06/08/2022 23:55 PM
7ይ ጽምብል፡ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2022
عيد المحاربين الإريتريين 2022
06 أغسطس 2022
7th celebration of Eritrean Veterans' Day 2022
Saturday 06 August 2022
7ይ ዓመት ጽምብል - መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ
Eritrean Veterans Day - 7th Year Celebration
7ይ ጽምብል መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2022
ቀዳም ዕለት 06 ነሓሴ 2022፡ እቲ ኣብ ዓመት ሓንቲ ግዜ ዝካየድ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ፡ ሎሚ ዓመት እውን ከም ዓሚ ብማንዛ ተባዒሉ። እዚ ንሻብዓይ ዓመት ዝካየድ ዘሎ፡ ሃገራዊ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ ንክትህልወና ዝጉስጉስ ተበግሶ፡ በቶም ኣብ ደገ ዝቕመጡ ገዳይም ተጋደልቲን ሃገራዊያን ሓርበኛታትን፡ ካብ 2016 ጀሚሩ ዓመታዊ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ጽምብል መዓልቲ ኢዩ። እዚ ናይ ሎሚ ጽምብል፡ መንእሰያትና ብዋንነት ዘዋሃሃድዎ፡ ምስ ገዳይም ተቓለስቲ ኣቦታትን ኣዴታትን ናይ እንካን ሃባን ዘተ እተኻየደሉን ኢዩ ነይሩ። እዚ ብምዃኑ ኸኣ፡ ንብዙሓት ተቓለስቲን ሓርበኛታትን ኣዴታትን ኣቦታትን ዘሐጎሰ ኢዩ ነይሩ። እዚ ኣብ ዓመት ሓንቲ መዓልቲ፡ ህዝቢ ምስ ሓርበኛታቱ ተራኺቡ ዝጽምብላ፡ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ፡ ንኽትህልወና ክካየድ ዝጸንሐ ጎስጓስ፡ እቲ ጽምብል ናይ ህዝቢ ዋንነት ንክኸውንን ከም ሃገራዊ በዓል ንክኸውንን ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ 7ይ ዓመት ጽምብል ብመንእሰያትና ምውህሃዱን ምክያዱን፡ ሓደ መርኣያ ናይ ህዝባውነት ኢዩ። ብኸምኡ ዓመት መጸት ክቕጽል ከኣ ናይ ኩልና ድሌት ኢዩ። በዚ ኣጋጣሚ ዚ፡ ነዞም ታሪኽ ሓርበኛታት ወለዶም ንምፍላጥን ንምልዛብን ዝወሰዱዎ ተበግሶ፡ ኣዝዩ ዝነኣድ ኢዩ።
ካልእ ኣገዳሲ ቦታ ተዋሂቡዎ ከም መደብ ዝቐረበ፡ ጉዳይ ናይ ኣብ ከሰላ (ሱዳን) ዝርከቡ ኣካለ-ጽጉማን ሓርበኛታት ኢዩ ነይሩ። ነዚ ብዝምልከት፡ ኩነታቶምን ዘለዎም ጸገማትን ብቪድዮ ቀሪቡ። ንኹሉ ተሳታፊን ተኻታታሊ መደብን ከኣ፡ ነዞም ኣካለ-ጽጉማን ሓርበኛታት፡ ወፈያ ክገብር፡ ብኸመይ ወፈያ ክግበር ከምዝከኣልን ሓበሬታን ጻውዒትን ቀሪቡ።
ኣብዚ ጽምብል፡ ብዙሓት ገዳይም ኣቦታትን ኣዴታትን ተቓለስቲ ሓርበኛታት ዕዱማት ኣጋይሽ ኮይኖም ተሞኩሮኦም ኣካፊሎም ኣለዉ። እሞ ሰናይ ምክትታል ንኹልና!
See also related - ምስዚ ዝተኣሳሰር፡
• For more information, please visit the following link፡-
http://snitna.com/eritreanveteransday.html
• 3ይ ዓመት ጽምብል መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2018. 3rd Eritrean Veterans Day celebration 2018.
• 2ይ ዓመት ጽምብል መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2017. 2nd Eritrean Veterans Day celebration 2017.
• 1ይ ዓመት ጽምብል መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2016. 1st Eritrean Veterans Day celebration 2016.
See also Related / ምስዚ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡-
- Snitna YouTube - ስኒትና ዩቱብ ቻነል።
- Snitna Network and Sinit Seminars Directory. ብ`ስኒትና ከምኡ`ውን ስኒት ዝተኻየዱ ሰሚናራት።
- Snitna FaceBook - ስኒትና ፌስቡክ።
- Sinit YouTube - ስኒት ዩቱብ ቻነል።
- ዘተ ንሓባራዊ ንቕሓት
Dialogue for Common Awareness
مجموعة الحوار للوعي المشترك - ሌላ ምስ
ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኤርትራ፡
Eritrean Political parties and Civic movements.s
مقدمة في الأحزاب السياسية والحركات المدنية الإريترية - ኣስተምህሮ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ኤርትራ - The Eritrean Constitution Making Process
Seminar by Dr Bereket Habte selassie. ኣስተምህሮ፡ ብ`ዶር. በረኸት ሃብተስላሰ። - ሲምፖዝዩም ኤርትራ (Eri-Platform: 2018 - 2020)
- ዋዕላ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ Building Democracy in Eritrea Conference (Eritrea Focus: 2019 - 2020)
- Enough is enough! ይኣክል ምልኪ! ማዕበል ድምጺ ህዝቢ لقد طفح الكيل
- A Look Back on Eritrea’s Historic 1993 Referendum, BY FIKREJESUS AMHAZION (PhD)
ታሪኻዊ ውጽኢት ረፈረንዱም ኤርትራ 1993 ብፍቕረየሱስ ኣምሃጽዮን (ዶ/ር)) (TesfaNews APRIL 23, 2018). - ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ - ኣብ 3ይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ: ዝጸደቐ (ናቕፋ 10 - 16 ለካቲት 1994)።
- PFDJ NATIONAL CHARTER Adopted by the 3rd Congress of the EPLF/PFDJ Naqfa, February 10-16, 1994.
- ንዝኽሪ ግዳያት ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ኤርትራ። In memory of Victims of Dictatorial Administration in Eritrea.
- G-15:- ቅልዕቲ ወረቐት ናብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣገደስቲ እዋናውያን ጉዳያት፡ (ኣስመራ፡ ነሓሰ 3፡ 2001)
- G-15:-Open Letter To The People of Eritrea (Asmara, August 3, 2001)
- G-15:-ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members (Audio) ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ (ብድምጺ)
- G-15:-Open Letter to All PFDJ Members
- GI: ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን። An Urgent Call to All Eritreans Worldwide. المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الاريترية
- ድምጽና (Our Voice)
- መደብ ንጋባእ ENGAGE ERITREA!
- Advice for All Eritreans ምኽሪ ንኹሎም ኤርትራውያን
- Human Rights in Eritrea / ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡
- UN - Commission of inquiry on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Mike Smith / ሚስተር ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ ወንበር መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- Also see: "UN - COI on Eritrea / ናይ ውሕሃ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡
- UN COMMISSION OF INQUIRY ERITREA (COI-ERITREA) And POPULAR RESPONSES
- ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግብረ-መልሲን
- ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ – ዘይወግዓዊ ትርጉም (ብትግርኛ)