መሰረት ህልው ፖለቲካዊ ቅልውላው ዞባናን፡ መንነትና ንምውሓስ ክንወስዶ ዘሎና ስጒምትን!

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

22/11/2020 23:55 PM

መሰረት ህልው ፖለቲካዊ ቅልውላው ዞባናን፡
መንነትና ንምውሓስ ክንወስዶ ዘሎና ስጒምትን!

ብ`በርሀ ፍስሃየ

መሰረት ህልው ፖለቲካዊ ቅልውላው ዞባናን፡ መንነትና ንምውሓስ ክንወስዶ ዘሎና ስጒምትን!

መሰረት ህልው ፖለቲካዊ ቅልውላው ዞባናን፡ መንነትና ንምውሓስ ክንወስዶ ዘሎና ስጒምትን!
ብ`ኣቶ በርሀ ፍስሃየ

ኣብዞም ዝሓለፉ ሳላሳ ዓመታት፡ ዓሌታዊ ጽልኢ ኣምሓራ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ እናሰፍሐን እናዓሞቐን ይመጽእ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። እዚ ከኣ ምስ ነጻነት ኤርትራ ዝተታሓዘ ከምዝነበረ ዝፍለጥ እዩ፣ እቶም ጽልኢ ዝዘርኡን ዝዝርግሑን ዝነበሩ፡ መነሊካውያን፡ ደርጋውያንን ትምክሕተኛታትን፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ንሳላሳ ዓመታት ዝፈስስ ዝነበረ ደም፡ ዝበርስ ዝነበረ ንብረት፡ ዝስደድ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ከይኣሕዘኖም፡ ነጻነት ኤርትራን ከም ሳዕቤን ምጥፋእ ወደባታን`ዩ መሪርዎም። እዚ ነቲ `ኤርትራ መሬታ`ምበር ህዝባ ኣየድልየናን` ንዝብል መትከሎም የረግግጸልና። በዚ ዝሰዓበ፡ ንህዝባዊ ወያነ ከም ሸያጢ ሃገር፡ ገንጸልትን ተገንጸልትን እናበሉ ይኸስዎም ከምዝነበሩ ኩሉ ዝዕዘቦ ዝነበረ ሓቂ እዩ። ወያነ፡ እጂገኦም ሰብሲቦም፡ `ነጻነት ኤርትራ ኣማራጺ ዘይብሉ፡ ክኽፈል ዘለዎ ዋጋ ሓርነት እዩ` ኢሎም። ኣንድነታውያንን ትምክሕተኛታትን ግን መርዛም ጽልኦምን ፖለቲካዊ ሽርሖምን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ምንዛሕ ቐጺሎም። ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ግን፡ ካብ ትምስረት ኣትሒዛ (1976) ኣብ ነጻነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣብ ዋጋን ዕዳጋን ከየእተየት ክሳዕ ሕጂ ይቃለሱ ምህላዎም ብሩህ ሓቂ እዩ። እስከ ብመንጽር`ዚ ኩነታት ኢትዮጵያ ንርአ።

ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ዝረአ ዘሎ ጸገምን ሽግርን ኢትዮጵያ ምንጩ እንታይ እዩ? ብሓቂ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝፈጠሮ ፖለቲካዊ ጸገም ድዩ? ብርግጽ ንምዝራብ፡ ካብ ዘመን ናብ ዘመን እናተጠናነገ ዝመጸ ናይ ብሄር ሕቶ ብሓደ ገጽ፡ ኣቕሊልካን ኣፍኲስካን ብምርኣይ መልሲ ክትህበሉ ዘይምፍታን ብኻልእ ገጽ፡ ``ጸላእተይ ኩሎም ክሳዶም ሓንቲ እንተ ትኾነለይ፡ ንሳ ከኣ ብሓንቲ ጉራደ ምቖረጽክዋ`` ኢልካ ምምናይ ማለት እዩ። ናይ ኢትዮጵያ ሽግር ምንጩ ህ.ወ.ሓ.ት ዝፈጠሮ ናይ ቢሄር ፖለቲካ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ግን፡ ደቂቕን ኣድቃቕን (reductionist) ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ እዩ።

