ተቃወምትን ደገፍትን እንታይዩ ጉድና?

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

24/11/2020 23:12 PM

ተቃወምትን ደገፍትን እንታይዩ ጉድና

ብ`ገብረዝጊ ኣፍወርቂ

ተቃወምትን ደገፍትን እንታይዩ ጉድና

ተቃወምትን ደገፍትን እንታይዩ ጉድና
ብኣቶ ገብረዝጊ ኣፍወርቂ

መንግስቲ ሃይለስላሴ ብፈደረሽን ምኽንያት ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ቀስ ብቐስ እግሩ ኣደልዲሉ ምስ ረገጸ ብሐይሊ ኣብ ልዕሌና ጎበጣ ፈጺሙ። ኤርትራዊ ድማ ገድሊ መስሪቱ ኣንጻሩ ተላዒሉ፣ ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ፣ ህዝቢ ተቐቲሉ ካብ መነባብራኡ ተመዛቢሉ፡ ተሰዲዱ፡ ዓዱ ዓንዩ፡ ብዙሕ መሰናኽላት ሐሊፉ፡ ዓቦይቲ ዕጥቅታት ኣጥሪዩ፡ ልዕሊ ጸላኢ ሐይሉ፡ ድሕሪ መሪር ቃልሲ ደም ደቁ ከፊሉ ነጻነት ኣምጺኡ ኣብ ቅድሚ ዓለም ብረፈረንዱም ኣድሚጹ ሃገሩ ማዕረ ካልኦት ሃገራት ዓለም ከም እትስራዕ ገይሩ።

ግዚያዊ ፕረሲደንት ኤርትራ ስልጣን ምስ ሐዘ ከምታ ሃይለስላሴ ዝገበራ ሕጊ ረጊጹ ቀስ ብቐስ ኩሉ ትካላት መንግስቲ ተቆጻጺሩ፣ ህዝቢ ምእንቲ ክጠሚ ኣፍረይቲ ኣብያተ ዕዮታት ዓጽዩ። ዓገብ ትጋገ ኣሎኻ ሃገራዊ ቁዋም ይተግበር ዝበሉ ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ዓቦይቲ ዓዲ፡ ጋዘጠኛታት ኣሲሩ ገና`ውን ይቕጽሎ ኣሎ። ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት መዋእል ዕድመ ዕሸላት ቆልዑ ኣባኺኑ ሕጂ ድማ ምስ ኣቢይ ወጊኑ ኣብ ዘየድሊ ናይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ውግእ ተሳቲፉ ወተሃደራት ጸላኢት ሃገር ኣብ መሬትና ዓዲሙ ኣእትዩ ምስ ወተሃደርና ከም ከብቲ ሐዊሹ ናይ ባዕሉ ድልየታት ከዓውት ካብ ማእከል መሬትና ናብ ክልል ትግራይ ዝቐንዔ ውግእ ከፊቱ ሰብን ንብረትን የጥፍእ ኣሎ። ውልቀ መላኺ ብዘይካ ናቱ ድልየትን ጥቕምን ናይ ካልእ ህዝቢ ድልየትን ጥቕምን ምንም ኣየገድሶንዩ። ውልቀ መላኺ በቶም አርሒቖም ዘይሐስቡ ካብ ዝተባህሎም ዝያዳ ዝፍጽሙ ተለኣኣኽቲ ኢዩ ዝደለዮ ዘፍጽም። መንግስቲ ንህዝቢ ዝሐስብ እንተኾነ ህዝቢ`ውን ንመንግስቲ ክሐስበሉ ኣለዎ። መንግስቲ ንህዝቢ ዘይሐስበሉ ምስዝኸውን ድማ ህዝቢ ንመንግስቲ ኣንጻሩ ክለዓል ኣለዎ። ከምቲ ውልቀ መላኺ ንጥቕሙ ዝሐስብ ህዝቢ ድማ ብዝለዓለ ንጥቕሙ ክሐስብ ይግባእ፣ ህዝቢ ኣብ ሐደ እንተ ሰሚሩ ጸላኢና ጉጅለ ህግደፍ ሂወት የብሉን። ሐድነት ዓወትዩ። ጭቡጥ ምስክርና ዓወት ሐድነት ገድልና ኢዩ። ከተማ መቓብር ቃልሲ ኢዩ። ኣብ ማእከል ከተማታት ተቐሚጥና ንቃለስ ስለ ዘሎና ኣብዚ ዝሐለፈ ዓመታት ዓቕሚ ቃልስና ክልዕልን ክትሕትን ኩልና ተዓዚብናዮ ኢና። እንሆለ ድማ ጻማ ቃልስና ኩነታት ሃገርና ካብ ክፉእ ናብ ዝኽፍኤ ክኸይድ ንርእዮ ኣሎና። ዓድና ዓውደ ውግእ ኮይና ኣላ። ደለይቲ ፍትሒ ከም ምህላው ኣሎና፣ ኣፍንጫ ጸላኢና ግን ገና ኣይተንከፍናዮን። ደገፍቲ ድማ ንናይ ውሽጢ ጸላኢ ንዲክታቶር ብገንዘብ ብሞራል ሐጊዝኩም ህዝብኹም ኣጨፍጪፍኩም። ኣብዚ ክንበጽሕ ዝገበረና ድማ ብኽልቲኡ ሸነኽ ተቃወምቲ ወይ ደገፍቲ ካብ መጀመርያ ብቕርሕንትን ብህልኽን ብሃቦ ተረከቦ ስለተበገሰ ኢዩ። ተቓወምቲ ንስለምቕዋም ከምተቓወ ምና፣ ደገፍቲ` ውን ንስለ ምድጋፍ ከምዝደገፉ ኢዩ ናይ ክልቲኡ ሸነኽ ብግብሪ ዝርኤ ዘሎ። እቲ ዝነበረ ኩነታት ብመጽናዕቲ፡ ብትዕግስቲ፡ ተረዲእካ ስለዘይተሰርሔ ክልቲኡ ኣካላትና ዘበርከቶ የለን። ሎሚ ብዘይካ እቶም ውሑዳት ተለኣኣኽቲ ኣባላት ህግደፍ ንመንግስቲ ዝድግፍ የለን። ኣስቂጦም ወይ ትም መሪጮም ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም፣ ትም ምርጫ ናይ ቃልሲ ኣይኮነን ንብሎም። ብዝጥዕመኩም ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ መሪጽኩም ኣንጻር እዚ ጨፍላቒ ስርዓት ተለዓሉ። ኩልና ምእንቲ ክጥዕመና ዝሐለፈ ጉድለታት ኣሪምና ዓንቃፊ ቃላትን ተግባርን ገዲፍና ሃገርና ክትህሉ ሐቢርና ብሰላም ክንነብረላ፡ ክፈላሊየና ዝኽእል ዘበለ ኩሉ ነገራት ኣልጊስና፣ ጸገምና ኣለሊና ብሕልናን ኒሕን ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ ጠጠው ክብል፣ ናይ ደገ ሐይሊ ክወጻእ ብጽንዓት ንግጠሞ።

1. ወተሃደር ኤርትራ ካብ ውሽጢ ወተሃደር ኢትዮጵያ ይፈለ፣
2. ወተሃደር ኢትዮጵያ ካብ መሬት ኤርትራ ይውጻእ፣
3. ተኹሲ ካብ መሬት ትግራይ ናብ መሬት ኤርትራ ጠጠው ይበል፣
4. ተኹሲ ካብ መሬት ኤርትራ ናብ መሬት ትግራይ ጠጠው ይበል፣
5. ወተሃደር ኤርትራ ዶብ ሃገሩ ጥራይ ክሕሉ ኣለዎ፣ ኢልና ንጸውዕ።

እንባገነን ኢሳያስ ምስ መራሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶክ ኣቢይ ክራኸብ ዕድል ስለ ዝረኽበ ካብ 2018 ጀሚሩ ክሳብ ውግእ ዝጅምር ህዝቢ ዘይፈልጦ ውዕላት ቃሕ ዝበሎ ክፍርም ርኢናዮ። መረጋገጺ ብንጹር ዘረባ ቃላትን ኣካላዊ ቛንቛን ዘርዚሩ ዝነገረና መግለጺ ሐሳባቱን ድልየቱን ኣብ ታሕቲ ተመልከት።

1. ንሕና ኣይከሰርናን፣
2. ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን: ክልተ ህዝቢ`ዩ ኢሉ ዝኣምን: ነቲ ሓቐኛ ታሪኽ ዘይፈልጥ ሰብ`ዩ፣
3. ምሕንጻጽ ዶብ ኣብ መንጎ እቶም ቡዙሓት ዘለዉ ሽግራት: እቲ ዝደቐቐ ሕቶ`ዩ: ልዕሊኡ ካልእ ዓቦይቲ ጉዳያት: ከም ምርግጋእ ኢትዮጵያ ናይ ዞናና ቁጠባዊ ውህደት ስለዘሎ፣ ኣብቲ ዝዓበየ ጉዳያት ኣቶኪርና ክንሰርሕ ኢና፣
4. እብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ሽግር ናይ ዶብ ግርጭት ኣይነበረን ኣይኮነን: ዶብና ድማ ልዕሊ ካልኦት ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ብዝተነጸረ ዝተሐንጸጸ`ዩ፣
5. ድሕሪ ሕጂ ዶክ. ኣቢይ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና: ንቐልዓለም ኣይኮነን፣ ምሉእ ስልጣን ሂበካ ኣለኹ፣
6. ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ታሪኻዊ ኪዳኖም ኣሐዲሶም ኢዮም፣
7. ነዚ ኣብ መንጎ ክልቴና ዝግበር ዘሎ ዝምድናታት ንምዕንቃፍ ዝፍትን ወይልኡ፣

ክቡራት ኣሐትን ኣሕዋትን ኤርትራውያን ተቓወምቲ ደለይቲ ፍትሒ ንኹን ወይ ደገፍቲ መንግስቲ ብጉዳይ ሃገርና ኩልና ተሐተቲ ኢና፣ ሃገርና ብዘይ ቁዋም ብሕጊ ኣልቦ እያ ትግዛእ ዘላ። ኣብ ዘመን ሕጊ ኣልቦ ኢና ንነብር ዘሎና። ኩሉ ኣፍ ደገ ዓድና ብመሬት ብኣየር ብባሕሪ መውጽእን መእተውን ዘይብሉ ተዓጽዩ፣ ኣብ ጊዜ ሕማም ኮሮና ቪሩስ-19 ሰብ አብ ገገዝኡ ብሕሰም ይነብር ኣሎ። ኣብ ጊዜ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ሐረስታይ ዘራእቱ ከይከላኸልን ክይእክብን ውግእን ወረ ውግእን ኮይኑ ኣሎ። እዚ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ውግእ ናይ ሐደ ህዝብን ሃገርን ዘየገድሶ ብደም ህጻናትን ዕሸላትን ዝጻወት ውልቀ ሰብ ድልየት ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ ብተወሳኺ ህዝቢ ንርእሱ ዝበልዖን ዝሰትዮን ዘይብሉ ብኳደረ ዓዲ ተኣዚዙ ወተሃደር ጸላኢኡ ክቕልብ ይግደድ ኣሎ። እንብኣርከስ ኩልና ደቂ ሃገር ኣብዚ ዝሐለፈ ዓመታት ኣብ ነንሕድሕድና ክንወናጀል ክንብል ጽቡቕ ጊዜ ሐሊፉና ኢዩ ከምዘይንመልሶ ድማ ንፍልጥ ኢና። ብምኽንያት ሐደ መላኺ ኣብ ልዕሊ ወለድና፡ ኣሕዋትና፡ ቤተሰብና ኩሎም ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ሞትን ስቓይን ነቶም ካብዛ ቦታ ውግእ ኮይና ዘላ ሃገርና ወጺእና ኣብ ስደት እንነብር ዘሎና ከይተረፈ ሰላም ከሊኡና ኣሎ። ስለዚ እቲ ኣብ ቦታ ስደት ኮንካ ክግበር ዝከኣል ተቃውሞ ኣብ ዘዘሎናዮ በብዓቕምና ሐቢርና ንግበር። እቶም ኣቐዲሞም ምእንቲ ፍትሕን ሰላምን ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ዝተቓወሙን እቶም ንመንግስቲ ክድግፉ ዝጸንሑን ሕጂ ድማ ኣንጻሩ ተላዒሎም ዘለዉን ኣብ ነንሕድሕዶም ነጻ ኮይኖም ብሐባር ክሰርሑ ኣለዎም። ዘይከኣል ኮይኑ እንተተራእዮም ግን ብዝሐሸ ካልእ ሜላ በብዝመረጽካዮ በብዝጥዕም ኣገባብ ቃልሲ ካብ ወጻኢ ዓድታት ቀጥታ ምስ ውሽጢ ሃገር ዘራኽብ መስመር ፈጢርካ ኣብ ዘዘሎኻዮ ሃገራት ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ኣኼባታት ብምግባር፣ ጽሑፋት ብምዝርጋሕ ካብኡ ንላዕሊ`ውን ክትቃለስ ይከኣልዩ። ኣብዚ ጊዜዚ ኣብ ጎልጎል ኢና ንጎይ ዘሎና ንኣምኖ ውድብ የብልናን፣ ዋላ ምስ ሓደ ተቓራሪብና ዘቃልስ ወይ መቃልስቲ የብልናን። ኣብታ ናይ ቀደምና ኢና ዘሎና፣ ኣይተራኸብናን ዘሎና፣ መራኸቢ መስመር ሃሰስ ንበል፣ ንራኸብ`ሞ ብዛዕባ እንደልዮን ዘይንደልዮን፡ ኣብ መርገጽና ዘሎና እምነትናን ተስፋናን ክንዘራረብ።

ኣንጻር ምልኪ ብሐድነት ተቓሊስና ክንዕወት ኢና፣

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና፣

ገብረዝጊ ኣፍወርቂ
19 Nov 2020


Share with friends:

ኣህጉራዊ ሕጊ ንልኡላውነት ኤርትራ ውሕስነት'ዶ ስግኣት፧
'ዘተ ምስ ናይ ሕጊ ምሁራት'


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: