Placeholder Picture
Placeholder Picture
7ይ ዓመት ጽምብል - መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ

06/08/2022 23:55 PM

7ይ ጽምብል፡ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2022
عيد المحاربين الإريتريين 2022
06 أغسطس 2022
7th celebration of Eritrean Veterans' Day 2022

Saturday 06 August 2022

Eritrean Veterans Day - 7th Year Celebration

7ይ ዓመት ጽምብል - መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ
Eritrean Veterans Day - 7th Year Celebration

7ይ ጽምብል መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2022

ቀዳም ዕለት 06 ነሓሴ 2022፡ እቲ ኣብ ዓመት ሓንቲ ግዜ ዝካየድ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ፡ ሎሚ ዓመት እውን ከም ዓሚ ብማንዛ ተባዒሉ። እዚ ንሻብዓይ ዓመት ዝካየድ ዘሎ፡ ሃገራዊ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ ንክትህልወና ዝጉስጉስ ተበግሶ፡ በቶም ኣብ ደገ ዝቕመጡ ገዳይም ተጋደልቲን ሃገራዊያን ሓርበኛታትን፡ ካብ 2016 ጀሚሩ ዓመታዊ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ጽምብል መዓልቲ ኢዩ። እዚ ናይ ሎሚ ጽምብል፡ መንእሰያትና ብዋንነት ዘዋሃሃድዎ፡ ምስ ገዳይም ተቓለስቲ ኣቦታትን ኣዴታትን ናይ እንካን ሃባን ዘተ እተኻየደሉን ኢዩ ነይሩ። እዚ ብምዃኑ ኸኣ፡ ንብዙሓት ተቓለስቲን ሓርበኛታትን ኣዴታትን ኣቦታትን ዘሐጎሰ ኢዩ ነይሩ። እዚ ኣብ ዓመት ሓንቲ መዓልቲ፡ ህዝቢ ምስ ሓርበኛታቱ ተራኺቡ ዝጽምብላ፡ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ፡ ንኽትህልወና ክካየድ ዝጸንሐ ጎስጓስ፡ እቲ ጽምብል ናይ ህዝቢ ዋንነት ንክኸውንን ከም ሃገራዊ በዓል ንክኸውንን ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ 7ይ ዓመት ጽምብል ብመንእሰያትና ምውህሃዱን ምክያዱን፡ ሓደ መርኣያ ናይ ህዝባውነት ኢዩ። ብኸምኡ ዓመት መጸት ክቕጽል ከኣ ናይ ኩልና ድሌት ኢዩ። በዚ ኣጋጣሚ ዚ፡ ነዞም ታሪኽ ሓርበኛታት ወለዶም ንምፍላጥን ንምልዛብን ዝወሰዱዎ ተበግሶ፡ ኣዝዩ ዝነኣድ ኢዩ።
ካልእ ኣገዳሲ ቦታ ተዋሂቡዎ ከም መደብ ዝቐረበ፡ ጉዳይ ናይ ኣብ ከሰላ (ሱዳን) ዝርከቡ ኣካለ-ጽጉማን ሓርበኛታት ኢዩ ነይሩ። ነዚ ብዝምልከት፡ ኩነታቶምን ዘለዎም ጸገማትን ብቪድዮ ቀሪቡ። ንኹሉ ተሳታፊን ተኻታታሊ መደብን ከኣ፡ ነዞም ኣካለ-ጽጉማን ሓርበኛታት፡ ወፈያ ክገብር፡ ብኸመይ ወፈያ ክግበር ከምዝከኣልን ሓበሬታን ጻውዒትን ቀሪቡ።
ኣብዚ ጽምብል፡ ብዙሓት ገዳይም ኣቦታትን ኣዴታትን ተቓለስቲ ሓርበኛታት ዕዱማት ኣጋይሽ ኮይኖም ተሞኩሮኦም ኣካፊሎም ኣለዉ። እሞ ሰናይ ምክትታል ንኹልና!

ነዞም ኣካለ-ጽጉማን ሓርበኛታት፡ ደገፈኩም ንምውፋይ፡ በብዝቐርበኩም እትነብሩሉ ሃገር፡ ኣብዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ኣሎኩም፦
Here on this link is, information on how to make your donations to the Eritrean disabled veterans; choose the nearest branch of your convenience:
هنا في هذا الرابط ، معلومات حول كيفية تقديم تبرعاتك للمحاربين الإريتريين المعاقين ؛ اختر أقرب فرع يناسبك:


7th celebration of Eritrean Veterans' Day,
7ይ ጽምብል፡ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ፡
عيد المحاربين الإريتريين 2022
(Saturday, 06 August 2022) P1/2


7th celebration of Eritrean Veterans' Day,
7ይ ጽምብል፡ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ፡
عيد المحاربين الإريتريين 2022
(Saturday, 06 August 2022) P2/2


See also related - ምስዚ ዝተኣሳሰር፡

•   For more information, please visit the following link፡-
http://snitna.com/eritreanveteransday.html

•   6ይ ጽምብል፡ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ፡ ብሽማግለ ጎስጓስ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ፡ ዓባይ ብሪጣንያ እተዳለወ፡ ማንዛዊ መደብ።
6th celebration of Eritrean Veterans' Day, organised by Eritrean Veterans' Day campaign team in UK.
الاحتفال السادس بيوم المحاربين الإريتريين ، الذي نظمه فريق حملة يوم المحاربين الإريتريين في المملكة المتحدة.

•   5ይ ዓመት ጽምብል መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2020፡ ቀዳም፡ ዕለት 08 ነሓሰ 2020፡ Eritrean Veterans Day’ 2020፡ Saturday 08 August 2020

•   4ይ ዓመት ጽምብል መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2019. 4th Eritrean Veterans Day celebration 2019.
مرحباً بكم الى يوم القدماء المحاربين الارتريين في لندن - المملكة المتحدة

•   3ይ ዓመት ጽምብል መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2018. 3rd Eritrean Veterans Day celebration 2018.

•   2ይ ዓመት ጽምብል መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2017. 2nd Eritrean Veterans Day celebration 2017.

•   1ይ ዓመት ጽምብል መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2016. 1st Eritrean Veterans Day celebration 2016.




See also Related /  ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-

ድለዩ/ያ | تقص

This free script provided by
JavaScript Kit


Also visit us at: