6ይ ዓመት ጽምብል - መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ

Search our site:
 

This free script provided by
JavaScript Kit

30/08/2021 16:42 PM

ጽምብል መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2021
الاحتفال بعيد المحاربين الإريتريين 2021
Eritrean Veterans' Day 2021

Sunday 29 August 2021

Eritrean Veterans Day - 6th Year Celebration

6ይ ዓመት ጽምብል - መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ
Eritrean Veterans Day - 6th Year Celebration

6ይ ጽምብል መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2021

ትማሊ ዕለት 29 ነሓሴ 2021፡ እቲ ኣብ ዓመት ሓንቲ ግዜ ዝካየድ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ፡ ሎሚ ዓመት እውን ከም ዓሚ ብማንዛ ተባዒሉ። እዚ ንሻዱሻይ ዓመት ዝካየድ ዘሎ፡ ሃገራዊ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ ንክትህልወና ዝጉስጉስ ተበግሶ፡ በቶም ኣብ ደገ ዝቕመጡ ገዳይም ተጋደልቲን ሃገራዊያን ሓርበኛታትን፡ ካብ 2016 ጀሚሩ ዓመታዊ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ጽምብል መዓልቲ ኢዩ። ከምቲ ልሙድ ከኣ ናይ ሎም ዘመን ዝተኻየደ መዓልቲ ሓርበኛታት፡ ብዙሓት ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን ሓርነት ኤርትራን ዝነበሩ ገዳይም ተጋደልቲ ተሳቲፎሞ ኔሮም።

ቅድሚ እቲ መደብ ምጅማሩ ግን ብመንገዲ ኣላዪ ናይቲ መደብ፡ ገዲም ተጋዳላይ ሃይለ ወልዱ (ወዲ ዳንግሽ)፡ ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምምሕልላፍ፡ ነቶም ካብዚ ተበሶ`ዚ ከይተፈልዩ ዝሳተፉ ዝነበሩን፡ ንምዕዋት ናይዚ ተበግሶ`ዚ ኣገደስቲ መልእኽትታት ዘበርክቱ ዝነበሩን፡ ብምኽንያት መስዋእቲ ኣብዛ እዋን ዚኣ ምሳና ዘየለዉን፡ ኣቶ ብርሃነ ወልደገብሪኤል (Sudan Now) ከምኡ`ውን ተጋዳላይ ተኽልዝጊ ዑቕባልደት (ሃገረ ስዊዝ) ድሕሪ ምዝካር፡ ንኹሎም ካልኦት ብመስዋእቲ ዝተፈልዩ ብጾት ዝኽርና ይብጻሓዮም ኢሉ። ቀጺሉ፡ ከምቲ ልሙድ ብኣዳላዊት ሽማግለ ዝተዳለወ ሓጺር መግለጺ፡ ብትግርኛ፡ ዓረብኛን እንግሊዝኛን ቀሪቡ። እታ ሽማግለ፡ ስለምንታይ መዓልቲ ሓርበኛታትን ስለምንታይ ወርሒ ነሓሴን? ዝብላ ክልተ ሕቶታት፡ ኣብቲ መእተዊ ናይቲ መግለጺኣ ኣብሪሃ። ብኸምዚ ዝስዕብ ጌራ ከኣ ኣቕሪባቶ፦

`እታ ብግዝያውነት ከም `ሃገራዊ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ` ክትከውን ዝሓረናያ ዕለት፡ ድሕሪ ነዊሕ ክትዕን ምምማይን ዝተበጽሐት ኮይና፡ ንባህጊን ሃንቀውታን ህዝብናን ተጋዳላይናን፡ ኣብ ሓደ ዘምጽአትን ዘስመረትን ወርሒ ኢያ። ወርሒ ነሓሰ 1974። በዚ መሰረት፡ እታ ፈላሚት መዓልቲ ቀዳም ናይ ወርሒ ነሓሰ፡ ከም `ሃገራዊ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ` ኮይና ክትበዓል ክንጉስጉሰላ ተሳማሚዕና።`

ሃገራዊ መዓልቲ ሓርበኛታት፡ ኣብ መላእ ዓለም በብሃገሩ ዝዝውተርን ዝርአን ኮይኑ፡ ንዓና ንኤርትራውያን ድማ፡ ብመጠን ናይቲ ንሃገራዊ ናጽነትናን ክብርናን ዝኸፈልናዮ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ፡ ዝያዳ ኹሉ ከነብዕሎ ይግባኣና። ልክዕ ከምቲ `መቓብር ሓርበኛታት` ኣብ ኤርትራ ዘሎና፡ `ሃገራዊ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ` ክትህልወና ከምዝግባእ ንኣምን።