ቅድም ቀዳድም ምርዳእ ዘድልዮ፡ ናይ ብሄር ፖለቲካ ዝጀመረት ህ.ወ.ሓ.ት ኣይኮነትን። ቅድሚ ህ.ወ.ሓ.ት ኦሮሞ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ (Oromo libration Front) ኦ.ነ.ግ፡ ንህዝቢ ኦሮሞ ወኪሉ ወትሃደራዊ ምንቕስቓስ ጀሚሩ ከምዝነበረ ጽሩይ ሓቂ እዩ። ህ.ወ.ሓ.ትን ኦ.ነ.ግን ተማኺሮም ክፉእ ናይ ቢሄር ፖለቲካ ገይሮሞ ከይብሃል እውን፡ ግዜን ቦታን (Time and Space) ኣይፈቅድን። ኦ.ነ.ግ፡ ናይ ህዝቡ መከራን ስቓይን፡ ኣብ መሬቱ ወጻእተኛ (ጓና) ከም ዝኾነ ስለ ዝገምገመ፡ ከም ሳዕቤኑ ናይ ብሄር ፖለቲካ፡ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ኣሰኒዩ ክጅምር ተገዲዱ። ናይ በትሻንጉል፡ ሲዳማ፡ ዓፋር፡ ሶማል፡ ወላይታ፣ ወዘተ እውን ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ዝነበረ ጸገምን ግፍዕን፡ ብምግምጋም ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሮም። ካብ`ዚ ብዝተፈልየ፡ ህ.ወ.ሓ.ት እያ ኣገዲዳ ብሄራዊ ፖለቲካ ከም ዘስጉሙን ከም ዝሓስቡን ገይራቶም ምባል ግን፡ ናይ`ዞም ዝተጠቕሱ ህዝብታት ሊሂቃን ወይ ምሁራን፡ ናይ ፍልጠትን ብስለትን ደረጃ ኣትሒትካ ምርኣይ ጥራይ እዩ ዝኸውን። ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ኦሮሞ፡ ``ሜጫ ቱለማ`` ዝበሃል ፖለቲካዊ ቅርጺ ዝነበሮ፡ ብሄራዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ከምኡ`ውን ኣብ ባሌ ተመሳሳሊ ኣብ ህዝቢ መሰረት ዝገበረ ምንቅስቓስ ከምዝነበረ፡ ኣብ ታሪኽ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ምንጪ ናይ ቢሄር ፖለቲካ`ምበኣር፡ ናይ ሓደ ብሄር ህዝቢ፡ ባህለይ፡ ቋንቋይ ከማዕብልን ክጥቀመሉን ፡ ባዕለይ ንባዕለይ ከመሓድር ኣይከኣልኩን ኢሉ እንተሓሲቡ፡ ዝደለዮ ናጻነት ንምርካብ ዝጥቀመሉ ፖለቲካዊ ሜላ እዩ። ብርግጽ፡ ብስም ናይ ቢሄር መሰል ሕቶ፡ ናይ ቢሄር ሊሂቃን ንባዕላቶም ናይ ቁጠባን ስልጣንን ጠቕሚ ከውዕልዎ ከምዝደልዩን፡ ብተግባር ከም ዝፍጽምዎን ብዙሕ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ግን፡ ናይ ኣፈጻጽማ ጸገምን ሽግርን`ምበር፡ ናይ መሰረታዊ ቢሄራዊ ሕቶ ጉድለት ኣይኮነን። ንኣብነት፡ ሶሻሊዝም ኣብ ግብሪ ክፍትኑ ዕድል ዝተዋህቦም ፖለቲካውያን፡ ሶሻሊዝም ህዝባዊነት መሰረት ዝገበረ ፖለቲካ፡ ብህዝባውነት ቁኑዕ መገዲ ኣብ ክንዲ ዝጓዓዙ፡ ካብ መንገዲ ሶሻሊዝም ነጢሮም ወጺኦም፡ ህዝቢ እናባልዑ፡ ብጉቦን ብስልጣንን ባዕሊጎም፡ እቲ ብጣዕሚ ክፉእ ገጽ ዘለዎ ካፒታሊዝም ዝወለዶ ሶሻሊዝም፡ ከም ጉጉይ ርእይቶ ዓለም ከም ዝኸውን ኣይገብሮን። ክእረም ወይ ክእሰር ዘለዎ፡ ሶሻሊዝም ኣይኮነን፤ እቲ ዝተባላሸወ ኣብ ኣፈጻጽማ`ዩ እቶም ፈጸምቲ ሰባት ድማ እዮም ክእሰሩ ዝግብኦም። ስለ`ዚ፡ ናይ ብሄር ሕቶ ዝፈጠሮ ባዕልኻ ንባዕልኻ ምምሕዳር ጸገም ኣይኮነን፤ ናይ ፍትሓውነት ሕቶ`ዩ። ጉዕዙይ ዝገብሮ፡ ብስም ብሄር ዝግበሩ ንውሑዳት ንዝተወሰኑ ሰባት ዘገልግል፡ ብስም መሰል ብሄር ከኽብር እየ እናበልካ፡ ዲክታቶራዊ ኣመሓዳድራ እናፈጠርካ፡ ጠቕሚን ረብሓን እትምዝምዘሉ እንተኾይኑ፡ ናይ ህዝቢ ዘይኮነስ ናይ ውሑዳት ተበለጽቲን ተጠቀምቲን ዝገብር እዩ። ክጉሓፍ ዘለዎ ጉዕዙይን ዘይውርዙይን ፖለቲካ ብምዃኑ፡ ኣብ ጎዱፍ ክድርበ ኣለዎ። ካብኡ ሓሊፉ ግን፡ ኣነ እየ ዝሓሸ ፍልጠት ዘሎኒ፡ ዝበልኩኹም ስምዑ፡ ናተይ ባህሊ፡ ቋንቋ፡ ታሪኽ ተቐበሉ፡ ኣነ እየ ዘመሓድረኩም ዝብል ኣገዳዲን ኣሃዳዊን ስርዓት እንተሃልዩ ግን፡ ሕቶ ቢሄር፡ ፖለቲካዊ ሰራውር እናሰደደን እናዓበየን ከም ዝኸይድ ጉሁድ እዩ፡ ስዒቡ`ውን ወተሃደራዊ ረጽሚ ከም ዘስዕብ ኣየጠራጥርን።

ስለዚ፡ ኢትዮጵያ ንምፍራስ፡ ህ.ወ.ሓ.ት ዝሃንደሶ ዕላማ እዩ እናበልካ ምዝራብ፡ ኣብ ጽልኢ ንዝነብሩ ቂምተኛታት ንመታለሊ ይጥቀምሉ። ኣብ ክንዲ መሰረታዊ መፍትሒ ሃሰስ ዝብሉ፡ ነቲ ዝነበረ ሽግር ከም ዝተሓላለኽ ይገብርዎ።እዚ ዘይሓላፍነታዊ ጉዕዙይ ፖለቲካ፣ ካብ ኣፍንጨኦም ኣርሒቖም ናይ ዘይርእዩ ፡ ምስ ዘመናዊ ኣተሓሳስባታት ኣህዛብ ዓለም ዘይጉዓዙ፡ ክፉእ መልክዕ በሄርትነት ንጹቡቕ ሕቶ በሄርትንት ዘለዎም፡ ገንጸልቲ፡ ኣገንጸልቲ፡ ሃገር ኣፍረስቲ እናበልካ ምኽሳስ ግን፡ ጣቛ ዘለዎ ፖለቲካ ኣይኮነን። ከምኡ እናበሉ ዝኸሱ ድማ ብሄረ ኣምሓራ እዮም፤ ንሳቶም`ውን እዮም ብሄራዊ ወይ ዓሌታዊ ሕቶ ዘልዓሉ፡ ናታቶም ሓላል ዝገበሮ ኸ መን እዩ?

ናይ ዮጎዝላቪያ ምፍራስ ተሓታቲ፡ ኩረሽያ ወይ ቦዝኒያ ናይ ቢሄር ሕቶ ስለ ዘልዓለ ዘይኮነስ፡ ኣጥቃዒ፡ ዲክታተራዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ፡ ደረቕ፡ ግትር ዝበለ፡ ኣነ ጥራይ`የ ናይ ሃገር ተስፋ ሓድነትን ምልክትን፡ ንስኻ ብላዕ ጥራይ፡ ምሕሳብ ናባይ ግደፎ ዝብሉ፡ ካልእ ኩሉ ክምራሕ`ምበር፡ ክመርሕ ዘይክእል፡ ኣፍራሲ እዩ ዝብል ዝነበረ ብሄረ ሰርብያ እዩ። ግትርነት ወይ ድርቅነት ናይ ሰርብያ፡ ንየጎዝላቪያ ካብ ምብትታን ኣየድሓናን።

ከምኡ ስለ ዝኾነ፡ ህወሓት ናይ ቀትሪ ዝብኢ ፡ህወሓት ገይም ኦቨር (Game over)፡ ዘራፊትን ዓማጺትን፡ ህወሓት ሃገር ሰሪቑ መቐለ ከይዱ ዕቕቧ ሓቲቱ ተባሂሉ።ከም ዕላማ፡ ካብ ንህዝቢ ትግራይ ነጻጺልካ ብሓባር ንምድምሳስ ዝዓለመ እከይ ፖለቲካ እሳያስ፡ ኣብዪ ኣሕመድን መንግስቲ ኣምሓራን እዩ። እንተኾነ፡ ህዝቢ ትግራይ ብምሉኡ ካብ ገዝኡ ወጺኡ፡ ህውሓት ካብ 98 % ንላዕሊ ብምምራጹ፡ ንትምክሕተኛታት ሓይልታት፡ ንእሳያስን ኣቢዪ ኣሕመድን ዓቢ ስምባደ ፈጢሩሎም። ሕጂ፡ ንህውሓት ምጽራፍ ማለት ግን ንምርጫ ህዝቢ ትግራይ ምቅላል ማለት ከምዝኾነ ንዓለም ኣርእዮም። ጸላእቲ ህዝቢ ትግራይ ግን ድምጺ የብልካን ይብልዎ ኣለዉ። እዚ ከኣ ንሓፋሽ ህዝቢ ትግራይ ከም ምቁንጻብን መሰሉ ምግፋፍን ምግሃስን ይሕሰብ። ንምርጫ ህዝቢ ትግራይ ምጽራር ማልት ከኣ፡ ንሕና ኢና ዝሓሸ ፍልጠት ዘሎና፡ በኣና ተኣዘዙ ማልት`ዩ። እዚ ኣተሓሳስብ`ዚ ኣብ ቂም ዝተሞርከሰ፡ ፖለቲካዊ ራኢ ዘይብሉ፡ ጸረ ፈደራሊዝምን ትምክሕተኛነትን እዩ ዝበሃል። ስለዚ እዩ ዶክተር ኣቢዪ ኣሕመድ መንግስቲ ኣነ እየ፡ ካብ ደቁኹም ንላዕሊ ኣነ እየ ዝሓልየልኩም፡ ዝሓሸ ፍልጠት ኣሎኒ፡ ኣነ ዝበልኩኹም ስምዑ ፡ ናተይ ሓሳብ ብግዲ ተቀበሉ፡ እንተ ዘይተቐቢልኩም ክድብድበኩም እየ፡ ቆልዓ ሰበይቲ ክበኽዩ እዮም ፡ ካልእ ስርዓት ዝበሃል ክህሉ የብሉን ዝብል ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ነዚ ስለ ዘይተቐበለ ኩናት ኣብ ልዕሊ መሰል ህዝቢ ትግራይ ኣዉጁ ዘሎ። እዚ ከኣ ጸቢብ፡ ካልእ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ዘይቕበል ኣምባ ገነን ስርዓት እዩ። እዚ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ መሰረታዊ መሰል ምርጫ ህዝቢ ትግራይ ክሳዕ ክንደይ ንዕቀት ከምዘለዎ ዘመላኽት እዩ። ብተወሳኺ፡ መደናገሪ መንፈሳዊ ቃላት ተጠቒሙ `ይቕረታ፡ ፍቕሪ፡ ምድማር (ሓድነት)` እናሰበኸ ናብ ውግእ ዘኣቱ መራሒ እነሆ። ከምሳዕቤን፡ እታ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ መርኣያ ቁጠባዪ ዕብየትን ፖለቲካዊ ርግኣትን ኮይና ንኣፍሪቃ ዓቢ ጽልዋን ተስፋን ዝነበራ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክትወጾ ዘይትኽእል ዓሌታዊ ውግእ ኣትያ። እዚ ንዓና ኤረትራውያን ዓቢ ሳዕቤን ኣለዎ።

ኣብዚ ከይዘኻኸርክዎን ከየተሓሳሰብክዎን ክሓልፍ ዘይደሊ ነገር እንተሎ፡ ጸረ-ፈደራሊስትን ትምክሕተኛታትን፡ ትረፍዶ ንህዝቢ ትግራይ ምሰኦም እናተሳቐየ ንዘመናት ዝነበረስ፡ ነቲ ንብዙሕ ዓመታት ኣዕጽምቱ ከስኪሱ ደሙ ኣፍሲሱ፡ ነጻነቱ ዘርጋገጸ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ኣባል ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝኾነት ሃገር ኤርትራ ዝወነነ ህዝቢ፡ ናይ ግዜ ሕቶ እዩ እምበር ኤርትራ ክንመልሳ ኢና፡ በትሪ እትሕዝ ምእዝዝቲ፡ ንረብሓ ኢትዮጵያ እትኸውን ክንገብራ ኣሎና፡ ስንና እናመወጽና ኣስመራ ክንኣቱ ንኽእል ኢና እናበሉ፡ ቀዳማይ ሻዕብያን ወያነን ኣጣፊእካ፡ ኣብ ነንሕድሕዱ ኣባሊዕካ ፣ ናይ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ህልውና ብዘይገድስ፡ ኢትዮጵያ ናተይ እትብሎም ወናኒት ባሕሪን ወደብን ክትከውን ኣለዋ ኢሎም ዝፍክሩን ዝሰብኩን ዘለዉ። እዚ እምበኣር፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ይድወል እሎ፣ መሬታ እምበር፡ ህልውና ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ዘይፈቅድ፡ ኣጽናቲን ዓሌታዊን ኣተሓሳስባ እዩ።እዚ ቃና`ዚ ካብ ምሁራት፡ ኣቕሽሽቲ፡ጋዜጤኛታትን ፖለቲከኛታት ኣምሓራ ንሳላሳ ዓመታት ክንሰምዕ ጸኒሕና ኣሎና። ስለዚ፡ ንጸላእየይ ጸላኢ ፈታውየይ እዩ ከምዝበሃል፡ ህዝቢን ሰራዊት ኤርትራን ኣንጻር ህልውናኻ ብቀዳማይ ጸላኢኻ እሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣቢዪ ኣሕመድን ቂምተኛታት ኣሃዳውያንን ዝሕሰብ፡ዝጥጃእን ዝሕቖንን ዘሎ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ፡ ኣብ ጎድኒ ሓውኻ ህዝቢ ትግራይ ኮንካ ብሕልና፡ ብሞራልን ብግብርን ንኽትስለፍ እላበወካ። እዚ ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ዘሎ ኩናት ብኹሉ መልክዑ፡ ቋንቋኻ፡ ባህልኻ፡ ስነ ልቦናኻ፡ ሃይማኖትካ ዘጥፍእን ፈጺሙ ዝድምስስን ስለ ዝኾነ፡ ናይ ግድን ክንቃለሶ ይግባና። ሓይሊ ትምክሕተኛታትን ኣጽነትን ክስበር ኣለዎ።

ስለዚ፡ ህዝቢ ትግራይ፡ ምርጫይ ዘይኽብር፣ ህዝቢ ትግራይ ዝመረጾ ሕጋዊ መንግስቲ ዘይቕበል ስርዓት፡ ሕገ-መንግስቲን ባዕልኻ ንባዕልኻ ምምሕዳርን ምውሳንን መሰል ዝኸልእ ስለ ዝኾነ፡ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ከም ምስ ደርጊ ተጠማጢምና ሂወትና ከፊልና ዝተቓለስናዮ፡ ስልጣኑ ግዲፉ ክሃድም ዝገበርናዮ፡ ነዚ ጽግዕተኛን ከዳዕን ጽረ-መንነትና ዝኾነ ስርዓት በብዝመጾ ክንምክቶ ኢና ኢሉ ተጎቲቱ ኣብ ኣዕናዊ ኩናት ኣትዩ እነሆ። እዚ ከኣ፡ ፍትሓዊ እዩ።

ከምዝፍለጥ፡ ናይ ኢትዮጵያ ፈደራል ተወከልቲ ቤት ምኽሪን ፈደረሽን ቤት ምኽርን ናይ ስልጣን ዘመኖም ዝጨረሹ፡ ሕጋውነቶም መስከረም 25፣2013 ብግእዝ ዝወድኡ፡ ናይ ቀደም ቤት ምኽሪ እዮም። እዞም ቤት ምኽርታት ስልጣኖም ኣረኪቦም ክሳዕ ምርጫ ዝግበር፡ ንህዝቢ፡ ዜጋታት ዝትንክፍ ሕጊ ከውጽኡ ኣይኽእሉን፡ ናይ ህዝቢ ገንዘብ ወይ ንብረት ክጥቀሙ ኣይኽእሉን። ስለዚ፡ እዚ ሕጂ ኣለኹ ዝብል ዘሎ ናይ ፈደረሽንን ተወከልትን ቤትምኽሪታት ብቕዋም መሰረት ዘይሕጋውያን እዮም። ስለዚ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ወሲኖሞ ዘለዉ ኣዕናዊ ኩናት፡ ሕጋዊ ኣይኮነን።

እምበኣርከስ፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፡ መንግስቲ ዶክቶር ኣብይ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፡ ውልቃዊ ቂሙ ንምርዋይ፡ ብምኽርን ሓልዮትን፡ እቲ መሰረታዊ ጸላኢ ህዝቢ ኤሪትራ ዝኾነ፡ እሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዝረአን ዘይረአን ፖለቲካዊን ቁጠባዊ ውግእን (soft instrumental war) ክወንጨፍ ድሕሪ ምጽንሑ፡ እንሆ ሕጂ ዕለት 03/11/2020 ሰዓት ፍርቂ ለይቲ፡ Hard instrumental war) ዓሌታዊ ኩናት ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወሊዑ፡ ንህዝቢ ኤርትራ እውን ኣብ ባርዕ ኩናት ኣእትይዎ ኣሎ። እዚ ተርእዮ`ዚ ብጣዕሚ ሓደገኛን ኣበይን መኣስን ከምዝውዳእ ንምትንባዮ ዘጸግም ጉዳይ እዩ።

ብኤርትራ ወገን፡ ናይ ኢሳያስን ኣብይ ኣሕመድን ሽርክነት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣሉታዊ መፈንጠራታት እምበር ኣወንታዊ ሽግር ህዝቢ ዝፈትሕ ኣገባብ ኣይተራእየን። ህዝብና ዝተጸበዮ ዶብና ተሓንጺጹ፡ ጹቡቅን ቅሳነት ዘለዎ ጉርብትና ምስ ኣሕዋትና ተጋሩ ክፍጠር፡ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ክጅመር እዩ ነይሩ ምንየቱ። እንተኾነ ግና፡ `ዘራግ ማይ ከሎ ጹሩይ ማይ ኣይስተን` ከምዝበሃል፣ `ጉዳይ ዶብ ፍቱሕ እዩ፡ ኣይከሰርናን፡ ኩሉ ንብረትና መሊስና ኢና`፡ `ንሰለስተ ዎለዶታት ብዘይ ምኽንያት ተራሓሒቕና` ካብኡ ሕሉፍ ሓሊፉ እሳያስ ኣፈወርቂ `ንስኻ ኢኻ ትመርሓና`፡ ኢሉ በትሪ ስልጣኑ ንኣቢዪ ኣሕመድ ከረክቦ እንከሎ ርኢናን ሰሚዕናን።

እንተኾነ ግን፡ እሳያስ ንብዙሕ ዓመታት ዝደኸመሉ፡ ከም ኩሎም ቅድሚኡ ዝነበሩ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዝገብርዎ ዝነበሩ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ዝተፋሕሰ ምቅርሓን፡ምፍሳስ ደም፡ ድሕሪ ሕጂ ሕቆን ከብድን ጌርናዮም ኢና ኢሉ ዝሓስብ ዝነበረ ጋኔን እሳያስ፡ ብኹሉ መዳያት ዶባት ኤርትራን ትግራይን ምስ ተኸፍተ፡ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ተዳሚና እንዲና ከይበለ፡ ብሕሉፍ ናፍቖት፡ ተሓናኒቁ፡ መግለጺ ምሒር ናፍቖቱ ብንብዓትን ብምስዕዓምን እናገለጸ፡ ምትሕታት ቤተ ሰብ ምስ ረአ ፡ እቲ ጽቡቕ ዘይፈቱ ውልቀ መላኺ፡ ቅሳነት ኣይረኸበን፡ ዓይኑ ደም መሊኡው፡ ተበላሒቱ ዶብ ከም እንደገና ከምዝዕጾ ገይሩ። ሕምረት ፖለቲካኡ እምበኣር ንህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምድምሳስ፡ ኣብቲ ዝተሓተ ድኽነት ዓዘቕቲ ንምእታው ዘዓለመ መራሒ እዩ። እዚ ወለዶታት እንዳ ኣጽነትካ፡ ካብ ቤቱን ርስቱን እናፋናቐልካ፡ ብጉልባብ “ምህናጽ ናይ ወሎዶታት ለውጢ”፡ መጀመርታ ኣብ ኤርትራ ተፈቲኑ ዘድመዐ፡ ማለት፡ ኣብ ምፍንቓል ህዝብታትን ስድራ ቤታትን ኤርትራ ሕመረት ፖሊቲካዊ ፖሊሲ ማእከል ዝገበረ፡ ሕጂ ከኣ፡ ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ሓድሽ ኣዕናዊ ኩርናዕ ፖለቲካ ንዓና ኤርትራውያን ጥፍኣት እምበር ረብሓ የብሉን።

ድሕሪ`ቲ መሪር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ህዝብና ብፍላይ ከኣ እዚ ሓድሽ ትውልዲ፡ ድምጹ ዘስምዓሉን ሓሳባቱ ዝገልጸሉን መድረኽ ስኢኑ ኢዩ። እዚ ኣብ ስልጣን ተጣቢቑ ዘሎ ስርዓት ኢሳያስ፡ ብዘለዎ ደረት ኣልቦ ንዕቀትን ጭቆናን፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ሓዲሽ መንእሰይ ወለዶ፡ ከቢድ ጉድኣት ኢዩ ኣወሪዱን ዘውርድ ዘሎን። መንእሰይ ሓሳቡን ስሚዒቱን ዝገልጸሉ፡ ነንሓድሕዱ ዝመሃሃረሉ መሪሕነት ንኸይረክብን፡ዓጊቱዎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብኣውራጃታት ፈላልዩ፡ ኣብ ውግእ እናኣእተወ፡ ካብ ዓዱ ከም ዝበርር፡ ኣብ ባሕርታት ብዓሳታት ከምዝብላዕ፡ ልቡን ኩሊቱን ከም ዝዝመት፡ ዝተረፉ ብወልፍታት ክምዝጽመዱ ኣብ ምግባር፡ ብቐንዱ ጸረ ሃገራዊ ስላምን ርግኣትን ልምዓትን ዝኾኑ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ስልትታት ምጥቃም፡ ናተይ ኢሉ ሒዝዎ። ብኻልእ መዳይ፡ነቶም ጸረ መንነትን፡ብዘይ ንሕስያ ንዘመናት ንህዝቢ ኤርትራ ዘድመዩ ኣንድነታዊያን (ሓድነታዊያን)ን፡ ክሕብሕብን ዘድሊ ቀረብን ጠለብን ከማልኣሎም ዝጸንሐ ስርዓት ኢዩ። እዚኦም እዩም እምበኣር ሕጂ ኣብ ኣራት ኪሎ ዓሲሎም ምስ እሳያስ ተዓራሪኾም፡ ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ወሊዖም ዘለዉ።

እዚ ማለት፡ እቶም ዝተረፉ ዕሸላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን መልእ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ውግእ ኣእትዩ ንኸጥፈኦም፡ ምስኡ ተተሓሒዙ ዝተፈጥር ድኽነትን፡ ኩሉ ሽግራት ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ሕጂ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ወሲኹ ብሓድሽ መልክዕን ስትራተጂን፡ ናይ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ምፍንቓል ክቕጽል እዩ። እዚ ከኣ፡ ዝኾነ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ለውጢ ይኹን፡ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ኤርትራ ንኸይመጽእ ጥራይ ዘይኮነስ ንኸይሕሰብ`ውን ዝዓለመ ጽረ መንነት ኢዩ።

ሕጂ`ውን ዕድመ ስልጣን ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ንክናዋሕ ጽቡቕ መመኽነይታ ኮይኑዎ ኣሎ። ብሰንኩ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ ህይወት ከም ዝወድቕ ዘጠራጥር ኣይኮነን እሞ፡ ክሳብ ሕጂ ንሱ ዘስዓቦ መዘዝን ሓባራዊን ታሪኻዊን መንነታዊ ጭፍለቓን ብምዝኽኻር፥ እቲ ቅኑዕን ነግፈረግ ዘይብልን ስጡምን፡ ኣርሒቑ ዝጥምት ስትራተጂካዊ መሰረትን ምሕዝነትን ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ብምግባር፡ ነዚ ብኢሳያስን ብኣብይ ኣሕመድን ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ዕንደራ ውግእ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ክብርዕን፡ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት መንእሰይ ወለዶ፡ ነቒሑ፡ ጸላኢኡን ፈታዊኡን ኣለልዩ፡ ሓቢሩ ንኽቃለሶ እላቦ።

ብመሰረቱ ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ዝጥምት ፍትሓዊ ስርዓት ምህናጽ ዝከኣል፡ ንኹሉ ሰብ ማዕረ ዝርኢ ኣመራርሓ ምህናጽ ምስ ዝከኣል ኢዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ዝበዝሕ ኣመራርሓ ዝጎድል፡ ብማዕረ ዝርኢን ዘገልግልን ኣረኣእያ ብዘይምህላዉ እዩ። ስለ`ዚ፥ ብማዕረ ዝጥምት መሪሕነት ምፍጣር፡ መድሕን ህዝብን ሃገርን እዩ`ሞ፡ ሃየ መንእሰይ ኤርትራ ከይተደናገርካ፡ ጀብሃን ሻዕብያን፡ ኣስላማይን ክርስትያንን፡ኣውራጃን ከይበልካ፡ ብብልሓትን ጥበብን ተሓጋጊዝካ፡ ነቲ ንህላወን ድሕነትን ኤርትራን ትግራይን ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ፡ ከከም ኣመጻጽእኡ ብዓቢ ትዕግስቲ ክትምክት፡ ነቕ ዘይብል ስጡም ሓድነት ብምፍጣር፡ ንኹሉ መዳያዊ ጸቕጢ ህ.ግ.ደ.ፍውያንን ትምክሕተኛታትን ዝምክትን ዝስዕርን፡ ንቒድሚት ዝግስግስ መሪሕነት ክትፈጥር እዋኑ ዝጠልቦ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ ብሕጂ ውዕል ሕድር ከይበልካ ሰፊሕ ሓባራዊ ናይ ድሕነት ግምባር ክትምስርት ይግብኣካን ኣሎካን እብል።

ደብዳብ ኩናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብቕጽበት ጠጠው ክብል እለዎ!
ኢድ ኣእታውነት እሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ ይዂንን!
ዕንደራን ሽርክነትን እሳያስን ኣብዪ ኣሕመድን ብተሪር እቃወም!

ዓወት! ንፍትሕን መሰልን ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን።

ብ በርሀ ፍስሃየ።


Share with friends:

See also recent Articles by Berhe Fshaye / ካልእ ጽሑፋትን ሰሚናራትን ብ`ኣቶ በርሀ ፍስሃየ

ቐይሕ ባሕሪ (ዓሰብ፡ ባጽዕ) ኣብ ልቢ ኢትዮጵያውያን።


ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ (hawzen ሓውዜን የሰማዕታት ፍሬ)


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: