መትበር ኤርትራን ኢትዮጵያን!

08/07/2018 16:40 PM

መትበር ኤርትራን ኢትዮጵያን

ብ'መሲናስ


ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ክነቦን ክፈልጦን ዝግባእ እምበረመጠን ኣገዳሲ ጽሑፍ! ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘተ ዘይኮነስ ብሕጊ ጥራይ ከም ዝፍታሕ ኣነጺሩ ዘርኢ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጽሑፍ!

‘ኣቦይን ኣባሓጐይን (ራእሲ ስዩምን ራእሲ መንገሻን) ኣብቲ ቦታ ኣንበሳ ስለ ዚቐተሉ ንኽብሮም እዚ ቦታ ብጭቅነት ከማሓድሮ’የ!’ ቃል ኣመሓዳሪ ትግራይ ነበር ዳግማይ ራእሲ መንገሻ ስዩም።

መትበር ኤርትራን ኢትዮጵያን

ግጭት መትበር (ዶብ) ኤርትራን ኢትዮጵያን ቅድሚ 1950 ዓ.ም. ከም ዝፈለመ’ዩ ዝፍለጥ። ሻቡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ኣውራጃ ኣከለጉዛይን ምምሕዳራት ወረዳ ዓጋመ ትግራይን ከምኡውን ኣብ መንጎ ምምሕዳር ጋሽ ኤርትራን ምምሕዳር ወረዳ ኣድያቦ ትግራይን እዩ ተኸሲቱ። ‘ሓደ ካብቲ ኢትዮጵያውያን (ተጋሩ) ንባድመ ‘ናትና’ያ’ ዝብሉዋን ዝከራኸሩላን ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ኣቦን ኣባሓጐን (ራእሲ ስዩምን ራእሲ መንገሻን) ጠቕላሊ ኣመሓዳሪ ትግራይ ነበር ልዑል ዳግማይ ራእሲ መንገሻ ስዩም ኣብቲ ቦታ ኣቦታቶም ኣንበሳ ስለ ዝቐተሉ ንኽብሮም ብጭቅነት ከማሓድሩዎ ስለ ዚደለዩ ምዃኑ፡ ኣብ 1950 ዓ.ም. ኣመሓዳሪ ወረዳ ኣድያቦ (ትግራይ) ነበር፡ ኤርትራዊ ቀኛዝማች ተስፋስላሴ ኪዳነ ይሕብሩ።

‘ኣብ 1950 ዓ.ም. እቲ ብመሰረት ውዕላት ሃጸይ ምኒልክን መንግስቲ ጣልያንን ዝተሓንጸጸ ዶባት ክልቲአን ሃገራት፡ ምልክቱ ኣባ ባይታ ይርአ ነይሩ’ዩ። ሻቡ ምልክት መትበር ባድመ እውን ፍሉጥ’ዩ ነይሩ። ዳግማይ ራእሲ መንገሻ ስዩም 'ኣቦታተይ ኣንበሳ ይቐትልሉ ስለ ዝነበሩስ ጭቅነት ሃበኒ' ኢሎሙኒ ሂበዮም፡ ንስሙ ጭቃ ናይቲ ዓዲ ስለ ዚነበሩ ግን ተጋሩ ኣሕዋትና ‘እዚ መሬት ናትና’ዩ’ ክብሉ ኣይግባእን። እቲ መሬት ክሳብ እግሪ ሽረን ዓዲ ሃገራይን ናትና ናይ ኤርትራውያን መሬት’ዩ። ሻቡ ብዛዕባ መን የማሓድሮ ንግደስ ስለ ዘይነበርና ግን ተዛሪብናሉን ተዛቲናሉን ኣይንፈልጥን ኔርና!’ ብምባል ኣመሓዳሪ ወረዳ ኣድያቦ ነበር ኤርትራዊ ቀኛዝማች ተስፋስላሴ ኪዳነ ብተወሳኺ ይገልጹ።

ብዕለት 26 ሚያዝያ 1949 ዓ.ም. ሓደ ካፕተን ግሪዝማን ዝተህለ ኣመሓዳሪ ወረዳ ሰንዓፈ ዚነበረ እንግሊዛዊ፡ ሓደ ኣብ 1904 ዓ.ም. ብመንግስቲ ጥልያን ዝተሳእለ ናይ ኤርትራ ካርታ ሒዙ ናብቲ ንህዝቢ መነዂሰይቶን (ብወገን ኤርትራ) ንህዝቢ ዓይጋን (ብወገን ትግራይ) ዘባኣሰ፡ ብየማናይ ሸነኽ እምባ ሰርጉምበ ዝርከብ ኣከራኻሪ ቦታ ብምኻድ ረኣዮ’ሞ፡ እቲ “ገምቦላ ዳጋ ወይውን ማጋሊ ዳጋ” ዝተባህለ ቦታ መሬት ኤርትራ ምዃኑ ኣረጋገጸ።

እንተኾነ ክልቲኦም ወገናት ኣጽዋሮም ዓጢቖም ክፋጠጡ ስለ ዝጸንሑዎ ኣብ ክንዲ ካርታን ጭብጥን ኣምጺኡ ነናቶም ዘፍልጦም፡ ነቲ ንመፈላላዪ ዶብ ተባሂሉ ዝተተኽለ ኣእማን ጥራይ ከም ምስክርን ጭብጥን ብምርኣይ፡ 'ብሽማግለ ይተዓረቑ!' ኢሉ ካብ ወገን ኤርትራ ካብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ፡ ካብ ወገን ትግራይ ድማ ካብ ወረዳ ዓጋመ ሰባት ኣዋጺኡ፡ ብኮሚተ ንምዕራቖም ፈተነ። ክሳዕ ኣብ ዕርቂ ዝብጻሕ ከኣ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ቦታ ከይኣትዉዎ ብምኽልካል፡ ንገለ ዓመታት ተሓዚኡ ከም ዝጸንሕ ገበሮ። ኣብ 1953 ዓ.ም. ግን ህዝቢ ዓይጋ (ትግራይ) ነቲ እገዳ ጥሒሶም፡ ከብቶም ኣብቲ ቦታ ሳዕሪ ከብልዑ ጀመሩ’ሞ ህዝቢ መነዂሰይቶ ናብ ዓዲ ግራት ከይዶም ከሰሱ።

ብድሕሪ’ዚ ካብ ክልቲኡ ወገን ሰሰለተ ሰባት ሽማግለታትን ሓሓደ ዳኛን ተመሪጾም፡ ብጠቕላላ ሸሞንተ ሰባት ነቲ ቦታ ክረግጹዎ ተወሰነ። ብወገን ኤርትራ ዳኛ ኮይኖም ዚተመረጹ ምስሌነ መነዂሰይቶ ዚነበሩ ኣዝማች ስብሃቱ ባይሩ ኪኾኑ ከለዉ፡ ብወገን ትግራይ ዳኛ ኮይኖም ዚተመርጹ ድማ ቀኛዝማች እምባየ በራኺ ነበሩ። ን25 ነሓሰ 1953 ዓ.ም. ሰሰቦም ሒዞም ንኽራኸቡ ድማ ተቛጸሩ። በዚ መሰረት ከኣ ብዕለት 25 ነሓሰ 1953 ዓ.ም. ቀዳማይ ርክብ ክልቲኦም ወገናት ተገብረ።

እንተኾነ ኣብ ርክቦም ስለ ዘይተሰማምዑ፡ እቲ ኣከራኻሪ ቦታ ከም ቀደሙ ፍታሕ ክሳዕ ዝርከበሉ ተሓዚኡ ንኽጸንሕ ካብ ምውሳን ሓሊፎም ካልእ ፍታሕ ከየምጽኡ ተፈላለዩ። ብድሕሪ’ዚ ኣመሓዳሪ ትግራይ ዳግማይ ራእሲ መንገሻ ስዩም፡ ኣብ መንጎ ኣመሓዳሪ ወረዳ ዓጋመ ደጃዝማች ሃይለማርያምን ኣማሓዳሪ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ኣዝማች ስዩም ካሕሳይን ርክብ ብምግባር፡ ነቲ ጉዳይ መዕለቢ ክገብሩሉ ኣዘዙ።

በዚ መሰረት ድማ ኣመሓዳሪ ወረዳ ሰንዓፈ ኣቶ ኣስፍሃ ስብሃቱን ዋና ጸሓፊ ኣውራጃ ዓጋመ ብላታ ወልደሚካኤል ወልደስላሴን ተራኺቦም ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ተዛተዩ። እቲ ዘባእስ ዝነበረ ቦታ “ዘገብላ” ዝብሃል መሬት ምዃኑ ድማ ብንጹር ገለጹ። እንተኾነ ወከልቲ ህዝቢ ኢሮብ (ዓይጋ) ነቲ ብካርታ ዝተሰነየ ስምምዕን ኣብ ባይታ ዝተተኽለ ምልክትን ስለ ዝነጸጉዎ፡ ጻዕሪ ኣመሓደርቲ ክልቲኡ ወረዳታት ብዘይፍረ ተረፈ።

ድሕሪ’ዚ ኣብ 1957 ዓ.ም. ሰብ ዓይጋ ናብቲ እጉድ ቦታ ማለት ናብ ዘገብላ ብምእታው ከብቶም ሳዕሪ ከብልዑ፡ ኣግራብ ኣውሊዕ ክቖርጹን በለስ ክተኽሉን ምስ ጀመሩ ዳይረክተር ውሽጣዊ ጉዳያት መንግስቲ ኤርትራ ዚነበሩ ደጃዝማች ዘርኦም ክፍለ ‘እዚ ኣብ ዶባት ዝፍጸም ዘሎ ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣስጋኢ ስለ ዝኾነ ደው ክብል ኣለዎ!’ ብምባል ንመንግስቶም ኣመልከቱ።

15 መስከረም 1958 ዓ.ም. ድማ ህዝቢ ዓይጋ ከብቶም ኣኪቦም ናብቲ ሕዙእ ቦታ ናብ ዘገብላ ከእትዉወን ተዳለዉ’ሞ ህዝቢ መነዂሰይቶ እውን ነዚ ንምክልኻል ሰቦም ኣኽቲቶም ብምዕጣቕ ኣብቲ ዶብ ተሰርዑ! ሻቡ ኣመሓዳሪ ኣከለጉዛይ ነበር ኣቶ ስዩም ካሕሳይን ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ዓጋመ ነበር ደጃዝማች ሃይለማርያምን ብህጹጽ ምስ ተራኸቡ ድማ እቲ ናይ ክልተ ተጻረርቲ ወገናት ተፋጠጥ ሃድአ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ግን እንደገና ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 1960 ዓ.ም. ከብቲ ዓይጋ ናብቲ ቦታ ስለ ዝኣተዋ ህዝቢ መነዂሰይቶ (ኤርትራ) 15 ጥሪት ዓጊቶም ወሰዱ፤ ህዝቢ ዓይጋ (ትግራይ) እውን ከም ግብረ መልሲ ሸውዓተ ጥሪት መነዂሰይቶ ዘሚቶም ወሰዱ።

እዚ ምስ ኮነ ክልቲኦም ወገናት ብዳርባ እምንን ብተዂስን ክበኣሱ ጀመሩ። ድሕሪ’ዚ እቶም ሻቡ ንኣቶ ስዩም ካሕሳይ ተኪኦም ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ዚተሾሙ፡ ቀኛዝማች ሃይለመርያም ደበና ሓደ ብኣባል ባይቶ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣቶ ኣለምሰገድ በላይን ሓለቓ ፖሊስ ሰንዓፈ ሌተና ገበረመድህን ሓጐስን ዝምራሕ ልኡኽ ናብ ዘገብላ ሰደዱ። ብወገን ትግራይውን ግራዝማች ገብረህይወት ናይዝጊ ዝተባህሉ ልኡኽ ኣውራጃ ዓጋመ ተረኽቡ። ክልቲኦም ወገናት ድማ ነንወገኖም ገኒሖም ነቲ ባእሲ ኣህድኡዎ።

ነዚ ኣብ መዕለቢኡ ንምብጻሕ ድማ ብድሕሪኡ ኣብ መንጎ ኣመሓዳሪ ወረዳ ሰንዓፈ ኣቶ ኣስፍሃ ስብሓትን ዋና ጸሓፊ ኣውራጃ ዓጋመ ብላታ ወልደሚካኤል ወልደስላሴን ዝመርሑዎ ርክብ ክልቲኦም ተጻረርቲ ወገናት ኣብ ሰልቆጦም ዝተባህለ ቦታ ተኻየደ። ኣብዚ ኣኼባ’ዚ እቶም ኣቐዲሞም ምስ እንግሊዛዊ ኣመሓዳሪ ወረዳ ሰንዓፈ ነበር ካፕተን ግሪዝማን ኣብ 1949 ዓ.ም. ናብቲ ቦታ ብምኻድ፡ ዘገብላ መሬት ኤርትራ ምዃኑ ብካርታ ከም ዝተረጋገጸ ብኣዒንቶም ዝረኣዩ ሰባት ምስክርነቶም ምስ ሃቡ፡ ወከልቲ ህዝቢ ኢሮብ ‘ነዚ ኣይንቕበሎን ኢና! እንባጋሮ ከነልዕል ኢና!’ ኢሎም ስለ ዝኣበዩ እቲ ናይ ዕርቂ ርክብ እንደገና ብዘይፍረ ተበተነ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ግን ምፍራስ ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ 14 ሕዳር 1962 ዓ.ም. ኣጋጠመ እሞ ህዝቢ ኢሮብ (ዓይጋ) ፍናን ረኺቦም፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ብዘይድሌቶም ምስ ኢትዮጵያ ዝተጸንበሩ ህዝቢ መነዂስይቶ ዓብላልነት ኣርኣዩ።

ብ10ን 11ን ታሕሳስ 1963 ዓ.ም. ድማ ግራዝማች ጥላሁን ኣብርሃ እተባህለ ኣመሓዳሪ ምክትል ወረዳ ኣድያቦ፡ 30 ዕጡቓት ሒዙ ናብ ሸላሎ ብምእታው፡ ‘ግብሪ ኣይከፈልኩምን’ ብምባል ክልተ ኤርትራውያን ጨውዩ ወሰደ። ነዚ ዚሰምዑ ዳይረክተር ውሽጣዊ ጉዳያት መንግስቲ ኤርትራ ዚነበሩ ደጃዝማች ዘርኦም ክፍለ ብዛዕባኡ ኣመልኪቶም ናይ ጥርዓን ደብዳቤ ናብ ኣመሓዳሪ ትግራይ ዳግማይ ራእሲ መንገሻ ስዩም ጽሒፎም ነበሩ። እንተኾነ እዚ’ውን ዘዕግብ ምላሽ ስለ ዘይረኸበ እቲ ጉዳይ እናተጓሃሃረ ኣብ ሃጸይ ሃይለ ስላሴ በጽሐ’ሞ ንሶምውን ‘ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ ኣካል ኮይነን እንድየን ሕጂ ብዛዕባ ዶብ ዘዛርብ እንታይ ኣሎኩም!?’ ኢሎም ብምሕታት ነቲ ግጭት ሸለል በሉዎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ጉዳይ እንደገና ተጓሃሂሩ ናብ ደም ምፍሳስን ምቅታልን ብምድያቡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ መራሕቲ ክልቲኦም ወገናት ተራኺቦም ብሰላም ክፈትሑዎ ኣዘዘ’ሞ ብ25 ሓምለ 1963 ዓ.ም. ኣሓመዳሪ ኣከለጉዛይ ነበር ኣቶ እምባየ ገብረኣምላኽን ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ዓጋመ ነበር ሹም ዓጋመ ካሳ ኪዳነማርያምን ዝመርሑዎ ኮሚሽን ኣብ ዛላምበሳ ተራኸበ። ድሕሪ ናይ 10 መዓልቲ ምርምርን ክትዕን ድማ እቲ ኮሚሽን እቲ ጉድለት ብወገን ዓይጋ ከም ዝነበረ ኣረጋገጸ። ኮሚሽን እዚ ድሕሪ ምባሉ፡ ብድሕሪ ሸውዓተ ወርሒ ብዕለት 25 ጥሪ 1964 ዓ.ም. እንደገና ተራኸበ።

ኮሚሽን ኣብ ርክቡ ናብቲ ኣከራኻሪ ቦታ ብምኻድ፡ ‘ብመሰረት ስምምዕ 25 ነሓሰ 1953 ዓ.ም. 'እዚ መሬት ዓይጋ እዚ ድማ መሬት መነዂሰይቶ' ኢሉ ወሲኑ ኣሎ።’ ብምባል ኣብ ቅድሚ ክልቲኦም ሰበ-ስልጣናትን ዓበይቲ ዓድን ውሳነኡ ኣጽዲቑ ብሰላም ተፈላለዩ። ኣመሓዳሪ ትግራይ ነበር ዳግማይ ራእሲ መንገሻ ስዩምን ኣመሓዳሪ ኤርትራ ነበር ራስ ኣስራተ ካሳን እውን ነቲ ውሳነ ኮሚሽን ክልቲኡ ህዝብታት ከም ዝተቐበሉዎ ብወግዒ ኣፍለጡ።

ጽንሕ ኢሎም ግን ኣመሓዳሪ ትግራይ ነበር ዳግማይ ራእሲ መንገሻ ስዩም ‘ሰብ ዓይጋ ነቲ ናይ ኮሚሽን ውሳነ ስለ ዝተቛወሙ ካብ ክልቲኦም ወገናት ሓሓሙሽተ ሽማግለታትን ካብ መንግስቲ ድማ ተወሰኽቲ ሰለስተ ሽማግለታትን ኮይኖም ነቲ ጉዳይ ደጊሞም ንኽርእዩዎ ናብ ኣመሓዳሪ ኤርትራ ነበር ራስ ኣስራተ ካሳ ደብዳቤ ብምጽሓፍ ሓተቱ። ዳይረክተር ውሽጣዊ ጉዳያት መንግስቲ ኤርትራ ዚነበሩ ደጃዝማች ዘርኦም ክፍለ ነዚ ጠለብዚ ተቓውሞኦም ንምስማዕ ናብ ምክትል እንደራሴ ሃጸይ ሃይለስላሴ ነበር ደጃዝማች ተስፋሃንስ በርሀ ደብዳቤ ብምጽሓፍ፡ ጠለብ ዳግማይ ራእሲ መንገሻ ስዩም ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ኣበርዓኑዎ። በዚ ከኣ ሕቶ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኽልቲኦም ወገናት ዘዕግብ መዕለቢ ከይተገብረሉ ተንጠልጢሉ ተረፈ።

እዚ ናይ ዶብ ግጭት’ዚ ኣብ ሰብዓታትውን ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን (ተ.ሓ.ኤ.) ንተጋድሎ ህዝባዊ ወያነ ህዝቢ ትግራይን (ህወሓት) ኣራጺሙ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህ.ግ.ሓ.ኤ.) ግን ‘ደሓን ናይ ዶብ ጉዳይ ደሓር ነርክበሉ፡ ሕጂ ሓጀት (ጉዳይ) ናጽነት ጥራይ ንግበር’ ብምባል ሸለል ስለ ዝበሎ ክሳዕ ኣብ 1998 ዓ.ም. ብኣኡ ኣመኽኒኻ ኣብ መንጎ ወያነን ህግደፍን ኲናት ዝኽፈት፡ እቲ ኣከራኻሪ ቦታ ብትግራይ ይመሓደር ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

ድሕሪ’ዚ ብልጅ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ ምሉእ ብምሉእ ተመሪሑ፡ ምሉእ ብምሉእ ዝፈሸለን ዝተሳዕረን ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ እውን ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ደም ቀያሕቲ ደቂ ህዝቢ ዝተኸፈለሉን ዓለም ናትና ምዃኑ ዘረጋገጸቶን መሬት ኤርትራ ንሓያላት ኣረኪቡ፡ ብኣኡ እናኣመኽነየ ንህዝብና ብዘይሕግን ፍርድን ኣብ ምእሳርን ኣብ ምብትታንን ስለ ዝተዋፈረ፡ እቲ መሬት ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ኣብ ኢድ ሓያላት (ወያነ) ይርከብ ኣሎ።

ሕጂ እቲ ኣብ ኤርትራ ክፍጸም ዝግብኦ ዝነበረ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ኢትዮጵያ ብምፍጻሙ፡ ወያነ ስልጣን ከረክብ ስለ ዝተገደደን ልዑላውነት ሕጊ ክትግበር ስለ ዝፈቐደን ግን ጉጅለ ምልኪ እቲ ን16 ዓመታት ዝተሓብኣሉ ጸላም ባድመ ጩራ ብርሃን ስለ ዘርኣየ፡ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ክምስምስ ምባሉ ዝደናገር ኤርትራዊ ዘሎ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ፡ ንጉጅለ ኢሳያስ እቲ ዝጸንከረን ዝኸበደን እዋን ብሕጂ ይመጾም ስለ ዘሎ!

እዚ ውሳነ’ዚ ኣቐዲሙ ማለት ቅድሚ ጽንተት ህዝቢ ኤርትራ ተተግቢሩ ነይሩ እንተዝኸውን ግን እዚ ኹሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብጉጅለ ሕሰም ወሪዱ ዘሎ ኣደራዕ ኣይምወረደን ነይሩ! ቀይዲ ኣልቦ ዕንደራ ልጅ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ እውን ክሳዕ ክንዳኡ ኣይምኸደን ነይሩ! ሕጂውን ልጅ ኢሳያስ ትብዓት ኣጥርዩ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ መንግስቲ ኪትከል እንተደኣ ፈቒዱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ዘሎዎ እልበት (ሓሳረ መከራ) ክወጽእ ይኽእል’ዩ።

ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ኣስመራ እንተ መጺኡስ ሽግር ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈቲሑ’ዩ ኢሎም ዝሓስቡ ኤርትራውያን እንተልዮም ግን ኣዝዩ ሓደገኛን ዘይሓላፍነታውን ዘይክውንነታውን ሓሳብ ስለ ዝኾነ፡ ነፍሲ ወከፍና ክንጥንቀቕ ይግባእ። ምኽንያቱ፡ እዚ ጉዳይ'ዚ በዚ ንርእዮ ዘለና ናይ ጓይላን ዳንኬራን ዕበጦ ዕበጦ ጥራይ መዓልቦ ከይተገብሮ፡ ወያነ ስለ ዝተገለሉ ጥራይ ከም ዝተወድአ ተቖጺሩ ክሕለፍ እንተኾይኑ፡ ልዕሊ’ቲ ኣቐዲምና ዝኸፈልናሉ ዳግም ክቡር ህይወት ከኽፍለና'ዩ።

ምንጪ ጽሑፍ፡ መጽሓፍ ኤርትራ 1956-1962 ብኣለምሰገድ ተስፋይን ካልእ ዝተፈላለዩ መወከሲታትን

ሰላም ንኽብርን ረብሓን ህዝቢ ኤርትራ ይኹን!

ጉጅለ ህግደፍ ተመለኽቲ’ምበር ደገፍቲ የብሉን!

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

ብሩኽ ሰንበት ይግበረልና!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 08/07/2018

Share with friends:


Recent articles by Mesinas ካልእ ጽሑፋት ብመሲናስ፡-

•  ትርጉምን እንታይነትን መንግስትን ባንዴራን - ተኻታታሊ ጽሑፍ ብመሲናስ (1ይ - 29 ክፋል)


See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ትውልዲ ኣለና: ካብ ታሪኽ ዘይምሃር፡ ኣብነት ዋዕላ ቤት-ጊዮርጊስ። ብኣራራት ኢዮብ:

Share with friends