ኣብዚ ብማንዛ ዝተኻየደ ናይ ጽምብል መዓልቲ፡ ካብ ዝተፈለለየ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣመሪካን ኣውስትራልያን ዝተሳተፉ ሓርበኛታት፡ ተዘክሮኦም ኣካፊሎም፡ ምሕጽንትኦም ነዚ ሓድሽ ወለዶ ኸኣ ኣመሓላሊፎም።

ናይ 1960ታት ተጋዳላይን ኣባል መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ዝነበረ፡ ካብ ስዊደን ዝተሳታፈ፡ መሓመድ ብርሃን ብላታ፡ ዘለዎ ናይ ገድሊ ጦብላሕታን፡ ኣብ መጀመርታ ሰውራ ኣበርክቶ ካብ ዝገበሩ ዓበይቲ ተጋደልትን፡ ውዕለቶምን ብኣብነት ኣሰንዩ ገሊጹ። ነቲ ብመንእሰያት ዝበጋገስ ዘሎ ናይ ሓርነት ቃልሲ፡ ብመሳጢ ቃላት መጒሱን ንኢዱን። ኣብቲ ዝገበሮ ነዊሕ መግለጺ፡ ንህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ዘለዎ ክቱር እምነትን፡ ነዚ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ዘለዎ ተስፋን፡ ዓቢ ምዃኑን ዘብርህ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። መሓመድ ብርሃን ብላታ ንተራ ሓርበኛታት፡ ኣብ ምብርባር ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ክህልዎ ዝኽእል ኣበርክቶ ዘይንዓቕ ምዃኑ ብምእማት፡ ኣብ ክንዲ ዓያዪ፡ ናይ መኻሪ ተራ ክጻወት ክም ዘለዎ ምሕጽንታኡ ኣቕሪቡ። `ምንቅስቓስ ይኣክል` ይብል መሓመድ ብርሃን ብላታ፡ ዘድሊ ቁጽሪ ናይ ምሁራትን ዓቕሚ ዘለዎም ሰባትን ዝውንን ብምዃኑ ንዕኡ ኣብ ምሕያል እዚ ማሕበር ተርኡ ከዕዝዝ ከኣ ተላብዩ።

ገዲም ተጋዳላይ ዑቕባይ ተስፋይ፡ ሓደ ካብቶም ካብ ኣመሪካ ዝተሳተፉ ሓርበኛታት ኢዩ ኔሩ። ንሱ ንመንፈስ መዓልቲ ሓርበኛታትን ተራ ሓርበኛታትን፡ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ፍትሒ ቃልስን ኣብሪሁ። እቲ ጠበንጃ ዝተሰከመን ዘይተሰከመን ህዝቢ ኤርትራ ብሙሉኡ `ሓርበኛ` ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንሓንቲ ካብቶም በዚ ባህሪያት ዚ ዝግለጹ ኤርትራውያን፡ ንዶ/ር ኣልጋነሽ ፍስሃ ጋንዲ ብምጥቃስ፡ ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ ብመንገዲ ሲናይን ሊብያን ኢትዮጵያን ዝሓልፉ ዝነበሩ መንእሰያት ንምድሓን ዝገበረቶ ኣበርክቶ፡ ዘለዎ ሞጎስን ናእዳን፡ ብግጥሚ መልክዕ ኣቕሪቡ።

ናይ መጀመሪያ 1970ታት ተጋዳላይ፡ ተስፋይ ስብሓት፡ ሓደ ካብቶም ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት ዝወፈየቶም ዓይነ ስዉር ገዲም ተጋዳላይ ኢዩ። እዚ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተሳተፈ ሓርበኛ፡ ሓደ ካብቶም ብመድፋዓጂ ብሬን ዝፍለጡን ብጉብዝንኡ ዝልለን ተጋዳላይ ኢዩ ኔሩ። ዘለዎ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ጦብላሕታ፡ ምስ ግዜን ቦታን እንዳኣዛመደ ንተሳተፍቲ፡ መሳጢ ዝኾነ ዛንታ፡ ተሞክሮኡን ዝኽርታቱን ኣቕሪቡ። ሓደ ካብ ተዓዘብቲ፡ ተስፋይ ስብሓት ኣብ ሂወቱ ዝሓለፎ ብድሆን ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ናይ ፍልጠትን ትምህርትን ደረጃ ብምዝማድ፡ ክሳብ ክንደይ ዝከኣል ጻዕሪን ገድልን ስለዝገበረ ኢዩ ክዕወት ኪኢሉ ዝብል ሕቶ፡ ብተመስጦ ኣቕሪቡሉ። ተስፋይ ስብሓት ክምልስ ከሎ፡ ዓይነ ስውር ምዃን ብድሆ ጥራይ ዘይኮነ ዑረት ዘምጸኦ ካልእ ዘይረአ ተውህቦ እውን ይፈጥር ኢዩ ክብል ኢዩ ነቲ መልሲ ፈሊምዎ። ልዕሊ ኹሉ፡ `ክገብር ይኽእል ኢየ` ምባል ጥራይ፡ ፍርቂ ናይቲ ፍታሕ ኢዩ፡ ብምባል ኣስሚሩሉ። ብዙሓት ተሳተፍቲ ንተስፋይ ስብሓት ይፈልጥዎ እኳ እንተነበሩ፡ ብኣቀራርብኡ ግን መመሊሱ ሓድሽ ተመስጦ ፈጢሩሎም።

ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተሳተፉ ኣቦናን ኣያናን ዝኾኑ ገዲም ተጋዳላይን፡ ዓሊ መሓመድ ሹማ፡ ብወገኖም፡ ከምቶም ዝሓለፉ ሓርበኛታት፡ እዚ ተበግሶ ዚ፡ ኣብ ሓድነትን ሃገራዊ ርግኣትን ክህልዎ ዝኽእል ተራ፡ ብሓጺር ቃላት ኣብሪሆም። ከም ጸሓፊን ኣቦን ከኣ፡ ብዛዕባ ምስናድ ታሪኽ ደጋጊሞም ተዛሪቦም። ስነዳ ናይ ታሪኽ፡ ንጽባሕ ክግደፍ ዘይግበኦ ዕማም ምዃኑ ንተሳተፍቲ ኣዘኻኺሮም። ኣቦና ዓሊ ሹማ፡ ኣብ ጸገም ዝርከቡ ከማና ዝኣመሰሉ ሓርበኛታት ስንኩላን፡ ኣበርክቶን ሓገዝን ክንገብረሎም ከምዝግባእ፡ ለበዋኦም ኣሕሊፎም። ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሱዳን፡ ከማና ሓርበኛታት ሰኣን ጠዋሪ፡ ኣበየ ቦትኡ ብሕሰም ናብራ ዝሳቕዩ ብጾት ኣለዉ ድሕሪ ምባል፡ ንሳቶም ዝሕገዝሉ መንገዲ ክንደሊ፡ ናይ ኩላትና ሓላፍነት ምዃኑ፡ ረዚን ምሕጽንታኦም ኣመሓላሊፎም።

ገዲም ተጋዳሊት መብራት ደረስ፡ ሓንቲ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተሳተፋ ደቀንስትዮ ኢያ። ታሪኽ ኣሰላልፋኣን፡ ቅድሚ ምስላፋ ዝነበራ ሃገራዊ ስምዒትን ብሰፊሕ ኣብሪሃ። መንእሰያት ክወርስዎ ዝግበኦም፡ ተራ ዕላል ዝመስል፡ ግን ከኣ ነቲ ኣብ 1970ታት ዝነበረ፡ ናይ መንእሰያት ክቱር ናይ ምግዳል ስምዒት፡ ብንጹር ዘርኢ ዓቢ ስእላዊ መግለጺ ሂባ። ምስ ሓርበኝነት ዝተኣሳሰር ናይ ግለ ሰባት ስራሕ እውን ብኣብነት ኣሰንያ ድሕሪ ምቕራብ፡ ንስርሖም ንኢዳ። ሓደ ካብቶም ዝዝዝከረቶም ዓበይቲ ጸሓፍትን ገጠምትን ኣብ ታሪኽ ሓርበኝነት ክርስዑ ዘይግበኣኦም ድማ፡ ንስዉእ ተስፋማርያም ወልደማርያም፡ ደራሲ `ህያው ደብሪ` ዘርእስታ መጽሓፍ ዘኪራ፡ ንገለ ካብ ግጥምታቱ ከኣ ንኣብነት ኣንቢባ።

ካብ ስዊደን ዝተሳተፈ ገዲም ተጋዳላይ ተስፋልደት መሓሪ ደበሳይ፡ ነቲ ዝተሓልፈ መሪር ቃልሲ ዘኪሩ። ናይ ህዝብን ተጋደልትን ተስትፎ ኣብ ምምጻእ ናጽነት ብፍላይ ከኣ ተራ ምሁራት ኣብ ቃልሲ ዓቢ ምንባሩ ንኢዱ። በዚ ኣጋጣሚ`ዚ ንስዉእ ኣርኣያ ሓጎስ (ናይ ሩስያ ምሩቕ) ብምዝካር ታሪኹ ኣካፊሉ። እዚ ዓቢ ታሪኽ እዚ ከይተሰነደ ብዙሓት ምሕላፎም ከኣ ናይ ብሓቂ ኣብ ታሪኽና ሃጓፍ ክፈጥር ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን ኢሉ። ስለዚ ኩልና ኣብዚ ቃልሲ ዝነበርና ሰባት፡ በብዓቕምና ከነበርክት በዚ ኣጋጣሚ ይጽውዕ ብምባል ተላብዩ። መንእሰያት ግዳያት ናይ ኩሉ ኣደራዕ ምዃኖም፡ ብሰንኩ ናብ ዝተፋላለየ ኣድላዩ ዘይኮነ ዝምባለታት ይወድቁ ምህላዎምን፡ ንሕና ከም ሓርበኛታት ናይ ምእልዩ፡ ከምኡ`ውን ናይ ምቕራቦምን ሓላፍነት ኣሎና ክብል ተላብዩ።

ኩሎም እቶም ኣብታ መዓልቲ ነናቶም ዘረባ ከቕርቡ ዝተነግሩ ምስ ወድኡ፡ ዕድል ነቲ ተሳታፊ ኢዩ ተዋሂቡ። ሓደ ብሓደ ከኣ ብዛዕባ እታ መዓልቲ ዘለዎም ኣኽብሮትን፡ ናይ ገድሊ ጦብላሕታን፡ መንእሰያት ክወርስዎ ዝግበኦም ናይ ቃልሲ ባህልን፡ መረዳእተኦም ኣመሓላሊፎም።

ተጋዳላይ ዮውሃንስ ጸጋይ፡ ሓደ ካብ ኣወሃሃድቲ ናይቲ መደብ፡ ሰውራና ብዙሕ ፍልጠትን ክእለትን ዝሓለፎ መድርኽ ከም ዝነበረን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓድነት ዝኸዶ ቃልስን ምንባሩ፡ ብኣብነታት ኣሰንዩ ገሊጹ። እዚ ዝተኻየደ ናይ ሓርነት ቃልሲ ብቀሊሉ ዝተዓወተ ዝመስሎም ኣለዉ። እዚ ግን ጌጋ ኢዩ። እዚ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ቃልሲ፡ ኣብ ከተማታት፡ ገጠራት፡ ከምኡውን ኣብ ወጻኢ ብደረጃ ሓፋሽ ውድባት፡ ማእለያ ዘይብሎም ሰብ ሞያ ዝተሳተፉሉ፡ ክንደይ ሰብ ዝበልዐን ብዙሕ ዓቕሚ ሰብ ዝሓለፎን ምዃኑ፡ ሳላኡ ኸኣ እቲ ሰውራ ከም ዝተዓወተን ኣብሪሁ። ከም ታሪኽ ከኣ፡ ክምዝገብ ከም ዘለዎ ሓርበኛዊ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

ቀጺሉ ገዲም ተጋዳላይ ዶክተር ገብረ ገብረማሪያም፡ ሓደ ካብቶም ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተሳተፉ ሓርበኛ ኢዩ። ዶክቶር ገብረ ኣብቲ ኣለም በቃኝ ተባሂሉ ዝፍለጥ ማሕዩር ንዓመታት ሕዩር ዝነበረ ሰብ ኢዩ። ንሱ ኣብ መእተዊ ዘረብኡ፡ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መዓልቲ፡ ብሃገርን ህዝብን ክኸውን ዝግበኦ ኢዩ ኔሩ። ይኹን እምበር ታሪኽ ዝስንድ ዘይኮነ ታሪኽ ዘጥፍእ ስርዓት ክሳብ ዝሃለወና ከምዚ ዝኣመሰለ መዓልቲ ክገብር ትጽቢት ዝገብረሉ ሰብ የለን። ንኹሎም እዞም ኣዳለውቲ ናይዚ መደብ ከኣ ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ ተበግሶ መዓልቲ ሓርበኛታት ከም ዝገበርኩም ክትፈልጡ ይግባእ፡ ብምባል ነቲ መዓልቲ ዘለዎ ደገፍ ብንጹር ኣመሓላሊፉ።

ቀጺሉ ርእይቶኡ ዝሃበ፡ ገዲም ሓፋሽ ውድብ ኣቶ ተስፋይ ተኽለ፡ ካብ ሃገረ ጀርመን ኢዩ። ንኣገዳስነት ናይዚ ጎስጓስ`ዚን፡ ንመንእሰያት ዝምልከት ጻውዒትን ኣመሓላሊፉ። እዚ ቃልስና፡ መንእሰያትን ኣያታትን ሓቢሮም ክኸዱዎ ከምዝግባእን ንኹልና ዝምልከት ምዃኑን፡ ኣዘኻኺሩ።

ቀጺሉ፡ ገዲም ተጋዳላይ ተስፋልደት መሓሪ ደበሳይ፡ ሓደ ካብቶም ንመንእሰያት ዘተኮረ ምሕጽንታታት ዘቕረበ ኢዩ ኔሩ። መንእሰያት ሃገርና፡ ግዳይ ናይዚ ወሪዱና ዘሎ ኣደራዕ ኢዮም። ነዚ ጥፍኣት ናይ መንእሰያት ዝሕተተሉ እቲ ኣብ ዓድና ዘሎ ስርዓት እኳ እንተኾነ፡ ንሕና ከም ሓርበኛታት እውን ካብዚ ሓላፍነት`ዚ ክንሃድም ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ምስኣቶም ኣወንታዊ ጽምዶ ጌርና ንሳቶም ንቕድሚት ዝኸዱሉ መንገዲ ክንፈጥር ናይ ኩላትና ሓላፍነት ኢዩ ኢሉ። ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል`ውን፡ ናይዚ ምንቅስቓስ`ዚ መደባት፡ ኣብቲ መደባቱ ሰሪዑ ክጉስጉሰሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ተማሕጺኑ። ከም ኣያና መሓመድ ብርሃን ብላታ ዝኣመሰሉ ገዳይም፡ ናብ ሰውራ ክስለፉ ከለዉ ደቂ 19 ዓመት ኢዮም ነይሮም፡ ይኹን`ምበር፡ ብደረጃ ሓላፍነት ንሰውራ ኣገልጊሎም። ናይ ሎሚ መንእሰያት ከኣ፡ ኣድላዪ ኣብ ዘይኮነ መደባት ግዜ ኣብ ክንዲ ምብኻን፡ ኣብነት ታሪኽ ናይ ኣያታቶም ብምኽታል፡ ሓላፍነት ክስከሙ ከምዘለዎም ኣዘኻኺሩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣላዪ ናይቲ መደብ፡ ተጋዳላይ ሃይለ ወልዱ፡ ዕላማ ናይቲ ዝነበረ መደብን ካብ ትጽቢትና ንላዕሊ ውጽኢታዊ ንክኸውን ዝገበሩ ናይ ክብሪ ዕዱማትን ኩሎም ተሳተፍቲን ብምምስጋን፡ እቲ መደብ ብዓወት ተዛዚሙ።

6th celebration of Eritrean Veterans' Day, 6ይ ጽምብል፡ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ፡ (Snitna 29-Aug-2021) P1/2


6th celebration of Eritrean Veterans' Day, 6ይ ጽምብል፡ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ፡ (Snitna 29-Aug-2021) P2/2


A Slide video presented on the occasion of Eritrean Veterans' Day 6th year event, on 29th August 2021, via Zoom, organized by UK Team.


Share with friends:


See also related - ምስዚ ዝተኣሳሰር፡

•   For more information, please visit the following link፡-
http://snitna.com/eritreanveteransday.html

•   6ይ ጽምብል፡ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ፡ ብሽማግለ ጎስጓስ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ፡ ዓባይ ብሪጣንያ እተዳለወ፡ ማንዛዊ መደብ።
6th celebration of Eritrean Veterans' Day, organised by Eritrean Veterans' Day campaign team in UK.
الاحتفال السادس بيوم المحاربين الإريتريين ، الذي نظمه فريق حملة يوم المحاربين الإريتريين في المملكة المتحدة.

•   5ይ ዓመት ጽምብል መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2020፡ ቀዳም፡ ዕለት 08 ነሓሰ 2020፡ Eritrean Veterans Day’ 2020፡ Saturday 08 August 2020

•   4ይ ዓመት ጽምብል መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2019. 4th Eritrean Veterans Day celebration 2019.
مرحباً بكم الى يوم القدماء المحاربين الارتريين في لندن - المملكة المتحدة

•   3ይ ዓመት ጽምብል መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2018. 3rd Eritrean Veterans Day celebration 2018.

•   2ይ ዓመት ጽምብል መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2017. 2nd Eritrean Veterans Day celebration 2017.

•   1ይ ዓመት ጽምብል መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ 2016. 1st Eritrean Veterans Day celebration 2016.



Share with friends: