መንገዲ ሓርነት steps towards freedom

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

03/06/2021 15:17 PM

መንገዲ ሓርነት

Steps Towards Freedom

መንገዲ ሓርነት The journey to liberty

መንገዲ ሓርነት

ሃገራዊ ባይቶ

ሞዴል ሃገራዊ ባይቶ ንውድባትን ሰልፍታትን በርጌሳውን ሞያውያን ማሕበራትን ትካላት ስደተንያታትን ኮማት ዲያስፖራን ኣብ ትሕቲ ሓደ ሕጋዊ ባይቶ ይጥርንፍ። ምምስራት ሃገራዊ ባይቶ ሕጋውነት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ –ዓለምለኻዊ ጸፍሕታትን ንምጒንጻፍ ይሕግዝ። ሞዴል ሃገራዊ ባይቶ ምስ ተመሳስልቲ ባይቶታት ዓለም ርክባት ክፈጥር ኣይጽግሞን። ቀዳማይ ክፋል ምልኣተ-ሕጋውነት ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ሕጋውነት ሃገራዊ ዋዕላን ሰነዳቱን ዘቕወሞ ኮሚሽን ኰይኑ፡ ካልኣይ ክፋል ሕጋውነቱ ድማ ኣብ ተሳተፍቲ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤን ሰነዳቱን ትካላቱን መሪሕነቱን ይምስረት። ትኽለት ሃገራዊ ባይቶ ንትኽለት መንግስቲ ኣብ ስደት ይቕድሞ። ሕቶ ትኽለት መንግስቲ ኣብ ስደት ምስ ግዜን ኲነታትን ዝተዛመደ ስለ ዝዀነ ዓምዊቕ መጽናዕቲ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ። ሃንደበታዊ ውድቀት ዲክታቶር ከም ምሳለ ክትጥቀስ ይኽእል፡

ቀዳማይ ሃገራዊ ዋዕላ

ቀዳማይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ደሞክራስያዊ ለወጥን ወሳኒ ግደ ተጻዊቱ። ካብ ክሎም ሕብረተሰባውን ብሄራውን እምነታውን መለልዪታት ዝተዋጽኡ ኤርትራውያን ነዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት ኣመዝገቡ፦

ሀ. ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ብስኒትን ሰላምን ደሞክራስን ምንባር ጽኑዕ ከም ዝዀነ
ለ. ትሕዝቶ ሰነዳት ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ክጻፈፍ
ሐ.ንሃገራዊ ዋዕላ ዘሳናድእን ሰነዳት ሃገራዊ ጉባኤ ዘዛጋጁን ኮሚስዮን ክምረጽ

ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤን ግቡኣቱን

1. ን Road Map ምጽዳቕ
2. ንቅርጻ ባይቶ ምኽሪ ኤርትራ ምጽዳቕ
3. ንሃገራዊ ቻርተር ምጽዳቕ
4. ኣብ ፖለቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ወክልቲ ድያስፖራን ዝተሞርኰሰ መሪሕነት ምምራጽ።
5. ለበዋታትን መምርሒታትን ውሳኔታትን ምሕንጻጽ።
6. ግዜ መሰጋገሪ ምድረኽ ምውሳን፡ እዮም

1.ሱታፌ ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ

ሱታፌ ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ንውህደትን ፍልዩነታትን ህዝቢ ኤርትራ ብክዎታ/ብጽሒት ዘይኰነ እንታይ ድኣ ብልቦናዊ ሚዛን ክትግበር ከም ዘለዎን ሰነዳት ጉባኤ ብትግርንያን ዓረብን ብምልኣት ከም ዝቐርቡ ምግባርን እዩ።

ሚዛን ፍልዩነታት ንውህደት ህዝብና ዋሕስ ስለ ዝዀነ ቆፎ-ኣህዝ (Data Base) ንልቦናዊ ሱታፌ ኣገዳሲ እዩ። ቆፎ-ኣሃዝ ኣብ ጭብጥታት ዝተመስረተ ምእንተ ክኸውን ቅጥዒ መሕተት የድሊ (Questionaire)፣ ንምሳለ፦

1. ስምን ስም ኣቦን ኣቦሓጎን
2. ደረጃታት ትምህርቱን ወይ ተሞክርኡን ኣብ ሃገራውን ደሞክራስያውን ቃልሲ
3. ኣብ ስደት ዝቕመጠሉ ኣድራሻን ተለፎንን

ኣገባብ ምርጻን ዘይሕጋዊ ቘጸራ ጉባኤ ምቕያርን ዘስዓብዎም ጉዳያትን (ንምሳለ ንሲቪክ ማሕበራት ዝተወሰኑ ብጺሒታት ብኣባላት ውድባት ምትካእ ወይ ምትራፍ ዝተመርጹ ወከልቲ ብሰንኪ ምትሕልላፍ ቈጸራ) ምእራሞም የድሊ።

2.ሰነዳት ጉባኤ ብትግርንያን ዓረብን

ሀ. ትሕዝቶ “መንገዲ ሓርነት” (Road Map) ማእከላዊ ሰነድ ስለ ዝዀነ ብዑምቀት ክዝተየሉ ይግባእ።

ለ. ቅርጻ ባይቶ ምኽሪ ኤርትራ እውን ሕጋዊ ባይቶ ስለ ዝዀነን ጠርናፊ ሰፊሕ ልፍንቲ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ እውን ስለ ዝዀነ (Grand Coalition of Eritrean Opposition Forces) ዕቱብ ምይይጥ ከድልዮ እዩ።

ሐ. ሰነድ ሕገመንግስቲ ኣብ ባይቶ ይቕረብ ትግባረኡ ግን ኣብ ሃገር ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ይትግበሩ። ኣብ ህልዊ መድረኽ እምንቶ ባይቶ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ ቻርተር ይጥርነፉ።

ባይቶ ምኽሪ ኤርትራ

ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ባይቶ ምኽሪ ኤርትራ እዩ ክቐውም ዝኽእል እምበር ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራይ እዩ ዝቐውም። ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ዝቐውም ባይቶ ምኽራዊ (consultative) እዩ፣ ስልዝዀነ ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ዝፍጠር ሕጋዊ ትካል፥ “ባይቶ ምኽሪ ኤርትራ” ተባሂሉ ክስመ ንላበው። ኣብ ባይቶ ምኽሪ ኤርትራ ዝሳተፉ ሓይልታት ልፍንቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ እዮም። ባይቶ ምኽሪ ኤርትራ ንደንበ ተቓውሞ ክሳብ ውድቀት ዲክታቶር ይመርሕ፤ ዲክታቶር ኣብ ግዜ መሪሕነት ባይቶ ምስ ዝወድቕ ግን ባይቶ ምኽሪ ኤርትራ ምስ ውሽጣዊ ሓይልታት ብምሽራኽ ግዝያውን መሰጋገሪ መንግስትን የቕውም።

ግዝያዊ መንግስቲ

ሓደስቲ ዲክታቶራት ካብ ውሽጢ ክምንጽዉ ይኽእሉ፡ ክምኡ እውን ካብ ተቓወምቲ ሓይልታት ቦሎኽ ክብሉ ይኽእሉ። ቀዳማይ ዕላማ ግዝያዊ መንግስቲ ድሕሪ ውድቀት ዲክታቶራዊ ስርዓት ሓደስቲ ዲክታቶራት ኣብ ስልጣን ከይውጥሑ ደሞክራስያዊ ትካላት ብቕጽበት ምትእትታው እዩ። ካልኣይ ድሕሪ ውድቀት ዲክታተራዊ ስርዓት ኣጸገምቲ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሕብረተሰባውን ወጥሪታት ብደሞክራስያዊ ኣገጋብ ክፍትሑ ስለ ዝድለ ከምኡ እውን ዝርጋሔ ሰላምን ምርግጋእን ኣገደስቲ ስለ ዝዀኑ ምቕዋም ግዝያዊ መንግስቲ ተደላዪ እዩ። ግዜ መዝነት ግዝያዊ መንግስቲ ካብ ስዱስተ ክሳብ ሸሞንተ ኣዋርሕ ይኸውን፣ብመሰረት ኣብ ጉባኤ ዝጸደቑ ሰነዳት የመሓድር።

መሰጋገሪ መንግስትን ግቡኣቱን

1. መሰጋገሪ መንግስቲ ነቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝረከቡ ደሞራስያዊ ሓይልታት ኣብ ባይቶ ምኽሪ ኤርትራ ብምስታፍ መሰጋገሪ መንግስቲ የቕውም።
2. መሰጋገሪ መንግስቲ ብመሰረት ኣብ ጉባኤ ዝጸደቑ ሰነዳት የመሓድር።
3. ብምትሕብባር ህዝብን ፖለቲካውን ሲቪካውን ሓይልታት፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ሰነድ ሕገመንግስቲ የሰናድእ።
4. ሕግታት ሰልፍታት የውጽእ።
5. ሕግታት ምርጻ የሰናድእ
6. ግዜ ምርጻ ይውስን።
7. ሕሳእ (sensus) ህዝቢ የካይድ።
8. ርዝመት ግዜ መሰጋገሪ መንግስቲ ሓደ ዓመት ይኸውን።

ተልእኮ መሰጋጋገሪ መንግስቲ፦

1. ንርግእት ሃገር ምሕላውን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ኤርትራ ሰላም ከም ዝሰፍን ምግባር።
2. ብህግደፍ ዝሰረጹ ብከላታትን ዕንወትን ምእራም።
3. እሱራት ምፍታሕ
4. ንሓርነታት ዜጋታት ዝድርቱ ሕግታት ምሽጣብ
5. ንንብረት ህግደፍ ኣብ ጥቕሚ ሃገር ምውዓል
6. ካብ ዓለመለኻዊ ምንጽታት ሓግዘ ምንዳይ
7. መሰጋገሪ መንግስቲ ስለ ክትከል ኣኼባ ባይቶ ምኽሪ ምጽዋዕ.
8. ንንብረት ህግደፍ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ባይቶ ምኽሪ ምእታው።

ምርጻን ጽድቃን

ምርጻ ንኣቀዋውማ መሪሕነት ይምልከት፣ ጽድቃን ድማ ንምልኣተሕጋውነት መሪሕነትን ሰነዳትን ይምልከት። ንምሳለ፣ ንኣቃውማ ሕጋውን ፈጻምን ጸፍሕታት ብዝምልከት መምርሒ ጉባኤ 40% ንፖለቲካዊ ውድባት፡ 60% ድማ ንሲቪካዊ ማሕበራት እዩ። 34 ፖለቲካዊ ውድባት 40% ካብ ኰኑ፡ ብሕሳብ 60% ቊጽሪ ወከልቲ ኣባላት ሲቪካዊ ማሕበራት 51 ይኸውን)። ካብዚ ተበጊስካ ቊጽሪ ኣባላት ሕጋዊ ባይቶ 34+51= 85 እዩ ክበሃል ይከኣል። ብተመሳሳሊ፡ ቊጽሪ ፈጻሚት ሽማግለ 15 (11 ምሉእ ኣባላት 4 ተጠባበቕቲ) ይኹን ምስ ዝብሃል፡ 6 ወከልቲ ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባት ይዀኑ፡ 9 ወከልቲ ድማ ኣባላት ሲቪክ ማሕበራት ይዀኑ። ምርጻ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ እምበር ብስምምዕ ይኹን ማለት ፖለቲካዊ ማእለማ ብድሕሪ ዝባን ህዝቢ ምክያድ ስለ ዝዀነ ንጹግ እዩ። እቶም በደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጹ መራሕቲ ግን ብጉባኤ መሪሕነቶም ይጸድቕ። ሰነዳት ድሕሪ ክትዕ ብጉባኤናይታት ይጸድቑ።

ኦምቡድስማን / Ombudsman

ኦምቡድስማን ኣብ ጉባኤ ይምረጽ። ሓላፍነት ኦምቡድስማን ምክትታል ትግባረ ሕግታት ጉባኤን ስራሕ መሪሕነትን እዩ። ሕጊ ምስ ዝጥሓስን ስራሕ መሪሕነት ድኹም ኰይኑ ምስ ዝርከብን ኦምቡድስማን ንህዝቢ ክሕብርን ህጹጻት ኣኼባታት ሕጋውን ፈጻሚት ኣካላት ክጽውዑ ከዘኻኽር መሰል ኣለዎ።

ስትራተጂ መላኺ ስርዓት ህግደፍ

ስትራተጊ ህግደፍ ኣብ መላኺ ደርብን ፖለቲካ ራዕድን ዝተመስረተ እዩ።

1.ደርባዊ ስርዓት

ደርባዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሰለስተ ኣገደስቲ ሞኖፖላት ዝተመስረተ እዩ፥

ቊጠባዊ ሞኖፖል

• መሬት ናይ መንግስቲ እዩ ብምባል ኩለመላኺ (totalitarian) ገዛኢ ንኡስ ቡርጅዋ ንመሬት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጥቕሙ ኣውዒልዎ ይርከብ

• ፋብሪካታት መንግስት ብጨረታ ምሻጥን ኣባይቲ መንግስቲ ንሰበስልጣን ህግደፍ ብምዕዳል ንኡስ ብርጅዋ ህግደፍ ንንብረት ህዝቢ ኣብ ጥቕሙ ኣውዒልዎ ይርከብ

• ንሹቅን ንግድን ፊናንስን ሃገር ኣብ ሞኖፖል ገዛኢ ንኡስ ቡርጅዋ ህግደፍ ውዒሉ ይርከብ

• ሹቕ ሽቕለት ኣብ ማእቶታዊ ሞኖፖል ገዛኢ ንኡስ ቡርጅዋ ውዒሉ ይርከብ

ባህላዊ ሞኖፖል

• ካብ ኣቦታት ዝተወርሱ ባህልታት ብ ”ሓዳሽ ኤርትራ” ዝብል ሓደገንያ ወፈራ ኣእምሮ መንእሰያት ምብካል

• ንትካላት ትምህርቲ ብምውናን ንፍልጠት መንእሰያት ምብራዝ

• ንትካላት ማስመድያ ብምውናን ንመሰላት ሓበሬታን ሓሳብን ብኣምልኾ ዲክታቶር ኤርትራ ምትካእ

2. ራዕዲ ፖለቲካ

• ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ራዕዲ ፖለቲካ ህግደፍ ኣብ ሃይማኖት ዝተመስረተ እዩ። ንሱ ድማ፥ ”ዕላማ ኣኽረርቲ ኣስላም ኤርትራ፡ ብድፍኢት ዓለማዊ ኣኽረርቲ፡ ኣብ ኤርትራ ኣስላማዊ መንግስቲ ምትካል እዩ” ዝብል” ከዛብ ወፈራ እዩ።

• ተወሳኺ ራዕዲ ፖለቲካ ህግደፍ ኣብ ሕቶ ብሄራት፡ በፍላይ ነቲ ” ክሳብ ምፍንጫል” ዝብል መሰነይታ ከም ተጻራሪ ውህደት ኤርትራን ልኡላውነታን ብምቕራብ ደገፍ የዋሃት ምኽሳብ እዩ።

• ሳልሳይ ፖለቲካ ራዕዲ ህግደፍ ሕቶ ዶብ እዩ። ንጉዳይ ዶብ ከም ዳግመ ግዝኣት ኢትዮጵያ ብምቕራብ ንህዝቢ ኤርትራ ብኢድዮሎጊ ፍርህን ጽልእን ኣዒንቱ ዓሚትዎ ይርከብ።

ስትራተጂ ተቛወምቲ ሓይልታት

ስትራተጂ ተቓወምቲ ሓይልታት እንታይ ክኸውን ይግባእ?

ስትራተጂ ተቓወምቲ ሓይልታት ኣብ ማሕበራዊ ሰውራ (social revolution) ክምስረት ይግባእ። ቀዳማይ ዓንዲ ስትራተጊና ሓይሊ ለውጢ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ምግንዛብ እዩ፣ ካልኣይ ዓንዲ ስትራተጊና ጸላኢና ኩለመላኺ ደርቢ ንኡስ ቡርጅዋ ህግደፍ ምዃኑ ምልላይ እዩ። ነዞም ዓንዳውያን መትከላት ከም መሰረት ስትራተጊና ወሲድና ንኣሉታዊ ”ሾቨንነት” ህግደፍ ብኣወንታዊ ሃገራውነት (positive Nationalism) ምትካእ ግድን ይኸውን።

ኣወንታዊ ሃገርነት ኤርትራ ኣብ እዞም ዝስዕቡ መትከላት ዝተመስረተ እዩ፥

1. ኤርትራ ልዑላዊትን ጥርንፍትን ሃገር እያ።
2. ስርዓት ህግደፍ ደርባዊ ቅርጻኡ ንኡስ ቡርጅዋ እዩ። ነዚ ክውነት ኣብ ግምት ብምእታው ዕላማ ጥርናፈ ሰልፍታትና ንገዛኢ ደርቢ ህግደፍ ነጺልካ ስምረት ህዝቢ ኤርትራ ምርግጋጽ።
3. ኣብ ውሽጢ ስምርቲ ኤርትራ ኩለእንተናዊ መሰላት ነገደሰባት ምኽባር።
4. መትከል ኢማእከልነት መሰረት መንግስታዊ ቅርጻን ምሕደራን ክኸውን።
5. ፖለቲካዊ ስልጣን ካብ ህዝቢ ይምንጽው፡ ብወከልቱ ድማ ይትግበር።
6. ፖለቲካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ቅዋማውን ደሞክራስያውን ብዝሀ-ሰልፋውን መትከላት ክምስረት።
7. ኣብ ምንጎ ሃይማኖትን መንግስትን ንጹር ዶብ ክቕመጥን ኣብ ውሽጦም ድማ ጣልቃዊ ምትእትታው ክውገድ።

ኣብ ልዕሊ ምልዕዓል ህዝብን ምቚንጫል ዲክታተራዊ ስርዓት ካብ ህዝብን፡ ኣወንታዊ ሃገራውነት ንስምረት ተቓወሚ ደምበ ከዓዝዝ ይኽእል። ኣብ ኤርትራ ሓረስቶትን ኣርባሕቲ ከብትን ሸቀልትን ተመሃሮን ኣጋር ወተሃደራትን ብዘይ ፍልያ ሃይማኖትን ብሄርን ጾታን ጭቁናት እዮም። ንትግሪኒ ብመላእ ከም ሃይማኖታውን ብሄራውን ጨቛኒ ብሄር ምቕራብ ግን ንስምረት ተቓወምቲ ሓይልታት ከሰናኽል ስለ ዝኽእል ቅኑዕ ስትራተጊ social revolution ብ positive nationalism ዝተሰነየ ክኸውን ይግባእ።

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!

ሕሩይ ተ. ባይሩ
ኣቦ መንበር ሽማግለ ሕገመንግስትን
ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ኮሚቲ ኣብ ኤውሮጳ


ካርታ ጒዕዞ ደሞክራሲ

ደምክራስያዊ ለውጥን ስኒትን

ሀ) ስኒት

ህዝባዊ ስልጣን ክረጋገጽ ዝኽእል ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዝተመስረተ ብዝሃ-ሰልፍታት ምስ ዝቐውም ጥራይ እዩ። ኣብ መንጎ ውድባት ዘለዉ ተጻብኦታት ኣሉታዊ ጽልዋ ከቐምጡ ስለ ዝኽእሉ መርሆ ሃገራዊ ዕርቂ ካብ ህንጸት ድሞክራስያዊ ስርዓት ተነጺሉ ክርኤ ኣይግባእን። ብኻልእ ኣዘራርባ ሃገራዊ ስኒት ምስ ደሞክራስያዊ ሕገ-መንግስትን ብዝሃ-ሰልፍታትን ተሰንዩ ዝምዕብል ተርእዮ እዩ። ቀዳማይ ዕማም ሃገራዊ ዋዕላ ንኹሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ብዘዕግብ መንገዲ ዲክታቶራዊ ስርዓት ዝውገደሉ ባይታ ምጥጣሕ ኰይኑ ካልኣይ ዕላማኡ ንተቓወምቲ ሓይልታት ዝጥርንፉ ትካላትን ቅርጻን ምስንዳእ እዩ።

ካብ ክልተ ሽሕ ዕ.መ.ፈ. ንነጅየው ጒዕዞ ስምረት ክልተ ዝምባለታት ነበሮ፣ ንሳቶም ድማ፥ 1) ዝምባለ ስኒትን (ንታሪኻዊ ግርጭታት ኣብ መንጎ ውድባት ንምፍታሕ ዝዓለመ) 2) ዝምባለ ጥርናፈ ፖለቲካዊ ውድባትን ነበሩ። ዝምባለ ስኒት ኣብ መተዓረቒ ዋዕላ/ኮንፈረንስ ዘተኰረ ነበረ፣ ዝምባለ ፖለቲካዊ ጥርናፈ ውድባት ግን ናብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተኰረ ነበረ። ካብ 2002 ንንየው ፎሩም ሰንዓ ደገፎም ንምሕዝነት ምስ ኣወጁ ዝምባለ ፖለቲካዊ ጥርናፈ ውድባትን ስኒትን ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ክዝተዩ ብተቛወምቲ ሓይልታት ቅቡል ኰነ።

ለ) ደሞክራስያዊ ለውጥን ስምረትን

ውሽጣዊ ዲክታቶራዊ ስርዓትን ግዳማውያን ውግኣትን ኣብ ኩሎም ጸፍሕታት ሕብረተሰብን ምሕደራን ዘመገብዎም ዕንወትን ዝገደፍዎ ስምብራትን ከበድቲ ስለ ዝዀኑ ሕቶ ሃገራዊ ሓድነት ማእከላይ ቦታ ሒዙ ይርከብ። ሓደ ጠባይ ሃገራውነት ኣብ ሀገራዊ ኣይድዮሎጊ ይምስረት፣ ኣብ ቅድሜና ኩድጭ ኢሉ ዘሎ ሕቶ፣ “መቖምያታት ኤርትራዊ ሃገራውነትና እንታይ እዮም ዝብል” እዩ። ዲክታተራዊ ስርዓት ንሓድነትን ህዝብን ሃገርን ዝጠምሩ ማሕበራዊ ፈትልታት ስለ ዝበተኾም ነቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተዀኲአ ሃገራውነት ኣዳኺምዎ ይርከብ፣ ብሓደ ሸነኽ ኣብ ግዜ ቃልሲ መንፈስን ኣእምሮን ህዝብናን ነጻ ኣውጻእቲ ውድባቱን ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ስርዓታት ሃይለስላሴን ደርግን ስለ ዝነበረ፣ ብኻልኣይ ሸንኽ ድማ ኣንጻር ሃጸይነት ስለ ዝነበረ፣ ህገራውነትና “ተጻራሪ ሃገራውነት” ተብሂሉ ክስመ ይኽእል። ድሕሪ ነጻነት ተጻራሪ ሃገራውነት ግደኡ ጸንቂቑ ጥራይ ዘይኰነ ደርባውን ብሄረሰባውን እምነታውን ረቛሒታት ቀዳምነት ኣይተዋህቦምን። ኣብ ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት እዞም ዝተጠቕሱ ፍልዩነታት ከም ሃገራዊ ሃብቲ ክንዲ ዝዕንብቡ እሞ ምቖምያታት ሀገራውነትና ክንዲ ዝዀኑ ኣርእስትታት ሰሓቦ-ጉተቶ ኰይኖም ይርከቡ።

ኣብ ክሊ ደሞክራሲ ንኹሎም ኤርትራውያን ክጥርንፍ ዝኽእል ሃገራውነት ንረቛሒታት ውህደትን ፍሉይነትን ዘዛመድ ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ ስምረትን ስኒትን ክረጋገጹ ዝኽእሉ። ብቑንጹብ ኣዘራርባ መሰላት ብሄራትን ሃይማኖትን ብስም ሃገራዊ ስምረትን ስኒትን ክግሃሱ የልብሎምን፣ ከምኡ እውን መሰላት ሃገራዊ ስምረትን ስኒትን ብመሰላት ፍልዩነታት ክዕብለሉ የልብሎምን። ስለዚ ቀዳማይ ትርጉም ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ስተመስረተ ብዝሃ-ሰልፋዊ ደሞክራሲ ክኸውን ከሎ፣ ካልኣይ ትርጉሙ ኣብ መንጎ ሀገራዊ ስምረትን ስኒትን ፍልዩነታትን ዘሎ ዝምድና ምንጻር እዩ፣ ንውህደታውነት ዝምልከት ሃገራዊ ነጻነትን ልኡላውነትን ምእኩል መንግስትነትን ክኸውን ከሎ፣ ንፍሉይነት ዝመልከት ድማ መሰላት ብሄረሰባትን ሃይማኖታትን ኢማእከላዊ መንግስትነትን እዮም። ነዞም ክልተ ሓቅታት ዝጥርንፍ ኣይድዮሎጊ ምብጋስ ናይ ኩሉና ሓላፍነት እዩ። ተቓወምቲ ሓይልታት ኣብ ኣገባብ ቃልሲ ክፈላልዩ ተራእዩ እዩ፣ ሰላማዊ ይኹን ጎንጻዊ ኣገባብ ንመሪሕነት ዝምልከት ኣምር እምበር ነቶም ኣብ ዋዕላ ዝጸድቁ መትከላትን ትካላትን ዝጸሉ ኣይኰነን። ስትራተጊ ተቓወምቲ ሓይልታት፣ “ውድቀት ንዲክታተራዊ ስርዓት፣ ኣብ ዓድታት ዝተመስረተ ማሕበራዊ ሰውራ ሕጂ” እዩ፣ መሪሕነት ድማ ከከም ኣድላይነቱን ከከም እዋኑን፣ ከከም ሓይሉን ኣገባብ ቃልሱን ስትራተጊኡን ይትልም።

ኣብ ግምት ዘእቶናዮም ሞደላት

ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ

ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ ብዙሓት ውድባት ዝሓቘፈ ጽላል እዩ። ኣኼባ ምሕዝነት ፖለቲካዊ ቻርተሩን ውድባዊ ቅርጹን ኣማዕበለ፡ ንመትከላት ብዝምልከት ማዕርነት ሃይማኖትን ኢማእከላውነትን ኣብ ቻርተር ሃ.ም.ኤ. ብንጽር ሰፈረ። ትግርንያን ዓረብንያን ወግዕእዊ ቋንቋታት ኤርትራ ምዃኖምን ብሄራት ኤርትራ ቋንቋታቶም ከማዕብሉ መሰል ከም ዘለዎምን እውን ኣብ ቻርተር ሃ.ም.ኤ. ሰፈረ። ንውድባዊ ቅርጻ ብዝምልከት ሃ.ም.ኤ. ክልተ ዝተጣመሩ ጽፍሕታት መሪሕነት ኣቖመ፡ ንሳቶም ከኣ ላዕለዋይ መሪሕነትን ፈጻሚ ሰክረታርያን ነበሩ። ላዕለዋይ መሪሕነት ንኹሎም ውድባትን ሰልፍታትን መናብር ብመሰረት ዓበይትን ነኣሽቱን ውድባት ይዘርግሑ ዝብል ርእይቶ ቅቡል ኰይኑ ስለዘይተረኽበ ኩሎም ውድባትን ሰልፍታትን ከክልተ መናብር ተዓደሉ፡ ፈጻሚ ኣካል ድማ ብወከልቲ ነፍስ-ወከፍ ውድብ ወይ ሰልፊ ቀወመ። ኩሎም ኣባላት ፈጻሚ ሰክረታርያ ሙሉእ ግዚኦም ዝወፈዩ ኰኑ፡ እቲ ኣብ ሸሹድሽተ ኣዋርሕ ይዕደል ዝነበረ መሪሕነት ቀዋሚ ኰነ፡ ግዜ ኣገልግሎት እውን ኣብ ክንዲ ዓመት ዝኸውን ክልተ ዓመት ኰነ።

ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር

ንሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ብዝምልከት ሓይልታት ቃልሲ ተቓውሞ ቻይና ኣንጻር ወራር ጃፓን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጽቡቕ መረዳእታ እዩ። ብሻንጋይሸክ ዝምራሕ ዝነበረ ሃገራዊ ሓይልን ብማኦ ድዜዱንግ ዝምራሕ ዝነበረ ሰልፊ ኮምኒስትን ንወራር ጓና ሓይሊ ሓቢሮም ክምክቱ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ይትከሉ ደኣ እምበር ድሕሪ ምውጋድ ሓባር ጸላኢ ሓደ ካብዞም ክልተ ሓይልታት ክሳብ ዝዕወት ብዘይ ንሕስያ ክም ዝጣፍኡ ርዱእ ነበረ። እዚ ሞዴል`ዚ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዀኑ ተጻባእቲ ውድባት (ምእንቲ ውድቀት ሓባር ጸላኢ ክብሉ ይጠርነፉ ደኣ ኣምበር) ድሕሪ ዓወት ኣንጻር ጸላኢ ዝምድንኦም ብሓድሕድ ኲናት ወይ ዕልዋ መንግስቲ ከም ዝትካእ ይሕብር; ሞደል ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ምስ ዕማም ህገራዊ ዋዕላና ዝሳነ ኣይመስልን።

ሰሙር ሃገራዊ ግንባር

ክልተ (ወይ ካብኡ ንላዕሊ) ምእንቲ ነጻነት ዝቃለሱ ውድባት ምሉእ ዓቕሞም ኣብ ሓደ ተጠርኒፎም ኣንጻር ሓባር ጸላኢ ክቃልሱ ምስ ዝስምማዑ ንሞዴል ስሙር ግንባር ከም ኣገባብ ቃልሲ መሪጾም ክብሃል ይክኣል። ብ1978 ምስ እዚ ኣብነት ዝማሳሰል ስምምዕ ኣብ ሞንጎ ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን/ ተ.ሓ.ኤ.ን ተፈሪሙ ነበረ። ኣብ መወዳእትኡ እዚ ተሞክሮ ብሓድ-ሕድ ውግእን ውድቀት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ተደምደመ። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ተጣበቕቲ ስሙር ግንባር ንበርጌሳውያን ማሕበራትን ወከልቲ ስደንያታትን ከም መቓልስቲ ኣይቅበሉን እዮም። ሞደል ስሙር ግንባር እውን ምስ ተበግሶ ህልዊ ዋዕላ ዝሳነ ኣይመስልን።

ሞዴል ውድብ ሓርነት ፍልስጤም (PLO)

ውድብብ ሓርነት ፍልስጤም ንዝተፈላለዩ ውድባት ፍልስጤም ኣብ ትሕቲ ሓደ ፖለቲካዊ ጽላል ዝጠርነፈ ሓይሊ እዩ። እዚ ሞዴል እዚ ካብ ሞዴል ሃገራዊ ባይቶ ብሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ይፍለ፡ ንሱ ድማ ውድባት ፍልስጤም ኣብ ዙርያ ‘ፈታሕ’ (እቲ ዝዓበየ ወድብ) ስለ ዝተጠርነፋ እዩ። እዚ ንነኣሽቱ ውድባት ካብ ደሞክራስያዊ ተሳትፎ ይንጽልን ንፖለትካዊ ስልጣን ድማ ካብ ሰበ-ብረት ናብ ህዝቢ ስለ ዘይምልስን ድኹም ሸነኽ ኣለዎ። ሞደል ፍሊስጤም እውን ኣብ ዙርያ ሓደ ሓያል ሰራዊት ዝውንን ውድብ ስለ ዝተመስረተ ንሸቶ ህልዊ ዋዕላ ዘርክእ ኣይመስልን።

ሃገራዊ ባይቶ

ሞዴል ሃገራዊ ባይቶ ን‘ውድባትን ሰልፍታትን በርጌሳውን ሞያውያን ማሕበራትን ትካላት ስደተንያታትን ኮማት ዲያስፖራን ኣብ ትሕቲ ሓደ ሕጋዊ ባይቶ ምስ ዝጥርነፍ ግዝያዊ መንግስቲ ንምትካል የመቻችእ። ምምስራት ሃገራዊ ባይቶ ሕጋውነት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ዓለምለኻዊ ጸፍሕታትን ንምጒንጻፍ ይሕግዝ። ሞዴል ሃገራዊ ባይቶ ምስ ተመሳስልቲ ባይቶታት ዓለም ርክባት ክፈጥር ኣይጽግሞን። ቀዳማይ ክፋል ምልኣተ-ሕጋውነት ሃገራዊ ጉባኤን ኣብ ሕጋውነት ሃገራዊ ዋዕላን ሰነዳቱን ዝፈጠሮ ኮሚሽን ኰይኑ ካልኣይ ክፋል ሕጋውነቱ ድማ ኣብ ተሳተፍቲ ሃገራዊ ጉባኤን ሰነዳቱን ትካላቱን መሪሕነቱን ይምስረት። ካብዚ ተበጊስና ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ክቐውም ምሉእ ሕጋውነት ይህልዎ።

መንግስቲ ኣብ ስደት

መሰረታዊ ዕላማ መንግስቲ ኣብ ስደት ሃገራውን ዓለመለኸዊ ሕጋውነትን ካብ ዲክታተራዊ ስርዓት ምምንጣል እዩ። ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን በርጌሳውን ሞያውን ማሕበራትን ትካላት ስደተንያታትን ኮማት ዲያስፖራን፣ ኮታ ኩሎም ሸነኻት ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝሳተፍዎ መንግስቲ ኣብ ስደት ክቐውም ምሉእ ሕጋውነት ይህልዎ፤ እንተዀነ ግን ትኽለት ሃገራዊ ባይቶ ንትኽለት መንግስቲ ኣብ ስደት ይቕድሞ። ሕቶ ትኽለት መንግስቲ ኣብ ስደት ምስ ግዜን ኲነታትን ዝተዛመደ ስለ ዝዀነ ዓምዊቕ መጽናዕቲ ዘድልዮ ወይ ወይ ሃንደበታዊ ውድቀት ዲክታቶ ምስ ዝፍጠር እምበር ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ዝቘውም ትካል ኣይኰነን።

ባይቶ ምኽሪ ኤርትራ

መጽናዕቲ ሞደላት ከም ዝሕብሮ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ሞደል ባይቶ ጥራይ እዩ ክፍጠር ዝኽእል። ዝድለ ባይቶ ግን ሃገራዊ ክኸውን ዝኽእል ኣብ መወዳኣታ ጒዕዞኡ ሕገመንግስቲ ብህዝቢ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ጸደቐ ጥራይ እዩ። እምበኣር ኣብ ሃገራዊ ጉባኤና ባይቶ ምኽሪ ምስ ዝፍጠር ምስኡ ዝተመጣጠኑ ኣብ ዘሎናዮ መድረኽ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ሓይልታት ዘይሳተፍሉ ሃገራዊ ባይቶ ምትካል ካብ ፖለቲካዊ ክውንነት ዝረሓቐ ስለ ዝዀነ ጠባይ ዝትከል ባይቶ ምኽራዊ (consultative) እዩ ክኸውን ዝኽእል። ስለዚ ህልዊ ጉባኤና፥ “ባይቶ ምኽሪ ኤርትራ ተባሂሉ ክስመ ንላበው። ኣብ ባይቶ ምኽሪ ኤርትራ ዝሳተፉ ሓይልታት ኣብይ ልፍንቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (Grand coalition of Eritrean Political Forces) እዮም። ባይቶ ምኽሪ ኤርትራ ንደንበ ተቓውሞ ክሳብ ውድቀት ዲክታቶር ይመርሕ፤ ዲክታቶር ኣብ ግዜ መሪሕነት ባይቶ ምስ ዝወድቕን ግን ባይቶ ምኽሪ ኤርትራ ምስ ውሽጣዊ ሓይልታት ብምሽራኽ መሰጋገሪ መንግስቲ የቕውም።

.

ግቡኣት ባይቶ ምኽሪ ኤርትራ

7. ንሰነዳት ጉባኤ ምጽዳቕ
8. ግዜ ምሰጋገሪ ምድረኽ ምድራት
9. ኣብ ፖለቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ወክልቲ ድያስፖራን ዝተሞርከሰ መሪሕነት ምምራጽ።
10. ትካልዊ ምምሪሕታትን ኣገባባትን ምሕንጻጽ

ግቡኣት መሰጋገሪ መንግስቲ

9. ንመሰጋገሪ መንግስቲ ብመሰረት ኣብ ጉባኤ ዝጸደቑ ሰነዳት የመሓድር።
10. ሕግታት መርጻ የውጽእ።
11. ሃገራዊ ትካላት ምርጻ ይቚውምን ግዜ ምርጻ ይውስንን።
12. ፕሮግራም ሕሳእ ህዝቢ የካይድ።
13. ብህግደፍ ዝሰረጹ ብከላታትን ዕንወትን ይእርም።

ተልእኮ መሰጋጋገሪ መንግስቲ፦

9. ንርግእት ሃገር ምሕላውን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ኤርትራ ሰላም ከም ዝሰፍን ምግባር።
10. እሱራት ምፍታሕ
11. ንሓርነታት ዜጋታት ዝድርቱ ሕግታት ምሽጣብ
12. ንምንጭታት ሃገር ኣብ ጥቕሚ ሃገር ምውዓል
13. ካብ ዓለመለኻዊ ምንጭታት ሓግዘ ምንዳይ
14. ምሰጋገሪ መንግስቲ ስለ ክትከል ኣኼባ ባይቶ ምኽሪ ምጽዋዕ.
15. ንንብረት ህግደፍ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ባይቶ ምኽሪ ምእታው።

ቀዳማይ ዋዕላ ባይቶ ምኽሪ ኤርትራ

ቀዳማይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንደሞክራስያዊ ለወጢ ውሳኒ ግደ ተጻዊቱ። ካብ ክሎም ሕብረተሰባውን ብሄራውን እምነታውን መለልዪታት ዝተዋጽኡ ኤርትራውያን ነዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት ኣመዝጊቡ፦

ሀ. ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ብስኒትን ሰላምን ደሞክራስን ምነባር ጽኑዕ ከም ዝዀነ

ለ.ቃልሱ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ክጻፈፍ ወሰነ

ሐ.ናብ ሃገራዊ ውዕላ ዘሳናድእን ሰነዳት ሃገራዊ ጉባኤ ዘዛጋጁን ኮሚስዮን መረጸ

ብመንጽር ስትራተግያዊ ዓወት ሃገራዊ ዋዕላ ክጥመት ከሎ መድረኽ ባይቶ ምኽሪ ኤርትራ እንታይ ይጠልብ?

1. ተሳትፎ ባይቶ ምኽሪ ኤርትራ ዋዕላ ንውህደትን ፍልዩነታትን ህዝቢ ኤርትራ ብክዎታ ዘይኰነ እንታይ ድኣ ብልቦናዊ ሚዛን ክትግበር ከም ዘለዎ

2. ሰነዳት ጉባኤ ብትግርንያን ዓረብን ብምልኣት ከም ዝቐርቡን ምግባር።

3. ኣብ ዋዕላ ዝትግበሩ ኣገባባት።

1.ተሳትፎ ባይቶ ምኽሪ ኤርትራ

ቆፎ-ኣህዝ (Data Base) ንልቦናዊ ተሳትፎ ኣገዳሲ እዩ፣ ሚዛን ፍልዩነታት እዩ ንውህደት ህዝብና ዋሕስ ዝኸውን። ቅፎ-ኣሃዝ ኣብ ጭብጥታት ዝተመስረተ ምእንተ ክኸውን ቅጥዒ መሕተት የድሊ (Questionaire)፣ ንምሳለ፦

4. ስምን ስም ኣቦን ኣቦሓጎን

5. ስም ዓዱ ኣብ ኤርትራ

6. ደረጃታት ትምህርቱን ወይ ተሞክርኡን ኣብ ሃገራውን ደሞክራስያውን ቃልሲ

7. ኣብ ስደት ዝቕመጠሉ ኣድራሻን ተለፎንን

ብኻልኣይ ደረጃ ኣብ ቆፎ-ኣሃዝ ክምዝገቡ ዝግብኦም ኣሃዱታት እውን ኣለዉ፣ ንምሳለ፦

1. ጭቡጥ ፕሮግራም ዘለዎም በርገሳዊ ምሕበራት

2. ውፉያት ብማተርያላዊ ይኹን ዝተፈላለዩ ኣበርክቶታት ንጉዕዞ ሃገራዊ ጉባኤ

2.ሰነዳት ጉባኤ ብትግርንያን ዓረብን

ሀ. ትሕዝቶ መርሃ-ገበይ ህልዊ ጽሑፍ ስለ ዝዀነ ኣብ ካልኣይ ሰነድ ንሓልፍ።

ለ. ንሱ ድማ ሃገራዊ ቻርተር ተባሂሉ ዝተሰምየ እዩ።ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ሃገራዊ ቻርተር ኣይኰነን ዝድለ፤ ንፖለቲካዊ ውድባት ብዝምልከት ቻርተር ድልዱል ናውቲ ስልጣን እዩ። ቻርተር ንእምንቶታን ሸቶታትን ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ኣብ ሓደ ጥርዚ ይምእክል፣ ንምሳለ ህግደፍ ብቻርተር ይመሓደር፣ ቅዋም ኢሳያስ እውን እንተዀነ መቐጸልታ ቻርተር ህግደፍ እዩ ክበሃል ይከኣል። ወከልቲ ህዝብን በርገሳዊ ማሕበራትን ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ዝሳተፍዎ ጉባኤ ብቻርተር ክጠርነፍ ኣጸጋሚ እዩ። ብዙሓት ሰልፍታት ወይ ውድባት ግን ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላላዊ ቅርጻ ብቻርተር ክጥርነፉ ከም ዝኽእሉ ተሞክሮ ምሕዝነተ-ኪዳን ነዚ ትዕዝብቲ ብቑዓት ምስክር እዮም። ሎሚ መድረኽ ቻርተራት ተሰጊሩ እዩ ክብሃል ይከኣል። ህልዊ መድረኽ ንመሪሕ ማእከላውያን መትከላት ተቛውሞ ብጽኑዕ መትከላዊ እምነት ወይ ማኒፈስቶ እዩ ክግለጽ ዝግባእ።

ሐ. ሰነድ ሕገመንግስቲ ኣብ ባይቶ ይጸደቕ ደኣ እምበር ከም ምሉእ ሕገመንግስቲ ቅድሚ ምትግባሩ ክሓልፎም ዝግብኡ መድረኻት ኣለውዎ።

Formulating grand strategy

ልዳተሓሳባት ህልዊ ድርሰት ኣብ እዞም ዝስዕቡ ሕቶታትን ዝምድንኦምን ዝተምርኰሰ እዩ፥

1) ዓንድታት ስትራተጊ ህግደፍ እንታይ እዮም?
2) ብኸመይከ ተቓወምቲ ሓይልታት ክገጥምዎም ይግባእ?

1. መድረኽ ድሕሪ ምውዳቕ ዲክታተራዊ ስርዓት ምስግጋር ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት።

እዚ ድሕሪ ምውዳቕ ዲክታቶር ዝመጽእ መድረኽ ካልኦት ሓደስቲ ዲክታቶራት ኣብ ስልጣን ከይውጥሑ ጥንቃቐ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ። ደረስቲ ሮድ ማፕ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ኣጸገምቲ ፖለቲኣውን ቁጠባውን ሕብረተሰባውን ወጥሪታት ኣብ ግምት ከእትዉ ይግብኦም። እዚ መድረኽ ሰላምን ምርግጋእን ዘድልዮ እዩ ምትሕብባር ህዝቢ ዝጠልብ መድረኽ እዩ። ኣሰናዳእቲ ሮድ ማፕ ሓይልታት ዝፈረስ መንግስቲ እንደገና ተጠራኒፎም ዓወቶም እንደገና ከይምንጥልዎም ክነቕሕሉ ይግባእ።

1. ፖለቲካዊ መስመር ህግደፍ ኣብ ፍርሒ ዝተመስረተ እዩ

ህ. ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ፍርሕታት ኣብ ሃይማኖት ዝተመስረተ እዩ። መራሕቲ ምዕራባዊ ዓለም ምስ ኣኽራርነትን ግብረሽበራን ኣተሓሒዞም ብለኸማ ዘምበድብድዎ ፍርሀ ምስልምና ቅነዲ መሳርሒ ህግደፍ እዩ፡ ”ዕላማ ኣኽረርቲ ኣስላም ኤርትራ፡ ብድፍኢት እሕዋት ምስልምናን ሰለፍይንን፡ ኣብ ኤርትራ እስላማዊ መንግስቲ ምትካል ዝብል እዩ። እቲ ካልኣይ ፍርሂ ኣብ ፍርሀ ብሄራት ኤርትራ ዝተመሰተ እዩ።

ለ. ተወሳኺ መስመር ፍርሂ ህግደፍ ኣብ ሕቶ ማዕረነት ብሄራት፡ በፍላይ ነቲ ”ክሳብ ምፍንጫል” ዝብል ኣሰናዪ መሰል ከም ተጻራሪ ውህደት ኤርትራን ልኡላውነታን ብምቕራብ ስርዓት ህግደፍ ደገፍ ህዝቢ ኤርትራ ክድልብ ክኢሉ።

ሐ. ክጥቀስ ዝግብኦ ምንጸ ፍርሂ እውን ሕቶ ዶብ እዩ። ንጉዳይ ዶብ ከም ዳግመ ግዝእት ኢትዮጵያ ብምቕራብ ንህዝቢ ኤርትራ ብኢድዮሎጊ ፍርህን ጽልእን ኣዒንቱ ዓሚትዎ ይርከብ።

2. ቊጠባዊ ሞኖፖል

ሀ. መሬት ናይ መንግስቲ እዩ ብምባል ንመሬት ዓድታት ብምንጣል ንመሬት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጥቕሚ ህግደፍን ድገፍቶምን ምውዓል።

ለ. ፋብሪካታት ብምሻጥን ኣባይትን መንግስቲ ንሰበስልጣን ህግደፍ ብምዕዳል ንንብረት ሕዝቢ ኣብ ጥቕሚ ዕሸል ፖለቲከ-ቁጠባ ደርቢ ህግደፍ ምስግጋር።

ሐ. ቁጠባውን ፊናንሳውን ትካላት ብምትካል ሞኖፖል ሃገራዊ ሹቕን ንግድን ኣብ ኢድ መንግስቲ ዘይኰነ ኣብ ኢድ ህግደፍ ምእታው።

መ. ንሹቕ ሽቕለት ብማእቶታዊ ሞኖፖል ምትካእ።

ረ. ንወሎዶታት መንእሰያት ኤርትራ ብወጥሪ ዶብ ምምስማስ ምውናን።

3. ባህላዊ ሞኖፖል

ሀ. ኣብ ተሞክሮ ብረታዊ ቃልሲ ዝተመስረተ ”ሓዳሽ ኤርትራ” ዝብል ባህላዊ ፍልስፍና ብምዝርጋሕ ኣእምሮ ምንእሰያት ምብካል።

ለ. ንመዳይ ትምህርቲ ብምውናን ንባህልታት ብሄራትን እምነታትን ደምሲስካ ብፍልስፍና ሓዳስ ኤርትራ ምትካእ።

ሐ. ንማዕከናት ማስመድያ ብምውናን ንመሰላት ሓብሬታን ሓስባትን ብእምልኾ ውልቀ-መላኺ ምትካእ።

ኣብዞም ሰለስተ ሞኖፖላት ብምምርኳስ ስርዓተ እህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኩለእንተናዊ ስልጣን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሓዪሩ ይርከብ። ዓንድታት ስትራተጊ ተቓወቲ ሓይልታትከ እንታይ ይመስሉ።

Addis course

ንጹር ስትራተጊ ክሕንጸጽ ከነስተውዕሎም ዝግብኣና ረቛሒታት ኣለዉ

ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ብሄራት ከይተረፉ ብደሞክራሲ ዝጥቀም የልቦን

ትግሪኒ ከይተረፉ፡ ደሞክራሲ ናውቲ እዩ።

ደርብታት ይኹኑ ብሄራት ኩሎም ጭኩናት ኣዮም

ትግሪኒ እውን ጭኩን እዩ፡ ካብቲ መንግስቲ ተጠቃማይ ኣይኰንውን።

ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ሓውሲ ደርቢ እዩ።


መንግስቲ ኤርትራ ሰኩላር ይብል እንተዀነ ግን ንሃይማኖት ዝቀጻጸር መንግስቲ እዩ።

ብሄራት ንውሽጣዊ ጉዳየን ክይከታተላ ብትግሪኒ ገቢሩ ይቈጻአረን።

ዝተደራረበ ጭቈና ኣሎ፡ ብብሄር ብኢኮኖሚ ብሃይማኖት።

ንሕና ዝያዳ ተጠቒዕና ምስ ዝብል ሓድ ስሙር ስትራጊ ክንሕንጽጽ ከጸግማና እዩ። እላያንስ ከምይ ገቢርና ድኣ ንፈጥር ኢና?

ብሄራዊ ጭቈና ከመይ የልግስ?

መን ተጠቃሚ ትግርንያ ድዩ ወይስ ተጠቃሚ ደርቢ?

ዝተረፈ ማእቶት መንግስቲ እዩ ዝወስዶ።

ኩሉ ትግርንያ ወጻዒ ኣኰነን፡ ወጻዕ ደርቢ ኣሎ።

እብ ምምሕዳር 90% ትግርንያ እዮም፡ ግን ትግርንያ እዮም ዝገዝኡ ክንብል ኣይከእልን እዩ።

ገዛኢ ደርቢ ትግርንያ ምባል ሓቂ እዩ፡ ግን ገዛኢ ህዝቢ ትግሪንዪ ምባል ግን ግጉይ ስለ ዝዀነ ኣብ ቅኑዕ ስትራተጊ ከብዝሕ ኣይክእልን እዩ።

ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለዉ ጸገማት።

ቀንዲ ጸላኢ ተግርንያ ኢሳያስ እዩ።

ኩነታት ኤርትራ ዝውሰን ኣብ ውሽጣዊ ሓይልታት ኤርትራ እዩ፡ ርክባት ምጥንኻር ይካኣል ኣዩ ግን ግዳማዊ እዩ።

እርኣእያና

1. ምልካዊ ስርዓት ጠንቂ ኩሎም ጸገማት ምዃኑ ተረዲእካ ንህዝቢ ምምርዳእ።

2. ኤርትራ ፍልዩነታት ዘለዋ ሃገር ምዃና ተገንዚብክ ጉዳያት ብሄራት ምፍታሕ።

3. ስምርቲ ኤርትራ መንገዲ ፍታሕና ምዃኑ ምስትውዓል።

4. ስልጣንን ወሳንነትን ኣብ ኢድ ኤርትራ ምዃኑ ምስትውዓል።

5. ራኢናን ስትራተጊናን ትካላትና ቅዋምናን ኣብ ብዝሃ ሰልፋዊ ደሞክራሲ ከም ዝተመስረት ምግንዛብ።

ንሃይማኖት ብዝምልከት ሃይማኖትን መንግስትን ዝተፈልየ ግደታት ከም ዘለዎ ምስትውዓል። ትምክሕነትን ጸቢብነትን ኣኽራርነትን ጥርፉነትን ጸብለልተነት ሕልፉነትን ምውጋድ።

Teddy Press - "ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዝቢ ትግራይ ጠጠዉ ክብል ኣለዎ"
ኣቦ መንበር ሰልፊ ኤርትራ ስትራተጂ ዓዲ Dr. Herui Tedla Bairu. Streamed live on 29 May 2021
View in New window



Share with friends:


See also recent articles and Seminars by Veteran Dr. Herui Tedla Bairu
ካልኦት ብ'ብገዲም ተጋዳላይ ዶ/ር ሕሩይ ተድላ ባይሩ ዝተጻሕፉ ጽሑፋት ሰሚናራትን ኣብ ታሕቲ ተወከሱ :-


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

International Conference for Democracy in Eritrea, 15-18 December 2000, Stockholm.
ዋዕላ ንደሞክራስያ ኣብ ኤርትራ፡ ክፉት ዓለምለኻዊ ዋዕላ ስቶክሆልም፡ ንደሞክራስያ ኣብ ኤርትራ (15-18 ታሕሳስ 2000)።

Permission to publish this documentary video on www.snitna.com has been obtained from Dr. Herui Tedla Bairu.
እዚ ቪድዮ`ዚ፡ ብፍቓድ ዶ/ር ሕሩይ ተድላ ባይሩ፡ ብመንገዲ www.snitna.com ዝቐርበልኩም ዘሎ ሰነድ ኢዩ።
International Conference for Democracy in Eritrea, 15-18 December 2000, Stockholm.
View in New window

Permission to publish this documentary video on www.snitna.com has been obtained from Dr. Herui Tedla Bairu.
እዚ ቪድዮ`ዚ፡ ብፍቓድ ዶ/ር ሕሩይ ተድላ ባይሩ፡ ብመንገዲ www.snitna.com ዝቐርበልኩም ዘሎ ሰነድ ኢዩ።



Share with friends: