ተበግሶ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ 31-08-2013

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

19/03/2021 20:14 PM

ተበግሶ ግዱሳት ኤርትራውያን፡

31-08-2013

ተበግሶ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ 31-08-2013

ተበግሶ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ 31-08-2013

2013-08-31
ተበግሶ ግዱሳት ኤርትራውያን

መእተዊ

ኣብ ደያስፖራ ዝርከቡ ዜጋታትን ክምኡ እውን ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ካብቶም ንሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ገጢሞሞ ዘለዉ መዋጥራት ከላቕቑ ጻዕርታት የካይዱ ኣለዉ። እዚ ኣብ ስቶኮሆልም ተጸዊዑ ዘሎ ኣኼባ ሓደ ዕላማ ጥራይ እዩ ዘለዎ ንሱድማ ፥ “<መዋጽእ ካብ ወጥሪ ሃገራዊ ባይቶ> እዩ።ነይዚ ኣኼባ መሪሕ ስነ-ሓሳብ <ተበግሶ> ስለ ዝዀነ መጸውዒኡ “<ኣኼባ ተበግሶ ስቶክሆልም> እዩ። መንበርን መኣከብን ቦታ ዝኣንገደና Initiative of Change ዝበሃል ማሕበር እዩ። እዚ ማሕበር ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ኣብ Oxford University፣ መስረትቱ ሊቃውንቲ ኣመሪካውያንን እንግሊዝን ነበሩ፣ ቀንዲ ዕላማ እዚ ምንቅስቓስ ነቲ ብውግእ ዝዓነወ ኤውሮጳ ኣብ ጎደና ሰላም ምምራሕ ነበረ። እቲ ቀዳማይ ስጒምቲ ንጀርመንን ፈረንሳን ኣብ ስኒት ምምራሕ ስለ ዝተዓወተ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ከምርሕ ከኣለ። ሎሚ ማሕበር Initiative for Change ኣብ ዓመት-ዓመት ሊቃውንቲ ዓለም ዝሳተፍዎ Caux ዝብሃል ዓቢ ትካል ኣብ ሃገረ-ስዊስ ይውንን። ኣኼባ ተበግሶ ስቶኮሆልም ካብ ዕለት 29 ነሓሰ ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 31 ክሰላሰል እዩ። ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ተሳተፍቲ ኣኼባ ተበግሶ ሓፈሻዊ ዳህሳስ ኣብ ሰለስተ ኣርእስትታት ከካየዱ እዮም፡ ንሳቶም ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፥ 1) ዓለመለኸውን ዞባውን ጽልዋታት ኣብ ኤርትራ 2) ኣብ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ክቐርቡ ንጽበዮም ማእከላውያን ዛዕባታት 3) መዋጽእ ካብ ወጥሪ ባይቶን እዮም። ኣብ ካልኣይ መዓልቲ እዞም ኣርእስትታት ብመልክዕ መጽናዕቲ ከነዕምቖም ኢና። መጽናዕቲ ኣኼባ ተበግሶ ሰልስተ ክፋላት ኣለውዎ። ቀዳማይ ክፋል ጽልዋታት ዓለመለኻውን ዞባው ምዕባለታት ኣብ ኤርትራ ከለሊ ይፍትን። ምስኡ ኣታሓሒዝካ ቀሪቡ ዘሎ መጽናዕቲ ንውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ ይግምግም። ካልኣይ ክፋል ንማእከላዊ መትከላት ደሞክራስያዊ ለውጢ ይድህስስ። ኣብ ሳልሳይ ክፋል ድማ መዋጽእ ካብ ወጥሪ ሃገራዊ ባይቶ ዝኣርእስቱ ፍታሕ ንኤርትራዊ ልዝብ የቕርብ።

ቀዳማይ ክፋል

1.ዓለመለኻዊ ጽልዋ

ኣብ ደምበታት ኣመሪካን ሕብረት ሶቭየትን ቈይሙ ዝነበረ ክልትኣዊ ዓለመለኸዊ ሚዛን ሓይሊ ምስ ፈረሰ ፡ ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ቡሽ፡ እንኮኣዊ ዓለመለኸዊ ስርዓት (One World Order) ክትከል ፈተነ ተገቢሩ ነበረ። እዚ ኣመሪካዊ ፈተነ ስለ ዝፈሸለ፡ ዓለመለኸዊ ዝምድና (International Relations) ኣብ ብዝሃ ደምበታት ሓይሊ (Multiple Centers of Power) ተሳጊሩ ኣሎ። ብቐዳማይ ደረጃ፡ ኣብ ህልዊ መድረኸ፡ መደበራት-ዞባዊ ሓይልታት (Regional Power Centers) ኣብ ኣሜሪካን ቺናን ሩስያን ኣውሮጳን ዝቈጻጸርዎም ደምበታት ቈይሙ ይርከብ። ብኻልኣይ ደረጃ ግደ ህንድን ብራዚልን፡ ብፍላይ ንቑጠባዊ ቅልጽም ብዝምልከት፡ ሚዛን ሓይሎም ኣንዳ ዓበየ ይኸይድ ኣሎ። ብዝሃ ደምበታት ሓይሊ ካብ ክልተኣውን (Bi-polar) እንኮኣውን መደበር ሓይሊ (Single Power Center) ዝተፈልየ እዩ። ኣብ ብዝሃ ደምበታት ዝተመስረተ ዓለመለኸዊ ዝምድና ኣብ ዞባዊ ዕብለላን ኣብ ሽርክነት ኣብ ውሽጢ ዞባዊ ደንበታትን ዝተመስረተ እዩ። እቲ ብግዙፍ ዝርኤ ዝምድና ዞባዊ ደንበ ብሓደ ሸነኽ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኤውሮጳን ክኸውን ከሎ፡ ብኻልኣይ ሸነኽ ድማ እቲ ዝምድና ኣብ መንጎ ሩስያን ቺናን እዩ ክብሃል ይከኣል። ብግዴኦም ድማ ደምበታት ዞባዊ ሓይሊ ንመደበራቶም ምእንተ ከሐይሉ ቀላጽሞም ኣብ ኣስያን ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ክዝርግሑ ይርአዩ። ንምሳለ ንዞባና ብዝምልከት፡ ሩስያን ቺናን ብሓደ ሸነኽ በቲ ካልኣይ ድማ ኣመሪካን ኤውሮጳን ኣብ ሱርያ ክወዳደሩ ይርኣዩ። ኣብ ዓለምለኸኣዊ ዝምድና ጥቕሚ፡ ብኹሎም መዕቀኒታቱ፡ ማእከላዊ ገደ ይጻወት። ዞና ማእከላዊ ምስራቕ ብዝተፈላለዩ ኢድዮሎጊታት ዓረብነት (ከምኒ ናስርያ ቀውምያ ባዕስያ) ኣናተባህለ ዝጠራነፍ ዝነበረ ሎሚ ብዝተፈላለዩ ኢድዮሎጊታት ሃይማኖት ክስሓሓብ ይርኤ። ንምሳለ ኣብ ሱርያን ለባኖንን ብኢራን ዝድገፍ ዓለዊ/ሺዓ ዝንባለ እምነት ምስ ሱናዊ እምነት ኣብ ኲናት ኣትዮም ኣለዉ። ኣብ ግብጺ እቲ ዝጸንሐ መሪር ቃልሲ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ኣስላምን ብሰራዊት ምስሪ ዝውከል ናስርያን ይካየድ ኣሎ። ኣሕዋት ኣስላም እምነታዊ ደውላ ክፈጥሩ ይህቅኑ ናስራውያን ድማ ብሰራዊት ምስሪ ተወኪሎም ዓልማናዊ መንግስቲ (Secular State) ክትኽሉ ይህቅኑ። ሰዳትን ሑስኒ ሙባረክን እውን እንተዀኑ ናስራውያን ከም ዝነበሩ ክዝንጋዕ ዘይግብኦ ሓቂ እዩ። ኣብ ግብጺ ናስራውያን ኣንተ ተዓዊቶም ጉዳይ ግድብ ኣባይ ብዘተን ምርድዳእን ክድምደም ይኽእል ይኸውን ዝብል ትዕዝብቲ እንዳ ደፍኤ ይኸይድ ኣሎ። ንሱዳን ብዝምልከት፡ ኣብ ምስሪ ናስራውያን እንተ ተዓዊቶም፡ ንሱዳን ዘመሓድር ፖለቲካዊ ስልጣን (ኣሕዋት ኣስላም) ጸገማት ከጋጥምዎ ይኽእሉ ይዀኑ። ፖለቲካዊ ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ እንተዀይኑ ግደ ሃይማኖታዊ ኢድዮሎጊ ኣንዳ ደኸመ ይኸይድ ኣሎ። ናህሪ ግብረሽበራዊ ወፈራ እውን እንተዀነ ከም ቀድሙ ኣይኰነን። ኣብ ሱርያ እውን ናህሪ ተቛወምቲ ሓይልታት ከምቲ ኣበጋግስኡ ኣይኰነን። ከምቲ ሓይሊ ኣመሪካ፡ ብሰንኪ ድኽመት ቁጠባ፡ ካብ ዒራቕ ክስሕብ ዝተገደደ፡ ሕጂ እውን ካብ ኣፍጋኒስታን ክስሕብ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ምዕብልናታት ንጉዳይ ሃገርና ብኸመይ ይጸልውዎ? ኣመሪካ ቅድም ካብ ዒራቕ ድሒራ ድማ ካብ ኣፍጋኒስታን ካብ ሰሓበ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ከም ቀደሙ ሃሰውሰው ምባሉ ኣይተርፎን እዩ ቢልካ ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ምናልባትነት ኩልና ሃገራውያን ኤርትራውያን ብመጽናዕትን ፖለቲካዊ ወፈራን ተቐሪብና ምጽናሕ ከድልየና እዩ። ካልኣይ ረቛሒ ንውሽጣዊ ስምረትና ዝምልከት እዩ፣ ንሱ ድማ ኣብ ማእከላይ ምስራቕ ተኣጒዱ ዘሎ ሃይማኖታውን ዓልማናውን ጥምጥም ንውሽጣዊ ስምረትና ምእንተ ከይጸሉ በርቲዕና ክንቃለስ ይግባእ።

2. ዞባዊ ጽልዋ

ኢትዮጵያ

ሀ.ጉዳይ ዶብ

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሞት ቀዳማይ ምኒስተር መለስ ዜናዊ ዓቢ ሓዘን ኣስዒቡ ነበረ፤ ብፖለቲካዊ ዓይኒ ክጥመት እንከሎ ድማ ዓቢ ፖለቲካዊ ሃጓፍ ከየስዕብ ተፈሪሁ ነበረ። እንተዀነ ኢሃደግ ኣብ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣንን ዕዉታት ጉባኤታትን ሰልፍታትን ብምክያድ ብስርሑ ኣመስኪሩ እዩ። ንነጻነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ብዝምልከት መርገጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጹርን ደጋፍን እዩ። ኣብ ዞባና ሰላም ክትከል እንተዀይኑ ጉዳይ ዶብ ክፍታሕ ይግባእ። ንዶብ ብዝምልከት መርገጽና፡ ብይን ዓለመለኻዊ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳኔ ንቕበል።

ለ. ጉዳይ ግድብ ኣባይ

ሃገራት ምንጺ ኒልን ተጠቐምቲ ማይ ኒልን ሱዳንን ግብጽን ክፈላለዩ ዝኽእሉ ጉዳይ ንዓይ ጥራሕ ዝብል ፍልስፍና ምትእትታው ጉብእ ኣይኰነን፡ ከምቲ መሰል ተጠቀምቲ ክሕሎ ዝግብኦ መሰል ህገራት ምንጺ ኣባይ እውን መሰሎም ክሕሎ ግቡእ እዩ። ኤርትራ እውን ኣብ ወሓዚ ሰቲት ብጽሒት ስለ ዘለዋ ጥቕማ <ኣብ “ጸላኢ ጸላእየይ ፈታውየይ> ክምስረት ኣይግብኦን። ኣብ መንጎ ምንጽታት ወሓዝቲ ማይን ተጠቀምትን ምስሕሓብ ምስ ዝፍጠር መርገጽ ኤርትራ ኣብ ሰላምን ዕርቅን ዝተመስረተ መትከል እምበር ኣብ ፖለቲካዊ ሻራ ክምርኰስ ኣይግባእን ዝብል መትከል ኣሎና።

ሐ. ዲፕሎማሲ ህዝቢ ምስ ህዝቢ

ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዝምድና ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ታሪኽን ጆግራፍን መበቈልን ጥራይ ዝተመስረተ ኣይኰነን። እንታይ ደእ ኣብ ቁጠባውን ካልኦት ሓባራዊ ረቛሒታትን እውን ዝተመስረተ እዩ። ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግባእ ሓቂ መንግስቲ ሱዳን ጽኑዕ ርክብ ምስ ህግደፍ ምእንታን ክፈጥር ንተቓወምቲ ሓይልታት ከም ዝሰጐጐ እዩ። ካልኣይ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግብኦ ሓቂ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓይልታት ተቓውሞን ንስደተንያታት ኤርትራ መቃለስን መዕቈብን ባይታ ከም ዘበርከተት እዩ። ግዜኡ ምስ ኣተወ፡ ንሕና ኤርትራያውያን እውን ኣንተዀንና፡ ንዝተገብረልና ውዕለትን ጽቡቕ ድላይን ሰድሪ ብስድሪ እመት ብእመት ከም እንምልስ ኣይንጠራጠርን። ኣብ ኢትዮጵያ ኰይንና ኣይንቃለስን፡ ኤርትራውያን ስደተንያታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣይተዓቘቡ ምባልዶ ሃገራውነት እዩ? ኣይኰነን። ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ውጽኢት እዚ መስመር እዚ ኣብ “<ኢሳያስነት> ከምርሕ ይኽእል እዩ። ኢሳይስነት ማለት ብደገፍ ጐረቤታዊ ሓይሊ ኣብ ስልጣን ምሕኳር ማለት እዩ። ሕጂ ድማ ኢሳያስነት ስልጣኑ ብጐረቤታዊ ሓይሊ “ዴምህት እዩ ዝሕለው ዘሎ። ከምቲ ንመንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተክኒካዊ ኮሚቲታት ዶብ ሕጂ ይቚሙ ኣንዳበልና ነተባብዕ፣ ንኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ድማ ብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ “People to People Diplomacy መንጸፍ ሰላም ክዝርግሑ ነተባብዕ።

ሱዳን

ሀ.ነጻነት ደቡብ ሱዳን

ልኡላዊ ነጻነት ደቡብ ሱዳን ሓዲስ ጀዮፖለቲካዊ ኲነት ፈጢሩ ኣሎ። ኣብ መጻኢ ዝምድና ደቡብ ሱዳንን ኤርትራን ኢትዮጵያን እናዓዘዘ ምኻዱ ስለ ዘይተርፎ ኣብ ዝምድናታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ግደ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ተዓዘብቲ፡ ምዕራብ ሱዳን እውን ክም ደቡብ ሱዳን ናቱ ልኡላዊት ሃገር ምጥላቡ ኣይተርፎን እዩ ይብሉ። እዚ ትዕዝብቲ እዚ እንተ ተተግቢሩ መጻኢ ዕድል ሰሜን ሱዳን ምስ ምስሪ ዝተኣሳሰረ ክኸውን እዩ። ዝተጠቕሰ ጆዮፖለቲካዊ ምዕባለ ምስ ጉዳይ ፐትሮልን ግድብ ኣባይን ተጸንቢሩ ንዞባና ኣብ ዓለመለኻዊ ወጥርታት ከየእትዋ ካብ ሕጂ ክሕሰበሉ ዝግባእ ጉዳይ እዩ።

3.ውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ

ሀ. ስርሒት ፎርቶ ህዝብና ዝጽበዮን ዝደልዮን ዓቢ ተስፋን ስምዒት ፖለቲካን ኣበራቢሩ እኳ ኣንተነበረ ድልየት ህዝብና ኣየማልአን። ህዝብና ዝቃለሶ ንፍትሕን ሕግን ንመሰላትን ንእምነቱን ዘኽብር ስርዓት ክኽበሩ ይቃለስ። ስለዚ ብደሞክራሲ ትምራሕ ኤርትራ ንኸምጽእ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ተጊሆምን ተውዲቦምን እጆሞም ከበርክቱ ይግባእ። ንሕና እውን ድልየት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርናን ከነዓውት ንጽዕር።

ለ. ልዕል ኢልና ከም ዝጠቐስናዮ፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ኢሳያስን ደቀ መዛምርቱን ንተ.ሓ. ኤ. ብሓገዝ ህ. ወ. ሓ. ት. ኣሰነፈ። ሎሚ ድማ ስልጣን ኢሳያስ ብሰራዊት ኤርትራ ኣይኰነን ተረጋጊኡ ዘሎ ኣንታይ ደኣ ብሰራዊት ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ ኢትዮጵያውያን እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኲነታት ለውጢ ካብ ውሽጢ እዩ ዝመጽእ ወይ ብሰላማዊ ኣገባብ እዩ ዝትግበር ማለት ዲክታተራዊ ስርዓት ብሓለዋ “ዴምህት ንነዊሕ ግዜ ከይቅጽል ትኽክለንያ ስትራተጊ ከድልየና እዩ። ሰራዊት ኤርትራ ፈታዊ “ዴምህት ኣይኰነን ፈታዊና ክኸውን ንሕና ድማ ፈተውቱ ክንከውን ምቅላስ ከድልየና እዩ።

ካልኣይ ክፋል

ኣርእስትታት ምይይጥን ልዝብን ኣብ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ

ኣብ መዋእል ምምሕዳር ብሪጣንያ

ኣብ መዋእል ምምሕዳር ብሪጣንያ ሰልፊ ትግራይ ትግሪንዪን ተቕሲማውያን ሰልፍታትን ካብ ኤርትራዊ ውህደት ክንጸሉ ይነጥፉ ነበሩ። ሰልፊ ትግራይ-ትግሪንዪ ደውላን መንግስትን ትግራይ-ትግሪንዪ ክሃንጽ ይጽዕር ነበረ። ምንቅስቓስ ተቕሲም ባርካ ምስ ከሰላ ክጽምበር፡ ምንቅስቓስ ተቕሲም ሳሕል ድማ ምስ ፖርት ሱዳን ክጽንበር ይህቅን ነበረ። ብሪጣንያዊ ስትራተጂ ኣምብኣር ንመሰል ርእሰ ውሳነ ኤርትራ ካብ ገጽ ካርታ ዓለም ምድምሳስ ነበረ። ማሕበር ፍቕሪ ሃገር፡ ኤርትራ ክይተፈንጨለትን ከይተሸርፈትን ምስ ኢትዮጵያ ክትሓብር ኣለዋ ዝብል መስመር ነበሮ፡ ራቢጣ ኢስላሚያ፡ ኤርትራ ከም ዘላቶ ኣብ ትሕቲ ብርጣንያ ድሕሪ ምጽናሕ ነጻነታ ትርከብ ዝበል መስመር ናበሮ። ብዚ ምኽንያት ኤርትራ ኣብ ናይ ዓለም ካርታ ቦታ ክህልዋ ኸኣለ። ኤርትራ መሬታ ከይተመቕለን ከይተሸርፈን ስለ ዝጸንሐት ድማ ፈደራላዊ ፍታሕ ይወሰነላ ደኣ ኣምበር መሬታ ውሁድ ነበረ። ብረታዊ ቃልሲ ንውህደት መሬት ኤርትራ ስለ ክኽበርን ኣብ ልዕሊኡ ድማ ነጻነትን ልኡላውነትን ክንደቕ ተበገሰ። ህዝቢ ኤርትራ ዝኣተዎ ቃል ኪዳን ናብ እዞም ዝስዕቡ መትከላት ዝተመስረት እዩ፥

1. መሬትን ኣየርን ባሕርን ኤርትራ ብተቕሲማዊ ምንቅስቓሳት ከይግሃስ
2. ነጻነትን ልኡላውነት ኤርትራ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንዘልኣለም ክሰጋገር
3. ደውላ ኤርትራ ዓልማናዊ እምበር እምነታዊ ከይኰውን

ሃይማኖትን ደውላን

ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ዋጋታት ብምኽፋል ንቐዳማይ ቃል ኪዳን ብቓልሲ ኣረጋገጸ። ድሕሪ ነጻነት ግን ቀዳማይ ቃል ኪዳን ብሓዲስ ቃል ኪዳን ክትካእ ኣለዎ ዝብል ጠለብ ብሃይማኖታውያንን መበቈላውያንን ሰልፍታት ቀሪቡ ኣሎ። ትርጉም ደውላ (state) ኤርትራ ኣብ ሃይማኖት ይመስረት ማለት ቋንቋ ዓረብ ብሃይማኖት ተተኪኡ ማለት ድዩ? ቋንቋ ዓረብ፡ ኣብ ኤርትራ ክልተ ሕቶታት የልዕል፥ ንሳቶም ድማ ሀ) ኣመንቲ ምስልምና ኣብ ዓለም መበቈላዊ ቋንቋታቶም ብዓረብ ተኪኦሞ ድዮም? ለ) ንቛንቋ ብዝምልከት መሰል ኣመንቲ ክርስትና ኣብ ኤርትራ እንታይ እዩ? ብተመሳሳሊ ሃይማኖታዊ ደውላ ይመስረት ማለት ኤርትራ ኣብ ምስልምናን ክርስትናን ዝተመስረተ ደውላን መንግስትን ይሃልዋ ማለት ድዩ? ስለምንታይ እዩ እቲ ቀዳምይ ቃል ኪዳን ክቕየር ተደልዩ ዘሎ? እዞም ዝተጠቕሱ ሕቶታት መሰረት ልዝብ ኣብ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ክዀኑ ተስፋና እዩ።

ብሄራትን ደውላን

ከምኡ እውን ሕቶ “ብሄር ከም ማእከላዊ ሕቶ ምስ ዝውሰድ ቋንቋ ዓረብ ብቋንቋታት ብሄራት ክትካእ እዩ ማለት ድዩ? ወይ ድማ ነቲ ተደምዲሙ ዝነበረ ተቕሲማዊ ምንቅስቓስ ከም ብሓዲስ ክበራበር ኣለዎ ማለት ድዩ? ኣብ ሃይማኖትን ኣብ ብሄርን ዝተመስረተ ኤርትራዊ ልዝብ ክህሉ እንተዀይኑ ኣብ ፖለቲካዊ ቋንቋና ክንስማማዕ ይግባእ። ንምሳለ “ብሄር ወይ “ብሄርነት ክንብል ከሎና እንታይ ማለትና እዩ? ኣብ ትርጉም ብሄር ወይ ብሄርነት ምስ ተስማማዕና ዘተና ሃብታምን ሰናይን ክኸውን ይኽእል እዩ። ካብ እዞም ዝተጠቕሱ ቃል ኪዳናት ኣየናዮም እዩ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ምስናይ ፍሉየነታቱ፡ ብሰላም ከንብሮ ዝኽእል? ስለዚ ንዝምድናታት ሃይማኖትን ብሄርን ኣውራጃን ምስ ቅርጻ ደውላ ኣዛሚድና ንኹላትና ኤርትራውያን ብሰላም ክንብሩና ዘኽእሉ ፍታሓት ምንዳይ ማእከላይ ዕላማ ካልኣይ ጉባኤ እዩ።

እቲ ኣብ ላዕሊ ዘካየድናዮ ትንታነ ከም ዝሕብሮ ኣብ ኤርትራ ንሕቶ ብሄር ሓደ ጠቕላሊ ፍታሕ የልብሉን ኣንታይ ደኣ ብሄራት ኤርትራ በቶም ዝተጠቅሱ መዐቀኒታት ብሄራዊ መንነቶም ብታዕሪፍ (Definition) ጠለባቶም ከነጽሩ ይግባእ። መበገሲና ኩሎም ብሄራት ኤርትራ ንዋጋታት ነጻነትን ልዕላውነትን የኽብሩ እዮም ዝብል እዩ። ብዝተረፈ ሓዲስ ተቕሲምነት ብስም ብሄርነት ተቐላቒሉ ማለት ድዩ?

ጉዳያት ውህደትን ፍሉይነትን

መሰላት ሃገራዊ ስምረትን ስኒትን ብመሰላት ፍልዩነታት ክዕብለሉ የልብሎምን። ከምኡ እውን መሰላት ሃይማኖትን ወገንን ብስም ሃገራዊ ስምረትን ስኒትን ክግሃሱ የልብሎምን። ስለዚ ቀዳማይ ትርጉም ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዝተመስረተ ብዝሃ-ሰልፋዊ ደሞክራሲ ክኸውን ከሎ፣ ካልኣይ ትርጉሙ ኣብ መንጎ ሃገራዊ ስምረትን ስኒትን ፍልዩነታትን ዘሎ ዝምድና ምንጻር እዩ። ንውህደት ብዝምልከት ሃገራዊ ነጻነትን ልኡላውነትን ምእኩል መንግስትነትን ክኸውን ከሎ፣ ንፍሉይነት ዝመልከት ድማ መሰላት ወገንን ሃይማኖትን ኢማእከላውነትን እዮም። ነዞም ክልተ ሓቅታት ዝጥርንፍ ኣይድዮሎጊ ምብጋስ ናይ ኩሉና ሓላፍነት እዩ። ሃገራዊ ዕርቂ ካብ ህንጸት ድሞክራስያዊ ስርዓት ተነጺሉ ክርኤ ኣይግባእን። ሕቶታት ልኡላውነትን ደውላን ማሕበራዊ ስኒትን ድማ ንክትዕ ተኸፊቶም ኣለዉ። ንሕቶ ልኡላውነት ብዝምልከት ናትና እንብላ ሃገር ከይሓዝና ንድሞክራሲ ምቅላስ ከንቱ እዩ።

ሕቶ ዓብላሊ ብሄርን ተዓብለልቲ ብሄራትን

ቅድሚ መግዛእቲ ጥልያን ምእኩል ኤርትራዊ ምሕደራ ኣይነበረን፡ እንታይ ደኣ ቀቢላታትን ነገዳትን ብፍኑው ኣገባብ ብሰላም ጐድኒንጐድኒ ይነብሩ ነበሩ። ባሕረ-ነገስታት ዝውንንዎ መስፍናዊ መሬትን ዝመልክዎ ዕሱብ ሕብረተሰብን ኣይነበሮምን። ብሕገእንዳባ ይገዝኡን ይግዝኡን ነበሩ። ነገደሰብ ትግሪንዪ ከም ዓብለልቲ ክቐርቡ እንተዀይኖም ብመጽናዕትን ምርመራን ምስ ዝስነ ፖለቲካዊ ኣድማዕነት ክህልዎ ይኽእል። ብዝተረፈ ከም ትኩስ ፖለቲካዊ ንፋስ ጥራይ እዩ ክውሰድ። ንግዝኣት ቱርክን ግብጽን ምስ እንወስድ መጥቃዕቲ ኣብ ሰበነገድ ትግሪንዪ ከም ዝወረደ ንግንዘብ፤ ንመግዛእቲ ጥልያንን እንግሊዝን ኣብ ግምት ምስ እነእቱ እውን እቲ ተጽዕኖን መጥቃዕትን ኣብ ልዕሊ ነገደሰብ ትግሪንዪ ከም ዝተሰንዘረ ኢና ንግንዘብ። ኣብ ላዕሊ ከም ዝተጠቕሰ፡ ነገደሰብ ትግሪንዪ ኣብ ታሪኽ ዓብላሊ እንተነቢሩ ተመራመርቲ ታሪኸ ነገደሰብ ትግሪንዪ መኣስን ንመንን ከም ዝዓብለለ ከብርሁልና ንጽበ። ኣብ ምርመራን መጽናዕትን ዝተመርኰሱ ፖለቲካዊ ፍልጠት ንሃገራዊ ልዝብ ይሕግዝ እዩ። እዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ተተኺሉ ዘሎ ምልካዊ ስልጣን መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተሃንጸ ስልጣን እዩ። እምነ-ማእከል (core) ህዝባዊ ግንባር ሐርነት ኤርትራ ካብ ልፍንቲ ሰለስተ ጨንፈራት ህዝባዊ ሓይልታት “PLF ዝቐወመ ነበረ። ብኣባቛላዊ ኣዘራርባ ተጋደልቲ ትግሪኒን ሰምሃርን ስሕልን ማርያን ነበሩ። ውሽጣዊ ዝምድናታት ናይዚ ልፍንቲ ኣብዞም ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርቱ-ዓመታት (decade) ብመነጠቕ (logic) ውሽጣዊ ጥምጥም ስልጣን ተቐይሩ እዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ ሎሚ ስልጣን ኣብ ኢድ ትግሪንዪ ዲክታቶርን ደርቢ ህግደፍን ተጠርኒፉ ኣሎ። እዚ ተርእዮ ግን ነገደሰብ ትግሪንዪ ዓብላሊ ብሄር ኰይኑ ኣሎ ማለት ኣይኰነን። ብተወሳኺ ነገደሰብ ትግሪንዪ ዓብላሊ ብሄር እዩ ምባል፡ ቀዳማይ ጸላኢ እዩ ከም ምባል ከይኰውን ምጥንቃቕ ከድሊ እዩ። ሎሚ ተዓብለልቲ ብሄራት ካብ ዓብላሊ ነገደሰብ ትግርንዪ` መሰል ርእሰ ውሳነ ክጠልቡ ኣለዎም ኢልካ ምምጓት ምስ ህልዊ ፖለቲካ ኤርትራ ይቃዶ ድዩ? ብተወስኺ ዘዓውት ፖለቲካዊ ስትራተጂ ድዩ?

ኤርትራዊ ሃገራውነት

ሃገራውነት ኣብ ሀገራዊ ኣይድዮሎጊ ስለ ዝምስረት “መቖምያታት ኤርትራዊ ሃገራውነትና እንታይ እዮም ዝብል ሕቶ ማእከላዊ ኣገዳስነት ኣለዎ። ዲክታተራዊ ስርዓት ንሓድነትን ህዝብን ሃገርን ዝጠምሩ ማሕበራዊ ፈትልታት ስለ ዝበተኾም፡ ኣውራ ነቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተዀኲአ ሃገራውነት ኣዳኺምዎ ይርከብ። ኣብ ግዜ ቃልሲ መንፈስን ኣእምሮን ህዝብናን ተጋደልትን ኣንጻር ስርዓታት ሃይለስላሴን ደርግን ስለ ዝነበረ፣ ብኻልኣይ ሸንኽ ድማ ኣንጻር ሃጸይነት ስለ ዝነበረ፣ ህገራውነትና “ነጻ ኣውጻኢ ሃገራውነት ተብሂሉ ክስመ ይኽእል። ድሕሪ ነጻነት ደርባውን ብሄረሰባውን እምነታውን ረቛሒታት ምስ ሃገራውነት ክወዳድሩ ንርኢ፣ ስለዚ ሕቶ ሃገራዊ ሓድነት ማእከላይ ቦታ ሒዙ ክንዲ ዝርከብ ብእምነታውን ነገዳውን ኣውራጃውን መለለዪታት ከይትካእ ንሰግእ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እዞም ዝተጠቕሱ ፍልዩነታት ከም ሃገራዊ ሃብቲ ክንዲ ዝዕንብቡ፡ እሞ ምቖምያታት ሀገራውነትና ክንዲ ዝዀኑ፡ ኣርእስትታት ሰሓቦ-ጉተቶ ኰይኖም ይርከቡ ኣለዉ። ኣብ ክሊ ደሞክራሲ ንኹሎም ኤርትራውያን ክጥርንፍ ዝኽእል ሃገራውነት ንረቛሒታት ውህደትን ፍሉይነትን ዘዛመድ ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ ስምረትን ስኒትን ዝረጋገጹ። ስለዚ እምበኣር ሓደ ካብቶም ንህዝቢ ኤርትራ ገጢሞሞ ዘለዉ ጸገማት ድኻም ኤርትራዊ ሃገራውነት እዩ። ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ነዚ ማእከላዊ ሕቶ መፍትሒ ከበርክት ትጽቢት ይግበረሉ።

ሳልሳይ ክፋል

መዋጽእ ካብ መዋጥር ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባን ምልማስ ሃገራዊ ባይቶን

ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንመብዝሕቶም ተቓወምቲ ሓይልታት ኣወሃሂዱ። ከምኡ እውን ንኣግደስቲ ሰነዳት ተኻቲዑን ኣጽዲቑን። ንሳቶም ድማ፥ ቅዋም ባይቶን ሕገባይቶን ካርታ ጒዕዞን እዮም። ሃገራዊ ጉባኤ ንጽባሕ ክም መበገሲ ዝዀውን ሕገመንግስቲ ከይተረፈ እውን ኣጽዲቑ እዩ። ብተወሳኺ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ኣቕዊሙ። ንትካል ሃገራዊ ባይቶ ዘፍርስ ሕጊ ወይ ሓይሊ የልቦን። ብመሰረት ሰነዳት ቀዳማይ ሃገራዊ ጒባኤ፡ ንሃገራዊ ባይቶ ክፈርስ ዝኽእል ትካል ንህግደፍ ዝትክእ ባይቶ ምስ ቀወመ ጥራይ እዩ። ስለዚ እምበኣር ኣብ ካልኣይ ሃገራዊ ባይቶ ዘሰጋግር ኣካል ሕጋዊ ክኸውን ግዲ ይኸውን። ቀንዲ ሓላፍነት ናይቶም ኣብ ፈጻምን ሓጋግን ጸፍሕታት ባይቶ ዝተመርጹ መራሕቲ፡ ብጥርኑፍ ኣገባብ ኣንጻር ዲክታተራዊ ስርዓት ህግደፍ ምቅላስን ናብ ካልኣይ ጉባኤ ምስግጋርን ነበረ። ትጽቢት ኣባላት ባይቶን ብሓፈሻኡ ድማ ተቛወምቲ ሓይልታን ኣብ ካልኣይ ጉባኤ እንታይ ነበረ? እቶም ቀንዲ ትጽቢታት እዞም ዝስዕቡ ነበሩ፥

• ፈጻሚ ሽማግለ ብኣቦ መንበርነት ሃገራዊ ባይቶ ጸብጻቡ ከቕርብ
• ኣቦ መንበር ሃገራዊ ባይቶ ጸብጻብ ፈጻሚ ሽማግለ ምስ ተቐበለ ንካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ተካይድ ሰክረታርያ ምስ ኣምረጸ ካብ ኣቦ መንበርነት ኣኼባ ክወረድ
• ካብኡ ሰክረታርያ ኣኼባ ኣጀንዳ ሰሪዓ ኤኼባ ተካይድ
• ኣቦ መንበር ሃገራዊ ባይቶ ጸብጻቡ የቕርብ
• ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንኻልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ትመረጽ

እዞም ዝተጠቕሱ ኣገባባት ልሙዳት እዮም፣ ካልእ ይትረፍ ብመግለጺታት ተዘርጊሖም እዮም። ስራሕ ካልኣይ ኣኼባ ከይጀመረ ከሎ ንሓደ ኣብ ኣጀንዳ ክኣቱ ዘይግብኦ ኣርእስቲ ብምትእትታው ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ብዝይ ቅዉምነገር ተበታተነ። ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተዘረጉ ፖለትካዊ ሸነኻት ሕገጥሒሳ ስጉምትታትን እውን ተወስዱ። ኣቦ መንበር ሰክረታርያ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሕጋውያን ኣገባባት ብምንጻግ ኣብ ኣጀንዳ ክኣቱ ዘይግብኦ ኣርእስቲ ማለት ወቐሳ ንኣቦ ሰውራ ስዉእ እድሪስ ዓዋተ ከም ቀዳማይ ነጥቢ ክትዕ ብምቕራብ ንኻልኣይ ጉባኤ ካብ ዕላምኡ ኣውጽኦ። ኣቦ መንበር ባይቶ ነዚ ስጒምቲ ብምውሳድ ንስራሕ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ በተነ። ንብሄር ኩናማ ብምድስካል ድማ ቀዳማይ ሕገኣልቦ ስጒምቲ ወሰደ። እቲ ቀንዲ ኢሕጋዊ ስጒምቲ ግን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ከይተመርጸት ንኻልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ምፍናዉ እዩ። ግዜ ኣኼባ ተወዲኡ እዩሞ ጉዳይ ምቕዋም ኣሳናዳዊት ሽማግለ ንመሪሕነታት ፈጽሚ ሽማግለን ባይቶን ንግደፈሎም ብምባል ንኻልኣይ ኣኼባ ባይቶ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣፋነወ። ከም ምቛም ኣሰናዳኢ ሽማግለ ዝኣመሰለ ዛዕባ ኣብ ኣጀንዳ ኣትዩ ርእይቶ ደገፍትን ተቓወምትን ሻራ-ኣልቦን ተመዝጊቡ ኣብ ምድማጽ ምስ ኣተወ ጥራይ እዩ ሕጋውነት ክለብስ ዝኽእል። ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሕጋውነት እዩ ዝምስረት፡ እምበር ኣብ ሕገ-ኣልቦነት ዝምስረት ደሞክራሲ ኣብ ዲክታቶርነት እዩ ዘምርሕ። ብተወሳኺ ፈጻምን ሓጋግን ኣካላት ክማኸሩ ደኣ እዮም ሕጊ ዝፈቕደሎም እምበር ናይ ሕባር ውሳኔ ክወስዱ ሕጊ ኣይፈቕደሎምን እዩ። ኣብ እዞም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት መራሕቲ ክልተ ጸፍሕታት ባይቶ ኣስምባይዶ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ክቃለሱን ከቃልሱን ንሃገራዊ ባይቶ ብንእግላባዊ ኣገባብ ረሚሶሞ ይርከቡ።

ስውራዊ ስጒምቲ ዝስሙ ዕልዋ

ድሕሪ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ካልእ ኢሕጋዊ ተርእዮ ተቐልቀለ፣ ንሱ ድማ መራሕቲ ክለተ ጸፍሕታት ባይቶ፡ ከም ሓደ መሪሕ ጸፍሒ፡ ንነፍሱ ከም ሰውራዊ ኣካል ዘላለየ፡ ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ ሓባራዊ ውሳኔታት ወሰደ። ፈጻሚ ሽማግለን መሪሕነት ባይቶን ኣብ ኣግደስቲ ጉዳያት ክማኸሩ ደኣ ኣምበር ብሓባር ውሳኔታትን ፈጻሚ ስጉምታት ክወስዱ ሕጊ ኣይፈቅድን እዩ። ስራሕ ባይቶ ሓጋጊ እዩ። ስራሕ ፈጻሚ ሽማግለ ድማ ንውሳኔታትን ለበዋታትን ባይቶ ምትግባር እዩ። እዞም ክልተ ዝተፈላለዩ ትካላት ሓቢሮም ምስ ዝውስኑ፡ ንውሳኔታቶም ሰውራዊ ወይ ካልእ ኢሎም የጠምቕዎ ብዘየገድስ ሓደ ዘይሕጋዊ ኣካል ፈጢሮም ኣለዉ ማለት እዩ። በዚ ኣገባብ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ምቛምን ንኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ምብራርን ሕጋውያን ስጒምትታት ኣይኰኑን። ፍርቂ ሕጋውነት ስለ ዘይልቦ ምስጓግ ተጋዳላይ ዩሱፍ ብርሃኑ ዘይሕጋዊ፡ ምቛም ኣሰናድኢት ሽማግለ ግን ሕጋዊ ክዀውን ኣይክእልን እዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ ንኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ምብራር ዘይሕጋዊ እንተዀይኑ፡ ንኣሰናዳኢት ሽማግለ ምቛም እውን ሕጋዊ ኣይኰነን።

ፖለቲካዊ ሸነኽ ኢሕጋውነት

ሕገ-ኣልቦ ስጉምታት ፖለቲካዊ ሸነኻት እውን ኣለውዎ። ንፖለቲካዊ ሸነኻት ኣብ ግምት ምስ እነእቱ መሪሕነት ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ንዝተምዘዝዎም መደባት ስራሕ ኣብ ሸትኦም ኣየብጽሕዎምን፣ ንሳቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም። እቶም ስዱስተ ኮሚቲታት ስርሖም ኣይጀመሩን። ቅርጻ ዞባዊ ትካላት ባይቶ ብትኽክል ኣይቀወሙን። ኣብ ጉዳይ ስደተነያታትን ውፉያት ሲናይን ሓገዝ ይኹን ምክልኻል ኣየበርከቱን። ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ይኹን ካልኦት ሃገራት ዝምድናታት ኣይፈጠሩን። ንመንእሰያት ምጥርናፍ ግደ ኣይተጻወቱን። ነቲ ኣብ ድያስፖራ ዝርከብ ህዝብና ኣይጠርነፉን። ባይቶ ኤርትራ ንደሞራስያዊ ልወጢ ብባይቶታት ሰንዓ ፎሩም ሕጋዊ ተፈላጥነት ከርክቡ ኣይከኣሉን። ምስ ባይቶታት ዓለም ስለ ክፋለጥ ንማእከላይ መደበር ባይቶ ኣብ ውጻኢ ከቕውሙ ኣይበቕዑን። ንኤርትራዊ ዓቕምታት ስትራተጅን ሞያን (expertise) ተኸሱስን (specialization) ዝጥርንፍ ትካል Think Tank ኣብ ባይቶ ኣይመስረቱን።

ናብ ሃገራዊ ዋዕላ ዘብጽሑና ሕጋውያን ስጉምትታት

ህጹጽ ኣኼባ ፓልቶክ

ብሕጋዊ ኣገባብ ናብ ካልኣይ ሃገራዊ ባይቶ ዘብጽሓና ትካል ካብ ዘይህልው እዚ ዕንቅፋት ብኸመይ ይስገር? ቅድሚ ዝተፈላለዩ ፍትሓት ነሰላስል ኣብ ኣእምሮ ኩልና ክሰፍር ዝግብኦ ጉዳይ ኣሎ፡ ንሱ ድማ ክልተ ናብ ቃልሲ ክብርከቱ ዝግብኦም ዓመታት ከንቱ ከም ዝተሓሸሹ እዩ። ሓደ ብዙሕ ግዜ ዝጥቀስ ዕላማ ኣብ ህጹጽ ብፓልቶክ ዝካየድ ኣኼባ ባይቶ ጸገማት መሪሕነት ምፍታሕ እዩ። ካልኣይ ዕላማ ድማ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ መምራጽ እዩ። ከበድቲ ዛዕባታት ናብ ክትዕ ፓልቶክ ምወራድ ፖለቲካውን ተክኒካውን ሸነኻት ኣብ ግምት ምእታው ይጠልብ። ፖለቲካዊ ሸነኹ ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ዝተዓዘብናዮ እዩ። ንሱ ድማ ማሕበራዊ ኣፈጣጥራ ሃገርና ንጉዳያት ሃይማኖትን ወገንን ኣውራጃን ኣብ ግምት ከእቱ ስለ ዝግደድ እዩ። እዞም ተነካእቲ ረቛሒታት ኣንኳንዶ ብፓልቶክ ኣብ ሃዋሳ እኳ ክንደይ ከም ዘሰሓሓቡ ንፈልጥ ኢና። ከምኡ እውን ንተክንካዊ ጸገማት ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እዩ። ንልዕሊ ሰለስተ ዝዀኑ መዓልትታት ምልኣተ ጉባኤ ፓልቶክ መርካብ ኣጸጋሚ እዩ። ን90 ዝዀኑ ኣባላት ባይቶ ብፍትሒ ኣካቲዕካ ኣብ ውሳኔ ምብጻሕ ኣይካኣልን እዩ። ኣብ መወዳኣትኡ ቁሩብ ጉድለት ምስ ዝርከብ ኣብ ፓልቶክ ዝተወሰኑ ሕጋውነት የልብሎምን ተባሂሉ እውን ክንጸግ ይኽእል እዩ። ኣብ ላዕሊ ከም ዝተተቕሰ ክልተ ዓመታት ተሓሺሾም ኣንዳበልና ብፓልቶክ ድማ ካልኦት ዓመታት ከይንሕሽሽ ምጥንቃቕ ከድሊ እዩ።

ውሑስ ሕጋውነት

ንውሑስ ሕጋውነት ክንረክብ ኣብ ምንጺ ሕጋውነት ክንምለስ ንግደድ። ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ዘብጽሑና ስጉምትታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፥

• ውሳነ ቀዳማይ ጉባኤ ኪዳንን በርጌሳውያን ማሕበራትን ብ2008 ዓ.መ.ፈ.
• ወርክሾፕ ንምስንዳእ ሃገራዊ ዋዕላ ብ2009
• ውሳኔታት ሃገራዊ ዋዕላን ምቛም ኮሚሽንን ምስንዳእ ሃገራዊ ባይቶን ብ2010
• ብ2012 ምቛም ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን ምጽዳቕ ሰነዳቱን ምርጻ ሕጋውን ፈጻምን መሪሕነታት ሃገራዊ ባይቶን እዮም

እዚ ሕጋዊ ጉዕዞ ኣብ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ስለ ዝተዓንቀፈ ናብ ክልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ከመይ ከም ዝብጻሕ ማእከላዊ ሕቶ ኰይኑ ተረኺቡ ኣሎ። ሕጋውነትን ኢሕጋውነትን ብንጹር ምስ ዝፋጠጡ ሓደ ማእከላዊ ሕቶ ይልዓል ንሱ ድማ፥ቅድመ ሕገኣልቦነት ምቕልቓሉ እንታይ ውድዓዊ ሕጋውነት ነበረ፡ ወይ ድማ “What is the Status quo ante?” እዩ። እቲ መልሲ ንጹር እዩ፥ ባይቶ ቅድሚ ኣብ ማዕዘቕቲ ሕገ-ኣልቦነት ምእታው ዝነበረ ሕጋዊ ትካል ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክርስያዊ ለውጢ እዩ። ካልኣይ ክዝከር ዝግብኦ ሓቂ እውን እሎ። ብምኽንያት በቲ ሽዑ ዝነበረ ሃውጺ እታ ንጉባኤ ከተካይድ ዝተመርጸት ሰክረታርያ ንስራሕ ሃገራዊ ኮሚሽን ንገምጋም ጉባኤንያታት ከየቕረበቶ ሓለፈት። ጉባኤንያታት ድማ ንስራሕ ኮሚሽን ድሕሪ ምግምጋም ብምስጋና ይኹን ወይ ወቐሳ ርእይትኦም ኣየመዝገቡን። ካብኡ ሰክረታርያ ጉባኤ ንመዝነት ሃገራዊ ኮሚሽን ትካላዊ ህላወኡ ከም ዘብቅዐ መፍለጠት። እዚ ሕጋዊ ስጉምቲ ስለ ዘይተወስደ ሃገራዊ ኮሚሽን ስለ ዘይተፋነወ ምስ ሕጋዊ ህይወቱ ይርከብ ኣሎ። ብንጹር ሕጋዊ ኣዘራርባ ብኢሕጋዊ ፈትሊ ተንጠልጢሉ ኣብ ፖለቲካዊ ዕንወት ኣንቀልቊሉ ዝርከብ ሃገራዊ ባይቶ ብሕጋዊ ምብርምባር ሃገራዊ ኮሚሽን እዩ ዝፍታሕ። እዚ ሕጋዊ ስጉምቲ ፖለቲካዊ ጥቕምታት እውን ኣለውዎ። ንሳቶም ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፥

1. ኣብ ሃገራዊ ኮሚሽን ካብ ኪዳንን ካብ ኪዳን ወጻእን ዝዀኑ ወከልቲ ይርከብዎ
2. ከምኡ እውን ወከልቲ በርጌሳዊ ማሕበራት ይርከብዎ
3. ንጆግራፋዊ ዝርጋሐ ዝምልከት ኣባላት ኮሚሽን ኣብ ኩሎም ዞባታት ዓለም ይርከቡ
4. ኮሚሽን ንጉባኤ እንዳ ኣሳናድኤ ኣብ ዜናውን ዲፕሎማስያውን ፊናንሳውን መዳይት ናይ ምቅላስ ስኑድ ተሞክሮ ኣለዎ
5. ሃገራዊ ኮሚሽን ኣብ ምስታፍ ጉባኤይናታትን ምስንዳእ ሰነዳትን ምስኩር ተሞክሮ ኣለዎ
6. ንካልኣይ ጉባኤ ኣብ ግዚኡ ንምጽዋዕ ምክስኩር ተሞክሮ ኣለዎ
7. ሃገራዊ ኮሚሽን ካብ ሻራነት ነጻ እዩ

ሀገራዊ ኮሚሽን ንኻልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ነዞም ዝስዕቡ ጒዳያት ከማልእ ይግባእ፥

• ኪእላታት ሕግን ፈላጣት ፖለቲካን ክሳተፍዎ
• ብሕማም ይኹን ብኻልእ ምኽንያታት ዕረፍቲ ዝጠየቑ ኣባላት ድልየቶም ክኽበረሎም
• ዘተ ምስ እቶም ሓይልታት ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ዘይተሳተፉ ኣካላት ክጅመር

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!!!
2013-08-31
ኣኼባ ተበግሶ ስቶኮሆልም
ሕሩይ ተድላ ባይሩ
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!!!



Share with friends:


See also recent articles and Seminars by Veteran Dr. Herui Tedla Bairu
ካልኦት ብ'ብገዲም ተጋዳላይ ዶ/ር ሕሩይ ተድላ ባይሩ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ሰሚናራትን ኣብ ታሕቲ ተወከሱ :-


Eritrea And Ethiopia: A Front Row Look At Issues Of Conflict Paperback – 30 Jun. 2017
by Herui Tedla Bairu (Author)


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

International Conference for Democracy in Eritrea, 15-18 December 2000, Stockholm.
ዋዕላ ንደሞክራስያ ኣብ ኤርትራ፡ ክፉት ዓለምለኻዊ ዋዕላ ስቶክሆልም፡ ንደሞክራስያ ኣብ ኤርትራ (15-18 ታሕሳስ 2000)።

Permission to publish this documentary video on www.snitna.com has been obtained from Dr. Herui Tedla Bairu.
እዚ ቪድዮ`ዚ፡ ብፍቓድ ዶ/ር ሕሩይ ተድላ ባይሩ፡ ብመንገዲ www.snitna.com ዝቐርበልኩም ዘሎ ሰነድ ኢዩ።
International Conference for Democracy in Eritrea, 15-18 December 2000, Stockholm.
View in New window

Permission to publish this documentary video on www.snitna.com has been obtained from Dr. Herui Tedla Bairu.
እዚ ቪድዮ`ዚ፡ ብፍቓድ ዶ/ር ሕሩይ ተድላ ባይሩ፡ ብመንገዲ www.snitna.com ዝቐርበልኩም ዘሎ ሰነድ ኢዩ።



Share with friends: