መገሻ ናብ ምድሪ ሕድሪ፡ ምድሪ ተስፋን

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

02/03/2021 18:11 PM

መገሻ ናብ ምድሪ ሕድሪ፡ ምድሪ ተስፋን
1ይ ክፋል

ብ`ገብረዝጊ ኣፍወርቂ

መገሻ ናብ ምድሪ ሕድሪ፡ ምድሪ ተስፋን

መገሻ ናብ ምድሪ ሕድሪ፡ ምድሪ ተስፋን
ብኣቶ ገብረዝጊ ኣፍወርቂ

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን ኣብ ፖለቲካውያን ውድባት፣ ሰልፍታት፣ ሲቪላዊ ማሕበራት፣ ምንቕስቓስ ይኣክል፣ ኣዴታት፣ ናይ ሓበሬታ ማዕከናት ተሳተፍቲ ወዘተ ትሰርሑ ዘሎኹም፦

ኣብ ስደት እንነብር ኩልና ብሓባር ኣብ ዘዘሎናዮ ሃገራት ኮንና ኣንጻር እዚ ጨካን ጨፍጫፊ ስርዓት ህግደፍ ሒዝናዮ ዘሎና ቃልሲ ቅኑዕ ዕላማ ከሎ ተቓውሞና ወሲድዎ ዘሎ ንውሓት ዓመታትን በጺሕናዮ ዘሎና ሃለዋትን ጸብጺብና ገምጊምና ክንርእዮ ክሎና ግን ምስቲ ኣብ ህዝብን መሬትን ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ህልቂትን ዕንወትን ዝመዛዘን ቃልሲ ተቓሊስና ኣሎና ክንብል ዘይኮነስ ኣብ መጃመርታ ናይ ቃልሲ ስነሓሳብ ኣቲና ብስራሕ ክንትግብሮ እታ ቀጣን ቅንዕቲ መበገሲት መገዲ ጠፊኣትና ከም ንፋስ ማንጥልሽ ሓንሳእ ንየማን ሓንሳእ ድማ ንጸጋም ዕግንግን ንብል ምህላውና ኢዩ እቲ ሓቂ። በብጊዜኡ ኣኼባታት፣ ሰሚናራት፣ ስለማዊ ሰልፍታት ይካየድ ኣሎ። ብሃገር ደረጃ ሓደ ጥርኑፍ ተጸዋዒ ተሸካም ሓላፍነት ኣመሓዳሪ ኣካል ስለ ዘይቆመ ግና ዝተፈጸመ ዝሓዝናዮ ነገር የለን። ካብቲ አቐዲምና መሰረት መበገሲ ክኾነና ኢልና ዝገበርናዮ ዕዮ ተበጊሽና ነቲ ክንቕጽሎ ዘሎና ዕዮ ንጹር ምዱብ መስርሕ ስለ ዘይብልና ኣብ ሓደ ዕጹው መገዲ ኣቲና ኣሎና። ኣብ ሓደ መስርሕ ጠጠው ኢልና ክንገብሮ እንኽእል ጥርኑፍ ቀጻሊ መደብ ዕዮ ስለ ዘይሓዝና ድማ ነንነብስና ክነተዓሻሹ መቐይሮ ዘይብሉ ዝኣረገ ዛዕባታት ስርዓት ህግደፍ እንዳዘከርና ከምዚባ ከምዚ ገበረ እንዳበልና ከም መዛረቢ ዓበይቲ ኣርእስትታት ወሲድና ኣብ መስኮት ተለቪዠን ቀሪብና ሓተትን ተሓተትን ርኢቶ ኣቕረብትን ኮንና ኣብ ክንዲ ምስቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ዝዛመድ ወሲድና ኣብኡ ኣተኲርና ክጥርንፈና ዝኽእል ቀሊል መነቓቕሒ ሓሳባት ብምቕራብ ጊዜና ንጥቀመሉ፣ ምስ ኩሉ ኣክብሮተይ፡ ክኸውን ዘለዎ ግን ነቲ ጽቡቕ ኣሞጊስካ ነቲ ምኽኑይ ወቒስካ ክትተኣራረም ይሓይሽ። ተቐርቂርና ሓደ ነቲ ሓደ ሸለል ብምባል ከም መመሰጋገኒ ንጥቀመሉ ዘሎና ኮይኑ ይስመዓኒ።

ብዙሓት ኣሕዋት ካብቲ ዘለዎም ፍልጠት ናብ ካልኦት ከመሓላልፉ ኣብ ትካላት ማስመድያ ቀሪቦም መግለጺ ኣብ ዝህበሉ ጊዜ ካብ ሰማዕቲ ዝቐርበሎም ሕቶታት ምስ ምሉእ መረዳእታ ዘዕግብ መልሲ ይህቡ ኢዮም። ብቐጻሊ ድማ ናብተን ዘለዋና ካልኦት ትካላት ማስመዲያ ከም ልምዲ ተወሲዱ ካብታ ሓንቲ ናብታ ካልእ ትካል ማስመዲያ እንዳተሰጋገሩ ክሕተቱን ክምልሱን ክደጋግም ንርእን ንሰምዕን ኣሎና። ኣነ ከምኡ`ውን ካልኦት ከማይ ሓደ ዘስግኣና ነገር ኣሎ፣ ንሱ ድማ ከምቲ ብዝሒ ውድባት ምስ ተራእያ ብዙሓት ሰባት ተቓጺጾም ንኣሽቱ ውድባት መስሪቶም ከይተበገሱ ንነብሶም ሓቒቆም ንኻልኦት ውድባት ዘዳኸሙ፣ ሕጂ ድማ ትካላት ማስመዲያ ብተመሳሳሊ ንህዝቢ ኣድኪመን ንባዕላተን ከይደኽማ ዘፍርሕ ጉዳይ ኮይኑ ይርኣየኒ። ኣብዚ ትካላት ማስመድያ ክትገብርዎ ዘለኩም ነገር ኣሎ፣ ንሱ ድማ ነቶም ኣብ መዲያ እተቕርብዎም ሰባት ክእለቶምን ፍልጠቶምን ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል፣ ኣመሓደርቲ ህዝባዊ ስራሕ ክኾኑ ምስ ህዝቢ ኣላልይዎም። ኣብ ቅድም ሰሪዕኩም ንምርጫ ሕጹያት ጌርኩም ከትቕርብዎም ደጊመ ይላበወኩም። ንህዝቢ ድማ ንገርዎ።

ካብዚ ዘሎናዮ ድኻም፣ ካብዚ ዘሎናዮ ናይ ጠጠው ቃልሲ ክንወጽእ ንሓስብ እንተ ኣሊና፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዝርኤ ዘሎ፣ ህልዊ ኩነታት ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ጸገም ኣነጺርና ሪኢና ብግቡእ ተዓዚብና ኩሉ ነገራት ኣለሊና መዝጊብና፣ ተመሊሽና መፍትሒ ክኾነና ዝኽእል ጀሚሩ ዝቕጽል ኣገባብ ቃልሲ መሪጽና ክንብገስ ምእንቲ፡ ሕጂ ኩልና ኣብ ስደት ዘሎና ንሕጊን ፍትሕን ንቃለስ። ኣብዚ እዋንዚ ኩሉ ዘሎና መሳርያታት ጽዒንና ብልብናን ብኣእምሮና ናብ ምድሪ ሕድሪን ምድሪ ተስፋን ንግሽ`ሞ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ብኣካል ምስኡ ከም ዘሎና ኣመሳሲልና ሕቶታት ነቕርበሉ፣ ንሱ ዝሃበና መልሲ ድማ ብኣካል ኬድና ከም ዝመዝገብናዮ ነመሳስሎ። ከምኡ`ውን ነቶም ኩሉ መከራ ኣብ ልዕሊኦም ዝዓልብ ዘሎ ሂወት ዘለዎም እንስሳታት፣ ሂወት ዘይብሎም ነገራት ካብዚ ካብ ዘሎናዮ ቦታ ኮንና ንጠምቶም፣ ብትዕዝብትና ከም ዝምልሱልና ዘለዉ ኣመሳሲልና ንመዝግቦም። ማለት ነዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ሕቶን መልስን። ካባና ካብ ገያሾ ዝቐረበ ሕቶታት፣ ካብ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኩሉ ውጹዕ ዝተዋህበ መልሲታት ጌርና ንውሰዶ።

1. ሕቶ፣ ኣብ ገጠራትን ኣብ ከተማታትን ዝነብር ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ህዝብና ከመይ ኣሎኻ ተብሂሉ ኣንተ ዝሕተት?
መልሲ፣ ኩሉ ብሓንቲ ቃል ሒማቅ ፣ ጠሚና ዓርቕና፣ ሓሚምና ኢልና ክንዛረብ ዘይንኽእል እሱራት ኢና ምበለ።

2. ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ እሱራት ስለምንታይ ተኣሲርኩም ተባሂሎም እንተዝሕተቱ?
መልሲ፣ ምኽንያት ማእሰርትና ሓቲትና መልሲ ኣይረኸብናን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክንጸንሕ ተባሂልና ምበሉ።

3. እቲ ተራ ወተሃደር ኤርትራ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያን ትግራይን ስለምንታይ ኣቲኻ ተባሂሉ እንተዝሕተት?
መልሲ፣ መምርሒ ወተሃደር ቅድም ትእዛዝ ፈጽም ድሓር ትሓትት ስለ ዝብል ክሓትት ዕድል የብለይን ምበለ።

4. ጎቦታት፡ ሩባታት፡ ሽንጭሮታት፡ ጎላጉል ኤርትራ ከመይ ኣለኹም ተባሂሎም እንተዝሕተቱ?
መልሲ፣ ዝሑል ንፋስ፡ ግመ፡ ሰርቢ ማይ፣ ድምጺ ነጎዳ ቅድሚ ምዝናቡ ሓሪሙና ብጸሓይ ቀትሪን ደረቕ ንፋስ ተሸኪሙ ዘምጽኦ ሓመድ ተሸፊንና መልክዕና ተደዊኑ ርኣዩና ምበሉና።

5. ከብቲ፡ ጠለ በጊዕ፡ ኣግማል፡ ኣድገ በቕሊ፡ እንተዝሕተቱ?
መልሲ፣ ኣብ ልዕሊ ጥምየትን ጽምእን ብድምጺ ተኹሲ ጸሚምና ከይንመውት ንፈርሕ ኣሎና ምበሉና።

6. ነፈርቲ ኣዕዋፍ፣ እንተዝሕተቱ?
መልሲ፣ መንበሪና ኣግራብ በሪሱ መዕለቢ ይብልናን ከይንመወት ንሰግእ ኣሎና ምበሉ።

7. ኣራዊት እንተዝሕተቱ?
መልሲ፣ አብ ጊዜ ሰላም ቀትሪ ኣብ መሕቢኢና ደቒሽና ውዒልና ኣብ ጊዜ ጸልማት ድማ ካብ መሕቢኢና ወጺእና ዝብላዕ መግብና ንምእርር ኔርና፣ ሎሚ ግን መዓልትን ለይትን ዘይብሉ ምንቕስቓስ ወተሃደር፣ ድምጺ መጎዓዝያ፣ ተኹስታት ስለ ዘሎ፡ ዘይንቡር ናብራ ንነብር ኣሎና ኢሎም ምመለሱ።

8. ኣኽላባት ስለምንታይ ኢኹም ኣብ ውሽጢ ከተማታት ተኣኪብኩም ትዘሩ ተባሂሎም እንተዝሕተቱ?
መልሲ፣ ቀደም ዋናታትና ከም ዓርኮም ይከናኸኑና ነይሮም፣ ዋናታትና ገዲፎሙና ጠፊኦም። ጠሚና ንኸብድና ክንብል ዓዊልና ኣብ ጎደናታት ካብ ሓደ ጫፍ ናብቲ ካልእ ጫፍ ክንመላለስ ንውዕ ኣሎና ምበሉ።

9. ኣብ መወዳእታ ኩላትና እቶም ናብ ምድሪ ሕድሪን ምድሪ ተስፋን ብሓሳብ ልብና ዝገሽና ሰባት ነቲ ኣመሳሲልና ዝረኤናዮ ጸገም መሰረት ጌርና ዘቕረብናዮ ሕቶታትን ዝተዋህበና መልስታትን ተገንዚብና፣ ኣብ መወዳእታ ነቲ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ እንታይ ክትብልዎ ትደልዩ ዝብል ሕቶ እንተዝሕተቱ፣ ካባኹም ዝጥለብ ሓሳባት፡ ርኢቶታት፡ ለበዋታት ሃቡ እንተዝበሃሉ?
መልሲ፣ ቀዳማይ ባዕልና ጉዳይና ክንፈትሕ ተዳሊና ጽቡቕ ዕድል ንጽበ ኣሎና ምበሉና። ከም ካልኣይ ድማ ኣብ ዝኸድኩሞ ሃገር ኮንኩም ኣተባብዑና። ኩሉኹም ኣጋይሽና፣ ሓደ ኮንኩም፣ ሰሚርኩም ብሓባር ነዚ ተዓዚብኩሞን ንሕቶታትኩም ተዋሂቡ ዘሎ መልስታትን ተረዲእኩም፡ ካብ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሌና ወሪዱ ዘሎን ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕን ካብዚ ካብ ውሽጢ ሃገር ንሕና ንመሰልና ክንሓትት፣ ክንዛረብ ዕድል የብልናን። ኣብ ዕጹው፣ ኣየር ዘይብሉ ገዛ ኢና ተኣሲርና ዘሎና። ንስኹም ኩሉ መሰል ህዝባዊ ርክባት ስለ ዘለኩም ወጽዓና ኣብ ክንዳና ኮንኩም ንህዝብና ንገሩልና። ንመሰል ድቂ ሰባት ተጣበቕቲ ማሕበራት ዓለም፣ መልእኽትና ከትብጽሑልና፣ ክትዛረቡልና ንምሕጸነኩም ምበሉና።

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ ጉዳያት፣ ምጣኔሃብቲ ሃገርና ዓንዩ፣ ተበታቲኑ ንርኢ ኣሎና። ምኽንያቱ ድማ ዕንደራ ፍጹም ምልኪ ኢሳያስን ሕልክስክስ ናይ ተቃወምትን ኢዩ። ሃገራዊ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣበይ ኣሎ? ወተሃደርና ኣብ ውሽጣዊ ውግእ ኢትዮጵያ ኣትዩ ኣሎ፣ ኣብ ዶብ ሱዳን ተዋፊሩ ኣሎ። እቲ ዝተረፈ ድማ ኢሳያስ ኣዚዙ ኣብቲ ዘዝጻዕጸዔ ዓውደ ውግእ ከስዕቦ`ዩ። ሃገርና ክትህሉ ሓይልታት ምክልኻልና ኣብ ሃገርና ክህልዉ ኣለዎም። ጸላኢና ዓቕሚ ሓይሊና በቲኑ (ፋሕ) ኣቢሉ ዝጥዕሞ ይሰርሕ ኣሎ። በልማማ ይልብልበና ኣሎ። ክነውሕ ክነውሕ ንጣር ከም ጥረ ኣይክገድፍን ኢዩ። መገሻ ናብ ምድሪ ሕድሪ ፡ ምድሪ ተስፋ ዘብለኒ ዘሎ ኣብ ግብራዊ ስራሕ ክንኣቱ ምስጢር ሕድሪ ከዘኻኽረና፣ ምስጢር ተስፋ ድማ ንቕድሚት ክደፍኣና ማለተይ ኢዩ። ጸገም ኤርትራ ናይ ኩላትና ኢዩ። መገዲ ዓወት ተጀሚሩ ክስራሕ ኤርትራውያን ክንተኣማመን ኣሎና።

ሓደ ዝሰርሖ ስራሕ ኣብ ክንዳይ ኮይኑ ይሰርሓለይ ኣሎ ክንብልን ክንአምንን ኣሎና። እቲ ኣብ ስደት ኮንና ክንገብሮ ዘሎና ስራሕ ኣይነብዘሓዮ፣ ንሰብስቦ፣ ኣብ ውሑዳት ነጥብታት ኣተኩርና መደብ ንሓንጽጽ። ሕጂ ክንሰርሖ ዘሎና ምድሓን ህዝብን ሃገርን ኢዩ። ውሑዳት ኣመሓደርቲ ስራሕ ካብ ህዝቢ ክወጽኡ ይድለ ኣሎ፣ጊዜ ክወስድ የብሉን። ኣባላት ትካላት ክፍሊ ዕዮ ዜና ከም አሰና፣ አለና፣ ኤርሳት፣ ቶጎሩባ፣ ስኒትና፣ ዓወተ፣ መስቲያት ቤትና፣ ከምቲ ፈላጣትን ኪኢላታትን ኣብ ስቲድዮታት ቲቪ ቀሪቦም ምዕዶ፣ ትምህርቲ ክህቡ ትዕድሙ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም ክተሓጋገዙ ጸውዑ። ኩሉ ህዝቢ ጸገሙ ይፈልጦ ኢዩ፣ ምንቕቓሕ ዘድልዮ ኣይኮነን። መደብ ዕዮ ፈሊኻ፡ ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘራኽብ መስመር ምኽፋት። ምስ ማሕበራት ብደረጃ ዓለምን ሃገራትን ዘራኽብ ምሕዝነት ምፍጣር። ምስ ኣብ ስደት ዘሎና ተራኺብካ ክግበሩ ዘለዎም ከም ውጺኣት ገንዘብ፣ ምእላይ ሰለማዊ ሰልፊ ብደረጃ ሃገራትን ዓለምን መልእኽቲ ምትሕልላፍ፣ መልእኽትታት ምሃብን ምቕባልን፣ ዝተፈጸመ ስራሕ ጸብጻብ ምቕራብ። ዘይተፈጸመ ዝጎደለ ስርሕ እትከታተል ሓንቲ ኣካያዲት ስራሕ ሽማግለ ቆይማ ስራሓ ክትጅምር ኣለዋ። ሽዑ ኢና ድማ ኣመትና ፈሊጥና ኩሉ ካባና ዝድለ ክንገብር እንኽእል።

ምስጢር ሕድሪ ከዘኻኽረና ምስጢር ተስፋ ንቕድሚት ክደፍኣናዩ፣
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዋትና ይኹን፣

ገብረዝጊ ኣፍወርቂ
28 Jan 2021


Share with friends:

G-15: ጉጅለ-15 (ላዕለዎት ሓለፍቲን ኣባላት ባይቶን ኤርትራ፡
ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
ዕለት 24 March 2001


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: