መገሻ ናብ ምድሪ ሕድሪ፡ ምድሪ ተስፋን፡ 2ይ ክፋል

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

11/03/2021 19:25

መገሻ ናብ ምድሪ ሕድሪ፡ ምድሪ ተስፋን
2ይ ክፋል

ብ`ገብረዝጊ ኣፍወርቂ

መገሻ ናብ ምድሪ ሕድሪ፡ ምድሪ ተስፋን

ዓይንና ናብ ምድሪ ሕድሪ ምድሪ ተስፋ 2ይ ክፋል
ብኣቶ ገብረዝጊ ኣፍወርቂ

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን ኣብ ፖለቲካውያን ውድባት፣ ሰልፍታት፣ ሲቪላዊ ማሕበራት፣ ምንቕስቓስ ይኣክል፣ ኣዴታት፣ መራሕቲ ሃይማኖታት፣ ምሁራት ናይ ሓበሬታ ማዕከናት...... ወዘተ ትሰርሑ ዘሎኹም፦

ኣብ ስደት እንነብር ኩልና ብሓባር ኣብ ዘዘሎናዮ ሃገራት ኮይንና ኣንጻር እዚ ጨካን ጨፍጫፊ ስርዓት ህግደፍ ሒዝናዮ ዘሎና ቃልሲ ምስቲ ኣብ ህዝብን መሬትን ኤርትራ ዝወረደን ዝወርድ ዘሎ ህልቂትን ዕንወትን ዝመዛዘን ቃልሲ ተቓሊስና ናብ ከብለና ዝኽእል ንጹር ነጥቢ ኣይበጻሕናን። ብዙሕ ስራሕ ተሰሪሑ፣ ኣብ ተፈላለየ ጊዜን ቦታን ኣኼባታት፣ ሰሚናራት፣ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻይዱ ሕጂውን ይካየድ ኣሎ። ጠርናፊ ማእከላይ መሪሕነት ስለ ዘይብልና ኩሉ ዝሰራሕናዮ ኣብቲ ዝድለ ኣይበጽሔን። ብዓለም ደረጃ ሓደ ጥርኑፍ ኣካል ተጸዋዒ ተሸካም ሓላፍነት ኣመሓዳሪ ስራሕ የድልየና ኣሎ። ካብዚ በጽሕናዮ ዘሎና ተበጊሽና ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት መበገሲ ወሲድና ቃልስና ንቕጽሎ ኣሎና ዘብል ንጹር ዝሓዝናዮ ኣካልን ነገራትን የለን። ሓንቲ ኣመሓዳሪት ስራሕ ሽማግለ፣ ሓላፍነት ዝተዋህባ ኣየቖምናን። ቅድሚ ኩሉ ብዓለም ደረጃ ተለኣኣኺትን ኣፈጻሚትን ሽማግለ ከነቕውም ይግብኣና።

እታ እትቐውም ናይ ስራሕ ሽማግለ ነቲ ዝሓለፈን ዘሎን ኩነታት ሃገርና ሰሪዓ ነቲ ጉዕዞ ፍትሒ ኣንጻር ምልኪ ትቐጽሎ። ነቲ ነዊሕ ጊዜ ዝወሰደልና ጉዕዞ ኢሳያስ ጎነፍነፍ ክብል መሕጸር ዕድመ ስልጣኑ ባዕሉ ፈጢሩልና ኣሎ። ማለት ነቲ ኣብ ህዝብን ንብረትን ኤርትራ ነዊሕ ዓመታት ዝፈጸሞ ገበን፣ ምስ መራሒ ጎረቤት ሃገርና መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ተሰማሚዑ፣ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶም ናብ ክልል ምምሕዳር ትግራይ (ኢትዮጵያ) ወሲዱ ኣብ ዓውደ ውግእ ኣእትዩ የዋግኦም ኣሎ። ገበን ኢሳያስ ብብጊዚኡ ካብ ገበን ናብ ገበን እንዳዓበየ ይኸይድ ኣሎ። ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ግፍዕታት ኣብ ትግራይ ዝተዓዘባ ዓለም ለኻዊ ተጣበቕቲ ማሕበራት ግህሰት መሰል ደቂ ሰባት ነቲ ህልቂትን ዕንወትን ብመሰነይታ ዶኩመንት ዝተሰነደ ኣረጋጊጸን ገሊጽን ሓገዝ ክገብራ ኣብየት ይብላ ኣለዋ። መንግስቲ ኣመሪካ ወተሃደር ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ሓቲቱ ኣሎ፣ ከምኡውን ሕብረት ኤውሮጳ ወተሃደር ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ሓቲቱ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ እቲ ንሕና ኤርትራውያን ምእንቲ ህዝብና ብሰላም ክነብር፣ ፍትሒ ክረክብ እንገብሮ ቅኑዕ ቃልሲ ኢድ ዓለም ይሕወሶ ኣሎ። እቲ ንህዝብና ነዊሕ ጊዜ ዘሳቐየ መንእሰይ ወለዶ ዘህለቐ ቀዛፊ ስርዓት ህግደፍ መዕለቢ ክህልዎ፣ መንግስቲ ኣመሪካ ሕቶ ህዝብና ሰሚዑ ክምልስ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ሕቶ ህዝብና ሰሚዑ ክምልስ፣ ናይ ሕቡራት መንግስታት ሰኩሪቲ ኮንሲል ሕቶ ህዝብና ሰሚዑ ክምልስ፣ ተጣበቕቲ ማሕበራት ግህሰት መሰል ደቂ ሰባት ሕቶ ህዝብና ሰሚዑ ክምልስ ናትና ናይ ኤርትራውያን ብቕዓት፣ ቁሩብነት፣ ሓድነቱ ዝሓለወ፣ ተዳሊዩ ኣነየ ወኪል ህዝቢ ዝብል መልእኽቲ ዘሕልፍን ዝፈጸሞ ስራሕ ተኸታቲሉ መልሲ ዝህብን ዝቕበልን ጀሚሩ ዝቕጽል ኣመሓዳሪ ሸማግለ ብቕልጡፍ ክምስረት ኣለዎ። ጊዜ፡ ጊዜ ኢዩ ዝበልዕ፡ ጊዜ ክወስድ የብሉን። ክንደይ ጽቡቕ ናይ ቃልሲ መድረኻት ሰኣን ሓድነት ዘይምህላውና ኣምሊጦሙና ኢዮም።

ኢሳያስ ዝግበት ገቢቱ፣ ዝዓኑ ኣዕኒዩ፣ ዝሃልቕ ኣህሊቑ መህደሚ ይምህዝን ይደልን ኣሎ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣኪቡ ዘመሓላለፎ ክሕደት ሰሚዕናዮ። ምስ ኣቢይ ኣሕመድ መራሒ ኢትዮጵያ ዝፈረሞ ውዕላት ህዝቢ ኣይፈልጦንዩ። ኣዕናዊ መደብ ዕዮ ሰሪዑ ባዕሉ በብሓደ ትካላት መንግስትን ትካላት ሃብታማትን ኣፍሪሱ ከሎ ነቲ ባዕሉ ዝበደሎ ሃገርና ብዓልቲ ጸጋ ከላ ከም ሓንቲ ድኻ ኣብ ልዕሊ መሬት ይኹን ኣብ ትሕቲ መሬት ጸጋ ዘይብላ፣ ሰፊሕን ነዊሕን ሃብታም ባሕሪ ከለዋ ሓደ ነገር ዘይብላ፣ ጽቡቕ ኣየር ከለዋ ደረቕ ኣምሲሉ፣ እዛ ሃገር እኮ ሓንቲ የብላን ኢሉ ነብሳ ከምዘይትኽእል ከይሓፈረ ከእምነና ነቲ ሕቡእ ናቱ ኣጀንዳ ገሊጹልና።

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን እቲ ምቕላስ ንቃለስ ኣሎና። በበይንኻ ቃልሲ ክሳብ ሎሚ ጎዲኡና እምበር ኣይረባሕናሉን። ረብሓ ህዝብና ንፈልጦ ኢና። ዘሎናዮ ኩነታት ንርእዮ ኣሎና። በዚ ዘሎናዮ ጊዜ ክንጥምትን ክንሓሰብን ይግባኣና። ኣብ ስነ ሓሳብ፣ ናይ ኣረኣእያ ወይ ኣተሓሳስባ ፍልስፍና ኣይኮናን ዘሎና። ሰራዊትና ብሓፈሻ፣ ሓይሊ ምድርና፡ ሓይሊ ባሕርና፡ ሓይሊ ኣየርና ከመይ ኣሎ ኣበይ ኣሎ ንበል።

ሕቶ ህዝብና ሕቶ ሰላም፡ ሕቶ ዲሞክራሲ ቀዳምነት ተዋሂብዎ ክስረሓሉ ኣለዎ፣ ህልቒት መንእሰይ ትውልዲ፣ ስቓይ ኣረገውቲ ኣደን ኣቦን፣ ስቃይ ወላዲት ህጻናት ዕሸል ኤርትራዊት ኣደ ከብቕዕ ጉዳና ጉዳይ ኤርትራውያን ካብ ኩሉ ቀዳምነት ኣለዎ። ምስ ሓዲሽ ዝተፈጥረ ኩነታት ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ክንሓዋውሶ የብልናን። ፖለቲካዊ ቃልስና ጉዝጓዝ ናይ ካላኦት ክኸውን የብሉን። ናትናን ዘይናትናን ክንፈልዮ ኣሎና። ጽቡቕ ትምኒትን ጽቡቅ ስነ ምግባርን ንጎረባብትና ንህቦ መርኣያ መጻኢ ሰላምን ራህዋን ናይ ኩልና ክኸውን ኣለዎ፣ ሕጂ ነጢርካ ዝውዳእ ኣይኮነን ብዙሕ ጊዜን ፍልጠትን መጽናዕትን ድልየትን ዘድልዮ ዓቢ ሃገራዊ ጉዳይ ከም ዝኾነ ኩሉ ሰብ ክፈልጦ ይግባእ።

ኣብ ጥምጥም ምጉሓፍ ስርዓት ህገደፍ ካብቲ ብዙሕ ነጥብታት ቁሩብ ካብቶም ቀንዲ መልእኽቲ ጭርሖና ንናይ ውሽጣዊ ኩነታትና ዝገልጹ ጥራይ ክኾኑ ዘለዎም ንርኤ።

1. ሃገራዊ ቁዋም ኣብ ስራሕ ክትግበር፣
2. እሱራት ክፍትሑ፣
3. ግዱድ ዕስክርና ክተርፍ፣
4. ሃገራዊ ኣገልግሎት ገደብ ክህልዎ፣
5. ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ፣

ነቲ ኣብ ደገ ዘሎ ህዝብና ፍልጠቱን ክእለቱን፣ ተወፋይነቱን ዝወስዶ ሓላፍነትን ጽቡቕ ገርኩም እትፈልጥዎ ኣባላት ትካላት ክፍሊ ዕዮ ዜና ከም አሰና፣ አለና፣ ኤርሳት፣ ቶጎሩባ፣ ስኒትና፣ ዓወተ፣ መስቲያት ቤትና.......ወዘተ ኢኹም።

ከምቲ ፈላጣትን ኪኢላታትን ኣብ ስቲድዮታት ቲቪ ቀሪቦም ንህዝቢ ምዕዶ፣ ትምህርቲ ክህቡ ትዕድሙ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ናይ ኣመሓዳሪት ስራሕ ሽማግለ ተመዲቦም ክእለቶምን ፍልጠቶምን ወፍሪ ከካይዱ ሰባት ጸውዑ። ኩሉ ህዝቢ ጸገሙን ኩነታት ሃገሩን ይፈልጦ ኢዩ፣ ምንቕቓሕ ዘድልዮ ኣይኮነን። ሓቅን ንሕስያ ዘይብሉን ቅድም ቀዳድም ኢሳያስ ከልግስ ኣለዎ። ድሕሪ ምልጋሱ ዝግበር ዕዮ ባዕሉ እቲ ዘሪእና ዝሓፈስናዮ ማእቶት ክመርሓና ኢዩ።

ስራሕ እታ እትቀውም ኣመሓዳሪት ሽማግለ ንጹርን ውሑድን መደብ ዕዮ ተፈልዩ ብኸምዚ ክብገስ ተመራጺ ይኸውን፦

1. እቲ ቆይሙ ዘሎ መራኸቢ ብዙሓት ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘራኽብ መስመር ሓይሉ ህዝቢ ከምዝለዓል ይገብር፣
2. ምስ ናይ ዓለም ማሕበራት ብደረጃ ዓለምን ሃገራትን ሓያል ዝምድና ፈጢርካ ንህግደፍ ተጽዕኖ ምፍጣር።
3. ኢሳያስ ብዝፈጸሞ ገበናት ብዘይ ወዓል ሕደር ኣብ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐርብ ጻዕርታት ምክያድ።
4. ኩነታት ድሕነት ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ምክትታል።
5. ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ገንዘብ ከዋጽእ ምግባር፣
6. ብመደብ፣ ስሩዕ ቀጻሊ ዓቦይቲ ሰለማዊ ሰልፍታት ብደረጃ ሃገራትን ዓለምን መልእኽቲ ምሕላፍ፣ ዝሓለፈ መልእኽቲ ንኣፈጻጽምኡ ምክትታል። ዝተፈጸመ ስራሕ ጸብጻብ ብቕልጡፍ ንህዝቢ ምሕባር ወዘተ ይኸውን።

መተሓሳሰቢን ሓበሬታን፣

ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ፍርድን ጥብቅናን ዲክታቶር ኤርትራ ሎሚ ዝተረፎ ነገር የለን። ኩሉ እቲ ኣብ ህዝብና ሃገርና ዘውረዶ ሰብኣዊ ህልቂትን ዕንወት ንብረትን ኣስጊኢዎ ዘይኮነስ፣ ቀንጠብጠብ ክብል ነቲ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ተወሊዑ ዘሎ ሓዊ ኢዱ ሓዊሹ ሃልሃል የብሎ ስለዘሎ፣ ገበነኛ ተግባሩ ዝተዓዘቡ ደለይቲ ጽቡቕ ግብሪ፣ ደለይቲ ሰላም ትካላት ዓለም፡ ነቲ ኣብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ በቢሳንቲም ካብ ረዲኤት አኪቦም ንልምዓት ዘፍሰስዎ ክህነጽ ነዊሕ ዓመታት ዝወሰደ፣ ብዙሕ ጉልበት ሰብን ብዙሕ ገንዘብን ንብረትን ዝፈሰሶ ትካል ኣገልግሎት ህዝቢ፣ ከምቲ አብ ኤርትራ ዝፈጸሞ መሺልዎ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝርግርግን ዕንወትን ጀሚርዎ ዘሎ ኣብ ልዕሊኡ ሓደጋ ኣንጸላልዩ ከምዘሎ፡ ፈሊጡ ኣሎ።

ብዙሓት ሓያላት ጸላእቲ ኣጥሪዩ ኣሎ። ምህዳም ጥራይ ኢያ ተሪፋቶ ዘላ። ክሃድም`ዩ ። ካብ ኢድና ከምልጥ የብሉን ኣብ ኤርትራ ክፍረድ ኣለዎ። ስለዚ ቅድሚ ምህዳሙ ሓደ መጻወድያ ክዳሎ ኣለዎ። ኣብ ስደት ዘለኹም ሰብ ሞያ ፍርድን ጥብቕናን ኤርትራውያን እዚ ጉዳይዚ ምስ ፍልጠትኩም፣ ክእለትኩም ዝኸይድ ንዓኹም ዝምልከት ኢዩ፡ ብግብሪ ብሕልና ስርሕሉ። መራሕቲ ሃይማኖታት፣ ምሁራት በብሞያኹም እትገብርዎ ምንቕስቓስ ዓቢ ግደ ኣለዎ በርትዑ፣ ህዝቢ ኣብ ጎንኹም ኣሎ። ኣብ ስደት ዘሎና ኩልና ኤርትራ ሃገርና ዘላቶ ኩነታት እንዳሪኤና ካባና ዝድለ ግብራዊ ዕዮ ንስራሕ። ጊዜ ምልኪ ተወዲኡ ኤርትራ ቁስላ ሓውዩ ክትህነጽ ኢያ።

ምስጢር ሕድሪ የዘኻኽረናሎ ምስጢር ተስፋ ንቕድሚት ክደፍኣናዩ፣

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና ይኹን፣

ገብረዝጊ ኣፍወርቂ
14 Feb 2021


Share with friends:

G-15: ጉጅለ-15 (ላዕለዎት ሓለፍቲን ኣባላት ባይቶን ኤርትራ፡
ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
ዕለት 24 March 2001


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-


Share with friends: