘይ ፍቓድ ክትዋሳወስ ዝተኸልከለ፣ ነቲ ኩቡር ባህልና ስምረት ምድግጋፍ ክብተኽ ዝገበረ፣ ብዓቢኡ ብቅዋም ከይማሓደር ዝኸልከለ፣ ነቶም ናይ ነጻ ማዕክናት ዝዓጸወ፣ ብግዝኣተ ሕጊ ክንማሓደር ስልጣን ናብ ዋንኡ ህዝቢ ነስረክቦ ዝበሉ ኣብ ዝላዓለ ስልጣን ሒዞም ዝነበሩን ዓበይቲ ዓድን ዝኣሰረን ዘጥፈአን፣ ሃገርን ህዝብን ናይ ብሕቱ ዋንነት ዝገበረ፣ ውልቀ መላኺ ከይኣክል፣ እዚዓይነት ሕማም ተላገብ ኮሮና ቫይሩስ 19 ተወሲኽዎ ከመይ ዝበለ ሂወት / ናብራ የሕልፍ-ኮን ይኸዉን? እንታይ ዓይነት ፍታሕ ይረክብ? ነዚ ዓለምና ተሃዊጻትሉ ዝላ ኩነታት ብኸመይ ይሰግሮ? እዚ ኣብ ድያስፖራ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ዓይነት ሞሮላዊን ንዋታዊን ሓገዝ ክገብር ይኽእል? ዝብሉ ወኸሰታት ይውሕዙ ከም ዘለዉ እንሰምዖን ኣብ መርኻቢ ቡዙሃን እንርእዮን ዘሎና እዩ፡፡

እዚ ስርዓት ከም ኣመሉ ን-ኮሮና ቫይሩስ ኣመኽንዩ ብገንዘብ እንተዘይኮይኑ ናይ ሕክምና ናውቲ-ዕዮይኹን ኣፋዉስ ምውፋይ ኣየዲሊን እዩ፤ ንሕና እቲ ዘድሊን ብሁጹጽ ክዕደግ ዘሎዎ ክንዕድግ ምእንቲ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘድልየና ናታትኩም ሓገዝ ብገንዘብ ኮይኑ ቡሙሉእ ሓይልኹምን ስለቲ ለዋህ ልምድታትኩም ኤርትራዊ ኒሕኩም ተመርኩስኩም ገንዘብ አብ ርእሲ ገንዘብ ክኸውን እናበል፣ ካብ ዓቐን ዝሓለፈን ኩሉ ዓይነት ሚድያን መራኸቢ ቡዙሃን ብምጥቃም ወፍርታት / ፕሮፖጋንዳ ይገብር ኣሎ።

ህዝብና ጠባያቱን ባህርያቱን ግብርታቱ ስለ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈለጦ፣ ኣብ’ቲ መዳናጋሪ መጻወድያታቱ ከምዘይወድቕ ፍሉጥ ኮይኑ፤ እቲ ኣገዳሲ ክኸዉን ዘለዎ ነዚ ኣብ ዘይደለዮ ሓደጋ ወዲቑ ዝርከብ ዘሎ ህዝብና ብኸመይ ይሕገዝ ዝብል ሕቶ መልሲ ክርከበሉ ከም ዘለዎ ዝስሓት ኣይኮነን፡ ብወገና ካብቲ መልስታት እንብሎ፦

• እቲ ዓለምለኻዊ ጥዕና ምክልኻል ኣብ ጅነቭ ዝመደበሩ (w.h.o.) ዝዋሃብ መባእታዊ ሓበረታ ክበጽሖ ምእንቲ፣ እተን ኣብ ደንበ ፍትሒ ዝዋሳዓ ረድዮ ተለቪጂን ከሙ መራኸቢ ቡዙሃን ብዝይ ምቍራጽ ክሕብርኦን፣ ኣድለይቲ ብሳይንስ ዝተራጋገጸ ኣፋውስን ምዕዶን መብርህን ዝሓዘ መልእኽቲ ከተሓላልፋ ዘድሊ ምትሕጋዝን ሞራላዊን ንዋታዊ ሓገዝ ክግበረለን፡፡

• ኩሉ’ቲ ዝሕተት(hygiène)ስነ-ጥዕና / ሃይጂን (ጽሬት ብምውሓስ) ብሰንኪ ቀረብ ማይ፣ ንኽትሰትዮ እኳ ዘይርከብ መሕጸቢ ኢድን ካልእ ብጽርየት ክትሓዝ ዘለዎ ካበይ ክርከብ ኣባሃህላ አብ ቦቱኡ ኮይኑ፣ እቲ ዝቐለለ ክግበር ዘለዎ ምንጋሩን ተጸጊሙ ካብዚ ተለጋቢ ሕማም ክካላኸል ምእንቲ ካብዚ ሰንካም ሕማም covid-19 ከይጥቃዕ ጉቡእን ኑጹሩን ሓበረታ ምስ ዝረክብ፣እዚ ጻዕረኛ ትጉህ ህዝብና ብዘለዎ ዓቕሚ ክተግብሮ ዝኽእል ከምዘሳላስል አይስሓትን።

ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ኣብ ባህልና ዘተለምደን ዋላ ኣብ ውሽጢ ስድራ ተራሒሕቕካ ካብ ሓደ ስጋብ ክልተ መትሮ ክትፍንተት / ክትግለል፡ ነፍሲ ወከፍ ነናቱ ክፍሊ መደቀሲ ክህልዎ፣ ዝብላ መምርሒ ነቲ ህዝብና ምትሕቑቓፍን ሓቢርካ ምንባርን ዝጥሕስ ገዲፍና፣ አይኮነንዶ ነናይ በይንኻ ኽፍሊ ክህልወካስ ነቶም ኣብ ከተማ ዝቕመጡ፣ ክትነብረሉ ዝኽእል ቤት/ገዛ ፈጺሙ ዘይረኸበ፤ እቲ ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝብና ናብርኡ ካብ ሰብ ንታሕቲ ምዃኑ እንፈልጦ ኮይኑ መዋጽኦ እቲ ዝኣምኖ እዝጊሔር ይሃቦ፣ ኢልካ ምሕላፍ ጥራይ ዘይኮነ እስኻ ክትገብሮ እትኽእል ንኽትገብር ሃሰስ ምባል ሕልናዊ ግደታ እዩ። እዚ ኮይኑ ግን ሕማምም ተላገብ ኮቪድ-19 እቲ ቀንዲ ምልጋቡ ሰብ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ስለ ዝኾነ፣ እቲ ዝኸፍአ እቲ ዝተለኽፈ ስብ ካብ ሓድ ስጋብ ሰለስት ከማሓላፍ ዓቕሚ ስለ ዘለዎ፣ ናይ ምትሕልላፍ ሓይሉን ምልዳቡን ብጣዕሚ ዑዙዝን ብዙሑ ስለ ዝኾነ ብዝካኣል መጠን ነፍሲ ወከፍ ዜጋና ሉዑል ልብናኡ ብኸመይ ተራሒቑን ኣፉ ዝሽፍነሉ ነጸላ (sling) ክጥቀም ኩሉ ግዜ ክሕጸብ ከም ዘለዎ ምሕባሩ ኣድልይ ይመስለና። ኣብ ርእሲኡ ብልምድናን ባህልናን ተሓቛቚፍና ተሓናጊርና እንነብር ህዝቢ፣ እዚ ተፋናታቲኩም / ተፋላሊኹም ጥራይ ኢኹም ክትኻላኸሉኒ ትኽእሉ ዝብል በዳሂ ሕማም ኮቪድ-19 ንሕጂ ተራሒሕቕና ጽባሕ እስኻ ምስ-ተሳዓርካ ንትሓቋቐፍን ባህልና ናብ ኑቡር ንመልስን ኢልና ክንብድሆ ንኽእል፡፡

እቲ ቅድሚ ኮሮና ቪሩስ ከጽንተና ዝጸንሐ ዘሎን ስርዓተ ውልቀ መላኺ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ. እዉን ካብ ሱሩ በንቊርና ብምምሓው ኣብ ቦቱኡ ስርዓተ-ሕግን ዲሞክራስን ክትከልን ፍትሒ ክነግስ እንብሎ እንትርጉሞሉ እዋኑ እዩ። ኣብ ቦቱኡ ህዝብዊ ስልጣን ኣብ ኢዱ ብምጭባጥ (antibody) ጸረ ጓና ኣካል፣ ናይ ዲክታተር ክህልወናን፣ ብቁዋምን ግዝኣተ-ሕግን ዝተዋሕሰ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል እዩ እቲ ጻዕርና ክኸዉን ዘለዎ። ህዚ ኤርትራ ስልጣን ኣብ ኢዱ ምጭባጥን ንኮሮና ቫይሩስ ኢሳያስ ቁሩባት ሰዓብቱ ንሓዋሩ ከጥፍኦም ቁሩብ ምዃኑ ዘይስሓት እዩ፤ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ቁርብነትና ብኸመይ ንዓቅኖ ?

ከም እንርእዩ ዞሎና ነዚ ኮሮና ቫይሩስ ዝካላከልን ነቶም በዚ ተላባዕ ሕማም ዝተለኽፉ ዘሕዊ ፈውሲን ክታበትን ኣብ ምርካብ ልቃውንት (scientist) ስነ-ፍልጠተኛታት እቲ ዘድሊ ጻዕሪ ኣብ ምግባር ክርከቡ ከለኡ፣ ኩሎም መንግስታት ዓለም ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሓለዋ ጥዕና w.h.o. ዝሃቦ መምርሒ ኣብ ግብሪ ንምትርጓም በቢ-ኣጋባቦም ስጉምታት ክወስዱ እንርእዮን እንነብሮን ዘሎና ህሞት ኮይኑ፤ ብወገን እተን ተወዲበን ንፍትሒ ንቃለስ ዝብላ እንታይ ስጉምታት ክውሰድ ይሕብራ? እንታይ ዓይነት ምውሳእ የካይዳን ዝተዋሃሃደ ስርሓት ከምዘካይዳ ዝርአ ነገር የለን ክባሃል ይካኣል፡፡

ኣብዚ እዋን’ዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ ንነብረሉ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ፍልይ ዝበለ ክፍሊ መጽናዕቲ / ሓይሊ ዕማም ነዚ ፈታኒ እዋን እተገልግል ከውጽኣ-ዶ ኣይምተኻእለን? ነዚ ኩነት ብኸመይ ንግጠሞ ዝብል ኣኸባዶ ኣካይደን ጉሉጽነት ስለ ዘየለ ዝፍለጥ ነገር የለን። ውድባት ምንቅስቓሳት ዝርኣየ ዓይኑ ይብራህ ኮይኑ ይመስለና።

እስከ ንሕሰብ ንጉዳይ ህዝቢ ንምክታትል፣ ንዘጓነፎ ጸገማት ፍታሕ ንምርካብ፣ ካብ ገጢምዎ ዘሎ ስርዓ ተውልቀ ውልቀ መላኽነት ምግልጋል፣ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ንምብጻሕ፣ ካብ ተገዲዱ ኣብ ድንቁሩና ኣትዩ ዝርከብ ዘሎ፣ ናብ ፍልጠት ክሳጋገር ምግባ፤ ካብ ዲክታተርነት ናብ ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ንምብጻሕ፤ ስልጣን ናይ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ባዕሉ ዝጭበጠሉ መስርሕ ክኽተል ምግባር፣ ብተዳጋገሚ ባዓውታ ዝዝመሩ ጭርሕቶታ ብኸመይ ክስምዑ ይኽእሉ ዝብሉ ሕቶታት መልሱ፣ ኣብቲ ዘድሊ እዋን ኣብ ጎድኑ ከም ዘለኻን ንዑኡ ትሰርሕ ከም ዘለኻን ከተርእዮ ዘይትኽእል ምዃንካ፤ ኣብ ጹንኩር እዋን ኣማዕዲኻ ምርኣይን፣ ዓቕምኻ ንኡስን ክውህሃድ ብዘይምኽኣል፣ ነቲ ጥርዓኑ ናብቲ ዘድልዮም ዓለምላኻውያን ባይቶታት ትካላት ከተብጻሓሉ ዘይምኽኣልካን ክትገብሮ ዘይሃቀንካን። እዚኦምን ከምኦም ዘኣመስሉ እዮም-እኮ እቶም መልእኽቲ ህዝብና ዝብል ራኢ አሎና።

ህዝብታት ትጽቢቶም ካብቶም ተወዲብና ኣሎና ዝብሉ ውድባት፣ ምንቅስቓሳት ሲቪካዊን ህዝባውያ ማሕበራት ምዃኑን፡ ንሱ ማእከል ዝገበረ፣ ዝተፋላልዩ ትካላትን፣ ነጻ ዓይነት ኣዋዳድባን ቅዋም ዘፍቅዶ ማሕበራዊ ስርዓትን ፍትሒ ዝነገሳ ሃገር ክትህሉ ንቃለስ ምህላውና ክንርስዖ ዘብልና ኩይኑ፡ ብቐዳምነት ኣብዚ ተኣፋፊን ተሃዋጺን ምእንቲ ህዝብና ተስፋን ሓገዝን ክረክብ ነዛ እዋን እዚኣ እተገልግል ናይ ሓባር ሽማግለ ኣውጼካ እርደትስ / ሓገዝ ዝስርከበሉ ክገብር ኣይምተኻእለን?

ብወገና ይካኣል እወ ይካኣል፣ ድልየትን ሓላፍነትን ምስካምን፣ ቅድም ህዝቢ ክትሪኢን ክትገብርን እንተ ዝካኣል ነይሩ፣ ከም ዕላማን ራኢን ብሓቂ ንሓስቦን ንምትግባሩ ቅሩባትን ነቕ ዘይብል እምነት ነይርና እንተ-ንኸዉን ዓጋቲ ኣይምሃሎዎ ነይሩ ንብል። እቲ ጸገም ድልየትን ቁሩበትና ዝይምህላዉ ኮይኑ ይስምዓና፡፡

እቲ ኣብ ውሽጢ ርእስና ሰሪጹ ዘሎ ኣነ/ባዕሊ/ኢጎ ተሪፉ ናይዚ ጉራማለ ህዝብና ሕልሚ፣ ባህጊ፣ ድልየት ከነማልእ ቁርባት ምስ ንኸዉን፣ ኩሉ ዓይነት ውዳበ፣ ምንቅስቓስ፣ ሲቪካዊ-ማሕበረት፡ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት፣ መስርሕ ሓቢርካ ምስራሕን ንኹልኻ ዝጥርንፍ ኢሞክራስያዊ ጽላል ክህሉው ምግባር ኣብ-ርእሲ ኣድማዒ ምዃኑ፤ ዝተወደበትን ብትካልን ግዝኣተ-ሕጊ ዘለዋ ሃገር ክትህልወካ ምእንቲ፣ በቲ እስኻ እተወጽኦ መስርሕ ዕዮን ሕግን፣ ክትሰርሕን ክትምእዘዝን ምስ እትኽእል፣ ምልምማድ ደሞክራሲያዊ ኣጋባብ ኣሳራርሓ ክካናወን ከሎ ኮይኑ፤ እቲ ኽግበር ዘይብሉ ኣብ’ታ ዝሃነጽካያ ውድብ፣ ምንቅስቓስ ተሓጺርካ ምትራፍ ዘይኮነስ፣ ካባኻ ወጻኢ ዝተጠርነፉን ዘይተጠርነፉን ዜጋታት ዝሓቁፍ፣ ዘጽልልን ሃገራዊ ውዳበ ክህሉ ግደኻ ብግብሪ ክትሰርሕን ክትዋሳእን ፍሪኡ ክትሪኢን ምስ እትኽእል እዩ ቁኑዕ ቃልሲ ከብሎ ዝኽእል፡፡ ስጋብ እዚ እዋን’ዚ ውድባት ይኩና ኩለን ዓይነታት ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ዘይተርጎሞኦ ብምዃን አዚ ደስጱጣ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ፍልልያትና ተወጢሑ ግዝኣቱ ምንዋሕን ህዝብና ምጽናትን ዝቕጽል ዘሎ።

ስለዚ ናይ ውሸባ ብሰንኪ covid-19፣ ክንሓስብን / ከነስተንትን፣ ዝነበረና ምርሕሓቕ፣ ባዕልና ፈጢርናዮ ዝነበርና ናይ ነዊሕ ዓመታት ቅርሕንቲ፣ ኣብ ቅድሚ ህልቀት ህዝብና፣ ምዕናው ሃገርን፣ ጽግዕኛን ንኽትከዉን ዝተኻየደ ግብርታት ገባቲ ስርዓተ ኢሳያስ፣ ፈጺሙ ክኾነሉ ከምዘይክእልን ብሓይሊ ህዝቢ ክድምሰስ ምዃኑን፣ ካብ ሃገርን ህዝብን ንላዕሊ ኻልእ ክህሉ ከምዘይኽእል ስሩጽ ዝኾነ መረዳእታ፣ ብሩህ ዝኮነ ራኢን፣ ሂብና ወይ በጺሕናዮ ክንከዉን ተስፋ ንገብር፡፡

ኣብዚ እዋን’ዚ ዋሲዓ ወይ chockablock ዝተጻጋግዐ / ዝተጨቓጨቐ / ምሉእ ምውህሃድ ዘምጽእ መስርሕ ሓድነት፣ ሓቢርካ ምስራሕን በቢ-ዓይነቱ ሓይሊ ዕማማት ዝውዛዓሉ ብፍላይ ክኣ ነዚ እዋናዊ ጸገም እትካታተልን ናብቲ ዘድሊ ዓለምለኻዊ ትካላት ብፍላይ ማእከሉ (W.H.O.) ዓለምለኻዊ ጥዕና ምክልኻል ቡኡ ኣቢልካ ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ሊቢያን ዝርከባ U.N.C.R.ዓለምለኽ ናይ ዑቑበኛታት ተኻታተልቲን ኤርትራውያን ሰብኣዊ መሰላት ዝዋስኣ ትካላት ኣቢልካ ሁጹጽ ሓገዝ ክዋሃብ ምግባርን ምክትታልን ኣገዳሲ እዩ ንብል። ሎሚ ኣብ ጥቃ ህዝብኻን ምስ ህዝብኻ ምዃን ኣብ ውሽጥኻ ምትእምማን ኣብ ህዝብኻ ክኣ ንምግልጋሉ ቁሩብ ከም ዝኾንካ ምስክር እዩ ዝኸዉን፡፡

ህዝብታት፡ ምርጭኦም ምዕናውዶ ወይስ ምህናጽ ኩሉ ኣብ ኢዶም እዩ ይብል ራይሞንድ ኣሮን (ፍላስፋ)። ጆርጅ በርናኖስ ከም ዝብሎ፣ ንሕና ኣይኮናን ንድሕሪት ተመሊስና ኣብ ታሪኽ ክነብር እንርከብ፣ እንታይ ድኣ ታሪኽ’ዩ ኣብ ቅድሜና ተኸዊጡ ካብኡ ኸይነልግስ / ኸይንወጽእ ዝድርኸና። እንተ’ድኣ ታሪኽ መሃሪ፣ እትዋስኦ ነገራት ንዝመጽእ ብሩህ-ዕላማ ሰኣልቲ / ተለምቲ ክንከዉን በቒዕና፣ መጻኢና ክፉቱን ቁኑዕን ክኸዉን ተኽእሎ ኣለዎ። ዝብል ዓይነት ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ከምቲ ኣቦና ሸክ ዓብደልቃድር ከቢረ ዝበልዎ ንምዝካር፣ ጠለብ ስርዓተ ሕግን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰልን ናጽነትን ክኽበር ዝግበር ቃልሲ ዕላማኡ ክብሪ እዩ። ዋጋ ክብሪ ድማ ህይወት እዩ። ዋጋ ክኽፈሎ’ዩ….እዚ ድማ ኣብ ምዕራፍ ናይቲ ፍትሓዊ ዝካየድ ኣህጉራዊ ቃልሲ ሓንቲ ገጽ ንምጽሓፍ እዩ ዝኽፈል።

እዚ ኣባሃህላ እቲ ኣብ ርእሰና ዘሎ ኒሒን ኢጎን ገዲፍና፣ ምእንቲ ህዝብና ናይ ሓድነት ጠለብ ኣብ ግብሪ እንተ ተርጒምናን ክዉንነት ሰፊሕ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ውዳበ በቒዕና፡ ምስክሩ ኣብ ታሪኽ ተወቂሩ ከም ዝተርፍን ንዘላኣለም ከም ኣብነት ንዝከርን ክንርስዖ ዘይብልና ምኽሪ እዩ።

ኩቡራት ተኻተልቲ ወይብ-ሳይታት ከምቲ ኩሉ ጊዜ ደጋጊምና እንጽሕፎ፣ መሰረታዊ ሰብኣዊ ናጽነት ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ ሓደጋ ምስ ዝወድቕን፣ ኣብ ሞንጎ ህዝብን ውድባቱን ዘምርድዳእ ዘይምትእማምን ምስ ዝፍጠር፣ ከምቲ ኣብ ባህልናን ልምድናን ዝወረስናዮ፣ እቲ ቀዳማይ ደረጃ ኣጋባብ ኣፋታትሓ ብምዑቡል ኣጋባብ ኢሂን ሚሂን ኢልካ ምዝራብ እዩ። ኣብቲ ዝግበር ምርድዳእ ሓደ ወገን ጌግኡ ተኣሪሙ ይቕረ ምባል፣ ወይ ሞራላዊ ካሕሳ ይኽሕስ፣ እንተ ዘይተኻኢሉ ደሪቕካ ምትራፍ ዘይኮነስ ብ-እንካን ሃባን ክፍታሕ ንቡር ጌርካ ክውሰድ ክህሉ ባህሊ ክነጥሪ ዝግባእ። እቲ ጸጊሙና ዘሎ እዚ ከነዘውትር ዘምኽኣልና ኣብዚ እንርከቦ ህሞት ኣሎና። ነዚ ነዊሕ ግዜ ውሸባ ተጠቒምና ጥልቅ ዝበለ ርእሰ-ምርምር ጌርና ብቐዳምነት ኣነ እየ ሓድጊ ክገብርን ቁሩብነት ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ክሁ ክገብር ዞሎኒ ኢልና ክንከዉንን ህዝቢ’ዉን ኣባና ዘለዎ ትጽቢት ክካወን ናቱ ግደ ክጻወት ምእንቲ ባይታ ክፍጠር ንላቦ።

ሕጂ’ዉን ንሕሰብ ነስተውዕል ንማራመር ንባራበር

ኣብ ዝመጽእ የራኽበና
የሕዋትኩም፣ ፍትዊ ክፍለ ምስ ብዙ ቡቱኞሊ


Share with friends:

See also recent Articles by ፍትዊ ክፍለ:-


ኣፍልጦን፡ ኣገባብ ምክልኻልን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ (Coronavirus COVID-19)
(Dr Tekie T. Debrezion)

ኣገዳሲ ሓበረታ ብዛዓዕባ ኮሮና ቫይረስ
ብ ዶር ዮውሃንስ ሃይለ-

Asmara show: ኣገዳሲ ሓበሬታ ብዛዓዕባ ኮሮና ቫይረስ (ብ ዶ/ር ዮውሃንስ ሃይለ)
EriCan Yiakl: ኮሮና (COVID 19) ቫይረስን ኣሉታዊ ሳዕቤናቱን: (ብ ዶ/ር ዮውሃንስ ሃይለ)

ሰሚናር ብ`ነርስ ኤደን ጸጋይ፡ ኣብ ፓልቶክ ሕድሪ ጀጋኑና
ዕለት 04 ሚያዝያ 2020
Part 1 - 3


Part-1:   Part-2:   Part-3:


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
ኣፍልጦን፡ ኣገባብ ምክልኻልን ለበዳ ኮሮና ቫይረስ
(Coronavirus COVID-19 and it's Prevention)



Share with friends: